Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልዕዓል ይኣክል – ነጥበ መቐይሮ – ሕጂኸ ናበይ

ቀደም ዘመን ኢዩ። ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓቢ ጎቦ ተደኲና ነበረት’ሞ ብመጓሰን ማሕረስን ዝናበሩ ህዝቢ ይቕመጥዋ ነበሩ። ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ፡ ጓሶት ደቂ እታ ዓዲ ሓደ ብሓደ ጥሪቶም ኣብ በረኻ ይጠፍኣ ከም ዘለዋ

ቀደም ዘመን ኢዩ። ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓቢ ጎቦ ተደኲና ነበረት’ሞ ብመጓሰን ማሕረስን ዝናበሩ ህዝቢ ይቕመጥዋ ነበሩ። ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ፡ ጓሶት ደቂ እታ ዓዲ ሓደ ብሓደ ጥሪቶም ኣብ በረኻ ይጠፍኣ ከም ዘለዋ ክዛረቡ ጀመሩ። ጥፍኣት ናይ’ተን ጥሪት ግን ደው ኣይበለን። እኳ ደኣ እቶም በዚ ሽግር ዝተጎድኡ ስድራቤታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ በዝሑ ኢዮም ዝመጹ። በዚ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዘማረሩ ደቂ እታ ዓዲ ጠንቂ ናይ’ቲ ሽግር ንምልላይን ንምግትኡን ወፈራ ጸውዑ’ሞ ህዝቢ ብኹሉ መኣዝናት ወፈረ። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ድማ ነተን ጥሪት ዘህልቐን ዝነበረ ገበል ምዃኑን ኣብ ዝባን እቲ ዓቢ ጎቦ ኣብ ውሽጢ ሓደ በዓቲ ከም ዝሰፍርን ምሉእ ብምሉእ ኣረጋገጹ። ጠንቂ ናይ’ቲ ሽግር ካብ ተፈልጠ ፍታሕ ምርካብ ክቐልል እኳ እንተ ተገብኦ፡ ብኣንጻሩ እታ ዓዲ ናብ ዘይተደልየ ምስሕሓብን ህኮትን ኣተወት። እቲ ዘሰሓሓበ ጉዳይ ድማ ነዚ ገበል እንታይ ንግበሮ ዝብል ሕቶ ኢዩ ነይሩ። ገለ ካብ’ቶም ሓረስቶት “ገበል እኮ ዘራእትና ኣይበልዓልናን” ብምባል “ብቐደሙ ናብ ዝባን እቲ ጎቦ ገጽኩም ዘውፍር ጉዳይ ኣይነበረኩምን” ዝብል ርኢቶ ደርቢዮም ግዜ ከይ ቀተሉ ናብ ጉዳይ ማሕረሶም ተዓዝሩ። ካብ’ቶም ዝተረፉ ደቂ ዓዲ፡ ገሊኦም ነቲ በዓቲ ብትኪ ንዕጠኖ’ሞ ወዮ ገበል ዓቕሉ ጸቢቡዎ ምስ ወጸ ብዳርባ እምኒ ንቕተሎ በሉ። ገሊኦም ድማ ኣድቢና ጸኒሕና ከም ኣመሉ ምስ ወጸ ብፋሳትን ኣባትርን ንደክሮ በሉ። ብዙሓት ርኢቶታት እኳ እንተ ቀረቡ ኣብ ሓደ መዕለቢ ግን ክበጽሑ ኣይከኣሉን። ካብኡ ዝገደደ፡ ብሰንኪ ፍልልያት ሓሳባቶም ነንሓድሕዶም ክተፋነኑ ጀመሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሽግሮም ከየብቅዐ ንኣዋርሕ ከምኡ ኢሉ ቀጸለ።

 

ሓደ መዓልቲ ካብ ዝሰዓቡ ዕለታት፡ ሓንቲ ጎርዞ ምስ መሓዙታ ማይ ክትወርድ ናብ ሩባ ምስ ከደት ወዮ ሰራም ገበል ብሃንደበት መጺኡ ካብ መሓዙታ መንጢሉዋ ተሸርበ። ኣውያት ንኣውያት ኮይኑ፡ ጥፍኣት ናይ’ታ ጎርዞ ብወረ ወረ ናብ መላእ ህዝቢ እታ ዓዲ ምስ በጽሐ ኩሉ ሰብ ተሻቐለ። ድሕሪ ሓጺር ናይ ኢሂን ምሂን ርክብ ድማ ነፍሲ ወከፍ ገባራይ ዓቕሙ ብዘፍቅዶን ብዘዋጽኦ መንገድን ዕምሪ ናይ’ቲ ገበል ንምሕጻር ክወፍር ተሰማምዑ። ብድሕሪ’ዚ ካልኣይ ወፈራ ዕጫ ናይ’ቲ ኣብ ፍልልያቶም ዝነብር ዝነበረ ገበል እንታይ ከም ዝኾነ ንምግማት ንኣምበብቲ እገድፎ።

 

ንኣራዊታዊ ባህርያት ናይ ሓደ ገበልን ኣብ መንጎ ህዝቢ ሓንቲ ዓዲ ዝፈጠሮ ፍልልያትን ዝድህስስ ጥንታዊ ዛንታ ካብ ኣልዓልና፡ ምስ’ዚ ናብ ዝመሳሰል ባህርያት ገበል ዓዲ ሓሎን ኩነታትናን ክመልሰኩም። ገበል ዓዲ ሓሎ ንፍልልያትናን ስቕታናን መዝሚዙ ክነብር ዕድል ስለ ዝሃብናዮ ጥራይ ኢዩ እንሆ ንዳርጋ ሓምሳ ዓመታት ዝኣክል ገባርን ሓዳግን ኮይኑ የጽንተናን ይዋገየልናን ዘሎ። “ድምጽና ነስምዕ፡ ፍልልያትና ነወግድ” ዝብሉ ሓረጋት ከም ተራ ዘረባ እናሻዕ ክንደጋግሞም ንጽናሕ ደኣ እምበር፡ ኣብ ግብሪ በጺሕናስ ብፍልልያትናን ስቕታናን እንልለ ህዝቢ ኮይና ኢና ጸኒሕና። ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ግን ኩነታትና ቅጽበታዊ ለውጢ ዘርኢ ዘሎ ይመስል። ትሕዝቶታት ናይ’ዞም መዓልታዊ ዝቃልሑ ዘለዉ መልእኽትታት ይኣክል ከምኡ እውን ዓይነትን ናህርን ዝርጋሐን ናይ’ዚ ይኣክል ዝብል ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ብግቡእ ንርደኦ እንድሕሪ ደኣ ሃሊና ኮይና፡ እዚ ኣቲናዮ ዘለና ግዜ ፍሉይ መድረኽን ነጥበ መቐይሮን ኢዩ ክንብሎ ንኽእል።  

 

 እዚ ብሃንደበት ዝመጸ ዝመስል ግን ግዚኡ ሓልዩ ደበኽ ዝበለ ህዝባዊ ምልዕዓል ይኣክል ደኣ ፍሉይነቱ እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ነጥበ መቐይሮ ከም ዝበጻሕና ከረድኡና ዝኽእሉ ተወሰኽቲ ጭብጥታትከ ኣለዉዶ፧ እዚ ምልዕዓል ይኣክል ብኸመይ ኢዩ ዝያዳ ሓይሉ ኣብ ምሕጻር ዕምሪ ስልጣን ገበል ዓዲ ሓሎን ምንጋስ ፍትሓዊ ምሕደራ ህዝብን ወሳኒ ተራ ክጻወት ዝኽእል ዝብሉ ሕቶታት ብዓቕመይ ክምልሶም ቅድሚ ምፍታነይ፡ ንገለ ካብ’ቶም ስሕት ኢልና ንሰምዖም ዘለና ናብ ህዝባዊ ምልዕዓል ይኣክል ዝቐንዑ ጸለመታትን ጉጉያት መረዳእታታትን መልሲ ክህበሎም ክፍትን ኢየ።

 

እቲ ቀዳማይን ጉጉይን ኣበሃህላ “ብይኣክል ዝብል ጭርሖ ዝወድቕ ስርዓት የለን። ከምኡ ነይሩ እንተ ዝኸውን ቀደም እንዲና ይኣክል ኢልና” ዝብል ኢዩ። ከም’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ’ዚ ጽሑፍ ዝተገልጸ፡ ስርዓት ገበል ዓዲ ሓሎ ኣብ ስቕታናን ፍልልያትናን ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ንመብዝሕትኡ እዚ ናይ ይኣክል መልእኽትታት እንድሕሪ ደኣ ሰሚዕናዮን ብግቡእ ተረዲእናዮን ኮይና፡ ነተን ክልተ መሰረታውያን ሽግራትና ፍታሕ ዝህብ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ይኣክል ድሕሪ ሎሚ፤ ስቕ ኣይብልን፤ ሓድነትና ኢዩ ሓይሊ’ሞ ንተኣከብ፤ ኣነ ድማ ንነብሰይ ኣዳልየያ ኣለኹ፤ እንተ በሉስ ካብ’ዚ ዝዓቢ ህዝባዊ ተበግሶን ምልዕዓልን ኣበይን ብኸመይን ኢዩ ክፍጠር ዝኽእል፧ ንዑ ኣጆኹም ናብ ሓደ መጺና ሓይሊ ብምፍጣር ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ንኹኖም ኢና ክንብል ዘለና ደኣ እምበር ከም ወነንቲ ቃልሲ ብትዕቢት ግድምናና ክንጽብጽብ የብልናን።

 

እቲ ካልኣይ ግጉይ ኣበሃህላ “እሱራትና ይፈትሑ፤ ዶብና ይተሓንጸጽ፤ ቅዋምና ይተግበር፤ ትብሉስ ብሓቂ ህግደፍ ነዞም ጠለባት ከማልኣልኩም ስለ ትጽበዩ ዘለኹም ዲኹም፧” ዝብል ኢዩ። ኣማኢት ሰባት ዝዘርግሕዎ ናይ ይኣክል መልእኽትታት ሓደ ብሓደ ሰሚዐ። ካብ ኩሎም’ዞም መልእኽትታት ግን ሓንቲ እውን እንተ ኾነት ህግደፍ ጠለብና ከማልኣልና ትልምን መልእኽቲ ኣይሰማዕኩን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ህግደፍ ተስፋ ከም ዘይብሉ ኢዩ መብዝሕትኡ መግለጺታት ዘንጸባርቕ። ብተወሳኺ፡ ሓደ ክንዝክሮ ዘለና ነጥቢ ኣሎ። መብዝሕትኡ ግዜ ሰባት ንነብሶም ወኪሎም ክዛረቡ ከለዉ፡ ድሌታቶምን እምነታቶምን ዕላምኦምን ራኢኦምን መትከላቶምን የዋጽእ ኢዩ ዝበልዎ ሓሳብን ኢዮም ዝዝርዝሩ። አብ ቃልሲ ከኣ መጀመርታ መርገጺኻ ተነጽር።ቀጺልካ ድማ ተጠርኒፍካ ትቃለስ። ሓደ መሪሕ ተራ ክጻወት ዝደሊ ህዝባዊ ጥርናፈ ኢዩ እምበኣር ነዞም ኩሎም ሓሳባት ኣኪቡን መሚዩን መንገዲ ቃልሱ ከመዓራርይ ዝግብኦ። ካብኡ ቀጺሉ፡ ህዝቢ ዓሲሉዎ ኣሳታፊ ናይ ቃልሲ መኣዲ ምስ ፈጠረ ግብራውያን ሸቶታት ብምህንዳስ ናብ ዓወት ገጹ ክምርሽ ይኽእል። ሓደ ሰብ ቅዋም ይተግበር ክብል ከሎ፡ ንስርዓት ህግደፍ ስዒሩ ቅዋም ዘተግብር ሓይሊ ንምድጋፍን ኣካል ናይ’ቲ ሓይሊ ኮይኑ ንኽቃለስን ድሉውነቱ ኢዩ ዘርኢ ዘሎ። ካብ ነፍሲ ወከፍ ይአክል ዝበለ ሰብ ናይ ዓወት ስትራተጂ ክንሰምዕ ምጽባይ ግን ጉጉይ ኢዩ። እቲ ካብ ጥርናፈታት ወይ ምንቅስቓሳት ክንጽበዮ ዝግበኣና ስራሕ ካብ ውልቀ ሰባት ክንረኽቦ ምሕታት ኢዩ እምበኣር እቲ ግጉይ ኣበሃህላ ኮይኑ ዝረኸብክዎ።

 

ካልኦት ኣነኣኣስትን መስመሮም ዝሰሓቱን ኣበሃህላታት እኳ እንተ ሃለዉ ናብ’ተን ካብ ብመጀመርታ ክጽሕፍ ዘገደዳኒ ሰለስተ ሕቶታት ክምለስ። ብዓቕመይን ብሕጽር ዝበለን ድማ ክምልሰን ክፍትን ኢየ።

 

እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ንፍሉይነት ማዕበል ይኣክል ትምልከት ኢያ። ሓቂ ኢዩ ማዕበል ይኣክል ብሃውሪ ዝተላዕለ ተርእዮ ኣይኮነን። ፍረ ጻዕሪ ናይ’ቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ከይተሓለሉ ቅኑዕ ስነ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ኤርትራውያን ንክዘርኡ ግዚኦምን ገንዘቦምን ዝወፈዩ ተቓለስቲ ንፍትሒ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ናይ ይኣክል መልእኽቲ ድማ ኣብ’ቲ ሕጊ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ እንዳ ተባህለ ክዝራእን ክኹስኰስን ዝጸንሐ ስነ ሓሳብ ፍትሒ ዝቦቐለት ተኽሊ ኢያ። ኣብ መላእ ዓለም ዝተራእየ ቁልጡፍ ምስሳን ናይ’ዞም ኣታኽልቲ ለውጢ ኢዩ እምበኣር ቃልስና ናብ ህዝባዎ ናዕቢ ገጹ የምርሕ ከም ዘሎን ፍሉይ መድረኽ ከም ዝተፈጥረን ዘረድኣና። ነዚ ክውንነት ብግቡእ ዝርድኡን ምስ’ዚ ክውንነት ንምምዕርራይ ካብ ዒላ ወጺኦም ኣብ ባሕሪ ክሕምብሱ ብልቢ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ተቓለስቲ ኢዮም ድማ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ማዕበል ከሐይልዎን ናብ ዓወት ከብጽሕዎን ዝኽእሉ።

 

እታ ካልአይቲ ሕቶ፡ ማዕበል ይኣክል ከም ነጥበ መቐይሮ ናይ ቃልሲ ክውሰድዶ ይኽእል ትብል ኢያ። ብሓጺሩ ካብ ዘመነ ስቕታን ምፍልላይን ናብ ዘመነ እምቢታን ሓድነትን ነምርሕ ስለ ዘለና መልሰይ እወ ኢዩ። ካብ’ተን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ክልተን መሰረታውያንን ሽግራትና ከገላግለና ዝኽእል ማዕበል ይፍጠር ኣሎ እንተ ተባህለ እውን ምግናን ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ስቕታናን ፍልልያትናን ኢዮም ከይንዕወት ሓኒቖም ሒዞምና ጸኒሖም ዝብል እምነት እንድሕሪ ደኣ ሃሊዩና ኮይኑ፡ ይኣክል ዝብል ብድሆ ተቐቢሎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ድምጾም ካብ ኣስምዑን ንሓቢርካ ምስራሕ ዘለዎም ድልዉነት ካብ ኣርኣዩን ኣብ ሓደ ነጥበ መቐይሮ ናይ ቃልሲ መድረኽ በጺሕና ከም ዘለና የረድኣና። እዚ ሓዲሽ መድረኽ ግን ናይ ባዕሉ ብድሆታት ሒዙ ክመጽእ ናይ ግድን ኢዩ። ክሳብ ሕጂ መብዝሕትኦም ንጥፈታትናን መልእኽትታትናን ናብ ምርዳእን ምልዕዓልን ህዝቢ ዘድሃቡ ኢዮም ነይሮም። ኣብ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ይኣክል ግዜን መድረኽን ግን ብዙሕ ህዝቢ ድሮ ተለዓዒሉ ስለ ዘሎ፡ ምስ ግዜ እንዳ ተጓዓዝና ኣካል ናይ’ዚ ምልዕዓል ብምኳን ብኸመይ ኢና ነዚ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ንወስዶ ኢልና ምሕሳብ ከድልየና ኢዩ። ነዚ ተለዓዒሉ ዘሎ ህዝቢ በብኹርንዑ እንዳ ወጠጥናን ነናብ ኣጉዶና ክኣቱ እንዳ ፈተንናን ነተን ዝማሰና ውድባትናን ማሕበራትናን ከነህጥርን ከነበራብርን ንሓስብ እንድሕሪ ደኣ ሃሊና ኮይና ግን ውጽኢቱ ዝያዳ ምፍልላይ ከስዕብ ስለ ዝኾነ መሰረታውን ንድሕሪት ዝጎትትን ዓቢ ጉድለት ከይንፍጽም ንጠንቀቕ እብል።

 

እታ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን ሕቶ፡ ሕጂኸ ናበይ ወይ ድማ እዚ ናይ ይኣክል ምልዕዓል ናበይ ገጹ ኢዩ ትብል ኢያ። ኣብ’ዚ ኣርእስቲ እዚ ነናይ ባዕልና ግምታት ክህልወና ይኽእል ኢዩ። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ሕቶ ግን እዚ ማዕበል ከይሃድእ፡ መሊሱ እኳ ደኣ ክሕይልን ክዕወትን ናይ ነፍሲ ወከፍና እጃም እንታይ ይኹን ክንብል ዘለና እመስለኒ። ብቐዳምነት እዚ ማዕበል እዚ ከም’ቶም ቅድሚ ሕጂ ውሱን ተራ ዝተጻወቱ ማዕበላትን ብሕጂ ክመጹ ንጽበዮምን አጋጣሚታትን ሸለል ክበሃል ዘይግበኦ ምዃኑ ክንኣምን ይግባእ። ብናተይ ርኢቶ እቲ ሕልፊ ሰቡ ዓቕምን ተመክሮን ዘለዎ ሰብ ካብ ሳንዱቑ ወጺኡ ብምሕሳብ፡ ነዞም ተፈጢሮም ዘለዉ ጸጋታት ብኸመይ ነመሓድሮም፡ ምስ’ዚ ዘለናዮ ግዜን ኩነታትን ዝሰማማዕ ሓሳብን ኣወዳድባን እንታይ ኢዩ፡ ብሕጂ ንኸጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታትን ምቅይያር ኩነታትን እንታይ ምድላዋት ንግበር ኢዩ ክብል ዘለዎ። እቲ በዓል ዓቕምን ተመክሮን ሽሕ ግዜ ብሉጽ ዓቕምን ተመክሮን ይሃልዎ ብዘየገድስ ሓንቲ ንጣር ቁልዒ ሓዊ፡ ባርዕ ፈጢራ ንሓደ ምሉእ ዱር በረኻ እንዳ ኣቃጸለቶ ከላ፡ ናይ ባዕሉ ሓዊ ከናኽስ ሒዅ እንተ በለ ግዚኡ ጥራይ ኢዩ ከቃጽል ዝኽእል። ነዚ ክውንነት እዚ ተረዲእና ኢና እምበኣር ንጡፋት ኣባላት ናይ’ዚ ይኣክል ዝብል ዘሎ ማዕበላዊ ሓይሊ ህዝቢ ክንከውን ክንጽዕር ዘለና። እዚ ክሳብ ሕጂ ፍኑው ኮይኑ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ይኣክል መጸዋዕታታትን ናይ ሓድነት ጠለባትን ናብ ሓደ ቅርጺ ዘለዎ ምንቅስቓስ ክሰጋገር እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ፡ ትጉህ ተሳታፍነት ናይ’ቶም ኣብ ቃልሲ ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ማዕበላዊ ናይ ይኣክል ሓይሊ ብነጻን ብዘይተጽዕኖን ብሓድሽ መንፈስን ብናህርን ኣብ መላእ ዓለም አስፋሕፊሑ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሱር ክሰድድ እንድሕሪ ደኣ ኮይኑ፡ ብመጀመርታ ይኣክላውያን ኣኣብ ከተምኦም ተራኺቦም ዝመስሎም ቅርጺ ክፈጥሩን መሪሕነት ክመርጹን ኣለዎም። ብምቕጻል፡ ብመንገዲ መሪሕነቶም ኣቢሎም ምስ ኩሎም እቶም ብሃገርን ዓለምን ዝወዳደቡ ዘለዉ ይኣክላውያን ርክባትን ምትእስሳራትን ብምፍጣር ሓደ ሱር ተከል መንቅስቓስ መስሪቶም ሱር ነቀል ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ። ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ክሳብ ሕጂ ከነሰላስሎም ዝጸናሕና መብዝሕትኦም ንጥፈታት ናብ ምልዕዓል ህዝቢ ዝቐንዑ እንድሕሪ ደኣ ነይሮም ኮይኖም፡ ካብ ሎሚ ንንየው እዚ ተለዓዒሉ ዘሎ ህዝቢ ብኸመይ ኢዩ ዋንነት ናይ ቃልሲ ዝስመዖን መሪሕ ተራ ዝጻወትን ኢልና ኢና ክንሓስብ ዘለና። ንኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ዘእተወ ቃልሲ ከነካይድን ክንዕወትን እንድሕሪ ደኣ ኮይና ድማ፡ 1) ኣብ ደገ ዘሎ ህዝብና ሓያል ህዝባዊ ናዕቢ ፈጢሩ ኣብ ምልጋስ ውልቀ ምልካዊ ስርዓትን ምርግጋእ መጻኢት ኤርትራን ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ይግባእ። ማዕረ ማዕረ እቲ ለውጢ ንምምጻእ ዝገብሮ ንጥፈታት፡ ህዝቢ ተኣኪቡን ዘትዩን ነቲ ኣብ ድሕሪ ምውዳቕ ህግደፍ ዝፍጠር መሰጋገሪ መንግስቲ ዝኸውን ንድፊ ስራሕን ቅርጽን ክሕዝ ይኽእል። ነዞም ዕማማት እዚኣቶም ከሰላስል እንድሕሪ ደኣ ክኢሉ ጥራይ ኢዩ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ጽባሕ ንግሆ ብውሑዳት ከይጭወ ክከላኸልን ህዝባዊ ቃልሲ ናብ ህዝባዊ መንግስቲ ከሰጋግርን ዝኽእል። 2) ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ተግበርቲ ሓይልታት ስዉር ስርርዓት ፈጢሮም ኣገደስቲ ስጉምትታት ክወስዱ ክኽእሉ ኣለዎም። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብመልክዕ ከም’ዚ ኣብ ደገ ዝግበር ዘሎ ኣወዳድባ፡ ህዝቢ ተኣኪቡ ለውጢ ከምጽእ ምጽባይ ምናልባት ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ኢዩ። ንኩነታትና መዚንና ብዝወሓደ ዋጋ ዝበለጸ ዓወት እነመዝግበሉ ስልቲ ኢና ከነማዕብል ዘለና። 3) ቆላሕታ ሕብረተሰብን መንግስታትን ዓለም ናብ ኤርትራ ከም ዝቐንዕ ምግባር ኢዩ። ኣብ መወዳእትኡ ብናይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘሎ ህዝብና ዝፍጠር ሓያል ህዝባዊ ናዕብን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝውሰዱ ወሰንቲ ስጉምትታትን ናይ ዓለም መንግስታት ደገፍን ኢዩ ገበል ዓዲ ሓሎ ዝዕሎ። ዕላማና ምዕላው ገበል ዓዲ ሓሎ ጥራይ ዘይኮነ ምምስራት ህዝባዊ መንግስቲ ስለ ዘጠቓልል፡ ህዝቢ ዘይውንኖ ቃልሲ ድማ ይትረፍ ህዝባዊ መንግስቲ ክተክል ክዕወት እውን ኣዚዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ድሮ ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ናይ ይኣክል ማዕበል ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ተጠቒምና ቃልስና ከነበራትዕን ውሑስ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኢድና ክንሕውስን ከምኡ ድማ ነዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል እንተስ ብሸለልትነት እንተስ ብስስዐ ከይንኸስሮን እላቦ።

 

ክንዕወት ኢና!

ቶማስ ሶሎሞን  

ሕቡራት መንግታት አመሪካ                                                     

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • ጎይትኦም ኢማም April 15, 2019

    ክቡር ሓው ቶማስ ሰሎሙን
    ነዛ ኣገዳሲት እዋናዊት ጽሕፍቲ ምቕራብካ ብጣዕሚ የመስግነካ፡ ብምሉእ ትሕዝቶኡ ከኣ ይሰማማዕ። ብወገነይ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ብዘሎዎ ዘርጊሔ ነይረ። እዘን ዝስዕባ ጽሑፋት ኣዳልየ ዘርጊሔ ነይረ። ነቲ ቀጺሉ ክግበር ዘሎዎ ንምምላስ ከም ፍታሕ ዝቐረበ እማመ ኢዩ።
    http://www.snitna.com/articles/Ewe-Yiakil-Kab-Yiakil-Ke-Nabey.php
    http://www.snitna.com/articles/ፍትሒ-መጽሔት-Nov-2018.pdf
    እወ፡ ካብ ህዝባዊ ምልዕዓል ናብ ህዝባዊ ጥርናፈ፡ እንሰጋገረሉ ዘሎና መድረኽ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣሎና። ቀጽሊሉ ካብ ህዝባዊ ጥርናፈ ናብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፥ ካብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ከኣ ናብ ዝለዓለ መድረኽ ህዝባዊ ማዕበል ይጸበየና ኣሎ በሃላይ ኢየ። ኣነ እስኻን፡ ነቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣብ ምጥርናፉን ናብ ህዝባዊ ማዕበል ደረጃ ክሰጋገር ክበቅዕ ኣብ ተመሳሳሊ መረዳእታ ክንበጽሕ ኣገዳሲ ይኸውን። ነዚ ጽሑፍ ብግቡእ ኣንቢብካ ወይ መታካእታ ከተምጽእ ወይ ከኣ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ብምምሕያሽ ሓቢርና ነቲ ሓሳባት ኣብ ህዝቢ ክንሸጦ ይዕድመካ። ብፍላይ፥ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ዲሲ ሰሚናር/ኮንፈረንስ ጉንበት 25 ከም ሓደ ኣማራጺ ከነቕርቦ ንኽእል። ናተይ ኢመይል ኣብ ፍትሒ መጽሄት ኣሎካ ክትረኽበኒ ፍቓደኛ እንተኮንካ። ስለ ጽሑፍካ እንደገና የመስግን።

  • ጊደዎን ሃብቶም April 16, 2019

    ብጣዕሚ ብሱልን እዋናውን ንኣብ ቅድሜና ዘለዉ ብድሆታትን መሰናኽላትን ናብ ዓወት ክንበጽሕ እንታይ ሜላን ጥንቃቐታትን ክንወስድ ከም ዝግብኣና ብንጹር ብምቕማጥካ ኣዝየ የመስግነካ ክቡር ሓወይ ቶማስ።

  • Alex Foto April 16, 2019

    EXCELLENT piece, Tomas!

  • Woldegabriel April 16, 2019

    An excellent forward thinking, but stay vigilant with the game-changer YEAKEL movement.

  • k.tewolde April 16, 2019

    “እዚ ብሃንደበት ዝመጸ ዝመስል ግን ግዚኡ ሓልዩ ደበኽ ዝበለ ህዝባዊ ምልዕዓል ይኣክል ደኣ ፍሉይነቱ እንታይ ኢዩ፧” quotable.Yes indeed,it is a phenomena which run its intended course.The writer is insightful,humble,eloquently communicates his view without projecting superiority to the reader,he articulates his concerns and prepares the mind to look beyond the inevitable discarding of the tyrant.>>”ንኩነታትና መዚንና ብዝወሓደ ዋጋ ዝበለጸ ዓወት እነመዝግበሉ ስልቲ ኢና ከነማዕብል ዘለና።” They might have inflicted a significant damage upon us over the years, however reading articles like this one from Thomas, we still possess a potent budding young generation that will carry the torch of the fallen and ignite the free,lawful and democratic Eritrean cauldron. I thank God for letting me hang around to witness this remarkable historical turning point.

  • John April 17, 2019

    Well articulated message

  • Melake April 28, 2019

    ዝኸበርካ ሓው ቶማስ ጽሕፍካ ኣዝዩ ሃናጽን ማሃርን እዩ እዋናዊ ብምኻኑ ድማ ተስፋ ንገብር ጽሕፍካ ኣብዚ ቃልሲ ጽብቅ ተራ ክጻውት። ኣብታ ሓንቲ ሕጽቦ ጽሕፍ ግና ብኸመይ እዩ ናይ ዓለም መንግስታት ደገፍ ብዘይ ምህላው ክፈርስ ዘይካእል ። እዘን ንርኤን ዘለና ጎራብብብትና ሃገራት ንዝነበር ጸገማት ብውሕስን ብዘይ ናይ ካላእ ምትእትታው ዘይኮናን ዝቅይራ ዘለዋ?

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply