Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 11፡ ካብ ተኽሊጥ ክሳብ ጸጸራት

                                            ምዕራፍ 11፡ ካብ ተኽሊጥ ክሳብ ጸጸራት         ኣብ ግዜ ሰላም መንእሰያት ነቦታቶም ክቐብሩ ንቡር’ዩ።

                                           

ምዕራፍ 11፡ ካብ ተኽሊጥ ክሳብ ጸጸራት  

 

    ኣብ ግዜ ሰላም መንእሰያት ነቦታቶም ክቐብሩ ንቡር’ዩ። ውግእ ንሕግታት ናይ ባህሪ ብጐነጻዊ መልክዕ ስለ ዝቕይሮ ግን ኣቦታት ንደቆም ይቐብሩዎም።

                                         ሄሮዶቱስ       

ምስ ተኽሊጥ ዝተጋህደ ካልእ ፍሉይ ተርእዮ እንተ ነይሩ ናይ ክልተ ኣዕራብ ጕዳይ’ዩ። ኣብ እንዳ ወንጀል ዝተኣስሩ ኣዕራብ ከም ዘለዉ ገና ከይተኣሰርኩ ከለኹ ካብ ሓደ እሱር ነበር ብጻይ ሰሚዐ ነይረ። ኣብ ካሜራ ዓሰርተ ሓሙሽተ ምስ ኣተኹ’ውን ካሜራኦም ኣይፈለጥኩዎን’ምበር ህላዌኦምስ ኣረጋጊጸ ነይረ። ክልቲኦም ምስ በዓል ተኸስተ ምስ ተሓወሱና ድማ ብኣካል ክርእዮም ክኢለ። እቲ ሞሮካዊ፡ ዓረብ ምዃኑ ንዝኾነ ሰብ ዘጋጊ ኣይነበረን። መርዋን ግን ሶርያዊ’ኳ እንተኾነ መልክዑ ካብ ናብ ዓረብ ናብ ፈረንጂ ይቐርብ ነይሩ። ከም ሕብሪ ይኹን ከም መሸከል ሕዋስ ዘይብሉ ጻዕዳ’ዩ ዝመስል። ኣብ ባህርያት መጺእካ’ውን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ተዓዚበ። እቲ ስሩዕ ዘይነበረ ደርግ ስኑ ብሽጋራ ኣብ ርእሲ ምዕታኹ፡ ሓንቲ ስኑ ሸራፍ ስለ ዝነበረት ክስሕቕ ከሎ ነቲ ግሩም መልክዑ ትጽይቖ ነይራ። እቲ ስሙ ዝረሳዕኩዎ ሞሮካዊ ሕብሩ ህስስ ኢሉ፡ ጸጕሩ ዛዕኰርኰር ዝበለን ጽዑቕን፡ ትም በሃላይን ክኸውን ከሎ፡ መርዋን ግን ልክዕ ከም ሓደ ወዲ ሃገር ምስ ኵሉ ሰብ ከዕልልን ክስሕቕን ይውዕል ነይሩ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ካርታ ናይ ምጽዋት ሕማም ስለ ዝነበሮ መሬት ክሳብ ዝወግሕ ፈፈው ክባሃል ይሓድር ነይሩ። ብሓጺሩ ጣጣ ዘይነበሮ ሰብ’ዩ። በንጻሩ፡ እቲ ሞሮካዊ ኣብ ስግዳንን ቁርኣን ምንባብን ተጸሚዱ ይውዕልን ይሓድርን ነይሩ። ክልቲኦም ጽቡቕ ምልከት ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ክነብሮም ከሎ ብዙሕ ርክብ ግን ኣይነበሮምን።

እዞም ክልተ ኣዕራብ በተመሳሳሊጕዳይ ዝተኣስሩ ክኾኑ ከለዉ፡ ብዘይ ፍርዲ ኮፍ ዝበሉ’ዮም ነይሮም። መርዋን በቲ ፍሉይ ናይ ሻም ላህጃኡ፡ “ኣነን ብጾተይን ኣብ ንግዲ ዝተዋፈርና ሰባት ኴንና፡ ዓበይቲ መርቸደሳት ሒዝና ኣብ ምሉእ ሰሜን ኣፍሪቃ ንነግድ ኔርና። ኤርትራ ሓዳስ ሃገር ከም ዝኾነት ስለ ዝፈለጥና፡ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታው ኣብ ከሰላ ናብ ዘሎ ቈንስል ኤርትራ ብምኻድ ቪዛ ሓቲትና። ንሱ ድማ ቪዛ ሂቡ ብዘይ ጸገም ኣፋንዩና። ኣብ ባረንቱ ምስ በጻሕና ግን ኣሲሮም ናብዚ ኣምጺኦምና፡” ክብል ኣዕሊሉኒ። መርዋን ካብ ናብ ሓደ ኣማኒ ምስልምና ናብ ሓደ ዕዋላ ክርስትያን ዝቐርብ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ኣባል ጅሃድ ኢልካ ክትጥርጥሮ ኣመና ዘጸግም ነይሩ። ብዛዕባ ስግዳን ፈጺሙ ኣይግድሶን ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኵሉ ዕላሉ ንሳዕስዒት፡ ንዳንኬራ፡ ንወሲብ፡ ንሙዚቃን ንኻልእ ስጋዊ ነገራትን ዝምልከት ብምንባሩ፡ ይትረፍ ኣብ ግብረ ሽበራ ወይ ኣብ ጥሩፍነት ክቋማጣዕ፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ስነምግባር ይኹን ሃይማኖት ኣዕሊሉ ወይ ተገዲሱ ኣይፈልጥን ነይሩ። ስለዚ፡ ንዘረባኡ ክኣምኖ የጸግመኒ ነይሩ። ልክዕ ከም ግምተይ፡ ካብ ቤትማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ፡ “ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ እትርከቦም ኣርባዕተ ኣዕራብ፡ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ መጽናዕቲ ንምክያድ፡ ምናልባት’ውን ሉል ባሕሪ ንምግፋፍ ብሓንቲ ጃልባ ናብ ማያት ኤርትራ ቀሪቦም። ኣብ ከምዚ ኵነታት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብሓይሊ ናብ ባጽዕ ክኣትዉ ኣገዲዱዎም። ብዘይ ሕጊ ናብ ክሊ ማያት ኤርትራ ኣቲኹም ተባሂሎም ድማ ብዘይ ፍርዲ ዳርጋ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተኣሲሮም፡” ይብል።

መርዋን ክኣቱ ኸሎ ዘረከቦ ገንዘብ ስለ ዝነበሮ ናይ መነባብሮ ሽግር ነይሩዎ ክብሃል ኣይከኣልን። ኣብ ርእስ’ዚ ወሓለ ስለ ዝነበረ ካብ ደቂ ካሜራኡ ዝለመዶ ብፈትሊ ፒሮታት ናይ ምስላም ክእለት ነይሩዎ። ንመሕለፊ ግዜ ኢሉ ከም ዝጀመሮ’ዩ ዝዛረብ። ድሒሩ ግን ነቲ ጥበብ ካብቶም ዝመሃሩዎ ንላዕሊ ስለ ዝመለኾ ንሓንቲ ፒሮ ሰለስተ ብር እናሸጠ ከም ናይ ኣታዊ ምንጪ ይጥቀመሉ ነይሩ። እንተ ኾነ ድሕሪ ነዊሕ ኣብ ዓይኑ ማህሰይቲ ክገብረሉ ስለ ዝጀመረ ጠቕሊሉ ከቋርጾ ተገዲዱ። ንዓይ ግን ኣዝዩ ይፈትወኒ ስለ ዝነበረ ኣቋሪጹዎ ከሎ ንመዘከርታ ኢሉ ሓንቲ ብትግርኛ ስመይ ዝተጻሕፋ ፒሮ ኣሊሙለይ ነይሩ። ገብረብርሃን’ውን ንመርዋን ኣዝዩ ይፈትዎ ካብ ምንባሩ ዝተላዕለ፡ “መርዋን ሳሕቢ፡” እናበለ’ዩ ዝጽውዖ ነይሩ። ኩላትና ብግርህነቱ ንፈትዎ ስለ ዝነበርና ድማ ሳሕቲ ምሳና ነብልዖ ኔርና። ዓሳ ከም ዝፈቱ ምስ ፈለጥና ድማ ዓሳ ንበልዓሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ ግድን ክነብልዖ ኣለና ብምባል፡ “ተዓል ያ መርዋን፡” ኢልና ቍንጭል ኣቢልና ንህቦ’ሞ ሓደ ዓቢ ነገር ከም ዝረኸበ ቈልዓ እናሰሓቐ ይበልዕ ነይሩ። ካብ ናይ ዓዱ ምግቢ ነዊሕ ተፈልዩ ብምንባሩ፡ ጥዑም ምግቢ ክረክብ ከሎ ንስድራኡ ስለ ዝዝክር ኣብ ፍሉይ ትዝታ ይሽመም ከም ዝነበረ ካብ ኵነታቱ ንርዳእ ኔርና።

መርዋን፡ ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ጭንቀት ኣይነበሮን። ክልተ ዓመት ምስ ኣሕለፈ ግን ምጽዋር ስኢኑዎ ዓቕሉ ከጽብብ ጀመረ። ሓደ ረፋድ ድማ ሃንደበት ጫጭ ኢሉ ከም ቈልዓ ምስ በኸየ ኩላትና ሰምቢድና፡ “ማለክ ያ መርዋን! ካላስ ኪፋያ ዓሌክ፡” እናበልና ብምጽንናዕ ክንእድቦ ከኣልና። ኣብ ሳልስቱ ናባይ ቅርብ ኢሉ፡ “ያ ፋኑስ፡ ምንፈድለክ ኣክትብሊ ጀዋብ፡” በለኒ። ኣነ ድማ ናብ ስድራኡ ዝለኣኽ ደብዳቤ ዝብል ዘሎ መሲሉኒ፡ “ደብዳቤ ደኣ ባዕልኻ ዘይትጽሕፎ፡” ክብል መለስኩሉ። “ትግርኛ ጽሒፈ ዘይክእል። ናብ’ዞም ምምሕዳር እየ’ኮ ክትጽሕፈለይ ደልየ፡” በለኒ እናሰሓቐ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “መሓመድ ሓሰን ንስኻ ምስ ጸሓፍካሉ ኣብ ሳልስቱ ውጻእ ከም ዝተባህለ’ኮ ሰሚዐ’የ፡” ምስ በለ ከም ስርዓት ኣደንጊጹኒ። ሽዑሽዑ ከምቲ ዝደለዮ ኣገባብ ገይረ ሕጽር ዝበለት ደብዳቤ ጸሓፍኩሉ። እቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታት ክሳብ ሕጂ’ዩ ዝገርመኒ።

ንጽባሒቱ መርዋን ናብ ቤትጽሕፈት ተጸውዐ። ብዙሕ ከይደንጐየ ምስ ተመልሰ፡ “እሂ እንታይ ኢሎምኻ?” በልኩዎ። “ወላሂ፡ ‘ንዓድኻ ክንሰደካ ሓሲብና ኣለና፡ ላኪን ኣብ ኤርትራ ናይ ሶርያ ኤምባሲ ስለ ዘየለ’ዩ እቲ ጸገም’ ኢሎምኒ። እዚ ላኪን እንታይ ይዓብሰለይ!” በለኒ ድርብ ስምዒት ብዝዓሰሎ መንፈስ። ኣነ ድማ፡ “ከምዚ ካብ በሉኻ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ከም ትወጽእ ፍለጥ፡” በልኩዎ መታን ከጸናንዖ። “ደብዳቤኻ ከም ዝሰርሐትከ ግን ኣሚንካዶ?” በለኒ እናሰሓቐ። ካብ ሽዑ ንደሓር ኣይቀሰነን ኣብ ውጥረት ኣትዩ ጐቦ ልቡ ኾነ። ከም ቀደሙ ኣብ ክንዲ ዝጻወትን ዘዕልልን ዝን ክብል ጀሚሩ። ኣብ መበል ሓሙሻይ መዓልቲ ማዕጾ ገልጠም በለት’ሞ፡ “መርዋን ትጽዋዕ ኣለኻ፡” ምስ ተባህለ በተግ ኢሉ ናብ ማዕጾ ብምጕያይ ናብ ደገ ወጽአ። ካብ ዝገመትናዮ ንላዕሊ ምስ ደንጐየ ግን ናይ ደሓኑ ድዩ ብምባል ኣብ ድርብ ስምዒት ኣተና። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢሉ፡ ማዕጾ ዳግማይ ገልጠም ምስ በለ እቶም ኣመለኛታት ናብ ማዕጾ ህዱድ በሉ። መርዋን እናሰሓቐ ክኣቱ ምስ ረኣኹዎ ሓጥያቱ ከም ዘብቅዐ ተጋህደለይ። ፍሽኽታ እናርኣየ ትኽ ኢሉ ናብ ዝነበርኩዎ ቦታ ብምምጻእ፡ “ያፋኑስ፡ ምሽ ኡልተለክ! ኣል ጀዋብ ነፈዐት!” እናበለ ሓቝፉ ሰዓመኒ። ዘረባኡ ብምቕጻል፡ “ተሓጐስ! ኣቕሑትካ ጠርንፍ ኢሎምኒ ኣለዉ። ንሳልስቲ ምስ ካልኣየይ ኣብ ጥቓ’ቲ ቤትጽሕፈት ነብስናን ክዳውንትና ክነጸራሪ ክንቅኒ ምዃንና ነጊሮምና ኣለዉ። ሕጂ ግዜ ስለ ዘየሎ ዘረባ ኣየንውሓልካን’የ። እዛ ኮቦርታ ክወጽእ ከለኹ በዞም ፖሊስ ክሰደልካ ምዃነይ ፍለጥ፡” ኢሉ ተፋነወኒ። ንነፍስወከፍ ኣባል ካሜራ እናተደፋነቐ ድሕሪ ምስዓም ድማ ሓንሳብን ንመጨረሽታን ተፈልየና። ነታ ኣዝያ ዓባይ ዝነበረት ላና ኮቦርታ ድማ ኣብ ሳልስቱ ብሓደ ያቆብ ዝብሃል ፖሊስ ሰዲዱለይ። መስኪናይ መርዋን ብዘይኮነ ጥርጣረ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይፈልጦ ሃገር ተዳጕኑ ከርተት ድሕሪ ምባል ብሓይሊ ኣምላኽ ወጺኡ። እዚ እዩ’ምበኣር እቲ ውሃ ዘበለ ናይ ህግደፍ ማሕበራዊ ፍትሒ።

ናብቲ ሞሮካዊ ምስ እንምለስ፡ መእሰሪኡ ምስ ሓተትኩዎ ካብ ናይ መርዋን ብዙሕ ዘይፍለ ምስቲ ድሒረ ዝሰማዕኩዎ ሓበሬታ ዝመሳሰል ሓበሬታ ሂቡኒ። ንሱን ካልኦት ክልተ ሰባትን፡ ሳልሰይቶም ጓልኣንስተይቲ ክዛወሩ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተዉ፡ ኣብ መጨረሽታ ድማ ገና ኣስመራ ከይበጽሑ፡ እንተ ኣብ ተሰነይ እንተ ኣብ ባረንቱ ከም ዝተኣስሩ ይዛረብ። ካብዚ ወጻኢ ዝፍለጥ ነገር ስለ ዘየሎ፡ እዚ’ባ እቲ’ባ ክትብል ኣጸጋሚ’ዩ። ብዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሞሮኮ ኤምባሲ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ንመርዋን ብገለ ሰሙናት ቀዲሙዎ ከም ዝወጽአ ይፍለጥ። ንሓደ ወጻእተኛ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣሲርካ ክተብቅዕ ብዘይ ፍርዲ ውጻእ ኣይትብሎን ኢኻ። ስለዚ፡ እቶም ሰባት ምስ ሱዳን ብዝነበረና ጸገም ተኣሳሲሩ፡ ብሰንክ’ቲ ናይ ኦሳማ ቢን ላደንዶ ናይ ግብረ ሽበራዶ ዝብሃል ዝነበረ ኵነታት ብጥርጣረ ግዳያት ኮይኖም እብል። ዝተረኽቦም ነገር ስለ ዘይነበረ ድማ መንግስቲ ብናጻ ክለቆም ተገዲዱ ኣብ ዝብል መደምደምታ ንበጽሕ። ሓደ ሕጊ ዘይብሉ ወይ ኣብ ፍትሒ ዘይኣምን ስርዓት፡ “ኣእትዎ! እሰሮ!” ካብ ምባል ሓሊፉ፡ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ? ነቲ ጕዳይ ህድእ ኢልካ’ስኪ መርምሮ ዝብል ኣገባብ ኣይጥቀምን’ዩ።

እቲ ጕዕዞ ብኸምዚ እናቐጸለ ከሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ብር ተሪፉ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ክእወጅ’ዩ ስለ ዝተባህለ፡ ዘለኩም ገንዘብ ኣረክቡ ተባህለ። ገብረብርሃን ነተን ኣብ ውሽጢ ዓመትን ክልተ ወርሕን ዝተኣከባ ካብ ሽዱሽተ ሚእቲ ብር ዘይሓልፋ ገንዘበይ ምስ ረኣየ ኣመና ገሪሙዎ፡ “እዚአን ጥራይ’የን ገንዘብካ?” ክብል ተወከሰኒ። ሕቶኡ ገሪሙኒ፡ “ካብዚ ንላዕሊ’ሞ እንታይ ክገብረለይ’ዩ፡” በልኩዎ። ለካ ንሱ በዓል ስልጣን ነይሩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበኒ፡ ከምቲ ንዓታቶም ካብ ብዙሕ ሰብ ዝመጽኦም፡ ካብ ብዙሓት ፈለጥቱ ብዙሕ ገንዘብ መጺኡዎ ይኸውን ኢሉ ስለ ዝገመተ’ዩ ከምኡ ኢሉ። ከም ሓቂ እቶም ነጋዶ ፈለጥቶም ብዙሓትን ርኹባትን ስለ ዝኾኑ፡ ቀዳም መጽአልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ’ዩ ዝኣትወሎም ነይሩ። እቶም ዝሰዱ ሰባት ድማ ጐደሎ ሚእቲ ይሰዱ ኣይነበሩን። ስለዚ፡ ብር ክቕየር’ዩ ምስ ተባህለ በሽሓት ዝቝጸር ብር ተኣኪቡ ናብ ቤትጽሕፈት ተጓረተ። እቲ ዘገርም ናይ ዓሚ ዓሊ ጕዳይ ነይሩ። ዓሚ ዓሊ ምስ ተኽሊጥ’ዩ ተሓዊሱና። መጋባይ ስለ ዝነበረ ግን ከም ሰብ ኣይሓደሰናን። ቅይሕ ኢሉ፡ ነፍሱ ዘይኣሊ፡ ጽሙእ ሰብ ኮይኑ ኣብ ርእስ’ቲ ምንውሑ፡ ንዓመታት ድስቲ ተሰኪሙ ፈቐዶ ካሜራ ኰለል ስለ ዝበለ፡ ኣብ ዘይመዓልቱ ጐቢጡ ዳርጋ ቍጽሪ ሸውዓተ ተሰሪሑ ነይሩ።

ዓሚ ዓሊ፡ ንኹላተን ካሜራታት ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ስለ ዝበጽሐን ንብዙሓት ሰባት’ዩ ዝለኣኽ ነይሩ። ጸብሕን ሻህን ከመላልስ ምሉእ መዓልቲ ደገ ስለ ዝውዕል ድማ ናብ ካሜራና ንምድቃስ ጥራይ ናይ ኣጋ ምሸት ይመጽእ። ስለዚ ዳርጋ ምሳና ከም ዘይነበረ’ዩ ዝቝጸር። ዓሚ ዓሊ፡ መቝሽሽ እንተ ሂብካዮ ዝደለኻዮ ሓበሬታን መልእኽትን ካብን ናብን ዝደለኻዮ ካሜራ የባጻጽሓልካ። ካብዚ ዝተበገሰ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ዘዋህለሎ ገንዘብ ብዙሕ ስለ ዝነበረ ነጸላ ተሸፊኑ ክቘጽሮ ምስ ተዓዘብኩ፡ “ዓሚ ዓሊኸ ካበይ ዝረኸቦ ገንዘብ’ዩ ዝቘጽር ዘሎ?” ክብል ምስ ሐተትኩ፡ “እንታይ ትዛረብ ኣለኻ? ምስኡ ዘሎ ገንዘብ መወዳእታ የብሉን፡” ክብል ተኸስተ ምስ ኣረጋገጸለይ ኣሚነ። ዓሚ ዓሊ ቅድሚ ረፈረንደም ክእሰር ከሎ፡ ኣብ እንዳ ወንጀል ከሎ ኣድሚጹ፡ ኣብኡ’ውን ወረቐት መንነት ወሲዱ። ይትረፍ ትግርኛ ክዛረብ ኣብ ትግረ’ውን ወታእታእ’ዩ ዝብል ነይሩ። ዝፈልጡዎ ሰባት ብሃውለከ ከም ዝተኣስረ’ዮም ዝሕብሩ።

ቅድሚ ናጽነት ኣብ ከባቢ ኣቝርደት ከም ለጅና ናይ ህግሓኤ እናሰርሐ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ናጽነት ሓላፊ ሓለዋ ኣግራብ ኮይኑ ተመዚዙ። ኣብ ኣተሓሕዛኡ ኣዝዩ ተሪር ስለ ዝነበረ ግን ንደቂ ዓዱ፡ ይትረፍ ቀሸም ክኣርዩ ነዛ መወጽ’ውን ተንከስ ምባል ከሊኡዎም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ “እከለ ከምዚ ገይሩ፡ እከለ ድማ ከምዚ ደጊሙ፡” እናበለ ዘረባ ብምብጽጻሕ’ውን ምብላዕ ምስታይ ነፊጉዎም። መሬት ቀውጢ ምስ ኮኖምን ምዒዶም ምስ ተመነዎምን ድማ ሓደ ነገር ክባላሓቱ ግድነት ኮይኑዎም። ኣብ መወዳእታ፡ “እዚ ሰብዚ ክእለየልና እንተኾይኑ፡ ‘ኣግራብ እሕሉ’ለኹ እናበለ ምስ እስላማዊ ጅሃድ ይራኸብ ኣሎ፡’ ኢልና ኣብ ህግደፍ ንኽሰሶ። ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ሓሶት እንተ ሰሚዓ ተሃንዲዳ ከም እትቕበሎም ድሮ ኣጽኒዖሞ’ዮም። ብኸምዚ ድማ ሰብኣይ ብዘይኮነ ምስ ተወንጀለ ተኣሲሩ ናብ ኣቝርደት ካብኡ ድማ ናብ እንዳ ወንጀል ኣምሪሑ። ኣብቲ ቦታ ዝገደመ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ብእንዳ ወንጀል ዝሓለፈ እሱር ንዓሚ ዓሊ ዘይፈልጥ እሱር የሎን ክብሃል ይከኣል። ህግሓኤ ኣብ ካልእ መሰል ናይ እሱራት ዘይተገደሰ፡ ውጽኢት ረፈረንደም መታን ክደምቀሉ ግዲ ኾይኑ፡ ንኹላቶም እሱራት ከም ዘድምጹ ገይሩዎም’ዩ።

ብዝኾነ ገንዘብና ቀዪርና ምስ ወዳእና ነቲ ቀርማሕማሕ ዝብል ሓድሽ ናቕፋ፡ ከምዚ ሎሚ ናብ ተራ ወረቐት ከም ዘይቅየር፡ “ኣንታ እዝስ ዶላር እዩ’ባ ዝመስል፡” እናበልና ብተምሳጥ ኢና ተቐቢልናዮ። ኣብ ሳልስቱ ናይ የማነ ባርያ ሞት ምስ ሰማዕና ግን ሓጐስና ብኸቢድ ሓዘን ተተክአ። ንየማነ ብስነ ጥበባዊ ክእለቱን ኣብ ቃልሲ ዝነበሮ ተራን እንተ ዘይኮይኑ ብዛዕባ ባህርያቱ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን። ብኡንብኡ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቱ ዝገልጽ ጽሑፋት ክወጽእ ስለ ዝጀመረ ግን ብዛዕባ ለውሃቱን ኣብ ጭቁናት ዝነበሮ ሓልዮትን ተገዳስነትን ክፈልጥ ክኢለ። ጽንሕ ኢለ ቀቅድሚ ሞቱ ዘካየዶ ቃለመሕትት ብምንባብ ብዛዕባኡ ብዙሕ ፈሊጠ። ንየማነ ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ከምቶም ሓቀኛታት ስነጥበባውያን ብዛዕባ ውልቃዊ ጥቕሙ ዘይግደስ ምንባሩ’ዩ። ስለዚ፡ የማነ ንበዓልቲቤቱ፡ ደቁ፡ ወለዱን ፈተውቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓቢኡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ጠፊኡዎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንመንግስቲ ዘሰምበደ ክብሪ ሂቡ ከም ዝቐበሮ ሰሚዐ። ክንዲ የማነ ባርያ ዝኣክል ስነጥበባዊ ዳግማይ ክፈሪ ባህገይ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ተኽእሎ ኣመና ጽቢብ ምዃኑ’የ ዝርዳእ። የማነ ባርያ ክትገልጾ ዘጸግም ናይ ስነጥበብ ተውህቦን ፍሉይ ብቕዓትን ዝነበሮ ፍሉይ ፍጥረት’ዩ ነይሩ። መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ካብ ምባል ሓሊፈ ግን ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን።

 

*          *          *

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • ERITRAWIT May 20, 2014

    Dear Estifanos,
    Nothing they can hide this Mafia group. Thank you dekey hager to come and tell us really what is happing abta hbtey kanchelo (Eritrea) I can’t wait to read you book.

  • Yebio May 20, 2014

    Good story telling. The story told is true, I presume, but reads like fiction. You bring all characters alive without the reader losing truck. What makes your writing readable is that you are more interested in the integrity of your narration than putting bombastic words to impress. BTW your story also tells the true nature of EPLF which throughout its existence in the field and later as ‘government’ was and is a draconian entity with no regard to elementary laws governing humans.

  • THE NOBLE TEACHER May 20, 2014

    Biniam Abraham ,

    I am not going to hide it from you as I have never hidden it from the public ,although I have not started throwing rocks ,yet..ha…ha..I have mental disorder,It is clinical not natural or aquired like the Eritrean brain ,so at times I have to give it a rest.But ,I like your truthful opinion, continue.
    It does not mean we will go back or divide Eritrea in to pieces ,it means our analysis is based on reality.

    GBU
    I am extremely proud of you !!!

  • Gideon May 21, 2014

    With all respect Mr Estifanos, your articles are just waste of valuable
    commenting space & time. You must have been very unsuccessful in selling your
    book that you now find yourself having to advertise it again at Assenna! What a waste!
    There is a saying in English, “give them an inch, they take a mile”. Eritreans especially
    you tegadelti (shefatu) watched silently as Isaias promoted himself to become unchallenged King.
    Now, the Eritrea of today is a country that is being emptied of its people, especially its youth.
    In the Eritrea of today all the elements of the pride of a nation are being erased. Don’t you think sir,
    that it is time to look at yourself in the mirror first and put the blame on yourself rather just on others.

    • ahmed saleh May 21, 2014

      Wow

    • Biniam Abraham May 22, 2014

      Spot on brother Gideon. I couldn’t agree any more, ‘A shifta is always the same old shifta’. No matter whether they change into three pieces suit their shifta/banditary behavior never change. Shefatu at home and in diaspora please enjoy your fake independence/banditary day for last time b/c this time next year there is going be a genuine Eritrean people’s God’s day celebration.

  • Tesfu Kbrom May 21, 2014

    Gideon, so what are u doing while the youth are fleeing from Eritrea? Just sitting and blaming others! while you feast on Your humburgers. Brother, first do Your duty then blame others! There is nothing easier than blaming others.

    • Biniam Abraham May 22, 2014

      Tesfu(Hopeless) Hisrom, you must be a real hatela. Gideon doesn’t need to respond to a retarded like you and the respected uncle TNT has already responded to your ignorant comment.

    • selamawit2 May 22, 2014

      Tesfu Kbrom brother,

      ignore him he is just an “anjal” hooligan who just speaks “hugha hugha” like a gorilla.

      tezareb, biniam abraham anjal, xy (k)aka 100names and all the other drug addicted bummers

      don’t you share this statement:

      I do care for our Eritrean people.We are Eritreans ,not because we hate & foolishly put down Amharas & Tegaru of Tigray,but because we have rich loving culture & our national identity is Eritreans….
      WE ARE ALL ERITREANS, NOT ASHAMED OF OUR TRIBAL /RELIGIOUS/REGIONAL IDENTITY.

  • THE NOBLE TEACHER May 21, 2014

    Tesfu Kbrom,

    You can make your killer responsible while trying to live your life.Calling a killer, killer or one that watched with his hands tied an abater is not blaming.
    Mr Temelso ,instead of taking responsibility is blaming others, Tadesse while blaming Wedi Gerahtu is acting like st. Augustine of Vatican.
    Gideon is not reponsible for the fleeing youth Mr. Temelso is ,Mr. Tadesse is.
    And if Gideon is not allowed to care about his people while eating Humberger ,I recommend Chinese food .Is it aslso allowed to comment about Eritrea while eating Chinese food ???

  • ERITRAWIT May 21, 2014

    Uncle, did you know we are 2 Eritrawit in this form I left you little note on Dejen breaking news please read it if you have time Thank you.

  • Mahmud Saleh May 21, 2014

    By far, the best storyteller. Are you going to delve to the relationship of the prison guards and the prisoners, political intrusions in the process of trials,maybe telling us who is the cruel and who appeared to sympathize with the prisoners, particularly, those who waited for long time to get their daily in court.

    • Mahmud Saleh May 21, 2014

      Edit:please read as “their day/date in court.”

  • Haileyesus May 26, 2014

    There is a true story from confidential resorses about Yemane (A.K.A Barya).First Yemane saw two solders were beating up oedinery person in dawntown Asmara he interverdthat he asksthem to leave him alone but the solders but the solders did not respond to Yemane then Yemane was saying that ‘what kind of government that come using force for his own people (EWYE HAILE TETEKEM MENGESTIE MXEA)then the solders were starting beating Yemane infact they broke his -rips .Some people knew this story they are now leaving in exile (Europe )During 1995 spring when Yemane was staying in Toronto he was so scaring from being poisoned as he was saying several someone want me dead I did not know who might be and I said to him (EZE ABE WEYALE SEBAYE EYO) I mean to Isaise he was so quite .As he said whenever I goes people fallow me if I go into a bar they came and sit with me when I leave to go to washroom they put something in my deink .Many times the waiters will say to me Yemane the guy who was sitting with you he put something in your drink they will tell me do not drink that one we will change for you .I did not know who sent these people these are Yemane’s words in the spring of 1995 when he said this in Toronto .It is not the first time that dictator Isaise has used poison .On May 17 1970 he killed Abrham Tewelde by poisoning him because he wanted to take the leadership roll from Abrham Twelde .Yemane was very sick for a short period of time Many people talked about their putting something in his drink He knew he will be poisoned because he waslways talking about poison as he said (MEN ADEO KEMZESEDOM AYFELTENE SEMEMEN KETFANE EYEN ZEDELYA)

    • Mehari T May 27, 2014

      Thank you Haileyesus, this is a true story.

Post a Reply to Biniam Abraham Cancel Reply