Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማይ ዶካ – ዝኽሪ ሓርበኛ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ

ሶሶና:ኮሉኩ: ፎደ: ቢምቢልና:ከርከሻ: ተሎጋምጃን ካልኦት ዓድታትን ከተማ ባረንቱን ተዘዋዊረ ፈለማ ዘጽናዕክዋ ማይ ዶካ ኣትብል ቃል’ያ:: ምስ’ዛ ቃል ለጊባ ትመጽእ ድማ ማይዳ ኢያ:: ብኩናማ ማይዶካ ከመይ ኣሎኻ ክኸውን ከሎ ማይዳ ድማ ጽቡቕ ወይ እግዚኣብሄር እመስገን ከም

ሶሶና:ኮሉኩ: ፎደ: ቢምቢልና:ከርከሻ: ተሎጋምጃን ካልኦት ዓድታትን ከተማ ባረንቱን ተዘዋዊረ ፈለማ ዘጽናዕክዋ ማይ ዶካ ኣትብል ቃል’ያ:: ምስ’ዛ ቃል ለጊባ ትመጽእ ድማ ማይዳ ኢያ:: ብኩናማ ማይዶካ ከመይ ኣሎኻ ክኸውን ከሎ ማይዳ ድማ ጽቡቕ ወይ እግዚኣብሄር እመስገን ከም ማለት’ዩ:: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ 14 ዓመት ዝተሳቐየ ብሂወት እንተሎ ማይዶካ ክብሎ ንጀርማኖ ናቲ:: ንሱ  ንህዝቢ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ማይዶካ ብምባል ይኸፍት ብምንባሩ እታ ቃልን ጀርማኖን መናቱ ኮይነን ይስምዓኒ: ማይዳ ግን ካብ መልሓሱን ካብ መዝገበ ቃላት ኩናማን ተሓኺኸን ከምዘለዋ እግምት:: ሞያ ጀርማኖ ናቲ ንምፍላጥ ኩነታት ጋሽ ባርካን ሃለዋት ኩናማን ድሕሪት ተመሊስካ ምውካስ ኣገዳሲ’ዩ:: ካብ’ቲ ኣብ ጊዜ ፈደረሽንን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲን ኣብ’ቲ ከባቢ ሕልኽላኽ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ምንባሩ ከይረሳዕኩ እቲ ዝፈልጦን ዝሰማዕክዎን ከካፍል ከለኹ ምሉእ ስእሊ ንምሃብ ዘይኮነስ ጀርማኖ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዘበርከቶ እጃም ንምጉላሕ’ዩ:: ባረንቱን ከባቢኡን ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት በጺሐዮ:: 1978: 1985: 1988::

1977-1978_ ህዝባዊ ግንባር ንከተማታት ናቕፋ: ኣፍዓበት: ከረንን ደቀምሓረንን: ተጋድሎ ሓርነት ንተሰነይ ኣቑርደትን መንደፈራን  ሓራ ገይሮም ህዝቢ ኤርትራ ንፋስ ናጽነት ከስተንፍስ ዝቀረራበሉ ዝነበረ ትስፍው ጊዚያት ነበረ:: ህዝባዊ ግንባር ምስ ተጋድሎ ሓርነት ብስምምዕ 20 ጥቅምቲ ዝፍለጥ ውዕል ገይሩ ነታ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ሓበላ ኮይና ዝነበረት ከተማ ባረንቱ ሓራ ንምውጻእ ሓባራዊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ተበገስና:: ኣብ ዳዕሮታይ ከባቢ ሓጋዝ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነተን ሽዑ ኣብ መጥቃዕቲ ዝተበገሳ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር መግለጺ ሂቡ:: ንሱ : ኣብ ባረንቱን ከባቢኡን ብረት ዝዓጠቑ ደቂ’ቲ ከባቢ (ኩናማ)ከምዘለው ብምጥቃስ እቲ ኩናት ቀሊል ከም ዘይከውን ሓቢሩ:: ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንባረንቱ ሹዱሽተ ኣዋርሕ ከቢባ ሓራ ክትገብራ ዘይክኣለት ሓደ ካብ’ቲ ምኽንያት ደቂ’ቲ ከባቢ ምስ ደርግ ዓጢቖም ብዘርእይዎ ዝነበር መኸተ ምንባሩ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝተንቀሳቐስናሉ ካብ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ሰሚዕና:: ወተሃደራት ደርግ ካብ ዕርድታቶም ከይወጽኡ ደቂ’ቲ ከባቢ ኣብ ደጀንን ምግብናን ተጋድሎ ሓርነት ሰሊኾም ብምእታው ከቢድ ክሳራ የውርድ ከምዝነበሩ በቲ ኣብ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ወዲቑ ዝርአ ዝነበረ ሬሳ ተጋደልቲ ተገንዚብና::  ኣብ’ታ ደቡብ ካብ ባረንቱ እትርከብ ዱታ ዝተባህለት ነዋሕ እምባ ዓሪዶም ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብደብዳብ ነፈርቲ 10  ብሓንሳብ ከምዝተሰውኡ ንምረት ናይ’ቲ ከበባ ንምግላጽ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ኑር ካልባይ ኣዘንትዩለይ :: ብዘይካ’ዚ ኣብ ባረንቱ ዓስኪሮም ዝነበሩ ኮማንዶስ እውን ነቲ ዕርዲ ኣብ ምድልዳል ዘይንዓቕ ግደ ነበሮም::

መጥቃዕቲ ባረንቱ-ነቲ መጥቃዕት ኣብ ምቅርራብ ከሎና ሓንቲ ኣደ ዕንጸይቲ ክኣርያ ብዝመጸኣ ኣድብየን ብዝነበራ ሓይልታት ተታሕዛ:: ኩናመኛ ክዛረብ ዝኽእል ኣብ’ተን ሓይልታት ኣይነበረን:: ስለ’ዚ ድማ ክፍሊ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዝነበረት ተጋዳሊት ደሃብ ፋይቲንጋ ተጸዊዓ ቀረበት:: እተን ኣደ ብዛዕባ ተጋደልቲ ግናይ ስእሊ ከምዝነበረን: እንተኾነ በቲ ብደሃብ ዝተገብረለን መብርሂ ንዕላማ ገድሊ ተረዲአን ተመሊሰን ኣብ ባረንቱ ንዝነበረ ሕሙም በዓልቤተን ክውጽአኦ ከምዝኾና ገለጻ::

እቲ ኩናት ብወገን ህዝባዊ ግንባር ብንግሆኡ ሰሊጡ ኣብ ከረን ዝማረኽናየን ሹዱሽተ ታንክታት ኣምሪሕና ናብ ፎርቶ ተጸጋዕና: እቲ ብተጋድሎ ሓርነት ክጥቃዕ ዝተመደበ ዕርድታት ግን ስለዘይሰለጠ: ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ከበባ ኣተወ:: በብዘሎናዮ ክንወጽእ ተነጊሩና ድማ ስውኣትን ቁሱላትን ከምኡ’ውን ሓንቲ ሰንሰለታ ዝተወቕዐት ታንክን ገዲፍና ወጻእና:: ካብ’ቶም ሽዑ ተወጊኦም ዝተማረኹ ተጋደልቲ ዳኒኤል ዝተባህለ መራሕ ጋንታ ነይሩ:: ንሱ ድሕሪ ናጽነት ካብ ኣለም በቃኝ ወጺኡ ኣብ ኣስመራ ታክሲ ሒዙ ኣሎ::ደርግ ኣብ ኩናት ዝማረኾም ተጋደልቲ ኣሲሩ ብሰብ ክብጽሑ የፍቅድን ንገለ እውን ምልቃቑን ብኣንጻሩ ግን: ኢሳያስ  ነቶም ዕድመ ንእስነቶም ንቃልሲ ዝወፈዩ ሓርበኛታት ፍትሒ ብምጥላቦም ኣብ ጎደጉዲ ኣሲሩ ሞቶምን ሂወቶምን ዘይፍለጠሉ ሸሪብዎም ኣሎ::

ኩነታት ህዝቢ-ስርዓት ደርግ ነቲ ኣብ መንጎ ኩናማን ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ናራ ኮይታን ብዘሳውሮ ጽልኢ እቲ ከባቢ ንተጋደልቲ እሾኽ ነበረ:: ብዘይካ’ዚ ጀብሃ ንኣመሓዳሪ ጋሽ ዝነበረ ሲላ ኣቤል ኣብ ባረንቱ ቀቲላ:: እቲ ተቕርቦ ምኽንያት ዘካትዕ ኮይኑ ንዕኡ ብምቕታላ ግን ብህዝቢ ኩናማ ተጸሊኣ ከምዝነበረት ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ይገልጹ:: ኣብ መንጎ’ቶም ካብ ከበሳ ዝወረዱ ትግርኛን ደቂ ኩናማን ዝነበረ ምዝምማት ጥሪት እውን ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝግበር ዝነበረ ሃገራዊ ቃልሲ ዓንቃጺ ከም ዝነበረ ይፍለጥ::

በዚ ኾይኑ በቲ ጀርማኖ ናቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ተመዲቡ ንቕሓት ህዝቢ ክብ ኣብ ምባልን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ምስታፍን ብዝገበሮ ጻዕሪ ርኡይ ለውጢ ክመጽእ ተራእዩ:: ብዙሓት ደቂ’ቲ ከባቢ ድማ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተወዲቦምን ተሰሊፎምን::

1985- ዘይከም’ቲ ኣብ 1978 ዘጋጠመ ዕንቅፋት ኣብ 1985 ህዝባዊ ግንባር ታንክታት ኣምሪሓ ካብ ደለ ማለት ዓዲ ቀሺ ነቲ ኣስፊሑ ንባረንቱ ተዓጢቑ ሒዝዋ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ፈንቂላቶ:: ባረንቱን ከባቢኣን እውን ክሳብ’ቲ ደርግ ሰራዊት ካብ ማእከል ሃገር ኣምጺኡ ንህዝባዊ ግንባር ዝደፍኣ ንክልተ ወርሒ ተቖጻጸረቶ:: ህዝባዊ ግንባር ንብረቱ ሒዙ ክወጽእ ከሎ ደቂ’ቲ ከባቢ ብኣግማሎምን ብጉልበቶምን ዝገበርዎ ምትሕብባር ፍረ ጻዕሪ ጀርማኖን መሳርሕቱን ነበረ:: ደርግ ናብ ባረንቱ ብዝተመልሰ ምስ ህዝባዊ ግንባር ርክብ ነይሩኩም ዝበሎም 37 ሰባት ረሺኑ::

1988- ስርዓት ደርግ ኣብ ግንባር ናቕፋ ምስ ተሳዕረ: ንከተማታት ተሰነይ: ባረንቱን ኣቑርደትን ለቒቑ ኣብ ከረን ዓስከረ:: ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ደርግ ህዝባዊ ግንባር ክትቀትለኩም’ያ ብምባል ኣፈራሪሁ ናብ ኣስመራ ዝወሰዶም ደቂ’ቲ ከባቢ መሊቖም ናብ ባረንቱ ተመሊሶም:: ባረንቱን ከባቢኡን ካብ መናሃርያ ቅትለትን ዝምታን ናብ ዓውዲ ሰላምን ሽሻይን ንምቕያራ ጀርማኖ ናቲ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ተወሃሃሂዱ ብምስራሕ: ኣብ መንጎ ናራ ኮይታን ጎረባብቶም ኩናማን ሰላም ከምዝሰፍን ገበረ::

ኣብ መንጎ’ቶም ካብ ከበሳታት ኤርትራ ዝወረዱን ኩናማን ዝነበረ ምንዕዓቕን ምዝማት ጥሪትን ዝጠንቁ ባእሲ መዕለቢ ክረክብ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ካብ ዝገበሩ ሓደ ጀርማኖ ናቲ’ዩ:: ኣቦይ ፋይቲንጋ ሎንጊ ኣብ’ቲ ዕርቂ ትግርኛን ኩናማን ተረኺቦም ዝተዛረብዎ ዘረባ ምስ’ዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኩናማ ዝፍጸም ዘሎ ዝተጋጠመ ይመስል:: ሽዑ ኣቦይ ፋይቲንጋ ሎንጊ ” ንኩናማ እንታይ ግበሩ ትብሉና:: ካብ ባዱማ: ሽላሎ ደፊእኩም ጋሽ ኣስጊርኩምና:: ጸኒሕኩም ድማ ካብ ባረንቱ ከተውጽኡና ኢኹም” በሉ:: ንሶም ኣብ ፈደራላዊ  ምምሕዳር ኤርትራ ኣባል ባይቶ ዝነበሩ ፍሉጥ ዓቢ ዓዲ ኩናማ ኢዮም:: ጀርማኖ ምእንቲ ሃገራዊ ዕላማታት ረብሓኡን ረብሓ ኩናማን ዝሰውአ ኣርሒቑ ዝጥምት ተጋዳላይ ብምንባሩ ብብልሓት ሰሪሑ::ንሱ ነቲ ክትግበር ኣለዎ ኢሉ ዝኣምነሉ ብዘይነግ ፈረግ ዘተግብር: ማዕረ’ቲ ቅልጡፍ ኣዘራርባኡ ዝስጉም ቅኑዕ ተጋዳላይ ኢዩ:: ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ህዝቢ: ሓረስቶት  ቡንን ሽኾርን ካልእ ሃለኽቲ ነገራት ኣብ ክንዲ ብፍንጃልን ካልእ ዓቐኑ ዘይተፈልጠ መለክዒ ዝጥቀሙ ብሚዛን ገዚኦም ናብራኦም ከመሓይሹ ብምምዓድ በቶም ነጋዶ ዝወርዶም  ዘየድሊ ክሳራ ክወግዱ ምግባሩ: ኣብ ደቀቕቲ ዝመስሉ ግን ከኣ ኣገደስት መዳያት ሂወት ኣድህቦ ከም ዝገብር የረጋግጽ::

ኢሳያስ ጥልዕ ጉንብስ ዝብለሉ እምበር ንህዝቢ ዘገልግልን ሃበባ ህዝቢ ዘለዎን ሰብ ኣብ እንጀራኡ ዝመጽኦ ይመስሎ:: ጀርማኖ ንምዕባለ ከባቢኡን ህዝቡን ብቅንዕና ኣብ ምግልጋል ከሎ: ምስ ኢብራሂም ቶቲል ተሰሓሒቡ:: ቶቲል ገዲም መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ዝነበረን ምስ ሳግም ተሰምዮም ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተጸንበሩ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ’ዩ:: ንሱ ካብ ብሄረ ናራ ስለዝኾነ  ኣብ’ቲ ብ1988 ዝተገብረ ዕርቂ ናራ ኮይታን ኩናማን ተሳቲፉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ:: ኢሳያስ ንግርጭታት ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ናብ ረብሓኡ ምቕያር ዝላደየሉ ብልሓት ስለዝኾነ: ንጀርማኖ ናብ’ቲ ዝረሓቐ ከባቢ ብጉልባብ ምቕያር ስራሕ ናብ ዳንካልያ ዓሰብ ሰዲድዎ:: ንኢብራሂም ቶቲል ድማ ኣመሓዳሪ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ መዲቡ ኣብ ባጽዕ ወሲንዎ:: ተጋዳላይ ቶቲል እውን ካብ ስራሕ ህግደፍ ወጺኡ ኣብ ውልቃዊ ዋኒኑ ከሎ ብህግደፍ ከም እተኣስረ ይፍለጥ::

ጀርማኖ ናቲ ኣብ ዓሰብ ኣብ ምምሕዳር ተመዲቡ ስርሑ ኣብ ምስላጥ ከሎ: እቲ ኣብ 2001 ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን: ሚኒስተራት: ጀነራላትን ተላዒሉ:: ጀርማኖ በቲ ኣብ ደሙ ዝሰረጸ ቅንዕና ተመሪሑ: ንሃገር ካብ ውድቀት ንምድሓን ንኢሳያስ ግዝኣተ ሕጊ ከተግብር ዝጽውዕ ሕቶ ክታም ኣንበረሉ:: ነቲ ምንቅስቓስ ንምቕሃም: ኢሳያስ  ዝተፈላለዩ ሰባት ብምልኣኽ ነቶም ሃገር ብቅዋም ክትመሓደርን ጉድለታት ክእረምን ዝጸውዑ ካብ ዕላምኦም ከስድዕ ፈቲኑ:: ኣባላት ፈጻሚት ህግደፍን ካልኦትን ብምውፋር ናይ ጸለመን መፈራርሒ መናፍሕን ፈንዩ:: ኣብ ገለ ሰባት  እቲ ውዲትን ታህዲዲን ሰሪሑሉ::

ጀርማኖ ናቲ ካብ ዓሰብ ናብ ኣስመራ ብዝኣተወ: ሓጎስ ክሻን ኣረፋይነ በርሀን (ሚኒስተር ሕርሻ)ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐበልዎ:: ሓጎስ ክሻ በቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ወርቂ ህዝቢ ኤርትራ ክጥብሮ: ኣረፋይነ ድማ ብመናፍሕ ፖለቲካ ዝገበርዎ ፈተነ ኣብ ቅድሚ’ቲ ብሞራል ተኾስኩሱ ዝዓበየ ጀርማኖ ናቲ ተቐባልነት ኣይረኸበን:: ጀርማኖ ንዝተሰለፈሉ ዕላማ ክስዋእ ከምዝቖረጸ ዳግማይ ኣመስከረ:: እቲ ቀዳማይ ኣብ ክፍላ ሰብዓታት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ተወዲቡ እናሰርሐ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደርግ ዘሕለፎ ጸበባን መርመራን ክምህ ብዘይብል ጽንዓት ሰይርዎ:: ነዚ ምእንቲ ፍትሒ ዝኣተዎ መብጽዓ ድማ ክሳብ ሂወቱ ክኸፍል ድልው ከምዝኾነ ነቶም ብኢሳያስ ዝተላእኩ ኣረጋጊጹሎም::

ጀርማኖ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ባረንቱ ምስ ኣባ ቶማስ ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳይ ጣልያንኛ ደባሊቑ ክላዘብ ይዝከረኒ:: ኣባ ቶማስ  ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ብምባል ምስ ካልኦት ካህናት ብሓባር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መትኒ ኤርትራውያን ዝትንክፍ’ዩ:: ኣበይ ኣሎኻ? ኣርኪብካዮም ዶ ብጾትካ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ: ሚኒስተር ማሕሙድ ሸሪፎ:ተጋዳሊት ኣስቴር ፍስሃጽዮን:ሚኒስተር ሳልሕ ከክያን : ተጋዳላይ ሓመድ ሕምድን:: ነቶም መስዋእቶም ዘይፈለጥና ካልኦት ሰላምታ ኣብጽሓልና::

ወረ ክንህበካ:-ኣብ’ቲ ጸላም ሸላ ዒላዒሮ ኣእዳውካ ተቐፊዱ: ንፋስ ኣዱንያን ወረን ተሓሪሙካ ከም ዝነበረ ሰሚዕና:: ወርቂ ዝፍሓሮ ጎደጉዲ ኡጋሮ ብድሕረኻ መጻወቲ ገበል ተመን ተቐይሩ:: እቲ ዓጢቕካ ዝጎየኻሉ መውዓሊ ሓራምዝ ዱር ኣንቶረ: መውዓሊ ወኻሩ ተቐይሩ::  ልምዕቲ ዓድኻ ብደምካ ሓራ ገበርካያ: እንተኾነ ብጉግ ማንጉግ ተወሪሳ መዐንደሪ ሸፋቱን ነጋዶ ሰብን ኮይና ኣይትርኣያ:: መረበትካ ተማሕዩ ዕትብትኻ ዝተቐብረሉ ቅዱስ መሬት ኣቦታትካ ረኺሱ:: ፕሪማ ካንተሪ መሕረዲ ሰብ ተቐይሩ:ኣብኡ መንእሰይ ደሙ ብኸንቱ ይፈስስንን ብሕማም ይማስንን ኣሎ:: እቲ በብዓይነቱ ፍረታትን ኣሕምልትን ዘፍሪ ለሰ ገማግም ጋሽን ቢምቢልናን ደሪቑ:: ጸጉሩ ተሰሪሑ ብጠስሚ ሸቢሁ ካብ ዒላ ማይ ገሊሉ በትሪ ብጋይት  ዘስተየ ኣንፉራ(መንእሰይ) ኩናማ :መሬት እንተተኣየደት ዓዱ ዘይገድፍ ለዋህ ህዝብኻ ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዱ: ኣይትርኣዮ ጀርማኖ::ዘረባ ኣቦይ ፋይቲንጋ ድሕሪ 27 ዓመት ብግህዶ ተራእዩ::

ጀርማኖ ምእንቲ ቅኑዕ ምሕደራ: ንዝተወጽዐ ዝድግፍ ፍትሒ ዘንግስ ስርዓት ክትከል መስዋእቲ ከፊልካ::መስዋእትኻ ብዕሊ ኣይተነግረን መቓብርካ ኣይረኣናዮን ዕምባባ ኣየንበርናሉን:: ዕምባባ ኣብ ሳልስቲ’ዩ ዝቕምስል ስኽፍ ኣይበልካ:: ስምካን ሞያኻን ግን ኣብ ሓጋይን ክረምትን ኣይረግፍ ኣይቅምስል: ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ተቓላሳይ ፍትሒ እናጠጠዐ ክነብር’ዩ:: ማይ ዶ ካ ጀርማኖ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Solome August 29, 2015

    Jermano Nati kab tom jeganu Tegadalit eyou bi dhri masretu dequ fah elom tesedidom balti betu Tegadalit Maka buzuh hazina sebaya teasiru deqa tefom qidmi 1 amet abila kabza alem bi mot tefelya HGDF Edkum aytsanu!

  • hara August 29, 2015

    Nayza kibrti bealtibetu zigedede yehzin sebAya keyrekebet mkada…aye isayas zibehal arawit
    Nzitegadelu jeganu zeykewn…GEBEL

  • Sengal W. August 29, 2015

    ደጎል ድራር

    You are great and you did a good job to tell us a story of what you know.
    Indeed Jermano is a national hero and my role model.I know the story long time ago. It is true, very true.
    Thank you so much my brother, time and again to put the story in black and white.

  • Tekle Haile August 29, 2015

    ናብ ክቡር ደጎል ድራር ክብረት ይሃብካ ጀጋኑ ኤርትራውያን ብምዝካርካ፡ ሕሱራት መራሕቲ ብምዓልቱ ይዶም ይረኽቡ እዮም ። ገበል መራሒ ኢሳያስ እንታይ ይመስል ኔሩ ? ሕጂ እንታይ ይመስል ኣሎ ? ወጅሃት የብሉን ክብሩ ተቐንጢጡ ። ስም ረኺቡ ኔሩ ፡ ስሙ ተበሊላ ፡ ሕማቕ ታሪኽ ብሂወቱ እንከሎ ገዲፉ ። ከም ብዓል ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ፡ ኣቦና ኽቡር ነልሶን ማንደላ ክብረት የለን ። ኢድ ሸናሒት ጸናዒት ምስላ ኣቦታትና ። ሕጂውን ክቡር ሓው
    ክብረት ናኣኻ ከማኻ ይብዝሑልና ኢሳያስን ደቂ መዛሙርቱን ዝጉሓፉሉ መዓልቲ የርእየና እቲ ልዑል ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ።

  • Tommic August 29, 2015

    Hello Degol,

    Many thanks for story of Germano Nati. I know him when He was working at Assab Regional admin. He was kind and humble and overall committed fighter for the well being of his people. Great work!!!

    Thanks again

  • ጀጋንው ይዘከርው። August 29, 2015

    ኩቡር ደጎል ነመስግነካ።
    መቸም ኢሳያስ ካብ ሰብ ሰዊርው ጅግንነቶምን ስርሆምን ክሃኮ ተደለየ በየን ገስው። ኢንተ ንስው ግን ብደው ሪዎ ውልከ መላኪ ተባሂልው ከምቶም ፍንፍናት መራህቲይ ተፈንፊንው ብህዝብን ኣለምን፡ ደም ንስሃት ስለዘየደክሶ ካ ኣዲ ሃሎ ሰፊሪው ኣሎ ነቲ ኢከይ ግብርው ካ በቶም ዘፍረዮም ኣትማን ይክስል ኣሎ።

  • Tlam August 29, 2015

    The criminal Issayas has outsmarted us all Eritreans simply because he always had a different moral standard than the rest of us.

  • k.tewolde August 29, 2015

    Degaul, What a beautiful tribute to a well deserving liberation fighter.There are so many like him who gave it all and their names will be mentioned in time by their comrades.Just to let you know, me and you, we were at the same venue and the same time in the events you mentioned above. I remember vividly when we lost those 10 gallant fighters when the boulder they were taking cover was pulverized by a single rocket launched from MIG-23.Yes, the hills of DUTA,and it’s vast network of land mines swallowed a lot of us.The firefight that was waged in the western cliff to control DUTA-1 AKA [KIFLE AND] named after a fallen enemy L.colonel, without going into detail can be depicted by watching the beginning episode of the movie ‘SAVING PRIVATE RYAN’ . This is a tribute to all those selfless fighters who had no other intent but to die for us.

  • Berhe Tenesea August 29, 2015

    I feel sorry for the Eritrean people in general and his family in particular.
    The family must be in pain till justice prevails.
    People who stood up for justice and their people are paid with indefinite prison and pain in new Eritrea what a shame.

  • Ibrahim August 30, 2015

    Brother, you don’t see that you are unwittingly serving the regime by falling on its trap of divide and rule policy.

POST A COMMENT