Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕ ምስ መራሒት ታይዋን ብቴለፎን ብምዝርራብ ንፖሊሲ ኣመሪካ ከምዝጠሓሰ ማከናት ዜና ኣመሪካ ገሊጸን።

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒት ታይዋን ብቴለፎን ብምዝርራብ፣ ነቲ ኣመሪካን ታይዋንን ወግዓዊ ዝምድና ኣብ ዘቋረጻሉ 1979 ዓመተ ምህረት ዝጸደቐ ፖሊሲ ኣመሪካ ከምዝጠሓሰ ማከናት ዜና ኣመሪካ ገሊጸን።   ቻይና፣ ታይዋን ኣካላ ምዃና ንምርግጋጽ ኣብ 1979

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒት ታይዋን ብቴለፎን ብምዝርራብ፣ ነቲ ኣመሪካን ታይዋንን ወግዓዊ ዝምድና ኣብ ዘቋረጻሉ 1979 ዓመተ ምህረት ዝጸደቐ ፖሊሲ ኣመሪካ ከምዝጠሓሰ ማከናት ዜና ኣመሪካ ገሊጸን።

 

ቻይና፣ ታይዋን ኣካላ ምዃና ንምርግጋጽ ኣብ 1979 ‘ሓንቲ ቻይና’ ዝብል ኣምር ድሕሪ ምትእትታዋ እያ፣ ኣመሪካ ነቲ ናይ ቻይና ድሌት ደገፋ ብምግላጽ፣ ምስ ቻይና ዝመስረተቶ ዝምድና ንምሕላው ፕርዚደንታት ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ታይዋን ወግዓዊ ርክብ ከየካይዱ ዝቕይድ ፖሊሲ ነዲፋ።

 

ይኹን ‘ምበር ሙርጽ ፕረዚደንት ትራምፕ፣ መራሒት ታይዋን ብቴለፎን ዮሃና ከምዝበለቶ ኣብ ትዊተር ድሕሪ ምዝርግሑ ብዝተላዕለ ወጥሪ ተገሪሙ፣ “ ንታይዋን ቢልዮናት ዝውድእ ኣጽዋር እናሸጥናላ፣ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ቴለፎን ዘይቅበለሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ እዩ!” ክብል ከምዝደንጸዎ ገሊጹ።

 

ኣፈኛታት መንግስቲ ኣመሪካ ግን ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝዘርግሑዎ መግለጺ፣ እቲ ትራምፕ ምስ መራሒት ታይዋይ ዘካየዶ ዝርርብ ናይ ኣመሪካ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ዘመልክት ከምዘይኮነ ብምግላጽ ነቲ ኩነታት ከተሃዳድኡዎ ፈቲኖም።

 

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ቻይና ብመንገዲ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኣ፣ ኣመሪካ ነቲ ‘ሓንቲ ቻይና’ ዝብል ፖሊሲ ንምኽባር ዝኣተወቶ መብጽዓ ክትሕሉዎ ከምዘለዋ ተሪር ወግዓዊ ምሕጽንታ ከምዘቕረበት ኣገልግሎት ዜና ሺንዋ ኣፍሊጡ።

 

ምምቕቓል ቻይናን ታይዋንን ኣብ 1949 እቲ ብሪፓብሊክ ቻይና ዝፍለጥ ዝነበረ መንግስቲ ቻይና ካብ ቀንዲ መሬት ቻይና ናብ ደሴት ታይላንድ ድሕሪ ምህዳሙ ዝጀመረ እዩ። እቲ ኣብ ታይዋን መንግስቲ ዝመስረተ መንግስቲ ታይዋን ካብ 1945 ኣትሒዙ ንቑሩብ ዓመታት ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወንበር ሒዙ ክጸንሕ ከሎ፣ ብብዙሓት መንግስታት ምዕራብ ከም እንኮ መንግስቲ ቻይና ተፈላጥነት ተዋህቢዎ ጸኒሑ ነይሩ። ኣብ 1971 ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርገጺኡ ለዊጡ ነቲ ኣብ በይጂን ዝነበረ መንግስቲ ወግዓዊ ተፈላጥነት ምስ ሃቦ ግን፣ መንግስቲ ታይዋን ካብ ወንበሩ ተገሊፉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንታይዋን ከም ሃገር ዝፈጣኣ ኣዝየን ሒደት ሃገራት እየን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT