Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስ ህሉዋት ተመንዩዎ ምስ ሬሳታት ዝብኣስ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳይያስ! – ዘሕዝን ዛንታ ናይቲ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ምእታው ተኸልኪሉ፡ ሎሚ 1 መጋቢት 2019 ኣብ ማንቸስተር ሓመድ ኣዳም ዝለበሰ ነፍሲሄር ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ)

ምስ ህሉዋት ተመንዩዎ ምስ ሬሳታት ዝብኣስ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳይያስ! ዘሕዝን ዛንታ ናይቲ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ምእታው ተኸልኪሉ፡ ሎሚ 1 መጋቢት 2019 ኣብ ማንቸስተር ሓመድ ኣዳም ዝለበሰ ነፍሲሄር ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ)   ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ወዲ 18 ዓመት

ምስ ህሉዋት ተመንዩዎ ምስ ሬሳታት ዝብኣስ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳይያስ!

ዘሕዝን ዛንታ ናይቲ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ምእታው ተኸልኪሉ፡ ሎሚ 1 መጋቢት 2019 ኣብ ማንቸስተር ሓመድ ኣዳም ዝለበሰ ነፍሲሄር ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ)

 

ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ወዲ 18 ዓመት ከሎ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ግቡኡ ዝፈጸመ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ)፡ ብሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ቆሪጹ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ከተማ ማንቸስተር ህይወቱ ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ 9 ለካቲት ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየ፡ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ስለዝተኸልከለ ፡ ሎሚ 1 መጋቢት 2019 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ማንቸስተር ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ) ከም ሰብ ጽቡቕ ባህርያት ዝነበሮ ምቕሉልን ፍትዉን ብምዃኑ፡ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ምስቲ ስርዓት ኮይኑ ተደናጋጽን ደጋፍን ህግደፍ ስለዝነበረ፡ ብቐረባ ዝፈልጡዎ ኣዕሩኽቱን ተደጋገፍትን ናይቲ ስርዓት፡ ኣብ ማንቸስተር ምስ ኣቕሽቲ ብዛዕባ ጉዳይ ፍትሓት ሬሳ ተረዳዲኦም፡ ናብ ለንደን ብምምጻእ `ውን ምስ ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ሬሳ ናብ ኤርትራ ናይ ምእታው ዝርርብ ወዲኦም፡ ሬሳ ተስፋይ መቓድሾ ናብ ኤርትራ ናብ ስድራቤቱ ንምፍናው ገንዘብ ኣዋጺኦም፡ ትኬት ነፋሪት ቆሪጾም ንምፍናዉ ተዳልዮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ግን፡ ሬሳ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ) ናብ ዓዲ ክኣቱ ኣይክእልን እዩ ኣብ ማንቸስተር ቅበሩዎ ዝብል መልእኽቲ ካብ ኤርትራ ከም ዝተዋህቦም ገሊጾም፡ ነቲ መደብ ደው ብምባል፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ሬሳ ወዶምን ሓዎምን ዝጽበዩ ዝነበሩ ስድራቤት መዋቲ ኣብ ርእሲ ሓዘኖም ወርሒ መመላእታ ሰንፈላል ገይሮሞም ወሪሖም።

ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ዝህቦ መመኽኔታ፡ እቲ መምርሒ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ዝመጽአ ምዃኑ ክኸውን ከሎ፡ ህዝቢ ብጋህዲ ዝዛረበሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣማኒ ጴንጠቆስታል ብምዃኑ እዩ ሬስኡ ናብ ዓዲ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዝብል እዩ። ነዚ ዝሰምዑ ስድራቤት፡ ናይ ኣቕሽሽቲ ፍትሓት ይኹን፡ ዋላ ቀብሪ ቤተክርስትያን ይትረፈና፡ ዋላ ኣብ ካንሸሎና ክንቀብሮ ኢና ሬሳ ወድና ጥራይ ስደዱልና እንተበሉ ግን ሰማዒ ኣይረኸቡን። እንሆ፡ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ ሎሚ 01 መጋቢት ሓሳብ ልቢ ናይቶም ንሓዋሩ ክፋነዉዎ ክጽበዩ ዝጸንሑ ስድራቤቱ ከይተማልአ ኣብ ማንቸስተር ዓዲ እንግሊዝ ተቐቢሩ።

እቲ፡ ምስ ኣማኒ ጴንጠቆስታል ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሓድሽ ፍቕሪ ሒዙዎ ሕግብግብ ክብልን ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ክተሓቛቖፍን ዘይሓነኸ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ርእሲኡ፡ ነቲ ሱራፊኤል ዝተባህለ ፓስተር ጴንጠኮስታል ኢትዮጵያ ብነፋሪት ኣብ ኣስመራ ብወግዒ ተቐቢሉ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ክሰብኽ ዕድል ዝኸፈተሉ ስርዓት፡ ምስ ሬሳ ናይቲ ካብ እዋን ንእስነቱ ምእንቲ ሃገሩ ዝተወፈየ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ ክቋራቖስ ምቕናዩ ዘደንጹ እዩ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ሎሚ ኣማኒ ጴንጠቆስታል ዝብል መመኽኔታ ሂቦም ኳ ንሬሳ ተጋዳላይ ተስፋይ ናብ ትውልዲ ሃገሩ ምእታው እንተኸልከሉዎ፡ ውልቃዊ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ንጎኒ ገዲፍካ ፡ ቅድሚ ሕጂ `ውን ነቲ መዋእሉ ንናጽነት ኤርትራ ብደረጃ መሪሕነት ዝተቓለሰ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ሬስኡ ናብ ዓዲ ኣትዩ ከይቅበር ከምዝኸልከሉዎ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ ስለዝኾነ፡ ኢሳይያስ ስርዓቱን ቅንጣብ ሰብኣዊ ሕልና ዘይብሎም ኣረሜነ ምዃኖም ዘርኢ እዩ።

ብሕልፊ እቶም ደገፍቲ ናይዚ ሕልና ኣልቦ ኣረሜን ስርዓት ኢሳይያስ ካብዚ ኣጋጣሚ`ዚ ክቐስሙዎ ዘለዎም ትምህርቲ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንጭካኒኡ በቶም ዝቐርቡዎ ናይ ምጅማር ኣመል ከምዘለዎ እዩ። እቶም፡ ግዳያት ክንሶም፡ ፖለቲካ ኣይእተወናን እዩ፡ ዶብ ኣይፈልጥን ኢና ዝብል ኣዘራርባ ብምዝውታር ልኡምነት ዝመርጹ ኣመንቲ ጴንጠቆስታል `ውን፡ ነቲ ዝጀማምሩዎ ዘለዎ ምእንቲ ፍትሒ ቃልካ ናይ ምሕዋስ ተግባር ብዘይቃልዓለም ብዓውታ ከዕብዩዎ ከምዘለዎም ተመክሮ ክኾኖም ይግባእ።

ክቡራት ተኸታተልትና፡ ቀጺልና እምብኣር፡ ፈለማ፡ መስደዲ ሬሳ ገንዘብ ንዘዋጽኡ ገበርቲ ጽቡቕ ንምምስጋን ዝተዘርግሐ ናይ ምስጋና መልእኽቲ፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ኣስዒብና ኸኣ፡ ሬሳ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ) ኣብ ማንቸስተር ፍትሓት ክግበረሉ `ሞ ብመሰረት እቲ ምስ ኤምባሲ ኢሳይያስ ዝተገብረ ዝርርብ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ተወጢኑሉ ኣብ ዝነበረ ሰዓት፡ ነቶም ምትሕብባር ገይሮም ዝተባህሉ ኣቕሽትትን ኤምባስን ዝምጉስ ሕጡበ ጽሑፍ ዘለዎ ተጻሒፉ ኣብቲ ግዜ ዘይተነበ ታሪኽ ህይወት መዋቲ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

ንመዋቲ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ) ኣምላኽ ይቀበሎ፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ንቡርን ፍትሓውን ስርዓት ይፍጠረሎም!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Mulugeta March 1, 2019

    ኣቐዲመ ተስፋይ ብርሃነ መቓድሾ ካብዛ ዓለምምፍላዩ ዝተሰመዓኒ ሓዘን ወሰን የብሉን :: ኣነ ስጋብ ዝፈልጦ ተስፋይ ኣማኒ ጴንጤቆስጤ ኣይነበረን ሰዓቢ ኦርቶዶክስ እምበር :: እንተዝነብር እውን ዝደለዬ ንክኣምን ናይዝኾነ ፍቓድ ዘድልዬ ኣይኮነን :: ነታ ተቓሊሱ ናጽነት ኣብምምጻእ ዋጋ ዝኸፈለላ ሃገሩ ንመቓብር ዝኸውን መሬት ክኽልከል ዘገርም እዩ :: ኣብ መወዳእታ ንኣማንእያሱ ክብለካዝደሊ :- ኣመንቲ ጴንጤቆስጤ ፓሎቲካ ኣየእትወናን እዩ ዶብ ኣይንፈልጥን ኢና ይብሉ ኢልካያ ዘለኻ መሰረት ዘይብሉ ጸለም ካብ ህግደፍ ዝተለቃሕካያ ኢኻ ትመስል :: ንሕና ኣብ ገድሊ ይኹን ኣብ 1998 ዝተኻየደ ኩይናት ከምሰብና ዝተቓለስና ግቡእና ዝፈጸምና ዜጋታት ኢና :: ምናልባት ጆህባ ዊትነስን ጴንጤን ፈሊኻ ዘይትፈጦ እንተኾይንካ ካልእ ጉዳይ እዩ::

  • Hagherawi March 1, 2019

    ስርዓት እሰያስ ፥ ኣረመናዊ ሙዃኑ ሎሚ ኣይኮነን ዝጀመረ።
    ዲሕሪ ናጽነት ፥ ህዝብና ምስቲ ስርዓት ኣብ ሕጽኖት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፥ ኣብ ደገ ዝተቀብሩ ዉሑዳት ኣይኮኑን።
    ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓቢ ግደ ዝነበሮም መራሕቲ ፥ ብዘይካ ኣቦና ወልወል ኩሎም ኣብ ደገ ተቀቢሮም።
    እዚ ካብ ሙዉታት ከይተረፈ ሕነ ከዉጽእ ዝደሊ ኣረመናዊ ጉጂለ ፥ ኣብ ዓለም ብገበን መወዳደርቲ የቡሉን።
    እምበርዶ ሰብ እዮም ?
    ዉላድ ዶ ኣለዎም ?
    ደቂ እቶም ፥ ብሰንኮም : መቃብር ወለዶም ዘይፍለጥ ፥ ነቶም ደቂ ገበነኛታት ፥ እንታይ እዮም ክብሉ?

  • Danilo March 1, 2019

    ኣንቱም ሰባት፡ገና ኣለና ንምቅናይ።በቢ እዋኑ ጉድ ይስማዕ ኣሎ። ንሙኹዋኑ ሬሳ ዝፈርሕ ጨካን ኣሎ ድዩ ? ንሓበሬታ ዝኣል፡ ወላ እቲ ካፍር ዝብሃል ኣብ መኤካ-መዲና ይቅበር እዩ ሓመድ ኣዳም ስለዝኾነ።ኣብ ኤርትራ ግን ፡ ዓዲዛ ጭዋታት ፡ ዓዲዛ’ለውሃት በየናይ መለክዒ ምስ ሬሳ ዝቢኣስ ፍጥረት ይመርሓ ? ሙኹዋን እኳ ፡ ኣብዚ እዋነ ምድማር ጌና-ጌና ሙጽኣተ-ዓለም ክንዕዘብ ኢና ግን የቅልሎ።

  • Biniam Mehari March 1, 2019

    Rest in peace dear brother and TSINIAT YAHABIKUM FETARI NISIDIRABET Tesfay Berhane.

  • aman March 2, 2019

    ብድወና ዝተቐበርና ህዝቢ!!!

  • Berhane Haile March 2, 2019

    ነዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ዘይንቐብጾ ምዃንና እዩ ዝገርመኒ።

  • k.tewolde March 2, 2019

    Nothing have changed since the last time I engaged this mob,nothing new,cannibalizing its own kind,selling its offspring’s spare parts,envious bloodsucker who can’t stand the well being of his own kind,a parasite who latches on to the living till it dies….it is the necrophiliac sort which likes to play with the dead.Nothing new folks,it got to where it is today feeding on us.

  • sened March 2, 2019

    What forced him to devils suicide? Hope not higdefs devils. RIP.

  • Mike March 2, 2019

    Nothing is new. Why do you blame the leader in Eritrea? Blame yourself Eritrea. Instead of sitting at bars and coffee shops chewing gum and chewing these sort of news, get in to action change the minds of people and speak out loud. Get involved with assenna or others and get moving. Many of you will not see Eritrea also and thus why not do something while “living”. Rather than waiting to that day and have someone write you like the one we are reading here , how about you do something now while you can?

    Peace to his soul to the man who has departed from us for good

    • SenAfe March 3, 2019

      Haw Mike, you are so right and so sensible but getting involved with assenna, I don’t know (don’t agree) as people who got involved with assenna for so long have brought no changes at all!

      • k.tewolde March 3, 2019

        Don’t blame assenna,it is a website that gives a space to voice your opinion,be grateful for that,I hope you contributed something to post that disparaging post,assenna is not here to wield a sword and decapitate the enemy for you,that’s on you,if you have what it takes to get the job done,so far we are looking at each other who would jump into the frozen pond first.I been there,I know how it feels,I know what it takes.

        • Tsehaye March 3, 2019

          Who asked you where you’ve been or what you’ve done Mr big head show off? No one is the least interested in how it feels or what it takes, just act, ACTION.
          Assenna must be so desperate to be defended by you useless talative.
          Give it a rest and do something useful for a change! What a waste of time.

          • k.tewolde March 3, 2019

            If it was,you wouldn’t use your ‘precious’ time to respond,truth is provocative,it agitates people like you out from your dark crevices.

  • Zeregabir Teaghes March 3, 2019

    Is it true that he made suicide?
    The stupid Gov’t kills those who involved themselfs in his criminal acts. Thus so many veterans are killed by the Artificial Gov’t indirectly either his car went run over or killed himself.

POST A COMMENT