Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕረሻ እምበር ውሻል ኣይሓርስን እዩ።

ትርጉም ውሳኔ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላትን እጃም ህዝቢ ኤርትራን ብ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ብ 8 ሰነ 2016፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ብምሃብ፣ መራሕቲ

ትርጉም ውሳኔ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላትን እጃም ህዝቢ ኤርትራን

ብ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ብ 8 ሰነ 2016፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ብምሃብ፣ መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ክቐርቡ ከምዘለዎም ለበዋ ‘ኳ እንተመሓላለፈ፣ ክሳብ ትማሊ 1 ሓምለ 2016 ኣብ ጀኔቫ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክመኻኸር ዝቐነየ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት፣ ነቲ ብተጸዋዕነት ሶማልን ጅቡትን ንውሳኔ ዘቕረቦ ንድፊ ብተደጋጋሚ ቀጢኑ ከምዝፈኵስ ብምግባር፣ ነቲ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ናብቲ ዝለዓለ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ባይቶ ጸጥታ ዘመሓላልፎ፣ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ መሊሱዎ ኣሎ።

እቲ ብይን፣ ንማለቱ ፣ እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ናይ መርማሪ ኮምሽን ስራሕ “ዝምልከቶም ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህጹጽ ስጉምቲ ኣብ ግምት ከእትዉዎ መእንቲ ከቕርበሎም” ክብል ሽፈፍ ኢሉዎ ‘ኳ እንተሎ፣ ብቐንዱ ነቲ ጉዳይ ንኽምርምሮን ንጥርጡራት ገበነኛታት ክፈርዶምን ንሕብረት ኣፍሪቃ ሓላፍነት ኣሰኪሙዎ ይርከብ።

በዚ ኣጋጣሚ እምብኣር፣ ኣብ ጽባሕ ናይቲ ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ‘ውን ኣሚትናዮ ከምዝነበርና፣ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መስርሕ ‘ዚ ሓቀኛ መረዳእታ ሓዲሩዎ ካብ ተጸባይነት ድሒኑ፣ ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገሩ ኣብ ምውሓስ ኮነ ዕድሉ ኣብ ምውሳን ብቐዳምነት ዝስራዕ እቲ ናይ ባዕሉ እጃም ምዃኑ ፈሊጡ ሓላፍነቱ መታን ክስከም፣ ኪኖ’ቲ ብዝተፈላለየ ኩርናዓት ዝወሃብ ዘሎ ስምዒታውን ኣደናጋርን መግለጺታት ሓቀኛ ትርጉሙ ክግንዘቦ ከምዘለዎ ከነስምረሉ ንደሊ።

ነዚ ጉዳይ ‘ዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ህዝብና ብናይ ሓሶት ሞራልን ፕሮፓጋንዳን ኣብ ኣጉል ትጽቢት ወዲቑ ዘይክዉንነታዊ ትጽቢት ካብ ምሕዳር ክድሕን ምእንቲ፣ ዋላ እቶም “በዚ ውሳኔ ዓጊብና” እናበሉ ብታህዋኽ ዝዛረቡ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ‘ውን ስምዒቶም ክቋጻጸሩዎ ይግባእ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ውሳኔ ስለዝነጸጎን ስለዘማረረን፣ “ተዓዊትና ኣለና ማለት ‘ዩ” ኢልካ ብቐሊሉ ክትዓግብ ምፍታን ናብቲ ስትራተጂካዊ ዓወት ንምብዛሕ ዘሎ መንገዲ ዘናውሕ ሰንኮፍን ዘይብሱልን ኣቀራርባ እዩ። ዓወት ብግብረ መልሲ ዘይኮነ ርእሱ ክኢሉ ብርትዓዊ መንገዲ እዩ ክዕቀን ዘለዎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ተዳኺሙ፣ ኣብ ኣጋ ውድቀቱ ስለዝርከብ፣ ልክዕ ከምቲ ኣሪጉ ናብ ሞት ዝቐረበ ሽማግለ ብቐሊሉ ዘቕረምርም፣ በንጻር’ቲ ናይ ቀደም ትዕቢቱ ዋላ ብንእሽቶ ነገር ምዕዝምዛሙ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብዚ ጠፍ ምባል ከም ጽፍዒት እተሕምመሉ ዘላ እዋን፣ መልክዑ ኣመሓይሹ ዕድመ መታን ክልቅብ ሓደ ናይ መጻንሒ ሜላ ኣተኣታትዩ ‘ሎ። ልክዕ ከምቲ ገለ ስሱዓት ነጋዶ ዝገብሩዎ፣ ፈለማ ዓይኒ ዘይብሉ ዝኸበረ ዋጋ ነጊርካ፣ ድሕሪ ምቅጥቓጥ ‘ውን ኣብ መወዳእታ ዘይግብኣካ መኽሰብ ናይ ምግሓጥ ስልቲ፣ ህግደፍ ንርኡያት ሓቅታት 100 ካብ ሚእቲ ክሒድካ፣ ኣብ መወዳእትኡ ከምዚ ትማሊ ኣብ ዝሓለፈ ውሳኔ ቢትምሕሪ ሰብኣዊ መሰላት ብግብሪ ዝተራእየ ኣሻላሻል ምርካብ ከም ሜላ ይሰርሓሉ ኣሎ።

ስለዚ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ኩነታት ብዕምቆት ተረዲእና ብቐሊሉ ከይዓገብና ተባዕ ናይ ቃልሲ ሜላ ብምቕያስ ደኣ ክንንቀሳቐስ ኣለና እምበር፣ ንህዝብና ናብ ተጸባይነት ዘምርሑ ጉድለታት ክንፍጽም የብልናን። ብቐንዱ ከይተፈለጠና፣ ከምቲ ናይ ገለ ዘይመንገስታውያን ማሕበራት (NGOs) ስራሕ ከይስእኑ ምእንቲ ቅልውላው ምቕጻል ዘየሰክፎም፣ ብዋጋ ናይቲ ዝዓበየ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘውሕስ ዕላማ፣ ነቲ ምስ ወጻእተኛታት እንገብሮ ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ምንቅስቓሳት፣ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ከካይዶ ዝግባእ ኣውራ ቃልሲ ኣጋኒና ብምቕራብ ንህዝቢ ከነዛንዮ ኣይግባእን።

ምስዚ ተተሓሒዙ ዝርአ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ መንግስቲ ኣመሪካ ሓደ ካብቶም እቲ ተሪር ቋንቋ ናይቲ ውሳኔ ክልስልስ ብጋህዲ ዝተዛረቡ መንግስታት ክንሱ፣  መንግስቲ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኮነ ኢሎም ንኤርትራ ንምሕናቕን ንምምብርካኽን ዘበገሱዎ ውሳኔ ምንባሩ ብትሪ ምኽሳሱ፣ መቐጸልታ ናይቲ “ዝርያ ናይ ኣመሪካ እዩ ጠንቂ ኩሉ ጸገምና ” ዝብል ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻሩ ንኸይለዓል ንናይ ቃልሲ ወኑ ጅሆ ንምሓዝ ንነዊሕ እዋን ዝጠቕመሉ ሜላ እዩ።  ከምቲ ብኡሳት ሰብ ሓዳር፣ ጎረቤት ወይ ጓና ከይሰምዓና እናበሉ ተጸሚሞም ብሓንሳብ ዝነበሩዎ፣ ነዚ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘሎ “ ካብ ምጽዳፍ ቆንጦጠፈ ሓቝፍካ ምሕዳር” ዝዓይነቱ ተመሳሳሊ ድኹም ስምዒት ብምምዝማዝ፣ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ኣመሪካን ኢትዮጵያን እናዘኻኸረ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ምስራቕ ለሚዱዎ እዩ። ‘ይኹን እምበር እቲ ቆንጠጠፈ ሓቝፉ ክብ ምጽዳፍ ዘይደሓነ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ዘይምሕር ጸድፊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ ምዃኑ ተገንዚቡ ነዚ ኣምእሮኡ ኣደንዚዙዎ ዝጸንሐ ፕሮፖጋንዳ ኣጸቢቑ ክነቕሓሉ ይግባእ።

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብገበነኛ ስርዓት ይመሓደር ምህላዉ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሓሊፉ ማሕበረሰብ ዓለም ተገንዚቡሉ ዘሎ እዋን፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ በትሪ ወስ ኢልካ ካሮት ምዅላስ ዝረኣየሉ ዘሎ ምኽንያት እምብኣር፣ ምልኪ ህግደፍ ስለዝፈኾሰ ወይ መግረፍቲ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝዘሓለ ኣይኮነን። ከም ወትሩ ሓያላን ዓለም ካብ ሓርነትን ፍትሕን ከምዚ ኸማና ዝኣመሰሉ ናእሽቱ ህዝብታት ዝያዳ ዘገድሶም ጂኦ ፖለቲካዊ ረብሓታቶም እዩ። እዚ ዝንባለ ‘ዚ ድማ ትማሊ ኣብ ዝተወስደ ውሳኔ ‘ውን ኣሰሩ ‘ሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብቲ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝመርሓኦ ምሕዝነት ተቐርቂሩ ልኡላዊ መሪት ኤርትራ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣሕሊፉ ብምሃብ ነቶም ብኢራን ዝምወሉ ሑቱ ኣብ ምድኻም እጃሙ ክጻወት ምጽንሑ፣ ዋላ ‘ኳ በላዕቲ ናይቲ ሕሙቶ ኣመሪካን ቀጠርን እንተኾና፣ እተን ዝጎስዓ ዘለዋ ግን ኣመሪካን እንግሊዝን እየን። እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ (ግብጽን ሊብያን) ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎረቤትና የመን ብማዕዶ ድማ ኣብ ሶርያ ዝተኻየደ ዘይዕዉት ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ንገዛእ ርእሱ ካልኣይ ግዜ ክሓስቡ ከምዝድርኾም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብ ሃብቲ ማዕድን ሃገርና ኢድ ናይ ምሕዋስ ሃንቂሃንቃኦም ኮነ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ናይ ምግታእ ድሌት ‘ውን ንዓኣቶም ካብ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝሃጸጸን ዝዓዘዘን እዩ።

ስለዚ ከምቲ ደጋጊምና እንብሎ ዘለና ፣ ህዝቢ ኤርትራ ማሕረሻ እምበር ውሻል ከምዘይሓርስ ተገንዚቡ፣  ኣብ ነብሱ ተኣማሚኑ ደኣ ሓርነቱ ብምርግጋጽ ዕድሉ ክውስን ኣለዎ እምበር፣ ብትጽቢት ክበሊ የብሉን።

እቲ ከም ዛንታ ዓወት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጥቀስ ዘሎ ኣብዚ ዓመት ‘ዚ ዝተቓንዐ ፍርዲ መራሒ ጫድ ነበር ሑሰን ሃብረ፣ እቲ ን 8 ዓመት ጥራይ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ 26 ዓመት ምስ ሓለፈ ናብ ፍርዲ ምቕራቡ እንተተዘኪሩ፣ እቲ ዓወት ዘቝጸልጽል ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በቲ ካልእ ወገን፣ እቲ ብባይቶ ጸጥታ ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክቐርብ ዝተወሰነሉ ዑመር ኣልበሽር ናይ ሱዳን እቲ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ትጽቢት ሰልችዩዎ ሸለል ክብሎ ዝተደናደነሉ ምኽንያት ‘ውን በሽር ኣብ ስልጣን ብምህላዉ እዩ። ስለዚ፣ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ፣ ተነጽሎ ህዝብን ዓለምን ኣዛይዱ ውድቀት ናይቲ ኣሪጉ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ምቅልጣፍ እጃም ከምዘለዎ ተወሳኺ መኽሰብ ደኣ’ምበር ከም ቀንዲ ዓውዲ ኵናት ለውጢ ክርአ ኣይግባእን።

ልክዕ እዩ፣ እቲ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ከምዘሎ ብምምስካር፣ መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ክቐርቡ ዘመሓላለፎ ለበዋ፣ ብባይቶ ጸጥታ ይርአ ኣይርአ፣ እቶም ገበነኛታት ኣብ ኣህጉራዊ ፍርዲ ይቕረቡ ኣይቕረቡ ብዘየገድስ፣ እቲ ጸብጻብን ለበዋታቱን ንገዛእ ርእሱ ከም ሰነድ-ምስክርነት ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ምኽንያቱ፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ድሮ ነቒሑሉ ዘሎ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሕጋውን ሞራላውን ተፈላጥነት ዘይብሉ ናይ ገበነኛታት ስርዓት ምዃኑ ዝግንዘብ መረዳእታ ዝድርዕ ወግዓዊ ሰነድ እዩ።

ካብዚ ንደሓር፣  ህዝቢ ኤርትራ፣ በዚ ናይ ለውጢ ድሌቱ ፍትሓዊ ምዃኑ ዳግም ዝምስክር ተወሳኺ መርትዖ  ተተባቢዑ ንጹር ናይ ቃልሲ ሜላን ቅኑዕ መሪሕነትን ኣዋዲዱ ደኣ ሓርነቱ ከቀላጥፍ ክጓየ ኣለዎ ‘ምበር፣  እቶም ገበነኛታት ኣብ ቅርዓቱ እቲ ውሳኔ ድማ ኣብ ኢዱ ከለዉ፣ ባይቶ ጸጥታ ይኹን ሕብረት ኣፍሪቃ ነቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርበሉ ውሳኔኦም ክጽበ ቀንፈዘው ክብል የብሉን።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

02 ሓምለ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • k.tewolde July 2, 2016

    Use the grassroots approach at hand,utilize its road map,elect our local and global leaders,establish government in exile,solidify its tenets manually, financially,diplomatically……… and get it ready to transition the power to the Eritrean people starting now.Those prolific activists and human right advocates should transition to political leading role,capable new ones should step up to the plate and introduce themselves to the people,lets do a thorough inventory in diaspora of high ranking officers with military science know how,it is time to take care of our business.We made our case at the UN,it is a resounding success,case closed.The time has come to lead,follow or get out of the way. Like my good old friend say,’money talks and bullshit walks a marathon.’ The tyrant got our money and lets go get it and use it to kick his a*@!

    • Wedi Keren July 3, 2016

      Talk is so cheap and so easy but when it comes to the real action you are all chickens.
      You have all been doing a big talk for far too long now just show us or lead us to the big action!!!

  • SileFithi July 3, 2016

    ሓቂ ኢዩ፡ ቀንዲ ኣሳሳዪ ጉዳይ ዋና ባዕሉ ክኸውን ከንዘለዎ ዘካትዕ ኣይኮነን።
    ንገበነኛታት ናብ ፍርዲ ይቕረቡ ዝብል ሓሳብ ዋላ ናብ ባይቶ ጸጥታ እንተተመርሐ ክሳብ ኣብ ውሳኔ ዝበጽሕ ነዊሕ ጊዜ ዝወስድ ኢዩ። ምስተወሰነ’ውን እንተኾነ ኣብ ኣፈጻጽምኡ ካልእ ብዙሕ ሸንኮለልን ጊዜ ምምጣጥን ከምዘለዎ፡ ካብ ናይ ሱዳን መራሒ ዑመር ኣልበሽር ጉዳይ ክንዕዘቦ ዝግባኣና ነገር ኣሎ። ብተወሳኺ ሃገራት ኣፍሪቃ (ተግባራት ናይ መብዛሕትኦም መራሕተን ከየሕፈረን) ብመንጽር ብውልቀ ጉዳያትን በቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ወይ ከኣ ዝተፈጸሙን ገበናት ዘይኮነ፡ ብመትከል ደረጃ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ጥራይ ዝቐንዐ ኣሰራርሐ ኢዩ ዝኽተል ዝብል ኣረኣእያታት የማዕብላ ስለዘለዋ ኣብ መፈጸምታ ምስ በጽሐ ኣብ ኣፈጻጽምኡ ምትሕብባረን ክጎድል ይኽእል። ስለዚ እዚ ውሳኔ ናይዚ ቤትጽሕፈት ብብዙሕ መእዝን ምስንዕዘቦ ዝሕሸ ኣገባብ ዝተኸተለ ኮይኑ ይስማዓካ፡ ብቐንዱ ትሕዝቶ እቲ ሪፖርት ከምዘለዎ ብምሉእ ምርድዳእ ኢዩ ተቐቢሉ ኣጽዲቑዎ። ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ይፍጸም ኣሎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘጠራጥር ጉዳይ የለን። እቲ ሕቶ ኣብ ዝርዝር ብምእታው ገበነኛታት ፈሊኻ ክሲ ንምምስራት ብኸመይ ይተሓዝ መንከ ይከታተሎ ኣብ ዝብል ነጥቢ ጥራይ ኢዩ እቲ ምቅይያር ተጌሩሉ ዝበሃል ዘሎ።
    እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ናብ ውዱብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኮይኑ ካልኦት ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ከኣ ዘድሊ ምክትታል ክገብራን እታ ኮሚሽን ብፍላይ ከኣ ዝሓየለ ምክትታል ክትገብር ናይ ስራሕ ጊዜኣ ተናዊሑ። ብወገነይ ዕቱብን ዝናኣድን ኣተሓሕዛ ኮይኑ ይስማዓኒ። ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ነገር ከም ውዱእ ዝወሰዶ ኮይኑ፡ እንታይ ድእ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክቐርበሉ ዝደለየ ይመስል። ስለዚ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብቀንዱ ኣብ ሰድያ ስልጣኖም ዝተሰመሩ ብዙሓት ውልቀ መለኽቲ ስለዘለው በቲ ሓደ መዳይ፡ ‘ገለ ከኣ ንሕና ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ጥራይ ዲና ናብ ፍርዲ ንቐርብ’ ዝብል ኒሕ ስለዝሓዞም በቲ ካልእ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝሓባብሎም ገለ ሰነፋት ወሲኽካ ነቲ ጉዳይ ከየፍኩሱዎ ልዑል ጻዕሪ ከድልዮ ኢዩ፡ ብሐፈሻ ክርኤ ከሎ ግና ዕውት፡ ዝያዳ ናብ ዝተረረን ኣብ ትግባረኡ ዘተኣማምንን መንገዲ ተመሪሑ’ሎ ክበሃል ይከኣል።
    ስለዚ ነዚ ጉዳይ ኣብዚ ደረጃ ዘብጻሕኩሞ ውልቀሰባትን ትካላትን ( ኣቶ ኣማኑኤል እያሱ ብውልቅኻ፡ ኣሰና ፋውንደሽን ከኣ ከም ትካል ወሲኽካ) ከም መስርሕ(process) 100% ዕውታት ኢኹም ክበሃል ይከኣል። ኣብ መፈጸምታ ንኽበጽሕ ጋና ዝሓየለ ጻዕሪ ከድሊ ኢዩ፡ ነቶም ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ዝደልዩ ናይ ሞትን ሀይወትን ጉዳይ ስለዝኾነ ሜላ እናቐየሩ፡ ኣብ ገለ ነጥብታት ዋላውን ምምሕያሽ ንይምሰል ብምግባር ዘይፍንቅልዎ እምኒ ኣይክተርፎምን ኢዩ። ሕጂሞ ከኣ ውልቃዊ ጉዳዮም እንድዩ።
    ዝያዳ በኺኻን ኣንጸርጺርካን መቕጻዕቲ ክተፍክስ ካብ ምድላይ ዝነቅል ጥራይ ኮይኑ ኣይስመዓንን ናይ የማነ ማንኪ ምዕግርጋር። ብርግጽ ነገር ከቢዱ ስለዘሎ ናይ ዓቕሊጽበት’ውን ኢዩ።

    ኣማኑኤል ኣብ ጽሑፍካ ከምዝገለጽካዮ ብዙሓት ናይ ረብሓን ህልው ኩነታት ዞባናን ክፈጥሩዎ ዝኽእሉ መሰናኽላት ብዓይኒ ስክፍታ ምርኣይ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ግና “ብዘይካ ባዕለይ ነይትኣቱ በቕለይ” ዝብል ጭርሖ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ።
    ስለ ዝተገፍዑን ጋና ኣብ ማእሰርትን ጭቆናን ዝርከቡ ኣሕዋትና ንሓንቲ ካልኢት’ውን ሰለም ክነብል ኣይግበኣናን። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዓለም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኣፍሪቃ እንተኾነ ዝተነዓቕና ህዝቢ ኮንና ከምዘለና ክስቆረና የድሊ። ክብረትና ክምለስ እንተኾይኑ ከኣ ጓኖት ከዐርዩልና ዘይኮነ ባዕልና ገዛና ምስነጽሪ ጥራይ ኢዩ። ወደሓንኩም

  • Conservative Eysc July 3, 2016

    Now you come to the reality ema!!
    We been talking that COi or others
    Just hijacking our struggle every
    resources should in our own control!!still opposition has to acknowledge its weakness!!

    • Alekhum do July 4, 2016

      ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብቲ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝመርሓኦ ምሕዝነት ተቐርቂሩ ልኡላዊ መሪት ኤርትራ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣሕሊፉ ብምሃብ ነቶም ብኢራን ዝምወሉ ሑቱ ኣብ ምድኻም እጃሙ ክጻወት ምጽንሑ፣ ዋላ ‘ኳ በላዕቲ ናይቲ ሕሙቶ ኣመሪካን ቀጠርን እንተኾና፣ እተን ዝጎስዓ ዘለዋ ግን ኣመሪካን እንግሊዝን እየን። እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ (ግብጽን ሊብያን) ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎረቤትና የመን ብማዕዶ ድማ ኣብ ሶርያ ዝተኻየደ ዘይዕዉት ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ንገዛእ ርእሱ ካልኣይ ግዜ ክሓስቡ ከምዝድርኾም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብ ሃብቲ ማዕድን ሃገርና ኢድ ናይ ምሕዋስ ሃንቂሃንቃኦም ኮነ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ናይ ምግታእ ድሌት ‘ውን ንዓኣቶም ካብ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝሃጸጸን ዝዓዘዘን እዩ።

  • Amanios July 3, 2016

    ኣብ ደቂ-ሰባት ርህራሄ ዘይብሉ ጨካን፡ እዚ ንሃገርናን ህዝብናን ረጊጹ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ። የማነ ጓል-በረኻ ንጉጅለ ህግደፍ ወኪሉ ኣብ ጀነቫ ከውሕዞ ዝቐነየ ንብዓት፡ ከንጉዶ ዝቐነየ ኣውያት፡ ክነፍሖ ዝቐነየ ናይ ኣምሰሉ ፕሮፓጋንዳታት፡ ከብድኻ ዝበልዕን ዘደንግጽን ኢዩ ነይሩ።

    ወከልቲ ኣመሪካን ቺናን፡ ነቲ ብዘይሕጋዊ መንግስቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ኣይከሓድዎን። ብኽያትን ንብዓትን የማነ ጓል-በረኻ ስለዘደንገጾም ግን፡ ኣጠቓቕማ ቋንቋ’ቲ ውሳኔ ቁሩብ ልስልስ ክብል ተማሕጺኖም። ኣብዚ ቅንያት ንመሪር ቁዛሜ የማነ ጓል በረኻ ዝተዓዘበ፡ ኣሽንኳይ ንጓኖት ኣመሪካውያንን ቺናውያንን፡ ንዓና ነቶም ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ይንገስ፡ ምልኪ ይፍረስ እንብል ኤርትራውያን ከይተረፈ ልብና ተንኪፉ ኣብ ድንጋጸ ከሸመመና ኣይተረፈን።

    እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ውሳኔ፡ እቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ጸብጻብ ጉዳይ ኩነታት ምግሃስ ክብሪታትን መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከተን ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቓልቦ ክግበረሉን ኣድላዪ ህጹጽ ውሳኔ ክውሰደሉን ኢዩ ዝብል። ኣፍሪቃውያን ኣብ ልዕሊ ቅንዕና ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ዝኣክል እምንቶ ስለዘይብሎም ድማ፡ ቤት ምኽሪ መሰላት ወዲ-ሰብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት( United Nations Human Rights Council UNHRC) እዚ ጉዳይና ብፍላይ ብውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ( African Union, AU) ዕቱብ ኣቃልቦ ክግበረሉን ጭቡጥ ስጉምቲ ክውሰደሉን ተማሕጺኑ።
    ከምቲ ብኣማኑኤል ኢያሱ ተጠቒሱ ዘሎን ካልኦትውን ዝበሉዎን ኣብ መወዳእታ ቀዳሞት ወሰንቲ ዕድልና ባዕልና ኤርትራውያን ኢና። ካብ ሳልሳይ ኣካል ዝኾነ ዝልገስ ደገፍ ብጽፈት እንተተጠቒምናሉ ዓወት ኣብ ሓጺር እዋን ክድለብ ይካኣል ኢዩ።

  • Bereke July 3, 2016

    Amanuel Keep it up. You deserve the honor for your work. Eritrea needs more of your typ, who undestand the current situation and who can devote themselves to fight agains the dictatorship in Eritrea.. Allways . I apreciate your analysis. You are not only a great Jouranlist, you are also one of the best politicians, eritrea has. As you said we Need to come togehter and fight further. We and We are the only solution for our own Problems.

  • sober solutions July 3, 2016

    እዚ ኣማኑኤል ሓውና ዝጸሓፎ ካብ ስኽራንና ዘዝሕል እዩ።ዓቢ መምህር ምዃኑ ኣፍሊጡ።ኣይ.ሲ.ሲ/icc ብዛዕባ ኤርትራ ግፍዒ ኣንጻር ደቂ ሰባት ተሰምዩን ማለት ጉዳይ ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን፣ወረ ኢሳያስ እውን ኣንጠልጢሎሞ ወሲዶሞ ከምዚ ዘሎና ናይ ሃይማኖትን ኣውራጃን ገፊሕ ቅርሕንቲ ብሓቂ ሃገርና ብሓደ ጠጠው ነብላ ኢና የስምዕ ዶ ? እቲ ጻውቲ ፖለቲካ ኣብ ኢድ ከበሳውያን ጥራይ ጌርና እናወሰድና፣ናይ ዚኣ ኣውራጃን እቲኣን ብቐሊሉ ዝፍታሕ እዩ ስለዚ 2+2 . 4 ስለ ዝኾነ ጉዳይ ተወዲኡ፣…ኣይኮነን።ኤርትራና ጠጠው ክትብል እንተኾይና ከምቲ ንሕና ምስ ኢትዮጵያ ዘይኮነ ባዕልና ኢና ንምሓደር ዝበልናዮ፣ኤርትራውነት እውን ብሓይሊ ዘይኮነ ብድሌት ይኹን፣
    -ንዓፋርን ኩናማን ሬፈረንደም ንሃቦም።ናይ ባዕሎም ሃገር ምምስራት ወይ ምስ ክልል ናቶም ምጽንባር ከም ዝውስኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።ናይ መታሕት ፓርቲ ኤርትራውነት ከም ዝመርጹ ኣይጣራጠርን፣እዚ መታሕት ምስ ሱዳን ክኾኑ እዮም ዝደልዩ ዝብል ርእይቶ ኣብ ድኹም ዝኾነ ንህዝቢ መታሕት ብሃይማኖት ከም ዝብገሱ ንምምሳል ዝነፍስ እዩ።መታሕት ምስ ከበሳ ቅርሕንቲ ኣየሕደሩን፣ሓቢሮም ክነብሩ ጸገም ዘለዎም ኣይመስልን።
    ንዓፋርን ኩናማን ግን ብሓይሊ ኤርትራውነት ስለ ዝተሰጎዶም ብሬፈረንደም ንሕተቶም።እቲ ባሕሪ ብልዝብ ኤርትራን እንተፍቂዶምላ ድማ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ዓፋር እናኸፈላ ይጠቐማሉ።
    ኣይኮነን ግን, ንሕና ግዝኣት ትግርኛ ኩናማ ኣይንኣምን ዓፋር ኣይንኣምን,ሰጥ ለበጥ ኢሎም ንነብር እንተበሉ ጽቡቕ ,ኣይኮነን ግን ስርዓት ትግርኛ መሊሱ ክቕጽል እዩ ንብል እንተዄንና ሰላምን ስምረትን ዘለዋ ኤርትራ ዘይኮነት ፍንጥሕቲ ዓዲ ኢና ክንወርስ።
    ልቢ ይሃበና
    ካብ ግዝኣት ሽዋዊ ኣምሓራን ግዝኣት ህግደፋዊ ትግርኛን ንምሃር

    • Mohamed July 3, 2016

      “ኤርትራና ጠጠው ክትብል እንተኾይና ከምቲ ንሕና ምስ ኢትዮጵያ ዘይኮነ ባዕልና ኢና ንምሓደር ዝበልናዮ፣ኤርትራውነት እውን ብሓይሊ ዘይኮነ ብድሌት ይኹን፣
      -ንዓፋርን ኩናማን ሬፈረንደም ንሃቦም።ናይ ባዕሎም ሃገር ምምስራት ወይ ምስ ክልል ናቶም ምጽንባር ከም ዝውስኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።”

      sober solutions aka Cow[ard] Face

      You want see our country cut to pieces. In what way that will help your country ?, In what way that will help Tigray ?
      Please come to your senses.

      • SOBER SOLUTIONS July 4, 2016

        Mohamed/kalighe/wedi hagher,Eritrea for Eritreans only

        I also believe in Jebertis being Biher ,I do not subscribe to the chauvinist ideology of tigrinya ..”the jebertis speak tigrinya ,dance in tigrinya,,,bla..bla..so do Jamaicans speak ebglish ,but they are not british.
        Do not feel left out ,it is our Jeberti people are in Eritrea ,somalia ,Yemen..I am fair in my judgement.
        Happy Romadan

      • twisted ppl July 4, 2016

        Stop hating Tigray ppl for what hatsei youhans did to people that have habit of biting the hand that feeds them,It happened in 19th century, now ,we are in 21st century.

      • twisted ppl July 4, 2016

        Mohamed

        Stop hating Tigray ppl for what hatsei youhans did to people that have habit of biting the hand that feeds them,It happened in 19th century, now ,we are in 21st century.

      • cow face July 4, 2016

        Mohamed,

        should you not be more worried about tigray more than me ,specially Axum and Shire. Go tayloring my brother.

      • Wedi Keren July 5, 2016

        Mohamed, we all know your country is your muslim religion and you want to make our Christian habesha Eritrea into a backward full of killings and bombings savage Islamic country. Please stay away from our beautiful Eritrea and go to your beasts Arab countries because that is truly where you belong and come from inthe first place.

    • SileFithi July 4, 2016

      Dear brother/sister!
      You are out of the topic.
      Kindly, your suggestions and recommendations should be based on the topic of discussion. I assumevyou are honest person, else not worth talking to you. With due respect.

  • Simon G. July 4, 2016

    sober solutions,
    I am sorry to say that but you are the Yemane Monkye’s and Kisha’s who pretends Eritreans as your boss Isayas. You guys are the worst of the worst. You are killing Eritrea. The Nhna Nsu idiots think you are Eritreans but you have No single blood of Eritrea.
    As you said before, there were 100Ks of Tigrayan settlerles in Hamasien during Alula. Are you one of them? Leave us alone.

  • SOBER SOLUTIONS July 4, 2016

    Simon G ,

    I am from Dimbezan and guHchiA seraye, but on my mother’s mother (grandmother) I also belong to Embaderho and tseAzega ,this were the places that were settled by the 199 k tigrawot ,as for dimbezan ,originally from dembiya gondere ,we also have our brothers from mighty Embasoyra “mereta Sebene”..so if you know your documented history ,you may not be tigraway ,but you are also .son of proud nigus Dembiya gondere.

    ayzoh wegenie

  • twisted ppl July 4, 2016

    Simon G/almighty….,

    Search your history brother ,you are the one attached to Tegaru ,if Italians had demarcated it differently you would be the new agame ,well,some ppl think it though.
    The tsaHli should not tell the kettle blackie.

  • cow face July 4, 2016

    Simon G ,

    They also settled in mereta sebene ,brothers of dimbezan ..but these ones were gonderes ,this were my and your ancestors

POST A COMMENT