Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልኪ ብእግሩ ደው ኣይብልን`ዩ !

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ምልኪ ብእግሩ ደው ኣይብልን`ዩ ክበሃል እንኮሎ`ኮ እግሪ የብሉን ማለት ኣይኮነን፤ እኳ`ደኣ ዝደልደለ፤ ረጊጽካ ረጋጊጽካ ንድልየታትካ ንምፍጻም ዘገልግል  እግሪ እንተሎ እግሪ ምልኪ`ዩ ! ግና ብመጠን`ቲ ክምንዘዖ ዝደሊ ዘይተኣደነ ሓለፋ  ክረኤ እንኮሎ ነዚ ገዚፍ ገበን  ኣብራኹ

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ምልኪ ብእግሩ ደው ኣይብልን`ዩ ክበሃል እንኮሎ`ኮ እግሪ የብሉን ማለት ኣይኮነን፤ እኳ`ደኣ ዝደልደለ፤ ረጊጽካ ረጋጊጽካ ንድልየታትካ ንምፍጻም ዘገልግል  እግሪ እንተሎ እግሪ ምልኪ`ዩ ! ግና ብመጠን`ቲ ክምንዘዖ ዝደሊ ዘይተኣደነ ሓለፋ  ክረኤ እንኮሎ ነዚ ገዚፍ ገበን  ኣብራኹ ንበይነን ክጾሮኦ ስለ ዘይክእላ ደገፍ ናይ ህዝቢ የድልዮ። እወ! ዓንዲ ወሰናስንን ዓንዲ ማእከልን ኮይኖም ደው ዘብልዎ ክፍሊ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ክህልዉ ኣለዎም ብዘይ እዚኦም ምልኪ ደው ክብል ኣይክእልን`ዩ። ንምልኪ ዝፈጥሮ  ህዝቢ ባዕሉ`ዩ ንምባል ዝቀረብኩ`ዶ እመስል ?!

ደረጃታት ምልኪ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክብ ለጠቅ ዝብል ማለት ፍኹስ ዝበለ፡ ክብድ ዝበለ ፡ ዘይጽወር፡ ኣዚዩ ዘይጽወር ወይ ቁሩብ ትንፋስ ዝህብ ወይ ዝዓብስ ……….. ተባሂሎም ዝፍለጡ`ኮ ብመጠንቲ ዘለዎም ብዝሒ ወይ ዋሕዲ ናይቶም ዓንዲ ወሰናስንን ዓንዲ ማእከልን ኮይኖም ደው ዘብልዎ ክፍሊ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ`ዩ።

እቶም ንምልኪ ዓንዲ ወሰናስንን ዓንዲ ማእከልን ኮይኖም ደው ዘብልዎ ባህርያት ክፍሊ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ መነመን`ዮም ?

  • ተገዛእቲ፡ እቶም ጠቅምታቶም  እንተተማሊኡሎም ብዋግኡ ሰብ ክቀትሉ፡ ከሳቂዩ፡ከሰራጢዩ ኮታ ዝኾነ ገበን ንምፍጻም ድሕር ዘይብሉ፤ ከም ከልቢ ንዘብለዖም ጎይታ ዝምእዘዙ ነናብ ዘመልከተሎም ሰራቂ ይኹን ለማኒ ነጢሮም ዘጥቅዑ/ዝነኽሱ ንሓለዋ ምልኪ ኣብ ጉዳያት መርመራን ስለያን ሓለዋን ዝዋፈሩ ዓይነት ሰብ`ዮም።
  • ተበለጽቲ እቶም ምህሮ ሃሊዩዎም ፤ንሓሶት ሓቂ ኣምሲሎም ናይ ምቅራብ ዓቅሚ ዘለዎም፤ መደናገርቲ፤ ኣብ ማእከላይ ቦታ ሕብረተ-ሰብ ኮንካ ካብ ምክሙሳዕ ንላዕሊ ዝኾነ ይኹን ናይ ላዕላይ ብርኪ ስልጣን ምጭባጥ ህርፋን ዘይብሎም ሸነኽ ናይቲ ምሁር ክፍሊ እዮም። ዝዋፈርሉ መዳያት ከኣ ፕሮፖጋንዳን ዜናን፤ ሰነ ጥበብን ኣማኻሪ ኮንካ ምግልጋልን ዝኣመሰለ`ዩ።
  • ስቅ ባሃልቲ፡ እቶም ሕማቅ እናረኣዩ ዓገብ ዘይብሉ ዘይቃወሙ ማዕበል ናብ ዘበሎም ዘብሉ ግና ንምልኪ ደው ኣብ ምባል ናይ ዓንዲ ማእከል ግደ ዘበርክቱ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ`ዮም። ብመሰረቱ እቶም ኣብ ቁጽሪ 1 ን 2 ን ዝተጠቅሱ (ተገዛእትን ተበለጽትን) ተደላይነቶም ንስቅ በሃልቲ እቲ ሓደ ብምፍርራሕ እቲ ካልኣይ ብምድንጋር ስቅተኦም ከም ዝቅጽል ምግባር`ዩ።

 

ስቅ ባሃልቲ ስቅ መበሊኦም ዝተፈላለየን ብዙሑን`ዩ። ኩሉ ግዜ ኸኣ ሃድን ምልክን ጸሬ-ምልክን`ዮም። ኣሔየልቲ ክንሶም ብዝሓየለ ይተሓዙ። እቲ ሓደ ሒዙ ክረግጾም እንኮሎ፤ እቲ ሓደ ኸኣ ሰብነቶም ኣኽቢሩ ሰብ ምዃኖም ከም ዝስመዖም ጌሩ፤ ከቢሮም ክነብሩ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ ምስ ስቅ የጻልኦም`ሞ ዓንዲ ማእከል ይወድቅ።ምልኪ የብቅዕ።   ” ኣብ ስቅ ዘሎ መሰቃስቅ “።

 

AAHafiz()

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde February 6, 2016

    Well put Awelkier,that is why izi betki survived for so long.If he was in another venue of the world,he wouldn’t have made it past the year 2000.

  • AHMED SALEH !!! February 6, 2016

    Do you know Eritrea is the only country without constitution which
    disallowed multiparty system in Africa ?
    Once dictatorship took full control it produces an atmosphere of
    fear and insecurity in the minds of general population . Concerning
    Eritrean political developments , our people ignored dangers of selected
    group hidden agenda in Sahel camps . They cooked the miseries they feed
    our people out there while the unsung heroes take care enemy forces .
    Eritreans missed the opportunity to continue the second phase political
    struggle against internal enemies after they won the battle against external enemy like Tegadalay Bitweded said in his speech.

  • AHMED SALEH !!! February 6, 2016

    Recently we heard many eye witness accounts from former EPLF fighters
    and from their information we can recognize the true picture that can
    help us to understand and identify our dictatorship system formation .

  • Berhe Tensea February 7, 2016

    Excellent points,you are 100% right. The above mentioned groups must be challenged especially those who are around him or the so called tewasaeti.
    Thank you

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply