Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታት ሃገርናን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ? ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም – 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/11/ዞባዊ-ምምሕዳራትን-ጽገናዊ-ለውጥን-5ይ-ክፋል-1.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Selamawi November 1, 2014

    Selam Ato Taddese,

    Yes, Rule of law is the best way forward. Your argument is measured and balanced. I just want to say thank you for that.
    Based on your postings, particularly this series, I think you are parliamentary material.

    Keep it up: be always on the side of the people!

    God bless all Eritreans

    • Antonio Tesfay November 7, 2014

      ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና
      ዝኽበርካ ክቡር ሓው ታደሰ
      ብመጀመሪያ እቲ ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ንህዝብና ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ብዝምልከት ብሓቂ ክተባባዕ ዘለዎ ጉዳይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ከምስግነኩም እፈቱ።
      ከምኡ’ውን ሓው ታደሰ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላልየ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ከመሓላልፎ ዝጸንሐ ተምክሮ ቃልስን፡ ካልእ ብሓቂ ክተባብዕ ዘለዎ እዩ።
      ኣብ’ቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ነካይዶ ጎስጓሳትን እንዝርግሖ ሓበሬታታን ከኣ ብኡን ፈረቕኡን ከይኾነና ጉዳይ ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ከም ማእከላይ ሕቶ ብዘይህሰየሉ ኣገባብ፡ ንዝርኣዩን ዝስምዑን ኣሉታዊ ሃሰይታታ ድማ ብሃናጺ ነቕውፈታ ክንሓልፎ ግድነት እዩ። ሕሉፍ ታሪኽ ሀ/ ተ.ሓ.ኤ ለ/ ህ.ግ.ሓ.ኤ ሐ/ተ.ሓ.ኤ ህ.ሓ.ሓ ወዘተ…. ታሪኽና ስለ ዝዀነ ብጥንቁቕ ኣገባብ ክንሕዞን ብሓላፍነት ክናብዮን ካብ ዝግበኣና ሓደ ንነዊሕ እዋን ዝኸደ ኣውራ ወይ ማእከል ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ንነጻነት’ዩ።
      ካብ’ዚ ቀጺለ ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ክሳብ 5ተ ክፋላት ብሓው ታደሰ ኣብ ምምሕዳር ዞባታት ምምቕራሕ ጸጋታት ሃገር ዝብል ንዝምልከት ብፍላይ ኣብ’ቲ ብወገን ተ.ሓ.ኤ ዝሃቦ ወይ ዘቕረቦ ሓሳብ ገገለ ርእይቶ ክህብ ምስ ደለኹ።
      ብወገነይ ከብርሆን ክሕብሮ ዝደሊ ከኣ ብኣዋራ ነቲ ምምጝዳራዊ ዞባታት ብዝብል ነቲ ብወገን ተ.ሓ.ኤ ዝተፈጸመ ወይ ዝተወሰነ ምምሕዳራት ከም ናይ ረብሓን ጠቕምን ገቢሩ ምስ’ቲ ብ19 ታሕሳስ 1995 ኣብ ሳድሻይ ስሩዕ ኣኼባይ ግዜያዊ ባይቶ ኤርትራ( ህ.ግ.ዲ.ፍ) ኤርትራ ከም ሓድሽ ኣብ 6 ምምሕዳራት ንምክፍፋል ዝሕላአፈ ውሳኔን ኣዋጅን ኣዛሚዱ ንዘቅረቦ ዘርኢ ጉዳይ’ዩ።
      ግርም፡ድሕሪ መድረኽ ብግዜ ክፍልታት ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ሰራዊት ሓርነት ብኣኬባ ዓራዳይብ 16 ሰነ፡ 21 ሓምለ፡31 ሓምለ ንምእንቲ ሓድነት ሰለስተ ግዜ ዝተጸወዐ ጸውዒት ስሉሳዊ ሓድነት ጉባኤ ዓንሰባ 10 መስከረም 1968 ተኻይዱ፡ ጉባኤ ኣዶብሓ 25 ሓምለ 1969፡ ጉባኤ መዓስከር ዓወተ ወይ ወታሃደራዊ ጉባኤ ከኣ ካብ 26 ለካቲት ክሳብ 13 መጋቢት 1970፡ እንተን ዝነበራ ሓሙሽተ ክፍልታት ሰሚረን ከኣ ሓደ ውድብ ተ.ሓ ኤ፡ መሪሕነት፡ ሓደ ሰራዊት ኣቖማ። ካብ 14 ጥቅምቲ ክሳብ 12 ሕዳር 1971 ከኣ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ ኤ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ መድረኽ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሓደ ካብ ዘቆሞ ምምሕዳራዊ ክፍልታት፡ ነቲ ንቡር ባህላዊ ማእከል ዝዀነ ኣውራጃታት ከየፍረስካ፡ ንገድላዊ ዕማማትን፡ ህዝቢ ምስ ገድሉ ክራኽበሉ ብዝኽእል ኣብ’ቲ ግዜ ብዝተገብረ መጽናዕቲ ንክልቲኡ ሸነኽ መዚኑ ዘቆሞ ምምሕዳራት’ዩ ዝነብረ። እዚ ምምሕዳራት ከኣ ብዝተፈላልዩ ማለት ናይ ዝተፈላልዩ ብሄራት መበቆል ዝነበሮም ኣባላት መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ዝመሓደር’ዩ ዝነበረ። ኣብ’ቲ ምምሕዳራት ከኣ ካብ ዝተፈላልየ ብሄራት ኣብ ተ.ሓ.ኤ ዝተሰለፉ ዝቃለስሉ ዝነበሩ ምምሕዳራት’ዩ። እቲ ምምሕዳራት ምስ ኩነታት ጸላእን ድሕረ ግንባር ወይ ደጀን ተ.ሓ.ኤ ኣብ ግምት ኣትዩ ዝትወሰን’ምበር፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ምምሕዳር ሓሓለፍቲ ብቦታዊ ዝውለዱ ዝቆመ ከም ዘየነበረን፡ ንረብሓ ነፍሲወከፍ ምምሕዳር ዝጣበቕ ሰራዊትን ምምሕዳርን ከም ዘይነበረ ኣረጋጊጸ ክዛረበሉን ክጽሕፈሉን ንህዝብና ሓበሬታ ከመሓላልፈሉን ካብ ዝደሊ ኣውራ ነጥቢ’ዩ።
      ብመጀመሪያ ክእርሞ ዝደሊ
      ሀ/ ሓደ ዞባ ጋሽን ባርካን ኣብ ሓደ ኣይነበረን
      ለ/ ካልኣይ ናይ ምምሕዳራት ሓለፈቲ ናይ ዝተፈላልዩ ብሄራት ደኣ’ምበር ኣብ መብዛሕትኡ ናይ’ቲ ምምሕዳር ተወለድቲ ኣይነበሩን። ነዚ ድሕረ ክገልጾ እየ
      ሐ/ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳራት ተ.ሓ.ኤ ዘይተሓዋወሰ ናይ ህዝብን ሰራዊት ዝተፈላልየ ነናቱ ምምሕዳር ዝነበሮ እዩ። ኣብነት ሕክምና፡ ጸጥታዊ፡ ፍርዳዊ፡ ንዝምልከት ብክልተ ዝተፈላልዩ ትካላት ናይ ህዝብን ሰራዊትን ተባሂሉ ዝመሓደር’ዩ ዝነበረ። ብፍላይ ብፍላይ ኣብ’ቲ ናይ ፍርዲ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳይ ባዕሉ ጀሚሩ ዝፍጽሞ ናይ ሲቪላዊ ጉዳይ ፍርዲ ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦን ዘይከሓድን’ዩ። ከም ኣብነት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ከበሳ ምስ ዓድን ባይቶን ብሕጊ እንዳባ፡ ምስ ጭቃታትን ምስሌንታት ዓድን ብምትሕብባር ሲቪላዊ ሽግራት ከም ናይ መሬት፡ ውርሻ፡ ካልኣ ሲቪላዊ ጉዳያት ንምፍታሕ ፍርዲ ዝምርሓሉ ዝነበረ ናይ ክቡር ነፍስሄር ኣቦና ባሻይ ገብረእግዜኣብሄር ተሰማ ክዝከር ይከኣል። ነፍስሄር ኣቦና ባሻይ ገብረእግዚኣብሄር ተሰማ ተጋዳላይ ኮይኖም ምስ ህዝቢ ብቀረባ ብምርድዳእ ብሕጊ እንዳባ፡ ብምርድዳእ ን ምስምማዕን ሰብ ነገር ጉዳይ ውዱእ ዝገብሩ ዝነበሩ እዮም። ሰብ ነገር ኣይፋልናን እንተበሉ ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ናብ ወድብ ይሰጋገር ከም ነበረ እዩ ዝፍለጥ። ነዚ ጉዳይ ከኣ ህዝብና ኣሉ ዝብሎ ዘይብሉ ሎሚ ንህልዋት ሓቲትካ ክትፈልጦን ክትምርምሮን ዝካኣል ሓቂ እዩ። ክሳብ ሎሚ’ውን ህዝብና ዝዝኽሮ ጉዳይ’ዩ።
      ምምሕዳራት ተ.ሓ.ኤ ከም’ዚ ዝስዕብ’ዩ ዝነበረ
      ምምሕዳር ቁ. 1 ኣውራጃ ጋሽ
      ምምሕዳር ቁ. 2 ኣውራጃ ላዕላይ , 3 ታሕታይ ባርካ
      ምምሕዳር ቁ. 4 ኣውራጃ ዓንሰባ
      ምምሕዳር ቁ. 5 ኣውራጃ ሰንሒት
      ምምሕዳር ቁ. 6 ኣውራጃ ሳሕል
      ምምሕዳር ቁ. 7 ኣውራጃ ሰምሃር
      ምምሕዳር ቁ. 8 ኣውራጃ ሓማሴን
      ምምሕዳር ቁ. 9 ኣውራጃ ሰራየ
      ምምሕዳር ቁ. 10 ኣውራጃ ኣከለጉዛይ
      ምምሕዳር ቁ. 11, 12 ኣውራጃታት ሰሜንን ደቡብን ደንከል

      ኣብ’ዚ ከባቢታት ብማዕረ ዝተወደበን ዝተዋፈረን ህዝባዊ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕና እንስሳ፡ ጸጥታን ቤት ፍርዲ ካብ ወታሃደራዊ ብፍሉይ ዝተሓዝን ዝናበን ዝነበረ’ዩ።
      ካልእ ነዚ ናይ ዞባዊ ረብሓን ተቕምን ዘየመልክት ምዃኑ ዘረጋግጽ፡ ኣብ መስገብ ዝስውኣት ተ.ሓ.ኤ ወዲ መን ኣውራጃ ኣበይ ተሰዊኡን ሰንኪሉ ተጋዲሉን ብሰፊሑ ዝገልጽ ሓባሪ፡ ሓባራዊ ሰነድ ክምስክሮ ዝኽእል’ዩ።
      ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ’ዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ምምሕዳራት

      ጠርናፊ ኣማሓዳሪ ወኪል ተ.ሓ.ኤ
      ወኪል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት
      ወኪል ጸጥታዊ ቤት ጽሕፈት
      ወኪል ዜና ቤት ጽሕፈት
      ወኪል ምጣነ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት
      ወኪል ሕብረተ ሰብኣዊ ቤት ጽሕፈት (ህዝባዊ ጉዳያት) ሕክምና፡ ትምህርቲ፡
      እዚ ምምሕዳራት’ዚ ህዝባዊ ጉዳያትን ናይ ሰራዊት ሓርነት ጉዳያትን ፈለልዩ ዝርኣዮ ጉዳይ እዩ ዝነበረ። ከም ኣብነት
      ሀ/ ወታሃደራዊ ስርሒት ወታሃደራዊ ጸጥታን
      ለ/ ጸጥታዊ ፍርዳውን፡ ህዝባዊ ጸጥታን ፍርድን
      ሐ/ ሕክምናዊ፡ ወታሃደራዊ ክ/ሕክምናን ህዝባዊ ክ/ሕክማናን
      መ/ ሰንቕን ዕጥቕን ወታሃደራዊ ፡ መሊሻን ሰራዊት ሓርነትን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ጸጥታን ወታሃደራውያን ሓለፍቲ ዝተኣሳሰረ ነበረ።
      ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ኣብ ፍሉይ ጉዳያት ጸጥታዊ ፍርዳዊ፡ ጉዳያት ሕክምና ንዝምልከት፡ ካብ’ቲ ዝተመደበሉ ምምሕዳር ፍታሕ ምስ ዘይርከብ። ህዝባዊ ጉዳያት ናብ ዝለዓለ ናብ ውድብ ክቀርብ ዝቀርበሉ ዕድላትን መሰልን ነይርዎ፡ ከምኡ ናይ ሕክምን ጉዳያት ናብ’ቲ ዝለዓለ ወታሃደራዊ ሕክምና ማእከላይ ሕክምና ክፍወሱን ክእለዩን ከም ዝመሓላለፈሉ ይግበር። ከምኡ እቲ ናይ ሰራዊት መኽዘን ዕጥቕን ስንቕን ከም ኣድላይነቱ ብፍልይ ብፍላይ ኣብ ስንቕን ሕክምናን ብዝምልከት ምስ ህዝቢ ዝንኣድ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ከም ዝነበሮ ክጠቅሶ እፈቱ፡ ክኸውን ክኸውንስ እቲ ህዝቢ ካብ ናብ ሕብረተ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ሰራዊት ጉዳዩ ስለ ዝሰልጦ ናብ ሰራዊት ዝጽግዖኣሉ ዝነበረ ግዜ ውሑዳይ ዘይነብረሉ ግዜ ብዙሓት ዝምክርዎ ሓቂ እዩ።
      እዚ ብ12 ምምሕዳራት ዝተኸፋፈለ ተ.ሓ.ኤ ብመን ተመሓድሮ ነይራ ንዝብል ሕቶ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ’ዚ ከኣ ተ.ሓ.ኤ ብረብሓ ጠቅምን ተመሓድሮ ዝነበረት ዝብል ሓቕነት ዘይብሉ ታሪኽ ክእረም ከም ዘለዎ ክገልጾ እፈቱ።
      ከም ኣብነት ክጠቕስ
      እዚ ምምሕዳራት’ዚ መበቆል ብሄሮም ብዝየገድስ ውድብ ብቕዓት ኣለዎም ብዝብሃሉ ኣካላት ከም ዝመሓደር ይገበሮ ነበረ፡ እቲ ሓቂ ድማ ንሱ’ዩ። ከም ኣብነት ክጠቕሶ ዝደሊ፡ ኣብ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቃለስክሉ ምምሕዳር ቁ 6 ኣውራጃ ሳሕል ዝነበሩ መራሕቲ ክጠቕስ እፈቱ
      ኣማሓዳሪ ተጋ/ ዓብደላ ሓሰን
      ዜና ተጋ/ ተስፋማርያም
      ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዓብደልዋስዕ
      ጸጥታ ተጋ። ሓድም ናቕፋ
      ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኢብራሂም ወዲ ፖሊስ
      ወታሃደራዊ ማእከላይ ሕክምና ዶር/ ጥዑምስዝጊ ሰንጋልን ዶር/ ሃብቱ የማነን
      ምጣነ ሃብታዊ ብግዜያውነት ነርኣዮ
      ካብ’ዞም ባእታት ብዘይካ ናይ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት፡ ካልኦት ደቂ’ዚ ኣውራጃ ኣይኮኑን። ኣብ ዝተፈላልየ ኣብ’ዘን 12 ኣውራጃታት ብተመሳሳሊ ተመራቒሑ ዝመሓደር ዝነበረ’ዩ።
      ልክዕ’ዩ ኣብ ሓደ ክልተ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ደቂ እቲ ኣውራጃ ከም ተጋደልቲ ኣብ ዝተወለድሉ ኣውራጃታት ዘመሓደሩ ነይሮም እዮም፡ እቲ ኣገዳሲ ግን እዞም ሰባት ዝውሃቦም ምምርሕን፡ ዝላክዎ ጸብጻባት ንፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ደኣ’ምበር ነቶም ደቂ ኣውራጅኦም ኣይኮነን።
      ኣብ መወዳእታ ሰጊረዮ ክሓልፍ ዘይደሊ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ ነፍሰ ነቐፈታ ምልዕል ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ’ዚ ንነዊሕ ዝኸደ ታሪኻዊ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎና ምምሕዳራት ኣውራጃታት ብፍጹም ጌጋታት ዘየነበረሉ ክበሃል ኣይከኣልን። ግን ከኣ በቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ ምስ’ቲ ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝሰርዖ ምምሕዳር ተ.ሓ.ኤ ከምኡ ከም ዘይነበረ ደጋጊመ ክገልጾ እፈቱ።
      እዚ ወድሓንኩም

      ካልኣይ ክፋል
      ተመክሮ ዞባዊ ምምሓር ሰውራ ኤርትራ ወገን ተ.ሓ.ኤ
      ሲቪላዊ ቤት ፍርዲ ተ.ሓ.ኤ
      ሜዳ
      ቃል ባሻይ ገብረእግዚኣብሄር ተሰማ ኣባል ህዝባዊ ቤት ፍርዲ
      መጽሔት – ዓወት ሕታም ቁ.48 ታሕሳስ ጥሪ 1994
      ቅዳሕ
      ብኣንቶንዮ ተስፋይ
      ባሻይ ገብረእግዚኣብሄር ተሰማ ኣብ ኣውሊዕ ጾሩ ብ1927 ተወሊዶም፡ ካብ 1959 ክሳብ 1974 ከም ምስሌን ደቂ ኣድመቆም ኮይኖም ዝሰርሑ እዮም።ብ 1975 ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ ተሳታፊ ዝዀኑ ኣቦና ዓቢ ግደ ዘበርከቱን፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ተሰሊፎም ኣብ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ተመዲቦም ከኣ ዓብይ ህዝባውን ገድላውን ስርሓት ዘሳለጡ ኣቦ ነበሩ።
      መጽሔት ዓወት ተ.ሓ.ኤ፡ ምስ ኣቦና ባሻይ ገብረእግዚኣብሄር ተሰማ ዝገበረቶ መግለጺ ተሞክሮ ቃል መሕተት ከም’ዚ ዝስዕብ ይብሉ።
      ሕጊ እንድባ ኤርትራ፡ ብህዝቢ ዝውሰን’ዩ ይብሉ ኣቦና ገ/እግዚእብሄር፡ ነፍሲወከፍ ዓዲ ሽማግለ መሪጻ ርእይቶ ኣስኒቓ ትልእኾም። ናይ ዝተፈላልዩ ዓድታት ሽማግለታት ተኣኪቦም ናይ ወረዳ ይመርጹ። ወረዳታት ተኣኪበን ጠቅላላ ናይ ኣውራጃ ሽማግለ የውጽኣ። እዞም ናይ ኣውራጃ ሽማግለ ምስ’ቶም ሹማምንቲ ኮይኖም ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ብክትዕን ምርድዳእን ሕጊ የጽድቑ። ከም ኣብነት ሕጊ ኣከለጉዛይ ኣድግና-ተገለባ፡ ብህዝቢ ተመሪጾም ዝመጹ ሽማግለታት ኣብ ኣምዕ-ምሓዛ ዝተባህለ ቦታ ጥቓ ዃዓቲት ዋዕላኦም ገቢሮም ዘጽደቕዎ’ዩ።
      ሃብተስሉስ ገብረክርስቶስ ሕጊ ዓዲ ቈንጺ ኣብ ዓዲ ቈንጺ ተኣኪቦም ዘጽድቅዎ ሕጊ እዩ። ሕጊ ሎጎጭዋ ዝተመርጹ ሽማግለታት ኣብ ማይ ዝብኦ ተኣኪቦም ዝሓንጸጽዎ፡ ብህዝቢ ዝቆመን ዝጸደቐን ዓንቃፊ ዘይብሉ ዲሞክራሲያዊነት ዝለበሰ ሕጊ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
      ብድሕሪ’ዚ ዓዲ ኣብ’ቲ ሽማግለታት ሰዲዳ ዝሓንጸጸቶ ሕጊ’ባ ቅይድቲ እያ። ኩሉ ዝለዓል ሽግራት ፍርዲ ዝወሃበሉ ሕጊ እንዳ’ባ ተሞርኵስካ’ዩ። ግን ምንም’ኳ ሕጊ እንዳብ ይሃሉ ዓዲ ናታ ፍሉይ ስልጣን ኣለዋ። ኣ ትሕቲ ሕጊ እንዳ’ባ ናታ ናይ ዓዲ ውሽጣዊ ሕጊ ክትነድፍ ስልጣንን መሰልን ነይርዋ። ባይቶ ዓዲ ውሳኔ ከጽድቕ ግድን ጭቓ ዓዲ ኣብ’ቲ ባይቶ ክህሉ ኣለዎ። ጭቓ ዓዲ ዘለዎ ዝዀነ ነገር ክዝረበሉን ኣብ ውሳኔ ክብጻሕ ይከኣል። ዓዲ ዝኣክል ክትዕ ምስ ገበሩ፡ ንዝተሰማምዕሎም ጉዳያት ንምውሳንን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ሽማግለ ይመርጹ። ቆወምቲ ሽማግለ እንተደኣ ሃልዮም ንሶም ይኾኑ። እንተዘየለ ግን ሓደስቲ ይምረጹ። እዚ ኣገባብ እዚ ነተን ኩለን ኣፍ-ገዛ ዓዲ ኣድልዎ ብዘይብሉ እዩ ዝፍጸም። እቶም ሽማግለ ንባዕሎም ነቲ ዝተሰማምዕሉ ከመሓድሩ ዝኽእሉን ወዳእቲ ሽማግለ ይመርጹ። ብኽመ’ዚ ኣግባብ ውሳኔ ዓዲ ኣብ ተግባር ይውዕል።
      ህጹጽ ዓዲ ዘይተሰማምዕሉ እንተተግብረ፡ ዓዲ ኣብ ባይቶ ምስ ቀረበ ነቲ ጉዳይ ናይ ምርግኡን ምንጻጉን መሰል ኣለዎ።ህዝቢ ዝደልዮ ነገራት ብዝዀነ ይኹን ኣባል ሓንቲ ዓዲ ኣብ ባይቶ ናይ መቕርቡ መሰል ኣለዎ። ባይቶ ዓዲ ዝተሰማምዓሉ ድማ ውሳኔ ይኸውን ይብሉ።
      ባይቶ ዓዲ ውሳኔታቱ ብድምጺ ዘይኮነስ ብስምምዕ’ዩ ዝሕልፎ ዝነበረ። ብዙሓት ዝሰማምዕሉ፡ ውሑዳት ከኣ ዘይሰማምዑሉ ጉዳይ እንተተረኽበ ወይ ኣጋጠመ፡ ዓዲ ሽማግለ ኣውጺኦም ኣድላዩ እንተዀይኑ’ውን መዓልቲ ወሲኾም ተለማሚኖም ክሰማምዑ እዮም ዝህቕኑ። በዚ ኣገባብ ከኣ እዮም ክውስኑ ዝደልዩ ዝነበሩ። ብዝሒ ድምጺ ሽግር መታን ከየስዕበሎም ይደልይዎ ኣይነበሩን። ምኽንያቱ ኣብ ገገለ ዓድታት፡ ሓደ ሓደ እንዳታት ብዝሒ ዘለወን ክዀና እንከለዋ ገገለ እንዳታት ከኣ ውሑዳት’የን። በዚ ምኽንያት ከኣ ጸገምር ከይርከብ እቲ ናይ ድምጺ ክሰርሕሉ ተደላይነት ኣይነብሮን።
      ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዓዲ ዝርከብ ጉዳይ ኣሎ። ንዓዲ ዝምልከት ኩሉ ወዲ ዓዲ ክዛረበሉ ይኽእል። ንኣብነት ዴሳ፡ መለሳ መሬት ብዓዲ ይካየድ። መለሳ ዘድልዮ መሬት ዓዲ ይሰማማዓሉ። ሽማግለ ዓዲ ቈረጽቲ መሬት፡ ዓቋሪ የውጽእ። ደሓር ከኣ ጸራቦ፡ ገላፎ ዝበሃሉ ዚግብኦን ዘይግብኦን ዝመምዩ ይወጹ። እቶም ጸራቦ ዚግብኦምን ዘይግብኦምን ምስ ኣጻረዩ ናብ ክንድ’ዚ ይመቐል ኢሎም ይሕብሩ። ዓቋሮ ከኣ ብመሰረት ዝተዋህቦም ሓበሬታ መሬት ይቖርጹ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይመቕሉ፡ ክመቕለዎ ናብ ሽፋ ‘ዮም ዝመቕልዎ። ናብ ሸፋ ምቁራጽ ማለት ብዕስራ፡ ብሰላሳ፡ ብሓምሳ… ወዘተ ምምቃሉ ማለት’ዩ። ምናልባት ገገለ ዘይምስስማዕ እንተተረኽበ ድማ እቲ ናይ ዓቋሮ ናብ ዓቋሮ እንቲ ናይ ሸፋ ድማ ናብ ሸፋ ቀሪቡ ይምስክር። ካልእ ብዙሕ ኣብነታት ክጥቀስ ይኽእል’ዩ። ግን ካብ መሬት ዝዓቢ ጉዳይ ዓዲ ስለ ዝየለ ባይቶ ዓዲ ንመሬት’ኳ ከምሓድር ዝኸኣለ ካልእ መሰረታዊ ጉዳያት ምውሳን ስልጣን ከም ዘለዎ ክንግንዘብ ዘሸግር ኣይኮነን።
      ህዝብና ዝዳነየሉ ኣብ ሕጊ ዘስፈሮ ዓንቐጻት ኣለዎ። ግን መብዛሕትኡ ግርጭ ኣብ ኣገባብ ኣቦይ ይሕደጎ ዝብሀላ ገርካ’ዩ ዚፍታሕ ዝነበረ። ክልተ ሰባት እንተደኣ ተባኢሶም ናይ ዓዲ ጉዳይ’ዩ።እቶም ለባማት ዝተባህሉ ግርጭታት ክፈትሑ ይምረጹ። ንሳቶም ከኣ ” ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ፡ ኣብ እምባ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ” ጽልኢ ይትረፈኩም እንዳበሉ ከም ኣሕዋት ብዘረባ፡ ብብርኮም ተደፊኦም ለሚኖም የርድይዎም። ናይ ዓመጽ ቃል እንተዀይኑ። ናይ ገንዘብ ጉዳይ እንተዀነ ንዓ ንስኻ ይትረፍካ፡ እዚ ይኣክለካ፡ በዚ ኣይትበኣሱ። ኢሎም ምስ ዓረቁ። ዝበደለ ይኽእሕስ ዝተበደለ ይከሓስ። ደኣህር ግን ነቲ ካሕሳ ዝወድስ ሰብ ኣብ ገዝኡ ከይዶም ስማዕ እከለ እዚ ካሕሳ ዘይተርፈካ፡ ደቕካ ጽባሕ ንግሆ ደቂ በላዒ ካሕሳ እንተተባህሉ ጽቡቕ ኣይኮነን። ንዓ ደኣ ግደፍ ይብሉ። ብኽመ’ዚ ከኣ ከይሰልከዮም ሰሙን ይኹን ክልተ ሰሙን ንሰብ ነገር ብዕውርቂ ሕውነት የደቃቕስዎ ነበሩ።
      ኣብ ግዜ ተ.ሓ.ኤ ክልተ ቢተ ፍርዲ’ዩ ዝነበረ ይብሉ ኣቦይ ባሻይ ገብረእግዚኣብሄር ተሰማ። ተ.ሓ.ኤ ንቢተ ፍርዲ ኣብ ክልተ’ያ ከፊላቶ ዝነበረት። ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ንሲቪላው ጉዳይ ዘርኢ። ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ንሰራዊት ዝምልከት ነይሩ። ኣነ ከኣ ኣብ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ’የ ነይረ። ኣብ ህዛዊ ቤት ፍርዲ ናይ ደ ይኹን ናይ ርስቲ ናይ መሰል ይኹን ናይ ኣንቸ መንቺ፡ ኣብዝሑ ብፍርዲ ዘይኮነስ ብሽምግለነትን ብዕርቕን እዩ ዝውዳእ ዝነበረ። ከሳስን ተኸሳስን ቀሪቦም ቃሎም ስም ኣስምዑና፡ ጉዳዮም ብህዝቢ ክውዳእ ካብ ዓዲ ሽማግለ ነውጽእ። ሽማግለ ብዝበልዎም ሰብ ነገር ምስ ተዓረቁ፡ ነቲ ዕርቒ ብቤት ፍርዲ ኣርጊእና ፍርዶም ንህቦም ነበርና። ብዙሕ ኣሳልጦ ድማ ረኺብናሉ። ከም ኣብነት ናይ ደም ግርጭት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ክሳብ 55 ዝኸውን ጉዳያት ብዕርቂ መረፊ ከም ዝረክብ ጌርና። እዚ ኩሉ ክግበር እንከሎ ምስ’ቶም ኩሎም ኣብ ቤት ፍርዲ ብትግሃት ዝሰርሑ ዝነበሩ ብጾትና ኮይና’ና። ብፍላይ ከኣ ኣብ’ቲ ኣነ ዝነበርክዎ መደብ ምስ እምባየ ሕድሩ ዝተባህለ ኣባል ቤት ፍርዲ ብርክት ዝበለ ኣገደስቲ ስርሓት’ና ሰሪሕና። ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተመደቡ ኣባላት ብሓፈሻ ብመምርሒ ተሓኤ ብፍትሓዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ህዝቢ ዕዙዝ ተቐባልነት ነይርዎ።እዚ ከኣ ንተ.ሓ.ኤ ኣገዳሲ መኽሰብ ነይርዎ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ሓደ ሓደ ጉድለታትን ጸገም ኣይነበረን ማለተይ ኣይኮነን።
      ስርርዕና ዓዲ ብህዝቢ ዝተመርጹ ሓሙስሽተ ሽማግለ፡ ብወረዳ ሰለስተ ሽማግለ ይቐውም። ብፍርዲ ምሳና ምስ ናይ ኣውራጃ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ይቐርቡ።ብምምሕዳር ከኣ ምስ ጠቕልላ ኣማሓዳሪ ናይ ተ.ሓ.ኤ ኣውራጃ ይራኸቡ።
      ኣብ ኣከለጉዛይ ሓንቲ ጉጅለ 3 ደያኑ ኣርባዕተ ተሓጋገዝቶም፡ ኣብ ሓማሴን’ውን ከምኡ፡ ኣብ ሰራየ ክልተ ጉጅለ ነይረን፡ ኣብ’ዚ ከየጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ናይ ስውእ ሓርበኛ ኣባ ተኽለሃይማኖት”ዩ። ኣነ ኣብ መጀመሪያ ምስ ኣባ ተኽለሃይማኖት ኣብ ፍርዲ ሓቢረ ሰርሐ’የ።
      ተ.ሓ.ኤ ንህዝባዊ ቤት ፍርዲ ዘገልግል ሕጊ ኣብ መጽናዕቲ ስለ ዝነበረት፡ ህዝብና ብሕጊ እንዳ’ባ ተኸቲላ ትሰርሕ ነበረት። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ሕጊ ዘይኮነስ ኣብ ዕርቒ ተምርኵሳ ትሰርሕ ነበረት።
      ድሕሪ ካልኣይ ሃገራዊ ተ.ሓ.ኤ 1975 ነጻ ቤት ፍርዲ ምስ ቆመ፡ ዝዀነ ይኹን ተጽዕኖ ዘይብልና ንሰርሕ ነይርና። ህዝባዊ ቤት ፍርድ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ዝተባህሉ ናይ ጸጥታ’ውን ብዙሕ ምትእስሳር ኣይነበረናን። ኣብ ስርሓትና ምስ ዝዀነ ናይ ዝተፈላልዩ ምምሕዳራት ኢድ ኣእታውነት ኣይነበሮ። ንሕና ብነጻ ንሰርሕ ነበርና። ገገለ ተጋደልቲ ብዘይኣፍልጦ ዝገብርዎ ምትእትታው ነይሩ። እዚ ግን ኣጋኒንካ ክዝረበሉ ዝኽእል ኣይኮነን። ውሑድ’ዩ ነይሩ። ናይ ኣውራጃ ቤት ፍርዲ ምስ ጠቕላሊ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ውድብ ዝተእሳሰረ’ዩ። ዝዀነ ዝተበደለ ሰብ ብናይ ኣውራጃ ቤት ፍርዲ ዕግበት እንተዘይገይሩ ናብ ጠቕላላ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ውድብ ክቐርብ ሙሉእ መሰል ነይርዎ።
      ተፈጸመ
      እዚ ቃል መሕተት ባሻይ ገብረእግዚኣብሄር ተሰማ ምስ ዓወት ዝስማ መጽሔት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ብታሕሳስን ጥርን 1994 ዝወጸ’ዩ።

      • ታደሰ ኪዳነ November 8, 2014

        ዝኸበርካ ሓው ኣንቶንዮ ተስፋይ
        ጽሑፍካ ደንጉዩ ስለ ዝመጸን፡ ኣነ`ውን ደንጉየ ስለ ዝረኣኹዎን፡ ደንጉየ እምልሰልካ ምህላወይ ክገልጸልካ እፈቱ። ስለቲ ዝርዝራውን መሃርን ጽሑፍካ ድማ ኣዝየ አመስግነካ። ዝሃብካዮ ሓበሬታን ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ።
        ንኹልና ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ክትዕ ዘእተወና መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድማ ከመስግኖ እደሊ።
        ብዛዕባቲ `ኣብ’ቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ነካይዶ ጎስጓሳትን እንዝርግሖ ሓበሬታታን ከኣ ብኡን ፈረቕኡን ከይኾነና ጉዳይ ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ከም ማእከላይ ሕቶ ብዘይህሰየሉ ኣገባብ፡ ንዝርኣዩን ዝስምዑን ኣሉታዊ ሃሰይታታ ድማ ብሃናጺ ነቕውፈታ ክንሓልፎ ግድነት እዩ` ዝብል ርእይቶኻ እሰማማዕ ኢየ። ብንጹር ከብርሆ ዝደሊ ነገር ግን ኣሎ። ህግደፍ ኣብ ፍርሕን ምጥርጣርን (fear mongering) ዝነብር ስርዓት ምዃኑ ኣይንረስዕ። ናይዚ ዘሎ ኩሉ ምጥርጣራትን ፍርሕን ጠንቂ ድማ ህግደፍ ኢዩ። ብስም ሓድነትን ልኡላውነትን፡ ህዝብን ሃገርን ዝብትንን ዘብርስን ዘሎ ንሱ ኢዩ። ህግደፍ መዝሙር ልኡላውነትን ሓድነትን እናዘመረ፡ ነቲ ልኡላውነቱ ዝከላኸል ህዝቢ በቲኑዎ። ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ድማ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ንርእዮ ኣለና። ልኡላውነት ናይ ህዝቢ ኢዩ። ንሱ ከኣ ኢዩ ብደም ደቁ ልኡላውነቱ ዝዕቅብ። ብዘይ ህዝቢ፡ መንእሰይ ሃገር እናጠፍአ ብዛዕባ ልኡላውነት ምዝራብ ትርጉም ዘለዏ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ፡ ሓቂ እንተፈሊጡ፡ ተረዳዲዩ ሽግሩ ዝፈትሕ እምበር፡ ኣብ ሓድሕዱ ሴፍ ዝማዘዝ ህዝቢ የብልናን። ህዝብና ድማ ሓቂ ናይ ምፍላጥ መሰል ኣልዎ። ጠንቂ ናይዚ ዘሎ ምጥርጥርጣራትን ሕንፍሽፍሽን ብንጹር እንተ-ተገሊጹሉን፡ ሓቂ እንተፈሊጡን፡ ባይታ ምስ ረኸበ ንኸዐርዮ ጸገም የብሉን።
        ንነዊሕ እዋን ስለ ዝሓባእናዮን ስለ ዘይተዘራረብናሉን ድማ መሊሱ ክገድድን፡ ኣብቲ እነካይዶ ቃልሲ ክዕንቅፈና ጥራይ ዘይኮነ ኣንፈትና ከስሕተናን እምበር፡ ክጎድል ወይ ክመሓየሽ ኣይተራእየን። ህዝቢ ዕጭ ሓንፊፉ እምበር፡ ህግደፍ ኣብ መንጎ ኣውራጃታት ኲናት ካብ ዝኸፍት`ኮ ነዊሕ ኢዩ ገይሩ። ነዚ ዘረጋግጽ ብዙሕ ኣብነታት ክመጽእ ከም ዝኽእል ንስኻ`ውን ትስሕቶ ኣይመስለንን። ሕጂ`ውን ልዕሊ ፖለቲካ ዝኸይድ ሓድነት ዘለዎ፡ ግን ከኣ ሓቂ ክፈልጥ ዝደሊ መስተውዓሊ ህዝቢ ሰለ ዘለንና፡ እንኣምነሉ ሓቂ ካብ ምግላጽ ክንቁጠብ ግቡእ ኣይኮነን።
        ምምቕቓል ኣውራጃታት ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ይቀያየር ምንባሩ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብዚ ዳሕራይ እዋን ንኣብነት ኣብ 9 ምምሕዳራት (ኣውራጃታት) ተመቒሉ ምንባሩ ሰሚዐ ኣለኹ። ስለዚ እቲ ጋሽ ንበይኑ፡ ባርካ ድማ ንበይኑ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ፡ ነዚ ዳሕረዋይ ምክፍፋል መሰረት ዝገበረ እመስለኒ። እቲ መብዛሕትኡ ሰብ ዝፈልጦን፡ ብቑልዕነትና ዝተማሃርናዮን ምክፍፋል ኣውራጃታት ግን ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። እተን ኩሉ ሰብ ዝፈልጠን 8 ኣውራጃታት ኤርትራ፡ ባርካ፡ ሳሕል፡ ሰንሒት፡ ሰምሃር፡ ኣከለጉዛይ፡ ሰራየ፡ ሓማሴንን ደንከልን ኢየን። ኣነ`ውን ነዚ ኢየ ከም ዓንዲ ማእከል ናይ ሓበሬታይ ዝተጠቐምኩሉ። ንዕኡ ድማ ኢየ ናብ 12 ምምሕዳራት ተመቒሉ ዝበልኩ።
        ካልእ ብመራሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝስርሓሉ ዝነበረ፡ ኩሉ መሰረታት ተጋዳላይ ናይቲ ውድብ ብንጹር ዘይፈልጦ ድማ ከሰላ ከም መበል 13 ምምሕዳር ምንባሩ፡ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ውድብ ምውካስ ሓጋዚ እመስለኒ።
        ብዛዕባ`ቲ ክብ ኢልካ ኣብ ለ ከምኡ`ውን ኣብ ሐ ገሊጽካዮ ዘለኻ ግን፡ ካብ ፖለቲካዊ ዕብለላ ዘድሕን ኣይኮነን። እተን ጠቒስካየን ዘለኻ 12 ምምሕዳራት`ውን እንተኾነ፡ ማዕረ ስልጣንን መሰልን እንተድኣ ሃልዩወን፡ ካብኣተን ተወኪሉ ዝቐውም ባይቶ፡ ንህዝብና ብማዕረ ይውክሎ`ዶ? ልዕሊ 50 ካብ ሚእቲ ንዝብዝሑ ህዝቢ፡ ካብ ርብዒ ንታሕቲ ውክልና ምስ ዝህልዎ`ኸ ሰላም ከምጽእ ይኽእል`ዶ? ኢዩ እቲ ሕቶ። ስለዚ እቲ ዝቐውም ምምሕዳራት ኮነ ዝቐውም ባይቶ፡ ንብዝሒ ህዝብን ንሱ ዝህልዎ ድምጽን ኣብ ግምት ዘየእቱ እንተኾይኑ፡ ዘይሩ ዘይሩ ዓብላልነት ኢዩ ዘረጋግጽ። ብዓንዳ ርእሱ ድማ መሪሕነት ውድብ ተ/ሓ/ኤ ብተወልድቲ ኣውራጃ ባርካ፡ ብውሕዱ ድማ ኣውራጃ ሰንሒት ዝተዓብለለ ምንባሩ ዘካትዕ ኣይመስለንን። ንሳቶም ኢዮም ዝለዓለ ናይ ምውሳን መሰል ዝነበሮም። ንሳቶም ከኣ ኢዮም መን፡ ኣበይ ክምደብ ዝገብሩን፡ መምርሒታት ዝህቡን። ኣብ ጽሑፍካ’ውን እቶም ዝምደቡ ሓለፍቲ ዝወሃቦም መምርሕን ዝልእክዎ ጸብጻብን ንፈጻሚት ቤት-ጽሕፈት ምንባሩ ገሊድካ ኣለኻ። ስለዚ እቲ ሕቶ መን ኣበይ ተመዲቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንታይ መምርሕን ትእዛዝን ተዋሂቡ? ኢዩ`ቲ ነገር።
        ብሓፈሻ ግን ኣነ ነዚ ክጽሕፍ ከለኹ፡ እቲ ኣብ ተ/ሓ/ኤ ኮነ ህግደፍ ዘሎ ናይ ምምሕዳር ኣከፋፍላ፡ ምስ ምምቕራሕ ጸጋታት ሃገርናን፡ ቁጠባዊ ምትእስሳራቱን (ኣብ ገሊኡ ኣውራጃታት)፡ ዘልዎ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባሌ ኣይከይድን ኢዩ`ሞ ክቕየር እምበር ክጽገን ዘለዎ ኣይኮነን ኢየ ዝብል ዘለኹ። እቲ ናይ ተ/ሓ/ኤ ድማ ከም ኣብነት ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ህዝብና ኢዩ ቀሪቡ። ብሕጂ`ውን ካልእ ኣውራጃ፡ ብሀር፡ እንዳ፡ ከባቢ ወይ ሃይማኖት ዝዕብልሎ መንግስቲ ከይትከልን ኩሉ ህዝቢ ማዕረ ተጠቓሚ ጸጋታት ሃገሩ ንኽኸውን ኢየ ዝሕብር ዘለኹ። ኣብዛ ንእሽቶ ሃገር ዓብላልን ተዓብላልን፡ ረባሕን ዝኸስርን ክህልወና ከነፍቅድ የብልናን። ንሱ ጥራይ ከኣ ኢዩ ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽ። እዚ ድማ ብጽገና ዝመጽእ ኣይኮነን።
        እዚ እንርእዮ ዘለና ፋሽን ዝመስል ናይ ብሀር፡ ከባቢን ካልእን ውደባ ድማ፡ ጠንቁ ተወለድቲ ሓደ ውሱን ከባቢ ንኹሉ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም፡ ንኹሉ ጸጋታት ሃገር ደስ ብዝበሎም መንገዲ ከባኽንዎ ከለዉ፡ እቲ ካልእ፡ እንተላይ ኣብቲ ዝተወልድሉ ከባቢ ዝነብር ድኻ ሓረስታይ፡ ተዓዛቢ ጥራይ ከም ዝኸውን ስለ ዝተገብሪ ኢዩ።
        ብዛዕባ`ቲ ኣብ ታሕቲ ብዝርዝር ኣቅሪብካዮ ዘለኻ፡ ንፍርድን ካልእን ዝምልከት ኣካይዳ ተ/ሓ/ ኤ ግን ብዙሕ ዝብሎ የብለይን። ጽሑፈይ ናብቲ መሰረታዊ ሃገራዊ ፖሊሲ ዘተኮረ ኢዩ። ነገር ብርእሱ እንተ ዘይተመሓይሹን ዘይተዓርየን ድማ ዘይሩ ዘይሩ ናብ ጸገም ኢዩ ዘምርሕ።
        ንዝሃብካኒ ሓበሬታ እናኣመስገንኩ ድማ ንሕጂ ኣብዚ ክውድእ ጽቡቕ እመስለኒ።
        ታደሰ ኪዳነ

  • TRUE LIES November 1, 2014

    ኣነ ዝገርመኒ ነገር እንተሎ እታ ብኣውራጃ ተመኪሓ መንካዕ ኢላ ዝቐተለት ክሳዕ ሕጂ እውን ኣብ ኣውራጅኣ እንተዘይኮይኑ ካልኦት ከይምዕብላ ትቃለስ ዘላ ኣውራጃ ዘይትሓተት ነታ ጥቕዕቲ ኣውራጃ ከም ገበነኛ ጌራ ተቕርባ ጥራይ ዘይኮነስ ነተን ካልኦት ኣውራጃታትን ብሄራትን እውን ነከለጉዛይ ብዓይኒ ጥርጠራን ጽልእን ክርእይኣ ተዓዊታ።እንታይ እዩ እቲ ኹነታት ዘስግእ እኮ እዩ ምኽንያቱ ንፋላለ ኣለና ብዙሓት ደቂ እታ ትጥቃዕ ዘላ ኣውራጃ እውን እናሓደሩ ይንጸሉን ይባጨዉን ስለ ዘለዉ ኢሳያስ እውን እንተወረደ ከምዚ ሓው ታደሰ ዝብሎ ዘሎ ብሕልፊ ኣብ ሞንጎ ደቂ ክልተ ኣውራጃ ዘስግእ ኩነታት ከይፍጠር ይፈርህ ኣነ። ንምንታይ ኢና ኣካለስንኩላን ክቕተሉ ከለዉ እውን ብድሕሪኦም መንካዕ ኣውራጃውያን ይትኩሱ ኔሮም እዮም ኢሉ ዝኣመነ ሰብ እታ ጨቋኒት ኣውራጃን ስዓብታን ብዙሕ ሰብ እዩ።እንታይ እዩ ንብላሽን ንውግእ ሓድሕድን ዲና ተዋጊእና።ኣውራጃዊ ጽልኢ እኮ ክሳዕ ዓንቀርና በጺሑና።እቶም ምስ ወያነ ክውግኑ ዘይደልዩ ሰባት እውን ምስ ወያነ ክጸምዱ ክግደዱ እዮም።ዝሰምዖ ዝስኣነ ኣውራጃ ካብ ዝጸድፍ ቆንጠጠፈ ክሓቁፍ እዩ።
    ብሓቂ ዘስግእ ኩነታት እዩ።ኣውራጃና ብዘየገድስ ነቶም ሓረድቲ ኣውራጅካውያን ከነውግዞም ይግባእ፣ኣውራጃና ኣበይ ብዘየገድስ።

  • Zekaryas November 2, 2014

    Greetings Kubur Haw Ato Yemane,
    Indeed, identifying your problems is one step towards solving them. Honesty is always appreciated. In our case however, to see an Eritrean this honest and dedicated is really refreshing and God bless you brother. History and the people of Eritrea will judge these so called “Muhuran” like Dr. Asefaw opportunists harshly indeed. However, dear brother Tadesse, you’ve to understand manipulation is a form of art that requires adjustment as you go to get what you want. Issayas, Dr. Asefaw and Mesfin Hagos have been using the art of manipulation effectively. The simple question should be how “nezi sur hgdef si bitkh bitkh keneblo”? Thank you for your positive contribution and inputs.

    • Zekaryas November 2, 2014

      correction : please read Haw Ato Tadesse and not Yemane. Many thanks.

  • amanual November 2, 2014

    Ato tadese
    mejemerya selam kbleka ydeli kexile mejemerya xhufka btaemi temesite eye zenbbo nere hji gn xhufka kreyo keleku ab eritrea fluyat hbreteseb xelaetka gerka tkales zeloka koynu ysmeani kmzi natka reto zelewom sebat yegatmuni eyom mebzahtom gn kab hade awraja eyom eski nezom sebat sltan nhabom emo mrhuna nbelom kab isayas do zhaysh merihnet do mhalewom eski aynka amitka ab xmw zbele bota konka hsebelu emo melsi xhafelna ember ezi hzuka zelo hmam kab EBOLA yhyl so keltifka vaccine dleyelu

  • megos November 2, 2014

    Ato Amanuel
    first of all, Tadesse did never say, this Awraja, zoba or kebabi has to be the leader. He clearly say, let’s have rule of law. rule of law never mean I or we have to lead. Tadesse only stated let every one fight against the brutal regime. It is clearly your interpretation and only your own opinion to say that. read carefully all the contents of his article.

  • Truly Truly i say to you November 2, 2014

    ኽቡራት የሕዋት እዚ ሓደገኛ ዝኮነ ናይ ብሔር ፍልልያት ጠጠው ተ ዘይበለ፣ ከምቲ ኣብ ግዜ ብሉይ ኪዳን ይትረፍ ብስንኪ ፍትሓዊ ሥርዓት ኣልቦነት ሓደ ብሔር ኣብ ልእሊ ካልእ ብሔር ገበን ፈጺሙ፣ ሃደ ካብቲ ነገድ እሥራኤል ዝኮነ ለዊያዊ ንሃንቲ ካብ ነገድ ቤቴልሔም_ ይሁዳ ሰበይቲ ሒዙ ንሩሕቅ ኣዲ ይገይሽ ኣብዝነበረሉ ዕዋን ብእየሩሳሌም ሓሊፉ ናብቲ ክበጽሆ ዝደለዮ ኣዲ ቅድሚ ምብጽሁ ምድሪ ኣዝያ መሰየቶምሞ ንሃደ ኣረጊት ሰብዓይ ካብ ከረን ኤፍሬም መጺኡ ወሰንተኛ ኾይኑ ኣብ ጊብዓ ይቕመጥ ንዝነበረ ንከሕድሮም ሓቲቱ ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ ሰላም ይሀሉኻ፡ ሓንጽ ኣብዚ ኣደባበይ ደአ ኣይትሕደር እምበር፡ ዝጎደለካ ዘበለ ኻባይ ድለዮ በሎ። ናብ ቤቱ ኣእትዩ ኸአ፡ ነተን ኣእዱግ ዚብላዕ ሀበን፡ ኣእጋሮም ተሕጺቦም ከአ በልዑን ሰተዩን። ንሳቶም ልቦም ምስ ተሓጎሰ፡ እንሆ፡ ሰባት እታ ኸተማ፡ ደቂ ብልያል፡ ነታ ቤት ኣኽቢቦም፡ ነታ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብኣይ በዓል ቤት ድማ፡ ነዚ ኣብ ቤትካ ኣትይ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፡ ኣውጽኣዮ ኢሎም ተዛረብዎ። እቲ ሰብኣይ በዓል ቤት ናባታቶም ወጺኡ፡ ኣሕዋተይ ኣይፋልኩም፡ በጃኹም ክፉእ ኣይትግበሩ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤተይ ካብ ኣአተወስ፡ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ። እንሆ፡ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰኑን፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ከም እተራእየኩም ጌርኩም ኣሕስርወን፡ ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ግና ከምዚ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ፡ በሎም። እቶም ሰባት ግና ኪሰምዕዎ ኣይፈተውን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ ናብኦም ኣብ ግዳም ኣውጽኣ። ንሳቶም ከአ ፈለጥዋ፡ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ድማ ዐመጽዋ። ቀይሔ፡ጸሊም ኪቐዽ ከሎ፡ ትኺድ ሓደግዋ። ኪወግሕ ምስ ጀመረ፡ ኣታ ሰበይቲ ናብ ደገ እታ ጎይትኣ ዘለዋ ቤት መጺኣ፡ ክሳዕ ዚበርህ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት። እቶ ጎይትኣ ብጊሓት ተንሲኡ ማዕጾ እታ በኢት ከፈተ፡ መገዱ ኪኸይድ ድማ ወጸ። እንሃ፡ እታ ሰበይቲ፡ ስበይቲ ወሰኑ፡ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፡ ኣእዳዋ ኸአ ኣብ ልዳት ዘርጊሓ ነበረት። ንሱ ድማ፡ ተንስኡ ንኺድ በላ። ግናኸ ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ጽዒንዋ ተላዑሉ ናብ ቦትኡ ኸደ። ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ፡ ካራ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ በብብልዕቲ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቖራጽ ቆራረጻ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ሰደዳ። ኮነ ድማ፡ እዚ ዝረአየ ኹሉ፡ ደቂ እስራኣኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኸምዚ ዘመሰለ ኾይኑን ተራእዮን ኣይፈልጥን። ሕሰብውን ተማኻኸሩሉን ተዛራረቡሉን በለ።
    ኽቡራት የሕዋት ነቲ ታሪኽ ከምዘሎ ኣብዚ ንምዝንታው ነዊሕ ስለዝኾነ ብሃጸሩ
    ብድሕሪኡ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ብዘሎ ነገድ ብንያም፡ እዚ ኣባኻትኩም ዝኾነ ኽፉእ ነገር ኣንታይ እዩ፡ ሕጂ ኸአ ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ከነርሕቖስ፡ ነቶም ኣብ ጊብዓ ዘለው ደቂ ብልያል ክንቀትሎም ሀቡና ኢሎም ሰባት ለአኹ። እቶም ደቂ ንብያም ግና ቃል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ኪሰምዑ ኣይፈተውን። በዚ ምኽንያት ኣብ ልእሊ ደቂ ብንያማያን ንምጥፋእ እቶም ኩሉም ነገዳት (ብሔራት)ብሃባር ዂናት ስለዝ ኣወጁሎም በቲ ሕድ ሕድ ውግእ ብድሕሪኡውን ዝኾነ እስራኤላዊ ነገድ ምስ ብንያማያን ከይዋሰብ ፈርዶምዎም ስለዝነበሩ፣ ካብቲ 12 ነገድ እሰራኤል ሃደ ዝኾነ ናይ ቢንያም ነገድ ዳርጋ ጸኒቱ ካብ ታሪክ ክሕከክ ቀሪቡ ከምዝነበረ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ (መጽሓፍ መሳፍንቲ
    መበል 19ምዕራፍ መበል ፳ ምዕራፍ መበል 21 ምዕራፍ የዘንትወልና።

    ቱሩሊ እዚ ኹሉ ምሕውታት እንታይ ንምባል እዩ፧ ትብሉኒ ተኮይንኩም ኣብ ቃል እግዚኣብሔር ዝተጸሓፈ ነገር ዊእሉ ሓዲሩ ተደይተጠንቂቅናን ከም ሕዝቢ ነነዌ ተናሲሕና ነቲ ኣምላኽ ከምጽዖ ዝበይኖ ጥፍኣት ክንድህን እንተዘይኪእልና እመኑኒ ኣብ ልእሊ ደቂ ሓማሴን ወይ ከኣ ኣብ ልእሊ ደቂ ኣኮሎግዛይ እቶም ካልዖት ነገድ ብሃባር ልኽእ ብንያማውያን ከምዝጽነቱን ካብቲ ሕብረተሰብ ዳርጋ ከምዝተነጸሉን ንሓዲዖም ነጽንቶም ኢሎም ውግእ ንከይእዉጁ ስልዝሰጋእኹ እዩ።
    ኣነ ከምትእዝብተይ ዋላዃ እዚ ሽፍታ ኣረመኔዊ ሥርኣት ንሃደ ብሔር ኤርትራ ፈልዩ ዝጠቀሞ ከምደየሎ እንተኣመንኩ፣ ኣብቲ ናይ ስልጣን ኮርሻ ግን ከምቲ ሓውና ታደሰ ኪዳኔ ብትብኣት ክገልጾ ዝፈተነ፣ ንገለ ብሔራት ሃለፍቲ ብፍላይ ነቶም ድኹማት ደቂ ኣዲ እናመረጸ መሳርሂ ብምግባር ንሕዝብና ብናይ ብሔር ፍልልይ ከናቁትን ብካልእ ወገገን ድማ ፍትሓዊ ንምምሳል ከምዝጽእርን ክንክሕዶ የብልናን። ኣነ ከም እምነተይ እቶም ኢሳያስ ብስነ ልቦና ድኽመቶምን፣ ገለ ሃለፋ ጠቕምን ብምሃብ መሳሪሂ ገርዎም ዘለዉ ሰበስልጣናት ካብ ሓምሴን ይብዝሁ ካብ ኣከለጉዛይ ዋላ ካብ ሰራዬ ነቲ ሃደ ጠቅሚ ዘይረኸበ ናይ ኩሉ ብሔራት ሰፊሕ ሕዝቢ ዝውክሉ ኣይኮኑን። ብጀካ ንነፍሶምን ኣዝማዶምን። ይኹን እንበር ነቲ ለዋሕ ህዝቢ ኣታሊሎም ኣይጥቀሙሉን ኣለዉ ክበሃል ኣይከኣልን።
    በዚ ምኽንያት ክቡር ኣማንኤል እያሱ ሓውና ዋላዃ ካብቲ ዘለካ ቅንእና ክትቅበሎ ተደይደለኻ፣ ብሃቂውን ከምደይሃንጸናን ከምደየዋጽኣናን እንተፈለጥና እቲ “ሓማሴን ደጋፊ መንግስቲ፣ ኣከለጉዛይ ተቓዋሚ፣ ሰራየ ድማ ላንጋ ላንጋ” ዝብል ኣመር ኣብ ቦቱኡ ዘሉ ሓቂ ከምድ ኾነ ክንክሕዶ ኣይግባእን። ዝኾነ ሕሊና ዘለዎ ኣብ ፈቀዶ ናይ ሕግደፍ ሴሜናራትን ፌስቲቫልትን ከይዱ ብምእዛብ ከረጋግጾ ዝኽእሎ ሓቂ ስለዝኾነ፣ በዚ ምክንያት ናይ ታደሰ ትእዝብቲ ዋላዃ ናይ መጽናእቲ ጉድለታት የብሉን እንተዘይተበሃለ ናይ ኣማንኤልም ስክፍታ ጌጋ ስለዘይኮነ ንኽልቴኹም ከመስግን እደልይ።

    • Ermias November 3, 2014

      Truly, that is extremely well articulated and said.

  • ahmed saleh November 2, 2014

    Truly
    It looks some people misinterpreted Tadesse’s article toward
    regional tendencies to bring misleading kind of arguments .
    We heard many stories of corrupted officials reputation use
    regionalism to protect their self interest . To defend them solely
    because they hail from my region is to underestimate the suffering
    of innocents including from your own region .
    Ignore comments which invite division and suspicion like some
    of them already tried .
    Abey zineberu iyom haleyti hamasien eba akeleghuzay eba ilom
    zigeharu .. meda Eritrea ala ayni miskr nay deka bhabera .
    nihna ina deki debub – deki semyen – deki merab –
    deki mibrak – TWLDI DEKI HAGHERE ERITREA . wedehankum

  • bielo November 3, 2014

    Tadese

    by the way is there a border which clearly tells which piece of land belongs to which ethnic group in Eritrea…..Secondly, if your answer is,yes, when and where was that agreement done amongst the Eritrean ethnic groups…..thirdly , and what was the basis or ideals for demarcating their respective land borders….fourth, would you mind defend your argument with substantive historical documents in any form *written or audio’…………fifth, based on how and what you are arguing for , in relation to land ownership and other important national resources, have u ever imagined what the socio economic impacts of that issue will be…..as to your arguments , the sea belongs to the afar and gash barka belongs to the kunama,,,,,,so the highlanders must leave that land for the natives. do u think practically it is feasible….or you are simply bringing it for the sake of argument, knowing it will hurt the over all social fabric of the country…..and if the Kunama are to claim the whole gash barka area how and by which means they will claim their borders…..this point reflects all of your arguments are based on nonsense and self killing arguments. this nullifies and negates the whole series of yours. come on to earth brother

    • Zekaryas November 4, 2014

      bielo,
      We may say we all have to work together for the artificial border and land that keeps us in common. Nationalism is a contract that has been chosen by different ethnic groups and religion to have a democratic administration. And it can be changed if not agreed upon but my religion is mine my tribe and ethnic group is mine and if that is not respected and kept alive the nation you call can go to hell. This is truth and painful but simply when we lose our ethnic identity we lose everything. Nation is for all and all should benefit as all have paid their dues. But nation is not above all just for some to benefit, that is the time nation becomes nothing.

      • bielo November 4, 2014

        dear Zac

        i think what you wrote is not an answer to what i asked. did i say some thing that neagtes the existence or recognition of any ethinic or religion in our country. and i am not the one to decide that. i am just asking if there is a clear border across ethnic groups in Eritrea. i used to hear some people saying Barca is for tigre or any other ethnic group. is this real and backed up by evidences originating from official agreements done across history? what is the basis to claim a land in relation to ann specific group in Eritrea? where is the specific border for Tigrigna Ethnic group when you come to land owner ship? and who did that agreement and when was that resolution enacted ? i just want some credible documents on this issue. Tadese is implying that there is this kind of agreement and i just want him to provide us with this very critical refrences. i dont want leave him to say what he is saying…..he just trying to create confusion and disentegration…

  • Birhane November 3, 2014

    Cheeeeeeeeeeeeeeep dont west your time to read TADESE’s nonsense and emotional articles. just forget it

  • Antonio Tesfay November 6, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና
    ዝኽበርካ ክቡር ሓው ታደሰ

    ብመጀመሪያ እቲ ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ንህዝብና ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ብዝምልከት ብሓቂ ክተባባዕ ዘለዎ ጉዳይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ከምስግነኩም እፈቱ።
    ከምኡ’ውን ሓው ታደሰ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላልየ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ከመሓላልፎ ዝጸንሐ ተምክሮ ቃልስን፡ ካልእ ብሓቂ ክተባብዕ ዘለዎ እዩ።

    ኣብ’ቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ነካይዶ ጎስጓሳትን እንዝርግሖ ሓበሬታታን ከኣ ብኡን ፈረቕኡን ከይኾነና ጉዳይ ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ከም ማእከላይ ሕቶ ብዘይህሰየሉ ኣገባብ፡ ንዝርኣዩን ዝስምዑን ኣሉታዊ ሃሰይታታ ድማ ብሃናጺ ነቕውፈታ ክንሓልፎ ግድነት እዩ። ሕሉፍ ታሪኽ ሀ/ ተ.ሓ.ኤ ለ/ ህ.ግ.ሓ.ኤ ሐ/ተ.ሓ.ኤ ህ.ሓ.ሓ ወዘተ…. ታሪኽና ስለ ዝዀነ ብጥንቁቕ ኣገባብ ክንሕዞን ብሓላፍነት ክናብዮን ካብ ዝግበኣና ሓደ ንነዊሕ እዋን ዝኸደ ኣውራ ወይ ማእከል ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ንነጻነት’ዩ።
    ካብ’ዚ ቀጺለ ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ክሳብ 5ተ ክፋላት ብሓው ታደሰ ኣብ ምምሕዳር ዞባታት ምምቕራሕ ጸጋታት ሃገር ዝብል ንዝምልከት ብፍላይ ኣብ’ቲ ብወገን ተ.ሓ.ኤ ዝሃቦ ወይ ዘቕረቦ ሓሳብ ገገለ ርእይቶ ክህብ ምስ ደለኹ።
    ብወገነይ ከብርሆን ክሕብሮ ዝደሊ ከኣ ብኣዋራ ነቲ ምምጝዳራዊ ዞባታት ብዝብል ነቲ ብወገን ተ.ሓ.ኤ ዝተፈጸመ ወይ ዝተወሰነ ምምሕዳራት ከም ናይ ረብሓን ጠቕምን ገቢሩ ምስ’ቲ ብ19 ታሕሳስ 1995 ኣብ ሳድሻይ ስሩዕ ኣኼባይ ግዜያዊ ባይቶ ኤርትራ( ህ.ግ.ዲ.ፍ) ኤርትራ ከም ሓድሽ ኣብ 6 ምምሕዳራት ንምክፍፋል ዝሕላአፈ ውሳኔን ኣዋጅን ኣዛሚዱ ንዘቅረቦ ዘርኢ ጉዳይ’ዩ።
    ግርም፡ድሕሪ መድረኽ ብግዜ ክፍልታት ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ሰራዊት ሓርነት ብኣኬባ ዓራዳይብ 16 ሰነ፡ 21 ሓምለ፡31 ሓምለ ንምእንቲ ሓድነት ሰለስተ ግዜ ዝተጸወዐ ጸውዒት ስሉሳዊ ሓድነት ጉባኤ ዓንሰባ 10 መስከረም 1968 ተኻይዱ፡ ጉባኤ ኣዶብሓ 25 ሓምለ 1969፡ ጉባኤ መዓስከር ዓወተ ወይ ወታሃደራዊ ጉባኤ ከኣ ካብ 26 ለካቲት ክሳብ 13 መጋቢት 1970፡ እንተን ዝነበራ ሓሙሽተ ክፍልታት ሰሚረን ከኣ ሓደ ውድብ ተ.ሓ ኤ፡ መሪሕነት፡ ሓደ ሰራዊት ኣቖማ። ካብ 14 ጥቅምቲ ክሳብ 12 ሕዳር 1971 ከኣ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ ኤ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ መድረኽ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሓደ ካብ ዘቆሞ ምምሕዳራዊ ክፍልታት፡ ነቲ ንቡር ባህላዊ ማእከል ዝዀነ ኣውራጃታት ከየፍረስካ፡ ንገድላዊ ዕማማትን፡ ህዝቢ ምስ ገድሉ ክራኽበሉ ብዝኽእል ኣብ’ቲ ግዜ ብዝተገብረ መጽናዕቲ ንክልቲኡ ሸነኽ መዚኑ ዘቆሞ ምምሕዳራት’ዩ ዝነብረ። እዚ ምምሕዳራት ከኣ ብዝተፈላልዩ ማለት ናይ ዝተፈላልዩ ብሄራት መበቆል ዝነበሮም ኣባላት መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ዝመሓደር’ዩ ዝነበረ። ኣብ’ቲ ምምሕዳራት ከኣ ካብ ዝተፈላልየ ብሄራት ኣብ ተ.ሓ.ኤ ዝተሰለፉ ዝቃለስሉ ዝነበሩ ምምሕዳራት’ዩ። እቲ ምምሕዳራት ምስ ኩነታት ጸላእን ድሕረ ግንባር ወይ ደጀን ተ.ሓ.ኤ ኣብ ግምት ኣትዩ ዝትወሰን’ምበር፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ምምሕዳር ሓሓለፍቲ ብቦታዊ ዝውለዱ ዝቆመ ከም ዘየነበረን፡ ንረብሓ ነፍሲወከፍ ምምሕዳር ዝጣበቕ ሰራዊትን ምምሕዳርን ከም ዘይነበረ ኣረጋጊጸ ክዛረበሉን ክጽሕፈሉን ንህዝብና ሓበሬታ ከመሓላልፈሉን ካብ ዝደሊ ኣውራ ነጥቢ’ዩ።
    ብመጀመሪያ ክእርሞ ዝደሊ
    ሀ/ ሓደ ዞባ ጋሽን ባርካን ኣብ ሓደ ኣይነበረን
    ለ/ ካልኣይ ናይ ምምሕዳራት ሓለፈቲ ናይ ዝተፈላልዩ ብሄራት ደኣ’ምበር ኣብ መብዛሕትኡ ናይ’ቲ ምምሕዳር ተወለድቲ ኣይነበሩን። ነዚ ድሕረ ክገልጾ እየ
    ሐ/ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳራት ተ.ሓ.ኤ ዘይተሓዋወሰ ናይ ህዝብን ሰራዊት ዝተፈላልየ ነናቱ ምምሕዳር ዝነበሮ እዩ። ኣብነት ሕክምና፡ ጸጥታዊ፡ ፍርዳዊ፡ ንዝምልከት ብክልተ ዝተፈላልዩ ትካላት ናይ ህዝብን ሰራዊትን ተባሂሉ ዝመሓደር’ዩ ዝነበረ። ብፍላይ ብፍላይ ኣብ’ቲ ናይ ፍርዲ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳይ ባዕሉ ጀሚሩ ዝፍጽሞ ናይ ሲቪላዊ ጉዳይ ፍርዲ ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦን ዘይከሓድን’ዩ። ከም ኣብነት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ከበሳ ምስ ዓድን ባይቶን ብሕጊ እንዳባ፡ ምስ ጭቃታትን ምስሌንታት ዓድን ብምትሕብባር ሲቪላዊ ሽግራት ከም ናይ መሬት፡ ውርሻ፡ ካልኣ ሲቪላዊ ጉዳያት ንምፍታሕ ፍርዲ ዝምርሓሉ ዝነበረ ናይ ክቡር ነፍስሄር ኣቦና ባሻይ ገብረእግዜኣብሄር ተሰማ ክዝከር ይከኣል። ነፍስሄር ኣቦና ባሻይ ገብረእግዚኣብሄር ተሰማ ተጋዳላይ ኮይኖም ምስ ህዝቢ ብቀረባ ብምርድዳእ ብሕጊ እንዳባ፡ ብምርድዳእ ን ምስምማዕን ሰብ ነገር ጉዳይ ውዱእ ዝገብሩ ዝነበሩ እዮም። ሰብ ነገር ኣይፋልናን እንተበሉ ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ናብ ወድብ ይሰጋገር ከም ነበረ እዩ ዝፍለጥ። ነዚ ጉዳይ ከኣ ህዝብና ኣሉ ዝብሎ ዘይብሉ ሎሚ ንህልዋት ሓቲትካ ክትፈልጦን ክትምርምሮን ዝካኣል ሓቂ እዩ። ክሳብ ሎሚ’ውን ህዝብና ዝዝኽሮ ጉዳይ’ዩ።
    ምምሕዳራት ተ.ሓ.ኤ ከም’ዚ ዝስዕብ’ዩ ዝነበረ
    ምምሕዳር ቁ. 1 ጋሽ
    ምምሕዳር ቁ. 2 ላዕላይ , 3 ታሕታይ ባርካ
    ምምሕዳር ቁ. 4 ዓንሰባ
    ምምሕዳር ቁ. 5 ሰንሒት
    ምምሕዳር ቁ. 6 ሳሕል
    ምምሕዳር ቁ. 7 ሰምሃር
    ምምሕዳር ቁ. 8 ሓማሴን
    ምምሕዳር ቁ. 9 ሰራየ
    ምምሕዳር ቁ. 10 ኣከለጉዛይ
    ምምሕዳር ቁ. 11, 12 ሰሜንን ደቡብን ደንከል
    ኣብ’ዚ ከባቢታት ብማዕረ ዝተወደበን ዝተዋፈረን ህዝባዊ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕና እንስሳ፡ ጸጥታን ቤት ፍርዲ ካብ ወታሃደራዊ ብፍሉይ ዝተሓዝን ዝናበን ዝነበረ’ዩ።
    ካልእ ነዚ ናይ ዞባዊ ረብሓን ተቕምን ዘየመልክት ምዃኑ ዘረጋግጽ፡ ኣብ መስገብ ዝስውኣት ተ.ሓ.ኤ ወዲ መን ኣውራጃ ኣበይ ተሰዊኡን ሰንኪሉ ተጋዲሉን ብሰፊሑ ዝገልጽ ሓባሪ፡ ሓባራዊ ሰነድ ክምስክሮ ዝኽእል’ዩ።
    ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ’ዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ምምሕዳራት
    ጠርናፊ ኣማሓዳሪ ወኪል ተ.ሓ.ኤ
    ወኪል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት
    ወኪል ጸጥታዊ ቤት ጽሕፈት
    ወኪል ዜና ቤት ጽሕፈት
    ወኪል ምጣነ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት
    ወኪል ሕብረተ ሰብኣዊ ቤት ጽሕፈት (ህዝባዊ ጉዳያት) ሕክምና፡ ትምህርቲ፡

    እዚ ምምሕዳራት’ዚ ህዝባዊ ጉዳያትን ናይ ሰራዊት ሓርነት ጉዳያትን ፈለልዩ ዝርኣዮ ጉዳይ እዩ ዝነበረ። ከም ኣብነት
    ሀ/ ወታሃደራዊ ስርሒት ወታሃደራዊ ጸጥታን
    ለ/ ጸጥታዊ ፍርዳውን፡ ህዝባዊ ጸጥታን ፍርድን
    ሐ/ ሕክምናዊ፡ ወታሃደራዊ ክ/ሕክምናን ህዝባዊ ክ/ሕክማናን
    መ/ ሰንቕን ዕጥቕን ወታሃደራዊ ፡ መሊሻን ሰራዊት ሓርነትን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ጸጥታን ወታሃደራውያን ሓለፍቲ ዝተኣሳሰረ ነበረ።

    ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ኣብ ፍሉይ ጉዳያት ጸጥታዊ ፍርዳዊ፡ ጉዳያት ሕክምና ንዝምልከት፡ ካብ’ቲ ዝተመደበሉ ምምሕዳር ፍታሕ ምስ ዘይርከብ። ህዝባዊ ጉዳያት ናብ ዝለዓለ ናብ ውድብ ክቀርብ ዝቀርበሉ ዕድላትን መሰልን ነይርዎ፡ ከምኡ ናይ ሕክምን ጉዳያት ናብ’ቲ ዝለዓለ ወታሃደራዊ ሕክምና ማእከላይ ሕክምና ክፍወሱን ክእለዩን ከም ዝመሓላለፈሉ ይግበር። ከምኡ እቲ ናይ ሰራዊት መኽዘን ዕጥቕን ስንቕን ከም ኣድላይነቱ ብፍልይ ብፍላይ ኣብ ስንቕን ሕክምናን ብዝምልከት ምስ ህዝቢ ዝንኣድ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ከም ዝነበሮ ክጠቅሶ እፈቱ፡ ክኸውን ክኸውንስ እቲ ህዝቢ ካብ ናብ ሕብረተ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ሰራዊት ጉዳዩ ስለ ዝሰልጦ ናብ ሰራዊት ዝጽግዖኣሉ ዝነበረ ግዜ ውሑዳይ ዘይነብረሉ ግዜ ብዙሓት ዝምክርዎ ሓቂ እዩ።
    እዚ ብ12 ምምሕዳራት ዝተኸፋፈለ ተ.ሓ.ኤ ብመን ተመሓድሮ ነይራ ንዝብል ሕቶ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ’ዚ ከኣ ተ.ሓ.ኤ ብረብሓ ጠቅምን ተመሓድሮ ዝነበረት ዝብል ሓቕነት ዘይብሉ ታሪኽ ክእረም ከም ዘለዎ ክገልጾ እፈቱ።
    ከም ኣብነት ክጠቕስ
    እዚ ምምሕዳራት’ዚ መበቆል ብሄሮም ብዝየገድስ ውድብ ብቕዓት ኣለዎም ብዝብሃሉ ኣካላት ከም ዝመሓደር ይገበሮ ነበረ፡ እቲ ሓቂ ድማ ንሱ’ዩ። ከም ኣብነት ክጠቕሶ ዝደሊ፡ ኣብ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቃለስክሉ ምምሕዳር ቁ 6 ኣውራጃ ሳሕል ዝነበሩ መራሕቲ ክጠቕስ እፈቱ

    ኣማሓዳሪ ተጋ/ ዓብደላ ሓሰን
    ዜና ተጋ/ ተስፋማርያም
    ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዓብደልዋስዕ
    ጸጥታ ተጋ። ሓድም ናቕፋ
    ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኢብራሂም ወዲ ፖሊስ
    ወታሃደራዊ ማእከላይ ሕክምና ዶር/ ጥዑምስዝጊ ሰንጋልን ዶር/ ሃብቱ የማነን
    ምጣነ ሃብታዊ ብግዜያውነት ነርኣዮ

    ካብ’ዞም ባእታት ብዘይካ ናይ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት፡ ካልኦት ደቂ’ዚ ኣውራጃ ኣይኮኑን። ኣብ ዝተፈላልየ ኣብ’ዘን 12 ኣውራጃታት ብተመሳሳሊ ተመራቒሑ ዝመሓደር ዝነበረ’ዩ።
    ልክዕ’ዩ ኣብ ሓደ ክልተ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ደቂ እቲ ኣውራጃ ከም ተጋደልቲ ኣብ ዝተወለድሉ ኣውራጃታት ዘመሓደሩ ነይሮም እዮም፡ እቲ ኣገዳሲ ግን እዞም ሰባት ዝውሃቦም ምምርሕን፡ ዝላክዎ ጸብጻባት ንፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ደኣ’ምበር ነቶም ደቂ ኣውራጅኦም ኣይኮነን።

    ኣብ መወዳእታ ሰጊረዮ ክሓልፍ ዘይደሊ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ ነፍሰ ነቐፈታ ምልዕል ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ’ዚ ንነዊሕ ዝኸደ ታሪኻዊ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎና ምምሕዳራት ኣውራጃታት ብፍጹም ጌጋታት ዘየነበረሉ ክበሃል ኣይከኣልን። ግን ከኣ በቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ ምስ’ቲ ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝሰርዖ ምምሕዳር ተ.ሓ.ኤ ከምኡ ከም ዘይነበረ ደጋጊመ ክገልጾ እፈቱ።

    እዚ ወድሓንኩም

POST A COMMENT