Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኤርትራውያን ኣብ ስደት እንታይ ይመስል? – 3ይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፋላት ካብ ሓደ ክሳብ ዓሰርተ ሰለስተ ዘለዉ ጉጅለታት ርኢና ኔርና። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ካብ ጉጅለ ዓሰርተ ኣርባዕተ ክሳብ ጉጅለ ዓሰርተ ሽዱሽተ ቀሪበን ኣለዋ። ጉጅለ ዓሰርተ ኣርባዕተ፡ ኤርትራ ትቐድም (ስመርርር) እዞም ኣባላት እዛ ጉጅለ፡

ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፋላት ካብ ሓደ ክሳብ ዓሰርተ ሰለስተ ዘለዉ ጉጅለታት ርኢና ኔርና። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ካብ ጉጅለ ዓሰርተ ኣርባዕተ ክሳብ ጉጅለ ዓሰርተ ሽዱሽተ ቀሪበን ኣለዋ።

ጉጅለ ዓሰርተ ኣርባዕተ፡ ኤርትራ ትቐድም (ስመርርር)

እዞም ኣባላት እዛ ጉጅለ፡ መብዛሕትኡ እዋን ስመር ብዝብል ጭርሖ ዝፍለጡ፡ ንኤርትራ ከም ሃገር ቀዳምነት ብምስራዕ፡ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ብዘይወዓል ሕደር ክትላቐቕ ዝጽዕሩ ወገናት እዮም። ኣባላት እዛ ጉጅለ መብዛሕትኦም መንእሰያት ኮይኖም፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ምእላይ፡ ከም ናይ መወዳእታ ዕላማ ሒዞም ዝቃለሱ እምበር፡ ድሕሪ ምእላይ እቲ ስርዓት እዝን እትን ፖለቲካዊ ክውንነት ክንፈጥር ኣለና ዝብል ቅድመ ኩነትን፡ ፖሊቲካዊ ስልጣን ናይ ምጭባጥ ህርፋንን ኣይርኣዮምን። ባዕላዊ ተበጉሶታት ብምውሳድ፡ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ብምድላው ይኹን፡ ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ተረኺብካ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ድምጽኻ ብምስማዕ፡ ነቲ ንለውጢ ዝግበር ቃልሲ ከደንፍዕዎ ይርኣዩ።

ገሊኦም ብሰለማዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ። እቶም ዝተረፉ ድማ፡ ኣይፋልን ብኹሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ብምኽታል እምበር ይብሉ። ሜዳ ወሪድካ ዕጥቃዊ ቃልሲ እንተዘይ ተኻይዱ፡ ብሰለማዊ ሰልፊን ጭድርታ ፓልቶክን ፈይስቡክን፡ ጥራይ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ከቶ ክወርድ ኣይሕሰብን ዝብል መርገጺ ኣለዎም። ዋላ`ኳ ኣብቲ ኣገባብ ቃልሲ ፍልልያት እንተለዎም፡ ኣብቲ ብዝቐልጠፈ እዚ ስርዓት ክእለ ኣለዎ ዝብል ናይ መወዳእታ ዕላማ ስለዝሰማምዑ ግን፡ ብሓባር ንምስራሕ ኣይጽገሙን። እንተኾነ ግን፡ እንትርፎ ሒደት ብረት ዘልዓሉ ብሰራዊት ሕድሪ ዝፍለጡ መንእሰያት፡ ከምቲ ዝድለ ብዝሒ ዓቕሚ ሰብ ስለዘይረኸቡ ብዙሕ ክጥቀስ ዝኽእል ዝተጎናጸፍዎ ዓወት ዛጊት የለን።

ገለ በዚ ዝሕቱል ምዕባሌታት ተስፋ ዝቖረጹ ግን፡ ኢትዮጵያ እንተዘይሓጊዛ፡ ብተበጉሶ መንእሰያት ሕድሪ ጥራሕ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክእለ እዩ ኢልካ ምጽባይ፡ ኣጉል እምነት’ዩ ይብሉ። ምትእትታው ኢትዮጵያ ክውን ኪኸውን ዝኽእል ግን፡ ቅድም ቀዳድም ነቲ ብስርዓት ህግደፍን ተደናገጽቱ ወገናትን ዝፍኖ መናፍሕ፡ ‘’ኢትዮጵያ ጸላኢትካ’ያ፡ ክትወረካን ክትጎብጠካን’ያ’’ ዝብል፡ ግዚኡ ዝሓለፎ ወረ፡ ቀስሙ ክስበር ኣለዎ ይብሉ።

ንኣሽቱ መንእሰያትን፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ነበርን ብብዝሒ ይርከዎም። ንማሕበራውያን መራኸቢ ሓፍሽ (Social media) ተጠቒሞም፡ ንሓያለ ‘ኣብዚ የለና ኣብቲ’ ዝብሉ ጉጅለ ሽዱሽተ፡ ኣብ መስመር ደለይቲ ለውጢ ከምዝኣትው ብምግባር ነቲ ቃልሲ ዘደንፍዕዎ ዘለዉ’ዉን ንሶም እዮም። እንተኾነ፡ ሓደ ካብቲ ቀጻሊ ዝሕመይሉን ዝውቀሱልን ጉዳይ ግን፡ ዝተወደበን ዝተወሃሃደን ኣገባብ ቃልሲ ብምፍጣር፡ ብጥምረት ምስተን ካልኦት ውድባት ደለይቲ ለዉጢ፡ ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ ድኽመት ከምዘለዎም እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ለውጢ ምርግጋጽ ጥራሕ እምበር፡ ድሕሪ ስርዓተ-ለውጢ እንታይ ዓይነት ፖሊቲካዊ ፕሮግራም ከምዘለዎም ዝገልጽ ፖሊቲካዊ ራኢ ብንጹር ስለዘይብሎም’ዉን፡ ሓደ ካብቲ ካልእ ድኽመቶም እዩ ተባሂሉ ይግለጽ። እንተደኣ ውዳበኦም የሐይሎም፡ ንጹር መትከላትን ዕላማታትን ቃልሶም ብንጹር ኣስፊሮምን፡ ምስተን ካልኦት ውድባት ብውህደት እንተድኣ ሰሪሖምን፡ ኣብቲ ዝግበር ቃልሲ ንለውጢ፡ ነጥበ-መቐይሮ ከምጽኡ ዝኽእሉ፡ ንሶም ጥራሕ እዮም ተባሂሉ ይእመነሎም። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ማበራውያን መራኸቢታት ንጡፋት ብምኻኖም፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለው መንእሰያት ኣብ ምውዳብን፡ ምስጢራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምፍጣርን እንኮ ተኽእሎ ዘለዎም’ውን ንሶም ጥራሕ እዮም ዝብል እምነት ኣሎ።

ጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ፡ ጀብሃ ዓባይ (ግዳያት ፍቕሪ ሃገር)

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝካተቱ፡ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ተጋደልቲ እዮም። መብዛሕትኦም ኣባላት ተሓኤ ነበር፡ ቅድሚን ድሕሪን ናጽነት፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ንደምበ ተቓውሞ ክመርሕዎን ክቕልስዎን ዝጸንሑ ንሶም ኢዮም።  በቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ውድባት ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተኻየደ ኲናት ሕድሕድ፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ብጾቶም ስለዝኸሰሩ፡ ህዝባዊ ግንባር ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሻሪኹ፡ ብዝተወሃሃደ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ 1981 ካብ ሜዳ ኤርትራ ተጸሪጎም፡ ሓያለ ኣደዳ ሞትን ስንክልናን ኪኾኑ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ነብሶም ንምድሓን ናብ ሱዳን ከምዝኣተው ይፍለጥ። መብዛሕትኦም በቲ ዝተኸፍተሎም ንምዕራባውያን ሃገራት ናይ ምኻድ ሪሒብ ኣፍደገ፡ ብብዝሒ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብዚ እዋን ንረኽቦም።

እንተኾነ ዋላ ድሕሪ ምስዳዶም ዓሪፎም እፎም ብምባል ክነብሩ ዘይተዓደሉ ወገን እዮም። ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት፡ ብሰሪ ፍቕሪ ሃገር ዝመበገሲኡ ፖሊቲካዊ እምነቶም፡ ትምክሕተኛታት ደገፍቲ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍን ብፍላይ፡  በቲ ካልእ ሓፋሽ’ውን ዓስቢ ከርተቶም ክንዲ ሞሳ፡ ዘይከም ደቂ ዜጋ ተቖጺሮም ኣደዳ ተነጽሎን፡ መጥቃዕትን ብምኻን ከቢድ ወጥሪ ዝመልኦ መነባብሮ ከሕልፉ’ዮም ተቐሲቦም። በዚን ካልእን ምኽንያታት፡ ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር (ህግደፍ) ዝኸሐነ ጽልእን ቂምታን ኣለዎም።

እንተኾነ ተጋደልቲ ጀብሃ ነበር፡ ኣብዚ  ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓያለ ዓመታት ዋላ’ኳ እንተቊጸሩ፡ ከምቲ ዝድለ ኣድማዒ ውጽኢት ግን ኣየመዝገቡን። ዋላ’ኳ እቲ ምኽንያታት ሓያለ እንተኾነ፡ ሓደ ካብቲ ተደጋጊሙ ዝልዓል ወቐሳ ግን፡ ንሓደስቲ መንእሰያት ክኽስቡ ብዘይምኽኣሎም እዩ ዝብል እዩ። ንሶም ብወገኖም እዚ መንእሰይ ወለዶ፡ ከማና ሃገራዊ ኣይኮነን፡ እቲ ምንታይ፡ ካብ ጥቕሚ ሃገር፡ ጥቕሚ ገዛእ ርእሱ ከቐድም’ዩ ዝመርጽ፡ ከምቲ ንሕና ዝኸፈልናዮ ዋጋ ንምኽፋል፡ ቅሩብነት የብሉን ብምባል ይወቕስዎም። እቶም መንእሰያት ድማ፡ ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ’ዩ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስልጣን እንተመጺኹም’ዉን ካብ ህግደፍ ክትሕሹ ኣይኮንኩምን ዝብል መልሲ ይህብሉ። ካልኦት ወገናት ግን፡ እዞም መንእሰያት ዝኣበስዎ የብሎምን፡ በቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ልዕሊ ጀብሃ ዝነዝሖ ናይ ጸለመ ፕሮፓጋንዳ የዒንቶም ስለዝዓወሩ እዮም ብምባል የመኻንይሎም።

ኣብዚ እዋን እዚ ግን፡ መብዛሕትኦም ብዕድመ እንዳደፍኡ ስለዝኸዱ፡ ሓያለ ኣብ ተስፋ ምቑራጽን ምስቁርራን ኣትዮም ይርከቡ። መብዛሕትኦም ነታ ሓመዳ ቒሒሞም ዝዓበዩላ፡ ኣካሎምን ወርቃዊ ናይ ንእስነት ግዜኦምን ዝሰውኡላ ሃገር፡ ከም ደቂ ጓና ክሳዕ ሕጂ ብማዕዶ ካብ ምምዕዳዋ ሓሊፎም፡ ብዓይኖም ክሪእዋ ዘይተዓደሉ፡ ግዳያት ፍቕሪ ሃገር ዝኾኑ ዜጋታት እዮም። ምስቶም ዘፍቅርዎም ወለዶም ከይተራኸቡ ብሞት ዝተፈላለዩን፡ ገለ ካልኦት ድማ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንወለዶም ከምዝሰግሩ ብምግባር፡ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ብብዝሒ ይገብሩ ከምዘለውን ንዕዘብ።  እዚ ተረኽቦ እዚ ድማ፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ማዓንጣ ከብድኻ ዝቐርጽን ጉዳይ ኮይኑ ንረኽቦ።

ጉጅለ ዓሰርተ ሽዱሽተ፡ ኣመንቲ ክርስትያንን (ጴንጠቖስጣል) ጅሆቫ ዊትነስን

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝምደቡ ዜጋታት፥ ብልሙድ ብጴንጠ ዝፍለጡ ኣመንቲ ክርስትያናትን፡ ከምኡ’ዉን ሰዓብቲ ጆሆቫ ዊትነስን እዮም። ኣመንቲ ጴንጠ ይኹኑ ጅሆቫ ዊትነስ እቶም ቀንዲ ግዳያት እዚ ስርዓት ኮይኖም ዘለው ወገናት ክንሶም፡ ካብዚ ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣዝዮም ብምርሓቕ፡ ህጣሞም ኣጥፊኦም ኣለው ተባሂሎም ወትሩ ይውቀሱ።

እንተኾነ ኣብ ኣመንቲ ጴንጠ ክልተ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ከምዘሎን፡ ኣብ ሓያለ ኣጋጣሚታት’ውን፡ በዚ ጉዳይ ኣብያተ ክርስትያናት ከምዝከፋፈላን ይዝረብ። ገለ ብንጡፍ ድምጽና ከነስምዕ ኣለና ዝብሉ ክኾኑ እንከለው፡ ካልኦት ድማ ኣይፋልናን ንሕናስ ምስ ፖለቲካ ግደ የብልናን፡ እንተኺእልና ነቲ ኩሉ ዝከኣሎ ፈጣሪ ድኣ ኣብ ጉዳይና ጣልቃ ክኣትው ንጽሊ እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ሆ ምባልሲ ምስ መንፈሳውነት ዝኸይድ ኣይኮነን ይብሉ። ገለ ካልኦት ድማ፡ መንግስታት ብምእግዚኣቢሄር እዮም ዝሽየሙ እሞ፡ መጽሓፍ ቅዱስ’ዉን መንግስትኹም ተኣዘዙ ስለዝብል፡ ኣንጻር መንግስቲ ምስላፍ ማለት እምበኣር፡ ኣንጻር እቲ ቃል-ኣምላኽ ዝምህሮ ትምህርቲ ምኻድ እዩ ዝብሉ`ውን ኣለው። ብተወሳኺ እዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ሽግር፡ ንዓና ንኣመንቲ መንፈሳዊ ውግእ እምበር ስጋዊስ ኣይኮነን። ምስ ስጋን ደምን ድማ ግደ የብልናን። ክርስቶስ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ ንዝረግሙኹም’ውን መርቑ ኢሉ እዩ ኣዚዙና ዝብል ምጉት የቕርቡ። ብዘይካ’ዚ ብስጋን ደምን ፍታሕ ዝመጽእ ነይሩ እንተዝነብር፡ ንናጽነት ክሳብ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ዝኣክል ህይወት ሰብ ጠፊኡ ክንሱ፡ እቲ ዝተሓልመ ናጽነት ግን ክውን ክኸውን ኣይተኻእለን። ስለዚ እምበር፡ ሕጂ’ውን መወዳእታና ክጽብቕ ዝኽእል፡ ጉዳይና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ እነቕርቦ ጥራሕ እዩ ይብሉ።

እንተኾነ ገለ ሰዓብቲ እምነት ጴንጠቖስጣል፡ ብግሎምን ብቤተክስትያንን ደረጃ ፊናንስያውን ማተርያላውን ሓገዛት ብምብርካት ዕጃምም ዘልዕሉ ኣለው። ገለ’ውን ክሳብ ንመንፈሳዊ እምነተይ ዝትንክፍ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን ዝበልዎ፡ ኣብ ደምበ ደለይጢ ለውጢ ብዝተፈላለየ ኣገባብ እጃሞም ኣብ ምብርካት ዝርከቡ ኣለው።

ሰዓብቲ ጆሆቫ ዊትነስ ግን፡ ካብ ኣመንቲ ጴንጠ ፍልይ ብዝበለ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሃገራዊ ጉዳይ ቦኺሮም ይርከቡ። በቲ ናቶም እምነት፡ ንሕና ተኣማንነትና ንእግዜኣቢሄር እምበር ምስ መንግስቲ እዛ ምድሪ እዚኣስ ዋላ’ሓንቲ ግደ የብልናን ብምባል ንዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ጉዳይ ከምዘይምልከቶም ይቖጽርዎ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብቲ ኣብ 1993 ዝተኻየደ ረፈረንደም’ውን ኣይነድምጽን ብምባሎም፡ መንግስቲ ኤርትራ ዜግነታዊ መሰላቶም ነፊጉ፡ ንሓያለ ካብኣቶም’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጉንዎም ይርከብ።

 

ይቕጽል…….

ቴድሮስ ኣብርሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Suleiman Salim September 26, 2015

    ጵንጠቖስጠ ( ሓምለ-ቁስጠ ) ብኣሜሪካ ተላኢኾም ንኤርትራውያን ኣስላምን ክርስትያንን ናብ ሃይማኖቶም ናይ ምቕያር ሰፊሕ መደብ ኣለዎም። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ቅሉዕ ወራር እዚ ኢዱ ኣጣሚሩ ከምዘይዕዘቦ ንኩሉ ሓንጎል ዘለዎ ሰብ ርዱእ እዩ።

  • ogbai September 27, 2015

    ስሌማን ዋሎ ዘይፈልጥ ኣብዚ ዋዓሎ፡ ንሃይማንት ጵንጠ ካብ ኣሜሪካ መጺኡ እትብሎ። ኩሉ ሃይማኖትከ እብ ኤርትራ መን እዩ ዘብቖሎ። ኩሎ ኣብ ግዳም ፈሊሱ በብእዋኑ ከኣ ናብ ሃገርና ዝፈለሰ ምኻኑ ክሕብረካ እፈቱ። ክትቅበሎን ክትንጽጎን ግን ናትካ መሰል ምኻኑ ክትግንዘብ ይግባኣካ። እንተ ክቡር ሓው ቴድሮስ ዝገብርካዮ ርእይ መጽናዕቲ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ኣብ መወድእታ ከኣ ዝተጸንዔ መዋጽኦ ከይገበርካ ከይትዛዝሞ ሓደራ እብለካ። ብዙሕውን ከየምስግንኩኻ ኣይሓልፍን። ዑቕባይ ተ\ማርያም

  • shmdelay September 28, 2015

    Ab 2 kfalka gujle hanafts kab jebeli tlyan yugozlavya grick zkonu eritrawyan resieka tsbuq gerka betatna.

  • megos September 28, 2015

    ኣብ ቀዳማይ ክፋል ነዚ ዝስዕብ ኣንቢበ፥ –
    “ገለ ተወለድቲ ደቂ ኣከለጉዛይ፡ ንኢሰያስ ደው ኣቢሎሞ ዘለው ሓማሴናውያን እዮም። ነዚ ከም ኣብነት ንምርዳእ ድማ፡ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብምጥቃስ ንኽሶም ይድርዑ። ስለዚ እምበርኣር፡ ንኢሰያስ ካብ ስልጣን ኣልዮም ተወላዲ ኣውራጅኦም፡ ኣብ ስልጣን መጽዩ ክርእዩ ክቱር ሃንቀውታ ኣለዎም ተባሂሎም ንሶም’ዉን ይውቀሱ። ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ብኣውራጃ ተወዲብካ ምቅላስ ይሓይሽ ብምባል፡ ተበጉሶ ክወስዱ ዝሃቀኑ እኳ እንተለው፡ እንተኾነ እዚኦም’ውን ከቢድ ተቃውሞ በተን ካልኦት ሃገራዉያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ስለዝወረዶም ብዙሕ ኣይሰጎሙን።”
    ትሕት ኢልካ ድማ
    “እቶም ብኣውራጃነት ብዙሕ ዘይሕመዩ፡ ጀበርትን ተወለድቲ ኣውራጃ ሰራየን እዮም ይበሃሉ።”
    ክትብል ጽሒፍካ ኣሎኻ።
    እሞ ቅኑዕ ትዕዝብቲ`ዶ ውልቃዊ ስምዒት! ንዝበሃልን ዝጸሓፍን ብዕምቆት ከየንበብካን ከይተረዳእካን፡ ላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ርኢኻ ኣብዚ መደምደምታ ምብጻሕ፡ ወይ ብመደብ ንምምዝማዙ ኢዩ፡ ወይ ድማ ዘይብሱል ትዕዝብቲ ኢዩ።
    ንምዃኑ ተድሮስ መን ኢኻ? ኣበይ ትነብር ንገረና። ድሕረ ባይታኻ ምፍላጥ`ውን ንመንቀሊ ጽሑፍካ ስለ ዝሕብር፡ ከይፈራሕካ ንገረና። ኣይትፍራሕ። ወሰን ወሰን ኣይትኺድ። ደፋር ክንካ ጸሓፍ።
    መጎስ

  • Hugus Berhaneye September 29, 2015

    selam Mr. Mogos,

    I think Tedros’ analysis of the Eritrean political groups is mostly accurate and well written.
    I believe that his background is not important, just read what he wrote and correct mistakes you think he made.

    Thank you.

Post a Reply to shmdelay Cancel Reply