Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባተን ኣንጻሩ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ብምወላ ቐጠር በብወገኖም ክድግፉዎም ከምእተሰማምዑ ዳግም ከሲሱ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብ 14 ግንቦት 2018 ብማዕከናት ዜንኡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባተን ኣንጻሩ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ነጻ ንምቅስቓስ ሃልዩዎም ኣድማዒ ስርሒታት መታን ከሳላስሉ ብምወላ ቐጠር በብወገኖም ክድግፉዎም ከምእተሰማምዑ ዳግም

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብ 14 ግንቦት 2018 ብማዕከናት ዜንኡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባተን ኣንጻሩ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ነጻ ንምቅስቓስ ሃልዩዎም ኣድማዒ ስርሒታት መታን ከሳላስሉ ብምወላ ቐጠር በብወገኖም ክድግፉዎም ከምእተሰማምዑ ዳግም ከሲሱ።

እቲ ሓጺር መግለጺ፡ `ምውህሃድ ናይ’ቲ ስርሒታት ዘድምዕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ካርቱም ኤምባሲ ከም ቈንስልን ቐጠር ትምውሎም ጅሃዳዊ ውድባት ዝሰርሕን ቡርሃን ዝተባህለ፡ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ከኣ ልዋእ (ጀነራል) ሓምዲ ኣል’ሙስጣፋ ከም ኣወሃሃድቲ ስርሒታት ተመዚዞም።” ተባሂሉ። እቲ ዛንታ ሓድሽን ዘገርምን’ኳ ተዘይኰነ፡ ዓጀብ ዘብል’ዩ።` ክብል ድማ መግለጺኡ ይድምድም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እዚ ስምምዕ `ዚ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ዑደት ገይሩ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ ከምእተበጽሐ ድማ የመልክት።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ቐረባ እዋን ጥራይ ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ቁዘማ ዝጥዕም፡ ጅሃድ ጅሃድ ዝብል ቃላት ዘለዎ መግለጺ ዘውጽእ ዘሎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ምስ ሓደ ጎረቤት ክብኣስ ከሎ ምስቲ ሓደ እናተዓረቐ ነቲ ብተቓወምቲ ኤርትራ ኣብ ባይታ ክመጽኦ ንዝኽእል ግብራዊ ተቓውሞ ከምልጥ ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ግን ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ እዋን ተጻሊኡ ክልቲኦም ስለዝጸመዱሉ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ሽጣራ ፈሺሉዎ `ሎ።

እቲ ሰዓት ውድቀቱ ኣኺሉ ብውሽጢ ዝሕቆን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፡ ከም መተካእታ ናይዚ ፈሺሉዎ ዘሎ ስልቲ፡ ህዝቢ በቲ ጅሃድ ዝብል ቃል ፈሪሑ ክድግፎ ወይ ካብ ተቓውሞ ክእደብ ኢሉ ኸኣ`ዩ፡ መዓልቲ መዓልቲ `ጅሃድ ክመጽኡኻ እዮም ክሓርዱኻ እዮም` እናበለ ነቲ ባዕሉ ካብ ጅሃድ ከፊኡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምትሳእ ክሳብ ዝስእን ረሚሱ፡ ናብ ስደት ከምዝበታተን ዝገበሮን ዘዋረዶን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘጽምሞ ዘሎ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Tesfai May 17, 2018

    The Arab and Muslim infighting is coming to Eritrea. Qatar, Turkey and Sudan are one camp, and Egypt, Saudi Arabia, the Emirates … on the opposite. The Ethiopians are against Egypt, hence on the Qatari camp.
    The Qataris have lots and lots of money to throw, and they have the capacity to hire and fire as many servants as they can to deny Egypt any space to hibernate in Eritrea.
    For these crusading mission Omar al Bashir and Dr Abiy Ahmad will be very happy to get sacks of money thru the Qatari al Hawala.
    Poor Issaias will die without touching any of the hundreds of millions of Saudi and Emirates Arab Petro dollars or the worthless sacks of the promised Egyptian pounds. Such is the fate of Arab slaves and Abeeds who die and burn their own identity for nothing, except to serve as enslaved Arab condoms.

Post a Reply to Tesfai Cancel Reply