Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣካያዲት ስራሕ ዞባ ደቡብ ንዝነበረት ፋና ተስፋማርያም ከምዝኣሰራ – ብዓል ቤታ ‘ውን ከምዝሰዓበ፣ ምንጭታት ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣካያዲት ስራሕ ዞባ ደቡብ ማለት ከም ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ኮይና ተመዲባ ትሰርሕ ንዝነበረት ፋና ተስፋማርያም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ከምዝኣሰራ ምንጭታት ሓቢሮም። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ እታ ኣብ ሓደ ካብ ዞብታታት ኣስመራ፣ ቀጺላ ኣመሓዳሪት ከተማ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣካያዲት ስራሕ ዞባ ደቡብ ማለት ከም ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ኮይና ተመዲባ ትሰርሕ ንዝነበረት ፋና ተስፋማርያም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ከምዝኣሰራ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ እታ ኣብ ሓደ ካብ ዞብታታት ኣስመራ፣ ቀጺላ ኣመሓዳሪት ከተማ ባጽዕ፣ ሕጂ ኽኣ ከም ኣካኣዲት ስራሕ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መንደፈራ የማነይቲ ኢድ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይና ተገልግል ዝነበረት ፋና ተስፋማርያም፣ እቲ መጋበርያ ምልክን ዓመጽን ዝገበራ ስርዓት ብፍላይ ድማ እትኣምኖ ዝነበረት ኢሳይያስ ተገምጢሉዋ ኣብ 5ይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ተመቝሓ ‘ላ።

እቲ ስርዓት ኣስዒቡ ኣብ ፍሉይ ቤትፍርዲ ንዝዓዪ ዝነበረ ብዓል ቤታ ‘ውን ኣሲሩዎ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ንምኽንያት ማእሰርታ ብዝምልከት፣ ‘ኢሳይያስ ደቆም ንደገ ዝሰደዱ ኣባላት ላዕለዎት ሓለፍቲ መጽናዕቲ ይገበረሎም’ ኢሉ ድሕሪ ምእዛዙ እታ ሓደ ወዳ ካብ ኤርትራ ዘውጽአት ፋና ከም ዝተኣሰረት እቶም ምንጭታት ክሕብሩ ከለዉ፣ ከም ብዓል የማነ ቻርሊ (ሚኒስተር ዜና)፣ ጀንራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፣ ብሪጋደር ጀነራል ሓድሽ ኤፍሬም ዝርከቡዎም ብዙሓት ሚኒስተራትን ጀነራላትን ደቆም ኣብ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ልኢኹም ክንሶም ኢሳይያስ መን ኢኹም ዘይምባሉ ግን፣ እዚ ምኽንያት’ዚ መሸፈኒ ኢሳይያስ ናይ ዝኣለሞ ካልእ ጠንቂ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ገለ ወገናት፣ ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ ምትህልላኽ ከምዝጸንሓ፣ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ዝተገብረ ህዝባዊ ኣኼባ ህዝቢ ንዘልዓሎም እዋናውያን ሕቶታት ኣትሪራ ዘይምምላሳ መጠመቲ ኮይኑዋ ክኸውን ከምዝኽእል ‘ውን ኣሚቶም።

ብኻልእ ‘ወገን፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ደገፍቲ ኢሳይያስ ኮይኑ መን ከም ኢሳይያስ ዝብል ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳምኤል (ቻይና) ፡ ሎሚ  ኢሳይያስ ዓርኩ ጠሊሙዎ ንዕኡ ረሲዑ ንፍሊጶስ ምሉእ ጀነራል ምስ ሃቦ ምስ ኢሳይያስ ኣብ ምስሕሐብ ኣትዩ ፡ ኣደስኪሉ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ካብ ዘብሎ ሓያለ ግዜ ኣሕሊፉ ‘ሎ።

እዚ፣ ‘ዝኣመነ ብሴፍ ዝኸሓደ ብሴፍ’ ዝብል ሓራዲ መትከል ኢሳይያስ፣ ሎሚ፣ ኣብቶም መጋድልቶም ገዳይም መራሕቲ ጉጅለ 15 ብሰንኪ ፖለቲካዊ ሕቶታት ብጅምላ እንክእሰሩ፣፣ ከምኡ ድማ መተዓብይቶምን ወዲ ከብዲ ዓዶምን ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ ኣብ ቤትማእሰርቲ ክሓቅቕ ከሎን ብስቕታን ተላኣኽነትን መጋበርያ ዝኾኑ ፋናን ቻይናን ‘ኢድ ሸናሒት ‘ ኮይኑ ግዜ ኣርኪቡዎም ምህላዉ፣ ነቶም ገና መሳርሒ ዓመጽ ኮይኖም ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብምግልጋል ህዝቦም ዝውጽዑ ዘለዉ ሰበስልጣን ዓቢ ትምህርቲ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Nahon March 3, 2017

    All those who served Iseyas sooner or later became his victims.
    People have no sympathy for such cases. They are swallowed by a beast they have been feeding.

  • ፍትሒ ሃይለ March 3, 2017

    ፋና ካብቶም ብመጠኑ ናይ ህዝቢ ስቓይ ዝስምዓ ምንባራ እርዳእ ኔረ።
    ብሽፍታ እንዳተመራሕካስ ኣይሽፍታንየ ክትብል ምፍታን ግን በል ጥዓሞ ፍረ ሽፍትነት

  • Sol March 3, 2017

    ኣየ ህግደፍ ፍርቃ ሑቡሳት ፍርቃ ሓለውቲ ሑቡሳት ኮይና ተሪፋ

    • Solomon March 3, 2017

      As a moslim arab and welfare cheat you would not understand our people’s real suffering.
      You probably have multi Arab nationality and properties in your moslim Arab world.
      We don’t accept or tolerate cheap and traitor moslims in our peaceful new Eritrea.
      You must find an Arab mental institute for cheats, traitors, liars, delusional and losers like u.
      Fana is not Fatima so stay away from Eritrean issues and concentrate on evil moslim missions.
      You are the one with a big filthy and poisonous talkative Arab whore mouth. Get a life.
      Anta bojbaj ferah dihul sebeyitay, when are you going to have a bit of courage and “maAnta”?
      Last, let’s hope our brother Emma would be free from barbaric Islam/moslims & ELF influences or dependence.

      • PH March 3, 2017

        ፋና ፋጢማ ስለ ዘይኮነት ተኣሲራ ካብ በልካ፡ሃየ ጉየ!!! ሓራ ኣውጻኣያ።

      • Sol March 3, 2017

        ተኽላይ
        ንስኻ ካብቶም ጸይቀ ግኑናት ኣገልገልቲ ውልቀ መላኺ ኤሰያስ ስለዝኾንካ ሰዓት ውልቀ መላኺ ምስኣኸለት ክም ኣብ ማይ ዝኣተወት እንጭዋ ክትከውን ስለዝኾንካ ጉዳየ ምስ ለኣኽትኻ እዩ

      • AHMED SALEH !!! March 3, 2017

        Ata hawna leytn mealtn kitixaref aslamy , chrstianay , arab , elf inabelka kem
        xulul uko rebishkana .
        If you have mental issues seek medical treatment otherwise you might be one
        of those people that delude themselves in unrealistic false ideas to justify causes of evil tendency it retains . Sometimes it is sad to watch fantasy of self-deception of arrogant and immoral person , may GOD save your soul .
        KAB MUHRO SI AEMURO yiblu zeytemeharu lebamat abotatka .

  • Teclay March 3, 2017

    Pastor Martin Niemoeller
    “First they came for the communists, and I did not speak out – because I was not a communist;
    Then they came for the socialists, and I did not speak out – because I was not a socialist;
    Then they came for the trade unionists, and I did not speak out – because I was not a trade unionist;
    Then they came for the Jews, and I did not speak out – because I was not a Jew;
    Then they came for me – and there was no one left to speak out for me. ”
    There is a legitimate question.If top officials of Ghedli smuggle their kids,what the hell do they brought ..How can you call them ተጋደልቲ,as they desperately wanted to be called..If you call them ISSU’s slaves,they will be offended,but we don’t see any other option on the ground .
    ብዝኾነ እዛ ገድሊ እዚኣ ጉዳመኛ ገድሊ እያ ።እተን ካልኦት ሰውራታት ደቐን ጥራይ እየን ዝበልዓ።እዛ ናትና ግን ንበይና እያ። ደቃ ኣይትገድፍ ፣ደቂ ድቃ ኣይትገድፍ ፣ዋላ 4ይ , 5ይ ወለዶ- ቆርጢማ ምቑርጣም ድሕር ኣይትብልን እያ፣፣መጽነት እንተበልናይ ይውሕዳ ዶ

    • PH March 3, 2017

      ዝብኢ ኢንተነቁዩ ወኻሩ ስለዝኑቁዋ ከምንቡር ንውሰዶ።

  • Aron Fist March 3, 2017

    ኣየ ፋና ሎሚ ኮይኑ ኣብ ጸልማት ብህየታ ኣብ ጋህሲ ወዲ መድህን ከይተደርበየት ኮላ እዝከረኒ ሰነ 1998 ውግእ ባድመ ምስተወለዐ ንኩልና ዝተጣየስና ተጋደልቲ ነበር ምስ ከምኣ መካንንቲ ውዲ መድህን በራድ ንክንከትት በቲ ኮርታዕ መልሓሳ ንክትሰምዖ ዘደንጹ መግለጺ ሂባትና። ቦታ መአከቢ ኣብቲ ብድሕሪ university Asmara ጅግኖች ትምርት ቤት ዝብሃል ዝነበረ እዩ።ኣብቲ ኣከባ ዝገረመኒ እንተ ነሩ : ስንኩላን ኢና እንተበልካ መን ክሰምዓካ: ተጋደልቲ ተ•ሓ•ኤ ነርና እንተበልናኩም ቅድሚ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ውግእ ሳዋ ውረዱ እልኩምና ንክንዕለም ስለምንታይ ንውግእ ክተቱ ትብሉና ንክንዕለም ሳዋ ዘይተውሩድና እንተበልዋ መልሲ ክትህቦም ኣይከኣለትን ኣብኡ ምስከድኩም ኣብኡ ሕቶኹም ክምለሰልኩም ዩ ኢላቶም ምስመትኩም ማለት ዩ። መብዛሕትኣ ብጅግንነት ተሪፋ ብዓል ፋና ድማ ደቀን ይህድማ ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ እዩ። ኣብቲ ናይ 1993 ኣድማ ተጋደልቲ ውን ኣብ ናቅፋ ኣብዝተገብረ ኣኸባ ፋና ካብቶም እምንቲ ኮይና ቀንዲ መዳሪትን ተሓላቂትን ወዲ መድህን በራድ ኮይና ውዕላ እብሃል : ጠቢብ ሲ ብፈታዊኡ እጅምር ከምዝብሃል ኢሰያስ ጠቢብ ብህወታ ከምትሓልቅ ደርሆ ሞታ ትጽበ ኣላ። ገና ናይ ብዓል ፊሊጶስ ተኽለ ማንጁስ ኣብ ዝፈልሐ ፊስቶ ዘይቲ ክድቅድቀን ዩ። በብሓደ ክኣትውኣ እየን ከምብዓል ምስጠፋ ኑርሒስን : ዓብደላ ጃብር:ወዘተ……

    • AHMED SALEH !!! March 3, 2017

      EID HALAFIT SHENDAHIT
      MERGHEM NIBEAT ADETATEN NEBEAT NUXUH HAFASH HIZBINA
      AB MEALTU KEMXERAKHBELOM ZEYIKAHAD HAKI IYU
      NEHWATOM ZIHAFERUWA GUDGAD BEBIHADE BAELOM YIATWUWA ALEWU
      ZEHEZN KHUNETAT IMBER ZIGHERMENA GUDAY AYKONEN .
      Those cowards who exploit power to abuse their people will stay cursed in life
      and death unless they show remorse to repent .

  • Negusse. March 8, 2017

    ዓቅልን ትዕግስትን ጥራሕ ኩሉ ክንርእዮ ኢና እዞም ፎኾስትን ናይ መንንት ቅልውላው ዘለዎምን ገለ ጸበብትን ” ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ ዝብሉን ንርእዮም አለና ጭርኡ ከምዝደጎለ ከልቢ አብ ዝኾነ መራኻቢ ብፍላይ ቤይ ኤርያ ጀለብ ቐለብ ክቡሉን ክሃሱን ተዓዚብና። ቁሩባት “እውን ህግደፍ ተጸቢናዮ ክእረሙ ግን አይተአረሙን ገዲፍናዮም ይብሉ።

Post a Reply to Nahon Cancel Reply