Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማእከላይ ኮሚተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናይ ክልተ መዓልታት ህጹጽ ኣኼባ ገይሩ ትማሊ 13 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ፈጻሚ ኮሚተ ኢህወደግ ስምምዕ ኣልጅሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኩነት ምሉእ ብምሉእ ከተግብሮ ዘሕለፎ ውሳኔ ከም እተሰማምዓሉ ኳ እንተገለጸ፡ በቲ ናይ ኢህወደግ ስጉምቲ ከምዘይተሓጎሰ ኣንጸባሪቑ።

ማእከላይ ኮሚተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናይ ክልተ መዓልታት ህጹጽ ኣኼባ ገይሩ ትማሊ 13 ሰነ 2018 ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ፈጻሚ ኮሚተ ኢህወደግ ስምምዕ ኣልጅሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኩነት ምሉእ ብምሉእ ከተግብሮ

ማእከላይ ኮሚተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናይ ክልተ መዓልታት ህጹጽ ኣኼባ ገይሩ ትማሊ 13 ሰነ 2018 ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ፈጻሚ ኮሚተ ኢህወደግ ስምምዕ ኣልጅሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኩነት ምሉእ ብምሉእ ከተግብሮ ዘሕለፎ ውሳኔ ከም እተሰማምዓሉ `ኳ እንተገለጸ፡ በቲ ናይ ኢህወደግ ስጉምቲ ከምዘይተሓጎሰ ኣንጸባሪቑ።

ኣብቲ ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ፈላሚ ዓንቀጽ ናይ መግለጺኡ ቃል ንቓሉ ከምዚ ይብል።

` (ህውሓት) ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ዝወሰኖ ውሳኔ ብመሰረቱ ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዘላቒ ሰላም ቀርኒኣ ፍሪቃ ብሓፈሻ ናይ ክሊኦም ሃገራት ህዝብታት ድማ ብፍላይ ብኢህወደግ  ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀሪስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ንተግባራውነቱ መላእ ኣባላቱን ህዝቡን ብምርዳእን ክኣምነሉ ብምግባርን ከምኡ `ውን ንሕብረተሰብ-ዓለም ኣብ ጎኑ ብምስላፍ ንተግባራውነቱ ዘይሕለል ቃልሲ እናገበረ ጸኒሑ እዩ። ይኹን`ምበር፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝሓለፈ 18 ዓመታት ዘላቒ ሰላም ምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ስለዝኾነ ድማ፡ ስራሕ ፈጻሚት ኢህወደግ ዝወሰኖ ውሳኔ ካብቲ ዝጸንሖ ፖሊሲና ዘይፍለ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ዘላቒ ሰላም ዘምጽእ ውሳኔ ምሕላፉ ግቡእን እዋናውን ምዃኑ ማእከላይ ኮሚተ ህውሓት ደምዲሙ እዩ። ይኹንምበር፡ ኣብ ኣፈጻጽማኡ ምስ ኣብ ካልእ ከባቢ ዘሎ ዶባት ሃገርና ናይ ባዕሉ ዓብይ ትርጉም ዘለዎ ስለዝኾነ ብዝለዓለ ጥንቃቐ ክርአ ከምዘለዎ ሓቢሩ እዩ` ይብል።

በዚ መሰረት፡ ህወሓት ንውሳኔ ኢህወደግ ዘላቒ ሰላም ዘምጽእ ምዃኑ ከምዝኣምነሉን ከምዝድግፎን ምግላጹ ኣውንታዊ ኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ኣቀራርባኡ ዘሎ፡ ` ብኢህወደግ  ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀሪስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ንተግባራውነቱ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ዝገልጽ ኣበሃህላ፡ ኣብ ሓቂ ዘይተመርኮሰ ምዃኑ ብሸለልትነት ክሕለፍ ዘይብሉ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። እቲ ግጭት ብመሰረት `ቲ ክልቲኦም መንግስታት ዝኣተዉዎ ውዕል ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶባትን ተተግቢሩ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን18 ዓመታት ነባሪ ሰላም ዘይተረጋገጸሉ ምኽንያት፡ ብቐንዱ እቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕን ውሳኔን፡ ብመትከል ተቐቢልናዮ እናበለ፡ 5 ነጥብታት ዝሓዘ ቅድም ንዛተ ዝብል ዱልዱል ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ ንትግባረ ናይቲ ጉዳይ ሓሊኹ ስለዝሓዞ እዩ።

ነዚ ኢህወደግ ኮነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ቕነ ዝሃቡዎ መግለጺታት ካብቲ ናይ 18 ዓመታት መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈልዮ እንተልዩ ድማ፡ `ንስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶባትን ብዘይቅድመ ኩነት ምሉእ ብምሉእ ከነተግብሮ ኢና` ዝብል ምሉእ ሓሳብ ስለዘለዎ እዩ።

ብዘይካ`ዚ፡ ንኣፈጻጽማኡ ምስ ካልኦት ዶባት ኢትዮጵያ ክተተሓሕዞ ምፍታንን፡ ከምኡ `ውን፡ ኣብቲ ነቲ ውሳኔ ዘመሓላለፈ ኢህወደግ ቀንዲ ብዓል ብርኪ ዝኾነ ህወሓት፡ ኣጋር ውድባት ከይተሳተፉሉን ከየጽደቑዎን ናይ መወዳእታ ውሳኔ ጌርካ ንህዝቢ ዕላዊ ምግባሩ ከም መሰረታዊ ጉድለት ኢህወደግ ምግላጹ ንገዛእ ርእሱ፡ ህውሓት ካብቲ ሒዙዎ ዝጸንሀ ቅድመ ኩነት ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተገላገለ፡ ኣብቲ ከም መሰረት ነባሪ ሰላም እኣምነሉ እየ ዝበሎ ውሳኔ ኢህወደግ `ውን ዝተኣጓጎለ መርገጺ ከምዘለዎ ዝእምት እዩ።

በዚ መሰረት እቲ ህወሓት ዝዘርግሖ ዘይንጹር መግለጺ ኣብ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት መሊሱ ምድንጋር ዝፈጥር መግለጺ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ፦

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! June 14, 2018

    From the begining who was planning to prolong the war with Eritrea ?
    At this moment Ethiopians say ” the game is over and we are not part
    of Shaebia-Weyane destructive relationship that cost us bloodshed of
    our innocent people ” .
    Let hatemongers fo to hell.

    • k.tewolde June 15, 2018

      Yes brother Ahmed,it is way overtime to put the outdated sahel political collusion to rest,it is musty,old and dingy like its players, they are sucking the life out of the people,we simply cannot allow them to rule till they start wearing bibs and eating puree food.

    • Danilo June 15, 2018

      Brother Ahmed. From the beginning who started the war is not secret. Leaving aside the Badme / border war, it minds me why the tegaru as bandits made terrorism on the era emperor haileelasie been bandits? .let’s this aside too. Who killed more onest Eritreans on the era ( again ) of Derg? . Fact witness is coming from the people who were considered as our real enemy but proving their honest. God bless them ዒድ ኣል ሞባረክ ዓሌክ ወ ኣል ኣኸሪን።

POST A COMMENT