Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምኽትል ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝነበረ ኣልኣሚን ናፍዕ ከምዝራሕርሖ ዝተገንዘበ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብኣጋጣሚ ኣብ ኣስመራ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ኢማራት ዓረብ ዑስማን መሓመድ ዑመር ናብ ኢማራት ከይምለስ ኣዳናጕዩዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብ 25 ሓምለ ኣብ ዜና ኣሰና ከምዝትዘርግሐ፣ ከም ምኽትል ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝዓዪ ዝነበረ 1ይ ጸሓፊ ኣልኣሚን ናፍዕ ከምዝራሕርሖ ዝተገንዘበ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብኣጋጣሚ ኣብ ኣስመራ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ኢማራት ዓረብ

ብ 25 ሓምለ ኣብ ዜና ኣሰና ከምዝትዘርግሐ፣ ከም ምኽትል ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝዓዪ ዝነበረ 1ይ ጸሓፊ ኣልኣሚን ናፍዕ ከምዝራሕርሖ ዝተገንዘበ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብኣጋጣሚ ኣብ ኣስመራ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ኢማራት ዓረብ ዑስማን መሓመድ ዑመር ናብ ምዱብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ናብ ኢማራት ዓረብ ከይምለስ ኣዳናጕዩዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ዑስማን ካብ ኣስመራ ናብ ኢማራት ምስ ነቐለ ብሓለፍቲ ጸጥታ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ መገሽኡ ደው ከምዝብል ተገይሩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ቤትጽሕፈት ኤምባሲ ናይቲ ስርዓት ብዘይሓለፍቲ በረውረው ኢሉ ተሪፉ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ እቲ ንስርዓት ኢሳይያስ ዝራሕርሐ ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝነበረ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ “ እቲ ስርዓት ንክብርታት ሕብረተሰብ ኤርትራ የዕንዎ ስለዘሎ ክገድፎ ከምዝተገደደ” ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ (Anadolu Agency) ንመግለጺኡ ብምጣስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ “እቲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሓርነትን ዲሞክራስን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘካይዶ ቃልሲ፣ ብወልቀ መላኽነት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተባሒቱ ባኺኑ እዩ” ብምባል፣ ከምቲ ብጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቐረባ እዋናት ዝተሰነደ እዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ውድቀትን ዝልለ ከምዝነበረ ኣገንዚቡ። በዚ ምኽንያት፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ክህቦ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ደው ከብል ከምዝወሰነ ‘ውን ኣረዲኡ።

ኣብ 1993፣ 2001፣ 2013 ነቲ ስርዓት ንምቕያር ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተወስዱ ስጉምታት ከምዘይተዓወቱ ብምጥቃስ ከኣ፣ “ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ቅድሚ ‘ቲ ዓይኒ ዘይብሉ ጃምላዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከምዘይረኣየን ከምዘይሰመዐን ከጽቅጥ ኣይግባእን ‘ዩ” ብምባል፣ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጸቕጡ ከዕቢ ጸዊዑ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Said September 6, 2015

    ዝበዝሐ ርእይቶ ኣብዚ ኣሉታዊ ኢዩ፡ ንምንታይ ክሳብ ሕጂ ምስኦም ጸኒሑ, እዚ ኹሉ ክግበር ከሎ ምስኦም ነሩ ኢዩ ሕጂ ተስፋ ከም ዘይብሉ ህግደፍ ምስ ረኣየ ኢዩ ኣምሊጡ ወዘተ።
    ብጣዕሚ ይገርም በዚ ኣባህላኹም ሓደ ሰብ ኣብ ገጋ ነሩ ኣብ ገጋ ክነብር ኣለዎ ማለት ዲዩ? ጉጅለ 15 ኣብ ምድጋን ቢትወደድን ምርሻን ስንኩላን ከምኡ ዉን ምጭዋይ ዓበይቲ ዓድን ኢድ ነይሩዎም ኢዩ እሞ ስለዚ ኢዶም ኢዮም ረኺቦም ምባል ኮይኑዶ ኣይስምዓኩምን?

POST A COMMENT