Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ማይ ምሕቋን”

"ማይ ምሕቋን" ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ማይ ምሕቋን፡ንዝኾነ ፍሬ ኣልቦ ተግባር ይኹን ሓሳብ እንገልጸሉ፤ ደሚርካዮ ዘይበዝሕ፤ ኣርቢሕካዮ ዘይረብሕ፤ መቂልካዮ ዘይባጻሕ ባዶ ስሪሒት`ዩ። ካብ ዝተሓቅነ ማይ እዚ ኣልሚጸ እዚ ጸቢሔ ዝብል ከምዘይተራእየን ዘይተሰምዔን ፍሉጥ ክነሱ፤ ባህሊ ምሕቋን ማይ ከም ርስቲ

“ማይ ምሕቋን”

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ማይ ምሕቋን፡ንዝኾነ ፍሬ ኣልቦ ተግባር ይኹን ሓሳብ እንገልጸሉ፤ ደሚርካዮ ዘይበዝሕ፤ ኣርቢሕካዮ ዘይረብሕ፤ መቂልካዮ ዘይባጻሕ ባዶ ስሪሒት`ዩ። ካብ ዝተሓቅነ ማይ እዚ ኣልሚጸ እዚ ጸቢሔ ዝብል ከምዘይተራእየን ዘይተሰምዔን ፍሉጥ ክነሱ፤ ባህሊ ምሕቋን ማይ ከም ርስቲ ዓደቦ ክወራረስን ደም ክፋሰሶን ምርኣይ ትንግርቲ`ዩ !!!!!

ብምሕቋን ማይ ዝቅየስ ተግባራት ይኹን ኣተሓሳስባ ብዙሕ ኮይኑ ከም ኣገዳስነቱን ንምሕጻሩን ዝኣክል  ናብዚ ዝስዕብ ዓይነት ምሕቋን ማይ ነተኩር፡-

1- ንቦታ ትውልዲ ብዝምልከት፡

ንኽትውለደሉን ከይትውለደሉን ምንም ተራ ይኹን ኣማራጭ ኣብ ዘይነበረካ ዓዲ፡ወረዳ፡ ኣውራጃ፡ሃገር፡ክፍሊ-ዓለም ተሞርኪስካ ልዕልነት (ጸብለልትነት) ክስመዓካ ይኹን ካብኡ ነቂልካ ክትፈቱን ክትጸልእን ከተሻሩን፤ ካብዚ ሓሊፉ ኸኣ ነቶም ነዚ እናሓቆኑ ዘላዕሉኻን ዘናቁቱዃን ተጠቀምቲ ምእዙዝ ኮንካ ክሳብ ደም ምፍሳስ! ከም ተግባር ዘንእስን ጉዕዝይን ኮይኑ ውጺኢቱ ኸኣ ማይ ምሕቋን`ዩ።

ንሕብሪ ቆርበት ብዝምልከት`ውን ልክዕ ከምቲ ናይ ቦታ ትውልዲ ኢድካ ዘይትሕውሰሉ፤ ብፈጣሪ ዝዕደለካ፤ሓይልን ዓቅምን ፈጣሪ ትርእየሉ መስትያት እምበር ትሕበነሉን ትሓፍረሉን ነገር ኣይኮነን።ነዚ ምሕቋን`ውን ማይ ምሕቋን`ዩ።

2- ንእምነት ብዝምልከት፡-

እምነት ካብ ቦታ ትውልድን ሕብሪ ቆርበትን ዝተፈልየ ብገዛእ ድልየትካ እትመርጾ፤ ክንጸግ ይኹን ክቅበል ዝከኣል፡ ሒዝካዮ ዝነበርካ ክትለቅቅ ይኹን ሓድሽ ንምእማን ተኽእሎ  ዘለዎ ጉዳይ`ዩ። እምነት ካብ ጉዳይ ቦታ ትውልድን ጉዳይ ሕብሪ ቆርበትን ዝተፈልየ ኢድካ ከተንብረሉ እትኽእል ጉዳይ`ዩ ማለት ግና ንፍልልያት እምነት ደቂ ሰባት  ሓቂንካ ፍሬ ክርከቦ ይከኣል`ዩ ማለት ኣይኮነን። ንፍልልይ እምነት ምሕቋን`ውን ማይ ምሕቋን`ዩ።

ፈጣሪ ሕብሪ ቆርበትና ይኹን ቦታ ትውልድና ከምኡ`ውን ዕለተ-ልደትና ይኹን ዕለተ-ሞትና ካብ ቁጽጽርና ወጸኢ ጌሩ፤ ንጉዳይ እምነትና ይኹን ኣተሓሳስባና ግና ድሕሪ`ቲ ዝድለ መንገዲ ምሕባር ናይ ምቅባልን ምንጻግን፤ ምእማንን ምኽሓድን ጉዳይ ንምርጫና ገዲፉልና`ዩ።

እቲ ዝኣመነ ነቲ ዝኸሓደ ክድንግጸሉን ናብቲ ቁኑዕ መንገዲ ክጽወዖን እምበር ክጸልኦ ኣይተኣዘዘን።ንፍልልያትካ ብውሕሉል መንገዲ ክትካታዓሉ፤ ሓባሪ እምበር ኣእማንን ኣኽሓድን ከምዘይኮንካ ተረዲእካ ምስ ብእምነት ዝፍለዩኻ ደቂ ሰብ ምቅራብ፤ ነቶም ንሃይማኖታዊ ፍልልያት ዝሓቅኑ ማይ ከም ዝሓቅኑ ዝገብር ሰነምግባር`ዩ።

ስለዚ ኣብ ዝተወለድና ንወለድ ንጻዕዱ ንጸልም ዝኣመና ንእመን፤ ብሓደ ተኸባቢርና ዘይንነብረሉ ምኽንያት የለን። ደቂ ሰባት ዘስተማስሉን መመጸጊዕኦም ሃሰው ዝብሉን ዝጎጃጀሉን ኣያ ዘማዕዱዉን ፍትሒ ኣብ ዝሰኣነሉ ዘመን`ዩ።

ፍትሒ ናብቲ መባእታውን ናይ ተፈጥሮን ዝኾነ ሰብኣዊ ርክብ ስለ ዝመርሓና ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝምድና ደቂ ሰባት ንኽንነብር የኽእል። ፍትሒ ዝሓርበቶ ህዝቢ ብዓሌት ብኣውራጃ ብሃይማኖት ክጎጃጀል ምርኣይ ክገርመና የብሉን፤ ክሳብ ንፍትሒ ዘየንገሰ ኸኣ ዝጽበዮ ጥምየት፡ስደት፡ድሕረት፡ሕማም፡ድንቁርና፡ጸጥታ ምስኣን፡ኣያበያ ዝኣመሰለ ሃስያታት`ዩ፡ኮታ ንኹሉ ዓይነት ብልሽውናን መርገጽትን ክቃላዕ ግድን`ዩ። መግዛእቲ፡ምልኪ፡ ምዝመዛ ዝኣመሰሉ በደላት ከም ሕብሪ ቆርበትናን ቦታ ትውልድናን ኢድና ዘይነእትወሎም ዝዕደሉና ጉዳያት ኣይኮኑን።ባዕልና እነምጸኦ ማዓት`ዩ። ብሰኣን ምግታእ።

እቲ ሕማም ብዙሕ`ዩ፤እታ ፈውሲ ግና ሓንቲ`ያ። ፍትሒ!

AAHafiz (179) 09 Nov 2014

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ebrahim November 30, 2014

    merhaba awelgeyr

  • ogbai December 3, 2014

    መርሓባ ክቡር ሓው ኣወልኬር፡እዚ ዝበልካዮ ኩሉ ይካኣል እዩ። እንተኾነ ገን፡እቲ ጸገም ኩሎም እቶም ዓመጸኛታትውን ብኣፎምስ ወርቂ እዩም እንታይ ክወጾም፡ እቲ ጸገም ኣብ ግብሮም እዩ’ሞ፡ ብኹሉ ሸነኻት ደጊምና ከይንዝንጋዕ ንለብም፡ ብግብሪ ከኣ ክብሪ ሃገርና ብናይ ሓባር ረቓሒትት ንምሕላው ብተግባር ንበገስ ንፍትሒ ብዘይ ገለ ሽርሒ ምርሒ። ሰንይ ምኽሪ ምሳኻ ኣለኹ።

POST A COMMENT