Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዛዚሙ።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዓመታዊ ኣኼባኡ ብዕለት 18.02.2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዛዚሙ። ኣኼባ ኣብዚ ሓጺር እዋን ብዝተረኽበ መስዋእቲ ኣባል ማሕበር ኣካለ ጽጉማንን፤ ነባራት ተጋደልትን ዝኽሪ እዩ ተጀሚሩ። ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዓመታዊ ኣኼባኡ ብዕለት 18.02.2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዛዚሙ። ኣኼባ ኣብዚ ሓጺር እዋን ብዝተረኽበ መስዋእቲ ኣባል ማሕበር ኣካለ ጽጉማንን፤ ነባራት ተጋደልትን ዝኽሪ እዩ ተጀሚሩ። ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2016 ዘካየዶም ንጥፈታትን ተሳትፎ ግዱሳት ዜጋታትን ሓበሬታ ብምቕራብ ኢዩ፣ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ዝኸፈቶ ። ኣኼበኛ ማሕበር ኣብቲ ዓመት ዝኸደ ንጥፈታትን ኣብ ግምት ብምእታው፤ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2017 ዓ.ም. ዝግበር መደባትን ሓዲሽ ናይ ስራሕ ኣገባብ ምትእትታውን ንኽህሉ ሰፊሕ ልዝብ ኣካይዱን ሓንጺጹን ። ብፍላይ ከኣ ኩሉ መዳያዊ ምእላይን መነባብሮ ጽጉማን ምምሕያሽን ቅዳምነት ክዋሃቦ ክጽዕር ምዃኑ ርእዩ። ኣብ ርእሲዚ ነተን ወርትግ ዘይስልክያ ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበርን  ምስ ኣባላት ማሕበር ብምትሕብባር ዘካየድኦ ዘይሕለል ተወፋይነ ትን ጻዕርን ኣመስጊኑ። ብዘይካዚ ነቶም ብምኽንያት ልደት ኣብ ኤርትራውያን ፓልቲካት ንመደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ገንዘብ ዘዋጽኡንብቀጥታ ክበጽሕ ዝገበሩን ኣሕዋትን ኣሓትን መጎሱ ገሊጹ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde February 23, 2017

    Let the Lord give you back 10 folds ahwat. Looking after those who gave us everything is not only the right thing to do,it is our national responsibility.

POST A COMMENT