Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምኪኤል ስባህቱ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበር ኤርትራዊ ኢንጂነር መስርሕ ምዝርጋሕ ኤለትሪክ ዘቃልል መሳርሒ ከምዝመሃዘ ኣብ ፋይናንሻል ታይምስ ዝወጸ ዓንቀጽ ሓቢሩ።

ምኪኤል ስባህቱ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክተማ ለንደን ዝነበር ኤርትራዊ ኢንጂነር፣ መስርሕ ምዝርጋሕ ኤለትሪክ ኣብ መናድቕ ህንጻታት ዘቃልል መሳርሒ ከምዝመሃዘ ኣብ ፋይናንሻል ታይምስ ዝወጸ ዓንቀጽ ሓቢሩ። እቲ ኣብ 1990 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምስዳዱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ

ምኪኤል ስባህቱ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክተማ ለንደን ዝነበር ኤርትራዊ ኢንጂነር፣ መስርሕ ምዝርጋሕ ኤለትሪክ ኣብ መናድቕ ህንጻታት ዘቃልል መሳርሒ ከምዝመሃዘ ኣብ ፋይናንሻል ታይምስ ዝወጸ ዓንቀጽ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ 1990 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምስዳዱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብተክኒካል ኢንጂኔሪን ዝተመረቐ ምኪኤል ልዕሊ 40 ሽሕ ኣታዊኡ ኣብቲ ፕሮጀክት ብምውፋር ዝገበሮ ምህዞ፣ መስመር ኤለትሪክ ኣብ ምዝርጋሕ ክስርሓሉ ንዝጸንሐ ልሙድ ኣገባብ፣ ብግዜ ይኹን ብገንዘብ ብዝተዓጻጸፈ መጠን ዘቃልል ስለዝኾነ እቲ ንብረት ዕዳጋ ክረክብ ትጽቢት ከምዝግበረሉ እቲ ጋዜጣ ይእምት።

እቲ ኣብ ውሽጢ 10 ካልኢት ንመዘርግሒ ኤለትሪክ ዝኸውን ርቡዕ ኩርናዓዊ ጉድጓድ ኣብ መንደቕ ህንጻ ዝፍሕር ኤለትሪካዊ መሳርሒ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ ን ሰብ ሞያ ኤለትሪክ 16 ሚልዮን ሰዓታት ጉልበት ዕዮ ንዓመት ከምዝዕቅበሎም፣ ንሓደ ብዓል ሞያ ኤለትሪክ ብሕሳብ 20 ፓንውድ ስተርሊን ንሓደ ሰዓት ክፍሊት ክሕሰብ ከሎ፣ ብድምር 330 ሚልዮን ፓንውድ ናይ ገንዘብ ወጻኢ ከምዘድሕን ‘ውን እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ገምጋማዊ መረዳእታ የቕርብ።

ዓለምና ንስደተኛታት ተጻባኢት ኮይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ኢንጅነር ምኪኤል ስባህቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ምህዞ ምብርካቱ ኣውንታዊ መልእኽቲ ከምዘለዎ ድማ ጸሓፊ ናይቲ ዓንቀጽ የገንዝብ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Daniel John November 24, 2016

    Great job, I wish you all the best for the rest of your journey bro GBU with long life and healthy

  • Mebrahtu November 24, 2016

    Super job congratualation .

  • ዮውሃንስ ጸጋይ November 25, 2016

    ብሓቂ ኣብነታዊ ኤርትራዊ መንእሰይ!
    ኣገናዕ ሚኪኤል!

POST A COMMENT