Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኤርትራውያን ኣብ ስደት እንታይ ይመስል? – 1 ይ ክፋል

ብቴድሮስ ኣብርሃም 13.09.15 1 ይ ክፋል ካብ ዕለት ናብ ዕለት ሓሳረ መከራ ኤርትራዉያን እንዳበኣሰ፡ ዋሕዚ ስደት ናህሩ እንዳቐጸለ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ገለ ሰባት ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ምክልት ሕቶ ከእትውዎ ይርኣዩ። እቲ ምኽንያት፡ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት

ብቴድሮስ ኣብርሃም

13.09.15

1 ይ ክፋል

ካብ ዕለት ናብ ዕለት ሓሳረ መከራ ኤርትራዉያን እንዳበኣሰ፡ ዋሕዚ ስደት ናህሩ እንዳቐጸለ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ገለ ሰባት ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ምክልት ሕቶ ከእትውዎ ይርኣዩ። እቲ ምኽንያት፡ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ንእሽቶን ሓዳስን ሃገር፡ ብኸምዚ ዝርአ ዘሎ ናህሪ፡ ዋሕዚ ስደትን ሞትን እንተቐጺሉ፡ እቲ ኣብ ዓዲ ዝተረፈ ብሰላም ናብርኡ ከመርሓሉ ዝኽእል ኩነታት እንተዘይተፈጢሩ፡ ዕድመ ልክዕ ኣብ ስማዊ ዝኾነ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተደኣ ተጸሚዱ ዝተርፍ ኮይኑ፡ ንጽባሕ ዝትክእ ሓድሽ ወለዶ ከየፍረየ፡ ከይወለደን ከይዘመደን፡ ዕድመ ንእስነቱ ሃጒጉ፡ በከንቱ ኣብ በረኻ መኺኑ ክተርፍ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ኤርትራ ከም ሃገር ሓደጋ ቀጻልነት ኣንጸላልዩዋ ኣሎ ዝብል ስክፍታ፡ ስሚዒታዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓቕታት’ዉን እንዳደርዖ ክመጽእ ንዕዘብ። ስለዚ ንድሕነት እቲ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ፡ ሓሳረ መከራ እቲ ፍቖዶ ሃገራት ተሰዲዱ ዘሎ መንእሰይ ከብቅዕን፡ ዝተሰደ ዓዱ ክኣትውን ምስ ፈተውቱን ቤተሰቡን ክተሓቓቖፍን፡ ስርዓት ኣስመራ ብዝቐልጠፈ ተኣልዩ፡ ፍትሕን ደሞክራስን ዝዓሰላ ሃገር ክትትከል፡ ቅድመ-ኩነት ነፍሲ-ወከፍ ፍቕሪ ህዝቡ ዘሕምሞ ዜጋ ክኸውን ዝግባእ።

ሓደ ካብቲ ተደጋጊሙ ዝልዓል፡ ስርዓት ህግደፍ ሓያል ውድብ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ብድኻም ተቓወምቲ ውድባት’ዩ ኣብ ስልጣን ዝነብር ዘሎ ዝብል ወቐሳ እዩ። እንታይ’ዩ ንደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከም ዘይሰማምዑን ዝገማምዑን  ዝገብሮም ዘሎ ዝብል ሕቶ፡ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ኣይተኻየደሉን፡ ዛጊት’ዉን ዘዕግብ መልሲ ኣይተረኽበሉን። ፖሊቲካዊ ብዙሕነት ኤርትራውያን፡ ነየኖት ኣዕኑድ መትከላት ዘካተተ እዩ? ተቋወምትን ደገፍትን ውድባት ከ እንታይ ይፈላልዮም፡ እንታይ ከ የራኽቦም?

ሓደ ሰብ ሓሚሙ ናብ ሓኪም ምስ ዝኸይድ፡ እቲ ሓኪም ሕማሙ ከየረጋገጸ መድሃኒት ኣይእዝዘሉን እዩ። ከየረጋገጸ መድሃኒት እንተኣዚዙሉ ድማ፡ መሊሱ ሕማሙ ክብእሶ እንተዘይኮይኑስ ዝዓብሰሉ የብሉን። ንሕና ኤርትራውያን ድማ፡ ሕማምና ከይፈለጥና ንሕማምና ዝፍውስ መድሃኒት ክንረክብ ከቶ ኣይንኽእልን። ሓሸውየ እዚ ዝሐለፈ 15 ዓመት ደምበ ተቋውሞ ዘረጋግጾ ሓደ ሓቒ እንተሎ ድማ፡ ነዚ ክውንነት እዩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ እምበኣር’የ ሓደ ዓብን እዋናውን ሕቶ ከልዕል ዝተቐሰብኩ። ኣብ ከቢድ ጸበባ ኣቲና ሓሳረ መከራ እንጸግብ ዘለና ህዝቢ ክንስና፡ ስለምንታይ ሽግርና ንምፍታሕ ክንሰማማዕ ዘይክኣልና፡ ስለምንታይ ከ ወግሐ ጸብሐ ንሓድሕድና እንዳተጠቓቓዕና ንገማማዕ ዘለና? ዝብል ሕቶ ከልዕልን መልሱ ድማ ብመጽናዕቲ ከዳልው ዝወሰንኩ።

እዚ ዝስዕብ ኣፈናዊ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ኣብ ሕዳር 2011 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖን ኣሰናን ብቛንቛ እግዝሊዚኛ ተዘርጊሑ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ሓያለ ካብቶም ዘንበብኩሞ፡ ብቋንቋ ትግርኛ ክትርጎመልኩም ተማሕጺንኩም ኔርኩም። ሕቶኹም ኣብ እዋኑ ብዘይምምላሽይ ኣቐዲመ እቕሬታ ብምሕታት፡ እንሆ ሕጂ እቲ ኣብ ዓሰርተ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ቀሪቡ ዝነበረ ትንታነ፡ ኣብ ዕስራ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ብዝተመሓሸ ኣገባብ ቀሪቡ።

እዚ ኣስዒበ ዘቕርቦ ብጉጅለታት ዝተፈላለየ ርእይቶ ኤርትራዉያን፡ ገሌኹም ነብስኹም ኣብ ሓንቲ ወይ’ዉን ካብ ሓንቲ ጉጅለ ንላዕሊ ክትረኽብዋ ዝከኣል እዩ። ምናልባት ጌሌኹም’ውን ነብስኹም ዘይረኸብኩማ ሰባት ክትህልው ትኽእሉ ትኾኑ። እንተኾነ ግን፡ ብቐጥታዊ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ካብዞም ትሕት ኢሎም ዝጥቀሱ ዕስራ ጉጀለታት ብዙሕ ዝርሕቕ ፖሊቲካዊ ሪኢቶን ማሕበራዊ ርድኢትን ዘለዎ ሰብ፡ ብቊጽሪ ኣዝዩ ዝተወሰነ’ዩ ዝብል ርድኢት ኣለኒ።

ምናልባት ኣብ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ዝተጠቓዕኹም ኮይኑ ዝስምዓኩም ወገናት ክትህልው ትኽእሉ ትኾኑ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማይ ንሓደ ሓፍ ኣቢልካ፡ ነቲ ካልእ ምዝንጣል ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ክትርድኡለይ አማሕጽን። ንእትህብዎ ሃናጺ ነቕፌታ፡ ንምቕባልን ምእራምን ድልውነተይ ከረጋግጸልኩም ድማ እደሊ።

ጉጅለ ሓደ – ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ (ሕሉፋት ሃገራውያን)

እዞም ኣብዚ ጉጅለ’ዚ ዝካተቱ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብዕሙት ዓይኒ ዝድግፉ እዮም። እቶም ሓቀኛታት ደገፍቲ እቲ ስርዓት ድማ ንሶም እዮም። እቲ ስርዓት ንዝኽተሎ ፖሊሲ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ወይ ርእይቶ፡ ከምዘለዎ ክቕበልዎ ኣይእግሞምን። እዞም ሰባት ንኢሰያስ ማዕረ ኣምላኽ ብምስራዕ የምልኽዎ። ንኢሰያስ ከም ፈጣሪ ኤርትራ ብምቑጻር፡ ንሱ እንተጠፊኡ ድማ፡ እታ ሃገር ከምእትጠፍእ ይኣምኑ። ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ዝወርድ ነቔፌታ፡ ምስሊ ኤርትራ ንምጽላም ጸላእቲ ዝኣልምዎ ውዲት ጌሮም ይቖጽርዎ። ኣብ ናይ መብዛሕትኦም ገዛ እንተኣተኻ ስእሊ ኢሰያስ ማዕረ ስእሊ መላእኽቲ ተንጠልጢሉ ትረኽቦ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ሰለማዊ ሰልፊ ምስ ዝዕደሙ፡ ምስሊ ኢሰያስ ዘለዎ ካምቻ ለቢሶም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም ብዓዉታ ዝውጭጩ ንሶም ኢዮም።

መብዛሕትኦም ትምህርቲ ዘይጸገቡ ስለዝኾኑ፡ መዓልታዊ ኤሪ-ቲቪ ይከታተሉ። በዚ ድማ ሃገራዊ ይኹን ዓውለማዊ ርእይትኦም ብኣ ዝተጸልወ እዩ። ኤሪ-ቲቪ ብዛዕባ ኤርትራ ሕማቕ ክሳዕ ዘይተዛረበት፡ ኩሉ እቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝዝረብ፡ ሓሶት እዩ ኢሎም ይኣምኑ።  ነዞም ሰባት ኣንቒሕካ ኣብ መስመር ፍትሓዊ ቃልሲ ከምዝስለፉ ምግባር፡ ፍረ-ኣልቦን ከንቱ ጻዕሪን እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ እዞም ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ክቱር ጽልኢ ኣለዎም። ሓደ ሓደ እዋናት’ዉን፡ ናብ ጎንጺ ዘምርሕ ስጉምቲ ንምውሳድ ነግ ፈረግ ኣይብሉን። እንተኾነ ግን፡ መብዛሕትኦም ኣብ ሓምሳታትን ሱሳታትን ዕድመ ዝረገጹን፡ ብደቀንስትዮ’ዉን ዝተዓብለሉን ኢዮም። ኣብዚ እዋን፡ ነቶም ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ ንኣሽቱ ደቖም፡ እቲ ዘለዎም ሕሉፍ ስምዒት ሃገራውነት ካብ ምውራስ ዝሓልፍ፡ ነቲ ስርዓት ዝህብዎ ዓቢ ጥቕሚ የብሎምን። እቶም ዝበዝሑ ንጡፋት ኣባላት መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ (YPFDJ)፡ ንሶም ዘፍረይዎም እዮም። ኢሜይል ይኹን ኢንተርነት ኣይጥቀሙን ኢዮም። እቲ መብዛሕትኡ ብኢንተርነት ዝፍኖ ሓበሬታ፡ ብመስኮት ኤሪ-ቲቪ ክሳብ ዘይረኣዩዎን ዘይሰምዕዎን፡ ዝኣምንዎ ኣይኮነን። እቲ ስርዓት፡ ስነ-ልቦናዊ ኵውንነት እዞም ዜጋታት ኣጸቢቑ ስለዝርዳእ፡ መደባት ኤሪ-ቲቪ ንውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሕሉፍ ሃገራዊ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝዳሎ ይግበር። በዚ ፕሮፓጋንዳ ሓንጎሎም ወግሐ ጸብሐ ይሕጸብ እሞ፡ ሃገርና ብልምዓት ገስጊሳ፡ ዕድመ ንኩቡር መራሒናን መንግስትናን እንዳበሉ ይጣርዑ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ወላ ናይ ቀረባ መቕርቦም ከረድኦም እንተፈቲኑ፡ መልሶም ‘ዋላ ትንፈር እምበር ጤል ኢያ’ ዝብል ኢዩ።

ጉጅለ ክልተ – ዝበረቐት ጸሓይና፡ ዝነገሰ ንጉስና

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝምደቡ ሰባት፡ ነቲ ስርዓትን ኣሰቓቒ ተግባራቱን ኣጸቢቖም ዝፈልጡን ዝርድኡን እዮም። መብዛሕትኦም ነበርቲ ምዕራባዉያን ሃገራት ኮይኖም፡ ካብቲ ዝገርም ገለ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ኤርትራ ዝወጹ መንእሰያት ከይተረፉ’ውን ይርከብዎም። እዞም መንእሰያት ወይ ገዛእ ርእሶም ወይ ድማ ብቐረባ ዝፈልጥዎም ብጾቶም፡ ግዳያት ኣሰቓቒ ግፍዕታት ህግደፍ ኪኾኑ ዝርኣዩ ኢዮም።

ቀንዲ መለለዩ ባህሪ ጉጅለ ክልተ፡ ድርብ ገጸ ባህሪያት ኢዩ። በዚ ድማ ኣብ ተግባራት ስለላ እቲ ስርዓት ተዋፊሮም ዝርከቡ ንሶም እዮም። ኩሉ ግዜ ናይቲ ስርዓት እከይ ተልእኾ ንምፍጻም ቅሩባት ኢዮም። ካብቲ ዝገርም ድማ፡ ንተቋወምትን ደገፍትን እቲ ስርዓት ብማዕረ ዝስልዩ ምኻኖም እዩ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ተልእኾ ናይዛ ጉጅለ፡ ኣብ ደምበ ተቋውሞ ዝርገት ብምፍጣርን፡ ብዓድን ብዓውድን ሰባት ምፍልላይን ኢዩ። ብዘይካ’ዚ ሓደ ካብ መጻምዲ ተቋዋሚ እንተኾይኑ፡ እቲ ሓዳር ከምዝብተን ክሳዕ ምግባር ዝበጽሕ ውዲት ይኣልሙ። ዋላ’ኳ ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ እዚ ተርእዩ እንዳዛሕተለ እንተመጸ፡ በዚ ምኽንያት ዝተበተነ ሓያለ ሓዳር ከምዘሎ ግሁድ እዩ።

ካብ ገለ እዞም ጉጅለ ክልተ፡  ምስቲ ስርዓት ዘተኣሳስር ፊናንስያዊ ረብሓታት’ውን ኣለዎም። ክልተ ካብ ሚእቲ ብሕቡእ ኣብ ምኽፋልን ይኹን፡ ኣብ ካልእ ናይ ሓዋላ ስርሓትን ይሳተፉ። መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብስም ውልቀ-ሰባት ተመዝጊቡ ዝካየድ ንግዳዊ ይኹን፡ ካልእ ቁጠባዊ ንጥፈታት በስማቶም ዝተመዝገበ ስለዝኾነ፡ ካብ’ቲ ስርዓት ዘይ ከምቶም ጉጅለ ሓደ(ንሕና ንሱ)፡ ጉጅለ ክልተ ካብቲ ዘገልግልዎ ስርዓት ዝረኽብዎ ፊናንስያዊ ዓስቢ ኣለዎም።

ስርዓት ህግደፍ ዋላ ካብ ስልጣን እንተተኣልየ፡ ተጠቀምቲ ምኻኖም ዘይተርፍ እዩ። እቲ ብውልቀ ኣስማቶም ተመዝጊቡ ዘሎ ንብረት፡ እቲ ስርዓት ጥራሕ ስለዝፈልጦ፡ ጽባሕ ንግሆ ሕሳቦም ከወራርዱ ክሓቶም ዝኽእል ኣካል የልቦን። ስለዚ እምበኣር ዘይከምቶም ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ከይእለ እሞ፡ እታ ዝሓሙላ ዓዶም ነበረያ ነበረ ከይትኸዉን ድቓስ ዘይብሎም ዝሓድሩ ሕሉፋት ሃገራውያን ጉጅለ ሓደ፡ እቲ ስርዓት ከይወድቕ ዝብል ዝሓቕዮም ክቱር ስክፍታ የብሎምን። እቲ እንኮ ፍርሖም፡ እቲ ሕጂ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ሓንሳብ ምስ ዝእለ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ሓድሽ ስርዓት፡ ሽሞም ተበላሽዩ ከይርከብ እሞ፡ ደሓር ከቢድ ዋጋ ከየኽፍሎም ጥራሕ ኢዩ። ብዝተኻእለ መጠን እቲ ዘካይድዎ ስርሓት ብሕቡእን ምስጢራዉን ክኸውን ይመርጹ። ብቕሉዕ ደገፍቲ መሲሎም ክርኣዩ ኣይደልዩን።

ጉጅለ ሰለስተ፡ ሰብ ቪላ

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝምደቡ፡ ኣምስሉ እዮም። ነቲ ስርዓት ደገፍቲ መሲሎም ዝርኣዩ ዋላ`ኳ እንተኾኑ፡ የግዳስ ካብ ልቦም ኣይኮነን። መብዛሕትኡ እዋን፡ ምስ ተቓወምቲ ክራኸቡ እንከለው ዉሽጣውያን ተቓወምቲ ወይ ድማ ኣይደገፍቲ ኣይተቓወምቲ መሲሎም ክርኣዩ ይደልዩ። ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኦም ንተቓወምቲ ዝድግፉን፡ ኣብ ገለ ገለ እዋናት’ዉን፡ እቲ ስርዓት ኣብ ዘካይዶ ኣኼባታት ንደምበ ተቓውሞ ሓበሬታ ኣብ ምልሓኽ ይነጥፉን። እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝካተቱ መብዛሕትኦም ኣብ ዓዲ ገዛ ስለ ዝሰርሑ፡ ከምኡ’ዉን እታ ክረምቲ ክረምቲ ዓዲ እንዳኣተዉ ምስ ቤተሰቦም ሸናዕ ዝብሉላ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ከይስእንዋ፡ ብምስጋእ’ዮም ምስቲ ስርዓት ከምዝደናገጹ ኮይኖም ዝርኣዩ።

እንተኾነ ግን፡ ክልተ ካብ ሚእቲ ምኽፋል እንተዘይኮይኑ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብምስባብ፡ ካብቲ እቲ ስርዓት ዘዳልዎ ኣኼባታት ሓያለ ግዜ ዝቦኽሩ እዮም። እዚኦም ድማ’ዮም ብጉጅለ ቊጽሪ ክልተ ዝስለዩ። ዝኾነ ይኹን ኣሉታዊ ጸብጻብ ብዛዕብኦም ንዓዲ እንተደኣ ተመሓላሊፉ፡ ኣብ መጻወድያ እቲ ስርዓት ወዲቖም ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑ’ዉን ንሶም እዮም።

ጉጅለ ኣርባዕተ፡ ቅልውላው መንነት (በለስ)

እዚኦም መብዛሕትኦም ኣብ ደገ ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት ኮይኖም፡ ብቕልውላው መንነት ዝሳቐዩ ዘለው ካልኣይ ወለዶ ስደተኛታት ኢዮም። ወለዶም ሕሉፋት ሃገራውያንን፡ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ስለዝኾኑ፡ ንሶም’ዉን ብግዲኦም መስመር ወለዶም ብምኽታል ኣባላት መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ብምኻን፡ ኣብ ፖሊቲካዊ ይኹን ፕሮፓጋንዳዊ ንጥፈታት እቲ ስርዓት መሪሕ ግደ ይጻወቱ። እታ ኣብ ኣእምርኦም፡ ብወለዶምን ብሓላፊ ፖሊቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብርኣብን ዝተቐርጸት፡ ናይ ሕልሚ ኤርትራ ኣላቶም። ብዛዕባ እታ ናይ ሓቂ ኤርትራ ዘለዎም ኣፍልጦ፡ ኣብቲ ኣብ ክረምቲ ሓሓሊፎም ዝገብርዎ ምብጻሕ ዝምርኮስን ድሩትን እዩ። ነዚ ክውንነት እዚ ብምግንዛብ፡ ከም ቀለልቲ ዕላማ (soft targets) ወሲዱ፡ እቲ ስርዓት ሓንጎሎም ብምሕጻብ፡ መጋበርያ እኩይ ፖሊቲካዊ ዕላማታቱ ክገብሮም ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ መብዛሕትኦም እዞም ኣብ ደገ ተወሊዶም ዝዓበዩ፡ ኣብተን ዝነብሩለን ሃገራት ዓልየታዊ ጸርፊ ስለዘጋጥሞም፡ ኣብ ልዕሊ እተን ሃገራት ጽልኣት የሕድሩ እዮም። ኣብ ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ ምእታው እምበኣር ምስ መቦቆላዊ መንነቶም ዝጠምሮም ማሕበርን፡ ነቲ ዘለዎም ናይ መንነት ቅልውላው ዝጠንቁ ውሽጣዊ ሃጓፍን ዝዓብስ ስለዝመስሎም፡ ዕላማ እቲ ኣትዮሞ ዘለው ማሕበር ብዙሕ ዘገድሶም ኣይኮነን።

ዋላ’ኳ ካብ ማዕከን ዜናታት ዓለም፡ ንወድዓዊ ኩነታት መበቆላዊት ሃገሮም ዝከታተልዎን ዝፈልጥዎን እንተኾኑ፡ ምስቶም ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዙ ዘለው ግዳያት ግን፡ ስሚዒታዊ ምትእስሳር ስለዘይብሎም፡ ብዓውታ ኣንጻር እቲ ስርዓት ዓገብ ክብሉን ክደናገጹሎምን ኣይርኣዩን። ዋላ እቶም ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ እሞ፡ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ደገ ዝተቐመጡ፡ ምስ ግዜ እቲ ምስታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ሃገር ዘለዎም ስሚዒት እንዳማህመነ እዩ ዝመጽእ። ስለዚ እምበኣር ንመብዛሕትኦም መንሰያት ህግደፍ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ማለት፡ ኣብ ፈቖዶ ፈስቲቫላት ምስታፍን፡ ጓይላን ጭፈራን ምግባርን ጥራሕ ኢዩ ዝርኣዮም። ብርግጽ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት ድማ፡ ዓቢ መቐረት ዘለዎ ኣጋጣሚ ኮይኑ ይረኽብዎ።

ጉጅለ ሓሙሽተ፡ ጸገንቲ (ትፈልጦ ሰይጣን)

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝካተቱ፡ ከምዝኾነ ካልእ ለውጢ ክመጽእ ዝደሊ ዜጋ ዝብህጉ እዮም። እታ ሃገር ካብ ዝኸፈኣ ናብ ዝበኣሰ ትኸይድ ከምዘላ ይኣምኑ። እንተኾነ ግን፡ ብዓውታ ነቲ ስርዓት ካብ ምቅዋም ቊጡባት እዮም። ካብ ሱር-ነቀል ለውጢ፡ ነቲ ስርዓት ምጽጋን ይሓይሽ ኢሎም ይኣምኑ። ንተቓወምቲ ውድባትን፡ ነቲ ኣብ መርሒነት ዘሎ ስርዓትን ብማዕረ ይጸልኡ። መብዛሕትኦም ኣባላት እዛ ጉጅለ፡ ነቲ ስርዓት ኣብዘን ቀረባ ዓመታት ዝራሕርሕዎ፡ ናይ ቀደም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ኮይኖም ንረኽቦም።

ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ከምጽኣስ ይትረፍ፡ ነቲ ብቓልሲ ህዝባዊ ግንባር ዝተጨበጠን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ናጽነት ዝዓምበበን፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታተና እየን ኢሎም ይኣምኑ። እቲ ዝዓበየ ፍርሖም፡ ኤርትራ ብሃይሞኖትን ኣውራጃነትን ዓልየትን ተፈላልያን ተበታቲና ከይትተርፍ እዩ። እዚ ንኽይከዉን እምበኣር፡ ምስቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ካልኦት ጸገንቲ ብምስጢር ተሻሪኽካ፡ ነዛ ሃገር ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ዝክኣል’ዩ ይብሉ። ናይ ማእከላይን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ብብዝሒ ይርከብዎም።

ጉጅለ ሽዱሽተ፡ ዶብና ቅድም ይተሓንጸጽ

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝምደቡ ብትዕግስቲ ምስቲ ስርዓት ኣብ ምስራሕን፡ ወይ ኣብ ምድንጋጽን ዘለው እዮም። እዚኦም ናይ’ዚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም ተሓታቲ፡ ወያነን መሻርኽታን እዮም ኢሎም ይኣምኑ። ኤርትራ ዶባታ ክሳዕ ዘይተሓንጸጸ፡ ናይ ህላውነታ ቀጻልነት ሓደጋ ኣንጸላልዩዋ ከምዘሎ ይርድኡ።

ዝኾነ ይኹን ንለውጢ ዝግበር ጠለብ፡ ቅድም ቀዳድም ድሕነት ሃገር ክረጋገጽ ከምዘለዎን፡ ስርዓት ወያነ እንተስ ኣላሽ ኢሉ ንቅድመ ኩነት መንግስቲ ኤርትራ ተንበርኪኹ፡ ነቲ ዶብ ክጥረር ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክሰማማዕ፡ ወይ’ዉን በቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው ተቓወምቲ ይኹን ብውሽጣዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ተኣልዩ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝሓሸ መርገጺ ዘለዎ ስርዓት ክትከል ይህንጠዩ።

ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ፡ ፖሊሲ ርእሰ-ምርኮሳ እትምራሕ ሃገር ስለዝተኸለ(ብጽፍርና)፡ ግዳይ ተጻብኦ ሓያላን ሃገራት ኮይኑ ከምዘሎ ይኣምኑ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምስምስ ረዲአት፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳየን ኢደን ብምእታው፡ ድሌተን ዝፍጽማ ምዕራባውያን ሃገራት ብሓፈሻ፡ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ዕድል  ስለዝተኸልኣ እየን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ግዳይ እገዳን ኩነነን ዝገብርኦ ዘለዋ ዝብል ግንዛበ ኣለዎም።

ብዘይካ’ዚ እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝሕቆፉ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ክቱር ጽልኢ ዝርኣዮም ዜጋታት እዮም። ንሓደ ተቓዋሚ ዓጋመ፡ ወያነ ወይ ሲኣይሴ ብምባል ከከሻምሹን፡ መጥቃዕቲ ቅንጸላ ባህሪ (Charater assassination) ምስንዛር ገለ ካብ ቀንዲ መለለዩ ባህርያቶም እዩ።

ጉጅለ ሸውዐተ፡ ስቕታ ዝመረጹ (ኣብ’ዚ የለና ኣብ’ቲ)

እዚኦም እቶም ኣብ ድንግርግርን፡ ኣንፈቶም ብምጥፋእ ንመን ከምዝኣምኑ ዝኣገሞም እቶም ዝበዝሑ ክፍሊ ሕብረተሰብ(silent majority)ጉጅለ እዮም። ንሓባራዊ ጸገማት ውልቃዊ መፍትሒ እዩ ዘዋጽእ ብምባል፡ እንተኺኢሎም ቤተሰቦም ብስግረ-ዶብ ኣብ ምውጻእን፡ እንተዘይተኻኢሉ፡ ናብ ዓዲ ፊናንስያዊ ሓገዝ  እንዳልኣኽካ፡ ክሳዕ ዝኾነ ዝኸውን ቤተ ሰብካ ጥራሕ ጻሕተርተር እንዳበልካ ኣመሓድር ይብሉ።

ንስርዓት ህግደፍ ይጸልእዎ፡ እንተኾነ ፍቕሪ ተቓወምቲ’ውን የብሎምን። ዘይርጉእ ኩነታት ውሽጢ ሃገር ዝጠንቑ፡ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቊጠባዊ ቅልውላው ዋላ’ኳ ይነብሩ እንተለዉ፡ ንኹሉ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ዕሽሽ ብምባል፡ ብሰላም ናብርኦም ክመርሑ ህርድግ ይብሉ። ብዛዕባ እታ ህዝባ እንዳበረሰ እትኸይድ ዘላ ሃገር ኣዝዩ የሕሞምም፡ የግዳስ እንታይ ክግበር ከምዝከኣል ዝፈልጥዎ ነገር የብሎምን።

እዞም ጉጅለ ሽዱሽተ ግን፡ ብግቡእ ዘንቅሖምን ሞራል ዝህቦምን ኣካል እንተተረኺቡ፡ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቋልሲ፡ እጃሞም ንምብርካት ክለዓዓሉ ዝኽእሉ እዮም። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ብብዝሒ፡ ካብ ልኡማት ናብ ንጡፋት ተቓወምቲ ብምስግጋር፡ ንደምበ ደለይቲ ለውጢ ብዓይነትን ብዝሕን ኣደንፊዖሞ እዮም።

ጉጅለ ሸሞንተ፡ እኽረርቲ ሃይማኖታውያን (ኢስላማውያን)

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝካተቱ ፖሊቲካዊ ርእየተ-ዓለም፡ ብሃይማኖታዊ እምነቶም ዝተጸልው እዮም። እምነትን ፖሊቲካን፡ ዘይነጻጸሉ ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም ጌሮም ይወስዱ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ፡ ብኣመንቲ ክርስትና ዝተዓብለለን፡ ንኣመንቲ ምስልምና ዘይውክልን ዝጩቑንን ጌሮም የቐምጥዎ። ዝተኸፍለ ዋጋ ተኸፊሉ ኣብ ዝመጽእ ለውጢ ስርዓት፡ እንተተኻኢሉ እስላማዊ ስርዓት(ሸሪዓ) ክትከል፡ እዚ እንተዘይ ተኻኢሉ ግን፡ ብውሕዱ ኣስላማይ መራሒ ኣብ ስልጣን ክመጽእ እሞ፡ ብኡ ኣቢላ ድማ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣባልነታ ከተረጋግጽ ይጽዕቱን ይምጉቱን። ነዚ ሕልሚ እዚ ጋህዲ ንምቕያር፡ ካብ ጽባሕ ንጽነት ኣትሒዞም ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብ ጎንጺ ብምእታው፡ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ሓያለ መጥቃዕትታት ኣካይዶም እዮም።

ብዘይካ’ዚ ቋንቋ ዓረብ ከም ወግዓዊ ቋንቋ ተቖጺሩ፡ ኣብ ኣካዳምያዉን መንግስታዊ ምሕደራ፡ ብዕቱብ ክድፍኣሉን ማዕረን ልዕሊን ቋንቋ ትግርኛ ዝስርዓሉን ባይታ ንምፍጣር’ውን ይህቅኑ። ነዚ ክውን ንምግባር፡ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን ዝሰርሓሉ ዘሎ ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቲ ‘ፖሊሲ ቋንቋ ኣደ’ ኣሊኻ፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ንዘይኮኑ ኣመንቲ ምስልምና፡ ብቋንቋ ዓረብ ከምዝምሃሩ ብምግባር፡ ኣብ ዝነውሐ ግዜ ንቋንቋ ኣደ ኣዳኺምካ ዓረባዊ መንነት ምሉእ ብምሉእ ዝመጽእ ወለዶ ከምዝለብስ ምግባር ዝብል ይርከቦ። መብዛሕትኦም ኣባላት ናይ’ዚ ጉጅለ፡ ኣብ ኤርትራ ሒደት እዋናት ዝተቐመጡን፡ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተማህሩን ኢዮም። ቋንቋ ትግርኛ ዘይመልኩ ሓያለ እኳ እንተለውዎም፡ እቶም ዝኽእሉ እንተኾኑ’ውን፡ ብሕጽረት ዓቕሚ ወይ ሕጽረት ድልየት ብቋንቛ ትግርኛ ክዛረቡ ኣይመርጹን።

ኣብቲ ንለውጢ ዝካየድ ቋልሲ፡ እቶም ብንጥፈት ዝሳተፉን ዝውድቡን ኢዮም። እንተኾነ ግን ምስተን ካልኦት ቢሄራዊ ጭቆና ኣሎ ኢለን ዝቃለሳ ውድባት ይኹን፡ ምስተን ምስ ሃይማኖት ምትሕሓዝ ዘይብሉ ፖሊቲካዊ ፕሮግራም ዘለወን ውድባት(secular)፡ ቀጻሊ ኣብ ጎንጽን ምትፍናንን ምስ ኣተዉ እዮም። ሓደ ካብቲ ናይ ምብትታትንን ዘይምሕባርን ጠንቂ ደምበ ተቋውሞ’ዮም ተባሂሎም ድማ ቀጻሊ ይውቀሱ።

ጉጅለ ትሽዓተ፡ ቢሄራውያን

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝኣትው፡ ኣብ ኤርትራ ብሄራዊ ጭቖና ወሪዱና ኢሎም ዝኣምኑ ኢዮም። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንብዙሕነት ብሄራት ዘየተኣናግድን፡ ካብዚ ሓሊፉ ንባህለንን ክብርታተንን፡ መሬተንን  ይወርስን የብርስን ከምዘሎ ይኸሳ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ፖሊቲካዊ ለውጢ ብፍሉይ ብሄራዊ ሕቶ ዝምልስ ኪኸውንን፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ጉዳያት ርእሰን ክኢለን ባዕለን ከመሓድራን ምቹእ ባይታ ዝፈጥርን ኪኸውን ይቃለሳ።

መብዛሕትአን ካብ’ዘን ውድባት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበረን ኮይኑ፡ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብቋንቋ ከፋፊሉ ዘመሓድር ፈደራላዊ ስርዓት፡ ኣብታ መጻኢት ኤርትራ ክተኣታቶ ጥሙሕ ኣለወን። እዚ ፖሊቲካዊ ፕሮግራም ምስ ሃይማኖታውያን፡ ምስተን ካልኦት ሃገራውያን ኢና ዝብላ ውድባትን፡ ዘተፋንነን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እተን ሃይማኖታውያን ውድባት፡ ኩለን እተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ንኣሽቱ ብሄራት ብቋንቋ ኣደ እንተደኣ ተፈላልየን፡ እቲ ንኹለን ብሄራት ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ሓደ ደምበ ኣዕሲልካ፡ ነቲ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሒ ዘለዎ ብሄረ ትግርኛ ኣብ ምርጫ ምብዳህ ዝብል ኣምር፡ ኣጉል ዝገብር ስለዝኾነ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ እዘን ብሄራውያን ውድባት ምስተን ካልኦት ዘይሃማኖታውያን (Secular) ውድባት’ውን፡ ካብ ምርጻም ዓዲ ኣይወዓላን። እቲ ምኽንያት ሓያለ ካብዘን ውድባት ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ብማዕረ ዝድህኽ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ እምበር፡ ብተናጸል ብሄራት ኣይተጨቖናን ኢለን ይኣምና። ብዘይካዚ፡ ካልእ ዝፈላልየን ረቛሒ’ዉን ኣሎ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ድሕሪ ምእላዩ፡ ቋንቋ ኣደ መሰረት ዝገበረ ፈደራላዊ ኣገባብ ምሕደራ ክተኣታቶን፡ እዚ ምግባር እንተዘይተኻኢሉ ግን፡ ክሳዕ ምንጻል ዝብል ኣጀንዳ ኣብቲ ፖሊቲካዊ ቻርተረን ብምስፋረን ኢዩ። ካብተን ቀንዲ ነዚ ሕቶ እዚ ዝደፍኣሉ ውድባት ኲናማ፡ ዓፈር ከምኡ’ውን ብመጠኑ ሳሆ እየን።

ጉጅለ ዓሰርተ፡ ኣውራጃውያን (ዘይሰብና)

እዞም ኣብዛ ጉጅለ ዝካተቱ፡ እቶም ኣብ ህልዊ ፖሊቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ፡ ኣውራጃነት መሰረት ብምግባር ወይ ደገፍቲ ወይ ድማ ተቓወምቲ ንምኻን ብስሚዕት ዝንቀሳቐሱ እዮም። እቲ ቀንዲ ምፍሕፋሕ ኢሎም ዝወስድዎ፡ ‘ገለ ተቓወምቲ ንኢሰያስ ተወላዲ ሓማሴን ጥራሕ ብምኻኑ ዝጸልእዎ ኣለው’፡ ኢሎም ይኣምኑ። ንሱ ተኣልዩ፡ ሓደ ካብኦም መንበረ ስልጣን እንተጨቢጡ፡ ኣየስፉሩናን እዮም ዝብል ፍርሒ ኣለዎም። ስለዚ፡ ብስቱር ይኹን ብጋህዲ ነቲ ስርዓት ክድግፉ ይርኣዩ።

ገለ ተወለድቲ ደቂ ኣከለጉዛይ፡ ንኢሰያስ ደው ኣቢሎሞ ዘለው ሓማሴናውያን እዮም። ነዚ ከም ኣብነት ንምርዳእ ድማ፡ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብምጥቃስ ንኽሶም ይድርዑ። ስለዚ እምበርኣር፡ ንኢሰያስ ካብ ስልጣን ኣልዮም ተወላዲ ኣውራጅኦም፡ ኣብ ስልጣን መጽዩ ክርእዩ ክቱር ሃንቀውታ ኣለዎም ተባሂሎም ንሶም’ዉን ይውቀሱ። ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ብኣውራጃ ተወዲብካ ምቅላስ ይሓይሽ ብምባል፡ ተበጉሶ ክወስዱ ዝሃቀኑ እኳ እንተለው፡ እንተኾነ እዚኦም’ውን ከቢድ ተቃውሞ በተን ካልኦት ሃገራዉያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ስለዝወረዶም ብዙሕ ኣይሰጎሙን።

እቶም ብኣውራጃነት ብዙሕ ዘይሕመዩ፡ ጀበርትን ተወለድቲ ኣውራጃ ሰራየን እዮም ይበሃሉ። እንተኾነ፡ ሕማም ኣውራጃነት ዛጊት ብግህዶ ኣብ ክፉት መድረኽ ስለዘይተዘርበሉን ዘይተዘተየሉን፡ ሓደ ካብቲ ብዘገምታ ንደምበ ተቓውሞ ዝሓቒ ዘሎ ተረኽቦ እዩ ዝብል ትዕዝብቲ ሓያለ ወገናት ኣሎ።

ይቕጽል…….

ርእይቶ፡ tedros1000@gmail.com

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • mikielle September 14, 2015

    ከም ዘሎዎ ሕብረተሰብና፡ኣብዚ አዋን’ዚ ባኣሃዛት ዝተደገፈ መጽናዕቲ ምግባር እጸጋሚ ከም ሙዃኑ መጠን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርዝር ምቕራብ ካብ ግምታዊ ምኳን ኣይሓልፍን አዩ። ግን ጸሃፋይ ተገዲስካ ባዕልካ ‘ስታቲስቲካል ሳምፕል’ ገርካ ሓደ ኣገዳሲ መጽናዕቲ ምገበርካ።

  • habrom September 18, 2015

    ezi eyu embear ne hagerna eritria hadnet fetira selama keytewihes zetsegmela zelo. beregets kab niezebo zelena kunetat ertirawiyan ab hade netbi maelibo ne keyrekib zegber zelo hakena be gujile shefatu HGDEF hzebena be gujiletat mimkal eyu.. betsay tedros kia ab haki temorkusun be metsinaeti zetedegefe tsebtsab zekrebo kulu afelalayna wenzefina nab hadnet kinmiles emo hagernan hzebinan kenedhin kem zelena eyu zenetsirelna zelo.

  • Zahlay September 19, 2015

    It’s a very articulate observation and good analysis.
    Good job and please keep it up.

  • kilkull September 25, 2015

    Ane hiji n abnet Aboy mulue b mulue kab Akeleguzay; adey dima kab Serayen Hamasienin eye. Silezi Awrajawnet hara eye. Amiche ayknkun; bhretna aykonkun; degafi Hgdef aykonkun (gena ab Mayhabar Sinkulan ms ketele kabeu kebiseyo); Vila yebleyn.
    Tedros mnalbat tgeltso tkewn ab zmexie
    Gujle B Bret kkalesu zdelyu
    Gujle b zete kklaseu zdelyu
    Hasabey hiwswas eyu hansab hansab mirrr kbleni kelo b Bret ele ywdie hansab hansab dima b zete yibil. Kab newih zhasbo znebrku gin MKNSTSAL eyu buzuh hiwetn sebn keyetfaeika n sun meseltun bebihade Mikntsal.
    Zgermeka Tedros kab Sawa b erefti kmexie kelekun n Campus kelekun zmelaleso megedi darga kulu gizie ab Seat 1:00-2:000 Iseyas ab mekina mis ajebtu fit nfit eina nrieea nerna. Zkone ab getsey kenbeb yferih neyre. ………..Halifu gizie hiji abey yrkeb ab sidet sefirka ember… neyru
    Silezi ane Gujle KENTSELTI tetwsik tsbuk neru

  • Saba September 25, 2015

    Good job,I think you forgot those who believe by peaceful means of struggle
    Thanks and keep up the good work

  • Wefri ErareboHGDEF September 25, 2015

    Xhubuqhh hasabtt eyuu genaa hade hadee degodele negerat se;le dealo ab eimail kisedelekaa eye ane emo kabezenn delewaa zerezerr genaa ayeateakunn aleakuu yefeteshh sele deleaku part two haye

  • Yonathan Seb May 15, 2019

    Dear Tedros
    I couldn’t find me in your analysis!
    It is good detailed discription of us eritreans but you just categorised us in three parts namelly 1- extrems 2-silents 3-actives vis a vis the regime that is why I say I can’t be categorised!

POST A COMMENT