Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት

ምዕራፍ 3፡ ምስጢራዊ ሰልፊ

መራሕ ብርጌድ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (ወዲፍላንሳ)፡ ናይ ሓደ ስዉእ ብጻዩ ብሽክሊት ምስ ፈተሾ ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘሎ ፈሊጡ። ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ንሓደ ኣባል መሪሕነት ምስ ኣዕለሎ ድማ፡ “ብዛዕባ’ዚ ምስ ዝኾነ ሰብ እንተ ተዛሪብካ ሞት ከም ዝስዕበካ ፍለጥ” ኢሉዎ።

                                          ሓደ ኣባል ብርጌድ 58 ነበር

          ክብርኣብ፡ ብዓቕሙ ትምህርቲ ዝጸገበን ከኣ ኣዝዩ በሊሕ ሰብን’ዩ። ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ ኣገልጊሉ። ኣይደንጐየን ናይ ሕክምና ኮርስ ወሲዱ ኣብ ሓጺር ግዜ ከም ንፉዕ ሓኪም ስለ ዝተመስከረሉ ናይ በጦሎኒ ሓኪም ክኸውን ክኢሉ። ማርክሳዊ ጽሑፋት ኣንቢቡ ስለ ዝነበረ ድማ ጕዳይ ሰልፊ ንዑኡ ሓድሽ ኣይነበረን። ብኸመይ መንገዲ ኣባል ክኸውን ከም ዝኸኣለ ክዛረብ ከሎ፡ “ድሕሪ ምዝላቕ፡ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ክዕዘብ ጀሚረ። ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ምስጢራዊ ሰልፊ ወይ ናይ ገለ ሰባት ጕጅላዊ ምትእኽኻብ ከም ዘሎ ክፈልጥ ኣይጸገመንን። ሓደ መዓልቲ፡ መራሒ በጦሎኒ ከይፈለጠ ገለ ሰባት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተጸዊዖም። እዚ ክኸውን ከሎ ምስኡ ስለ ዝነበርኩ፡ ‘ኣነ ኸይፈለጥኩ ክንድ’ዚኦም ዝኣኽሉ ሰባት ካብ ተጸውዑ፡ እከለ (ምኽትሉ) ኢድ ኣለዎ ማለት’ዩ፡’ ክብል ሰሚዐዮ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘዋህለልኩዎ ሓበሬታ ዝያዳ ዘረጋግጽን ዘደልድልን ነይሩ።

“ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ኣባል ምዃኑ ዝፈልጦ መሃይም ዓሶ ሓሚሙ ደቂሱ። ኵነታቱ ተዓዚበ ግን ንእግረ መንገዱ ክስልየኒ ከም ዝተላእከ ፈሊጠ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ወላ ክንዲ መርፍእ እንተ ረኺቦምልካ ንኡስ ቡርጅዋ ስለ ዝብሃል ከካብዱዋ ከም ዝቃለሱ ይርድኣኒ ነይሩ። ከሎ ገና ፈሊጠዮ ጸኒሐ ስለ ዝተጠንቀቕኩ ግን ክረኽበለይ ኣይከኣለን። ስኢኑ ትም ኣይበለን ግን ዝኾነ ነገር ከቕርብ ስለ ዝነበሮ ኣይጸገሞን ንሓንቲ ዕላል መዝሚዙዋ። ንሱ እናሰምዓና ኸሎ በጋጣሚ ሓንቲ መጋቢት ዝነበረት ጽቡቕ ትቐርበኒ ጓል፡ ‘ኣታ ክብርኣብ፡ እዚ እከለስ እንታይ ከም ዝደለየኒ ምንኣስ ኣደይማርያም ኣናበለ ሞዅ ኣቢሉኒ’ምበር፡’ ምስ በለትኒ፡ ‘ፍቕሪ ሓበሻ’ዩ ዝኸውን ብዙሕ ኣይትጨነቒ፡’ ክብል መሊሰላ ብዙሕ ከይተገደስኩ። እዚ ወዲ ነዛ ጕዳይ ነኺሱዋ ጸኒሑ ኣብ ኣኼባ፡ ‘ክብርኣብ ሓበሻ ትንዕቕ ኢኻ፡ ምኽንያቱ ንእከሊት ከምዚ ክትብላ ሰሚዐካ፡’ ብምባል ኣብ ልዕለይ ወላ ሓንቲ መበገሲ ይኹን መሰረት ዘይብሉ ነቐፌታ ኣቕሪቡ።

“ግምታተይ ልክዕ ከም ዝነበረ ብኡንብኡ ተረዲኡኒ። ኣባላት ሰልፊ ዘይነበሩ ስለ ዝበዝሑ ግን ደሓን ይእተዉ ነዚ ወዲ ኣይብላዕ ኣይስተ ገይሮሞ። እቲ ጕዳይ ድማ ብፍሽለቱ ተደምዲሙ። ኣነ ግን ኣይደቀስኩን ምስቲ ሓላፊ ሰልፊ ምዃኑ ፈሊጠዮ ዝነበርኩ ሰብ ብኻልእ ስራሕና ምስ ተራኸብና ልቡ ንኽፈልጥ፡ ‘እዚ እከለ ዝብሃል ሰብስ ከምዚ ኢሉ ክነቕፈኒ ቍሩብ ኣይሓፍርን፡’ ክብል ዘረባ ጀመርኩሉ። ንሱ ድማ ከም ትጽቢተይ፡ ‘ክላ! እከለ ደኣ ኣየናይ ንቕሓት ኣለዎ ኢልካዮ ኢኻ! ትርጉም ኣይትሃቦ፡’ ብምባል ክከላኸለሉ ፈቲኑ። ኣነ ግን ‘ጽቡቕ ኣለኻ። ኣነ‘ውን ከምኡ ስለ ዝኾነ‘የ ገሪሙኒ ዘሎ። እዚ ዘረባ’ዚ ናቱ ዘይኮነ ናይ ካልኦት ምዃኑ’ዩ ዝርድኣኒ። ብሰብ ተላኢኹ ከም ዝመጽአ ፍሉጥ ነይሩ። ብዝኾነ ክረኽበለይ ዘይምኽኣሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ። ክረክብ ኣለኒ ስለ ዝበለ ግን ነዚኣ ገይሩ፡’ ምስ በልኩዎ ሰኸኽ ኢሉ ተሪፉ። ካብታ ዕለት’ቲኣ ንድሕሪት ዝበዝሑ ካብኣቶም ብዛዕባ ሰልፊ ይፈልጥ’ዩ ዝብል ጥርጣረ ስለ ዘሕደሩ፡ ከይፈተዉ ክነግሩኒ ተገዲዶም። ‘ኣብ ሰልፊ በዓል መን ኣለዉ ትብል?’ ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረቡለይ ድማ ዳርጋ ንብምሉኣቶም ክረቝሓሎም ክኢለ። ብኸምዚ ድማ ኣባል ኮይነ። ድሕሪኡ ሓደ ፍጹም ኣበር ዘይነበሮ ሰብ ኣባል ከም ዘይኮነ ፈሊጠ።

“ኣብቲ ልሙድ ኣኼባታት ገምጋም ምስ ተገብረ፡ ‘በዓል እከለ ኣባላት ዘይኮኑ ደኣ መን’ዩ ኣባል ክኸውን?’ ዝብል ሕቶ ኣልዓልኩ። እቲ ምሳይ ጽቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ሓላፊ፡ ‘ሓቁ’ሎ ክብርኣብ፡’ ብምባል ስለ ዝደገፈኒ እቲ ወዲ ብኡንብኡ ኣባል ኮይኑ። እቶም ዘይጠቕሙ፡ ኣዝየ ዝንዕቆም ዝነበርኩ ኣባላት ኮይኖም ዝጸንሑኒ ሰባት ነቲ ወዲ ሓንቲ ኣበር ከውጽኡሉ ስለ ዘይከኣሉ ተጠማሚቶም ትም ክብሉ ተገዲዶም። ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ነቶም ቅድሚኡ ኣባላት ዝነበሩ ሓዲጉዎም ብሓላፍነት ሰማይ ተሰቒሉ። ስለዚ፡ ካብ ተሞክሮይ ክግምግሞ ከለኹ፡ ካብ ኣብ ክፍልታት ካብኡ ናብኡ ኣብ ሓይልታት ዝነበረ ኵነታት ይሓይሽ ክብል እኽእል። ካብኡ ተረፈ፡ ኣብ ምስጢራዊ ሰልፊ ደሞክራሲ ነይሩ ኢልካ ክትዛረብ እምብዛ ኣሸጋሪ’ዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ክጠቕሶ ዝደሊ ጕዳይ ነቐፌታ ነብሰ ነቐፌታን ዝርግሐ ሓበሬታን’ዩ። ንዝኾነ ኣባል ሰልፊ፡ ወላ ርኡይ ጕድለት ይፈጽም ኣብ ናይ ግንባር ኣኼባ ክትነቕፎ ቅቡል ኣይነበረን። በጋጣሚ ሓፋሽ ክትነቕፎ እንተ ጀሚራ ድማ በቶም ከም መዝሓል ጥይት ዘገልግሉ ዝነበሩ ተራ ኣባላት ግንባር፡ ኣብ ተሪር መሬት መታን ከይወድቕ ብዝከኣለካ መጠን ፍርናሽ ኣንጺፍካ ኣዋድቓ ክተጸብቐሉ ክትክእል ኣለካ። ብሓጺሩ፡ ሓንሳብ ኣባል ሰልፊ ክትከውን እንተ ኽኢልካ፡ ብቕዓት ይሃልኻ ኣይሃልኻ፡ ምሁር ኩን ደንቆሮ ብዘየገድስ ከም ፍሉይ ሰብ ስለ እትጥመት ብዙሕ ሓለፋታት ኣለካ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ክልተ ዓይነት ኣተሓሕዛ ሰባትን ጕዳያትን ከም ዝነበረ ይርድኣኒ።

“እዚ ክብለካ ከለኹ ግን ኣብ ገለ ኣሃዱታት እቶም ኣባላት ሰልፊ ንባዕሎም ሕንፍሽፍሽ ክኣትዎምን ከም ሳዕቤን ድማ ነቲ ሓፋሽ ኣብ ሓሸውየ ከእትዉዎን ተራእዮም ነይሮም’ዮም። ንኣብነት መስፍን ሓጐስ ወላ’ኳ የማናይ ኢድ ናይ ኢሳያስ እንተ ነበረ፡ ሳሕቲ ዝፈላልዮም ነገር ይርከብ ግዲ ነይሩ፡ ንዑኡ ዝድግፉ በቲ ሓደ፡ ናይ ኢሳያስ ኣጫፈርቲ ድማ በቲ ካልእ ተጐጂሎም፡ ነቲ ሓፋሽ ኣብ ነንሓድሕዱ ሕምስምስ ኣእትዮምሉ ከም ዝነበሩ ትዝክሮ ትኸውን። ኣብ ሕክምና፡ መጓዓዝያ፡ ኢደ ስርሓት፡ እንዳ ስንቂ ዝነበረ ተርእዮ ሓደ መርኣያ ናይዚ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ኢደ ስርሓት ክሳብ ብጥይት ናይ ምቅትታል ደረጃ ዝበጽሑሉ እዋን ነይሩ። ኣብዚ ስብሓት ኤፍረም’ውን ኣብ ደጀን ጽልዋኡ መታን ከሕድር፡ ብፍላይ ኣብ ሕክምናን መጓዓዝያን ሰባት ሒዙ ነይሩ’ዩ ዝብል ዕላላት ኣሎ። ናብቲ ከባቢ ክገይሽ ከሎ’ውን ሃንደበታዊ ሴሚናራት የካይድ ከም ዝነበረ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ይዛረቡ’ዮም። ኢሳያስ፡ ብፍላይ ኣብ ሕክምና ንብርሃነ ገረዝግሄርን ንዶክተር ኣሰፋውን ክሕዝ ከሎ፡ ኣብ መጓዓዝያ ድማ በዓል ሼኽ ዛይድን ካልኦት ኣስማቶም ክዝክሮም ዘይከኣልኩ ሰባትን ነይሮሞ’ዩ ዝብሃል። መጓዓዝያ ስለ ዝነበርካዮ ብዛዕባ’ዚ ልዕለይ ኣፍልጦ ኣለካ ዝብል’ዩ ግምተይ።

“ብዝኾነ፡ እቶም ንኢሳያስን ጕጅለኡን እናጣቕዑ ኣብ ሓፋሽ ሕንፍሽፍሽ ዘእተዉ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቶም ቀንዲ ኣንጻሮም ዝነበሩ ካድራት ካብ ሓላፍነቶም ከም ዝወርዱን ከም ዝብለሉን ድሕሪ ምግባሮም፡ ኣገልግሎቶም ስለ ዝወድኡ ከም መታወኒ ክድርበዩ ተራኦም በጺሑ። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ከም ዝብሃል ድማ ናብ ተራ ሰባት ተቐዪሮም መስሓቕ ሸራፋት ኮይኖም ተሪፎም። እቲ ነገር ክሳብ ክንድ’ዚ ሕልኽልኽ ዝበለ’ዩ ነይሩ። እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ፡ ኢሳያስ ነቲ ኣብ ደጀን ዝነበረ ኵነታት ክከታተሉ ንሃይለ ምሕጹንን ወዲካሳን መዚዙዎም ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ሰባት ኣለዉ። እዚ ሓበሬታ’ዚ ብዘይ ወግዓዊ መንገዲ ብኣባላት ሰልፊ ዝወሃብ ዝነበረ’ዩ። ካብዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ነብሱ ዝኸኣለ ስዉር ቃልሲ ከም ዝነበረ ንርዳእ። እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ጕዳይ ዝርድኦም በላሕቲ ሰባት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ብትብዓት ዝዛረቡ ግን በጻብዕ ዝቝጸሩዮ’ም ነይሮም። ከም ሓቂ ድማ ክትቃወም ዘፍቅድ ኵነታት ኣይነበረን።

“ከም ኣብነት ሓደ ኣባል ኢደስራሓት ኣባል ሰልፊ ነበር ዝተዛረቦ ንመልከት። እቲ ወዲ ኣዝዩ በሊሕን ተሪርን ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ግዜ ኢሳያስ ንዝሃቦ መግለጺ ከምዚ ክብል ብጋህዲ ተቓዊሙዎ። ‘እዚ ዝሃብካዮ መግለጺ ኣይርድኣንን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ሰባት ንሃገር ክብሉ ደሞም እናፍሰሱ ከለዉ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ክውቅዑ ንርኢ ኣለና። ናበይ ንጐዓዝ ከም ዘለና ዘብርህ ንጹር ሕንጻጽ የሎን። ሎሚ ሓደ ነገር ጽባሕ ካልእ ኢና ንሰምዕን ንርእን ዘለና። ብኸምዚ ክንጐዓዝ ንኽእል ድማ ኣይመስለንን።’ ኢሳያስ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ‘ነዚ ዝበልካዮ ደጊምካ እንተ ሓሰብካሉ ዝሓሸ’ዩ፡’ ኢሉዎ። እቲ ብጻይ ድምብርጽ ኣይበሎን። ‘ሓሲበን መምየን ዝተዛረብኩዎ ስለ ዝኾነ ዳግም ዝሓስበሉ ኣብነት የብለይን። ካብ መስዋእቲ ንላዕሊ ኸኣ ዝመጽኣኒ ነገር የሎን፡’ ክብል ብትብዓት መሊሱሉ። ሽዑ ካብ ኣባልነት ሰልፊ ከም ዝድስክል ካብ ምግባር ሓሊፎም ዝገበሩዎ ነገር’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ድሒሮም ምስ ኣኽተቱዎ ግን ብኡንብኡ ተሰዊኡ ተባሂሉ።

“ብዘይካ’ዚ ኣብ ናይ ሰልፊ ጨናፍር ዝነበረ ኣሰራርሓ ካብ ቦታ ናብ ቦታ፡ ካብ ሓላፊ ናብ ሓላፊ ይፈላለ ስለ ዝነበረ፡ ብሓደ ስሩዕ መምርሒ ይኸይድ ኣይነበረን። ኣብ ሓደ ቦታ ቅኑዓት ሓለፍቲ እንተ ነይሮም ብመጠኑ ጽፉፍ ኣገባብ ትርኢ ኢኻ። ኣብ ካልእ ቦታ ግን ብሰሪ ጕድለት ኣሰራርሓን ጥቕመይ ጥቕምኻን ነገራት ይበላሾ ነይሩ። ኣብ ሓደ ቦታ ንኣብነት፡ ሓደ ምሁር ሰብ ብዛዕባ ሰልፊ ከም ዝፈልጥ ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ ሓለፍቲ ምስ በጽሐ፡ ናብ ሰልፊ ክኣቱ በጺሑዎ ካብ ዝነበረ ደረጃ ይውረድ ተባሂሉ ንታሕቲ ወሪዱ። እዚ ሕጂ ምስ ምንታይ ይቝጸር? ድንቍርና ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። በንጻሩ ካልኦት ዘይጠቕሙ ከም ማሕዮ ክለኣኣኹ ጥራይ ዝውዕሉ ዝነበሩ ሰባት ናብ ገበርትን ሓደግትን ተቐዪሮም ኣባላት ሰልፊ ክኾኑ ተዓዚብና ኢና። ካብዚ ዝተበገሰ ድማ፡ እቲ ነገር ኣብ ድሕሪ ናጽነት ከይተረፈ ብጋህዲ ስለ ዝተሰርሓሉ ኣብ ኣተዓዳድላ መዓርግ ዝምቡዕ ኣሰራርሓ ተራእዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ቀንዲ መማዪት ኮሚቴ ኮርፖራል ዝዓደለቶም ሰባት፡ ሓለፍቲ ሰልፊ ናብ ዝነበሩ ኣዝማዶም፡ ደቂ ዓዶም ወይ ኣዕሩኽቶም ከይዶም ስለ ዝጠርዑ ኣብ ጽርግያ ካፕተን ዝተዋህቡ ነይሮም። በንጻሩ ምሉእ ኮለኔል ዝግብኦም ሰብ ዘይረኸቡ መሳኪን ወይ ንጹሃት ተጋደልቲ ካፕተን ተባሂሎም። ኣብዚ ግሁድ ዝኾነ ናይ ወገንን ዝምድናን፡ ዓርከርይ ዓርክኻ ዝሰረቱ ብልሽውና ከም ዝተራእየ ጭቡጥ ኣብነታት ኣሎ። ኮሚቴታት ዓው ኢለን ተቓዊመን ከብቅዓ ግን ኣበይ ከይበጽሓ ተባሂሉ ግዲ ኾይኑ ጸማም እዝኒ ተዋሂቡወን። ስለዚ እዚ ዅሉ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ጋሕማጥ ምሕደራ ድማ ኣብቲ ሰልፊ ካብ ዝነበረ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ዝተበገሰን ከም ዝኾነ ብንጹር የግህደልና።

“ንፖለቲካ፡ ስነሓሳብ ይኹን ንዝምድናታት ወጻኢ ኣብ ዝምልከት ሕቶታት ምስ እንዕዘብ፡ ኣባላት ግንባር ዘይፈልጡዎ ኣብ ሰልፊ እንመሃሮን እንካትዓሉን ጕዳያት ነይሩ’ዩ። ንኣብነት ገና ምስ ህዝባዊ ወያኔ ኣብ ግርጭት ቅድሚ ምእታውና፡ ‘ወያኔ፡ ንትግራይ ሓራ ምውጻእ ይቃለስ ስለ ዘሎ ጸላኢና’ዩ። ስለዚ ክንጥንቀቐሉ ኣለና፡’ ዝብል ምስጢራዊ መግለጺ ይወሃብ ነይሩ። ኣብ ሶቬት ሕብረት ዝነበረና መርገጺ’ውን ከምኡ። ነቲ ሓፋሽ ግን ወላ ምስ ተገራጨና ከምኡ ዓይነት መግለጺ ተዋሂቡዎ ኣይፈልጥን። እዚ ኾይኑ ከብቅዕ፡ እቲ ኣብ ግንባር ዝነበረ ዝበዝሕ ተጋዳላይ፡ ኣብ ጅግንነት፡ ብጻያዊ ሓልዮት፡ ማእቶት፡ ነቐፌታ ነብሰነቐፌታ ነቶም ኣባላት ሰልፊ ሓዲጉዎም ስለ ዝኸደ፡ እቲ ሰልፊ፡ ንግንባር ክመርሕ ዘይኮነ ደድሕሪ ሓፋሽ ጐተት ይብል ከም ዝነበረ ተጋሂዱ። ከም ሳዕቤን ከኣ በቲ ዝድለ መጠን ከድምዕ ስለ ዘይከኣለ፡ ኢሳያስ ከደስክሎ ተገዲዱ። ስለዚ፡ ብኣጠቓላሊ ክርእዮ ከለኹ፡ ምናልባሽ ውድብ ህሓሓኤ ክምስረት ከሎ ኣብ ውድባዊ ጥርናፈ ኣገዳስነት ነይሩዎ ይኸውን። ሽዑ እንተ ኾነ’ውን፡ ካብ ንውድባዊ ረብሓ ዝያዳ ንናይ ውልቀ ሰባት ስልጣን ወይ ህቡብነት ሰሪሑ ዝብል ግምት’ዩ ዘለኒ።

“እቲ ውድብ፡ ድሒሩ ከምቲ ብጻይ ሙሴ ዝበሎ ናብ፡ ‘መንዲል ናይ ውልቀ ሰባት’ ስለ ዝተቐየረ፡ ሓይሊ ነገሩ ኣብ ውሽጢ ውድብ ከጋጥም ንዝኽእል ምፍንጫል ወይ ናይ ስልጣን ውድድር ንምቝጻይ ተባሂሉ ዝቕጽል ዝነበረ ኮይኑ ጥራይ ይስምዓኒ። ምኽንያቱ ከምኡ እንተ ዘይከውን ክሳብ 1989 ከይደስከለ ኣይምጸንሐን ነይሩ። ከም ገምጋመይ እቲ ሰልፊ ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ወይ ቀቅድሚ ምዝላቕ ክድስክል ነይሩዎ ምበልኩ። ካብኡ እንተ ሓለፈ ኸኣ ድሕሪ ሻዱሻይ ወራር ኣድላይነት ኣይነበሮን። ልዕሊ ዅሉ ግን ብሓቂ ንረብሓ ሓፋሽ ነይሩ እንተ ዝኸውን ወግዓዊ ኾይኑ ክቕጽለሉ ዘይክእል ኣብነት ኣይነበረን። ኣብ መጨረሽታ’ውን ኢሳያስ ብረብሓኡ’ዩ ኣፍሪሱዎ፡” ክብል ነቲ ነዊሕ ዕላሉ ደምደሞ።

 

*          *          *

aseye.asena@gmail.com

Review overview
50 COMMENTS
  • belay nega January 19, 2014

    Dear Mighty

    “I am not really sure if you really approve isayas’s performance. If you do, that’s a surprise.”

    It is not about performance,is about reality.We Eritreans, need to compromise with ourselves.
    Especially those who thinks are privileged class, from the Ethiopians’ point of view,this is high time for them to comprehend that Ethiopians have no personal problem with any Eritrean,and until they achieve their goal will keep on doing [የጠበቀውን ላላ የላላውን ጠበቅ]

    • MightyEmbasoyra January 20, 2014

      Ato Belay,
      Who are those the privileged class by the way?
      From isayas’s last interview, he explained that every sector in Eritrea has failed. Don’t you think the reason for these sector’s failures is no one but the king isayas himself? Give me one reason why you still support this guy? Since he is the sole “owner” of the country, I am not sure who to blame but isayas.

      • belay nega January 21, 2014

        Dear Mighty

        ” Give me one reason why you still support this guy? Since he is the sole “owner” of the country, I am not sure who to blame but isayas.”

        I am not supporting him,I am only feeling him like any Eritrean, who is being trapped within the context of [pozzo nero]issue.
        Eritrean issue is ugly by nature,and expecting good staff out of it is only cheating yourself.

        • MightyEmbasoyra January 21, 2014

          Ato Belay,
          Don’t give up the hope. Hopefully, we will soon see free Eritrea, again. As of now, so much for the freedom – independence for only few elite group.

          • belay nega January 25, 2014

            Dear Mighty

            ” we will soon see free Eritrea, again.”

            ድሕሪ ህግ ንነጻነት ዝዋጢ አይክዋጥን ከውጠጢ::ጉዳይ ኤርትራ ናህሩ ወዲኡ እዩ::

  • Stefanos Temolso January 20, 2014

    ክቡር ሓው መሲናስ፡ ስለቲ ተገዲስካ ርእይቶ ምሃብካ ከመስግነካ እፈቱ። ከም ዝበልካዮ ኣብ ዝኾነ መስርሕ ናይ ማሕበር፡ ሰልፊ፡ መንግስቲ፡ ሰውራ ወልቀሰብ ከይተረፈ እወታን ኣሉታን ኣሎ። ስለዚ፡ ታሪኽና ከምቲ መሪሕነት ህግሓኤ ወይ ህግደፍ ከም ድሌቱ ጥራይ ዝውርቖ ውዳሴ ማርያም ኮይኑ ክተርፍ የብሉን። መሪሕነት ህግሓኤ በቲ ዝፈጸሞ እወታዊ ዕማማት ክሙገስ ከሎ፡ ብጕድለታቱ ወይ ገበናቱ ድማ ክሕተት ግድን ይኸውን። ዛጊት ከምኡ ስለ ዝጸንሐ እዩ ድማ ህግደፍ ዕምሩ ከናውሕ ክኢሉ ዘሎ። ርግጽ’ዩ እቲ ሓፋሽ ገበን የብሉን። ካብ ተኣዚዙ ግቡኡ ምፍጻም ዝኣበሶ ነገር የሎን። ግቡኡ ፈጺሙ መሰሉ ዝሓተተ ድማ ተረጊጹ፡ ተጨፍሊቑ፡ ጸኒቱ ድማ። ስለዚ፡ ምዝንታው ታሪኽ በቲ ሓደ ነቲ ግዳይ ዝኾነ ኣካል ምዝካር ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ሓድሽ ወለዶ ካብዚ ተማሂሩ እቲ ገበናት ከይድገም መምሃሪ ክጠቅም ዝኽእል ይመስለኒ። ኣብ መደምደምታ ንዝኾነ ነገር ክትፈልጥ ክልቲኡ መዳይ ናይቲ ሰልዲ ክትፈልጥ ዕድል ክትረክብ ኣለካ። ካብኡ በለ፡ ነቲ ጸጽቡቑ ክፈልጥ ዝደለየ ሳላ ህግደፍ ዝተሳእነ የሎን። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታት ዘውረዶ ዘስካሕክሕ ገበናት ኣብ ውሻጠ ሸጕጡ፡ ነቲ ዝፈጸሙዎ ተኣምራታዊ ታሪኽ ጥራይ ካብ ምዝንታው ዓዲ ኣይወዓለን። ስለዚ፡ ነቲ ጕዳይ ሚዛናዊ ንምግባር እቲ ካልእ ገጽ ታሪኽ ህግሓኤ ማለት እቲ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ ዝወረደ በደል ምትራኽ ቅኑዕ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣንባባይ ድማ ኣማራጺ ይረክብ። ታሪኽን ሓቅን ኵሉ ግዜ መሪር እዩ ሓው መሲናስ። በቲ ዘሕብንታሪኽ ጀጋኑ ኵራዕ፡ መራሕቲ ውድባት ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያውያን ብዘውረዱዎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ድማ ሕዘን። ምሕዛን ጥራይ ዘይኮነ ድማ ንመጻኢ ከይድገም ኣበርቲዕካ ተቃለስ! ስለቲ ተገዳስነትካ ዳግማይ ምስጋናይ ተቐበል።

    • belay nega January 21, 2014

      “ምሕዛን ጥራይ ዘይኮነ ድማ ንመጻኢ ከይድገም ኣበርቲዕካ ተቃለስ!”

      “ምስቴ ምትወልደው ልደታ እኔ የምመቶው ዛሬ ማታ”

  • belay tewelde January 21, 2014

    I wonder why belay nega tries to belittle every comment! are an opponent of the opponent. Nay teqawami teqawami ika ymesleni. miknyatu kabaka hanti mealti hanaxi rieyto anbibe ayfeltn. Eti nay amhargna mslatat mdggamke nay tiena dyu wela tgrgna sle zxegemeka.

    • belay nega January 21, 2014

      “Nay teqawami teqawami ika ymesleni”

      I am against of too much stop overs, for an ambulance who is carrying a paciente towards an emergency room.[We need a long lasting solution]

      “kabaka hanti mealti hanaxi rieyto anbibe ayfeltn.”

      Same here,your comments are biased,you judge people not for what they stand for,but for where they come from.

      ” Eti nay amhargna mslatat mdggamke nay tiena dyu wela tgrgna sle zxegemeka.”

      I never had tigrigna problem,BTW do you know that YOHANES AMHARAY,was speaking amhargna when he first joined the E.P.L.F

  • Haileyesus January 21, 2014

    Single party state has arisen from Leninist ,fascist or nationalist ideaologies particulary in the wake of independence from colonial rule.One party system often a rises from decolonization because one party has had a dominant role in the liberation or independence struggle.In the Eritrea revolution I mean in E.L.f or E.P.L.F there was a Party within party .In E.L.F there was a party called Labour party (SELFE EYO)and the Ba’ath party but this party did not play dominant roll ub the revolution,Anyway there were so many parties inside E.L.F since E.L.F was not dictatorial organization like E.P.L.F .The E.P.L.F allowed only one party inorder to create dictatorial power.In E.P.L.F a party within a party .There was a secret party that led by arrogant current dictator of Eritrea .The name of Party was Eritrean labour party in Tigrina we called AMASA.Amasa had dominant role in the liberation struggle .Remember since Isaise (AKASE)was training in China .The E.P.L.F organization was politicaly and military tied with the Chinese revolution.All E.P.L.F stategy was copied from the China Revolution eg Long march of China in 1936 similar to the E.P.L.F 1978 strategic retreat .What I am trying to say is the Amasa copied their tactics from china Revolution .The Amasa was created to control the fighter’s movements and to help the dictator to keep dictatorial power over the E.P.L.F organization as well as for the dictator to build a cult personality .If you were not a member of AMASA and talked publickly that Amas existed in the E.P.L.F you would Automatically be killed .Of course if you were a party member you would not talk publickly because they would have given you instruction to keep quite.In short sentence inorder isaise (AKASE) become totalitarian we lost almost 25.000 up to 30.000 heroes .

    • Teclay January 22, 2014

      Haileyesus
      China was under Feudal system,and China`s population is 1bill so it was necessary to distribute the land and other resources.So Mao`s strugle was important including his iron discipline except the cultural revolution.
      What about Eritrean revolution for what? to get what? can any one demolish his small house before he thought the end result deeply .Ok one or two persons can made a mistake but when the whole generation get wrong.what you can say:About the secret parties it is good know history,but it is only a symptom we need to talk about the illness by itself.

  • simon January 22, 2014

    e-p-l-f was more dictatorial than e-l-f

  • belay tewelde January 23, 2014

    Gena htoy aymeøleskayon, nzkone zqawem seb mqwam adlayi aymeslenin, nska bhaqi kemti tblo ente koynka hanaxi zkone rieyto bmhab ember bmwqasn bmnieasin kikewn yeblun. Ente bzaeba Yohans amharay tgrgna sile zxgimo kem znebere ridu’e iyu. Nska xegem nay tgrgna kem zeyblka kab xhufka feliteyo aleku. Bhaxiru gn tehagagizna nisayas kinalyo dea nfetin ember ab anche menchi mtkwarn nenhadhdna minqwatn trgum yeblun. Terediekani ktkewin tesfa egebr.

  • Haileyesus January 23, 2014

    The Amasa was one of the dominant parties in Eritrea revolution.Since the E.P.L.F organization was not a democratic movement it did not allow more than one party that’s why the party secretly worked inside the E.P.L.F .The E.P.L.F organization was controlled by a single person .Whan Isaise said no it meant no when Isaise said yes it meant yes .Simply the Amasa was created the dictator keep dictatorial power over E.P.L.F organization nothing else .We have seen many bad deeds in Haddas Eritrea it seems like all bad deeds came from MEDDA Eritrea Eg.shot from behind by your collegue ,send those who criticize you or challang your authority into deadly battle inorder to kill ,criticize humiliate who were well educated fighters inorder to demoralize them ..etc These things isaise was doing in Medda to hold onto power .Isaise never participated in any battle with an enemy he never had a stategy planned for E.P.L.F fighters .Almost all E.P.L.F stratgeies for war come from IBrhim affa (AWETE).SEbhate Ephrem,Mesfin Hagos,General Okbe Abrha ,Petros Solomon,General Brhane Gebrzgher,Isaise Tweldbrhane (WEDEFINANCA)…etc.We saw one of Isaise’s war strategies on the 3rd offence of (WEYANE).Since he split from E.L.F Isaise was focused more on power than anything else .He was living in Medda standing on the shoulders of Eritrean native heroes..I never heard from an E.P.L.F fighter that Isaise was with us in this battle or in that battle .The problem most E.P.L.F fighters had was that they trusted him and they were scared of him that’s why our country fell into a dictatorship.Isaise built fear and terror in the E.P.L.F organization still that terror and fear work in Haddas Eritrea..We know if the E.P.L.F come to Asmara they will impose dictatorship because all E.P.L.F political structure is designiated and oriented toward dictatorship .One thing that surprised me about E.P.L.F fighters is they fought for the Eritrean people’s rights but they never fought for their own rights inside E.P.L.F due fear and terror like (Gastops)Halwa SWERA.That how Isaise built his dictatorship

  • Haileyesus January 23, 2014

    Generally the number of fighters who were killed by the E.P.L.F during the Liberation struggle much higher than the numbers figters who killed in the two years civil war in 1972-74 .The number of fighter physically eliminated by E.P.L.F leader from 1973 until liberation Eritrea in 1991 could range between 25.000 and 30.000 fighter who disappeared under mysterious circumstance are include those who were with him in (BAZIT )Alla.Dictator Isaise foster anti democratic culture in the liberation inorder to achived dictatorial power over E.P.L.F .They used many phrases by the E.P.L.f Isaise to repress freedom of expression such us.1Mister Akeb (Keep secret)2Kunetat Aeyefekeden Eyo (Circumstance is not convenint )3.Sickness of intellectualism (NAYE MUHER HEMAME ALEKA) 4 Derbika Ketel (class sucide)5.If you asked some crtccal question they would tell Do no’t attempt to find out secreat 6.10 peasants better than 100 educated fighters (1o CHE -QUAR Danga YEBELXE Kabe 100 mhurate)7 Petty Bourgeois thinking behavior (NEus Bourgewa Tebai Aleka )8.Mhure Tebelasi (opportunistic intelligentsia).The above phrases were used by the E.P.L.F Isaise inorder to repress freedom of expressin.I gurantee you the revolution of Eritrea would have never succeeded unless honest,responsiblity and intelligent leaders like Ibrahim Affa,Petros solomn,Haile Derue.Mhmoud (SHERIFO)Isaise (WEDEFINANCA) General Estfanose,General Brhane Gebrzeghbher,Berake Habteselase,General Okbe Abrha etc..It would be better in Gedlie Eritrea without Isaise because probably it would never have taken so long to achive our independence because Isaise never wanted unity with the E.L.F because he tought if unity with the E.L.F happened he might lose power .beyond of that he killed many fighters in order to grip absolute power .It is not easy to impose totalitarianism in civil society Eritrea .You must be killed the country top educated,honest ,intelligent and responsible people that what Isaise was doing for so many years

  • teclay January 24, 2014

    Haileyesus
    Can you refer your source pls where did you get 25,000 or 30,000pls don`t exaggerate :In principle even 1 person must not be killed,but don`t bring here white lay.because we did not ask critical questions in the past but accepting lays we re here.so pls no more lays

POST A COMMENT