Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምርድዳእ ማዕረ ይገብር

ምርድዳእ ማእረ ይገብር التفاهم سوى دان   ተማቒልካ'ያ ኣለም ተማቒልካ ንበር ህይወት ሃብ ክበር ኣይትቕበር ንበይንኻ ኣይግበርን ቁምነገር ስራሕ ጃብር ኣይኮነ ዋላ ስራሕ ጋብር። የማነ ጀብረ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ፡ "ንፋቐር ንሳነ ንከባበር ንእብየት ብልጽግና ንቑምነገር" እሞ ሕበር ስመር ኣይትከበር ኣይተገድድ  ንታሪኽ ናይ ሓባር ኣይትግበር ንበይንኻ  ንታሪኽ ማይ

ምርድዳእ ማእረ ይገብር

التفاهم سوى دان

 

ተማቒልካ’ያ ኣለም ተማቒልካ ንበር

ህይወት ሃብ ክበር ኣይትቕበር

ንበይንኻ ኣይግበርን ቁምነገር

ስራሕ ጃብር ኣይኮነ ዋላ ስራሕ ጋብር።

የማነ ጀብረ ሚካኤል ከምዚ ኢሉ፡

“ንፋቐር ንሳነ ንከባበር

ንእብየት ብልጽግና ንቑምነገር”

እሞ ሕበር ስመር ኣይትከበር

ኣይተገድድ  ንታሪኽ ናይ ሓባር

ኣይትግበር ንበይንኻ  ንታሪኽ ማይ ሓባር

ራህርህ ለግስ ልቢ ሰብ ኣይትስበር

ራህርህ ለግስ ልቢ ምእመናን ኣይትስበር።

ያ ኣላህ ያ ረቢ ያ ገባር

ይእከል በለና ስደት ምብራር

ጥቕሚ የብሉን ስደት ምስጋር

ናብራ ኣይትገብረሉ ቁምነገር ሓዳር።

ስደት ስድነት’ዩ ኣይንረሓሓቕ

ኣይነፍእ ኣየብልሕ እንትርፎ ሕማቕ

ጽሩይ ነገር የብሉ እንተርፎ ጽያቕ

ናይ ቀልዲ ህይወት’ዩ ንጓና መስሓቕ።

ማእረ ለምለም ነቑማ ንርኣያ

ብርሃን’ያ ኑር ኩሉ ዝደልያ

ኣይትበሉ ደርሆ ንጽባሕ’ያ

ከብዲ ሎሚ ብኣይኑ እናረኣያ።

ተርድኡ ማእረ ትቑም ንነብ ሲ

ተረዱኡ ማእረ ትቑም ብልግ ሲ

ተረድኡ ማእረ ትቑም ንራሕሲ

ተረድኡ ማእረ ትቑም ንፈውሲ።

 

                                                                                                                                                                Awwal Care As-hama

01-Feb-‘12

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Abdi February 2, 2012

    Picture of the year 2011
    ekhbkabs opposition wanna be in their last vacation in Hadash,Ethiopia
    Ethio truism.

  • HGDF February 2, 2012

    A picture is worth a million words. I wonder if the women sitting at the back were contributing to the discussion. It looks like they are there to accompany their husbands and waiting patiently for the meeting to end.

POST A COMMENT