Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማዕረ ህሉው ገበናት ህግደፍ፡ መጻኢ ሓድጊ ስርዓት ህግደፍ ከሻቅለና ኣለዎ

ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ብህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ክረጋገጸሉ ዘልዕሎ ግሁድን ዘይግሁዱን ተቃውሞን መረረን፡ “ኣብ ዝበጽሖ የብሉን” ኢሉ ስለዝንዕቆን ብጭካነ ይምልሰሉ ስለዘሎን፡ ይዕበ ይንኣስ ፍጻሜ ህግደፍ ወትሩ እዉጅ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክሳብ ክንደይ ተነጺሉ ከምዘሎ

ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ብህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ክረጋገጸሉ ዘልዕሎ ግሁድን ዘይግሁዱን ተቃውሞን መረረን፡ “ኣብ ዝበጽሖ የብሉን” ኢሉ ስለዝንዕቆን ብጭካነ ይምልሰሉ ስለዘሎን፡ ይዕበ ይንኣስ ፍጻሜ ህግደፍ ወትሩ እዉጅ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክሳብ ክንደይ ተነጺሉ ከምዘሎ ዝግንዘቦ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበንን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክኽሰስን ክፍረድን ምስተባህለ ግን፡ ዕብድብድ’ዩ ኣትዩዎ። ብመራኸቢ ብዙሓኑን ልኡዃቱን ኣቢሉ፡ “ካብ መድረኽ ዲፕሎማስያዊ ምክልኻል ናብ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ምጥቃዕ ተሰጋጊርና” ኢሉ ይጭድር ኣሎ። እዚ ምስሉይ ኣቀራርባ’ዚ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ’ውን፡ እቲ ዝጠፍእ ዝነበረ ህይወት ሰብ ከይገደሶ “ካብ መድረኽ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ፡ ካብ ደባይ ቅዲ-ኩናት ናብ ቀዋሚ ዕርዲ ተሰጋጊርና” ብምባል ወትሩ ይዕወት ከምዝነበረ ከምስል ይገልጽ ነይሩ። ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኩናት ድማ “ፈኸራ ወያነ ቀዳድ ገረወይና’ዩ፡ ባድመ ተታሒዛ ማለት ጸሓይ ብምዕራብ በሪቃ ማለት’ዩ” ብምባል ኣብ ጥራይ ጎልጎል ምፍካር፡ ዓቅምኻ ዘይምፍላጥን ንየዋሃት ምድንጋርን ገለ ካብ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ንዓይ ንኣንጭዋ ኣብ ለቆታ ከምዝብሃል ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ብመልሓሱ ዝበለ እንተበለን ሓጥያተኛ እንከሎ ክጸድቅ እንተሃቀነን፡ ቀንዲ መምዘኒ እንታይነት ህግደፍ፡ እቲ መዓልታዊ ዝፍጽሞ እከይ ተግባራት’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ልዕሊ ኹሉን ኣውራን ህላወ ስልጣኑ ስለዘገድሶ፡ ብዋጋ ልኡላውነት፡ ንብረትን መንነትን ህዝብና ክጣላዕ፡ መጻኢ ወለዶና ኣብ ጸልማትን ቅልውላውን ክድርብዮን ኣብ ዘይረብሓሉ ጉዳያት ክጠብሶን ድሕር ከምዘይብል ብተግባር ኣረጋጊጹ’ሎ። ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶ ህውከት የመን ምስተን ጽልዋታተንን ጸጥታዊ ስግኣታተንን ከይጎድለን ኣብ ልዕሊ የመን ብወተሃደራዊ ወፈራ ንሰላማዊ ህዝቢ ሞትን ስደት ዕንወት ንብረትን ዘካይዳ ዘለዋ ብንግስነት ስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳንን ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተባረኸን በቲ ሓደ፡ ጦብሎቁታ ኢራን ድማ በቲ ካልእ፡ ህሉዉ ኣብነት ጽላለን ዘይሓላፍነታውን ህግደፍ’ዩ። መርዛማት ኣእዳው ስርዓት ህግደፍ ተመጣጢረን ዘየርክብኦ ቦታ የለን። ህግደፍ ንኸምስል፡ “ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኣውራጃ፡ ቀቢላን ሃይማኖትን ንምዝራግ ዘይፈንቀልዎ እምኒ የለን” ብምባል ንኻልኦት ክውንጅልን ንነብሱ ጻድቅ ክመስልን ይፍትን’ዩ። ብተግባር ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብስዉርን ሓደገኛን ሜላ ሓድሕድ ምትእምማን ከምዘይህልዎ፡ ህዝብና ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርዶ ኣደራዕ ብፍርሒ ተዋሒጡ ፈለኽ ከምዘይብል፡ ኣፍ ኣውጺኡ ኣበራት ህግደፍ ከቃልዕ እንተጀሚሩ ድማ፡ “ዕሱብ ወያነ፡ ልኡኽ ስለያ ኣመሪካ፡ ጀብሃ፡ ጅሃድ፡ ከዳዕ” ዝብሉ ናይ ጸለመ ኣስማት ብምጥማቅ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምንጻልን ሞራሎም ምውዳቅን ብዝለዓለ ይሰርሓሉ።

ዓመጽን ብልሽውናን ቀንዲ ሕላገት ስርዓት ህግደፍ ስለዝኾነ፡ ዘገልግልዎ እሙናት ሰባት ብሚልዮናት ገንዘብን ንዋትን ገዚኡ ኣብ እከይ ተግባራት የዋፍሮም። ብዘይሕጋዊ ኣገባብ፡ ኣጽዋር፡ ንብረትን ገንዘብን እንተላይ ህይወት ሰብ፡ ኣብ ምሻጥን ምዕዳግን ምስግጋርን ዝኣከቦ ቢልዮናት ገንዘብ ድማ ኣብ ምስጡር የቀምጦ። ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይረብሓሎምን ናይ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ምንቅስቃስ ንምዕፋንን፡ ንጹር ዕላማታት ዘይብሎምን ንግዝያዊ ረብሓታት ከገልግልዎን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ምእታውን ንተቃወምቲ ካልኦት ሃገራት ከም ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያ፡ የመን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ መሐከሊ ቦታ፡ ስልጠና፡ ንዋታውን ገንዘባውን ደገፋት ምሃብን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብምስጢር ስለያዊ ስርሓት ምክያድን ናዕብታት ምፍጣርን ቀዳማይ ውራይ ህግደፍ’ዩ። ኤርትራውያን ንሓደገኛ ተግባራት ህግደፍ ህጹጽ መዕገቲ እንተዘይገርናሉ ድማ፡ ተስፋ መጻኢት ኤርትራ ዝኾኑ መንእሰያትና በብዝኸድዎ ኣብ ስደት ክጠፍኡ፡ ታሪኽናን ክብርናን ክማራሳሕ፡ ጽልእን ስስዕን ክሰፍን፡ ሃገራውነትና ክብሕጎግ፡ ምስ ከባቢና ክንቀራሓንን ድኽነት ክወርሰናን’ዩ። ስለዚ ኤርትራውያን፡ ማዕረ ህሉው ገበናት ህግደፍ ድማ፡ መጻኢ ሓድጊ ስርዓት ህግደፍ ከሻቅለና ኣለዎ።

        ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (2 ሕዳር 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • yemane November 3, 2016

    Yes, you are right.

  • aronfist November 3, 2016

    “ህግደፋውያን ጸዋእቲ ተካል እዋን”

  • Sol November 5, 2016

    ሻዕብያ ካብታ ዕለተ ልደቱ ጀሚሩ ብሓሶት ዝተጠመቐ ጉጅለ እዩ። ህዝባዊ ሰራዊት ካብ መሪሕነቱን ሓለዋ ሰውራን ከም ቁሪ እናፈረሀ ይጋደል ነሩ። ናይ ሱሳታት ዝነበረ ጉዕዙይ መድረኽ መዝሚዝካ ንህዝቢ ኣታሊልካ ክንዲ ዓሰርተ ዕጽፉ ግዕዝና እናፈጸሙ ንነብሶም ብሓሶት እናኣቀናጀዉ ንዓመታት ተሰቲሮም ይነብሩ ነሮም፣ ሎሚ ግን ኩሉ እከይ ስራሖም ተኸሺሑ እንከሎ ገና ድሕሪ ናይ ሓሶት ጭርሖታት ክሕብኡ ይጽዕሩ ኣለዉ።

  • k.tewolde November 5, 2016

    Tsilal,we are already there,what is left,I don’t like to paint a grim picture,but when the youth is paralyzed and dispersed,when the elderly is neglected,destitute and lonely,you saw the picture of unidentified older victim from the bus accident,when underage boy and girl elope in droves leaving their warm home behind,when a nation builds more prisons than schools and hospitals etc.,when a young mom risks the lives of her three precious children and her own in the quest for a better life and drowns with them in the process,when the ‘liberators’ are selling their own children and building villas from their procured organs,what is left!! Tell me what is left when family members can’t speak to each other anymore,when a young female bolts out stark naked in the streets of Tel Aviv,when a young man wiggles out of suitcase in a terminal and another one found hugging a corpse in a casket………………What is left of us!!!! This tyrant vehemently hates Eritreans,and the irony is,he has been humiliating us using our brothers and sisters.It is an epitome of social degradation and an epic failure of a nation.Nice weekend my fellow Eritreans,I am deeply sorry.

Post a Reply to yemane Cancel Reply