Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Breaking News: Updated: ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ ትማሊ ርቡዕ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 65 ዓመቱ ዓሪፉ።

ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ከቢድ ጥልመት ብምዅናን፣  ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክብደት ውሽጣዊ ሕማሙ ከይዓገቶ ከም ኣቦ ሓድነት

ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ከቢድ ጥልመት ብምዅናን፣  ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክብደት ውሽጣዊ ሕማሙ ከይዓገቶ ከም ኣቦ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል  ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ክሳብ’ ታ ናይ መወዳእታ ዕለትን ናይ መወዳእታ ትንፋሱን ቃልሱ ኣነሃሂሩ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 65 ዓመቱ ትማሊ ረቡዕ 22 ጥቅምቲ ሰዓት 11፣00 ለይቲ ኣብ ሕክምና ዓዲ ጥልያን ዓሪፉ።

ብቕንዕናኡን ፍቕሪ ህዝቡን ዝልለ ሓርበኛ ሃገራዊ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ሓድነት ኤርትራውያን መሪሕ ዛዕባ ክኸውን ብዘካየዶ ጻዕሪ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ቃልሲ ብምስሓብ ታሪኽ ሰሪሑ ዝሓለፈ ውፉይ ኤርትራዊ እዩ።

ስነስዓት ቀብሪ ናይቲ  ኣብ ኣስመራ ብ1949 ዝተወልደ ዓዲ ገብራይ ዝዓዱ ሓርበኛ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ጽባሕ ቀዳም 25 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከባቢ ሚላኖ ኣብ እትርከብ ምስ ቤተሰቡ ዝቕመጠጠላ ዝነበረት ከተማ BUSTO ARSIZIO ቤተክርስትያን San Michele ሰዓት 10፣00 ንጉሆ ክፍጸም እዩ።

ክቡራት ተኸታተልትና፣ ናይ ቀዳም 25 ጥቅምቲ መደብ ራድዮ ኣሰና ኣብ ዕረፍትን ውርሻን ሓርበኛ ሃገራዊ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዘተኮረ ክኸውን ምዃኑ እናዘኻኸርና፣  በዚ ቁጽሪ ተለፎን ራድዮ ኣሰና 146 951 39711 ደዊልኩም ሓጺር ናይ ጽንዓት መልእኽቲ ከተመሓላልፉ (መልእኽቲ ክትገድፉ) ከምእትኽእሉ ንሕብረኩም።

ድምጺ ኣሰና ብመስዋእቲ ሓርበኛ ሃገራዊ  ዶር ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዝተሰምዓ መሪር ሓዘን እናገለጸት ንቤተሰብን ፈተውቱን ደለይቲ ፍትሕን ጽንዓት ትምነየሎም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
120 COMMENTS
  • Berhe October 23, 2014

    Hi…

    RIP.

    Best regards
    Berhe.

  • T.yohannes berhe October 23, 2014

    it is very sad to such news.
    RIP.

  • T.yohannes berhe October 23, 2014

    it very sad to hear such news.
    RIP

  • Dala Ksha October 23, 2014

    RIP.
    it is bad news for all Eritreans Deleyti firhi ,I gave my sympathy to his family .let’s finish what he started.

  • Dala Ksha October 23, 2014

    Sorry i mean Deleyti Fithi

  • Mesinas October 23, 2014

    ደሃዩዶ ኣሎኩም?

    ናብ ፍርዲ ከቕርብ ነዚ ገበነኛ
    ምስ ህዝቡ ኪቃለስ ኣንጻር ዓመጸኛ
    ስለ ዘይተራእየ ትማሊ ኣብ ቦሎኛ
    ደሃዩ ክንሓትት ሃለዋት ሓርበኛ!

    ወጽዓ ህዝብን ሃገርን ዘንቀሎ *ሰሃሮ *ሓልዮት
    እቲ ወፍሪ ሓድነት ትማል ዝጀመሮ
    ሃንቀውታ’ዚ ህዝቢ ሕድሪ ኪትግብሮ
    ደሃዩዶ ኣሎኩም ናይ ወዲ ቫካሮ?

    ህዝብና ከይጸንት ብመሬት ብባሕሪ
    ግዕዘ ህግደፋውያን ኮስቲሩ ከጽሪ
    ሃምበል ኪዛዝሞ ዝጀመሮ ወፍሪ
    ጥዕናኡ ይሓሉ ጎይታ ሰማይ ምድሪ!

    *ዘላሚ ክንቀጽዕ ገሃሲ መሰልና *ረጋጺ
    ዕርበት ላምፔዱሳ ህልቂት ዜጋታትና
    ኣብ ሓደ ክንጥርነፍ መሪሕ ዝኾነና
    ነቲ ዘይሕለል ሓርበኛ ኣቦና
    ከም ዓረ ከትርር ዓንዲ ሓድነትና
    ጎይታ ሰማይ ምድሪ ጥዕና ሃበልና!?

    ፍትሒ ምስ ነገሰ’ኮ ዕድል ተረኺቡ
    ሃገሩ ኪሃንጽ’ዩ *ተጃር ብገንዘቡ *ኣዝዩ ሃብታም
    ዘኽታማት ኪሕግዝ’ወ ከዕብዮም ሓብሒቡ
    ዳግም ንኽርእዮ ይጽበ ኣሎ ህዝቡ!

    ኣለኹ በል’ወ ይሰማዕ ድምጽኻ
    ትጽቢቱ ብዙሕ’ዩ እዚ ህዝቢ ካባኻ
    ብዓወት ኪዛዘም ናይ ስምረት ወፍርኻ
    ነዞም መንእሰያት ሃበርም ደቅኻ
    ኣለኹልኩም በሎም ኣብ ዘሊኻ ኣሊኻ!

    ኣብዛ ህያብ ስውእ ሃገርና ኤርትራ
    ኣሃዱ ምባልካ ናይ ልምዓት ወፈራ
    ምስክር ኣሎዋ ባጽዕ ምስ ኣስመራ
    እንታይ’ሞ ኪኸውን ምስ ኣንበጣ ኣዝመራ
    ኣይሰርሕ ኣየስርሕ ብዘይካ እንኪሒራ
    ኣይኮነን ኪሃንጽ ኪቕይሮ ሕብራ
    በንጻሩ የዕኑዎ ኣሎ ነቲ ዝነበራ!

    እዚ እኩይ ስርዓት ናይ ሃገርና *ኩቢ *ሓድሽ ብቚሊ ዘምክን ሓሰኻ
    ጻማ ምግዳልና ካብ ከልኣና ዓስቢ
    ፍትሒ ከነምጽእ ከይንዓስል ከም ንህቢ
    *ብጻኦት ክንስደድ ኴንና መዛረቢ *ብጃምላ
    ደፊእካ ንምውዳቑ ህይወት ኣልቦ *ዓምቢ *ብደዉ ዚነቐጸ ቆልቋል
    ኣብ ቀብሪ መላኺ ጸጸርካ ኪትድርቢ
    ሓርበኛ ወዲ ቫካሮ ይጽውዓካ ኣሎ ህዝቢ!

    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 21-10-2014

    ሓበሬታ፥ ክቡር ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ጽንዓት ይሃብካ ጽንዓት ይሃበና! እዛ ግጥሚ ብቅድሚ ትማሊ ደሃይ ወዲ ቫካሮ ንምሕታት ኢለ ዝጸሓፍኩዋ’ያ ኔራ። ኣብ መንጎ ናይ ጀነራል ቢተወደድ ኣብርሃ ዘሕዝን ታሪኽ ምስ ሰማዕኩ ግን ንዓኣ ገዲፈ ነታ ሓዳስ ግጥሚ ናይ ቢተወደድ ሰዲድልካ። ሕጂ ድማ ዘሕዝን ዜና ዕረፍቲ ሓርበኛ ኣቦና ዶ/ር ተወልደ ቫካሮ ምስ ሰማዕኩ፡ ነዛ ናዕታ ከም ዘላታ እሰደልካ ኣለኹ። ጽንዓት ንስድራ ቤቱን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን! ንሓርበኛ ኣቦና ዶ/ር ተወልደ ቫካሮ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ!

  • baduri himedin October 23, 2014

    Wawwwwwwwwww! I feel very sorry for the death of the great contemporary fighter wedi VACARO. he was an inspiration for all of us to follow his foot steps to destroy the current dictatorial regime in Asmara, who is sucking the blood of each and every family in Eritrea. my sincere condolences to all his family, and all his lovers!

  • love eritrean October 23, 2014

    I was thinking of him 10 days ago, because we didn’t hear from him for while. It is very sad news to the rest of Eritrean and Eritrea. Fortunately, HIS LEGACY AND FEELING WILL STAY WITH ERITREAN PEOPLE AND EVERY FOR EVER.

    I was proud of him, when he made good progress last year. He challenged the PFDJ & its followers, for instance the dirty leader of PFDJ made many interviews and tried to change Eritrean people view and opinions.

    What was his last message to the Eritrean people and Eritrea?
    What will happen for his political plan and strategies?
    Did he has a chance to establish his long term dream: Eritrean lawyers, who could stand up for the Eritrean people and Eritrea!

    Assenna, Please pass our condolences to his family and Eritrean people.

  • wedi fre October 23, 2014

    WEDI VACARO!!!
    You gave the Eritrean revolution whatever you can and own untill your last breath!!!
    You will be remebered as a TURNER of TIDE in the history of Re-emancipation of Eritrea from the hands of Mafia Iseyas.
    You will be remebered as a HERO forever.

    May God rest your soul in heaven and give your family and all Eritrean people who are for change the power to overcome this terrible losss.

    You will always be missed!!
    R.I.P.

  • nardos October 23, 2014

    To Arada.
    Ata denkoro kem afka yewredka niakka. Zehzineyu Rip

1 2 3 12

POST A COMMENT