Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ቤትመኻእ ንዝነበራ ናይ ሓረስቶት ከብቲ ከምዝዘመተን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ውጽኢት ጸባን ስጋን ንዘፍርዩ ሓረስቶት ቤትመኻእ ከብቶም ካብ ኣስመራ ክወጽኡወን ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ጥሪቶም ዘሚቱ ናብ ዒላበርዕድን ኣለቡን ከምዝወሰደን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ልኡኻት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ፈለማ ነቶም ዋናታት ከፈራርሑ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ውጽኢት ጸባን ስጋን ንዘፍርዩ ሓረስቶት ቤትመኻእ ከብቶም ካብ ኣስመራ ክወጽኡወን ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ጥሪቶም ዘሚቱ ናብ ዒላበርዕድን ኣለቡን ከምዝወሰደን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ልኡኻት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ፈለማ ነቶም ዋናታት ከፈራርሑ ኣብ ደምቢአን ከለዋ ነተን ከብቲ ክሓርዱወን ኳ እንተጀመሩ፡ እቶም ከምብቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክሕረዳ ዝረኣዩ ሰብ ዋኒን መሊሶም ስለዝተነዓዓቡ፡ ሰለስተ ከብቲ ምስ ሓረዱ ነቲ ስጉምቲ ደው ከብሉዎ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ።

ካብኡ ቀጺሉ እቲ ምልካዊ ስርዓት ነተን ብገምጋም ነፍሲ ወከፈን ኣስታት 80 ሽሕ ናቕፋ ዝዋገአን ስቡሓት፡ ዋናታተን ናብ ዒላበርዕድን ኣለቡን ከይዶም 15 ሽሕ ናቕፋ ክወስዱ `ኳ እንተሓበሮም፡ እቶም ዋናታት ኣብ ተቓውሞኦም ብምጽናዕ ንትእዛዝ ናይቲ ስርዓት ከምዘይተቐበሉዎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ ዜና ኣሰና ተጠቒሱ ከምዝነበረ፡ እቶም ኣብ ቤትመኻእ ዝርከቡ ሰብ ስታላ “ዓድና እዚ እዩ ናበይ ክንከይድ ደሊኹምና ኢሎም” ምስ ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ክከራኸሩ ቀንዮም እዮም።

እቲ ናይ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኮነ ተጠቀምቲ ተገዳስነት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብቑዕ ኣገልግሎት መብራህቲ ምቕራብ ስኢኑ ንኸተማ ኣስመራ ምጽልማቱን ንህዝቢ ኣስመራ ግቡእ ቀረብ ዝስተ-ማይ ምሕራሙን ከይኣክል፣ ነቲ ድሮ ጽንኩር ኮይኑ ዝጸንሐ ዋሕዲ ጸባን ስጋን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ከጋድዶ ምርኣይ ዘቖጥዖም ወሃብቲ ኣገልግሎትን ተጠቀምትን ኣንጸርጺሮም ሕኒን ይብሉ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

እዚ ስጉምቲ `ዚ መቐጸልታ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ከባቢ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ኣባይቲ ብምፍራስ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ዕንወት ወፈራ ምዃኑ `ውን ኣሚቶም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • jonus Jabar November 17, 2015

    haye nikid eti kunat nifelto ena nihna ena ab siltan sekilnayom haye nkid newrudom.

  • abo November 18, 2015

    Hezbi eritrea kfelto zelewo neger kulu nebret nay mengesti kegebro eyo zdeli ezi medeb ezi 2010 abilu eyu wesinwo gena kweres eyu suke elna ente riena natna neblo nebret aykhlwenan eyo.

  • Berhe Tenesea November 19, 2015

    The dictator has a special hatred to the people living around Asmara.He demolish their homes, killed their businesses, forcibly took their land sells it to the highest bidders.
    If you go for a visit to surrounding villages such as Saeda kistan, and people realize you are not one of them , they watch with great suspicion and make you very uncomfortable.
    The reason is that – first they think you on a mission to buy land and secondly they think you are some kind of official and on a studying mission on how to take their high value land.
    The land of their ancestors that was passed from generation to generation is on sale with out their approval and no copenaetion.
    This kind of high way robbery will continue as long as the Satan dictator clings to life.

  • Bimbina November 20, 2015

    Isn’t what people call such acts Shifta?

POST A COMMENT