Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሎሚ 13 ሰነ ካብ ገዳም ደብረቢዘን 5 መነኮሳት ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ሎሚ መዓልቲ ዕለት 13/6/2019 ነቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ንሃይማኖታት ንምድኻምን ታሪኻውያን ገዳማት ንምዕናውን እኩይ ተግባር ብምቕጻል ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ሓሙሽተ መኖከሳት ናብ ጊንዳዕ ብሕጹጽ ብምጽዋዕ፡ ዓፊኑ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ወሲድዎም ከምዘሎ ምንጭታት

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ሎሚ መዓልቲ ዕለት 13/6/2019 ነቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ንሃይማኖታት ንምድኻምን ታሪኻውያን ገዳማት ንምዕናውን እኩይ ተግባር ብምቕጻል ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ሓሙሽተ መኖከሳት ናብ ጊንዳዕ ብሕጹጽ ብምጽዋዕ፡ ዓፊኑ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ወሲድዎም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም ።
እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መነኮሳት፡ 1.ኣባ ማርቆስ ገብረኪዳን ፡ 2.ኣባ ክብርኣብ ተኪኤ ፡ 3 . ኣባ ኪዳነ ማርያም ተኸስተ ፡ 4. ኣባ ገብረትንሳኤ ዘሚካኤል ፡ 5. ኣባ ገብረትንሳኤ ተወልደ መድህን እዮም ።
ስርዓት ህግደፍ ካብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ተደጋጋሚ ቴሌፎን ብምድዋልን ብኣካል ብምጽዋዕን ናይ መፍርራሕ ስርሑ ክቕጽል ጸኒሑ እዩ ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዕለት 18/5/2019 ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ ቴለኤፎን ብምድዋልን ብኣካል ኣብ ገዛ ቢዘን ኣስመራ ብምምጻእን ከቢድ ናይ ምፍርራሕ ተግባር እኳ እንተፈጸመ ፡ ማሕበር ገዳም ደብረቢዘን ግና ዝመጸ ተመጸ ካብ ምትከልና ኣይንጸዓድን ብምባል ከም ዘይተማእዘዙዎ ይፍለጥ ።
እቲ ዘገርም፡ ኣብ ግዜ ሞት ኣቡነ ኣትናቴዎስ ሬሳና ሃቡና ክንቀብር እንተ ዘየሎ ናብ ገዳምና መጺኡ ዝፈትሕን ዝቐብር ጳጳስ የለን፡ ንውጉዛት ጳጳሳት ኣይንቕበልን ብምባል ተቓዊሞም እዮም ።
ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መነኮሳት እቶም ሓደ ማለት ኣባ ክብርኣብ ተኪኤ ብስርዓት ህግደፍ ሕጂ ንሳልሳይ ግዚኦም እዮም ዝእሰሩ ዘለዉ ።
ካብ 2015 ክሳብ 2017 ከባቢ ኣብ 5ይ መድውበር ብጽኑዕ ተኣሲሮም ነይሮም እዮም ። ደጊሞ`ውን ኣብ ክ2017 ንኣስታት 40 መዓልቲ ምስ ክልተ ብጾቶም ኣብ ካልኣይ መደበር ተኣሲሮም ። ሕጂ`ውን እቲ ስርዓት ነቶም ቅድሚ ሕጂ ኣሲርዎም ዝነበረ ሰለስተ መነኮሳት ክልተ ወሲኹ እዪ ኣሲርዎም ዘሎ ።
እዪ ስርዓት ገዳም ደብረ ቢዘን ሓያም ናይ ለውጢ ተቓውሞ ስለ ዘርኣዩ፡ ንኹሉ ዘይቅርዑይ ኣከያይዳ ህግደፍ ብጽኑዕ ክቃወምዎ ስለዝ ዝጸንሑን ዘለዉን እዩ ነቲ እኩይ ስጉምቲ ዝቕጽሎ ዘሎ ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Haben June 14, 2019

    For HGDEF It was a matter of time to accomplish his evil deeds.

  • Haben June 14, 2019

    Parents/family members of abalat XeTta HGDEF must warn their children to stop arresting/
    torturing and/or killing our mothers, fathers, brothers and sisters. I mean those who do not support HGDEF.

POST A COMMENT