Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ መቓብር ናይ ዝዓረፉ ቤትሰብ ምንዳቕ ኣጊዱ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ በቲ ወጺኡ ዘሎ ምልካዊ መምርሒ መሰረት፣ መቓብር ስድርኡ ከንድቕ ዝተረኽበ 6 ወርሒ ማእሰርትን 25 ሽሕ ናቕፋ መቕጻዕትን ከም ዝብየነሉ ተፈሊጡ ‘ሎ። እቶም ነዚ ትእዛዝ’ዚ ዘተግብሩ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ዓድታት በቶም መቓብር ካብ ምስራሕ ዝኽልከሉ

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ በቲ ወጺኡ ዘሎ ምልካዊ መምርሒ መሰረት፣ መቓብር ስድርኡ ከንድቕ ዝተረኽበ 6 ወርሒ ማእሰርትን 25 ሽሕ ናቕፋ መቕጻዕትን ከም ዝብየነሉ ተፈሊጡ ‘ሎ።

እቶም ነዚ ትእዛዝ’ዚ ዘተግብሩ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ዓድታት በቶም መቓብር ካብ ምስራሕ ዝኽልከሉ ዘለዉ ዜጋታት ምኽንያቱ ኣብ ዝሕተቱሉ ግዜ፣ ካብ ልዕሊ ዝመጸ መርሒ እዩ ካብ ምባል ሓሊፎም ብቁዕ መረድእታ ከቕርቡ ከምዘይከኣሉ ‘ውን እቶም ምንጭታት የገንዝቡ።

እቲ ጥቡቕ ስድራቤታዊ ፍቕሪ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ብሞት ንዝተፈልዩዎ ቤተሰቡን ወልዱን መቓብር ኣስሪሑ ሕልናዊ ቅሳነት ምርካብ ንነዊሕ ዓመታት ለሚዱዎ ዝጸንሐ ንቡር ያታ እዩ። እቶም ብዘይ ዊስኪን ኣረቅን ዘይሓድሩ፣ ምሸት ምሸት ኣማኢት ኣሽሓት ገንዘብ ህዝቢ ዘባኽኑ ዘለዉ ተጣላዕቲ መራሕቲ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ጭፍርኡን ግን ነቲ ነውራም ኣመሎም ኣብ ክንዲ ዝእርሙ፣ ብህይወቱ ቅሳነት ንዝኸልኡዎ ኤርትራዊ ክሳብ መቓብሩ ክስዕቡዎ ምርኣይ ሃየንታ እዩ።

ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስናብ ስደት ንዝሞቱ ዜጋታት ናብ ኤርትራ ንምልኣኽ ንዝንቀሳቐሱ ገበርቲ ጽቡቕ ክልተ ካብ ሚእቲ ክፈሉ እናበለ ዒብ ዘይብሉ ተግባር ይፍጽም ከምዘሎ ኣብ ርያድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሕባሮም ኣብ ዝሓለፉ ዜናታት ኣሰና ተጠቒሱ ነይሩ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ‘ውን፣ እቲ ስርዓት ዝሓቶ ክልተ ካብ ሚእቲ ዘይተኸፍሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ንነዊሕ እዋናት ኣብ መጽንሒ ሬሳ ተኸዚኑ ከምዘሎ ይሕብሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Hagherawi August 11, 2016

    Higdef is the most cruel crime syndicate on planet. The Sicilian mafia, despite its criminal nature, respects some laws. As long as you stick to the unwritten agreements between you and them, you are safe.
    In Higdefland, even when you give them all the money they want you to pay regularly, they will never get peace of mind until they leave you penniless, and out of the country, and that if you are fortunate enough to escape for your life.
    The news above would be unbelievable if you tell people anywhere in the world, but in Eritrea run by Higdef everything if possible. We should not be surprised if one day they want take tax of putting flowers of the tomb of our loved family members.

  • stefanos temolso August 12, 2016

    እታ እንኮ ተሪፋቶም ዘላ ሬሳ ኤርትራዊ ዜጋ ተፋሒሩ ይውጻእ ከይብሉ እዩ። ካብ ህግደፍ ጽቡቕ ኣይንጽበን።

  • hara August 12, 2016

    Hakli ! Stifanos. Aetsimtu kishetwo t
    Tek’ELo entelo ..ehinaydeA… EzgiO zebl iyu

  • AHMED SALEH !!! August 12, 2016

    If it is for sure they come low into this kind childish decision , SHAME on them . But it sounds hard
    to believe even though unpredictable goons run the government . Nothing will surprise me after
    we heard unbelievable cruel stories bitter to swallow .
    ZEYTEWEREYE IMBER ZEYTEGHEBRE NEGHER YELON ZIBL ZEGHERM ZEREBA MEBEGHESI
    MIKHNIYAT KEMZELEWO KEYTEHASASBENI AYTEREFEN . KAB SAHEL TESEKIMOMO ZIMEXU
    SEYTAN NIHAGHER AB XELMAT IMBER AB BIRHAN KIMERHA KEM ZEYDELI NESTEBHL .
    HIMAK MENFESIMBER XUBUK MENFES AYNEBEROM AYTEFEOM , NINEBSINA KENETALEL
    KAB HAKI ZIREHAKE KINIZAREB INTE DELINA DIMA HILINANA AYNE MISKR IYA ZIBELE INTE BELNA
    HAKI AYTISBER AYTIEXEF .

  • PH August 13, 2016

    ብርግጽ ፡ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ ነገር የለን።ብዘይ ድንዕ-ምንዕ ዝእመን ሓቂ’ውን ኢዩ።ዓቀን ዘይሓለወ ምባል ቁኑዕ ኢዃ ኢንተኾነ ዝኾነ ገለ ገለ ሰባት ወጠም’ጠም ወይ ናይ ዋሕለልኩ (ርእይቶ) ኢዩ ነይሩ።ሓቂ ንምዝራብ፡ ኣብ ቅንኢ ዝተሞርኮሰ፡ሓሳድ፡ድሕሪ ኣይትስርሑ ኣፍርሱ ከምዝብሉ ርግጸጝ ኢየ።መንግስቲ ህግደፍ ዝምዝምዞም ጉድለት ክሳብ ዝሃለወ ሓውልቲ ባህታ ሓጎስ (ኣባጥመር) ይፍረስ ከይብሉ ስጊኣተይ ኢዩ።

POST A COMMENT