Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ደምዳሚ ኣዋጅ ቀዳማይ ኣኼባኡ ዛዚሙ።

ቀዳማይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ዕለት 22 መጋቢት 2013 ቀዳማይ ኣኼብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ማእከላይ ባይቶ 05 ዝኣባላታ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት መሪጹ። ከምኡ’ውን ዝርዝር መደብ

ቀዳማይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ዕለት 22 መጋቢት 2013 ቀዳማይ ኣኼብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ማእከላይ ባይቶ 05 ዝኣባላታ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት መሪጹ። ከምኡ’ውን ዝርዝር መደብ ስርሓት ንፈጻሚ ቤ/ጽሕፈት ሂቡ። ሓድሽ ዝተመርጸ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዶክተር ተስፋይ ስባህቱ፣ ኣመራርሕኡ መርሆ ናይ ሓባር መሪሕነት ዝኽተል ሙዃኑን፣ ኩሎም ኣባላት ሰልፍን መሳርሕቱ ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ካብ ናቱ ዝንእስ ሓላፍነት ከምዘይብሎም ብምብራህ ሓገዞምን ዕዙዝ ተሳትፍኦምን ንከይፍለዮ ተላብዩ።

ዓወት ንሕዝቢ!

ስልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

ደምዳሚ ኣዋጅ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ካብ 18 ክሳብ 22 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቀዳማይ  ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  “ወናኒ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣካይዱ። ነቲ ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ቅዋምን ፕሮግራምን ጉባኤ ብደቂቑ ብምዝታይን ብምምርማርን፣  ስም ሰልፊ ፣ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ” ተባሂሉ ክጽዋዕ፣ ኣርማ ሰልፊ  ድማ “ቀይሕ ዕምበባ”  ክኸውን ወሲኑ። ብተመሳሳሊ ጭርሖ ሰልፊ “ዓወት ንህዝቢ” ክኸውን ወሲኑ።

ኩነታት ሃገርን ድሌታት ህዝቢ ብሰፊሕ ድሕሪ ምግምጋም ፣ ሕዝብና ኣብዚ እዋን’ዚ ዝምነየን ክልተ መሰረታውያን ነገራት ምዃነን ጉባኤ ተገንዚቡ። ንሳተን ድማ ሰላምን ደሞክራሲን ኢየን። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ሰላም ይደሊ፡ እቲ ንነዊሕ ዘበናት ብዘይ ምቁራጽ ዝዛሪ ዘሎ ደም ደቁ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክውገደሉ፡ ከምኡ’ውን ሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገሩን ምስ ጎረባብቱን ብቀዳማይ ደረጃ ካብ ዝስርዖም ጠለባቱ እዮም። ካብዚ ብምብጋስ፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ ብመሰረቱ ሰለማዊ ኮይኑ፡ ነቲ ኣዝዩ ጸቢቡ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰረት ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝያዳ ዘጽብብን ነቲ ኒሂሉ ዘሎ ቁጠባዊ ሰረቱ’ውን ዝያዳ ንምንሃሉ ኩሉ ዓይነት  ስጉምትታት ምውሳድ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘቀላጥፍ ቅኑዕ ስትራተጂ ምዃኑ ጉባኤ ተረዳዲኡ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ሰፊሕ ጽላል ኣንጻር ህግደፍ ናይ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ሓይልታት  ኢዩ። ሰልፍና ድማ ኣባል እዚ ሰፊሕ ጽላል‘ዩ። ስለዚ ባይቶ  ህዝቢ ዝጽበዮም ዕማማት ንከሰላስል ሰልፍና ዓቕሙ ዘፍቅዶ ክገብር ጉባኤ ወሲኑ።

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ናይ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ዘሎዎ ውድባት ጽላል‘ዩ። እዚ ጽላል‘ዚ ዝያዳ ዝቀራረበሉን ብንጥፈት ብሓባር ዝሰርሓሉን ኩነታት ክህሉ ከም ዝግባእን ሰልፍና ነዚ ዕላማታት‘ዚ ኣብ ሽቱኡ ንምብጻሕ ዓቕሙ ከበርክት ጉባኤ ወሲኑ።

ብተወሳኺ ጉባኤ ንህሉው ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቱ ብዓሚቑ ድሕሪ ምዝታይ፣ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንሓደ ሃይማኖት፣ ብሄር ወይ’ውን ወገን ዘይውክል ንኹሉ ብማዕረ ዝጭፍጭፍ ፣ ንሃገር ኣብ ገሃነም እሳት ቀይሩ ብራዕዲ ዝገዝእ ዘሎ  ቶታሊታርያዊ (ገባቲ) ስርዓት ከምዝኾነ ገምጊሙ። ሰልፊ ዲሞክራሲ  ኤርትራ፣ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብቲ ከይዱዎ ዘሎ ርሕቀት ተመሊሱ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ዲሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ከስፍን ባህርያቱ ኣይፍቕዶን ኢዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ዘለናዮ መድረኽ ኣዝዩ ተኣፋፊ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ። ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘቆናጽብን ሓድነት ህዝቢ ዘዳኽም ተርእዮታት ይረኣዩ ኣሎዉ።  ብተወሳኺ ህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ዘለዎ ክቱር ድሌታት መዝሚዝካ ሓቅነት ዝጎዶሎ ሓበሬታታት ብምፍናው ህዝቢ ኣብ ናይ ተስፋ ሃዋህው ተጸሚዱ ነቲ ዝድለ ሓቀኛ ለውጢ ብንቕሓት ከየተኩረሉ ኣርሒቁዎ ይርከብ። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓላፍነት ዝጎደሎም ተግባራት ብትብዓት  ክብድሁ መድረኽ ዝጠለቦ እዋናዊ ጉዳያት ሙኻኖም ጉባኤ ተገንዚቡ።

ወኒ ህዝቢ ኤርትራ ንቃልሲ ዘበራበረ ስርሒት ፎርቶ (21 ጥሪ 2013) መቐጸልታ ናይ ቅድሚኡ ዝነበሩ ቃልስታት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ምዃኑ ጉባኤ ተገንዚቡ። ከምኡውን ሰራዊት ኤርትራ ብዘይድሌቱ ዝተዓስከረ መንእሰይ ዝሓቖፈ ስለ ዝኾነ ቀንድን መሓዛ ለውጥን’ዩ። ስለዝኾነ ድማ ቃልሱ ኣንጻር እቲ ዝጭፍልቖ ዘሎ ስርዓት ውዱብ ቃልሲ ከካይድን ምስ ተቓለስቲ ኣሕዋቱ ቃልሱ ከዋሃህድን ጉባኤ ጸዊዑ።

መንእሰይ ኤርትራ ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ ፈቖዶ ኩርናዓት ዓለም ካብ ዝስደድ ዓመታት ኣቝጺሩ’ዩ። ናብ ሱዳን ኣብ ዝስደደሉ፡ ነጋዶ ሰብ ካብ ውሽጢ ሱዳን ናብ ነጋዶ ሰብ ናይ ግብጺ ብምሻጥ ኣካላቶም ተቖራሪጹ ናብ ዕዳጋ ይወርድ ኣሎ። እዚ ኣብ ሉኡላዊ መሬት ሱዳንን ግብጽን ዝግበር ዘሎ ገበናት  ክልቲኦም መንግስታት ይግበር ስለ ዘሎ፡ ድሕነት ስድተኛታት ኤርትራውያን ክሕሉዉ ሕጋውን ሞራላውን ግደታ ስለ ዘሎዎም ጉቡኦም ክፍጽሙ ጉባኤ ጸዊዑ።

ኣብ መደምደታ ጉባኤ ንሰለስተ ዓመት ዝመርሕዎ 15 ኣባላትን 2 ቅያር ማእከላይ ባይቶ፣ መሪጹ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ንኹሎም ደገፍቲ ቃልስናን ብፍላይ ከእ ንመንግስቲን ህዝብን ኢትዮጲያ የሞጉስ።

ዓወት ንህዝቢ!

ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

ኣዲስ ኣበባ  22 መጋቢት 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Wereket TaEsa March 23, 2013

    They do not even display Eritrean FLAG, instead they display PFDJ flag. I do not trust those who displays PFDJ flag.

    • selam March 23, 2013

      nab Wereket taesa

      wereket naybahaki ika tehezen bandera hager ember pfdj zeweneno hagerawi bandera zebahal yebelun. menalbat neti nay gezae resu party zewekel ente zeykoinu. Eza bandera Ezia Gen Kendey Jeganu Ziwedekula wegawit Bandera Ertra Iya. and you have to have respect on our national flag too.

  • simon March 24, 2013

    congra and well come to the game. You will definitely play you role to make things clear when warsay needs more guidance in the time of confusion. I totally agree when you say HGDEF does not represent any segment or religion as some might think.

    • David March 24, 2013

      Hafash mestenkrawi Awetat ab r’si baEdi ‘nda abAlet ‘nkela ‘zi’atom dma kab Adi baEdi naSnet knemSe’alkum ilom laEln-taHtn yblu:: Korakur Woyane feSimom ayHafrun ‘yom::

      Tesfay Sibhatu is giving his awraja a very bad name.

  • samson March 25, 2013

    Petros I hope u r doing your part of the job. It takes courage to act, even if doesnt turn out to be to the best of your desire.As Eritreans we should grow out of this unrequitted love of “paper tigerism.”

POST A COMMENT