Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ታሪፍ ነዳዲ ከምዝጎደለ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ይነፍሕ / ዝኾነ ሰብ ካብ 500 ናቕፋ ንላዕሊ ሒዙ ብመዓርፎ ነፈርቲ ከይወጽእ ይኽልክል።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ታሪፍ ነዳዲ ከምዝጎደለ ዘናፈሶ ወረ፣ ለውጢ ይገብር ከምዘሎ ኣምሲሉ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋር ዝመሃዞ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እዚ ከይኣክል ሰበስልጣን ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ለውጢ ሓቂ ከምስሉ፣ ኣብዚ መሰረት

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ታሪፍ ነዳዲ ከምዝጎደለ ዘናፈሶ ወረ፣ ለውጢ ይገብር ከምዘሎ ኣምሲሉ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋር ዝመሃዞ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እዚ ከይኣክል ሰበስልጣን ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ለውጢ ሓቂ ከምስሉ፣ ኣብዚ መሰረት ዘይብሉ ምጕዳል ታሪፍ ተመርኵሶም ኣውቶቡሳትን ታክሲታትን ዋጋ ከጕድሉ ዘመሓላለፉዎ ትእዛዝ ኣብቶም ወሃብቲ ኣገግሎታት ናይ ተቓውሞ መንፈስ ከምዝፈጠረ ‘ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዋጋ ነዳዲ ለውጢ ዘይተገብረ ክንሱ ዋጋ ኣጕዲሎም ኣብ ክንዲ ብ 20 ብ 10 ናቕፋ ሰብ ክጽዕኑ ዝተነግሮም

ሰብ ታታሲ፣ ‘እቲ ስራሕ ፋይዳ የብሉን’ ኢሎም  ሰብ ምጽዓን ገዲፎም ኣብ መበገሲ ንቝጣታቶም ከዕልሉ ዕጉግ ኢሎም ምውዓል ምጅማሮም መርኣያ ተቓውሞን ናይ ጸጥታ ስግኣትን ገይር ዝረኣዮ ስርዓት ህግደፍ ፣ ሰለይቲ ኣዋፊሩ ካብ ክልተ ሰብ ንላዕሊ ተኣኪቦም ከይረኣዩ ከምዘፈራርሖም እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ብኻልእ ወገን፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝኾነ ካብ ኤርትራ ንደገ ዝገይሽ ሰብ ካብ 500 ናቕፋ ንላዕሊ ሒዙ ብመዓርፎ ነፈርቲ ከይወጽእ ከምዝኸልከለ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቲ ስርዓት ምስዚ ኣተሓሒዙ፣ ዝኾነ ገያሻይ ብዘይካ ናቱ ዝኾነ ሰነዳት ሒዙ ዝእዝዝ መምርሒ ብምውጻእ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተፍትሽ ከምዝጀመረ ኸኣ እቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም።

እዚ ናይ ምቍጽጻር ስጉምቲ ካብ ሕሉፍ ፍርሒ ናይቲ ዝተበገሰ ስጉምቲ ምዃኑ ድማ ኣረዲኦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • stefanos temolso November 25, 2016

    ብፍላይ እዚ ዝኾነ ገያሻይ ካብ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ካብ 500 ናፋ ንላዕሊ ሒዙ ክወጽእ ኣይክእልን ዝብል ሕጊ ንሰብ ብተፍትሽ ልቡ ኣጥፊኦም ገንዘቡ ክዘምቱዎን ከካላብቱዎን ስለ ዝደለዩ ጥራይ እዮም ነቲ መምርሒ ለጢፎሞ። ህግደፍ በቲ ሃደ ሰላም ሃገር፡ ዝትንክፈካ ዘይብልካ ከም ድላይካ ትዛወረላ ኢሎም ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ይነፍሑ በቲ ካልእ ድማ መዓልቲ መጽአ ሃድሽ ንህዝቢ ዘካአላብት መምርሒ ከውጽኡ ተኸኽ ይብሉ። ሃገር ንመርሕ ኣለና ኢሎም ክዛረቡ ቍሩብ ሕንኽ ዘይብሉ ፍጥረት። ሰብ ክዕዘበና እዩ ኣይብሉን ድዮም? ወይ ኣቱም ሰባት ንጋገ ኣለና ዝብል ዓቢ የብሎምን ድዩ ኮይኑ? እቲ ህዝቢኸ ህዝቦም ምዃኑ ረሲዖሞ ድዮም ወላ ካን ኣኺሉዎም ኣ ስረታቶም ጻሕጺሖም? ሰብ ክንብርከኽ ከሎ ማዕረ ክንደይ ናብ ሓደ ልሙስ እንስሳ ከም ዝቕየር ዘገርም’ዩ። ሓደ ሰብኣይ ነዛ ምልእቲ ሃገር ክጻወተላ ከሎ እቶም ምስኡ ዘለዉ፡ ያዕ! ኣይብሉን ድዮም? ኣብ መስኮት ቴለቪዥን ጥራይ ቀሪብካ ኣፍካ ምንቃስቓስ ፍታሕ ይመስሎም ስለ ዘሎ ዶኾን ይኾኑ? ፎእ! እዚእእቶምስ ፍጥረት ሰብ የብሎምን። እንታይ ህይወት የሕልፉ ከም ዘለዉ ኣመና እዩ ዝድንጽወኒ። ኣምላኽ ምሕረት የውርደሎም ጥራይ!

  • PH November 25, 2016

    እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ።ነቲ ኩቱር ተፍቲሽ ሓደ በጻሒ ሃገር ክምዘዕለለኒ፡ሓደ ደርዘን ፈናጅል ክሓልፍ ኣይፍቀድን ኢዩ ብምባል ኣሕዲጎምኒ ይብል ኢሞ ስለምንታይ ኢንተበልኩ ኣብ ባሊጃ ከተሕልፎ ነይሩካ ኢዩ ኢቲ መልሲ።ቀጺሉ፡ ከምቲ ድሕነት ተሳፍርቲ መሲሉኒ ተቀቢለዮ።ይኹን’ምበር ኣብቲ free duity ደርዘናት ፈናጂል ንዕዳጋ ምስ ረኣኹ ኣስደሚሙኒ ኣጽቂጠ በለ።ስለዚ ምሕደራ መንቀጽ ከም’ዚ ኢዩ ብምባል ተገሪመ ።ምሕረት የውርድ።

  • arada November 26, 2016

    kkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkk Ala sankol hangolt baqa hasut ba hasut koyna hiwetkom maskin sidetgtata

  • k.tewolde November 27, 2016

    Love that picture of the little boy,my favorite game as a kid ‘INKLIL’. Talking about HGDEF’s ridiculousness,as long as you remain reluctant dealing decisively with the tyrant,the worst is yet to come,he will negotiate solely to sell the entire country and its contents that includes the people to the highest bidder without the owners awareness .He can do this not because he is strong,but you surrendered every ounce of your power at his disposal.At the disposal of one man.Until you understand the magnitude of what you’ve lost and start fighting to retrieve it at any possible cost your days living as a human being with significance is over.

  • Tarik November 27, 2016

    ሰላማት፡ እዛ ሓበረታ ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጻሕፈት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝግበር ዘሎ ትሕብር ኮይና ፡ ኣብመወዳእታ ግን እቲ ሓበረታ ሕውስውስ ኢሉ እቲ ክሓልፍ ዝድለ ዘሎ መልእኽቲ ሽቱኡ ከይወቕዔ ዝተረፈ ኮይኑ ተረዲኡኒ ምኽንያቱ፡ እስኪ እዚ እንታይ ከምትቢል ዘላ ኣረዱኒ የሕዋት( ካብታ ሓበረታ ኣብ መደምደምታ ዘላ እያ)

    “እቲ ስርዓት ምስዚ ኣተሓሒዙ፣ ዝኾነ ገያሻይ ብዘይካ ናቱ ዝኾነ ሰነዳት ሒዙ ዝእዝዝ መምርሒ ብምውጻእ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተፍትሽ ከምዝጀመረ ኸኣ እቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም” እንታይ እዩ ዝቢል ዘሎ ሓባሪ?

POST A COMMENT