Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማይን ሑጻን መታርፍቲ: መታሓሳሰቢ ንሓይልታት ምክልኻልን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን

  ኣብ ከተማ ኣስማራ ድሕሪ ዝተኻየደ ተባዕ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ናብ ከቢድ ራዕዲ ከምዝኣተዎ ኣብ ዉሽጥን ወጻእን እንርከብ ኤርትራዉያን ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ። ስርዓት ህፍደፍ ግን እንተኾይንሉ ብዝኾነ ዋጋ ፋሉላዊ ግዝኣቱ ምቅጻል፡ እንተዘይኮይንሉ ድማ ከምሃገርን

 

ኣብ ከተማ ኣስማራ ድሕሪ ዝተኻየደ ተባዕ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ናብ ከቢድ ራዕዲ ከምዝኣተዎ ኣብ ዉሽጥን ወጻእን እንርከብ ኤርትራዉያን ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ። ስርዓት ህፍደፍ ግን እንተኾይንሉ ብዝኾነ ዋጋ ፋሉላዊ ግዝኣቱ ምቅጻል፡ እንተዘይኮይንሉ ድማ ከምሃገርን ህዝብን ደዉ ከምዘይንብል ሰራዉርና በቲኹ ዉድቅቲ ኤርትራ ገዲፉ ክሓልፍ እዩ ዕላምኡ። ስለዝኾነ ኩሉ ከዉድቀና ይኽእል እዩ ዝብሎ መርዝታት ክነዝሕ ጸኒሑን ኣሎን።

ስርዓት እሰያስ መሰጋገሪ ተባሂሉ ዝተቐበሎ ስልጣን፡ ናብ ገደል ከሰጋግረና ይሰርሕ ከምዘሎን፡ ኣካይድኡ ይኹን ስልጣኑ ክቅይር ወይ ብሰላም ከረክብ መደብ ከምዘይብሉ ብቃሉን ተግባሩን ደጋጊሙ ኣረጋጊጽልና እዩ። ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ምልከ ስልጣኑ ዝኾነ ዉዕል ወይ ኮንትራት ዝሃቦ ሰብ ከምዘይብሉን፡ ቅዋም ይኹን ሕገ መንግስቲ ከምጡብ ኣዴና ክንቀብጻ ብብደዕ ተነጊርና እዩ። ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ዉልቃዊ ርስቱ፡ መንእሰይ  ኤርትራ ድማ ከም ናይ ግሉ ዕሱብን ጊላን እምበር ዋጋ ዘለዎ ፍጥረት ከምዘይቆጽሮ ብተግባር ክሸጦን ክልዉጦን ንርእዮ ኣለና። ምሒር ሸጥ ግን ይብተኽ ከምዝባሃል፡ ጭቆናን ግፍዕን ንግዚኡ ይመርር እምበር ክቱር ሕማም ካብ ሞት ኣይሓልፍን እዩ ዝዓይነቱ መንፈስ ተቃዉሞ ከምዘላዓዕል ርዱእ ኮይኑ ኣሎ፡ ፍርሒ ዉን ብማዓልታ ክትጣሓስ እያ።

ህግደፍ ድማ ነዚ ስለዝተገንዘቦ፡ ዘይከምኣመሉ በታ ንህዝቢ ኤርትራ መደናገሪትን መፋራርሒትን ጌሩ ዝጥቀመላ ቲቪ ኤረ፡ ብቅጽበት ሓተታ ኣዳልዩ። ኣብታ ሓጻር ሓተታ፡ ኣቶ ኣስመላሽ ነቲ ዝተፈጸመ ሰለማዊ ሰልፊ ከይጠቐሰ፡ ታሪኽ ኣማጻኣ ምስልምና ክድህዝስ ፈቲኑ። ከምወትሩ፡ ነቲ ልዕሊ ሽሕ ዓመት ዘቑጸረ ታሪኽ ፍቅርን፡ ልቦና ተሳኒኻ ምንባርን፡ በቶም መሰልና ይተሓሎ ኢሎም ናብ ጎደና ዝወጹ ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ከዉድቅዎ ይፍትኑ ምህላዎም ጌሩ ከቅርቦም ኮንቱ ፈተነ ተኻይዱ። እታ ሓተታ ብረቂቅ ጥበብ እያ ተዳልያ፡ በቲ ሓደ ዝገደደ ሕቶታት ከይተላዓዕል፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቶም ነቲ ጉዳይ ዝሰምዕዎ ግን እቶም ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ናይ `ጥሩፋት ሕሉፋት ልኡኻት ጌርካ ምቅራቦም እዩ። ከምወትሩ ናይ ምድንጋርን ከሎጌና ናይ ምብርዓንን እዩ እቲ ትዕላማ። ህግደፍ ሓላዉን ዓቃብን እዚ ክብርታት መሲሉ ክማጻደቅ ፈቲኑ። እዚ እቲ ብወግዒ ኣብ ቲቪ ዝሰማዕናዮ እዩ፡ ብስዉር ዝካየድ ዘሎ ናይ ምፍልላይን፡ ምፍርራሕን ምእሳርን ስጉምትታት ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ እንዳ ተባህለ ዝዳጋገም ዕርቃኑ ዝወጸ ሓረግ፡ ህዝቢ ዝባሃል ዘሎ ንሱ እቲ ኣብ ከተማ ንሰልፊ ዝወጸን፣ ኣኣብ ገዝኡ ኮይኑ ኣጀኹም ጀጋኑ ክብል ዝዋዓለን ሓደ እትዮም፡ እንተ እቲ ብስም መንግስቲ ክጽዋዕ ዝፍትን ሽፍታ ጉጅለ፡ መንግስቲ ዘስሚ ኣካይዳ ይኹን ዘምስል ኣቃውማ ስለዘይብሉ ብዘይካ ንነሱ ንኻልእ ዘታልለሉ እዋን ሓሊፉ እዩ።

በንጻር እዚ ኣብ ዉሽጢ ሃግር ዘሎ ወጥሪ ኣብ ወጻኢ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ኤርትራዊ ግን ኣብ ጎኒ ዉጹዕ ህዝቡ ከምዘሎ ብተኻታታሊ ሰለማዊ ሰልፍታት ደገፉ ይገልጽ ኣሎ። ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ተኸታሊ እምነተ ክርስትና ይኹን ምስልምና፡ ከምኡ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነዚ ነቀይ ነቀይ ዝብል ዘሎ ጉጅለ ተኺልዎ ክሓልፍ ዝፍትን ዘሎ ሃማኖታዉን ኣዉራጃዉን ሕማማት ከይታለል ክነቅሕ ይግባእ።

ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ዋላኳ ብተማሃሮ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ እንተ ተመከተ፡ መንፈሳዉያን ኣቦታት ምእሳር ግን፡ ብኣቦና ሓጅ ሙሳ ዝተጀመረ ኣይኮነን። ቀደማይ ፓትርያርክ ኤርትራ፡ መራሕትን ተኸተልትን ዝተፋላለያ ወንጌላዉያን ቤተ ክርስትያናትን፡ ጅሆባን ኣብ ዝተፋላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይሳቀዩ ከምዘለዉ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሕምርቲ ኣስመራ ብተመልከተለይ ተዛሕዚሖ እዮም። ኣብ ባሕሪ ሂወቶም ዝሓለፉ ዜጋታትና ሬስኦም እኳ ዓዶም ከይቅበር ተኸልኪሉ እዩ። ባንዴራታት ዓዲ ጥልያን ስለ ሰባኣዉነን ሓዘንን ንምግላጽ ኣብ ፍርቂ ወሪደን እንከለዋ፡ ወለዲ ዕሸላት ግን ከይሓዝኑ ተኸልኪሎ ንዉሽጢ ነቢዖም ከም ሞት ሕጹይ ተሓሊፉ እዩ። ኣብ ልዕሊ ጉጅለ 15፡ ጋዜጠኛታትን፡ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ስንኩላትና ዝወረደ ግፍዒ ንሕልና ኩሉ ኤርትራዉን ሰብኣዉነት ዘለዎ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ዘስካሕከሐ ግፍዕታት ስኑድ ሓቅታት እዩ። ነዚ ኩሉ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞ ግፍዒ፡ ንገለ ብሽርሒ ናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ገለ ናይ ኣሜሪካ፡ ወያነን ኣዉራጃዉን መኽንያት እንዳ ኣጠመቀ ካብ ሓላፍነት ምህዳም ልሙድ ናይ ምትላል ስርሑ ጌርዎ ጸኒሑ እዩ። ነዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ዉን ናይ ጅሃድን ካልእን እንተሰመዮ ዘገርም ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ መላእ ሕብረተሰብናን፡ ማሕንቆን ማሕለኻን ኩሉ ዕብየታትናን ምዃኑ ካብ ንፈልጥ ዉሑድ ጌዜ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ከምዃኑ መጠን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ዉጹዕ እዩ። እዚ ድማ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ ዘሎ ሓቂ እዩ። መራሕቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ነዚ ይርድእዎ እዮም፡ ስለዝኾነ ድማ ሓድነቶም ኣብዚ ፈታኒ እዋን እውን ከይተረፈ የረጋግጽዎ ኣለዉ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ መሓዉር እዚ ኣሪሚን ስርዓት ኮይኖም ከም ከልቢ ሃዳናይ መሳለጢ ክፋእ ኮይኖም ንገዛእ ህዝቦምን ነብሶምን ዘድምዩ ዘለዉ ኣባላት ጸጥታን፡ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘለኹም ዜጋታት ብፍላይ ሕልናኹም ከተናቃቕሑ ይግባእ፡ ቤትካ ካብ ምፍራስ ዝርከብ ረብሓ የለን።

ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኣፈ ኣርክቡ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ፡ ዝዓዘዘ እጃም ከበርክት ይጽዋዕ። ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ደቂ ዉጹዕ ህዝቢ ከምዃኖም መጠን፡ ንገዛእ ርእሶም ዉን ግዳያት ግዝይዊ ጊላነት ካብ ምዃን ምስህዝብኹም ደዉ ክትብሉን ሰብኣዊ ክብርኹምን ዜግነታዊ ሓላፍነትኩም ክትፍጽሙን ይግባእ። ከልቢ ሃዳናይ ጨጉሪ ኣብ ኣፉ መረረ ትርፉ ከምዝባሃል፡ ስርዓት ህግደፍ ከምመሳርሒ ተጠቂሙ ጽባሕ ብሕግን ሕልናን ተሓታትነት ደርብይኩም ክሓልፍ እዩ። ካብዚ ተሓታትነት ሓራ ትኾነሉ ግዜ ሎሚ እዩ። ኪዳን ሓልታት ምክልኻል ኤርትራ ምስ ጠላሚ ሕድሪ ህዝብን ስዉኣትናን ዝኾነ ዉልቀ መላኺ ዘይኮነ፡ ምስ ኣካልኩም ዝኾነ ዉጹዕ ህዝቢ ክኸዉን ኣለዎ። ፖለቲካዊ ሃዋህዉ ኤርትራ ካብ ናይ ዝምባብወ ዝፍለ ኣይኮነን፡ ኣብ ዚምባብወ ዝተኻየደ ሃገር ናይ ምድሓን ተበግሶ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዉን ካብኡ ክትማሃሩ ይግባእ። ኤርትራ ዋላኳ ገለ ስሱዓት ኣንፈታ ተስሓትዋ፡ ሃገረ ኣሻሓት ጀጋኑ እያ። ህዝባ ድማ ተስፍኡ ካብ ደቁ እዩ። ሃገር በቶም ሃገራዊ ጥፍኣት ክንሶም ሃገራዊ ድሕነት ዝባሃሉ ምስሉያት መምለኽቲ ጣኦት ኢሰያስ ዘይኮነ፡ ብንጹሃት ሓይልታት ምክልኻል እያ ትሕሎ።

እዞም ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቅይዎ ዘለዎ ሰብ ጌዜ ጽባሕ ከምዉሕጅ ተጸራሪጎም ከምዝኸዱ ዘሟጉት ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣስላማዩ ክርስትያኑ፡ ኣባላት ሓልታት ምክልኻል ኣገልግሎቱ ተጋዳላዩ፡ ከም ማይን ሑጻን ብሓንሳብ ከምዝተርፍ ርጉጽ እዩ። ስለዝኾነ እዛ ፈታኒት ግዜ ሓጻር እያ፡ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ናይ ምትሕትታትን ምጽብጻብን እዋን ምስ መጸ፡ ጽሩይ ኢድን፡ ንጹህ ሕልናን ሒዝና ክንጸንሕ፡ ንሃገርናን ንነብስናን ዳግም ዘሐብን ታሪኽ ክንሰርሕ መድረኽ ይሓተና ኣሎ። እዛ ዝተወልደ ዝጸንተላ፡ ዝተጋደለን  ዘበርከተን ዝሓፍረላ ዝጣዓሰላን፡ ብሃብታማ ድኻ፡ መደንገጽ ዓለም ኮይና ዘላ ኤርትራ፡ ሕማማ ናይ ግዳም ዘይኮነ ኣብ ሕምብርታ ዘሎ ፋሉላዊ ስርዓት ሓደ ዉልቀ መላኺ ስለዝኾነ፡ ሓድነትና ዓቂብና፡ ነቶም ዘድምዩናን ዘጽንቱናን ዘለዉ ዉሑዳት ምጽራግ እቲ እንኮ መፍትሒ ኩሉ ጸበባና እዩ። ሃገር ብስርዓተ ሕግን፡ ፍትሕን እምበር ብማእሰርትን ምፍርራሕን፡ ምጭዋይን፡ ምትፍናንን ኣይትማሓደርን እያ። ንግዚኡ ማዓንጣ ዘይቆጸሩ ህጻናት ኣሲርካ ህዝባዊ ሕቶ ዝተሳዕረ እንተመሰለ፡ ጽባሕ ብዝሓየለ ማዕበል ዳግም ተላዒሉ፡ ከምብጾቱ ባዓል ቐዛፊ ኢሰያስን ሳዓብቱን ኣብ ጎደና ክህደኑ ንርእየሉ እዋን ርሑቅ ኣይክኸዉንን እዩ።

ኣብዚ ከይተጠቅሰ ክሓልፍ ዘይግቦኦ ካልእ ሓቂ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ እቲ ዝበዝሐ ነቲ ክቡር ናይ ሓድነት ክብርታት ዘንጸባርቅ ሰለማዊ ሰልፍታትን መግለጺታትን ይህብ ኣኳ እንተሃለወ ገለ ዉሑዳት ዉልቀ ሰባት ግን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ብስለት ብዝጎደሎ ፈላላዩ ዘረባታት ክዛረቡ ይስምዑ ኣለዉ። ናይ ኣውራጃታት ጸቢብ ስምዒታት ጉልባቡ ቀሊዑ ኣብ ሶሻል ሜድያ (social media) ክዝረበሉ ጸኒሑን ኣሉታዉን ኣዕናዉን ተራ ክጻወት ከምዝጸንሐ ካብ ኩሉ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣገልጋሊ ስርዓት ህግደፍ ክትዉን ብህግደፍ ክትቁጸር ግድን ኣይኮነን፡ ነቲ ዕላማን ተልእኾን ህግደፍ ትሰርሕ እንተዄንካ ንስቃይን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ተናዉሕን፡ ሕልና ተቃላሳይ ኤርትራዊ ሓዉኻ ተዳኽም ከምዘለኻ ተረዲእካ፡ ዳግም ክትሓስበሉ ይግባእ። ግዜ ኣይምለስን እዩ፡ ዝወጸ ቃል ኣይድምሰስ ኣይርሳዕ፡ ቃልካ መፈንጠራ ኮይኑ ዝባሕ ከየሕትተካ ሎሚ ክልተ ግዜ ምሕሳብ የድሊ።  ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራዉያን እያ። ኤርትራ ናይ ኣመንቲ ኩሉ ዓይነት እምነታትን፡ እምነት ዘይብሎም ዜጋታት እያ። ኤርትራ ሃገረ ኩሎም ኣወራጃታትን፡ ብሄራትን እያ። ብሕግን ስርዓትን ዝኣምን ወረጃ ሕብረተ ሰብ ዝተዓደለት ኤርትራ፡ ጽባሕ ዉን ልክዕ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ገዛእቲ  ስርዓት ህግደፍ ምስ ሓለፈ፡ ብሰላምን ፍትሕን ምጽዉዋርን ንዕብየትን ምዕባለን ብልጽግናን ክትእንፍት እያ።

ፍትሒ ይንገስ፡ ምልኪ ይፍረስ!!!

ሓድነት ኤርትራዉያን ንፍትሒ

ዓባይ ብርጣንያ

21-11-2017

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Wedi Hagher November 22, 2017

    “ብሕግን ስርዓትን ዝኣምን ወረጃ ሕብረተ ሰብ ዝተዓደለት ኤርትራ፡ ጽባሕ ዉን ልክዕ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ገዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሓለፈ፡ ብሰላምን ፍትሕን ምጽዉዋርን ንዕብየትን ምዕባለን ብልጽግናን ክትእንፍት እያ”

    ሓድነት ኤርትራዉያን ንፍትሒ

    Yes, very true.
    Rule of law is part and parcel of Eritrean tradition.
    When this monster regime is finally gone, our country will go back to its age old cherished traditions, where nobody is above the law.

  • HANOY November 22, 2017

    ፍትሒ ይንገስ፡ ምልኪ ይፍረስ!!!

    CRIMINAL JUNTA,

    Release our kids from your bedrooms .Stop snatching the dreams of youngsters by making them life long slaves in deserts . The hell with your expired Marxist thinking .
    YONG PEOPLE HAVE THE RIGHT TO LIVE IN PEACE , PROSPERITY AND LOVE .

  • merhawi November 22, 2017

    Dear Brothers,
    I wonder why we really play with fire, I we really love our country we should think before roaring our personal feeling or anger against any sect of Eritrean society. Imagine for a min if you can see Eritrea with out Muslim? all the friends we grew up with all the Haj-is and Shecknas, they are the color of our societies, on the other token see Eritrea with out the christian is it Eritrea? all the friends we grew up with the elders, the priests, the patriarchs they make Eritrea colorful and beautiful.. All the people who through nasty divisive inflammatory words should understand they are planting one landmine which will explode in the future. Think before committing crime on the future of our country. I am happy to see constrictive criticism, new ideas, facts and to challenge the writer or commentator but .what I see sometimes in Assenna is very concerning.

  • merhawi November 22, 2017

    Dear Brothers & Sisters
    I wonder why we really play with fire, If we really love our country, we should think before roaring our personal feeling or anger against any sect of Eritrean society. Imagine for a min to see Eritrea without Muslims? Imagine all the friends we grew up with, all the Hajis and Shecknas, they are the color of our societies. On the other token see Eritrea without the Christians is it Eritrea? All the friends we grew up with the elders, the priests, the patriarchs; they make Eritrea colorful and beautiful. All the people who through nasty divisive inflammatory words should understand they are planting landmine which will explode in the future. Think before committing crime on the future of our country. I am happy to see constrictive criticism, new ideas, and facts and to challenge the writer or commentator but what I see sometimes in Assenna is very concerning.
    Every Eritrean should identify and ridicule this people for their action.

    • Kalighe November 23, 2017

      merhawi

      These are agents of the regime and the so-called Agazian (Extremists: some Eritreans of Tigreyan decent, some Tigreyans and a few Eritreans).
      The good news is that we are finally united, there is no much to worry about.
      The so-called Agazaians are the ultimate losers. Their divisive message is reaching the Amhara and Oromo in diaspora, who see this hate propaganda coming from Weyane.

  • AHMED SALEH !!! November 23, 2017

    Sami boy
    Do you feel offended to take personal on Merhawi comment ?
    Since he didn’t mention names you seem irritated to react like
    Tigrigna saying interpret at such kind behavior ;
    ” seraki mobaE baelu yilefalef ” .
    To repeat Wedi Halima , evil Muslim , Arab ……………. shows mental
    sickness nothing else . In the beginning we were surprised from
    your negative attitude but now we shouldn’t get angry but to feel
    sorry for your arrogance . Go ahead spit the venomous mouthpieces
    if it satisfies the hatred that contaminate your soul . It is your choice .

  • AHMED SALEH !!! November 23, 2017

    Anta mushmush sedi wedi sebeyti
    Your upbringing left you wondering at wrong crowd . I can curse you equally
    in return your stupid language but I know better not to put myself low which
    might contradict my personality toward assenna forum participants .
    keep trying to force us behave like your STREET BOY manners , it won’t work . IDIOT .

    • AHMED SALEH !!! November 23, 2017

      By the way I see your foolish comments to corrupt asmarino
      forum . If you think it will be easy to damage assena forum ,
      you are dreaming . Again my gut feeling tells me that you are
      outsider who hold grudges against Eritrea even though some
      may accuse you HGDF supporters which does not seem to
      resonate their suspicion .

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply