Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምንቕስቓስ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ ንሓርበኛ ደኽተር ተወልደ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ገይሩ ፤

ምንቕስቃስ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ ንሓርበኛ ኣቦና ደክተር ተወልደ ሽምዓ ብምብራህ ዘኪርዎ ኣምስዩ። እቲ ስነ-ስርዓት መጀመርታ ደክተር ተወልደ ኣብ ላስቬጋስ መጺኡ እንከሎ ዘስመዖ መደረ እዩ ተጀሚሩ ፡ቐጺሉ ንዝኽሪ ዶክተር ተወልደ ብሙዚቓ ዝተሰነየ ንኽለተ ደቓይቕ ናይ ሓዘን

ምንቕስቃስ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ ንሓርበኛ ኣቦና ደክተር ተወልደ ሽምዓ ብምብራህ ዘኪርዎ ኣምስዩ። እቲ ስነ-ስርዓት መጀመርታ ደክተር ተወልደ ኣብ ላስቬጋስ መጺኡ እንከሎ ዘስመዖ መደረ እዩ ተጀሚሩ ፡ቐጺሉ ንዝኽሪ ዶክተር ተወልደ ብሙዚቓ ዝተሰነየ ንኽለተ ደቓይቕ ናይ ሓዘን ዝኽሪ ተገይሩ ።ካብኡ ብምቕጻል ብምንቕስቃስ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ ዝተዳለወ ታሪክ ህይወት ሓርበኛ ደክተር ተወልደ ተነቢቡ ብተወሳኺ ብጸሓፊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ላስቬጋስ ኣቶ ከራር ህያቡ ብዓረብ ሓጺር ታርክ ዶኽተር ተወልደ ብምቕራብ እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ ተኻይዱ።
ካብኡ ብምቕጻል ብነበርቲ ላስቬጋስ ዝተፈላልዩ ለበዋታት ተመሓላሊፎም ገለ ካብቶም ዝቐረቡ ርእይቶታት ደክተር ተወልደ(ወዲ-ቫካሮ)ተዘኪሩ ክነብር እዩ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንሱ ኣብ ዝመጻኣሉ እዋን ተኣኪቡን ወጺኡን ዘይፈልጥ ሰብን እዩ ወጺኡ ፡ምክንያቱ እቲ ሒዝዎ ዝመጸ” ሰፊሕ ምትእክኻብ ኤርትራውያን ንፍትሓዊ ቓልሲ” ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሓቒ ዝተሰረተ ስለዝነበረ እዩ።ሓደ ኮይና ሽግርና ንፍታሕ ሓድነት ጥራሕ እዩ ዘዕውት ንጠርነፍ ንተኣኸብ ዝብል ምልእክቱ ኣተባቢዕና እዩ፡ሕጂውን ኣይንገራህ ብከተማታትና ብዘይ-ኣፈላልይ ንጠርነፍ ነቶም ነናቶም ውድብን ምንቕስቓስን ጥራሕ ብጹእ ገይሮም ዘቕርቡልና ሓደ ኽይንኹም ምጹ ንበሎም፤ንሕና ናይ ዘዝወጸ ሕዱሽ ሕግታት ውድብ ከነጽንዕ ግዜና ከነጥፍእ ኣይኾናን፡ እቲ ፍታሕ ብሓድነት ምቕላስ ዳኣንበር ኣብ ኣኬባ ሓደ ንኹን ኣብ ደገ ድማ ወውድብኻን ምንቕስቃስካን ምጽብባቕ ነብስኻ ካብ ምዕሻው ሓሊፉ ካልእ ዘምጸኦ ለውጢ ከምዘየለ እቶም ተሳተፍቲ ገሊጾም።
ኣብ መወዳእታ እቲ መደብ ወዲቫካሮ ዝግባኣካ ገይርኻ ኢካ እቲ ተሪፉ ዘሎ ግደ ናትና እዩ፡ብሓድነት ተቓለሱ ኢካ ኢልካናሞ ከም ቓልኻ ብሓድነት ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ጸኒዕና ን ተሪርናን ክንቓለስ ኢና። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ምንቕስቃስ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ ንቤተሰቡን ደቑን ጽንዓት ይሃብኹም ይብል።
ምንቕስቓስ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Selamawi November 1, 2014

    Message of solidarity to you brothers. Dr Tewelde was a champion of unity. Unless we unite now we will regret it later.

    UNITY = SOLUTION TO ERITREA’S PROBLEMS.

    God save us all

Post a Reply to Selamawi Cancel Reply