Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስ ህሉዋት ተመንዩዎ ምስ ሬሳታት ዝብኣስ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳይያስ! – ዘሕዝን ዛንታ ናይቲ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ምእታው ተኸልኪሉ፡ ሎሚ 1 መጋቢት 2019 ኣብ ማንቸስተር ሓመድ ኣዳም ዝለበሰ ነፍሲሄር ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ)

ምስ ህሉዋት ተመንዩዎ ምስ ሬሳታት ዝብኣስ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳይያስ! ዘሕዝን ዛንታ ናይቲ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ምእታው ተኸልኪሉ፡ ሎሚ 1 መጋቢት 2019 ኣብ ማንቸስተር ሓመድ ኣዳም ዝለበሰ ነፍሲሄር ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ)   ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ወዲ 18 ዓመት

ምስ ህሉዋት ተመንዩዎ ምስ ሬሳታት ዝብኣስ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳይያስ!

ዘሕዝን ዛንታ ናይቲ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ምእታው ተኸልኪሉ፡ ሎሚ 1 መጋቢት 2019 ኣብ ማንቸስተር ሓመድ ኣዳም ዝለበሰ ነፍሲሄር ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ)

 

ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ወዲ 18 ዓመት ከሎ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ግቡኡ ዝፈጸመ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ)፡ ብሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ቆሪጹ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ከተማ ማንቸስተር ህይወቱ ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ 9 ለካቲት ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ፡ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ስለዝተኸልከለ ፡ ሎሚ 1 መጋቢት 2019 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ማንቸስተር ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ) ከም ሰብ ጽቡቕ ባህርያት ዝነበሮ ምቕሉልን ፍትዉን ብምዃኑ፡ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ምስቲ ስርዓት ኮይኑ ተደናጋጽን ደጋፍን ህግደፍ ስለዝነበረ፡ ብቐረባ ዝፈልጡዎ ኣዕሩኽቱን ተደጋገፍትን ናይቲ ስርዓት፡ ኣብ ማንቸስተር ምስ ኣቕሽቲ ብዛዕባ ጉዳይ ፍትሓት ሬሳ ተረዳዲኦም፡ ናብ ለንደን ብምምጻእ `ውን ምስ ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ሬሳ ናብ ኤርትራ ናይ ምእታው ዝርርብ ወዲኦም፡ ሬሳ ተስፋይ መቓድሾ ናብ ኤርትራ ናብ ስድራቤቱ ንምፍናው ገንዘብ ኣዋጺኦም፡ ትኬት ነፋሪት ቆሪጾም ንምፍናዉ ተዳልዮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ግን፡ ሬሳ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ) ናብ ዓዲ ክኣቱ ኣይክእልን እዩ ኣብ ማንቸስተር ቅበሩዎ ዝብል መልእኽቲ ካብ ኤርትራ ከም ዝተዋህቦም ገሊጾም፡ ነቲ መደብ ደው ብምባል፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ሬሳ ወዶምን ሓዎምን ዝጽበዩ ዝነበሩ ስድራቤት መዋቲ ኣብ ርእሲ ሓዘኖም ወርሒ መመላእታ ሰንፈላል ገይሮሞም ወሪሖም።

ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ዝህቦ መመኽኔታ፡ እቲ መምርሒ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ዝመጽአ ምዃኑ ክኸውን ከሎ፡ ህዝቢ ብጋህዲ ዝዛረበሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣማኒ ጴንጠቆስታል ብምዃኑ እዩ ሬስኡ ናብ ዓዲ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዝብል እዩ። ነዚ ዝሰምዑ ስድራቤት፡ ናይ ኣቕሽሽቲ ፍትሓት ይኹን፡ ዋላ ቀብሪ ቤተክርስትያን ይትረፈና፡ ዋላ ኣብ ካንሸሎና ክንቀብሮ ኢና ሬሳ ወድና ጥራይ ስደዱልና እንተበሉ ግን ሰማዒ ኣይረኸቡን። እንሆ፡ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ ሎሚ 01 መጋቢት ሓሳብ ልቢ ናይቶም ንሓዋሩ ክፋነዉዎ ክጽበዩ ዝጸንሑ ስድራቤቱ ከይተማልአ ኣብ ማንቸስተር ዓዲ እንግሊዝ ተቐቢሩ።

እቲ፡ ምስ ኣማኒ ጴንጠቆስታል ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሓድሽ ፍቕሪ ሒዙዎ ሕግብግብ ክብልን ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ክተሓቛቖፍን ዘይሓነኸ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ርእሲኡ፡ ነቲ ሱራፊኤል ዝተባህለ ፓስተር ጴንጠኮስታል ኢትዮጵያ ብነፋሪት ኣብ ኣስመራ ብወግዒ ተቐቢሉ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ክሰብኽ ዕድል ዝኸፈተሉ ስርዓት፡ ምስ ሬሳ ናይቲ ካብ እዋን ንእስነቱ ምእንቲ ሃገሩ ዝተወፈየ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ ክቋራቖስ ምቕናዩ ዘደንጹ እዩ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ሎሚ ኣማኒ ጴንጠቆስታል ዝብል መመኽኔታ ሂቦም ኳ ንሬሳ ተጋዳላይ ተስፋይ ናብ ትውልዲ ሃገሩ ምእታው እንተኸልከሉዎ፡ ውልቃዊ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ንጎኒ ገዲፍካ ፡ ቅድሚ ሕጂ `ውን ነቲ መዋእሉ ንናጽነት ኤርትራ ብደረጃ መሪሕነት ዝተቓለሰ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ሬስኡ ናብ ዓዲ ኣትዩ ከይቅበር ከምዝኸልከሉዎ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ ስለዝኾነ፡ ኢሳይያስ ስርዓቱን ቅንጣብ ሰብኣዊ ሕልና ዘይብሎም ኣረሜነ ምዃኖም ዘርኢ እዩ።

ብሕልፊ እቶም ደገፍቲ ናይዚ ሕልና ኣልቦ ኣረሜን ስርዓት ኢሳይያስ ካብዚ ኣጋጣሚ`ዚ ክቐስሙዎ ዘለዎም ትምህርቲ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንጭካኒኡ በቶም ዝቐርቡዎ ናይ ምጅማር ኣመል ከምዘለዎ እዩ። እቶም፡ ግዳያት ክንሶም፡ ፖለቲካ ኣይእተወናን እዩ፡ ዶብ ኣይፈልጥን ኢና ዝብል ኣዘራርባ ብምዝውታር ልኡምነት ዝመርጹ ኣመንቲ ጴንጠቆስታል `ውን፡ ነቲ ዝጀማምሩዎ ዘለዎ ምእንቲ ፍትሒ ቃልካ ናይ ምሕዋስ ተግባር ብዘይቃልዓለም ብዓውታ ከዕብዩዎ ከምዘለዎም ተመክሮ ክኾኖም ይግባእ።

ክቡራት ተኸታተልትና፡ ቀጺልና እምብኣር፡ ፈለማ፡ መስደዲ ሬሳ ገንዘብ ንዘዋጽኡ ገበርቲ ጽቡቕ ንምምስጋን ዝተዘርግሐ ናይ ምስጋና መልእኽቲ፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ኣስዒብና ኸኣ፡ ሬሳ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ) ኣብ ማንቸስተር ፍትሓት ክግበረሉ `ሞ ብመሰረት እቲ ምስ ኤምባሲ ኢሳይያስ ዝተገብረ ዝርርብ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ተወጢኑሉ ኣብ ዝነበረ ሰዓት፡ ነቶም ምትሕብባር ገይሮም ዝተባህሉ ኣቕሽትትን ኤምባስን ዝምጉስ ሕጡበ ጽሑፍ ዘለዎ ተጻሒፉ ኣብቲ ግዜ ዘይተነበ ታሪኽ ህይወት መዋቲ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

ንመዋቲ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ) ኣምላኽ ይቀበሎ፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ንቡርን ፍትሓውን ስርዓት ይፍጠረሎም!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Danilo March 3, 2019

    Dear commentators, in this page we have only a right to say rest in peace and nothing else. What happened belongs to respected parents. Politicising the case is fair but questioning why the body iis not allowed is absolutely inhuman. This is the point every commentator obliged.

  • ወዲ ህዝቢ March 4, 2019

    ዋእ ደንጽዩና እኮ; ህዝቢ ኤድመንተን መብዛሕትና ንምድማር ዘይኮንና ንብሕትና ኤርትራና ከም ሃገር ክትከውን ንመርጽ ኢና,ኣብ ተግባር ግን ንሰላማዊ ሰልፊ ከተሓባብሩና ንዝደልዩ ግለሰባት ዝስዕቦሞ ስኢኖም; ዓዲ ዘሎ እውን ኣሜን ኢሉ ዝግዛእ ይበዝሕ…..ህዝቢ ጃጂዉ እዩ ይብሉና…ሳላሳ ዓመት ታንኪ እናተረግጸ ዘይፈርሐ ህዝብስ ሃገሩ ንኣቢይ ብሓደራ መሪሕነት እናተዋህበት ዶብ ዋጋ የብሉን ሓደ ህዝቢ ኢና እናተባህለ ኣቢይ ብሻምብቆ ነዳዲን መገዲ ባቡር ኤርትራን ሃገርና ወኪሉ እናተፋራረመ…ኩሉ ህዝቢ ጠጠው ኢሉ ኽርእስ ጃጅዩ እዩ ክትብሉና ? እሞ እቶም ዝተቓለስኩሙሉ ከይተረፈ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም ማለትዩ . ሰብ ከይብለኒ ኸይበለ ኣግሂዱ ዝሕብረና ተንታናይ እኳ ኢና ስኢንና እቲ ናይ ከም ብዓል uncle sye ዘቕርብዎ ኽኣ ብጭራሽ ዘይንቕበሎ እዩ ; ናይ 30 ዓመት ቃልሲ 140.000 ዝተሰውኡሉ ቓልሲ ሱቕ ኢልካ ክትርስዖ ዘይመስል እዩ

    • Wedi Awate March 4, 2019

      “ህዝቢ ኤድመንተን መብዛሕትና ንምድማር ዘይኮንና ንብሕትና ኤርትራና ከም ሃገር ክትከውን ንመርጽ ኢና,ኣብ ተግባር ግን ንሰላማዊ ሰልፊ ከተሓባብሩና ንዝደልዩ ግለሰባት ዝስዕቦሞ ስኢኖም; ዓዲ ዘሎ እውን ኣሜን ኢሉ ዝግዛእ ይበዝሕ…..”

      ወዲ ህዝቢ aka Cow Face, Uncle Sye (From Tembiyen – Abi Addi)

      Man, why you people think Eritreans will be confused by what you write. Buzz away, mind your business.
      Stop hiding like Eritrean.
      If you care try to help Tigray, who is in trouble with Amhara.

    • Asmerom March 4, 2019

      Far more than 140,ooo Eritreans are living in nightmares inside Eritrea while you enjoy your fat hamburgers, beers and cakes in your comfortable life of Edmonton – Canada. Wake up and get real.

      • Asmerom March 4, 2019

        correction: please read as 140,000 Eritreans ……

        • ወዲ ህዝቢ March 4, 2019

          Asmerom
          Guilty as charged ,indeed I am comfortably living in Edmonton, but I like to advise my people that are trying to leave the country not to do so , because atleast 1.5 million Eritreans are outside & that is not good. They should learn from quero and fano movement of our neighbours,if not Eritrea is becoming part of Ethiopia and that may not be good.

  • Mussie March 4, 2019

    On what one believe is a personal choice and right. My advice to Amanuel (Assenna) it is not wise to generalize (iziom kemzi ziamnu) on people of the same belief and criticize them. You do not need to mix things. It would be very good to focus on the main subject.

  • Mussie March 4, 2019

    On what one believe is a personal choice and right. My advice to Amanuel (Assenna) it is not wise to generalize (iziom kemzi ziamnu) on people of the same belief and criticize them. You do not need to mix things. It would be very good if you could focus on the main subject.

POST A COMMENT