Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ተልእኾ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክሕደስ ጸዊዖም።

ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ክህሉ ዘገደደ ምኽንያት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጽን ፈጺሙ ምምሕያሽ ስለዘየርኣየ፡ ተልእኾ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብዚ ጽባሕ ዝኣቱ ወርሒ

ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ክህሉ ዘገደደ ምኽንያት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጽን ፈጺሙ ምምሕያሽ ስለዘየርኣየ፡ ተልእኾ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብዚ ጽባሕ ዝኣቱ ወርሒ ሰነ ክሕደስ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ማሕበራት ከምዝጸውዑ `ሳይት መጋዚን` ሓቢሩ።

ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ፍጹም ዘይጽወር ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ወድብ ሕቡራት  ኣብ 2012 ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ  ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ከምዘድሊ ድሕሪ ምእማሙ፥ ንሺላ ኪታሩት መዝነት ከምዝሃባ ይፍለጥ። እቲ ከም ፍልይቲ ልእኽቲ ን 6 ዓመት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ክትከታተል ዝጸንሐት ብዓልቲ መዚ ኸኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ለውጢ ከምዘይተራእየ ምርርግጋጻ እቲ መጋዚን የዘኻኽር።

ሓደ ፋዘር ቶማስ ሪስ ዝተባህሉ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮምሽን ናጽነት ኣህጉራዊ ሃይማኖት `ውን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ምግሃስ ሃይማኖታዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሓደ ዝኸፍአ ኣብነት ብመንግስቲ ናይ ዝምወል ዓመጽ ምዃኑ ምጥቃሶም እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ናይ ሚስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጸብጻብ ካብ 1200 – 3000 ብ ምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም ዝተኣሰሩ ሓያለ ኣመንቲ ጴንጠ ቆስጣል ዝርከቡዎም ዜጋታት፡ ገለ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ድማ የገንዝብ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ፓስተር ዶር ብርሃነ ኣስመላሽ ን `ዎርልድ ዎች ሞኒተር` ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኩነታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እናኸፍአ እምበር እናተመሓየሸ ይኸይድ ከምዘየሎ ከምዝሓበረ `ሳይት መጋዚን` የመልክት።

ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ በጺሑ ሎሚ ቕነ ዝተመልሰ ዶር ብርሃነ፡ ብሰንኪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነት ኣልቦነትን ህዝቢ ተበታቲኑ፡  ኤርትራ ሰብ ትዓርቕ ከምዘላ ይገልጽ። `ህዝቢ ከም ውሕጅ እዩ ናብ ጎረባብቲ ዝፈስስ ዘሎ` ብምባል ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ዶብ ከምዝሰገሩ ምሕባሩ ይጠቅስ።

ኤርትራ ከም `ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ` ትግለጸሉ ዘላ ምኽንያት እዚ ምዃኑ ብምግንዛብ ከኣ፡ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ቀጻሊ ምክትታል ስለዘድልዮ፡ ተልእኾ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሕደስ ከምዘለዎ ኣጥቢቑ የተሓሳስብ።

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Simon G. June 1, 2018

    This is simply rubbish. They keep saying the same thing, like they care, year in year out. However, I see no action taken at all.
    On the contrary, when something becomes serious, they come and defend the criminal HGDF junta.
    It is up to us guys, no one else is going to come to rescue us.

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply