Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) – 3ይ ክፋል

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ሕቶታት፡ ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦ ሀ) ናይ

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ሕቶታት፡

ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦

ሀ) ናይ መጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት?

ለ)ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ትፈትዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን ካብ ማዓስን ጀሚሩ?

ሐ)ብዛዕባ ዓድኻ/ኺ (ተወሊድካ/ኪ ዝዓበኻሉ/ዝዓበኽሉ ናይ መበቖል ዓዲ ወይ ናይ ከተማ ከባቢ) እሞ ሕሰብ/ቢ፡

–    ካብ 16 ክሳብ 40 ዓመት ዕድመ ከባቢ ዘለዉ መናእሰይ ደቂ ዓድኻ/ ክንደይ ይኾኑ?

–    ካብዚኣቶም፡ ክንደይ ዝኾኑ (ክንደይ ሚኢታዊት) ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ?

–    ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ትብሎም ዘለኻ/ ክንደይ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ?

 

ሳልሳይ ክፋል፡

ኣብ ካላኣይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡ ፍቅሪ/ፍትወት ሃገር ካብ ፍቅሪ/ፍትወት ቤትካን ማይቤትካን ገና ካብ እግሪ ተክሊ ከለኻ ከምዝጅምር፣ ማይቤቱ ዘይፈቱ ዓዱ ክፈቱ ከምዘይክእልን፡ ዓዱ ዘይፈቱ ካኣ ሃገሩ ክፈቱ ከምዘይክእልን ርኢና ነይርና። ብተወሳኺ፡ ቤተ-ሰባት ወይ ማይቤታት ብሓደ ጥርንፍ ኢለን ብሕግን ስርዓትን ትማሓደር ዓዲ ትባሃል ባህርያዊ ሰፈር ከምዝቑማን፡ ኩሉም ኣካላት እታ ዓዲ (ሓለውቲ እንስሳ (ጓሶት)፣ ሓለውቲ ገረብ፣ ሓላው መሬት (ዘራዓይ)፣ ባይቶ ዓዲ (ተሳተፍቲ ደቂ ዓዲ)፣ ጭቃ (ዳኛ) ዓዲ፣ ወ.ዘ.ተ.) ካኣ ንቐጻልነት ስሩዕ ማዓልታዊ ሂወት እታ ዓዲ ብናጻ ሕልናን ብቅንዕናን ኩሉ ዝካኣሎም ክገብሩ ከምዝጽዕቱን ኣብቲ ጽሑፍ ተገሊጹ ኣሎ።  መንነት ዓዲ ከም ፍሉይ መለለዪ ማሕበረ-ሰባዊ ባህሪ መልክዕን ቅርጽን ክሕዝ ዝጅምር ብከምዚ ዓይነት ዓዳዊ ማሕበረ-ሰባዊ ዝምድናታትን ንጥፈታትን ከምዝኾነ’ውን ብንጹር ኣብቲ ጽሑፍ ተቀሚጢ ኣሎ። ሕጽር ብዝበለ፡ “ኤርትራዊት ዓዲ”፡ ዘርኢ ኤርትራዊ መንነት ተዘሪኡ ዝብቕለላ፣ ዝሽውተላ፣ ኣኺሉ ዝፈርየላን ዝሕፈሰላን ፈራይት ከስዐ ምዃናን መሰረት ናይዚ ካኣ “መሬት” ምዃኑ፡ እቲ ጽሑፍ ኣስሚሩሉ ኣሎ።  “መሬት” ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝዝግራሕ ነዊሕ ዘይብተኽ ገመድ ኮይኑ፡ ዝምድናታትን መንነትን ማይቤታት ካብ ወላዲ ናብ ውሉድ እንዳተማሓላለፈ ከይተዳኸመ ከምዝቕጽል ዝገብር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መሰረትን መበቖልን ዜግነታዊ መንነት ምዃኑን መሬትን መንነትን ዝተተናነጉ ዘይብተኽ ገመድ ኮይኖም ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ጠሚሮም ሒዞሞ ንዘበናት ዝጸንሑ ምዃኖም’ውን ኣብቲ ካላኣይ ክፋል ብሰፊሑ ሰፊሩ ኣሎ። ካብዚ ቀጺልና፡ ብዛዕባ ማዓልታዊ ማሕበራዊ ሂወት ናይ ባህርያዊት ያታዊ ኤርትራዊት ዓዲ ከመይ ከምዝመስል ክንርኢ ኢና።

 

ጥዕና ዘለዋ ዓዲ፡ ካብ ገና ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዘሎ ዕሸል ጀሚርካ ክሳብ እቲ ዝዓበየ ናይ ዕድመ ባዓል/ቲ ጸጋ ዝኾነ/ት ኣቦ ወይ ኣደ ዝሓዘት ኮይና፡ ንቡር ናይ ማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ምንቕስቓስ ዝራኣየላ ባህርያዊት ሰፈር ኢያ። ነብሲ-ወከፍ ማዓልቲ፡ ሰቡን እንስስኡን ኣብ መመዛግቡ ደቂሱ ምስ ሓደረ፡ ደርሆ ቀዳማይ፣ ካላኣይን ሳልሳይን ምስ ነቀወ፡ የዕዋፍን’ውን ጭቕ ጭቕ ይብላ’ሞ፡ መሬት ወጊሑ ተባሂሉ ኩሉ ከካብ ምድቃሱ ይትንስእ። ሽዑ፡ ጸጥ ኢላ ዝሓደረት ዓዲ ናይ ሂወት ምንቅስቓስ ክራኣያ ይጅምር። ኣዴታት ተንስአን ክጥሕና፣ ክልንቅጣ፣ መጎጎ ኣጒደን እንጀራ ክስንክታ፣ ጸብሒ ከፍላሓን ካለኦት ናይ ገዛ ዋኒን ክዓያ ይጅምራ፤ ኣቦታት ኣቡዑር ሓሰር ከብልዑ ወይ ዓብዑር ርፍዶት ከራፍዱ ይጅምሩ፤ ጓሶት ከብቲ ኣለዳ ከውጽኡ ይጅምሩ፤ ኣዋልድን መርዑን ማይ ከምጻኣ ሩባ ምውራድ ይጅምራ፤ ርሑቕ ወፍሪ ወይ መገሻ ዘለዎ ካኣ፡ ኣንጊሁ ናብ ዋኒኑ ክግስግስ ይጅምር። ሃመም ሃመም ዝብል ናይ መጥሓን ድምጺ፣ ግደፍ ኣታ ብዕራይ ዝብል ናይ ኣብዑር ሓሰር ዘብልዕ፣ ቻ ቻ ዝብል ናይ ጅርባ ማይ ትወርድ፣ ነቓዊት ኣርሓን እምባሕ እምባሕ ዝብል ናይ ኣለዳ ዝወጻ ከብቲ ድምጺ፣ ወ.ዘ.ተ. ካብ ኩሉ ኩርናዓት እታ ዓዲ ክስማዕ ምስጀመረ፡ ዓዲ ንቡር ማዓልታዊ ናይ ሂወት ምንቅስቓስን ንጥፈታትን ከምዝጀመረት ነበርታ ይብሰሩ። ኣለዳ ወጺአን ዘርፈዳ ኣሓ/ከብቲ (ሓራሳትን ኣጥበውትን) ደቀን ደልየን እምባሕ እምባሕ እንዳበላ ንዓዲ ክምለሳ/ክኣትዋ ከለዋ፣ ኣብታይን ምራኩትን ካኣ ኣዴታተን ደልየን እምባሕ እምባሕ ክብላ ከለዋ፣ ጤለ-በጊዕ ማሓስኣተን ደልየን፡ ማሓስኣት ካኣ ኣዴታተን ደልየን እምቤእእ እምቤእእ ክብላ ከለዋ፣ ቆልዑ ካብ ምድቃሶም ተንሲኦም ብታሕጓስ (ጸባ ክሰትዩ ምዃኖም ስለዝፈልጡ) ከብትና መጺአን ኢሎም ኣብ ደንበ ክውጪጩ ከለዉ፣ ሓልባይ ጸባ ካኣ፡ ጓጉዱን ማሕለኽኡን ሒዙ፡ “ምራኽ ሰደለይ’ሞ ናዓ ካኣ መራኽ ሓዘለይ፡ ኢሉ ከድሂ ከሎን “ሸኾኽ ሸኾኽ” ዝብል ናይ ዝሕለብ ጸባ ድምጺ ክስማዕ ከሎ፣ ወ.ዘ.ተ. ኢዩ እታ ዓዲ ሂወትን ቀጻልነትን ዘለዎ ዓዲ ምዃና ዘሪአካ። እዚ ኩሉ ናይ ዝተፋላለየ ድምጽታት ሞዛይክ (ዋጭ ዋጭ)፡ መዝሙር ሂወትን ቀጻልነትን ናይታ ዓዲ ኢዩ። “ዋጭ ዋጭ ዝብሉ ቆልዑ ዘይብላ ቤተ-ሰብ/ማይቤት ወይ ዓዲ፡ ባዳሚት” ክባሃል ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ?

 

እታ ብኸምዚ ዝጀመረት ማዓልቲ ናይ ስርሕ ማዓልት እንተኮይና፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ዝተገለጸ፡ ኩሉ ነናብ ነታ ማዓልቲ ኢቲኣ ዝተመደበ ናይ ስራሕ ዕዮ (ከከም ኩነታቱ፡ ገለን ኣንጊሁ ገለን ኣራፊዱ) ይወፍር። ዓበይቲ ኣባላት ቤተ-ሰብ ናብ ሕርሻ ንጥፈታቶም፡ እቶም ዝናኣሱ ካኣ ናብ መጓሲኦም ይወፍሩ። ናይ ትምህርቲ ወቕቲ እንተኮይኑ ካኣ፡ ተማሃሮ ናብ ትምህርቶም ይኸዱ። እቶም ትምህርትን ሕርሻን ኣጣሚሮም ዝኸዱ ካኣ፡ ከከም እብረ ትምህርቶም፡ ማለት፡ ትምህርቶም ናይ ድሕሪ ቀትሪ እንተኾይኑ፡ ናይ ንግሆ ናብ ሕርሻ ወይ  ናብ መጓሰ ይኸዱ፤ ትምህርቶም ናይ ንግሆ እንተኾይኑ ካኣ፡ ናይ ንግሆ ተማሂሮም ናይ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሕርሻ ወይ ናብ መጓሰ ይኸዱ። ዝጠቡ ቆልዓ፡ ኣዲኡ ሓዚላቶ ናብ ሕርሻ ትወፍር፤ እቶም ዕድሚኦም ንትምህርትን ንመጓሰን ዘይበጽሑ ካኣ ምስ ዓዲ ዝዋዓሉ ኣረጋውያንን ምስ ንስራሕ ዘይወፍራ መርዑን ኣብ ገዛ/ዓዲ ይውዕሉ። መርዓት ናይ ገዛ ስራሕን ምናባት ካኣ ኣብ ገደና ዝዕየ እንተሎ እንተዝይኮይኑ፡ ንበረኻ ወፊራ ኣይታዓይን ኢያ። ስለዝኾነ፡ ስድርኦም ንበረካ ዝወፈሩ ቆልዑ፡ ምሰሐሙን ጣዕመቶምን ሒዞም ናብ ኣብ እንዳ ጎረቤት ወይ’ውን ኣብ ዓዲ ዘላ መርዓት ከይዶም፡ ስድረኦም ካብ ስራሕ ክሳብ ዝምለሱ ምስኣ ይውዕሉ። ምስ መዘነኦም ኣብቲ ደንበ እንዳ እታ ተጽንሕ ዘላ መርዓት ክጻወቱ ካኣ ይውዕሉ [መውዓሊ ህጽናት ብዘይ ክፍሊት ዝዓይነቱ]። መቸስ፡ “ቆልዓ ዓዲ ኢዩ ዘዕብዮ” ክባሃል ሰሚዕኹም ትኾኑ (It takes a village to raise a child”። ቆልዓ፡ ኣብ ዓዲ ምስ መን ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ምስ ስድርኡ ከምዘሎ ኢዩ ዝቑጸር። እቱይ ምንታይሲ፡ ኩሉ ኣባል ወዲ ዓዲ ወይ ኣባል ሕብረተ-ሰብ፡ ከም ውላዱ ገይሩ ስለዝከናኸኖ። ብግብሪ ቕልዓ ናይ ዓዲ ኢዩ’ውን እኮ። ብኸመይ ትብሉ ትኾኑ? ብኸመይ ዝብል ለባም ካኣ ንብለኩም።

 

ቆልዓ ናይ ሓደ ዓዲ ሂወት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ተተካኢ ወለዶ ኮይኑ ንቐጻልነት እታ ዓዲ ዘረጋግጽ’ውን ኢዩ።  ከምኡ ስለዝኾነ’ውን ኢዩ፡ ገና ዕሸል ኮይኑ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ፡ እቲ ዓዲ ምውላዱ ብሃንቐውታ ዝጽበዮ። ምስተወለደ ካኣ፤ ኩሉ ዓዲ ብሓጎስ ይቕበሎ። ዓዲ፡ ንኣደ ብጽሕቲ-ወርሒ ኮይና ኢያ እንዳበል ክጽበ ምስጸንሐ፡ ሕርሳ ምስበጽሐ፡ የሕረስቲ ተጸዊዐን የሕርሳኣ፤ ምስ ተጋላገለት ካኣ፡ ምግልጋላ (ብሰላም ምሕራሳ) ንዓዲ ካብ ሓደ ጊዜ ንላዕሊ ዕልል ብምባል የብስራ።  ዓዲ ካኣ ዕልል ምስ ሰምዐ፡ ኣብ እንዳ እገሌ/ኩስቶ (ሽም ናይታ ቤተ-ሰብ እንዳጸወዐ) ዕልል ይባሃል ኣሎ፡ እገሌ/ኩስቶ (ሽም ናይታ ሓራስ እንዳጸውዐ) ወይ ባዓልቲ-ቤት (ሰብይቲ) እገሌ/ኩስቶ (ሽም ናይ ባዓል-ቤታ እንዳጸወዐ) ተጋላጊላ (ሓሪሳ) ማለት ኢዩ ኢሉ፡ “እንኳዕ ማሪያም ማሓራኣ” (ኣብ ናይ ክርስትያን ዓዲ እንተኮይኑ) ይብል። ጓል ወይ ወዲ ምግልጋላ ካኣ፡ በቲ ቁጽሪ ናይቲ ዕልል ክፍለጥ ይካኣል [ወዲ እንተኾይኑ 7 ጊዜ፡ ጓል እንተኾይና ካኣ 3 ጊዜ ይዕለል]። ስለምንታይ ቁጽሪ ዕልል ተፈላልዩ ንብል ንኸውን፤ መልሲ ይህልዎ’ውን ይኸውን። ንሱ ገዲፍና ግን፡ እቲ ፍልልይ፡ ናይ ወድን ጓልን መፍለዪ (ወዲ/ጓል ተወሊዱ/ዳ ኣሎ/ላ ኢልካ ንምብሳር) ገርና እንተወሲድናዮ፡ ጽቡቕ ያታዊ ምህዞ ቀዳሞት ወለድና ኢዩ ክብል ይደፍር። በዚ ኣቢሎም ካኣ፡ ሓዱሽ ቆልዓ ኣብቲ ዓዲ ምምጽኡ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ወዲ ወይ ጓል ምዃኑ/ና እውን ይፈልጡ ማለት ኢዩ።

 

ቆልዓ ተወሊዱ ሳልስቲ ምስገበረ፡ ኣብቲ ዓዲ “ጥጥቖ-ሓራስ” ኢዩ ዝዕደል። ዓበይቲ ኣዋልድን ኣንስትን፡ ገዛ ገዛ እንዳ ዘራ፡ ንኹለን ዝወለዳ (ወሊደን ንዝፈልጣ) ኣዴታት ሓንቲ ሓንቲ ማንካ (ዕሙቕ ዝበለ ኢደ-በይዛ) ጥጥቖ-ሓራስ ንነብሲ-ወከፈን ይዕድላ። ማንታ ወሊዳ ንእትፈልጥ ኣደ ግን ክልተ ማንካ ጥጥቖ-ሓራስ ኢዩ ዝዕደላ። ከምኡ’ውን፡ እንዳ ጭቃ ዓዲ እንዳ ጋሻ ኢዩ ስለዝባሃል፡ ንባዓልቲ ቤት (ሰይቲ) ጭቃ ዓዲ፡ ክልተ ማንካ ኢዩ ይዕደላ። መሸላን ዓተርን ዝተሓወሰ ጥራሕ ኢዩ ካኣ ንጥጥቖ-ሓራስ ዝኸውን። ኣብ መበል ሻውዓይ ማዓልቲ ካኣ “ገለብ” ይግበር። ማሓዙት ወይ ኣዝማድን ጎረባብትን ናይታ ሓራስ ተኣኪበን፡ ናይታ ሓራስ ክዳውንቲ (ወጮ)፡ ሩባ ወሪደን ያሓጽባላ። “ሰተ-ሰምሃል ጨንያ መንገዲ፡ ኣደይ ማሪያም በዚ ሓሊፈን ግዲ” እለን እንዳ ደረፋ፡ ሩባ ይወርዳ፤ እንዳ ደረፋ ይሓጽባ፤ እንዳ ደረፋ ካኣ ንገዛ ይምለሳ። እዚ ብጣዕሚ ኣገዳስን ጠቃምን ልምዲ ኢዩ። ሓራስ፡ ድሕሪ ዓስርተ ክልተ ማዓልታ ኢያ ካብ ንእዲ ትወርድ፤ ንመጀመሪያ ጊዜ ክትወርድ ከላ ካኣ፡ ኣንስቲ ዝተፈለየ ቆጽሊ ኣንዲደን የስግራኣ ኢየን። ስለዝኾነ፡ ሓራስ ክሳብ ትተርር መግቢ ምስራሕ ዝተሓጋግዛኣ’ውን ኣለዋ። ሓራስ ክትበጽሕ እንተ ከድካ ካኣ፡ “ጥዕይቲ ሓራስ ዲኺ? ናጽላ ከ ከመይ ኣሎ/ላ? ጽቡቕ፡ በሊ እንዃዕ ማሪያም ማሓራኺ” ኢልካ ጽቡቕ ድልየትካ ትገልጽ፡ ጋዓት ሓራስ በሊዕካ ካኣ ትምለስ። ካብዚ ክንርደኦ ንኽእል ነገር እንተሎ፡ ሕብረተ-ሰብና ንነብሰ-ጾር፣ ንሓራስን ንህጻንን ዘሎዎ ኣኽብሮትን ሓልዮትን ማዕረ ክንደይ ዓሚቕ ምዃኑ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ‘ኣደ’ ወላዲት ተካኢ ወሎዶ ምዃና፡ ኤርትራዊት ያታዊ ዓዲ ብዝግባእ ትግንዘብ ምዃና’ውን፡ ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

 

ቀጺሉ ንሓዱሽ ዝተወለደ ህጻን ዝምልከት ዕማም (ንጥፈት) ዝመጽእ፡ ጥምቀት ቆልዓ ኢዩ። ወለዲ፡ ቅድሚ ማዓልቲ ጥምቀት ምብጽሑ (ብናይ ተዋህዶ እምነት፡ 40 ማዓልቲ ንወዲ፡ 80 ማዓልቲ ካኣ ንጓል)፡ ነቲ ህጻን “ኣባሊገ” ዝከውን ሰብ ኢዮም ዝመርጹ/ዘናድዩ። ኣብ ማዓልቲ ጥምቀት ካኣ፡ ሓራስ ተቖኒናን ተሓኒና፡ ንጥምቀት ዝኸውን ክዳውንቲ ለቢሳን ድሕሪ ሕርሳ ንመጀመሪያ ጊዜ ካብ ገዛ ወጺኣ (ሓራስ ን40 ማዓልታት ድሕሪ ሕርሳ ካብ ገዛ ኣይትወጽእን ኢያ)፡ ብቤተ-ሰብን ማሓዙትን ተስንያ ናብ ቤተክርስትያን ከይዳ ቆልዓዓ ተጠምቕ። አጠመቕቲ ንጥምቀት ዝኸውን ዝቑነኖኦ ቁኖን ዝኽደኖኦ ክዳውንትን ፍላይ ዝበለ ኢዩ። ከቀድሳ ካኣ ኣለወን። ናይ ቤተክርስትያን ስርዓተ-ቅዳሴ ምስተገብረ፡ ቀሺ ነቲ ህጻን ሽም ድሕሪ ምሃብ (ምውጻእ) ብማይ ብማሕጻብ የጠምቆ’ሞ፡ ንኣባሊገ የሕቑፎ። ኣባሊገ ካኣ ነቲ ህጻን ኣብ ሓዱሽ ሸጎማነ ገይሩ ካብቲ ቀሺ ተቐቢሉ ብምሕቛፍ፡ ከም ውላደይ ገይረ ክከናኸኖን ከዕብዮን ኢየ ኢሉ ሓልፍነት ይቕበልን ኣብ ቅድሚ እግዛኣበሐር ቃል ያኣቱን። ብልግነት፡ እቲ ቆልዓ ምናልባት ኣቦን ኣደን እንተሳኣነ (ስድርኡ እንተመትዎ፣ ክኣልይዎ እንተዘይካኣሉ፣ ወ.ዘ.ተ.)፡ ዘዕብዮ መታን ከይስእን ተባሂሉ፡ ዝተፈጥረ ጥበብ ኢዩ ዶ ክንብል ንኽእል? ሃይማነታዊ መብቆሉን ምትእስሳሩን ከ ድርኺት ረኺቡ ሰብ ከይጠለመ መታን ከተግብሮ ተባሂሉ ዝተገብረ ዶ ኾን ይኸውን? ኣንበብቲ እንታይ ትብሉ? እቱይ ይኹን እቱይ ግን፡ ብልግነት ኣገዳሲ ዝኾነ ትርጉምን ረብሓን ንሕብረተ-ሰብ ኣለዎ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ሂወት ብቡዙሕ ኣጋጣሚታት (ሕማቅን ጽቡቕን) ዝተኸበት ስለዝኾነት፡ ምናልባት ወለዲ ሕማቕ እንተኣጋጠሞም፡ ቆልዑ ካለኦት ወለዲ ብምርካብ፡ ውሕስነት ብዘለዎ መንገዲ ክዓብዩን ኣፍረይቲ ዜጋታት ክኾኑን ዘኽእል ጥበብ ኢዩ። ስነስርዓት ጥምቀት ኣብ ቤተክርስትያን ምስተወደአ፡ ውራይ ጥምቀት ኣብ ገዛ ኢዩ ዝቕጽል። ዕዱማት ደቂ ዓዲ፣ ኣጋይሽን ቤተ-ሰብን፡ ዝተቐረበሎም ሽሻይ ክበልዑን ክሰትዩን ይውዕሉ። ዝኾነ ዕዱም፡ በሊዑን ሰትዩን ክወጽእ እንከሎ ካኣ፡ “እዚ/ዛ ቆልዓ ስድርኡ/ኣ ዝዓቁር/ትዓቁር ይግበሮ/ራ እንዳበለ መሪቑ ነናብ ዝመጾ ይምለስ። እዚ ካኣ፡ ቆልዓ ዓብዩ ንወልዱ ዝትክእ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሓብሓብን ዓቛርን መንነትን ክብርን ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምዃኑ’ውን ኢዩ ዘርእየና። ሕብረተ-ሰብ እንተኾነ’ውን ብኸምኡ ከምዝጥምቶ ኢና ንርዳእ።

 

ቆልዓ፡ ሓደ ዓመት ዕድመ ምዝገበረ፡ ኣዴታት ቅጫ ሰንኪተን ኣብዝባኑ ገይረን ይቖርሳሉ/ላ። ብከብዱ ምንፍሓኽ ዝጀመረ ምንቅስቓስ፡ ናብ በርባዕተ ማሓውሩ በጠበጥ ምኻድ ተሳጊሩ፡ እግሪ ተኪሉ ብኽልተ እግሩ ምኻድ ምስካኣለ፡ ቆልዓ ናብ ደንበ ባዕሉ ከውጽእ ይጅምር። ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ’ውን ናብ ጎዱፍ ብምውጻእ፡ ኣብኡ ምስ ከምኡ (መሳትኡ) ቆልዑ ክጻወት ይጅምር። ጎዱፍ፡ ንሓደ ቆልዓ ዓባይ ዓለም ኢያ። ምስ መዘንኡን ካለኦት ቆልዑን ዝረኸበላን፡ “ህድሞይ ህድሞካ፣ ገዝይ ገዝኻ፣ ናተይ ናትካን ካልኦት ብዙሓት ናይ ቆልዑ ጸወታታ ዝጻወተላን፡ መሰረታዊ ማሕበረ-ሰባዊ ክእለታትን (Social Skills) ወግዕታትን ዝማሃረላ ባህርያዊት ስፍራ ኢያ። “ግደፎም፡ ጎዱፎም ክዓርቆም ኢዩ” ወይ’ውን “ቆልዑ እንተተባኣሱ፡ ጎዱፎም ያዓርቆም” ኢሎም ዓበይቲ ዓዲ ክዛረቡ ሰሚዕኩም ዶ ትፈልጡ? ጎዱፍ፡ ንቆልዑ ኩሉ ኢያ – ዝጻወቱላ፣ ዝማሃሩላ፣ ዝባኣሱላን ዝታዓረቑላን ባህርያዊት ሰፈር ኢያ። ስለዝኾነ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ቆልዑ ተባኢሶም ኢሎም እዶም ኣየእትዉን ኢዮም። “ኣቱም ቆልዑ፡ ኣይትታዓለቁ፡ ስቕ ኢልኩም ተጻወቱ” ጥራሕ ኢዮም ዝብልዎም። ቆልዓ ብኸምዚ ሓሊፉ፡ 4-5 ዓመት ዕድመ ምስ በጽሐ ካኣ፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ዝተገለጸ፡ መጓሰ ይጅምር። መጓሰ’ውን ካብ ጎዱፍ ቀጺላ፡ ንቆልዑን ንጓሶትን ዓዲ ተራኽብ ማሕበረ-ሰባዊ ክፍሊ ዕዮ ኢያ። ጓሶትን መናእሰይን ዓዲ፡ ኣብ መጓሰ ዝማሃርዎም መሰረታውያን ማሕበረ-ሰባዊ ትምህርትን ክእለታትን ብዙሓት ኢዮም። ናይ ዝጓስይወን ጥሪታት ድሕነትን ክንክንን ሓልፍነት ምውሳድ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከመይ ገይሮም ምስ ካልኦት ጓሶት ሓቢሮም ብስምምዕ ከምብሮም ዘኽእል ጥበብን ክእለትን ናይ ምምሃር ግዴታ’ውን ኣለዎም። ጥሪታት ናብ ሩባ ማይ ክሰትያ ምስ ወረዳ ይኹን፡ ሓቢረን ኣብ ሓደ ኣከባቢ ሳዕሪ እንዳ በልዓ፡ ጓሶት ሓብሮም ንኽጻወቱ ዕድል ይረኽቡ። ብዙሓት ዓይነታት ናይ ጓሶት ናይ ሓባር ጸወታት ኣለዋ። ከም ኣብነት፡ ሻዂ፣ ተወሰጥ፣ ኖር፣ ያህለለ፣ ቃርሳ፣ ቡሻ፣ ሓንዳይ፣ ጠለይ ጠለይ፣ ህውለለ፣ ቅልስ፣ ያላኻ፣ ሕንቅል ሕንቅሊተይ፣ እንካ ኣዝግነኒ፣ ወ.ዘ.ተ. ንምጥቃስ ይካኣል። እዚኣቶም፡ ውድድር፣ ምትሕብባርን ሓቢርካ ናይ ምንባርን ማሕበረ-ሰባዊ ክእለታት ዝምህሩ ኣገደስቲ ናይ ዓዲ ንጥፈታት ኢዮም። ኩለን እተን ጸወታት፡ ብጉጅለ ጉጅለ ተሰሪዕካ ምጽዋት ስለዝሓታ፡ ጓሶት፡ ናይ ምምኻር፣ ስምምዓትን ውዕላትን ምእታውን ምኽባርን፣ መራሕን ተመራሕን ምዃን ምኽኣል፣ ምውሳን፣ ብሓቂ ምፍራድ፣ ምርድዳእ፣ ዘዕውት ስትራተጂ ምሕንጻጽን፡ ዝተሓንጸጸ ምትግባርን፣ ወ.ዘ.ተ. ክእለታት ዝማሃሩለን ናይ ሓባር ጸወታት ኢየን። ስለዝኮነ፡ መጓሰ፡ “ሓቂ፣ ፍትሒ፣ ዓመጽ፣ ዕብለላ፣ ወ.ዘ.ተ.” ዝብላ ኣምራት፡ መናእሰይን ጓሶትን ዓዲ እንታይ ምዃነን ዝማሃሩሉ ማሕበረ-ሰባዊ መራኸቢ ባይታ ኢዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ ኣይኮነን።

 

እቲ/ታ ቆልዓ ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዓብዩ/ያ ምስ ጎበዘ/ዘት፡ ይሕጸ/ትሕጸ። እቲ ናይ ሕጸ ስነስርዓት ካኣ ብኸምቲ ኣብ ካላኣይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ እዚ ተገሊጹ ዘሎ፡ ብማይቤት ኢዩ ዝግበር። ኣቦ ወዲ፡ ንወደይ ክትኸውን ትክእል ኢያ ኢሉ ዝሓስባ ጓል ምስረኸበ፡ ብመንጎኛ ሰብ ገይሩ ኩነታታ የጣይቕ’ሞ፡ ዘይተዋህበት እንተኾይና፡ ነቲ ሞንጎኛ ሰብ ንወለዳ ሕተተለይ ይብሎ። እቲ ሞንጎኛ ሰብ፡ ኩሉ ምስ ኣጣለለ፡ እቲ መልሲ ሕራይ እንተኾይኑ፡ ንኽልቲኦም ቤተ-ሰብ/ወለዲ (ንእንዳ ወድን ንእንዳ ጓልን) ንምርኻብ ቆጸራ ከምዝታሓዝ ይገብር። ኣብ ቆጸራ ማዓልቲ፡ ኣቦ ወዲ ምስ ለባማት ዓበይቲ (ኣባላት ማይቤቱ) ኮይኑ፡ ጓልኩም ንወደይ ሃቡኒ ኢሉ ክሓትት ናብ እንዳ ጓል ይኸይድ።  ኣቦ ጓል ካኣ ምስ ለባማት ኣባላት ማይቤቱ ኮይኑ ኣጋይሹ ይቕበል። እንዳ ወዲ ኣብ እንዳ ጓል ምስ በጽሑ፡ ከማዓልኹም ኣቱም እንዳ ኣይተ እገሌ ምስበሉ፡ ኣቦ ጓል ካኣ “ከማኣልኩም”፡ እተዉ ገዛ ኢሉ ናብቲ ዝተዳለዎሎም ገዛ የትዎም’ሞ ከፍ በሉ ይብሎም። እንዳ ወዲ ካኣ፡ “ኣይፋልናን ናብኹም ዘምጻኣና ጉዳይ ኣለና፡ መጀመሪያ እቲ ዘምጻኣና ጉዳይ ክንገብር” ብምባል ደው ምባሎም ይቕጽሉ። ድሮ ኮፍ ኢሎም ዝጸንሑ ናይ እንዳ ጓል ዓበይቲ ኣባላት ማይቤት፡ “ጉጅም ጉጅም ኢሎም ድሕሪ ምምኻሮም”፡ ሓድ ካብኣቶም ሕራይ በሉ ተዛረቡ ክንሰምዓኩም ይብሎም። ድሕሪ እዚ፡ ሓደ ካብቶም እንዳ ወዲ፡ “እምባ ክትኾኑና መጸግዒ፡ ጎልጎል ክትኮኑና መሳፍሒ፡ ጓልኩም ንወድና ክትህቡና ኢና ናብኩም ኩቡራት ዓጽሚ መጺእና” ብምባል ጠለቦም የቕርቡ። ወዮ ገና ብሳልሳይ ሰብ (መማጺኢ) ተወዲኡ ስለዝጸንሕ፡ “ካባኩም ሓሊፍና ንመን ክንህባ ደሊና፡ ሂብናኩም ኣለና” ሕጂ ኮፍ በሉ ክብሉ እንዳ ጓል ምስመለሱ፡ እንዳ ወዲ ኣብ ዝተዳለዎሎም ቦታ ከፍ ይብሉ። እንዳ ወዲ ሒጀሞ ዝመጹ ናይ ሕጸ ክዳንትን ወርቂ ሰቚርን ታሓናቂትን ንእንዳ ጓል ድሕሪ ምርካቦም፡ ዝተረፉ ናይ ሕጸ ስነስርዓታት ይቕጽሉ። ናይ ሕጸ ጊዜ (ሕጹያት ታሓጽዮም ዝጸንሑሉ ዓመታት) ከከም ኩነታቱ ክነውሕን ክሓጽርን ይኽእል ኢዩ። ሓጸረ ነውሐ ግን፡ ድሕሪ ሕጸ፡ መርዓ ኢዩ ዝቕጽል።

 

መብዛሕትኡ መርዓ፡ ቀውዒ ተወዲኡ ኣዝርእቲ ምስተጠርነፈ፡ ኣብ ጊዜ ወርሒ ጥሪ ኢዩ ዝግበር። ክልተ ወልዲ፡ ኣቐዲምሞ መርዓ ንግበር ኢሎም ምስተሰማምዑ፡ ማዓልቲ መርዓ ይቛጸሩ። መርዓ ናይ ዓዲ ውራይ ስለዝኾነ፡ ዘመርዑ ሰብ ኣቐዲሙ ኢዩ ንዓዲ ነዚ ማዓልቲ እዚ (ወርሕን ዕለትን ብምጥቃስ) መርዓ ተቛጺረ ኣለኹ ኢሉ ዝነግር/ዝሕብር። መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ዓዲ ንቕዱስ ዮውሓንስ ወይ’ውን ንመስቀል ከተኽብር ምስተኣከበት ኢዮም ንመጽእ ጥሪ ከምርዕዉ ዝተቛጸሩ ቤተ-ሰባት፡ ናይ መርዓ ማዓልቶም ዝእውጁ። ካለኦት ከመርዕዉ መደብ ዘለዎም እንተለዉ፡ እተን ዝተታሕዛ ማዓልታት ፈሊጦም፡ ኣብዘይተታሕዛ ማዓልታት ይሕዙ። ምጽቃጥ/ምድራብ መርዓ ብዓዲ (ብሕልፊ እታ ዓዲ ንእሽተይ እንተኮይና) ቁቡል ኣይኮነን። ንመርዓ ዘገልግሉ ኣቁሑት (ፊስቶታት/ቦጣት/ኣጋንእ፣ ንዳስ መርሒ ዘገልግሉ ናውቲ (ባላታት፣ ወርወራት)፣ መናብር፣ ናይ መሳተዪ ኣቑሑት (ዝክናታት/ሸለኮታት፣ ምለሊኻት፣ ወ.ዘ.ተ.)፣ ናይ ጸብሒ ናውቲ (ጻሕልታት)፣ ወ.ዘ.ተ.) ናይ ዓዲ ስለዝኾኑ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ማዓልቲ መርዓ ዝሓበረ ቤተ-ሰብ ኢዮም ዝዋሃቡ። ማዓልቲ መርዓ ንዝጸቀጠ/ንዝደረበ ባዓል ውራይ፡ ንመርዓ ዘገልግሉ ኣቕሑት ኣይዋሃብውን ኢዮም። ብተወሳኺ፡ መርዓ ናይ ዓዲ ውራይ ስለዝኾነ፡ ኩሎም ንመርዓ ዘድልዩ ንጥፈታት ብደቂ ዓዲ ኢዮም ዝግበሩ። ምድራብ መርዓ፡ ናይ ጉልበት ሰብ ምክፍፋል ስለዝፈጥር’ውን፡ ዓዲ ኣይትድግፎን ኢያ። ንኣብነት፡ ንመርዓ ዘድሊ ዕንጨቲ፡ ብወፈራ ዓዲ ኢዩ ዝእከብ፤ ምጥሓን እክሊ (ጣሓኒት እኽሊ ኣብዘነበረትሉ ጊዜ/ዘበን)፣ ምልዕጣጥ፣ ምስንካት መጽፋእትን መጠቃን፣ ምልዋስ ቢሒቕ እንጀራን ምጽማቕ ስዋን፡ ናይ ኣንስቲ ዓዲ ስራሓት ኢዮም፤ ምስራሕ ዳስ (ምምጻእ ባላታት፣ ወርወራት፣ ቆጽሊ ዳስ፣ ወ.ዘ.ተ. ወሲኹ) ናይ ሰብኡትን መንእሰያትን ዓዲ ሓላፍነት ኢዩ፤ ማይ ምውራድ ናይ ቆልዑ ዓዲ ስራሕ ኢዩ። ኣብቲ ዕለተ መርዓ’ውን፡ ንኹሉ ንጥፈታት መርዓ (ሽም ዳስ፣ ተቀበልቲ ኣጋይሽ፣ ማኣዲ እንጀራ ዝሰርዑን ዘቕርቡን፣ ጸብሒ ዘቕርቡን ዝጸብሑን፣ ስዋ ዝቐድሑን ስዋ ዝዕድሉን፣ ማይ ዘሕጽቡ፣ ወ.ዘ.ተ.) ተካይዶ እታ ዓዲ ኢያ።  ሕጽር ብዝበለ ኣባሃህላ፡ እቲ ባዓል ጉዳይ፡ ዋና ጥራሕ ኢዩ ዝኸውን። ነቲ ጉዳይ/ውራይ ተካይዶ እታ ዓዲ ኢያ። ነብሲ-ወከፍ ወዲ ዓዲ ካኣ፡ ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ፡ ነናቱ ኣበርክቶን ስራሕን ኣለዎ።

 

ማዓልቲ መርዓ ሓደ ሰሙን ምስተረፎ ዝግበር፡ “ምቕንጣጥ” ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ባህላዊ ወግዒ/ልምዲ ኣሎ። እታ ትምርዖ ሕጽይቲ ትሽብለል (ፍርይ ፍርይ ኣቢለን ይቖናኣ)፡ ሽንፋእ ካኣ ይእሰረላ’ሞ ምስይ ምስበለ፡ ማሓዙታ (ሳናዱኣ) ተኣኪበን፡ ሓንቲ እንጀራን ሓንቲ ሃንዛን ዝሓዘት ሞሶብ ኣብ ርእሳ ኣስኪመን ከቢበናኣ ናብቲ እንዳሓሙኣ ዝመጽሉ ሸነክ “ኣዳነየ ሰለፈን ብሩረን፡ ከዳ ከዳ ንማይ ከይወዳ” ኢለን እንዳደረፋ ሕጀናኣ ይኸዳ። ካብቲ ዓዲ ቁሩብ ውጽእ ኢለን ካኣ፡ ነቲ መርዓዊ (ክምርዓዋ ዝዳሊ ዘሎ)ዝጸርፉ ደርፍታት ክደርፋ የምስያ። ገለ ካብቶም ጸርፋታት (ብዙሓት ኢዮም)፡ “ኣብቲ ጎቦ ጎቦ ዝብኢ እንተነቆወ፡ ወዮ ዓምቦርቦራ መጎጎይ ሰበራ፣ ኣብ ኣደለ ዓተረ ተሰቂላ ምሳረ፡ ሳኣን ዘውርደሉ ኣውያት ተኸለሉ፤ ኣብታ ዓባይ ዳዕሮ ሰቒለያ ምሳርየ፡ ናዓ እንዶ ኣውርዳ እገሌየ (ክስቶየ) ዓንጃልየ፣ ዘለምባይ ኣንታ ዘለምባየ፡ ጠለቃ ዘውጽእ ብልዛየ፣ ሒጢቡየ ሒጢቡ እገሌየ/ኩስቶየ ሒጢቡ፡ ኣብ ምሰ ደይቡ ሓራስ ኣድጊ ዝጠቡ፣ ወ.ዘ.ተ.”  ምጥቃስ ይካኣል። ነታ ሓማታ’ውን ብዙሕ ጸርፍታት ይጸርፋኣ ኢየን። ንኣብነት፡ “ኣደይ እገሌ/ኩስቶ (ብሽማ እንዳጸዋዓ) ሰለስተ ገዘአን፡ እቲ ሓደ እንዳ ውሽመአን፣ እንዳ ኣደይ እገሌ/ኩስቶ ሓዊ ደልየ እንተ ከድኩስ፡ ሕምቡቡ ሽምቡቡ ዝብል ቆለ ኣለወንየ፣ ወ.ዘ.ተ.” እንዳበላ ይጸርፋኣ። ዳሓር፡ ነታ ማእከል ሃንዛን እንጀራን ቦጒለን ነታ ትምርዖ ይህባኣ’ሞ እንደግና ነታ ሞሶብ ኣስኪመን ክቢብናኣ “ኣርሕዋልና እቲ ኣፍደገ፡ እንዳ ሳንዳይ ከይንጋገ” ኢለን እንዳደረፋ ናብ ገዛኣ ይመልስኣ። ኣብ መንጎ፡ ኣወዳት ጎርዞ-ጒላ ነቲ ሃንዛ ንምሕዳግ ነታ ሞሶብ ብሓይሊ ክምጥልወን ይፍትኑ ኢዮም። ድሕሪ ናብ ገዛኣ ምምላሰን፡ ናይ ኣዋልድን ናይ ኣወዳትን ሃንዛታት (ኣደ ሃንዛታት ሰንኪታ ተዳሉ ኢያ) ነንበይኑ ተቖሪሱ ንኩሉ ይዕደል። ተሳተፍቲ ሃንዘኦም ምስበልዑ፡ ናይ ምቕንጣጥ ጓይላ ይጀመር’ሞ፡ ክጻወቱ የምስይን ይሓድሩን። እታ ትምርዖ ጓል ካኣ ብኸምዚ ኣገባብ “ተቐንጢጣ” ምሕራም ትጅምር። ኣብ ሰሙን ምቕንጣጣ ካኣ ዕለተ-መርዓዓ ይኸውን።

 

ድሮ ማዓልቲ መርዓ፡ ዓርኪ-ሕልፎት ካብ እንዳ ወዲ ሕድሮ ናብ እንዳ ጓል ምስይ ምስበለ ይመጹ። መቸስ፡ ንዓርኪ-ሕልፎት፡ ከበሮ ጽቡቕ ዝሃርሙ፣ ንፋዓት ሳዕሳዕቲ፣ ንፉዓት ተጻወትን ስነስርዓት ዘለዎምን ኣጓብዝ ተመሪጾም ኢዮም ዝላኣኹ። ኣቦ ወዲ ኣጸብቑኒ ኢሉ ሓደራ ኣስኪሙ ኢዩ ዝሰዶም። ንሳቶም’ውን እቲ ጉዳይ/ውራይ ውራዮም፡ ውራይ ዓዲ ምዃኑ ስለዝርደኦም፡ ብተገዳስነት ኩሉ ዝካኣሎም ንምግባር፡ ከበሮታቶም ብምሕንጋጥ ጭራ-ዋጣ (ዋጣ) ወይ’ውን ክራር ዝጻወት ኣኸቲሎም ናብ ዓዲ እንዳ ጓል ይጕዓዙ’ሞ ኣብቲ ዓዲ ምስበጽሑ፡ ከብሮ ትሪም ትሪም ከብሉ ይጅምሩ። እቲ ናይ ከበሮ ትሪም ትሪም፡ መጺና ኣለና’ሞ ክንኣቱ ዶ ዝብል መልእኽቲ ኢዩ ዘለዎ። እዚ ምስሰምዑ፡ ወዮ ገና ዓርኪ-ሕልፎት ክመጹ ኢዮም ኢሎም ክጽበዩ ዝጸንሑ እንዳ ጓል (ጎርዞ ጉላ ናይቲ ዓዲ፡ ኣብ ዳስ ኮይኖም ክጽበዩ እዮም ዝጸንሑ)፡ ዓርኪ-ሕልፎት መጺኦም ኣለዉ ማለት ኢዩ’ሞ፡ ዳስ ተዳልዩ ኣሎ እተዉ በልዎም ኢሎም መልኽቲ ናብቶም ዓርኪ-ሕልፎት ይሰዱ። ድሕሪ እዚ፡ ዓርኪ-ሕልፎት ሆ እንዳበሉ ናብ ዳስ ብመታው ጓይላ ይጅምሩ። “ሓሸው እንዳበለየ፡ ሓሸው እንዳበለ ይኣቱ፤ ስኒ ሕየባየ ስኒ ሕየባ፡ ተቐበልዮ ዕንበባ፡ በሊ መርሓባ፤ ሰለል በልሎምየ ሰለል በልሎም፡ እስኪ ዓልልሎም፤ ወ.ዘ.ተ. ደርፍታት እንዳተደረፈ እቲ ጓይላ ይቕጽል። ዓርኪ-ሕልፎት ክልተ-ሰለስተ ጓይላታት ምስ ኣውጽኡ፡ “ድራር ዓርኪ-ሕልፎት” ይባሃል’ሞ፡ ጓይላ ንግዚኡ ተቛሪጹ፡ ዓርኪ-ሕልፎት ንኽምገቡ ኣብ ዝተዳለወሎም ቦታ ኮፍ ይብሉ። ስነስርዓት ድራር ዓርኪ-ሕልፎት ምስተዛዘመ፡ ነቲ ጓይላ ብስነስርዓት ከምሓድሮ ዝሓድር ሰብ (ኣባ-ጓይላ) ተመሪጹ፡ ተጻወቲ (ዓዲ) ካኣ “ይርሓሰና” ኢሎም ኣባ-ጓይላነቱ ምስ ኣጠመቑሉ፡ እቲ ጓይላ ወጋሕ-ትበል ለይቲ ይቕጽል። ኣባ-ጓይላ ዝኸውን ሰብ፡ ኣብቲ ዓዲ ተቐባልነት ዘለዎን ናይ ምጽዋት ክእለትን ኣፍልጦን ዘለዎ ክኸውን ተመራጺ ኢዩ። ንኣብነት፡ ከበሮ እገለን እገለን ኢሉ ሽም እንዳጸወዐ ስለዝዕድል፡ መዋቕዕቲ ከበሮ (ዘሳንዩ) ከለልን ክፍልጥን ኣለዎ። ጓይላ፡ ነብሱ ዝኻኣለ ሕግታትን ልምድታትን ስለዘለዎ፡ ሕግታት ጓይላ ዝፈልጥ’ውን ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ደቂ ዓዲ ክልተ ጊዜ ከበሮ መስታዓደሉ (ምስሃረሙ)፡ ሳልሳይ ንደቂ ጎዶቦ ዓዲ (ካብ ጎደቦ ዓድታት ጓይላ ክጻወቱ ንዝመጹ) ሽም ናይታ ዓዲ እንዳጸወዐ (ከበሮ ንዓዲ እገለ እንዳበለ) ኣባ-ጓይላ ከበሮ ይዕድል። ከምኡ’ውን ንዓርኪ-ሕልፎት (ሕጂ፡ ከበሮ ንዓርኪ-ሕልፎት ኢያ እንዳበለ) መሰሎም ይሕልወሎም። ዓርኪ-ሕልፎት፡ ከጥቕዑ፣ ክስዕስዑ፣ ከበሮ ክሃርሙ፣ ክጻወቱን ስነስርዓት ገይሮም ጓይላ ከጸብቑን ምሉእ ለይቲ ክሓድሩ ግዴታት ኣለዎም። ትኽስክስ እንተ ኢሎም ግን፡ “የዕሩኽ ደ ኣሊዎመ፡ ሕመዲያ ወዲኢዎመ” እንዳበላ ኣዋልድ ዓዲ ይጸርፈኦም። ክወግሕ ምስደለየ፡ “ወጊሓ ዶ ገና፡ ከብዲ ኣድጊ ኮይና” እንዳተብህለ ክድረፍ ይጅምር። ኣብ መወዳእታ ካኣ፡ ኩሉ ተጻዋታይ ጓይላ፡ ኮፍ ይብል’ሞ፡ የዕሩኽን መርዑት እታ ዓድን ጥራሕ ዝገብርዎ ሳዕሳዒት ኣሎ።  ሓንቲ መርዓት መኸምብያ ኣብ ርእሳ ገይራ ሳዕሳዒት ታኣቱ’ሞ፡ ንሓደ ዓርኪ መሪጻ ናዓ እቶ ምሳይ ሳዕስዕ ትብሎ፡ ንሱውን ያኣቱ (ግዴታ ኣለዎ)። ንሳ ብቅድሚት ንሱ ብድሕሪኣ ተመራሪሖም ይስዕስዑን ይቖጻጸዩን። እታ መርዓት፡ ነታ መኸምብያ ካብ ርእሳ ኣልዒላ፡ ነቲ ዓርኪ ኣፍንጭኡ ከተኽርፎ (ክትሃርሞ) እያ ትፍትን። ንሳ ኣገሪሃ ክትሃርሞ ክትፍትን፡ ንሱ ካኣ ከሽካዓ (ከስሕታ) ክፍትን፡ ኢዩ እቲ ምርብራብ። ጥበብን ክእለትን ዝሓትት ኢዩ። ክእለት ዘይብሉ ዓርኪ፡ ኣፍንጭኡ ተኮሪፉ ይኸይድ፡ መስሓቅ ካኣ ይኸውን። ብኸምዚ መልክዕ፡ ኩሎም የዕሩኽ ሓደ ብሓደ ይፍተኑ። ኣብ መጨረሻ፡ ጓይላ ብኽምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ወጋሕ-ትበል ለይቲ ምስሓደረ፡ “ሓውሲ በለት ነብሲ፡ ነዛ ልበይ ፈውሲ” እንዳተባህለ ይድረፍ’ሞ፡ ሰብ ውራይ፡  ኣብ ጓይላ ንዝሓደሩ ቃተኛ (ውዑይ እንጀራ ብጠስምን በርበረን) ወይ’ውን ጋዓት ብጠስሚ ይቕርብሎም። ናይ ጓይላ ስነስርዓት ካኣ ብኡ ይዛዘም።

 

ካብዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ንርደኦ ቁም-ነገር፡ ሓደ ቆልዓ ተወሊዱ፣ ዓብዩ፣ ጎቢዙን ዓቕሚ ኣዳም በጺሑ ንመርዓን ደርዓን ክሳብ ዝበጽሕ ዘሕልፎ ናይ ሂወት ጉዕዞ፡ ኣካል ናይቲ ዓዳዊ ማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መብቆል ባህርን መንነቱን ከም ሰብ’ውን እቲ ኩሉ-ሓቖፍ ዓዳዊ ማሕበረ-ሰባዊ ንጥፈታትን ናይ ዓዲ ማዓልታዊ ሂወት ጉዕዞን ኢዮም።  ሓደ ቆልዓ ትርጉም ዘለዎ (ናይ ሰብ) ባህርን መንነትን ሒጁ ንኻዓቢ (እኹል ሰብ ንኽኸውን)፡ “እታ ጎዱፍ፣ እታ መጓሰ፣ እታ መጻወቲት ጎልጎል ዓዲ፣ እቶም ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ሰባዊ ጉዳያትን ውራያትን ዓዲ፣ እቶም መዛኑ የዕሩኽን ሳናዱን፣ እታ ባይቶ ዓዲን፣ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ካኣ እቲ ፍቕሪ፣ ሓልዮትን ክንክን ናይ ደቂ ዓዲ (ኣብ ኩሉ ዕድመ ኣከባቢ ዘለዉ)” ምህላው ኣገድሲ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብጉእ ዝሰርሑ’ውን ክኾኑ ኣለዎም። ስነኣእምራውን ማሕበረ-ሰባውን ክእለታት (psychological and social skills) ስቕ ኢሎም ዝልጠፉ ዘይኮኑስ፡ ንኽትቀስሞም በቶም ዝተፈላለዩ ናይ ሂወት ጉዕዞታት በብደረጀኦም ብምጉዓዝ፡ ብግብሪ ለቢስካዮም ክትሓልፍ ኣለካ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ካኣ፡ ቆልዑ ኣብ ባህርያዊ ከባቢኣ ዝተሓለወት ሰፈር (ዓዲ) ክዓብዩ እንተኽኢሎም ጥራሕ ኢዩ። እሞ እቲ ሳይንስን እቲ ክውንነትን ከምዚ ካብ ኮነ፡ “ባህርያዊ ከባቢ ኤርትራውያን ያታዊ ዓድታት” ሕጂ ከመይ ይመስል ኣሎ ኢልካ ንኽትፍትሽን መልሲ ንኽትረክብን፡ ህልው ኩነታት “እታ ጎዱፍ፣ እታ መጓሰ፣ እታ መጻወቲት ጎልጎል ዓዲ፣ እቶም ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ሰባዊ ጉዳያትን ውራያትን ዓዲ፣ እቶም መዛኑ የዕሩኽን ሳናዱን፣ እታ ባይቶ ዓዲን” ከመይ ይመስል ኣሎ ኢልካ ምሕታትን መልሲ ምንዳይን ከድሊ ኢዩ። ጽብብ ብዝበለ መልክዑ ካኣ፡ ነተን ኣብ (ሐ) ሰፊረን ዘለዋ ሕቶታት መልሲ ብምንዳይ’ውን ክጅመር ይካኣል ኢዩ። እተን ሕቶታት ብኸምዚ ዝስዕብ ኢየን ቀሪበን ነይረን፦

)ብዛዕባ ዓድኻ/ (ተወሊድካ/ ዝዓበኻሉ/ዝዓበኽሉ ናይ መበቖል ዓዲ ወይ ናይ ከተማ ከባቢ) እሞ ሕሰብ/ቢ፡

  • ካብ 16 ክሳብ 40 ዓመት ዕድመ ከባቢ ዘለዉ መናእሰይ ደቂ ዓድኻ/ ክንደይ ይኾኑ?
  • ካብዚኣቶም፡ ክንደይ ዝኾኑ (ክንደይ ሚኢታዊት) ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ?
  • ካብቶም ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ትብሎም ዘለኻ/ ክንደይ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ኣለዉ?

ኣንበብቲ፡ እንታይ ኢዩም መልስኹም? መቸስ፡ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝፈላለ ክኸውን እዃ ዝኽእል እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ ኣብዚ ዕድመ ከባቢ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ኤርትራ የለን፡ እቲ ዝተረፈ ካኣ ኣብታ ያታዊ ዓዲ የለን። ብወገነይ፡ ካብ 80% ንላዕል ኣብ ኤርትራ የለን፡ ካብቲ ዝተረፈ ካብ 20% ንታሕቲ ዝከውን እንተኾነ’ውን ኣብታ ያታዊ ዓዱ የለን ዝብል ሓበሬታ ኢዩ ዘለኒ። ነብሲ-ወከፍ ኣንባባይ ካብ ናተይ ዝተፈለየ ኣሃዝ ክልዎ ዝኽእል እዃ እንተኮነ፡ እቲ ሓፈሻዊ ስእሊ ብዛዕባ ፍልሰት መንእሰይ ኤርትራ ግን ካብቲ ናተይ ኣሃዝ ዘመልክቶ ዝተፈለየ ኣይመስለንን። እሞ፡ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ኣብዚ ዕድመ ከባቢ ዘሎ መንእሰይ ኣብታ ያታዊ ዓዲ እንተዘየሎ ዳኣ፡ እዞም ኩሎም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ  መትንታት ማዓልታዊ ማሕበረ-ሰባውን ማሕበረ-ቁጠባውን ኤርትራውያን ያታዊ ዓድታት እንታይ ይኾኑ ኣለዉ? ብዘይ እዞም መሰረታውያን ንጥፈታት ዶ ዓዲ ክትነብርን ክትቕጽልን ትኽእል ኢያ? እቲ “ባህርያዊ ከባቢ ያታዊ ዓዲ” ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ? ስምብራት ምድኻም፣ ምብትታን ምብትታኽን ባህርያዊ ከባቢ ያታዊ ዓዲ ኣብ ቀጽልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተሰን ከ ከመይ ይመስል? ነዞም ሕቶታት ኢዚኣቶምን ንካለኦትን ኣብ ዝቕጽሉ ክፋላት ናይዚ ጽሑፍ እዚ ክንፍትሾም ኢና። ቅድሚ ናብኡ ምኻድና ግን፡ ኣብ ራባዓይ (4ይ) ክፋል፡ ነቲ ጀሚርናዮ ዘለን ብዛዕባ ማሕበረ-ሰባዊ ሂወት ኤርትራውያን ያታዊ ዓድታት እንታይ ይመስል ዝብል ዛዕባ ክንቅጽሎ ኢና። ስለዚ፡ ኣብ ራባዓይ ክፋል፡ ብዛዕባ ማሕበርዊ ንጥፈታት ዓዲ ኣብ ዕለተ መርዓን ብድሕሪኡን፣ ባይቶ ዓዲን ማሕበረ-ሰባዊ ተርኡን፣ ዓዳዊ ትካላት ምትሕግጋዝን ምስ ሞትን ሓዘንን ዝተኣሳሰሩ ንጥፈታት ዓድን ሰፊሕ ትንታነ ክቐርብ ኢዩ።

 

ራባዓይ ክፋል ይቕጽል

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

<script src=”https://apis.google.com/js/platform.js”></script>
<div class=”g-ytsubscribe” data-channelid=”UCMKaCcIDaPJc7ELfP75UeYA” data-layout=”full” data-count=”hidden”></div>

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde May 14, 2018

    The statistical numbers are right around the ballpark,today most of the Eritrean villages especially those close to the border are barren and abandoned,what is left is the skeletal remains of the culture which molded the Eritrean nationhood. “ስነኣእምራውን ማሕበረ-ሰባውን ክእለታት (psychological and social skills) ስቕ ኢሎም ዝልጠፉ ዘይኮኑስ፡ ንኽትቀስሞም በቶም ዝተፈላለዩ ናይ ሂወት ጉዕዞታት በብደረጀኦም ብምጉዓዝ፡ ብግብሪ ለቢስካዮም ክትሓልፍ ኣለካ።”…..Dr.Gebre writes…yes indeed, and HGDEF continues to systematically undo and shred this social fabric which gives our society its unique character and replaced it with authoritarian/militant party culture and draped it with an alien multicolored banner.Here we are faced with a hollow nation with strange colors which serves the interest of the few, and its owners who fought for it looking from outside in. Isn’t that ironic?

POST A COMMENT