Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበር ተመሃሮን መምሃራንን ዩንቨርስቲ ኣስመራን ኮሌጃትን ስቅታና ንስበር- መሪሕ ተራ ድማ ንጻወት

ማሕበር ተመሃሮን መምሃራንን ዩንቨርስቲ ኣስመራን ኮሌጃትን ስቅታና ንስበር- መሪሕ ተራ ድማ ንጻወት ዋላ እኮ ማሕበር ተመሃሮን መምሃራንን ዩንቨርስቲ ኣስመራን ኮሌጃትን- ብ ወሽጢ ውሽጢ ካብ ዝምስረት ሰለስተ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣባላት ኣብ ምምልማልን ማሕበር ኣብ ምድልዳልን እንተ ጸንሕ- ኩነታት

ማሕበር ተመሃሮን መምሃራንን ዩንቨርስቲ ኣስመራን ኮሌጃትን
ስቅታና ንስበር- መሪሕ ተራ ድማ ንጻወት

ዋላ እኮ ማሕበር ተመሃሮን መምሃራንን ዩንቨርስቲ ኣስመራን ኮሌጃትን- ብ ወሽጢ ውሽጢ ካብ ዝምስረት ሰለስተ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣባላት ኣብ ምምልማልን ማሕበር ኣብ ምድልዳልን እንተ ጸንሕ- ኩነታት ሃገርና ግና ብቀረባ ክከታትሎ እዩ ጸኒሑ፡፡ ላዕለዎት ትካላት ሃገርና እቲ ዝግብአን ተራ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ከይጻወታ ኩሉ ዓይነት ጽቅጥን ምንጻልን ወሪድና እዩ፡፡ እቲ ተራ ተመሃሮ ዩንቨርስቲ ኣስመራ ኣብ ግዜ ወራራትን ድሕሪኡን ዝነበሮም ርሱን ሃገራዊ ስምዒትን ተሓላቅነትን ዘስደዖ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ፡ ንኣስመራ ዩንቨርስቲ ብኣግኡ እዩ ከዳኸማ ዝወሰነ፡፡ ኣስመራ ዩንቨርስቲ ብምዕጻው ካብ ኣስመራ ወጻኢ ብ ሃታ-ሃታ ኣብ ዝሃነጸን ኮሌጃት – ደረጃ ትምህርቲ ሃገርና ናብ ደረጃ ኮሌጃት ብምውራድ – ተመሃሮ ካብ ፖለቲካዊ ተሰትፈኦም ከም ዝርሕቁን ከም ዘይምልከቶምን ብምግባር ጥራይ ዘይኮነ ተመሃሮ ኣብ ኮሌጃቶም ብ ወተሃደራት ከም ዝሕለዉ ብምግባር ወትሩ ፍርሕን ዘይ ርጉኡነትን ከም ዝስመዖም ገይርዎም እዩ፡፡

እዚ ብጀካ ንስልጣኑ እንበር ነቶም ተረከብቲ ሃገር ዝኾኑ ምሁር ኣካል እዚ ህዝቢ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ ስርዓት-ካብ ምትእትታው 12 ክፍሊ ኣብ ሳዋ-ብታዕሊም ከም ዝሓልፉ ጀሚርካ- ተመሃሮ ልኡማትን ተአዘዝትን ኮይኖም ክኸዱ ዘይ መደይ ተባሂሉ ዝተሰራሓሉ እዩ፡፡ ኮሌጅ ድሕሪ ምእታዎም እውን ኣይገደፍናኩምን ብዘስምዕ ብ ወተሃደራት ከም ዝሕለዉ ይኾኑን ታዕሊም ይስረዓሎምን ናብ ኣደ-ኣህድታቶም እውን ምብጻሕ ከም ዝገብሩ ይግበርን፡፡
ኣገዳስነት ትምህርቲ ኣብ ምልዋጥን ምምዕባልን መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምስ ግዜን ዝኽዱ መንእሰያት ኣብ ምፍራይ ዓቢ ግደ ዘለዎ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህረቲ ኣብ ሕብረተሰብ ግቡእ ቦትኡ ከይሕዝ እሞ ተካእቲ ወለዶታት ከይፈርዩ ብቀጥታውን ተዘዋዋርን ዕንቅፋታት ኣብ ምጽዋድ ስራሕና ኢሎም ተታሓሒዞሞ እዮም፡፡
ኣብ ምምዕባለ ኩሉ መድያዊ እዛ ሃገር ማለት ፖለቲካዊ፡ ቀጠባውን ማሕበራወን ጉዳያት ዝልዓለ ቦታን ተራን ክሕዝ ዝግበኦ ላዐለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሃገርና- ሎሚ ከም ዝኾነ ካልእ ትካል ንሱ እውን ንምድሃኹ ዕላማ ስለ ዝተገብረ፡ እነሆ ናይ ትምህርትን ምርምርን መንፈሱ ኣጥፊኡ መትሓዚ መንእሰያት ካብ ዝኸውን ዓመታት የሕሊፉ ይርከብ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ እነሆ ተመሃሮን መምሃራንን ኮሌጃት ላዕለዋይ ትምህርቲ ካብ ኩሉ ጉዳያት እዛ ሃገር ተገሊሉን ህዝብን ሃገርን እናጠፍኡ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይምልከቶ ኮይኑ ክዕዘብ እዩ ጸኒሑ፡፡
እዚ ሕቡእ ኣጀንዳ ዝጸንሖ ውልቀ መላኺ- ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርሱን ሃገራዊ ስምዒትን ዓቢ ደገፍ ንህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሕዝባዊ ግንባር ተሓቢኡ ንዓመታት እከይ ኣጀንዳታቱ ከይ-ተቃለዐ ክኸይድ እዩ ጸኒሑ፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ግዳይ ኣረሜናዊ ግፍዕታቱን ማእሰርትን ሞትን ስደትን ኮይኖም እዮም፡፡
እዚ ንህዝብና ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ጨውዩ፡ ዓፊኑ ብታህዲድን ፍርሕን እናዘርአ ክገዝእ ዝጸንሕ ጉጅለ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ- እነሆ ሕጂ ሳላ እቶም ነዚ ህዝቢ በጃ ኮይኖም ኣብ ማእሰርቲ ዘመኖም ምሉእ ክሳዕ ሞት እውን እሙናት ዝኮኑ ኣባላት ባይቶን ሚኒስተራትን ጋዜጠኛታትን ገዳይም ተጋደልትን ከምኡ እውን ሳላ እቶም ኣብ ወሽጥን ስደትን ኮይኖም ንፍትሒ ደው-ኢሎም ዝቃለሱ ዘለዉ ዜጋታት – እነሆ ሕቡእ ኣጀንዳ ውልቀ መላኺ ተቃሊዑ ኣብ ህዝብን ሃገርን ፎእ ተባሂሉን ተፈንፊኑን ይርከብ፡፡
ሕቡእ ኣጀንዳ ውልቀ መላኺ- ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብ ዝተቀላዓሉ እዋንን ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብቀንዱ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክአ ብሓፈሻ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ቀጻልነቶም ከውሕሱ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ እዋን ሎሚ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ተራ ነብሲ ወከፍና ክዓዝዝ ይግባእ፡፡ ኣካላት መንግስቲ፡ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ትምህርታዊ ትካላት፡ መንግስታውን ብሕታውን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀ ሰባትን ን ህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ኣብ ምውዳብን ካብኦም ዝድለ ዘበለ ክግብሩ ይግባእ፡፡
ብፍላይ ድማ ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ኮሌጃትን ካልኣይ ደረጃ ተመሃሮን ከም ምሁር ኣካል እዚ ሕብረተሰብ’ዚ፡ መንእሰይ ድማ ብተፈጥርኡ ደላይ ለውጥን ሓድሽ ነገርን ብምኻኑ፡ በቲ ስርዓት ዝግበረሎም ጸቅጥን ምፍርራሕን ወጊድ ኢሎም ልክዕ ከም ዝኾነ ኣብ ዓለም ዝልዓዓሉ ዘለዉ ህዝባዊ ተቃውሞታት ኣንጻር ምልክነት- ኣብ ሃገርና እውን ንዝበጋገስ ዘሎ ረስንን ቁጠዐ ህዝብን ኣንጻር ውልቀ መላኺ ነዳዲ ብምውሳኽ ዕምሪ ውልቀ መላኺ ከነሕጽርን ንህዝብን ሃገርን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ተራና ንጻወተሉ መድረኽ በጺሕና ንርከብ!!
ስለዚ ከም መቀጸልታ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ተለዓዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክል- እዚ ማሕበር ተመሃሮን መምሃራንን ዩንቨርስቲ ኣስመራን ኮሌጃትን- ምስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዋ ምንቅስቃሳት ፈንቅልን ራህዋ ንኤርትራን ካልኦት ኣብ ምክልኻልን ሚኒስትርታትን ዘለዉ ምጥርናፋት ብምትሕብባር – ንኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ቃልሲ ንፍትሒ ኣብ መንጎ ዝተፈላዩ ኣካላት መንግሰትን ምንቅስቃሳትን ብምውህሃድ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ኣብ ዝግበር ህዝባዊ ቃልሲ እጃሙ ክገብርን ሓላፍነቱ ክዋጻእን ቃል ይኣቱ፡፡
ኣብ መጨረሽታ እዚ ሽፍታ እንበር መንግስቲ ዘብሎ ኩሎም ኣምራት ዝጠሓሰ ዕሉል ገበነኛ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ከም ብተደጋጋሚ ብ ኣባላት ባይቶን ሚኒስተራትን ህዝብን ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብን ቅዋማዊ መንግስቲ ንኽትከልን ዝተዋህቦ ጻውዒትን መጠንቀቅታን ሽላ ብምባል ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ብስም ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ኩነታት ዘውርዶ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ዕንወት ልዕሊ ትጽቢት ብምኻዱን ዕንደራ ውልቀ መላኺ መኸተምታ ክግበረሉን ዳግም እዚ ህዝቢ ናብቲ ንቡር ኩነታቱ ተመሊሱ ቀጻልነት ህዝብን ሃገርን ምውሓሱ ምእንቲ ክከኣል፡-
ነዚ ዝስዕብ ናይ ይኣክል መልእኽትታትን መጸዋዕታታትን ነመሓላልፈ፡-

1- ኣብ ኩለን ኣብ ሃገርና ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዉ መምሃራንን ተመሃሮን ነዚ ነገር እዚ ንምዕዋት ውዳቤታቶምን ጎስጋሶቶምን ኣብ ተመሃሮ ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ድማ ብሓፈሻ ከሕይሉ ይግባእ!!
2- ተመሃሮን መምሃራንን ካልኣይ ደረጃ እውን ዝሓለፈ ክራማት ብተመሃሮ ዙር ፈንቅልን ራህዋ ንኤርትራ ዝተበጋገሰ ምንቅስቃስ ሓርነት ኣባኹም እውን ብዝለዓለ ደረጃ ክበራታዕ ክትሰርሕሉ ይድለ!!
3- ብቀንዱ ክአ ኩሉ ኣደራዕ ኣብ ዝባንካ ጸርካዮ ትኸይድ ዘለኻ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ሕዝባዊ ሰራዊት፡ ጽጥታን ፖሊስን ኣካል ናይዚ ለውጢ ክትከውንን ሞተር ኮንካ ድፋኢ ሓይሊ ክትከውን ከም ዘለካ ትጽቢት ኩሉ ህዝቢ ምኻኑ ፈሊጥካ ተሳትፎኻ ከተዐቢ ንጽውዕ!!
4- አዴታት እውን ዚያዳ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ዚያዳ ዝተሃሰኽን ከም ምኻንክን ፈሊጥክን ብጋሂን እህህታን ሓዘንን ዝፍታሕ ወይ ዝመጽእ ራህዋ ከም ዘየለ ተረዲእኽን- ዘለና ምረት ናብራ፡ ጉስቁሉና፡ ምእሳር፡ ስደትን ድኽነትን ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንጸራርጎ ኣብ ንገብሮ ወፍሪ ጎኒ ደቅኽን ሰብኡትክን ኣቦታትክንን ኮንክን ሳቮያ ክትብላ ንጽውዕ!!
5- ኣቦታት እውን ዝወለድኩሞምን ዘዕበኹሞምን ደቅኹም ዳግማይ ትሓቅፍሉን ትራኸብሉን ግዜ ክመጽእን ነዛ ሃገር ሰላምን ራህዋን ክሰፍና ምእንቲ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ይኣክል ኣብ ዝብለሉ እዋን መሪሕ ተራ ክትጻወቱን ክትኣልዩን ንጽውዕ!!
6- መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን እውን – ማይ ንጣብ ክረምቲ ደንጉያትና ኢልኩም መሪሕኩም እዝግዮ ተብልዎ ዝነበርኩም ህዝቢ እሞ ጠልቅዩ ገዝኡ ዝምለሰሉ እዋን ዘኪርኩም- ህዝቢ ካብ ዘለዎ መከራን ጥፍኣትን ብእኩብ ረድየት ኣምላኹ ዝሓተሉን እዝግዮ ምሓረኒ ዝብለሉ ባይታ ክትፈጥርሉ ንጽውዕ!!
7- ኣብ መጨረሽታ ዕምሪ ስልጣን ውልቀ መላኺ ንምሕጻሩን ሰለማዊ ዝኾነ ናይ ስልጣን ምስግጋር ክህሉ እሞ ሰላም ራህዋን ዲሞክራስን ዘለዋ ሃገር ከነውሕስ ኣብ ንገብሮ ናይ ምውህሃድን ምቅልጣፍን ስራሕ ተራ ናይ ለውጢ ሓይልታት ይኣክል፡ ምሁራን፡ ዓበይቲ ሰብ ሃብቲ ኤርትራውያን ግዱሳት ውልቀ-ሰባትን ተሳትፈኹም ኣብ ምቅራብ ምኽራውን ማቴራላውን ገንዘባውን ሓገዝ ክዓቢ ንጽውዕ!!

ካብ ማሕበር ተመሃሮን መምሃራንን ዩንቨርስቲ ኣስመራን ኮሌጃትን
ኣወሃሃዲት ኮሚቴ
ራህዋ ንህዝቢ ኤርትራ !!!!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Aba thimmer November 24, 2019

    Hagos, I don’t bother when you repeatedly changing your name from one to another. But what makes me wonder is your attitude towards eritrean weakness. Thus, we all know because of you and alike. This is the disease at high rate mortal called ethiopianizm. Any way, we have anti dot Be relax brother

  • Ghirmay November 26, 2019

    In its 28 years of brutal rule (misrule), HGDEF has never stopped to amaze us by
    the next trickery that it comes up to perpetually dislocate the poor people.
    HGDEF’s central logic as to how to keep the masses perpetually disoriented goes as follows:-
    if the people can’t be made to go to Sahel or Sawa, then Sahel or Sawa has to be brought to them,
    brought to them (to their cities and towns).

POST A COMMENT