Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስጢር ግዳይ በዓል ጽሩራ ህግደፍ ዝኾነት ጓል ስውአትን፡ አውያት ዓሳታት ማእከላይ ባሕሪ ዝተቛደስዋ “ሳሊናን”፥ ስለምንታይ?

ምስጢር ግዳይ በዓል ጽሩራ ህግደፍ ዝኾነት ጓል ስውአትን፡ አውያት ዓሳታት ማእከላይ ባሕሪ ዝተቛደስዋ "ሳሊናን"፥ ስለምንታይን? ስርዓት ህግደፍ ንሕድሪ ስውአት ጎስዩ፡ ንህዝብን ንዋጋ ዝኸፈሉ ጀጋኑን፡ ብዘይ መስርሕ ሕጊ ኸርዲኑ ምስቃይ ከይአኽሎ፡ ስድርኦም ሲኢኖም፡ አብ ትሕቲ ባሩድን ሃድን

ምስጢር ግዳይ በዓል ጽሩራ ህግደፍ ዝኾነት ጓል ስውአትን፡ አውያት ዓሳታት ማእከላይ ባሕሪ ዝተቛደስዋ ሳሊናን ስለምንታይን?

ስርዓት ህግደፍ ንሕድሪ ስውአት ጎስዩ፡ ንህዝብን ንዋጋ ዝኸፈሉ ጀጋኑን፡ ብዘይ መስርሕ ሕጊ ኸርዲኑ ምስቃይ ከይአኽሎ፡ ስድርኦም ሲኢኖም፡ አብ ትሕቲ ባሩድን ሃድን ነፈርትን፡ አብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝዓበዩ፡ ዘኽታማት ደቂ ስውአት’ውን  ከይተረፉ፡ ባዕሉን ብመገዲ ዕሱባቱን፡ ከከላብቶምን ከሳቅዮምን ይርከብ። ንህዝቢ ኤርትራ በአልማማ፡  ንመንእሰያት ሃገረ ኤርትራ ብሓፈሽኡ፡ንዘኽታማት ደቂ ስውአት ክዓ ብፍላይ፡  ግዳያት በላዕ ሰብ ስርዓት ህግደፍን ስብ ጽሩራን ክኾኑ መን ፈሪድዎም? ነዚ ዘልዓልክዎ ሕቶ ብሓጺሩን ብዘይ ቃል ዓለምን፡ ስቅታን ተምበርካኽነትን  ናትና ናይ ዜጋታት ጥራሕ መልሱ። ኣብ ሃገርና ሕግን ተሓታትነት ቦታ ብምስአኖም፡  ውልቀ ረብሓ ዝሰረቶም ዕንደራ፡ ብልሽውና፡ ክሕደት፡ ጥልመት፡ ዜጋትት ብዘይ መስርሕ ሕጊ ምቕፋድ፡ ምርዓድ፡ ምሕቃቕ፡  ዝምታን፡ ምክልባትን ዋጋ ዝኸፈሉን፡ ሰላማውያን ዜጋታትን፡ ከም ቀንዲ ሜላ፡ ውልቀ መላኺን፡ መዳኽርቱን መጋበርያታቱን ዝኾኑ፡ ገለ ገለ ስብ ጽሩራን ሰብ መዝን ህግደፍን ፡ ገለ ፈትወቲ ነብሶም ዜጋታትን ዝተላበስዎ፡  ናይ ገበትን ዓመጽትን፡ ቅዲ ኮይኑ ብስዉርን ብዕልን ክስርሓሉ ጸኒሑን አሎን። እዚ ዓመጽ፡ ዝምታን፡ ምክልባትን ምጽናት ዜጋታት ዝመለለይኡ ኩነት’ዚ፡  ህልው ኩነታት ሃገርና ብዝግባእ ንዝርድኦ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንዝኾነ ዜጋ’ውን፡ ታሪኽ ክስንዶ ዝጸንሔን ዘሎን፡ ማዓልታዊ ንርእዮ ዘሎናን ስለዝኾነ ነጋሪ ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። ከም ዜጋታት፡ ነዚ ክውንነት’ዚ፡ ሕጂ ዓገብ ክንብልን ግቡእ መልሲ ክረክብ እንተ ዘይተዋሲእናን፡ ግቡእና አይፈጸምናን  ተሓተትቲ ካብ ምዃን’ውን አየድሕነናን። ምኽንያቱ፡ ነዚ’አ ውን ክንገብር ስለዘይከአልና’ዩ፡ ብቀንዱ መትከልን ዕላማን በጃ ዝሓለፉ ስውአትና፡ ንሰብአውን ንማሕበራዊ ፍትሕን  ዝኸፈልዎ  ክቡር ዋጋን  ተረሲዑ፡ መሰል ዜጋታት ተረጊጹ፡ ብሩህ መጻኢ ሃገርና ተኾሊፉ መጻወቲ  ውልቀ መላኺን፡ መዳኽርቱ ዝኾኑ ዉሑዳት ገለ ገለ ስብ ጽሩራ ህግደፍን ሰብ መዝን ፡ ገለ ፈትወቲ ነብሶም ዜጋታትን ኮንና ሃገርና ትዓንው፡ ህዝብና ድማ ዝሳቀን ዝጠፍእ ዘሎን። ከም ውጽኢት ስቅታና እዩ እምብአር እዚ ስርዓት ህግደፍ ዝተኸተሎ ኣዕናውን ዓንዳርን ሜላ፡ ፍረ ቃልሲ ስውአትን፡  ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ዋጋን፡ ዘመዝገቦ ዓወትን፡ሰማዊ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ፡   አብዛ ሰዓት’ዚአ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰያትን ደቂ ስውአትን ክዓ ብፍላይ፡ ግዳይ ዓመጽትን ገበትን ስብ ጽሩራ ህግደፍን፡  መጋበርያታቶምን ኮይኖም ንረኽቦም። ገድላዊ ታሪኽናን ክብርታትናን ናጽነትናን ተጨዊዩ፡ ውልቀ መላኺ ቁንጮ ህግደፍ ንስልጣን ብሒቱ፡ ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ዘውረዶ ሕስምን መከራን አብ ጠርዚ በጺሑ፡  ሃገርና ካብ እዋን ናብ እዋን፡ ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፍአ ደልሃመት ተሽሚማ አብ ትርከበሉ ህሞት፡ ገለ ውሑዳት ስብ ጽሩራ ህግደፍን ሰብ መዝን፡ ገለ ፈተውቲ ነብሶም ዜጋታትን፡ ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ምስጢር’ያኢ ኮይኑ፡ ብመን አሎኒ፡ ደረት ዘይብሉ ገበን፡ ግሕምጥና፡ ብልሽውናን፡ ሰብአውነት ዝጎደሎ በደላትን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ደቂስውአት’ውን ከይተናሕፉ ክፍጽሙ ዝረአዩን ዝቅጽልዎ ዘለዉን።

ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ቃልሲ ንሓርነት፡ ህዝብና ካብ ምብህዳል ንምድሓን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንኽዕወት፡ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ሃገር፡ ንፍርሒ ሲዒሮም፡  ካብ ህዝቢ ዝተኸወሉ ኮይኑ ንዝስምዖም ስብ መዚ ህግደፍን መሻርኽቶምን፡ ንዝፍጽምዎ ዘለዉ  እኩይ ተግባራትን ገበናትን ብድፍረት የቃልዕዎ አለዉ። እዚ ክነአድን ክቅጽልን ዘለዎ ተግባር’ዩ። ጎኒ ጎኒ ናይቲ ኩሉ መዳያዊ ቃልስና፡ እዚ ምስንገብር’ዩ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ነበራብሮን፡ ነቶም ኣብ ድርኩኺት ዕርበት ዝርከቡ ህግደፍን፡  መሻርኽቱን መጋበርያታቱን ዝኾኑ ወይጦታት ዕምሮም ዝሓጽርን፡ ዝተጨውየ ባህጊ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝሰምርን ሕድሪ ስወአትና ዝኽበርን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ፍትሒ ሰላምን ቅሳነትን ዝረክብን። ኻብ’ዚ ቕድም ኢለ  ዘተንባህክዎ ድሕረባይታን፡ “ህዝብኻ ክዝመት ዓይንኻ’ዶ ይዕመት” ዝብል ብሂልን ዲሒረ ዝዝርዝሮ ሓቂታትን፡ አነን እዛ ብናተይ ምኽንያት “ሳሊና” ኢለ ዘጠመቅኩዋን ብጸይተይ፡ አብ ልዕሌና፡ ብጎባልል ሰብ ጹሩራ ስርዓት ህግደፍ ብዘጋጠመና ዓመጽ ሕሰምን ኣደራዕን፡ ድሕሪ ደጊም ፣ ኣብ ትሕቲ’ዞም አራዊት ዝኾኑ ሰብ ግዜ ኮንካ ሂወት አብ ኤርትራ ትርጉም የብላን ክትነብር’ውን ዝከኣል ኣይኮነን ብምባል፡ ካብታ ሓላል ሃገርናን ንፈትዎም ቤተሰብናን ራሕሪሕና፡ ካብ ንወጽእ ጃ 5 ዓመት አቚጺሩ’ሎ። ይኹን እምበር፡ ሽሕኳ አነ ብሂወት እንተሰረርኩ፡ ምስታ ብዕሸላ ነፊጻ ኡይ እንዳበለት ሬስአ ከይተረፈ፡ ዓሳታት ማእከላይ ባሕሪ ተቛዲሶማ ዝተቆጽየትን ህጣማ ዝጠፍኤት ብጸይተይ ሳሊና ንዝአተናዮ ቃል አኽቢረ ‘ፍቓድ ረቢ ኮይኑ ፡ ሓደ ካብ ክልቴና ብህይወት ክንነብር  ዕድል እንተረኺብና ፣ ነዚ ዘጋጠመና ወጽዓታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንኸነዘንትወሉ ኪዳን ንእቶ ።” ዝብል ረዚን ምሕጽንታ ለበዋን ተበጊሰየ፡ ንጥፍኣት ሳሊና ቀንዲ ምኽንያት   ንዝኾነ ብዓል ጊዜ፡ ብዛዕባ ሓደ ዕሉል ገበነኛ ብ/ጀነራል ተብየ ግርማይ መሓሪ ንሰይጣናዊ ተግባራቶም  ዝፈልጦን ዝረአኽዎን  ዝሰማዕክዎን  ዘጻረኽዎን ሓቅታት፡ ሕጂ  ንውጹዕ ህዝብና ዘካፍልን እንሆ ዝብል ዘለኹን። ዋና ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ንለበዋ ‘ሳሊና’ ምኽባር እኳ እንተኾነ፡ ብዓቢኡ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ቅሉዕ ፡ ግሁድን ስውርን ዓመጻት ገለ ገለ ስብ ጽሩራን ኢደ ቤዛታት ስርዓት ህግደፍን፡ ብምልኡ ምዝርዛሩ ይእግም እኳ እንተኾነ፡ ብመጠኑ ምግላጹ፡ ነቶም አይተፈለጥናን እንዳበሉ ገበን ዝፍጽሙ ዘለው ሰብ ጊዜ፡  ብዓቢኡ ካብ ህዝቢ ዝኽወል ገበን ከምዘየሎ ንምግንዛቦምን፡ ብመጠኑ ኽዓ ንመጻኢ’ውን ንድሕነት ግዳያት ናይዞም ሰብ ግዜ ክኾና ዝኽእላን ዝኽእሉን ዜጋታት ምሕባር  አገዳሲ  ስለዝኾነን’ዩ።

ሳሊና መን?

ድሕረ ባይታ ሳሊናን ዝሓለፈቶ መስገደልን ቆጺርካ ዘይውዳእን ስለዝኾነ፡ ረቢ ዕድመ እንተሂቡኒ አብ መጽሓፍ ክትርኾ’ኳ ድሌት እንተሃለወኒ፡ ከም ቁሩብ መላለዩ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ የሕጺረ ወስ ከብለልኩም። ሳሊና ካብ አቦአ ተጋዳላይ ሰርጹ (አሻዕለ) አዲአ ተጋዳሊት ደሃብን አብ 1978 ተወሊዳ። 2 ወርሒ ድሕሪ ምዝማድ ወለዳ፡ ሕማቅ አጋጣሚ ኮይኑ አሻዕለ፡ ባጽዕ ንምሕራር አብ ዝተገብረ ደማዊ ዂናት አብ ወርሒ 12 ዕለት24, 1977አብ ሳሊና ስለተሰውኤ፡ ደሃብ ድሕሪ መስዋእቲ አቦአ ንዝተወልደት ህጻን፡ “አነ ብቅቡል ምኽንያት ሳሊና ኢለ ዝሰመኹዋ” ተገላገለት። ዘይምዕዳልን ዕጫ ሳሊናን ኮይኑ፡ ደሃብ ወላዲት ሳሊና’ውን አብ ድሮ ነጻነት 1990 አብ ከባቢ ቶኾምብያ ብዘጋጠመ ናይ ፈንጂ ሓደጋ ስለ ተሰውአት፡ ሳሊና ከም ኩሎም ደቂ ስውአት፡ ዘኽታም ኮይና’ያ ንናጽነት ርእያን ምስ አንኮ ሓውቲኖአ አብ ኣስመራ አብ ወርሒ ሓምለ 1991ክትራኸብ ዝኸአለትን። አፍልጦናን ሌላናን ምስ ሳሊና፡ ከም ኩሉ መንእሰይ፡ አብ 10ይ ዙርያ፡ ንሃገራዊ አገልግሎት  ምስወረድና እኳ እንተኾነ፡ አነ መጀመርታ አብ ባረንቱ ከም አባል ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን፡ ቀጺለ አብ ኣስመራ ግምሩክ ፈሮቪያ ተመዲበ፡ ንምግላጹ ዝእግም ግዕዙይ አሰራርሓ ርእየን አገልጊለን። ሳሊና ኽአ አብ ተሃድሶን አብያተ ማእሰርትን ኣስመራ፡ ከተገልግል ምስ ጸንሔት፡ ድሒሩ ብሰበብ ‘ስግረዶብ’ አብ ቀይዲ ትኣቱ። ጽንሕ ኢሉ፡ አነው’ን፡ በቲ አብ ዝተመደብክዎ ስራሕ ዝረአኽዎ ግሕምጥና፡ ሕልናኻን ክብርኻን ሽጥካ ትረኽቦ ልዑል ናይ ስራሕ ዕድል አይደልንየ ስለዝበልኩን፡ ብሰበብ አስባብ፡ ብሓላፊ አሃዱየይ ናብ ቀይዲ አትየ ምስ ዝፈትዋ መሓዛይ ዳግማይ አብ መጻብቦ ቀይዲ ተራኸብኩ። ድግሲ ማለት ከምዚ’ዩ ፡ አብዛ ሕጂ ዘላ ሓላል ሃገርና። ማእሰርቲ አብ ኤርትራ፡ መእረሚ ቦታ ዘይኮነ፡ መውጽእ ህልኽ፡ ቅርሕንትን ጽልእን ስለዝኾነ ጀሃነብ ወይ ሲኦል ጥራይ ኢልካ ምሕላፉ ይቀልል። አብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከባ ደቅንስትዮ ማእለያ ዘይብለን ኮይነን፡ ብጥቅልሉ፡ ብዘይ በደል ስጋዊ ፍትወት ወይ ጊላነት ሰብ ጊዜ ስለዘይተቀበላ፡ ወይ ብአካላዊ ጉድአት ምስዓብ፡ ብስርቂ፡ ምጥፍፋእ፡ ብሃይማኖት፡ ወይ ብስግረዶብን ፖለቲካዊ ዝንባለን  ዝተአስራ የጠቃልላ።  ብሓፈሽኡ ክርኤ ከሎ ግን፡ አብ ትሕቲ ቀይዲ ንዝርከባ፡ ብሃይማኖት፡ ወይ ብስግረዶብን ፖለቲካዊ ዝንባለን፡ ወይ ስጋዊ ፍትወት ወይ ጊላነት ሰብ ጊዜ ስለዘይተቀበላ ዝተአስራ ብፍላይ ከአ ብሃይማኖት ዝተቀየዳ፡ ብመደብ ልዑል ዝኾነ ጸቕጥን ስጋዊ ዓመጽን አብ ልዕልዔን ስለዝፍጸም ዋላ’ውን አብ ትሕቲ ቀይዲ ከለዋ፡ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽን ዘይተደልየ ጥንስን ምዃን ንቡር’ዩ። እዚ አብ ልዕሊ አብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከባ ደቂ አንስትዮ ዝፍጸም ግህሰትን ዓመጽን፡ ብአድማስያዊ ሕጊ ዝኸፈኤ ገበን እኳ እንተኾነ፡ አብ ትሕቲ ስርዓት አልቦ ህግደፍስ፡ ዝሓተሉ አካል ወይ’ውን ዝሕተተሉ’ውን የብሉን።

ብዝኾነ ክሕጽረልኩም፡ ሳሊና ብምስምስ ‘ጓል ስውአት` ተባሂላ ድሕሪ ናይ 2 ዓመትን 7 ወርሕን፡ አነ ኸአ ድሕሪ ናይ 19 ኣዋርሕ ቀይዲ ወጺእና ዳግም ተራኺብና አብ አስመራ ስሩዕ ሂወትና ክንጅምር ንሕልን። ይኹን እምበር፡ ርሑቅ ከይከድና፡ ሳሊና ነቲ ‘ጓል ስውአት ተባሂላ’ ዝወጻትሉ ምስምስ ተጎስዩ ወይ ከም ሞሳ ተቖጺሩ፡ ብግርማይ መሓሪ “ወይ ዝሓተትኩኺ ተቀበሊ ወይ’ውን  አብቲ ዝነበርክዮ ቀይዲ ከትበልዪ ኢኺ ተባሂላ” ብዓመጽ ድንግልንአ አረኪባ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ሓዝሓዝ፡ ብፍሉይነት ዝተውሸመን ሰብ ጥቅሚ ደቂ አንስትዮ እንተዘይሃልየን መዓልታዊ ከም ሪሰርቫ፡ ግዳይ ጾታዊ በለጽን ዓመጽን ናይ  ብ/ጄ  ተብየ ግርማይ መሓሪ ኮይና ብምትራፋ ዘይተደልየ ጥንሲ ይመጽእ። ሳሊና፡ ዓቅሊ ጽበት ዝመበገሲኡ፡  ነዚ ሓቢአትለይ እኳ እንተጸንሔት፡ ድሒራ፡ ብግርማይ መሓሪን ወሻሽሙን  ንዘጋጠማ ዘስካሕክሕ አረሜናዊ አተሓሕዛን፡ ስቃይን፡ ሕንቅንቅ እንዳበለት ብምዝንታው፡ ነብሳ ከምዝጸልኤት አተንቢሃትለይ። ብድሕርዚ፡  ሓውትኖአው’ን  ንገዛና መጺአ፡ ሳሊና “ቅትለት ነብሲ ከትፍጽም ፈቲና” ኢላ ምስ ነገረትንን፡ ዓቅመይ ዝኽእሎ ክፍትን፡ ንግርማይ መሓሪ ተወከስክዎ።  ግርማይ “ንባዕልኺ አብ ዘይምልከተኪ  ሽግር ከይትአትዊ ተጠንቀቂ” “ስልከይ ስለዘይተልዕሎ ግን ሞባይልኪ ሃብኒ’ሞ አብ ቅድሜኺ ዝበሃል ባዕለይ ክብላየ” ኢሉኒ ምስሃብክዎ ስልኪ ይድውል።  “አይተላዕለን” ኢሉ ምስ ብዙሕ ምፍርራሕ፡ “ድሕሪ ሕጂ ንዓኺ ዝምልከትን ስራሕክን ጥራይ ግበሪ” ብምባል ሞባይለይ ይመልሰለይ።   ለካ ሞባይለይ ዝተጠቅመ ናብ ናቱ ስልኪ ደዊሉ ቁጽሪ ሞባይለይ ንምርካብ’ዩ ኔሩ ውዲቱ። ብዝኾነ ንኽገርመኩም፡ ንጽባሒቱ ደዊሉለይ ተቋጺርና፡ አነ ብጉዳይ ሳሊና መሲሉኒ ዝኸድድክዎ ቖጸራ፡ ንዓይ’ውን ከም ግዑዝ አቅሓ ቖጺሩ ብነብሰይ ምስኡ ክመራሳሕ ተደናደነኒ። ደጊም ትሩፍ ክኣ በልኩን አብ ኤርትራ  ምፍጣረይ አጽልአንን።

ብድሕር’ዚ፡  ንሳሊና ካልእ አማራጺ ሂወት’ውን ከምዘሎ አእሚነ፡ ካብ ሃገር ክንውጽእ መደብና። ጽቡቕ አጋጣሚ፥ ብዝነበረኒ ናይ ስራሕ ዕድል መገሻ ንተሰነይ፡መጀመርያ ንቅድም ኢለ ብናይ ስራሕ ዕድል ዝፈለጥክዋ ባረንቱን፡ ብሓገዝ ሻቡ ዝተላልኽዎም ሰብ ሞሳን ብም’ጥቃም፡ ብሻምብቖን ብሹካን አቢልና ንትግራይ ሰጊርና ንአዲስ አበባ ብምቅጻል፡ አብ ባልቻ ዝብሃል ሆስፒታል ሽግርና ብምግላጽ፡ ነቲ ሳሊና ‘ዘርኢ መርገም’ ኢላ ምቕባል ዝአበየቶ ዕሸል ወይ ዘርኢ ግብረ ዕሉል ገበነኛ ግርማይ መሓሪ ከምዝንጸል ዝተገብረ። ብድሕርዚ ናብቲ ክትገልጾ ዘጸግም ደቂ ተባዕትዮ የሕዋትና’ውን ከይተረፉ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ክኾኑ ከለዉ ዝረኣናሉ  ጉዕዞ ንሱዳንን ቀጺሉ ንሊብያን ኮይኑ። አነ ብዕለት 16 ወርሒ 02, 2013 ካብ ሊብያ ተበጊሰ ብሰላም ማልታ አትየ። ከትስዕበኒ ዝተጸበኽዋ ሳሊና ግን አብታ ብዕለት 03 ወርሒ 10, 2013 ካብ ሊብያ ተበጊሳ  ሓደጋ ዘጋጠማ ጀልባ ግዳይ ብምዃን፡ ከም ስማ ሳሊናን ከም አቦአ አሻዕለን፡ ግዳይ ጨው ማእከላይ ባሕሪ ብምዃን ዓሳታት ማእከላይ ባሕሪ ተቛዲሶማ ንሕልፈት በቂዓ፡ ብዘይ ንቡር ቀብሪ፡ እንኮ ንስድርአ ዝነበረት ጓል ስውአት ሳሊና፡ ካብ ሽግር ክትሃድም እንዳተቃለስት ዓለም አብ ሰዊት ዕድሜአ አርኪባታ ዓዲ ለዊጣ። በዚ’የ ኸኣ፡ ልክዕ ከም ስውእ ኣቦአ ኣሻዕለ፡  ጨው ባሕሪ ስለዝበለዓ “ሳሊና” ኢለ ዝሰመኹዋን ክገልጻ ዝደለኹን። እስከ ብዛዕባ ነዚ አረሜናዊ ዝኾነ ተግባራት ፈጺሙ፡ ንሳሊና ንሞት ዘጋለጻን፡ ንጥፍኣታ ምኽንያት ዝኾነን፡ ብዓል ግዜን በዓል ጹሩራን ብ/ጄነራል  ተብየ ግርማይ መሓሪ ቅሩብ ወስ ከብለልኩም።

/ጄነራልተብየ ግርማይ መሓሪ መንዩ?

ግርማይ መሓሪ ገበናዊ ታሪኹ ነዊሕን ዝተሓላለኸ ምስጢር ዝሓቖፈ ስለዝኾነን ዘርዚርካ ዝውዳእ አይኮነን። ግን ገለ ገሊኡ ብጭልፋ ንምርአይ ጥራይ፡ ነዚ ዝስዕብ ምጥቃስ ይከኣል። ገና ኣብ ፈላሚ ምሕራር ናቕፋ፡ አብ ሓይልታት ከም መራሕ ቀዳመይቲ ቦጦለኒ እኳ እንተነበረ፡ አብቲ እዋን’ቲ  ኣብ ዝተገብረ ናይ ኩሉ ሓይልታት ተኽሊጥ፡ ንሱ ጥራይ ከይተወዝዔ ተሰጊሩ። እዚ ከአ፡ እሳያስ ኣፈወርቂ ንግርማይ መሓሪ ኣብ ፍሉይ ቦታ ብውልቁ ክውዝዖ ስለተደልየ ነበረን ኮነን።  ግርማይ መሓሪ፡ ከም ቀንዲ መጋበርያ ኢሳይስ ኮይኑ ኪኖ’ቲ አብ ታሪኽ ተሰኒዱ ንረኽቦ፡ አብ ምቅንጻል ናይቶም  ፈለምቲ ሰውራ ኤርትራ ዝነበሩ፡ ኣብርሃም ተወልደን ካልኦትን፡ ኢስያስ ንዘሃቦ ፍሉይ ተልእኾ ንምትግባር ንሱዳን ከይዱ፡ መጀመርያ ፈታዊን ብጻይን መሲሉ ንዝቀረቦ  ትኩእ ይሕደጎ፡ አብ ከባቢ ዔላ ጻዕዳ አብ ቃጽያ የእትዩ፡ አብ ምሕቃቅን ምቅንጻልን  ትኩእ ይሕደጎ ዝወሰዶ ስጉምትን፡ አብ ምቅንጻል ተመስገን በርሀ፡ አልአሚን ስራጅን፡ ካልኦትን ዘስካሕክሕ ገበን ንክፍጸም ዘዋደደን ዘተግበረን ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ’ዩ። ጽባሕ ገዲፍካያ ንትኸይድ ዓለም፡ ንብጻይካን ብሂወቱ ዝአመነካን ሰብ ንኽቅንጸል፡ ጨኪንካ አብ ናይ ሞት መጻወድያ ክተእትዎን፡ ንኽቅንጸል  የሕሊፍካ ክትህቦን ንሕልና ዘልዎ ሰብ ከቢድ’ዩ፡ ንግርማይ ግን አይዓጦን’ዩ። ኪኖ ዚውን፡ ግርማይ መሓሪ ኣብ ሱዳን፡ ኢሳያስ ተቃናቀንተይ’ዮም ንዝበሎም ገዳይም ወልዳይ ግደይን ኪዳነ ክፍሉን ዝርከብዎም ተጋደልትን፡ ካልኦት ዉፍያት ደቂ ሃገርን አብ ምቕንጻልን ምጥፋእን ተዋፊሩ፡ ብደም ንጹሃት ሰባት ኢዱ ዝጠልቀየ ሰብ’ዩ። እቲ ዝገርም ኢሳያስ አቀዲሙ ጉልባብ ስለ ዘናዲ፡  ብፍላይ ንወልዳይ ግደይን ኪዳነ ክፍሉን ብመገዲ መሓመድብርሃን ብላታ ደብዳበ ንሱዳን ምልአኹን፡ እዞም ዉፉያት ተጋደልቲ ሻቡ ምቕንጻሎምን ንኸገናዝብ ንሰማዒ ይገድፎ። እዚ ኢሰብአዊ ተግባራት’ዚ እዩ ብኢሳያስ ከም ሞሳ ተቖጺርሉ፡ ነቲ ሓለዋ ሰውራ፥ ብደረጃ መሪሕነት ዓሊ-ስዒድ፥ ብደረጃ ሓላፊ’ካኣ ግርማይ መሓሪ ተመዲቡ ነቲ ሓለዋ ሰውራ ተቛጻጺርዎ። እቶም ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበሩ፥ ብዓል ሃይለ ጀብሃን፥ ሰለሙን ወልደማርያምን ምስኦም ዝንቀሳቐሱ ንዝተባህሉ ብዓል መሓሪ ግርማጼን፡ ገ/ምካኤል ልኡልን ተቀንጺሎም። ሲዒቡ ውን ጴጥሮስ ሰለሙንን ብዓል ሙሴን ጆንን ውን ተታሒዞም ሓለዋ ሰውራ ኣትዮም።  ይተካእ ይለቀብ፡ አብ 1973 ‘መንካዕ’ ተባሂሎም ዝተጠመቁ ገስገስቲ ምሁራት ናይ ምእራም ምንቅስቃስ አርኢኹም ተባሂሎም ንዘቅረብዎ ሃናጺ ሕቶን ርእይቶን ንምልማስ፡ ንሙሴ ተስፋምካኤል፡ ዮውሃንስ ስባህቱ፡ ኣፈወርቂ ተኽሉ፡ ታረቀ የሕደጎ፡ ሃብተስላሴ ገብረመድህን፡ ዶክቶር ርእሶም ዓንቛይ፡ ግርማይ ባህረን ዝርከብዎም ገስገስትን ምሁራትን አብ ምህዳን፡ ምእሳርን ምቅንጻልን ግርማይ መሓሪ ብዋናነት ዝተዋስኤ ምዃኑ ሰነዳትን አብቲ ህሞት ዝነበሩ ተጋደልትን ይገልጹ።

ብጥቅልሉ፡ ግርማይ መሓሪ አብ ሓለዋ ሰውራ ከም ሓላፍን ቀንዲ አተግባርን ባርባራዊ ውሳነታት ኢሳያስ ኮይኑ ካብ ዝምደብ፡ እልቢ ዘይብሎም ተቃለስቲ፡ ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተገልጸ፡ ነቲ ፈታዊ መሲሉ አብ ቃጽያ ዘእተዎን ዘቀንጸሎን ትኩእ ይሕደጎን፡ ቅድሚኡ ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረ ሰሎሞን ወልደማሪያም ውን ከይናሓፈ፡ ካልኦት ንጹሃት ዉፉያት ተጋደልትን’ውን ከይተረፉ፡ ዘሳቀየን ህጣሞም ዘጥፍኦምን ኮይኑ፡ ከም ቀንዲ ናይ ኢሳያስ መጋበርያ አብ አዚዩ ብዙሕ ገበናትን ቅንጸላታት ዘዋደደን ዘተግበረን ብደም ንጹሃን ዝተሓጽበን ገበነኛ’ዩ። ከም መቀጸልታ ናይዚ እኩይ ተግባራቱ፡ ንአብነት፡ ብተጋደልቲ ብዝነበሮ ህቡቡነት ዝልለን፡ አባል መሪሒነት ዝነበረን ኢብራሂም ዓፋ፡ ገባቲ ህግደፍ ዝኾነ ኢሳያስ አፈወርቂ፡ ከም ተቀናቃኒ ስልጣኑ ጌሩ ስለተጻብኦን፡ ኢስያስ ንኩሉ ዝገብሮ ሕሉፍ  ውዲታት ገበናት ትርኣስ ዘናዲ ስለዝኾነን፡ ቅትለት ኢብራሂም ዓፋ፡ ኢሳያስ አብ “ሕጽኖት አሎ” አብ ዝተባህለሉ እዋን ክፍጸም’ዩ ተጌሩ። ልክዕ ከምቲ ኲናት ምስ ወያነ ክውላዕ ከሎ ‘አብ ሱዑድያ’የ ኔረ’ ‘ዶ ደቂሰ ኔረ’ ዶ’ዩ ነገሩ። ኢብራሂም ዓፋ አብ ዝተቀንጸለሉ እዋን፡ መስፍን ሓጎስ፡ ዓሊ ስይድ፡ አሕመድ አል ቐይስን፡ ግርማይ መሓርን፡ ምስ ኢብራሂም ዓፋ አብ ዓምበርብ ከምዝነበሩ፡ እንተኾነ ግን ኩሎም ነናብ ቦትኦም ከይዶም፡ ብድሕሪኡ፡ ኢብራሂም ዓፋ ንዓራግ ቅድሚ ምብጋሱ፥ ዕለት 10 ወርሒ 10, 1985 ንመጨረስታ ግዜ ምስኡ ዝተራእየ ግርማይ መሓሪ ጥራይ’ዩ ነይሩ። አብዚ ዕለት’ዚ ክኣ እቲ ቕንጸላ አብ ጎቦ ዓጋመት ተፈጺሙ።  እዚ ብኢሳያስን መጋበርይያኡ ዝኾነ ግርማይ መሓርን ዝተፈጸመ ገበን፡ አብ ኢብራሂም ዓፋ’ውን ደው አይበለን። ብግርማይ ተወዲቦም ተለአአኽትን ፈጸምትን ናይዚ ውጹእ ገበን’ዚ ኮይኖም ዝተዋስኡ  ተጋደልቲ’ውን፡ ነቲ ገበን ንምሕባእ ተባሂሉ፡ ብኡ ንብኡ ናብ ሓለዋ ሰውራ ተወሲዶም ከምተቀንጸሉ ቡዙሓት ተጋደልቲ የዘንትዉን ሰነዳት ይገልጹን።  እዚ ከይአኽሎ፡  ግርማይ መሓሪ፡ ሕጂውን ካብ ጽባሕ ነጻነት፡ ባርባርያዊ ጨካን ባህርታቱን ተግባራቱን፡ ከም ሞሳ ተቖጺርሉ፡ ካልኦት፡ ልዕሊኡን መዘንኡን ዝነበሩ ሰብ መዚ ህዝባዊ ግንባር፡ ገለን ክስጎጉ፣ ገለን ክድስክሉ ወይ ክቅፈዱ፡ ገለን ክአ ብኽቱር ብስጭት ክሞቱ፡ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ክንነብር በሃልቲ ሰብ መዚ’ውን ከም ኩዑሶ  7-8 ግዜ ካብ ልዑል ስራሕ ናብ ትሑት ስራሕ ከም ኩዕሶ ክቕልዑ፡ ክድስክሉን፡ ክከላበቱን ከለዉ፡ ግርማይ መሓሪ  ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለጽክዎ፡ ንኢሳያስ ብዘለዎ ተአማንነትን፡ ብዘለዎ ጨካን ባህርን፡ ሕጂውን አብ መቐጸልታ ናይ’ቲ ሓለዋ ሰውራ ምዃኑ ዝፍለጥ፡ ናይ “ተሃድሶን” አብያተ ማእሰርትን ተመሳሳሊ ስራሕትን፡ ላዕለዋይ ሓላፊ  ኮይኑ አብ ሓንቲ ጽፍሒ ንልዕሊ 25 ዓመታት፡ ብቀዋምነት ንስርዓት ኢሳያስ ከገልግል ዝጸንሔን ዘሎን’ ኮይኑ ንረኽቦ። ስለምንታይ እዚ ተመሪጹ ድማ ባህርያት ግርማይ መሓርን ተግባራቱን ዋና ምስክር’ዩ።

አሃዛት ከምዘነጽርዎ፡ ስጋብ ዕለት ነጻነት አብ ኤርትራ ብጠቅላልኡ38 ነቑጣታት መደበር ፖሊስ 21 ካብኤን መቐፈዲ ቦታ ዝሓቆፋ ክም ዝነበራ መዛግብቲ የመልክቱ። አብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ግርማይ መሓሪ ሃንዳስን ኣዛዝን ብምዃን አብ ዝነጥፈሉ አብዚ ናይ ኣብያተ ማእሰርቲ ጽፍሒ’ዚ፡ አብ ኤርትራ፡ ድሕሪ ነጻነት ቁጽሪ ኣብያተ ቤት ማእሰርቲ ብዓሰርተታት ዕጽፍታት ናብ ልዕሊ 360 በሪኹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም መተካእታ ፋብሪካታትን ንግዳዊ ትካልትን ተቖጺሩ፡ ኣብያተማእሰርቲ ከም ቀንዲ ንግዳዊ ትካል ኣዋዲድካ ምዝማትን ገንዘብ ምኽዕባት ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ’ሎ። እዚ ስለዝኾነ፡ ኪኖ’ቲ ኣብ መንግስታዊ ቤትጽሕፈት ዝካየድ ጉዳይካ ንምስላጥ ብብላዕን ቅርበትን ምዃኑ፡ ብዙሓት ዜጋታት ንሓቂ ደው ስለዝበሉ፡ መባእታዊ መሰላቶም ተጋሂሱ፡ ሰብኣዊ ክብሮም ተቐንጢጡ፡ ብጨካንን ዘስካሕክሕን ኣገባብ ኣትሓሕዛ ተቀይዶም ንዓመታት ይሳቐዩ አለዉ።  ኣብ ኩሉ መዳያት ድኻን ሰብ ዘይብሉን ግዳይ ኪኸውን ከሎ፤ ሃብታምን ሰብ ግዜን ዝደለይዎ ጉዳይ ኣብ ዝደለይዎ እዋን የፈጽሙ ምህላዎም ይፍለጥ።  ከም መርኣያ ናይዚ ስርቅን ሃነፍነፍን ዝመለይኡ ግዕዙይ ተግባር፡ ገለ ገለ ዜጋታት ብውልቃዊ ቅርሕንቲ ጉቦ ከፊሎም ንዝተጻብእዎም ሰባት ምእሳር፡  ብዝደለይዎ መልክዕ ምስቃይን፡ ወይ ገንዘቦምን ንብረቶምን ክትምንዝዖም ንዝደለኻ ሰባት ብሰበብ ብምእሳር ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምድርባዮም፥ ንብረቶምን ገንዘቦምን  ተዘሚቱ፤ ኣብ ከቢድ ሰለሎን ሕማምን ወዲቖም ዝርከቡን ብሂወት ዝሓለፉን ሰብ ንብረት ብዙሓት’ዮም። እዚ ዓይነት ግዕዝይና፡ ናይቲ ኣብ ጫፍ በጺሑ ዘሎ ብልሽውና  ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንወት ሃገር የምርሕ ምህላዉ አጒሊሑ ዘርኢ’ዩ። እዚ ስለዝኾነ ከአ ፡ ግርማይ መሓሪ አብ ናይ ከተማ ሽፍትነት ተሸሚሙ፡ ብቀንዱ አብ ቱሽቱሽ ኢሳያስ፡ ብጎኒ ክኣ ምስ ካልኦት ጎባልል ሰብ ጽሩራ ህግደፍ፡ ከም ብዓል ብጀነራል ፍሊጶስ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፤ ኮለነል ተስፋልደት ተስፋስላሰ፤ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳ፥ኮለነል ወልደዝጊ፤ ኮለነል የማነ ኣፍወርቂን ካልኦትን፡ አብ ቱሽቱሾም ተሸጒጡ ዝተኸውለ ኮይኑ እንተተሰምዖን እንተመሰሎን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ግርማይ መሓሪ፡  ብትእዛዝ ናይ ኢሳያስን፡ ናይዞም ጎባልልን ብውልቁን፡  ብምትሕብባር ኮለነል ተስፋልደት፡ ብ/ ጀነራል ሓድሽ ኤፍሬም፡ ኮለነል ወዲ ፍርዙን፤ ኮለነል ወልዱ ባርያን፤ ሚኪኤል ሃንስ፡  በረኸት መብራህቱ፡ ወልደማሪያም ጸጋይ ካልኦትን ዝርከብዎም፡ ካብ ኢሳያስ መምርሒ እንዳተቐበሉ ዘተግብሩ፤ብዘይ በደል ንሰብ አብ ምእሳር፣ ምጭዋይን፣ምስዋርን ዜጋታት ብዋናነት ካብ ዝዋስኡን ዝአልዩን ዘለዉ ሓደ ምዃኑ ዑፍ’ውን ከይተረፈት ፈሊጣቶ ዘላ ሓቂ’ዩ።

እዚ ጥራይ ከይኮነ፡ ግርማይ መሓሪ፡ ሰብአውነት ብዝጎደሎ መገዲ ንስዉእ ብሪጋዴር ጀነራላት መሓሪ ዑቅባዝጊ፡ ንስቲፋኖስ ስዩምን፡ ተኽለ ዓንዶምን  ከም ሕሱም ዘሳጸየ፡ ንተራ እሱራትን ነዞም ተአሲሮም ዘለዉ ላዕለዎት ሰብ መዚ ህግደፍ ነበር’ውን ከይተረፉን ዝዝልፍን ዘሳቕን  ጨካን ምዃኑን ብዙሓት ይገልጹ። ንአብነት፡ ግርማይ መሓሪ፡ ሕጂ ንዘለዎ ስልጣን ተጠቂሙ፡ ቅድም ኢሉ ቂም ሒዝሎም ዝጸንሔ፡ አብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ሕነ ንምፍዳይ ህርድግ ዝብል ብምዃኑ፡ ብመቅርብ ቤተሰብ እሱራት፡ ንምእሳር እድሪስ ኣቡ ዓረ፡ ጎመራ፡ ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶምን ካልኦት እሱራትን አመልኪቶም ንዘቅረበሉ ሕቶ “ምሽ’ዶ ብሂወቶም ከለዉ፡ ሬስኦም’ውን ካብቲ ቀጽሪ ናይ ቤት ማእሰርቲ አይወጽእን’ዩ አይትድከሙ” ክብሎም ተሰሚዑ። እዚ ዓይነት ኣረአእያ፡ ዋላ አብ ርእሲ ሰብኡተን ተአሲሮመን አቤት ዝበላ ዝደጋገሞን፡ ንገልኤን ይኾነልና ዶኾን ዝበላ ሰብ ሓዳር፡ ኪኖ ዘይተአደነ ሕቶ ገንዘብ፡  ብነብሰን ክመራሳሕን ወይ ምዃን እንድሕር አብይዎ ክተናኾለንን ከሳቅየንን ፍሉይ ዕግበት ዝረክብ ጋኔን’ዩ።  ኮታ ንምዝርዛሩ ዝእግም፡ ተራእዩ ዘይፈልጥን ዘስደምምን አረሜናዊ ባህሪ ዝተላበሰ ግርማይ መሓሪ፡ አብ ምእሳር ፣ምጭዋይ፣ምስዋርን ምስቃይን  ዜጋታት ብዋናነት አብ ምምራሕን ምእላይን ከይተሓጽረ፡ ብፍሉይ’ውን፡ ንኢሳያስ ጸብጻብ ህሉው ኩነታቶም ዘቅርብን ክነሱ፡ ብጥርዓን መገዲ፡  ግርማይ መሓሪ፡ አብ ርእሲ እሱራት፡ ንዝርአይን ዝፍጸምን ዘሎ በደላት ንቤት ጽሕፈት ኢሳያስ፡ ብቤተሰቦምን፡ ግዱሳት ዜጋታትን፡ ሰብ መዝን ዋላ እንተቀረቡ ” ኢሳያስ አነ መራሕ ሃገር’ምበር ሓላዊ እሱራት አይኮንኩን” “ሰስራሕኩም ስርሑ” “እዚ ክሰምዖ አይደልን’የ”  ክብል መልሲ ሂቡሉ። ነዚ መርገጽ ኢሳያስ የዕርዩ ዝፈለጥ ግርማይ መሓሪ፡ ሓደ ሓደ እዋን፡ ነዚ ቕድም ኢሉ ተዘርዘረ አረሜናዊ ተግባራት፡  አብ ቱሽቱሽ ኢሳያስን ካልኦት ጎባልል ሰብ ጽሩራ ህግደፍን ተሓቢኡ ከሰላስሎን፡ ምስዚ ገበናት’ዚ ዘለዎ ምትእስሳር ክሓብእ ህርድግ ስለዝብልን፡ ብዙሓት ህሉዋት ተጋደልትን፡ ብደዎም ዝሞቱ ገለ ገለ ሰብ መዚ ህግደፍን፡ ንግርማይ መሓሪ ‘ሕቡአን’ ኢሎም አጠሚቆሞን ክዛረብሉን ክሓምይዎን ይስማዕ። እዚ ኩነት’ዚ፡ ነቲ ብናይ ምሕደራ ግሕምጥና፡ ዝሳዕረረ ብልሽውና፡ ሰብአዊ በደል፡ ናይ መንእሰያት ፍልሰት፡ ማእሰርቲ፡ ቅትለትን፡ ካልእ አብ ርእሲ  ዜጋታት ክፍጸም ዝጸንሔን ዘሎን በደላት፡ ግብረ ጸይቂ መራሕ ህግደፍ ኢሰያስን፡ ግርማይ መሓርን ጥራይ ዘይኮኑ  ሓላፍነት ዝስከሙ፡ ኩሎም በብደረጃኡ፡ ነዚ ዘሎ በላዕ ሰብ ስርዓት ኢደቤዛ ኮይኖም ንህዝቢ ዘበሳብሱ ዘለዉ ኣመሓደርቲ፡ መራሕቲ ሰራዊትን፡ በርገሳትን፡ ኩሎም መጋበርያታትን ከምዝኾኑ ክግንዘብዎ ምግባርን ምግንዛብን አገዳሲ’ዩ።

 

መጠቃለሊ

ህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰሪሑ ከይነብር እንዳተሳቀየ ከሎ፡  ግርማይ መሓሪ፡ ንስኻን፡ ከማኻን፡ ብዋጋ ሂወት ህዝቢ፡ ንብልሽውናን ስደትን ሞትን ዜጋታት ነጊድኩም፡ ንሕሰም ህዝብን  ዕንወት ሃገር ከተናውሑን ጸደፍደፍ ትብሉ ኣለኹም። እዚ ህዝቢ ብቓልዕ ዝዛረበሉን ዝፈልጦን ጉዳይ ከምዝኾነን፡ ካብ ህዝቢ ክአ ዝሕባእ ነገር ከምዘየሎን ክትግንዘቡን፡ ብሂወት እንተጸኒሕኩምን፡ ብድሕሪኡው’ን እንተኾነ፡ ጽባሕ ምስ ወግሔ ክትሕተትሉ ምዃንኩምን  ዘይጉሰ ሓቂ’ዩ። እዚ ዝተዘርዘረ ሓቅታት፡ ኩሉ ሰብ ፈሊጥዎ ዘሎ ጉዶም እኳ እንተኾነ፡ ብባህሪኦም፡ ካብዚ ዝገደደ አበሳ’ውን ክፍጽሙ ከምዝኽእሉን፡ ከምዘለዉን ኣየጠራጥርን ወይ ንምግማቱ ኣየሸግርን። እንተኾነ፡ እዚ ሎሚ መሬት አይትጹርኒ ዝብል ዘሎ አተሓሳስባ ግርማይ መሓርን  መሰልቶምን ጽባሕ ምስ ወገሔ ተገልቢጡ ከምዝውሕጦም ዘይግንዘቡ ክልተ ድኹማት ፍጥረት ምዃኖም የርእይ። ምኽንያቱ ነዚ ክርዳእ ዝኽእል፡ አእምሮ ዘለዎ፡  ነቲ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝተኸፍሎ ነጻነትን፡ ሕድሪ ሰማእታትን ዝግንዘብን ዘኽብርን ጥራይ’ዩ። ኵሉ ብመዓልቱ ክሓልፍን ራህዋ ክመጽእን ምዃኑ ግን ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ’ዩ። ንኽፉእ መጋብርን፡ ንውድቀትን ትዕቢት ትቕድማ ከም ዝበሃል፡ እዞም ግብረ ጸይቂ’ዚኦም፡ አብ መሬት ንዝአበስዎ ዋግኦም’ሲ ብሂወት ዘሎ ጽባሕ ክርእዮ’ዩ፡ አብ አኺራ’ኸ ዓስቦም እንታይ ከምዝኸውን ከመይሉ ይጠፍኦም? ምስዚ ኹሉ አበሳኸ አበየናይ ደገሰማያት’ዩ ክኸውን ሰፈሮም? እዚ ሃነፍነፍ’ዚ፡ ነዚ ጽባሕ ብሞት ገዲፍካዮ ንትኸይድ፡ ንመን’ዩ? ንወራሲ’ድዩ ተሓል’ዩ? ወይስ ብድሕረይ ሳዕሪ አይትብቆላ’ዩ ነገሩ? ክትርድኦ’ውን ይእግም።

ብዝኾነ፡ ግርማይ ‘ሕቡአንን’  መዳኽርቱን፡  ህዝቢ ክሳቕዩ፡ ክዘልሙን፡ ብፍርሕን ራዕድን ከይደቀሰ ከም ዝሓድር እንዳገበሩን፡ ዜጋ  ምንባር ሲኢኑ ሃገሩ ገዲፉ ሃጽ ኢሉ ክስደድ ብምግባር ጁቡኦም ዘህጥሩ ፈትወቲ ነብሶምን ሱስዓትን እንዳሃለዉ፡ ነዚኦም ኣዋፊሩ፡  ስርዓት ህግደፍ ንስለ ሃገር ተበጀዉን፡ ንሓቂን ምስ ረብሓ ህዝቢ ደው ዝበሉ ዉፉያት ዝቅፍድን፡ ህጣምሞ ዘጥፍእን  ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ በላዕ ሰብ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን ክትረከብ ትጽቢት ክትገብር የብልካን።  አንቱም ምዑታት ደቂ ሃገር፡ ንመሰል ህዝብኹምን  ድሕነት ሃገርኩምን፡ ትገብሩዎ ዘሎኹም ቃልስን ተስምዕዎ ዘሎኹም ድምጽን ቀጽልዎ። ብአውርኡ ክዓ፡ ነቶም ነብሶም ዝፈትዉን፡ብግዝያዊ ጥቅሚ ተገዝኦም ብድሌቶም ሰብአውነት ዝገደፉን ኩሎም ገበነኛታት፡ ክተጋልጽዎም አይትተሓለሉ። ምኽንያቱ ሰብ ኣይፈለጠናን ወይ  ሰብ እንታይ ይብለኒ ስለ ዘይዓጦም ንክንደይ ዘሳቀዩ፡ ዘጥፍኡን፡ ብጭካነኦምን ጥልመቶምን ዝልለዩን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ተግባራቶም ካብ ኣንስሳ ንታሕቲ እምበር ከም ሰብ ዘይሓስቡ ፍጡራት ስለዝኾኑን፡ ካብ ሰብአውነትን ፈሪሃ ረብን ሪሒቕም፡ ንኸብዶም ጥራይ ዝሓስቡ ስለዝኾኑን ዝገደደ ሃስያ ክድሩዑልና’ምበር፡ ንሃገርናን ንህዝብናን ፍታሕ አይከምጽኡልናን’ዮም። ረበል ዓለሚን ከብዞም አራዊትዚ’ኦም ይሰውርኩምን  ይሓልወኩምን። ግዱሳትን ውፉያትን ደቂ ሃገር፡ ንፍትሒ አብ ዝቃለስሉ ዘለዉ እዋን፡ ብፍላይ አንቱም አብ ነጻ ሃገር ተዓቚብኩም፡ መለሳ ሓለንጊ ስርዓት ህግደፍ ኲንኩም፡ አብ ዓዲ  ” ብላዕ ወ’ስተ” “ደቂ አንስትዮ ከም ምርጫኻን ከይጸዋዕካየን’ዩ” “ሃገር ትውንጨፍ አላ” “ህዝቢ ሰላም አሎ” እንዳበልኩም ንየዋሃት ክተደናግሩ ህርድግ ትብሉ ዘለኹምን፡ ነዚ እንዳረኤኹምን እንዳሰማዕኩምን ስቕ ዝመረጽኩምን የሕዋት፡ ጽባሕ ምስ ወግሔ ተሓባበርቲ ወይ ተሓተቲ ናይዚ ግዕዙይ ተግባር ከምትኾኑ ተገንዚብኩም ሕጂ’ውን አብ ልብኹም ክትምለሱን፡ ምስ ውጹዕ ህዝብኹምን፡ ንሓቂ ደው ክትብሉን፡ ንሕልናኹም ሕተቱን ፈጣሪ የብርሃልኩምን። ኪኖቲ ዕዙዝን ሓጺን ዓረን ገድላዊ አበርክቶ ደቂ አንስትዮ፡ “ጓል አንስተይቲ፡ ዝወለደ ወሊዱዋ’ሎ ዘይወለደ ክኣ አብ ዝባኑ’ላ” ዝብል ብሂልን፡ ከም‘ቲ ትማሊ ንናጽነት ሃገርና ደው ኢልና ብጽንዓት ዝተቓለስናን ዝመከትናን፡ ሎሚ’ውን፡ ኣብ ጐድኒ ውጹዕ ህዝብናን መንእሰያትን  ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ  ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣሓትናን ደቅናን ዝኾና ደቂ አንስትዮ፡ ደቂ ስውአት’ውን ከይተረፋ፡ በዚ ዘሎ ስርዓትን፡ በዞም አዛብእ ሰብ ጊዜን ዝወርድን ዝፍጸምን ዘሎ ድርብ ወጽዓን ዓመጽን ንምብዳህ አለና ንበል። ቅድሚ ዝአገረ፡ ብዘይ ተሳትፎን መስዋእቲ ደቂ አንስትዮን፡ ከም ናይ በዓል ደሃብ (አደ ሳሊናን)፡ ነጻነታዊ ቃልስናን፡ ሃገረ ኤርትራን’ውን  ህያው አይምኾናን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ምእንቲ ፍትሕን መሰላት ዜጋታትን፡ ነዚ ብሓይሊ ጨፍሊቁ፡ ንዜጋታት ብምርዓድ፡ ንህዝቢ ዘሳቂ ዘሎ ስርዓት ህግደፍን  ዓንዳሪ ፖሊስታቱን በዲሆም፡ ዝወደቑን፡ ዝተሓየሩን ዝሳቀዩ ዘለዉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ምዝካርን ንዝኸፈልዎን ዝኸፍልዎ ዘለዉ  ዋጋን  ክብሪ ምሃብን ምግንዛብን ኣገዳሲ’ዩ።  ብምትላልን ሓሶትን፡ ምፍርራህን ህግደፍ ከይተሰናበድና፡ ብጽንዓት፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት፡ ልዕልና ሕግን ፍትሕን፡ ስውአትና ዝተበጀውሉ ዕላማን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ መሪር ቃልስን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ክንግንዘብን፡  ብሰላምን ፍትሒን ንነብረላ ሃገር ክትህልወና፡ ነዚ  ስርዓት ህግደፍ ተላቢስዎን አውሪድዎን ዘሎ  ማእለያ ዘይብሉ ቅልውላዋት፡ ዝርጋን፡ ህልቂትን ዕንወትን ዓመጽን፡ ንምምካት ብድሆ ክንብልን ክንቃለስን ይግባእ።

እዚ ወድ’ሓንኩም።

 ክብርን ሞጎስን  አጅርን፡ ስሌና ንዝተበጀው ስውአት፡

ሞሳ፡ ንሓቅን ምስ ህዝቢ ደው ስለዝበሉን፡ ዝተቀየዱ፡ ዋጋ ዝኸፈሉን ዝኸፍሉ ዘለዉን ብሉጻት፡

ዓወት ንሓቐኛ ቓልሲ ምዑታት ደለይቲ ፍትሒ ደቂ መሬት፡

ፍትሕን ሰላምን ርዝቅን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ።

ጓልኩምን ሓፍትኹምን ስደተኛ ነጃት

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Dawit October 7, 2017

    Evil alien-loving-ghedli created a poor nation called Eritrea whose young look outside their country for
    opportunity, future and simple normal life. For half a century the history of poor Eritrea has been a history
    of perpetual war, killing and wanton destruction. Its people had been subjected to endless suffering, exile
    and displacement. The evil so-called founding fathers ofthe shefatu/bandits armed struggle promised Eden
    on earth after victory, but what the poor unfortunate people of Eritrea got was sheol/hell on Earth.
    Within a few years they witnessed their peaceful God fearing country change from a land of living to a nation
    of misery celebrating death, courtesy of their so-called “liberators” the criminal shefatu/bandits of evil ghedli.
    I can’t extricate myself from sister of Asmarino Selam Kidane’s observation:
    The fathers (and mothers) died liberating the country called Eritrea…..
    the children are dying running away from it……………
    the tragedy…………the absurd reality of being Eritrean……..Selam Kidane, How very true, indeed.

    • Dawit October 7, 2017

      correction:please read as the evil so-called founding fathers “of the” shefatu/bandits adventure

  • k.tewolde October 7, 2017

    It is a bold and excruciating testimony by the victim,I can imagine the pain.This is the secret the serial killers of our people who try to sweep under the rug and their prey suppress and compartmentalize the trauma away for the rest of their life and many take to their grave.You can see it in the face of everyday people,those who endured the trauma and those of us who are living it vicariously.On the other hand those sadistic,sinister characters like the tyrant and his henchmen who take a pleasure and feed their cryptic psyche by the misery of their own. ‘Crime against humanity may be committed?’ Hmmmm, As to Nejat, let it all out,it is therapeutic,free yourself from the ugly past,cast aside the demons,let them burn in the inferno they created,help others do the same if you can which you already are by beckoning the predator to merely apologize.Amazing!

    • Dawit October 7, 2017

      We really thought our “medical doctor” was dead (rotten and decayed) in his crippled barbaric evil Islamic ELF mendef wheelchair and were mourning/celebrating with our criminal murderer robbers ELF Jebha Tahrir comrades!! Why did you have to suddenly appear out of a blue and stop our deep mourning/celebrating of your passing to the diQala evil ELF hell???????????
      When you plant (pure/organic)Tomatoes, but you get Potato deQalu alien-evil-ghedli loving bandits/shefatu like yourself, then there is definitely something seriously wrong with poor Eritrea.

      • Dawit October 7, 2017

        addition: but you get rotten potatoes like deQalu riffraffat leftovers of evil ELF mendef….

        • Jamal October 8, 2017

          Dawit you must be son of an Ethiopian soldier.
          You cannot change history, accept who you are and stop barking like a dog.

  • Simon G October 7, 2017

    This is really sad story and sorry it happened to you Nejat and your friend Salina like many thousands of Eritreans like you. The priority for HGDF is to eliminate Eritreans and destroy the country systematically. They use so many criminals like Girmay Mehari, till their time is up and discarded.
    What is really surprising is for those diaspora Eritreans who keep fooling themselves by saying Eritrea is in a good hand. This can only happen in Eritrea. I will follow this with a Poem that I have sent to Assenna few days ago, to describe our dilemma.

  • Hamid Ibrahim October 7, 2017

    People like Girmai Mahari, in the end of their career as serial killers, are killed by their masters to hide all the crimes they committed.
    There are hundreds like Girmai, they are members of the secret killing squad, and they are the real power of Iseyas.
    People know the truth, they have nowhere to hide.
    Any change in Eritrea that does not bring these criminals to justice, will only perpetuate the fascist regime.

  • AHMED SALEH !!! October 7, 2017

    Sources of hate , cruelty , betrayal and division planned by Issayas leadership agenda in Sahel
    region still exist to destroy the dream our people struggled and sacrificed for 30 years .
    We witnessed crimes from the time of pre until post independence time which had been committed
    under the watch of same leadership but silence caused innocent people to reap its consequences .
    AMLAKH ZEYFERHU CHEKANAT HALEFTI BIHIWET DEKI SEB YIXAWETU ALEWU

  • Haregot October 8, 2017

    Eritreans, once all the negative variables are eliminated, believe that everything would go back to normal. But what’s “normal”? Say a person were to be diagnosed with a second stage malignant melanoma. The number one objective is to beat the cancer. Along the way, some wrongly prescribed medications might have adverse side effects. Now recognizing this fact and removing this wrongly prescribed drugs would put you back to the originally concocted plan, That is never to mean overnight to doing so is the patient would be “normal”. Do you get my point? If not just ask your family doctors! Lastly, who said a hero had to go to war to bring us pride and dignity as Habesha people?
    Let me go google him right now………………………….

  • Dani amiche October 8, 2017

    How many more years do gullible Eritreans need to be convinced that the so called Eritrean “freedom fighters” or liberators contributed far more suppression, subjugation, bloodshed and non-ending civil war both in Ethiopia and Eritrea by the dirty money and weapons supplied by foreign forces to weaken Ethiopia and the horn of Africa and subsequently control the res sea? People like Esayas and his enablers reduce Eritrea to a battlefield of destruction.

Post a Reply to Simon G Cancel Reply