Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ከረን፣ ኣብ ቤተክርስትያን እንዳማርያም ንዓሰርተታት ዓመታት ተቐቢሩ ዝጸንሐ ሬሳታት ተፋሒሩ ክወጽእ ንስድራቤታት መወቲ ትእዛዝ ብምትሕልላፉ ህዝቢ ከተማ ከረን በቲ ኢሰብኣዊ ተግባር ተቖጢዑ ነቲ ስርዓት ይረግም ምህላዉ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ኢሰብኣዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ከረን፣ ቃጼታይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተደኵኑ ኣብ ዝርከብ ተዋህዶ ቤተክርስትያን እንዳማርያም ንዓሰርተታት ዓመታት ተቐቢሩ ንዝጸንሐ ሬሳታት ከይተረፈ ፍሒሮም ብምውጻእ ኣብ ካልእ ቦታ ክቐብሩዎ ንቤተሰብ መወቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንገዲ ምምሕዳር

ኢሰብኣዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ከረን፣ ቃጼታይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተደኵኑ ኣብ ዝርከብ ተዋህዶ ቤተክርስትያን እንዳማርያም ንዓሰርተታት ዓመታት ተቐቢሩ ንዝጸንሐ ሬሳታት ከይተረፈ ፍሒሮም ብምውጻእ ኣብ ካልእ ቦታ ክቐብሩዎ ንቤተሰብ መወቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማ ትእዛዝ ድሕሪ ምትሕልላፉ፣ ህዝቢ ከተማ ከረን በቲ ኣጸያፊ ኢሰብኣዊ ስጉምቲ ናይቲ ስርዓት ተቖጥዑ፣ ‘ሎምስ ከኣ ምስ ሬሳታት ዝብኣስ ስርዓት ረኺብና’ እናበለ ይራገም ምህላዉ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

እቲ ስርዓት፣ “እቲ ቦታ የድልየና ኣሎ” ካብ ምባል ሓሊፉ ዝኾነ መግለጺ ከይሃበ፣ ነቲ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ቤተሰብ መወትን መእመናን ነቲ ስጉምቲ ምስግዳዱ ዘሰንበዶን ዘሕዘኖን ህዝቢ “እንታይ መዓቱ ወረደና፣!” ኢሉ ክምህልል ከምዝቐነየ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ገሊኦም ቤተሰብ ገጾም ናይ ዘይፈልጡዎም ኣባሓጎታቶም መቓብር ከውጽኡ ብምግዳዶም፣ ገሊኦም ከኣ ሬሳ ዝፈትዉዎም ወለዶምን ኣሕዋቶምን ሕልናኦም ኣብ ዘቕስን ስፍራ ክዕቆቡሎም ኣብ ጥሙይ ከብዶም ኣሽሓት ወጻኢታት ብምግባር ብቸሜንቶን ማርሞን ዝሰርሑዎ መቓብር፣ እንደገና ክሳብ 10 ሽሕ ናቕፋ ከፊሎም ክፍሕሩዎ ብምእዛዞም፣ ኣብ ካልኣይ ሓዘን ወዲቖም ይነብዑ ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ገለ ካብቶም ኣውያቶም ዝሰምዓሎም ዝሰኣኑ ኣብ ወጻኢ ቤተሰብ ዘለዉዎም ስድራቤታት መወቲ መፍሓሪ ሬሳ ገንዘብ ክልምኑ ሸበድበድ ክብሉ ከለዉ፣ እቶም ሓጋዚ ዘይብሎም በተኻት ስድራቤታት ዓቕሎም ጸቢቡዎም ተረቢጾም ከምዘለዉ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነት ኮነ ሰብኣዊ መንነት ኣኽብሮት ዘይብሉ ሕሉፍ ንዕቀት ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ኣረሜናዊ ስርዓት፣ ኣብ ወጻኢ ንዝዓረፉ ዜጋታት ነቶም ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ላምፐዱዛ ዝተቐዝፉ ኣማኢት መንእሰያት ከይተረፈ ኣብ መሬት ዓደቦኦም ከይቅበሩ ምኽልካሉ ከይኣክል፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዓመታት ኣብ መቓብር ብሰላም ዓሪፉ ምስ ዝጸንሐ ኣስከሬናት ምዉታን ክብኣስ ምጅማሩ፣ ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉ ጽዩፍ ኢሰብኣዊ ተግባር ብምዃኑ ንህዝቢ ከረን ደንጽዩዎን ኣጨኒቑዎን ምህላዉ ዘገርም ኣይኮነን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
80 COMMENTS
  • selamawit2 April 22, 2014

    Dear “THE ERITREAN NOAH”,

    even if you don’t have the politeness/guts/directness or whatever to answer my comments and questions, you must (alas!) accept my postings when you are this forum…;-)
    We the Eritreans don’t need a “Noah”, especially no Noah who calls our brothers and sisters who were raped by Bedouins “bitchs” – names even the cruel DIA did not give to our brothers/sisters. Your turn “Pro-Commonsense” is therefore not convincing at all.

    Sorry to say (or better sorry to see), that the names you use speak volumes:
    “Megalomania is characterized by delusional fantasies of power, relevance, omnipotence, and by inflated self-esteem.” (source: wikipedia)
    Be honest please: What else could it mean if a single 56-year old man at the border of Mexico wants to the save all Eritrean under the age of 50 years (calling them names)? And all this without asking the people he believes he was able to save, if they accept him as as “saver”…

    Do you think we need more narcissistic personalities? No, we don’t – even if they have a little more humor than DIA!

    P.S. If you like it or not:
    In our collective minds the tyranny of Ethiopian oppressor is absolutely present as the (direct) outputs still apply to our living generations. (while our (sad) colonial history is too long ago and directly applied to the FORMER generations.)Do you get what i mean?

    And now, in the time of hardship, we are getting help from our brothers and sisters in Ethiopia which means a plantlet of hope for two people (Ethiopia and Eritrea) to find a way to overcome their former mortifications and to find a way to live as peaceful and loving neighbours….
    But what you do is to add fuel to the fire with cynical provocations – instead of bringing the two people together!!!

1 4 5 6

POST A COMMENT