Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምትኽኻል ወይ ምጽልጻል ኣእምሮ

ምትኽኻል ወይ ምጽልጻል ኣእምሮ ኣማኑኤል ሳህለ ሰብ ከም ድላዩ ኪሓስብ፡ ማለት ንሓሳባቱ ፋሉል ኪሰዶ ይኽእልዶ? ኣብ ገለ ኩነታትን ኣጋጣሚታትን ይኽእልዩ። ንኣብነት ኣብ ሕልምን ኣብ ስኽራንን ኣብ ጽላለን። ስኽራን ክንብል ከሎና፡ ናይ ስልጣን ስኽራን ከም ዘሎ እውን ክንርስዕ

ምትኽኻል ወይ ምጽልጻል ኣእምሮ

ኣማኑኤል ሳህለ

ሰብ ከም ድላዩ ኪሓስብ፡ ማለት ንሓሳባቱ ፋሉል ኪሰዶ ይኽእልዶ? ኣብ ገለ ኩነታትን ኣጋጣሚታትን ይኽእልዩ። ንኣብነት ኣብ ሕልምን ኣብ ስኽራንን ኣብ ጽላለን። ስኽራን ክንብል ከሎና፡ ናይ ስልጣን ስኽራን ከም ዘሎ እውን ክንርስዕ ኣይግባእን።

ኣምባገነናት እኮ ቃሕ ዝበሎም እዮም ዚዛረቡ። መላኺ ስለ ዘይብሎም። ኣብ ገገዛኹም ኬድናዶ በጊዕ ክንሓርደልኩም ደሊኹም? ናብ ማይ ዘለዎ ዘይትኸዱ! ዚብላ ቃላት ከም ኣብነት ኪጥቀሳ ይኽእላ።

ሓሳባት ወድሰብ ቀጻሊ ዚፍልፍል ናይ ሓንጎል ውጽኢት እዩ። ደው ኪብል ኣይክእልን። ምስ ሞትካ ጥራይ እዩ ደው ዚብል። ደቂስካ ከሎኻውን ናብ ሕልሚ ብምቕያር ስርሑ ይቕጽል እዩ።

ነቲ ከም ማዕበል ዚገላበጥን ከም ፈለግ ዝውሕዝን ኣብ ኣእምሮና ዘዕለብጥን ሓሳባት ከም ዕርፊ ኮይኑ ኣንፈት ዘትሕዞን ከም መንፊት ኮይኑ ዝነፍዮን ዝጸጽዮን ዝወጋግኖን መሳርሒ ወይ ፕሮሰሰር ኪህሉ ግድን እዩ። እዚ ኣካልዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓንጎልና ኣሎ። ቀልቢ ወይ ልቦናዶ ክንብሎ? ንሓሳባትና ልክዕ ከም ኣመጻጽኣኡ ማለት ከይመመና ቃላት ኣልቢስና እነውስኦ እንተ ንኸውን፡ ዝበዝሕ ሰብ ኪርደኣና ኣይምኸኣለን።

እዚ ዝነፍን ዝመምን ናይ ሓንጎልና ውሽጣዊ ኣካል፡ ብባህልን ልምድን፡ ብዝወረስናዮ ባህርያትን፡ ብኸባቢናን ከምኡውን ብማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታትና ይጽሎ እዩ። እምበኣር፡ ኣብቲ እንነብረሉ ሕብረተሰብ ከም ጥዑያት ሰባት (ከም ሕዋያት ዘይኮነ) ክንዋሳእ እንተ ደኣ ዄንና፡ ኩሎም እቶም ካብ ኣፍና ከነውጽኦም እንደሊ ቃላትን ብገጽናን ብኻልእ ክፋላት ኣካላትናን ክንገልጾም እንደሊ ስምዒታትን ኣቐዲምና ክንመዝኖምን ክንወጋግኖምን ንግደድ ኢና።

ሓደ እዋን ምስ ሓደ ብጻየይ ኣብ ከተማ እናተዛወርና ከሎና፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ርሻን ኣመልኪተ፡ እዚ ርሻንዚ ክነውሕን ክጽብቕን፡ ምስ በልኩዎ፡ ሰሪቖም ሰራሪቖምዝሰርሑዎ እዩ፡ ኢሉኒ። ናይ መን ምዃኑ ከይሓተተ። ሓደ ካልእ ከኣ፡ ብዛዕባ ኣንስቲ ኣልዒልና ክንዛረብ ከሎና፡ ኣንስቲ ጨካናት ምዃነን ክነግረኒ ኣይደንጎየን። እታ ኣብ ከርሳ 9 ወርሒ ዝሓዘትካን፡ ናብዛ ዓለም ምስ ተቐልቀልካ ድማ ኣጥቢያን ሓዚላን ዘዕበየትካ ኣደኻ ወላዲትካ ጨካን ድያ ነይራ፡ ብምባል ተወኪሰዮ። ክቕጽል ኣይደለየን። ከምዚ ዝበለ ካብ ኣእምሮ ሰብ ዝወጽእ ኣተሓሳስባ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተባህለ፡ ከይተነፍየን ከይተጸጸየን ዚወጽእ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ።

ምሸት ኣብ ገዛኻ ምስ ኣተኻ፡ ኣብ ዓራትካ ኴንካ፡ እንታይ እየ ክብል ዝወዓልኩ ብምባል ነቲ ክትብሎ ዝወዓልካ በብሓደ ትእርሞ እንተ ትኸውን፡ እቲ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባኻ ኣይምሳዕረረን። ትም ኢልካ እንተ ርኢኻዮ ግን፡ ነቲ ኣእምሮኻ ኪመልኮን ከባላሽዎን ሓይልን ክእለትን ኣለዎ።

ጌጋ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ሞራል ሕቶ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ስነሞጎታዊ ሕቶውን እዩ። ይኹንምበር፡ ሞራል ወይ ጽቡቕ ተግባር፡ ኣብ ስነሞጎት እተመርኮሰ ምዃኑ ኣብቲ ዝመጽእ ጽሑፋት ኪግለጽ እዩ።

እቲ ነቲ ርሻን ኣመልኪቱ፡ ሰሪቖም ሰራሪቖም እዮም ሰሪሖምዎ ዝበለ፡ ካብ ቅንኢ እተላዕለ ኪኸውን ይኽእል። ቅንኢ ግን እንታይ ማለት እዩ? ኣነ ክገብሮ ዘይከኣልኩ፡ ኣነ ክህልወኒ ዘይከኣለ፡ ከመይ ገይሮም ንሳቶም ኪገብሩዎ ክኢሎም ወይ ክህልዎም ክኢሉ ንዚብል ሓሳባት ከም መበገሲ ወሲዱ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ንምሃብ ዝተደጎለ ሓይሊ እዩ።

እቲ ሰብ ብስነሞገታዊ መገዲ ዚሓስብ ነይሩ እንተ ዝኸውን ግን፡ ከምኡ ኣይምበለን። ኣነ፡ ኣነ እየ። ንሳቶም፡ ንሳቶም እዮም። ክልተና እንታይ ዘራኽብ ኣሎና? እቲ ነቲ ህንጻ ዝሰርሖ ሰብ ካባይ ንላዕሊ ናይ ንግዲ ክእለት ኪህሉዎ ይኽእል ይኸውን። ወይውን ካባይ ንላዕሊ ገንዘብ ናይ ምዕቋር ወይ ናይ ምውህላል ባህርይ ይህሉዎ ይኸውን። እቲ ብቕንኢ ተሰኒፉ ዘሎ ሰብ ንኣእምሮኡ ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝመርሖ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ከምዚ ዝበለ ዘረባ ኣይመውስአን ነይሩ።

ንምንታይ ኣነ ናይ ንግዲ ክእለት ዘይብለይ ንዚብል ሕቶ ግን፡ ልክዕ ምስቲ ስለምንታይ ኣነ ሓጺር ኮይነ ተፈጢረ ንሱ ግን ነዊሕ ኮይኑ ተፈጢሩ ዚብል ሕቶ ዚመሳሰል ይመስል። ከምዚ ዝበለ ሕቶ ነቲ ዝወለደካ ወይ ነታ ዝወለደትካ ምሕታት ይሓይሽ። ወለድኻ ድማ ብወገኖም ንወለዶም ኪሓቱዎም፡ ንሳቶምውን ብወገኖም ንወለዶም ኪሓቱዎም ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ሕቶ ከይተመለሸ ኪነብር ምዃኑ ግን ክትፈልጥ ይግባእ።

ነቲ ብተፈጥሮ እተዋህበካ ዓቕሚ ወይ ክእለት ወይ ጉድለት ተቐቢልካ፡ ወይ ከተመሓይሾ ምፍታን ወይ ድማ ክሳብ ጥርዙ ክትጥቀመሉ ምፍታን ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ምዃኑ እንተ ፈሊጥካ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ስነመጎታዊ ኣተሓሳስባ እንተ ኣማዕቢልካ፡ ኣእምሮኻ ብመጠኑ ተተኻኺሉን ተጸልጺሉን (ተመልሚሉን) ማለት እዩ። ምልሙልን ጽልጹልን ኣእምሮ ድማ ኣብቲ ኣብ ሕበረተሰብ ዚኽሰት ለውጢ ወይ ምስግጋር፡ ዓቢ ኣበርክቶ ኪገብር ይኽእል እዩ።

እሞኸ እንታይ እዩ ኪጽልጸል ወይ ኪተኻኸል ተደልዩ ዘሎ?

ኣብ ኩነታት ሃገርናን እንተ ተዓዚብና፡ ኣብ ህዝብና ብሓፈሻ ኣብ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ዚረአ ዘሎ ኣተሓሳስባ መሰረታዊ ለውጢ ዘድልዮ ይመስል። ግን ኩሉ ነገር ብሓደ ግዜ ኪልወጥ ስለ ዘይክእል፡ ንነዊሕ መገሻ ድማ ሓንቲ ስጉምቲ ስለ እትጅምራ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ኣብ እተፈላለየ ወገናት ዓለም ዚነብር ህዝብና ሒዙዎ ዘሎ ኣገባብ ኣተሓሳስባ ብመጠኑ ንምልዋጥ፡ ከምዚ ዚስዕብ ርእይቶ ከቕርብ እፈቱ፤

እቲ ኺጽልጸል ዘለዎ ኣተሓሳስባ እምበኣር ከምዚ ይመስል፤

  1. ምሕፋሽ (Generalization)

ንሓደ ወይ ንኽልተ ወይ ንውሑዳት ዚምልከት ጉድለታት ወይ ውህበታት ንኹሉ ህዝቢ ወይ ጉጀለ ከም ዚውክል ጌርካ ምዝራብ።

  1. ኣቐዲምካ ምፍራድ (Prejudice)

ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ሓደ ጸዓዱ ዚምሃሩሉ ቤትትምህርቲ፡ ንገለ ተምሃሮ ናይ ሓደ ካራ ዝሓዘ ጻዕዳን ናይ ሓደ ካራ ዘይሓዘ ጸሊምን ሰብ ፎቶ ብስላይድ ገርዮም ንሒደት ካልኢታት (ማለት ቅጽበታዊ ህሞት) ኣርእዮምዎም። ብድሕርዚ ሕቶ ኣቕሪቦሙሎም። መን እዩ ካራ ሒዙ ዝነበረ፡ እቲ ጸሊም ድዩ ወይስ እቲ ጻዕዳ ዚብል ሕቶ። መብዛሕትኦም እቶም ተምሃሮ፡ እቲ ጸሊም እዩ ካራ ሒዙ ነይሩ ዚብል መልሲ ሂቦም። ንኣእምሮኦም፡ ጸሊም እዩ ቀታል ሰብ ዚብል ቅድመፍርዳዊ ርእይቶ መሊኦምዎ ስለ ዝጸንሑ።

  1. ስምዒታዊ ምዃን

ዝበዝሕ ግዜ፡ ስምዒት ቦታ ዚረክብ፡ እቲ ኣእምሮ ኪዕጾ ኸሎ እዩ። ኣእምሮ ኣዒንቲ ኣለዎ፡ ስምዒት ግን ዝበዝሕ ግዜ ዕዉር እዩ።

  1. ኣብ ማሪት (ኣጉል እምነት) ምምርኳስ

ነቲ ጉዳይ ባዕልኻ በቲ ክትሓስበሉን ክትትንትነሉን እተዋህበካ ኣእምሮ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ናብ ገለ መለኮታዊ ሓይሊ ከተጸግዖ ምፍታን። ናይዚ ኩነታትዚ ውጽኢት መብዛሕትኡ ግዜ ኣሉታዊ እዩ። ቅድም ኩሉ ዝከኣለካ ዘበለ ግበር፡ እቲ ዝተረፈ ድማ በቲ ምዕባለታትን ኩነታትን ባዕሉ ኪውሰን እዩ።

  1. ምሒር ምፍታውን ምሒር ምጽላእን

ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ህይወት ንጥፈታት ምሒር ምፍታው ከጋግየካ ይኽእል እዩ፡ ከምኡውን ምሒር ምጽላእ። ብፍላይ ፍርዲ ወይ ርእይቶ ኣብ እትህበሉ እዋን ኣእምሮኻ ብስርዓት ኪሰርሕ እንተ ደሊኻ፡ ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ረኣዮ። ነቲ እትፈትዎን ነቲ እትጸልኦን።

  1. ኣነየ ዝፈልጥ፡ ኣነ እየ ነቲ ቅኑዕ መገዲ ሒዘ ዘለኹ ምባል

ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ፡ ተጻዋርነትን ሕድገትን ኣይፈልጥን እዩ። ዕድል ምስ ዚረክብ ድማ ዕንወታዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይብልን።

  1. ዕላማኻ ዘይንምጻር

ኣብ ዝኾነ ንጥፈታትን መስርሕን ኣብ ፖሊሲታትን ስልትን ስትራተጅን ዕላማ ኪህልወካ ይግባእ። ዕላማ ዘይብሉ ኩሉ ስራሕን ሃልክን ውጽኢቱ ድኻም ጥራይ እዩ።

  1. ጸገማት ከተለሊ ዘይምፍታን

ነቲ ጸገም ከየለለኻ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ስትራተጂ ክትዛረብ ምውዓል ዋጋ የብሉን። መጀመርያ ነቲ ጸገም ኣለሊኻ ተሰማምዓሉ፡ ብድሕርዚ ብሓደ ኴንካ ክትቃለሰሉ ምፍታን።

  1. ትም ምባል/ዓገብ ዘይምባል/ልኡምነት ምርኣይ

ዘይፍትሓዊ ዘይሓቂ ዘይግቡእ ነገራት ክትርእይ ከሎኻ ባዕልኻ እኳ እንተ ዘይተቓለስካሉ፡ ዚቃለሱሉ መታን ኪርከቡ ኣብ ህዝቢ ከተቕርቦ ይግባእ። ኣብ መንጎቶም ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ራሕሪሖም ኣብ ወጻኢ ዕቝባ ዝሓተቱ ውልቀሰባት፡ ክሳዕ ሕጂ ኣጽቂጦም ዘለዉ ውሑዳት ኣይኮኑን።

  1. ኢሎምና/ተባሂሉ/ይብሃል ኣሎ ወዘተ. እናበልካ ምዝራብ

ኣብ ክንዲ ባዕልኻ ኣንቢብካ ወይ ናብቲ ምንጪ ኬድካ ሓበሬታ ምውህላል፡ ኣብ ማርሻበዲ ዚውረን ብሕሱር ጋዜጣታትን ተለቪዥንን ብሞባይላትን ዝመሓላለፍ ሓበሬታታትን ዜናታትን በለካ ለኽዓካን ከም እሙን ማዕከን ጌርካ ምቕራብ።

ነዘን ተዘርዚረን ዘለዋ ጻህያይ ወይ ክርዳድ ንምእላይ ምስ እትቃለስን ኣብ ኣተሓሳስባኻ ድማ መዓልታዊ ቍጽጽር ምስ እተካይድ፡ ሓሳባትካ እናነጸረን እናተኾለዐን ናብቲ ናብ ጭቡጥን ሓቅን ዚወስድ መገዲ ከም ዝመርሓካን ዘብጽሓካን ክትጠራጠር ኣይግባእን።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Simon G. May 28, 2015

    I thought ምጽልጻል means to layoff. Was HGDF using it the wrong way?

    • rezen May 29, 2015

      ምድስካል = layoff re: Issayas’ Dictionary, 1st Edition 1994

      • Simon G. May 29, 2015

        I thought ምድስካል = to freeze, roughly translated to put someone on disability (mentally), since the frozen people still get paid.

  • Teclay May 29, 2015

    Simon //rezen

    Maybe both of you are from the city but Mr.Amnuel used ምጽልጻል in the right position.As i know the literal meaning of ምጽልጻል is to cut the lower unnecessary branches of a tree i so that it can grow faster and straight.
    Literally HGDF’s usage of the word was also right that is to dismiss unnecessary extra staff. Was it right? according to the HGDF dictatorship…Yes
    The deletion of our comments by Assena staff to appease their old bankrupt com-reds and empty ultra nationalists is also ምጽልጻል…is it right? according Assena dictatorship…Yes.

  • rezen May 29, 2015

    Hold it, Hold it! Teclay. I have a question. But let me first say: >>> Hi Simon G! I see you are doing fine — keep going.

    Now to you Teclay,
    “ምጽልጻል is to cut the lower unnecessary branches of a tree i so that it can grow faster and straight.”

    Now the key words in your statement are >>>> “cut” aiming at “grow[ing]faster and straight”. Therefore, the intention of HGDF in weeding out (i.e.cut) the inefficient staff(i.e.branches) so that their organization would be replaced by efficient staff (grow faster and straight) makes sense. Then, in that case, HGDF is on the correct path and doing the right thing of following faithfully the course of Nature!!!!!! HGDF doing the right ting???? ha ha ha ha …..>>>> I am just having little fun, Teclay. It is Friday, the beginning of week-end.

    I hope demo.archive.assenna.com wouldn’t take our little chat as frivolous, wasting valuable space. By the way, Teclay, don’t feel VERy bad about your articles being rejected by assenna. com. It happened to me a few times too. Do I agree with their action? NO! Do I complain? NO! My philosophy about it goes like this >>> a)it is their space; b)they have every right to do with it in what ever fashion they like to keep it; c) My right is also reserved for me not to submit articles if their decisions is beyond my tolerance. It is that simple — for me, that is. As a comrade with the same horizon, I suggest you may wish to look at it that way too!

    Hey, Simon G, how come you are too quiet!!!!!ወይ! ነገር ነገር ነገር remember that song? 🙂

Post a Reply to araya-11 Cancel Reply