Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንኣባ እምሃ ዝተባህሉ ፈላሲ ከምዝኣሰሮም ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዕለት 4 ግንቦት 2018 ኣባ እምሃ ንዝተባህሉ፡ ኣብ ዓደባዓኾኾይ ከባቢ ኣስመራ፡ መንፈሳዊ መምህር ዝነብሩ፡ ፈላሲ መምህር ዜማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትይዎም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ እዞም መነኮስ ብዕለት 4

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዕለት 4 ግንቦት 2018 ኣባ እምሃ ንዝተባህሉ፡ ኣብ ዓደባዓኾኾይ ከባቢ ኣስመራ፡ መንፈሳዊ መምህር ዝነብሩ፡ ፈላሲ መምህር ዜማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትይዎም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ እዞም መነኮስ ብዕለት 4 ግንቦት ናብቲ ስማዊ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትሬያሬክ ብምኻድ፡ `ንበዓል ኣባ ሉቃስ ንስኻትኩም ውጉዛት ኢኹም፡ ቅዱስ ፓትርያርክ እንጠንዮስ ድማ ናብ ቦታኦም ይመለሱ፡ ድቚንና ክህነት ክትህቡን ክትቅድሱን ኣይግበኣኩምን እዩ` ብምባል ሓያል ተቓውሞ ስለ ዝገበሩ እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ ።

እዞም መነኮስ ቅድሚ ሕጂውን ኣብ 2009 ዓ/ም ከምዚ ዓይነት ተቓውሞ ብምርኣዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ክሳብ መወዳእታ2011 ኣብ ምዒጢር ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ ።

ተውሳኺ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ኣብ ቤ/ጽ መንበረ ፓትሬያሬክ ብምልኣኽ፡ ነቶም መጋበርያኡ ዝኮኑ ጳጳስ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ፡ ነቲ ብሰንኪ ተቓውሞ መነኮሳት ደብረቢዘን ደው ኢሉ ዝነበረ ምውራድ ካህናት ናብ ታዕሊም ኣብ ዝሓጸረ ክቕጽል ሙዃኑ ውሳኔ የሕሊፉሎም ኣሎ ።

ንዘጋጥም ተቓውሞ፡ ሕጂ `ውን ሓያል ስጉምቲ ኪውስደሉ ሙዃኑ ከም ዘጠንቀቖም `ውን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ይሕብሩ።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Mefqerie Yesus May 7, 2018

    God save the church, its monks, its faithful, its children. It is clear that this regime is determined to destroy everything we hold dear in Eritrea.

    May God set all prisoners free. Abune Antonios, monks, priests, deacons, students, faithful, youths, minsters, citizens: all Eritreans.

    The bid Question is:
    When will the Christians stand up for their church!??????????????

  • hgdf 000000 May 8, 2018

    ዘረግቲን ጸላእቲ ሰናያትን ኣብ በተክርስትያና ሰፊሮም ከም ዝተዘርወ ማእዶ ፋሕብትን የእትዮምላ ሳዋ ወረሳዋ እናበሉ።

    ኦ ኣምላኽ ኩሉዝክኣሎ ንኦርተዶክሳዊት በተክርስትያና ሰላም ኣውርድ ኣመን።

POST A COMMENT