Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕራፍ 8፡ ጕዕዞ ናብ ኣካን ቀብር

ምዕራፍ 8፡ ጕዕዞ ናብ ኣካን ቀብር   ንጹሃት ሰባት  ብዘይ ፍትሒ ኣብ ዝእሰሩሉ ግፍዐኛ ስርዓት እቲ ሓቀኛ ቦታ ናይ ቅኑዓት ሃገራውያን ቤትማእሰርቲ’ዩ።                            ሄንሪ ዴቪድ ቶረ ካልኣይ ዳግመ ስርርዕ ክሳብ ዝውዳእ ምጽባይ ቀሊል ኣይነበረን። ምኽንያቱ፡ ከም ኤርትራ

ምዕራፍ 8፡ ጕዕዞ ናብ ኣካን ቀብር

 

ንጹሃት ሰባት  ብዘይ ፍትሒ ኣብ ዝእሰሩሉ ግፍዐኛ ስርዓት እቲ ሓቀኛ ቦታ ናይ ቅኑዓት ሃገራውያን ቤትማእሰርቲ’ዩ።

                           ሄንሪ ዴቪድ ቶረ

ካልኣይ ዳግመ ስርርዕ ክሳብ ዝውዳእ ምጽባይ ቀሊል ኣይነበረን። ምኽንያቱ፡ ከም ኤርትራ ኣብ ዝኣመሰለት ድሕርቲ ሃገር ተሓታትነትን ናይ ኣሰራርሓ ግሉጽነትን ስለ ዘይነበረን ስለ ዘየሎን፡ መዓስ እንታይ ይግበር ክትፈልጥ ዝከኣል ኣይነበረን። እቲ ጕዕዞ፡ ንሰሜን እናመሰለ ሃንደበት ንደቡብ ከምርሕ ትርእዮ፡ ከምኡ’ውን በንጻሩ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ትሽዓተ ካብ ሚኒስተር ዝተጻሕፈት ደብዳቤ ተቐበልኩ። ትሕዝቶ ናይዛ ብብዙሕ መንገዲ ንህይወተይ ዝቐየረት ደብዳቤ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። ምኽንያቱ ኣብ ኢንሹራንስ ወይ ኣብ ባንክ ክምደብ’የ ዝብል ሓሳብ እንተ ዘይኮይኑ፡ ክጣየስ ዝብል ግምት ኣብ ሓንጐለይ ኣይነበረን። ምጥያስ ጸሊአ ዘይኮንኩ፡ ተጋዳላይ ዘቦኡ ብፍላይ እቲ ዓቕሚ ዘለዎ፡ ንህዝቡን ንመንግስቱን ክሰርሕ፡ እቲ ዓቕሚ ዝሓጽሮ ድማ ተማሂሩ ዓቕሙ ከበርክት ኣለዎ ዝብል እምነት’ዩ ነይሩኒ። ካብ ተፈቕደለይ ግን ሓንጐፋይ ኢለ ተቐቢለዮ። ገለ ብጾት እጣየስ ከም ዘለኹ ምስ ሓበርኩዎም፡ “ዕድለኛ ኢኻ! ሎሚኸ ምጥያስ ዝብሃል ኣሎ ድዩ!” ብምባል ከተባብዑኒ ከለዉ፡ “እሞ ኣነ’የ ድሒረ ጸኒሐ፡” በልኩ። ነቲ ዕድል ብግቡእ ክጥቀመሉ ከም ዘለኒ ብምግንዛብ ድማ ገና ምርኽኻብ ከይጀመርኩ ከለኹ ውልቃዊ መደባተይ ክሕንጽጽ ጀመርኩ። እቲ ናይ ምርኽኻብ መስርሕ ካብ ሰዓት ዝሓልፍ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣረኻኻቢ ስለ ዝደንጐየ ድሕሪ ክልተ ቕነ’ዩ ተፈጺሙ።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ካብ መርፍእ ስተፕለር ጀሚርካ ክሳብ ፋይላት፡ ናይ ስራሕ መሳርሒታት፡ ጠረጴዛ ኢኻ ተረክብ። ብድሕሪኡ ብኣይ ንዝግደሱ ሰባት ነቲ ናይ መፋነዊ ደብዳቤ ምስ ኣርኣኹዎም፡ “ሚኒስተር ናይ ባህ ኣይበሎ ሃላኽ ክገብረልካ ስለ ዝደለየ እዩ’ምበር፡ ናብ ምክልኻል ዘኽይድ ጕዳይ የብልካን። ትኽ ኢልካ ናብ ሸሪፎ ጥራይ ኪድ፡” ክብሉ ኣማኸሩኒ። ሓደ ካብዚኣቶም ስዩም ጸሃየ ነይሩ። ንጽባሒቱ ኣብ ግምሩክ ሓላፊ ኣካል ኮምፒዩተር ዝነበረ ዘማይ ናብ ቤትጽሕፈት ዞባዊ ምምሕዳር ብምምራሕ ጕዳይና ገለጽና። ሓሙስ መዓልቲ ከም ዝነበረ ጽቡቕ ገይረ’የ ዝዝክሮ። ኣብኡ ንዝጸንሓትና ጸሓፊት ሸሪፎ ጕዳይና ምስ ገለጽናላ፡ “ኣነ ከም ዝርድኣኒ፡ መጀመርያ ናብ ምምሕዳር ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኬድኩም ውልቃዊ ማህደርኩም ድሕሪ ምሕታት፡ ድሕሪኡ ናብ ቤትጽሕፈት ምጥያስ ክትከዱ ኣለኩም። ኣጻርየ መታን ክነግረኩም ግን ጽባሕ እንተ ትቕልቀሉኒ ጽቡቕ ነይሩ፡” ዝብል መልሲ ሃበትና። ንጽባሒቱ ምስ ተመለስናያ ከምቲ ኣቐዲማ ዝበለትና ናብ ምምሕዳር ፋይናንስ ክንከይድ ሓበረትና። ንሳቶም ድማ ስእልና ድሕሪ ምሕታት ንሰኑይ ናብ ቤትጽሕፈት ምጥያስ ክንከይድ ገለጹልና። ነቲ ሓድሽ ህይወት ሀ ኢልና ንምጅማር ድማ ነናብ ገዛና ፋሕ በልና። ገዛ ምስ ኣተኹ ምሳና ትነብር ዝነበረት ጓልሓውታ ንበዓልቲቤተይ ኣድሓነት፡ “ሓደ ቅይሕ ኢሉ ወዲ መጺኡካ ነይሩ፡” ዝብል መልእኽቲ ኣጽንሓትለይ። “እሞ እንታይ ኢሉኪ?” እንተ በልኩዋ፡ “ወላ ሓንቲ፡ ‘እስጢፋኖስ የለን ድዩ?’ ኢሉኒ፡ ‘የለን’ ምስ በልኩዎ ድማ ተመሊሱ፡” ክትብል መለሰትለይ። ንሓደ ብዛዕባ ምጥያሰይ ዘዕለልኩዎ ምሒር ዝኣምኖ ብጻይ ዘኪረ ንሱ’ዩ ዝኸውን ጥራይ በልኩ ብልበይ።

ሰዓት ኣቢሉ ኣድሓነት፡ “እቲ ናይ ዓንተቦ ወዲ መጺኡ’ሎ፡” ክትብል ካብ ጥዑም ድቃሰይ ምስ ኣተስኣትኒ፡ ኣነ ድማ፡ “እቶ በልዮ፡” እናበልኩ ብድድ ብምባል ናብ ሳሎን ገጸይ ኣምራሕኩ። እቲ ሰብ ኣብ ኣፍደገ ከም ዘሎ ተረዲኡኒ እቶ ኽብሎ ውጽእ እንተ’በልኩ፡ ነጂብ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሉ ተዓዘብኩ። ገለ ሓበሬታ ደልዩስ ኣብ ስራሕ ስለ ዝሰኣነኒ’ዩ ዝኸውን ንገዛ መጺኡ ዘሎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ረጊጸ ሕማቕ ኣይተጸበኹን። “እቶ ሻሂ ስተ፡” ምስ በልኩዎ፡ “ኣይኣቱን’የ ተሃዊኸ ኣለኹ። ኣብ ቀይዲ ክትኣቱ ስለ ዝኾንካ ግን ዘድልየካ ነገር ጠርንፍ፡” በለኒ ገጹ ኣሲሩ። ሽዑ ኣብ ናይ ሕልምን ክዉንነትን ኵነተኣምሮ ስለ ዝኣተኹ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ብዙሕ ኣይተረድኣንን። ኣብ ኤሪኮግ ትሰርሕ ዝነበረት በዓልቲቤተይ፡ ካብ ስራሕ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ለይቲ ስለ ትምለስ፡ ለይቲ ምድሪ ክትስምብድ ስለ ዘይደለኹዋ ዘማይ ብቐስታ መታን ክነግራ ሓንቲ ደብዳቤ ብንግሊዝኛ ጻሕቲረ፡ “እዚኣ ንጸጋይ ሃብዮ፡” ኢለ ሃብኩዋ።

ወደይ ደቂሱ ስለ ዝነበረ ኣብ ግንባሩ ስዒመ፡ እንታይ ከም ዘርኣየኒ ብመስኮት ናብ ጽርግያ ቅልቅል እንተ በልኩ፡ ናይ ፖሊስ ታርጋ ዝነበራ እርግ ኢላ ጻዕዳ ቶዮታ ሳሎን ተዀዲማ ረኣኹ። ሽዑ ናብ ኣጂፕ ዝኸይድ’ዩ መሲሉኒ ነይሩ። መኪና ናብ ኣባሻውል ገጻ ምስ ኣምርሐት ግን ናብ እንዳ ወንጀል እኸይድ ከም ዘለኹ ተጋህደለይ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንበዓል ወዲየማነ ደሚርካ ናብ ሰላሳ ዝጽግዑ ነጋዶን ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾኑ ኣብ ዓሰብ ዝነበሩ ተጋደልትን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ብዝኾነ ስኽፍ ዝብለኒ ነገር ስለ ዘይነበረ፡ ካብ ጥርጣረ ተበጊሶም ከም ትሕጃ ይኣስሩኒ ኣለዉ ዝብል ጥራይ ነይሩ መረዳእታይ። ስለዚ፡ ከቢድ ነገር ስለ ዘይተጸበኹ ብዙሕ ኣይተረበሽኩን። ጸገም ከጋጥመኒ ኸሎ ድማ ደሓን’የ ዓቕለይ ኣየጽብብን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሓደ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ብድሆ ገይረ’የ ዝቘጽሮ። ብዝኾነ ቤ/ትምህርቲ ጃልያ ሓሊፍና ንየማን ድሕሪ ምዕጻፍ ኣብ ባር ኣውቲስቲ ምስ በጻሕና ንጸጋም ተጠወና። ኣብ ቀዳመይቲ ኵርናዕ ንጸጋም ብምጥዋይ ድማ ነቲ ዓቢ ማዕጾ እንዳ ወንጀል ሓሊፍና ኣብ ዲያሪስታ ኣተና። እቲ ልሙድ ስምን ኣድራሻን ምምዝጋብን ከም መፍትሕን ቍልፍን ዝኣመስለ ንብረት ምስ ኣረከብኩ፡ “ኣብ ካሜራ 15 ኣእትዎ፡” ዝብል ትእዛዝ ዝተዋህቦ ወተሃደር መሪሑኒ ናብታ ንየማን ተጠዊኻ ቍሩብ ምስ ቀጸልካ ናብ ደቡብ እትጥምት ካሜራ 15 ወሰደኒ።

ማዕጾ ናይታ ካሜራ ብኣዝዩ ረጕድ ላሜራ ዘተሰርሐ ኾይኑ ሰጋጡ’ውን ካብ መጕድኢ ቡን ዘይሰንፍ ሓጺን’ዩ ነይሩ። እቲ ወተሃደር፡ ሉኬቶ ከፊቱ ማዕጾ ድሕሪ ምኽፋት፡ ከምዚ ወኻርያ ከይትወስዳ ኢልካ ኣብ ሰፈራ እተእትዋ በጊዕ ወይ ጤል ኣእትው ኣቢሉኒ ማዕጾ ለኵቱ ዝባኑ ገልበጠ። እታ ዝኣተኹዋ ካሜራ ከም ናይ ባቡር ፍርጐ ቅርጺ ዝሓዘት ኮይና፡ ንቝመት ዕስራ ሜትሮ፡ ንጐድኒ ድማ ናብ ሓሙሽተ ሜትሮ ኣቢላ ትቀራረብ ነይራ። በጋጣሚ፡ ኣቐዲመ ጠቒሰዮ ዝነበርኩ ተኽለ ርእሶም ምስቶም ናብ ሰላሳን ሽዱሽተን ዝጽግዑ እሱራት ኣብኡ ጸኒሑኒ። ድሮ በቲ ንእሽቶ ርቡዕ ኩርናዕ ናይ ማዕጾ ቀዳድ ርእዩንስ መንነተይ ሓቢሩዎም ስለ ዝጸንሐ ድማ እትው ክብልን፡ “በዚኣ ኮፍ በል፡” ኢሎም ፍርቂ ደርዘን ዝኣኽሉ ሰባት ዕጉግ ክብሉንን ሓደ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ንጹፍ ኮቦርታ ኮፍ ምስ በልኩ፡ “እስጢፋኖስ እብሃል፡ ኣብ ግምሩክ ሓላፊ ጨንፈር ኦፐረሽን ነይረ፡” ኢለ ነብሰይ ምስ ኣላለኹ፡ “መን ኣሎ ሽጋራ ዝሓዘ?” በልኩዎም የማን ጸጋም ቍሊሕ እናበልኩ። ሓደ ኣብ ፊትና ኮፍ ኢሉ ካርታ ዝጻወት ዝነበረ ሕጽር ኢሉ፡ ጆመትራ ኽብሉዎ ዝሰማዕኩ መሰታይ ዝቀራረብ ሰብ ባኮ ሮዝማን ሰው ኣበለለይ። ክልተ ሰለስተ ግዜ ስሒበ በኾዅ ኣበልኩ። ክረጋግእ ዕድል ኣይሃቡንን ማይክሮፎን ጥራይ ዝጐደሎም ህርኩታት ጋዜጠኛታት ክመስሉ፡ ፍርቂ ደርዘን ዝጽግዑ፡ “እሂ’ሞ፡ ኣስመራ ከመይ ኣላ? ብዛዕባ ፍሉይ ቤትፍርዲ እንታይ ይብሃል ኣሎ? በዓል እከለ ከምዚ ዝብል መግለጺ ሂቦም ዝብሃል ሓቂ ድዩ? ከምዚ ዝብል ወረ ኸኣ ሰሚዕና ኔርና ሓቂ ድዩ?” ክብሉ ዝምልሶን ዘይምልሶን ሕቶታት ብምዝናብ መሃነነይ ኣጥፍኡለይ።

ዝበዝሑ ካብ’ቶም ተገዲሶም ዝሐቱኒ ዝነበሩ ሰባት ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ በልማማ ካብ ዓሰብ ተኣሲሮም ዝመጽኡ’ዮም ነይሮም። ልዕሊ ዅሎም ዝሓትት ዝነበረ ድማ ሃብተ ነይሩ። ተብዝኾነ ንሳቶም ክሓቱ ኣነ ክምልስ፡ ጸጸኒሐ ሽጋራ ክውልዕ መሬት ክመሲ ቐረበ። ኣብ መጨረሽታ ማዕጾ ገልጠም ስለ ዝበለ ዳርጋ ዅላቶም ጠንጢኖምኒ ናብ ኣፍደገ ገጾም ተጓየዩ። እቲ ጕዳይ ንድራር ዝኸውን ጸብሒ ንምውሳድ’ኳ እንተ ነበረ፡ ድሒረ ከም ዝተረዳእኩዎ እቲ ቀንዲ ዕላማ ንፋስ ንምቕባል’ዩ ነይሩ። ምሉእ መዓልቲ ተዓጽዮም ስለ ዝውዕሉ ጸሓይ ትሃሉ ኣይትሃሉ ማዕጾ ገልጠም ክትብል ከላ፡ ኩላቶም ናብ ማዕጾ ከም ዝጐዩ ሓደ ካብኣቶም ገሊጹለይ። ከም ሰበይ ገፈፍ እናበልኩ ደድሕሪኦም ናብ ኣፍደገ ብምስጓም ኣብቲ ልዳት ዘዘው በልኩ። ናይ እሱር ነገር ኮይኑ’ምበር እታ ማዕጾ ንኣስታት ሓንቲ ደቒቕ ኣቢላ እያ ተኸፊታ። ዋርድያ፡ “ያላ እተዉ!” ምስ በለ ድማ ነፍስወከፍ ሰብ ከም ኣናጹ ሸዀርተት እናበለ ንውሽጢ ኣተወ። ጸብሒ ብእዋኑ ስለ ዝውሃብ ዝበዝሕ ሰብ ብእዋኑ’ዩ ድራር ዝበልዕ። ኣነ ግን ብያቲ ስለ ዘይተዋህበኒ ጸብሒ ኣይወሰድኩን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ምሉእ መዓልቲ ባኒ ንግሆ ስለ ዝዕደል ባኒ’ውን ኣይነበረንን። ምስቲ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኵነታት ግን ብዛዕባ ምግቢ ብዙሕ ኣይተገደስኩን።

ኵሉ ሰብ በሊዑ ምስ ወድአ ተኽለ ርእሶም ምስ ክልተ መቝሩሱ፡ “በል ድራር ንብላዕ፡” ኢሎም ዘይተጸበኹዎ ካብ ደገ ተዓዲጉ ዝመጽአ ዝመስል ምግቢ ቀረቡ’ሞ ጥዑም ዝግኒ ክንበልዕ ጀመርና። ኣብቲ ቦታ ምግቢ ክኣቱ ክልኩል ከም ዝኾነ እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ፡ “ምግቢ ክኣቱ ፍቑድ ድዩ?” ክብል ተወከስኩዎም። “እዚ ተጣቢብና እነእትዎ ምግቢ’ዩ። ኣቦይ ግራዝማች ንብሎም ሕሙም ምግቢ ክኣትዎም ዝተፈቕዶም ሰብኣይ ኣለዉ። እንተ ኾነ፡ ምግቢ ከምጽኡ ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮም ብስሞም ካብ ደገ ምግቢ ኣዚዝና ነምጽእ፡” ክብል ተኽለ ርእሶም መለሰለይ። ግራዝማች ክብሃል ዝኽእል ዕብይ ኢሉ ሰብኣይ ስለ ዘይረኣኹ፡ “ኣቦይ ግራዝማች ደኣ ኣበይ ኣለዉ ሕጂ?” ክብል ዳግማይ ሕቶ ኣስዓብኩሉ። “ቅድሚ ሳልስቲ፡ ‘ኣብዚኣ ምሓሸትኒ ነይራ፡’ እናበሉ ናብዛ ኣብ ፊትና ዘላ ካሜራ ዓሰርተ ሸውዓተ ኣግዒዞሞም። ምቍጽጻር ክጥዕሞም ግዲ ኾይኖም ኣብ ኵሉ ካሜራታት ንዝነበሩ ሕሙማት ኣብኣ ኣኪቦሞም ኣለዉ፡” ዝብል መልሲ ሃበኒ። እታ ድራር ንእስ ኢላ’ኳ እንተ ነበረት ንሳቶም እንድዒ’ምበር ኣነስ ዓጊበ።

ኣብ ቤትማእሰርቲ ሰብ ብእዋኑ ኣይድቅስን’ዩ። ሽዑ ድማ ሓድሽ ካብ ባኮ ዝወጻእኩ ሰብ ስለ ዝተረኸብኩ ሌፍ ከብሉኒ ፍርቂ ለይቲ ቀረበ። ኣብ መጨረሽታ ነናብ መደቀሲና ኣምራሕና። በዓልቲቤተይ ምእሳረይ ድሕሪ ሰዓት ዓሰርተ ስለ እትሰምዕ ፍርናሽ ይኹን ኮቦርታ ክተምጻለይ ዝሕሰብ ኣይነበረን። ስለዚ ንሓደ ለይቲ ምስ ገለ ካብኣቶም ተጨፋሊቐ ኽሓድር ግድነት ነይሩ። በጋጣሚ ተኽለ ርእሶም ክልተ ፍርናሽ ስለ ዝጸንሖ እታ ርቕቕ ዝበለት ሂቡኒ መሬት ሓዝኩ። ምእንቲ ርእሱ ኣብ ቀዳማይ ለይቲ ልዋም ዘለዎ ድቃስ ከም ዘይወስደኒ ርዱእ ነይሩ። ሃንደበት ካብ ንቡር መዳቕሶኻ ተፈናቒልካ ኣብ ሓድሽ ቦታ ክትድቅስ ምፍታን ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ርእስ’ቲ ናይ ሓንጐል ጸቕጢ፡ ጥዑይ መደቀሲ ክጨንቀካ ኸሎ ድርብ ስቓይ’ዩ። ናትካ’ዩ ምስ በሉኻ ግን ክትጻወሮ ትፍትን። መሬት ክሳብ ዝወግሕ ዳርጋ ሽዱሽተ ሰዓት’ዩ ተሪፉዎ ነይሩ። ግንከ፡ ማእሰርተይ ሃንደበታዊ ስለ ዝነበረ ድቃስ ክወስደኒ ዝሕሰብ ኣይነበረን። ብዛዕባ ብዙሕ ነገር እሓስብ ነይረ። “ሕጂ ፍቓዱ እንታይ ክትብል’ያ? ንሙሴ ወደይከ ናብ መዋእለ ሕጻናት መን ከብጽሖ’ዩ? ልዋም ጓለይ’ከ ናተይ ምጥፋእ ትጻወሮዶ ትኸውን? ልዕሊ ዅሉኸ ኣቦይ እንታይ ክስምዖ’ዩ? ናይ ስድራይ ነገርስ ደሓን፡ በዓል እከለን እከለን ሕጂ ሽመይን ዘይሽመይን ሂቦም ጸሎሎ ክቐብኡኒ’ዮም፡” ኣብ ዝብል ሓሳባት ጥሒለ ነዊሕ ሃውተትኩ። ዘይረ ዘይረ ግን ናብ ደቀይን ናብ ኣቦይን እምለስ ነይረ። ዝኣበስካ ዘይብልካ ሃንደበት ክትእሰር ከለኻ እምብዛ ከቢድ ምዃኑ ዝፈተኖ ሰብ ጥራይ’ዩ ክፈልጦ ዝኽእል።

ደቀይ ኣመና ምሳይ ኣልሚደዮም ስለ ዝነበርኩ ናተይ ምፍላይ ብዅሉ መዳይ ከም ዝሃስዮም ርዱእ ነይሩ። ናይ ኣቦይ ነገር ግን ከቢድ ኣይነበረን። ብመጠኑ ዘተሓሳሰበኒ ነገር ግን ነይሩ። ሓደ ግዜ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ፡ ገለ ኣባላት ግምሩክ ከም ዝተኣስሩ ሰሚዑ ስለ ዝነበረ፡ “ስምዓኒ በል ‘ዝወደይ፡ ቀደም ኣብ ፖሊስ ከለና ንፈልጦ ዝነበርና ከዕልለካ። ኣብ ከምዚ ናትካ ቦታ ንዝነበሩ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት፡ ኣብ እንዳ መስተ ወሲዶም ኣዕልል ኣምስዮም የስክሩዎም’ሞ ደሓር፡ ‘በል ኣብ’ዚኣ ፈርመልና፡’ ኢሎም የጋግዩዎም ነይሮም። ሕጂ ኸኣ ደጊም እንሄልካ ደኣሲ፡ ከምኡ ጌሮም ከየጋግዩኻ ስለ ዝስከፍ ከጠንቅቐካ ኢለ’የ ዝምዕደካ ዘለኹ፡” ክብል ኣባታዊ ምኽሩ ለጊሱለይ ነይሩ። ኣነ ድማ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ። ቀደም ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ኣሰራርሓ ነይሩ ይኸውን’ዩ። ሕጂ ግን እቲ ኣገባብ ፍልይ ዝበለ ስለ ዝኾነ ጸገም የሎን። ኣነ ድማ መምርሒ ምሃብ እንተ ዘይኮይነ ዝፍርሞ ወረቐት የብለይን፡” ክብል ኣቕሲነዮ ነይረ።

ነዚ ዕላል’ዚ ዘኪረ፡ “እዚ ቘልዓ ኣጋግዮሞ ኣለዉ፡ ዋይ ኣነ!” ኢሉ ኣብ ዘየድሊ ጓህን ሕርቃንን ክኣቱ’ዩ፡ ዝብል ሓሳባት ኣብ ሓንጐለይ ሕምብሊል ክብል ስለ ዝጀመረ፡ ዳርጋ ሰለም ከየበልኩ ከም ዘይወግሕ የለን መሬት ወጊሑ ማዕጾ ገልጠም በለ። ጋሻ ዓሻ ከም ዝብሃል ቍርሲ መሲሉኒ፡ “ገና ሰብ ከይተስአስ ቍርሲ፡” በልኩ ብውሽጠይ። ማዕጾ ክፍት ምስ በለ ግን ድሒረ ወዲፈቒ ምዃኑ ዝፈለጥኩዎ ሓለቓ ሚእቲ ንውሽጢ ኣትዩ፡ ነቶም ብየማነ ጸጋም ለም ኢልና ደቂስና ዝነበርና እሱራት ክቘጽረና ጀመረ። ሽዑ እቲ ኣሰራርሓ ግር ስለ ዝበለኒ፡ “ካብዚ ገዛ’ዚ በየን ከይንወጽእ ፈሪሑ’ዩ ከም ኣጣል ዝቘጽረና ዘሎ? ደሓር ከኣ ትማሊ ምሸት ቈጺሩናዶ ኣይነበረን! መፍትሕ ምስኡ ሓዲሩ ከብቅዕ ሕጂ እንታይ ዘቝጽር ኣለዎ፡” ብምባል ምስ ነብሰይ ተኻታዕኩ። ወዲፈቒ[1] ስርሑ ወዲኡ ምስ ከደ፡ ካብ መዳቕሶይ ብምትሳእ ኣብ ማዕጾ ተጸጊዐ በታ ጸባብ መስኮት ናበይ ከም ዘብል ተኸታተልኩዎ። ነተን ኣብ ጐድንናን ፊትናን ዝነበራ ካሜራታት በብሓደ ክኸፍትን ክዓጹን ተዓዘብኩ። ዝኾነ እሱር ክቕልቀል ግን ኣይረኣኹን። መሬት ኣጸቢቑ ስለ ዘይወግሐ ኣብ ደገ ዝኾነ ምንቅስቓስ ይርአ ኣይነበረን። ስለ ዝኾነ፡ ብዘይ ሓደ ዕላማ ንገለ ካልኢታት ኣብ ማዕጾ ዘዘው ድሕሪ ምባል ድማ ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ጫፍ ናይቲ ካሜራ ናብ ዝነበረ ዓይኒምድሪ ብምምራሕ ሽንቲ ማይ ኣፍሲሰ ኣብ መዳቕሶይ ጐቦ ኾንኩ።

ሰዓት ሽዱሽተ ኣቢሉ ናይ ውሱናት ሰባት ሬድዮታት ተወሊዐን ጭጭ ክብላ ጀመራ። ገሊኦም ድምጺ ሓፋሽ፡ ገለ ሬድዮ ኢትዮጵያ፡ ገለ ድማ ቢቢሲ ወሊዖም ከስምዑ ተዓዘብኩ። ብድቁሳቶም ድምጺ ኣትሒቶም ኣብ ጉንዲ እዝኖም ብምልጋብ ይሰምዑወን ስለ ዝነበሩ’ምበር፡ ምስቲ ብዝሐን ክሰምዑወን ምጸገሞም ነይሩ። ፍርቂ ሰዓት ከይሰምዑ ግን ብሸነኽ ማዕጾ ዳግማይ ገልጠም ተሰምዐ። እቶም እሱራት ከም ልማዶም ከካብ ዓራቶም ተሲኦም ናብ ኣፍደገ ተጓየዩ። ሽዑ ገና ጸሓይ ኣይበረቐትን’ኳ እንተ ነበረት፡ ናይ እሱር ነገር ኮይኑ መጋባይ ዝመራሒኦም ዳርጋ ብምሉኣቶም ንደገ ወጽኡ። ከም ሰበይ ዝግበር ክርኢ ደድሕሪኦም ስለ ዝሰዓብኩ፡ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ሰብ ኣብ ትርንሽዋ ባኒ ዝተሰከመ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዓቢ በራድ ሻሂ ዘንጠልጠለ፡ ሳልሳዮም ብረት ዘይነበሮ ፖሊስ ተዓዘብኩ። ናይ ካሜራና መጋባይ ብቝጽሪ እሱራት መሰረት ኣብ ሓደ ትርንሽዋ ባኒ ቈጺሩ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ኩባያኡ ሻሂ ተዓደለ። ኣነ ኩባያ ስለ ዘይነበረኒ ሻሂ ከይተዓደልኩ ተረፍኩ። ዝያዳ ኩባያ ዝጸንሖም ስለ ዝተረኽቡ ግን ካብታ ዓባይ በራድ ኣዝዩ ቀጢን ሻሂ ኣቕዲሐ ንሰበይ መሰልኩ። ሽዑ፡ ካፖ ካሜራና ዝነበረ መሓመድ ዝብሃል ጸሊም ደልዳላ መንእሰይ፡ “ሓድሽ ሰብ ተወሲኹና ስለ ዘሎ ብያትን ኩባያን ከድልዮ’ዩ፡” ክብል ነቲ ንመጋቦ ሒዙ ዝመጸ ፖሊስ ሓበሮ። እቲ ፖሊስ፡ ርእሱ ብእወታ ድሕሪ ምንቕናቕ፡ “ያላ እተዉ!” ዝብል ድምጺ ኣስምዐ። እቶም እሱራት ድማ ሕስይስይ እናበሉ ንውሽጢ ኣተዉ። እታ ምእታው ከም ዘይፈትዉዋ ካብ ድሮኡ’የ ተዓዚበዮም። እቲ ገዚፍ ማዕጾ ምስ ተዓጽወ ነፍስወከፎም ኣብ መንጸፉ ኮፍ ብምባል፡ ኣብ ቍርሲ ተጸሚዱ ባኒ ከዀምስዕን ሻሂ ፊት ክብልን ጀመረ።

*          *          *

            ኣብ እንዳ ወንጀል፡ ኣብ ከክልተ ቕነ ግን ከኣ ቀዳም ቀዳም ጥራይ’ዩ ንእሱራት ገንዘብ ይኹን መልእኽቲ ክኣቱ ዝፍቀድ። ደሓር ተሪፉ’ምበር ክሕጸበልና እንደልዮ ክዳውንቲ’ውን ካብን ናብን ስድራና ይመላልስ ነይሩ’ዩ። እቲ ናይ ክዳውንቲ ሕቶ ወላ እንተ ተረፈ ጸገም ኣይነበረን። ምኽንያቱ ማይ ከም ድላይካ ስለ ዝኾነ፡ ምሉእ መዓልቲ ተሰንኪትካ ካብ ትውዕልን ንስድራ ካብ ተሸግርን ባዕልኻ ክትሓጽቦ ዝሓሸ’ዩ። ብዝኾነ፡ ዓርቢ ስለ ዝኣተኹ በዓልቲቤተይ ከም ትመጽእ ከም ርጉጽ ወሲደ ዘድልየኒ ነገራት ክጽብጽብ ጀመርኩ። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ወረቐት ስማ ጽሒፈ ድማ፡ “ፍርናሽ ምስ ኣንሶላን ኮቦርታን፡ ኣብ ገዛ ዘላ ንእሽቶ ሬድዮ፡ ምሉእ ቱታ፡ መጻሕፍትን ከም ትሰድለይ ግበሪ፡” ዝብል መልእኽቲ ኣዳለኹ። ብኡንብኡ ግን ማዕጾ ጋህ ኢሉ ተኸፍተ’ሞ፡ በዓል ተራ ዝነበር ፖሊስ ስመይ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ፍርናሽ ምስ ኮቦርታን ኣንሶላን፡ ከምኡ’ውን ሚእቲ ብር ምስ መልእኽቲ ዝነበራ ንእሽቶ ወረቐት ኣረከበኒ። ኣነ ድማ ነታ ኣቐዲመ ዝጸሓፍኩዋ መልእኽቲ ከም ብሓድሽ ኣተዓራርየ፡ “እዚኣ ሃባ፡” በልኩዎ። ደሓር’ዩ ጸንኪሩ’ምበር ሽዑስ ቅልል ዝበለ መልእኽትታት ክትጸሓሓፍ ጸገም ኣይነበረን። በጋጣሚ ሽዑ መዓልቲ ተራ ናይ ካሜራና ስለ ዝነበረ፡ ማዕጾ ክኽፈት፡ ሰባት ክጽውዑን ገንዘብን ክዳውንትን ክቕበሉን ዳርጋ ፍርቂ መዓልቲ ቀረበ። ብፍላይ እቶም ነጋዶ ፈላጢኦም ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ በብስሞም እናተጸውዑ ኣማእት ገንዘብ ክቕበሉ ኣርፈዱ። ኣብ መጨረሽታ ድማ  ፍርቂ መዓልቲ ኮይኑ እቲ ገዚፍ ማዕጾ ተረገጠ።

ህይወት እሱር ከስተማቕሮ ዝጀመርኩ ኣብ ሳልስቱ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ብመጠኑ ተረጋጊአ ነታ ካሜራ ጽቡቕ ገይረ ከስተውዕለላ ጀመርኩ። ዓሰርተ ፈፍርቂ ሜትሮ ዝቝመተን መሳዅቲ ብሸነኽ ሰሜንን ደቡብን ክህልዋኣ ኸለዋ፡ ናብ ዓይኒ ምድሪ ምስ ኣተኹ’ውን ንእሽቶ መስኮት ከም ዘላ ተዓዘብኩ። እቲ መሳዅቲ እሱር ክወጽእ ከይፍትን ተባሂሉ ንቝመትን ንጐድንን ኣብ መንደቕ ዝኣተወ ኣዝዩ ረጐድቲ ሓጻውን ተሓናጊሩዎ ኣሎ። ብገለ መለኮታዊ ሓይሊ እንተ ዘይኮይኑ፡ ነቲ ሓጻውን’ቲ ብሓይሊ ክዓጽፍ ወይ ክሰብር ዝኽእል ሰብኣዊ ሓይሊ ከቶ ክህሉ ኣይክእልን። እዚ ኾይኑ ከብቅዕ ግን፡ ብፍላይ ሽንክሓይ ዝብሃል ዝነበረ ድቕቕ ኢሉ ሓለቓ ሚእቲ ክቈጻጸር ክኣቱ ኸሎ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብምስጓም ንዅለን’ተን መሳዅቲ ኣተኵሩ ይጥምተን። ብድሕሪኡ ማዕጾ ዓይኒምድሪ ከፊቱ ኣብኣ ንዘላ ጸባብ መስኮት ይቈጻጸር። ስክፍታኡ፡ እሱራት ንመንደቕ ዓይኒምድሪ ክፍሕሩዎ ሓዲሮም ከይኮኑ ዝብል’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ከምዚ ዓይነት ፈተነ ግን ኣብ እንዳ ወንጀል ጨሪሱ ክሕሰብ ዘይክእል ነገር’ዩ። ናይ ሽንክሓይ ነገር ኣመና’ዩ ዝገርመኒ ነይሩ። እቶም ካልኦት ብተዛማዲ ፍዅስ ዝበለ ኣገባብ’ዮም ዝኽተሉ ነይሮም። ወዲፈቒ ግን ቍሩብ ናብ ጭካኔ ዝድሃበ ተግባራት ይፍጽም ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ግዜ ሰብ ደቂሱ እንተ ጸኒሑዎ፡ “እቲ ተጐልቢቡ ዘሎ ሰብ ድዩ?” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፡ “እወ ሰብ፡” ዝብል መልሲ ምስ ተዋህቦ፡ “ነቕንቆ” ዝብል ትእዛዝ ይህብ ነይሩ። ኵሉ ተግባራቱ ቅጭ የምጽኣለይ ስለ ዝነበረ ከተስኣኒ ጥራይ እጽበዮ ነይረ።

ብዝኾነ፡ ነዚታት እናተዓዘብኩ ከለኹ ንእግረ መንገደይ ምስ ገለ ካብቶም እሱራት ዕላል ጀመርኩ። ብድሮኡ ተኽለ ርእሶምን ሃብተን’ዮም ብሒቶምኒ ኣምስዮም። ዝበዝሑ ካብቶም እሱራት ምቕሉላት ኮይኖም’ኳ እንተ ረኸብኩዎም፡ ሃይለ ዝብሃል ከም መቝሩሰይ ዝፈለጥኩዎ ርጉእ መንእሰይ ግን ፍሉይ ነይሩ። ኣቀራርባኡን ጠባዩን ርእይ ምስ ኣበልኩዎ ፈትየዮ። ቀይሕ፡ ማእከላይ ቁመት ዘለዎ ኾይኑ፡ ጸጕሩ ናብ ምስሓው ገጹ ዝኸደ ነይሩ። ኣቀራርባኡ ፈታው ሰብን ሕዉስን ኣብ ርእሲ ምንባሩ ጥዑይ ሰብ ምዃኑ ሽዑሽዑ ተዓዚበዮ። ቀዳም ናይ ንግሆ፡ ወላ’ኳ ብዕምቈት እንተ ዘየዕለልና፡ ኣብ ሓፈሻዊ ዕላል ብምእታው ጽቡቕ ጌርና ክንፋለጥ ክኢልና። ሃይለ ካብቶም ቀልጢፎም ዩኒቨርሲቲ ዝወድኡ ብሉጻት ተመሃሮ ኾይኑ ብስነመድሃኒት ስለ ዝተመረቐ፡ ዶክተር እናበሉ’ዮም ዝጽውዑዎ ነይሮም። ከም ምሁር ሰብ መጠን ድማ ኣብ ርእስ’ቲ ናይ ሓደ መዓልትን ለይትን ትዕዝብተይ ብዛዕባ ካሜራ ዓሰርተ ሓሙሽተ ይኹን ሓፈሻዊ ናይ እንዳ ወንጀል ኵነታት ጽቡቕ መረዳእታ ሂቡኒ። ኣብታ ካሜራ ዕድመኦም ካብ ዕስራ ክሳብ ሰማንያ ዝዝርጋሕ፡ ዳርጋ ንዅለን ብሄራት ኤርትራ ዘጠቓልሉ እሱራት ነይሮም። ማሕበራዊ ኣቃውማኦም ድማ ሓረስቶት፡ ጓሶት፡ ነጋዶ፡ ምሁራት ክኾኑ ከለዉ ኣብ መንግስቲ ዝሰርሑ ንዝነበሩ ሲቪል፡ ኣባላት ሃገራዊ ንኣገልግሎትን ተጋደልትን የጠቓልሉ ከም ዝነበሩ ካብ ዶክተር ሃይለን ካብ ተኽለ ርእሶምን ክፈልጥ ክኢለ። ልዕሊ ዅሉ ዝገረመኒ ግን ናይቶም ኣመና ዝሸምገሉ ክልተ ሰባት ነይሩ።

እሱር ክብሃል ከሎ፡ ኣብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ ገበነኛ ክሳብ ዝብሃል ከም ንጹህ ከም ዝውሰድ እፈልጥ’ኳ እንተ ነበርኩ፡ ድሕሪ ምእሳረይ ብፍላይ ኣብ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ስርዓት፡ ብሃውለከ ተኣሲሩ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ከም ዝበሊ ብዕላል ዘይኮነ ብጭቡጥ ከረጋግጽ ክኢለ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ጠንቂ መእሰሪ ናይ ብዙሓት ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ብንጹር ክፍለጥ ከሎ፡ ናይ ገለ ሰባት ግን ባዕላቶም ብዝሕብሩኻ ኢኻ ትፈልጦ። ብፍላይ ተኣፋፊ ጕዳይ ዘለዎም እሱራት መእሰሪኦም ክገልጹልካ ቅሩባት ኣይኮኑን። ምኽንያቱ፡ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ቤትማእሰርቲ’ውን ሰለይቲ የዋፍር’ዩ ዝብል ጥርጣረ ኣለዎም። መእሰሪኦም ከዕልሉኻ ቅሩባት ዝኾኑ ሰባት ድማ ብዝጥዕሞም መንገዲ’ዮም ዝገልጹልካ። መግለጺኦም ብዘየገድስ ግን ተስዓ ካብ ሚእቲ ናይቲ ሓቂ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይፍለጥ’ዩ። ዝበዝሑ እሱራት ካሜራ ዓሰርተ ሓሙሽተ፡ ብጕዳይ ፖለቲካ፡ ምጥፍፋእ፡ ከትሪ፡ ሓሽሽ፡ ቅትለት ሰብ ዝተኣስሩ ኾይኖም፡ ብምጭዋይ ነፋሪት ዝተኣስሩ ክልተ ሱዳናውያንን ሓደ ኢትዮጵያውን ከኣ ነይሮም። ብዘይካ እዞም ዝተጠቕሱ፡ ሓደ ብጕዳይ ጅሃድ ዝተጠርጠረ ሱዳናዊ ግን ከኣ ቀልጢፉ ዝወጸ፡ ከምኡ’ውን ክልተ ድሒሮም ዝተሓወሱና ብጕዳይ እስላማዊ ጅሃድ ዝተጠርጠሩ ኣዕራብን’ውን ነይሮም። ስለዚ ካሜራና  ሕቡራት ነገስታት ነይራ ክብሃል ይከኣል።

ወዲሰብ ኣብ ማእሰርቲ ክኣቱ ኸሎ፡ ዝሰርሖ ወይ ዝገብሮ ነገር ስለ ዝጠፍኦ ልክዕ ከም ሓደ ዝተዘርዐ እንስሳ ዓቕሉ’ዩ ዘጽብብ። ስለ ዝኾነ ካብቲ እንስሳ ዝገብሮ ብዘይፍለ፡ ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዘሎ ጸቢብ ቦታ ኰለል ክብል’ዩ ዝውዕል። ኣብ መጀመርያ ዝተዓዘብኩዎ ጠባይ እሱር እዚ ነይሩ። ዝበዝሑ ካብ’ቶም እሱራት፡ መብዛሕትኡ ግዜ በብኽልተ ሳሕቲ ግዜ ድማ ንበይኖም ሓንሳብ ነቲ ክፍሊ ንቝመት እናሰንጠቑ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ድማ ኣብቲ ከፋት ቦታ ንጐድኒ ኰለል ክብሉ’ዮም ዝረኣዩ። ምሉእ መዓልቲ ኮፍ ኢሎም ውዒሎም ምሉእ ለይቲ ክድቅሱ ስለ ዘይክእሉ፡ ሰብነቶም ከንቀሳቕሱዎ ግድነት ስለ ዝኾነ እዩ’ቲ ምኽንያት። ፈጺሞም ከይተንቀሳቐሱ ዝውዕሉ ሰባት’ውን ነይሮም። እቶም ዝያዳ ዝንቀሳቐሱ ግን፡ እቶም ማእለያ ዘይብሉ ንብረትን ገንዘብን ሓዲጐም ዝተኣስሩ ነጋዶ ነይሮም። ፈሳዊት ደርሆ ዘይብሎም ሰባት’ውን ብዓቕሊጽበት ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ዕንክሊል ክብሉ ዝውዕሉ ነይሮም። እዚኣቶም ድማ ናፍቘት ስድራን እቲ ዕጹው ቦታን ክጻወሩዎ ስለ ዘይከኣሉን ከም ዝኾኑ ድሕሪ ነዊሕ ትዕዝብቲ ፈሊጠ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ሓንጐለይ ካብ ጸቕጢ ነጻ ክገብሮ እንተ ኾይነ ኣብ ስራሕ ክጽመድ ከም ዘለኒ ብምስትውዓል፡ “ዕዉር ምዃን ጸገም ኣይኮነን፡ እቲ ጸገም ዑረትካ ዘይምቕባል’ዩ፡” ብእትብል ናይ ዓይነስዉር ደራሲ ጆን ሚልቶን ዘረባ ተመሪሐ ኣብ ምንባብን ስነጽሑፍ ኣብ ምፍታንን ክጽመድ መደብ ሓንጸጽኩ።

ኣብ ሰሙኑ ንበዓልቲቤተይ ጥራውዝትን ዘድልየኒ መጻሕፍትን ክትሰደለይ ሓበርኩዋ። ኣይደንጐየትን ዕስራ ዝኸውን ጥራውዝቲ ምስ ሰደደትለይ፡ ገለ ካብኡ ነቶም መሃይምንት ዘየጥፍኡ መምሃሪ ክኾኖም ክህቦም ከለኹ፡ እቲ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ገጽ ዝነበሮ ጥራውዝቲ ግን ድርሰት ክጽሕፈሉ ጀመርኩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ገና’ቲ ጥራውዝቲ ከይመጻለይ ኸሎ፡ እንታይ ክጽሕፍ ከም ዘለኒ ድሮ ክሓስበሉ ቀንየስ ኣብ ሓንጐለይ ኣጻፊፈዮ ነይረ’የ። ወዲሰብ ህልኽ ክሕዞ ኸሎ ናብ ኣዝዩ ሓያል ፍጥረት ከም ዝቕየር ይርድኣኒ’ኳ እንተ ነበረ፡ ማዕረ ክንድቲ ኣብ ነብሰይ ዝረኣኹዎ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ግን ኣይነበረንን። ንግሆ ሻሂ ሰትየ ምጽሓፍ ዝጀመርኩ ክሳብ ምሳሕ ክጽሕፍ እውዕል። ድሕሪ ምሳሕ ንሓደ ሰዓት ድሕሪ ምዕራፍ ድማ ንኽድረር ጥራይ ድሕሪ ምቍራጽ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ናይ ለይቲ እጽሕፍ። ብኸምዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ክልተ ሚእቲ ገጻት ብምጽሓፍ፡ ናይ መጀመርያ ንድፊ ድርሰተይ ወዳእኩ። ጕዳየይ ተጻርዩ ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ እንተ ነውሐ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ክወጽእ’የ፡ ዝብል ኣብ የዋህነት ዝተመርኰሰ እምነት ስለ ዝነበረኒ ኣብ ታሪኽ ስነጽሑፍ ትግርኛ፡ ሓንቲ ንእስ ኢላ ድርሰት ንምብርካት’ዩ ነይሩ’ቲ ዕላማ። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድርሰተይ ከይወዳእኩ መታን ውጻእ ከይብሃል ምስ ግዜ ክቀዳደም ግድነት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሓንጐለይ ዝመጻለይ ጥራይ ጽሒፈ ወዳእኩ።

ነዛ ክልተ ሚእቲ ገጻት ዝትሕዝቶኣ ኣፈናዊት ድርሰት፡ ነቲ ምሳይ ጽቡቕ ምቅርራብ ፈጢሩ ዝነበረ ዶክተር፡ “በል ነዛ ንድፊ ድርሰተይ ተገዲስካ ኣንብባ ኢኻ’ሞ ርእይቶ ድማ ሃበኒ፡” ብምባል ከንብባ ሃብኩዎ። ሃይለ፡ ኣብ ከም’ዚታት ግዱስ ስለ ዝነበረ፡ “ድሮ ክንድ’ዚ ዝኣክል ገጻት ጽሒፍካ!” ብምባል ግዜ ከይወሰደ ከንብባ ጀመረ። ንጽባሒቱ ዘተባብዕ ርእይቶ ሂቡ ነታ ጥራዝ ምስ መለሰለይ ነቲ ድሮ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝሓሰብኩዎ ምትዕርራያት ከጻፍፍ ኣብ ሓድሽ ጥራዝ ክጽሕፍ ጀመርኩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኵሉ ሰብ ኣብ ዕለታዊ ዋኒኑ ተጸሚዱ ክውዕል ከሎ፡ ኣነ ልዕሊ ዝኾነ ምዱብ ሰራሕተኛ መዓልታዊ ዳርጋ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሰዓታት ምስራሕ ከም ንቡር ወሰድኩዎ። ንጥፈት ምቕያር ንባዕሉ ዕረፍቲ ስለ ዝኾነ ግን ኣብ ምጽሓፍ ጥራይ ተወሲነ ነይረ ማለት ኣይኮነን። ቀትሪ ይኹን ለይቲ ቀቅድሚ ድቃስ ከከም ኵነታቱ መጽሓፍ ኣብ ምንባብ ክጽመድ ከለኹ፡ ብዙሕ ኣይኮነን’ምበር፡ ቅጭ ከመጽኣኒ ከሎ’ውን ኣብ ጐድነይ ምስ ዝነበረ ብዙሕ ዘንብብ፡ ካብ መጅኑና ዘይፍለ ዝነበረ ጆመትራ ካርታ እጻወት፡ ሳሕቲ ድማ ምስ ገለ ሰባት ኣብ ዕላል አድህብ ነይረ። ነቲ ከም ብዕሪር ዝምጠጠካ ግዜ ብሜላ ክትጥቀመሉ እንተ ኽኢልካ ከይተረድኣካ’ዩ ሸለው ዝብል።

ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ከሕልፎ ዝነበረኒ ግዜ ናብ ሓደ ስሩዕ ህይወት ክቕይሮ ብዙሕ ኣይጸገመንን። ስሩዕ ክብል ከለኹ፡ መጀመርያ ነቲ ኣብኡ ዘሕልፎ ዝነበርኩ ግዜ ብዝለዓለ ደረጃ ክምዝምዞ ኽኢለ፡ በቲ ኻልእ ድማ ኣብ ክንዲ ክበሳጮን ክጭነቕን ዝውዕልን ንእግረ መንገደይ ኣብ ሓንጐለይ ክወርድ ንዝኽእል ጸቕጢ ኣጸቢቐ ኣጕዲለዮ ማለተይ’የ። ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣቲኻ ምሕሳብ ወይ ምጭናቕ የለን ምባል ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ክምካሕ ዝደሊ ክምካሕ ይኽእል’ዩ። እንተ ኾነ፡ ወላ’ቲ ብትብዓቱን ብተጻዋርነቱን እምብዛ ዝንየት ሰብ፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ምስ ዝዳጐን ዓቐኑ ክፈላለ ይኽእል’ምበር፡ ምጡን ናይ ኣእምሮ ጸቕጢ ዘየሕድርን ዘይባሳጮን ከቶ ክህሉ ኣይክእልን። እንተ ኣጋጢሙ ድማ፡ ምናልባሽ እቲ ሰብ ብትኽክል ዘይሓስብ ፍጥረት ክኸውን ኣለዎ። ወዲሰብ ማሕበራዊ ፍጡር ከም ምዃኑ መጠን፡ ካብቲ ንቡር ህይወት ወጻኢ ክነብር ክግደድ ከሎ ኣካላውን መንፈሳውን ማህሰይቲ ክወርዶ ግድነት’ዩ።

ነቲ ቍጠባውን ሕጋውን መዳዩ ገዲፍና፡ ኣብቲ ማሕበራዊ ህይወት ምስ እነተኵር፡ ወዲሰብ ነዋርሕ ዘይኮነ ንዓመታት ጸሓይ ከይረኣየ፡ እሞ ኸኣ ካብ ዝፈትዎም ስድራቤቱን ፈተውቱን ተፈልዩ ከም ሓደ እንስሳ ኣብ ጸቢብ ቦታ ክዕጾ ኸሎ፡ እቲ ዝወርድ ሳዕቤን ዝያዳ ጐሊሑ ይርአ። ብዘይፍርዲ ክኸውን ከሎ ድማ እቲ ሰብ ዳርጋ ናብ ዘይሰብ ወይ ሓደ ግኡዝ ነገር ይቕየር። እንተ ኾነ፡ በቲ ሓደ ምእንቲ ኣካላውን መንፈሳውን ድሕነቱ፡ በቲ ኻልእ ድማ ነቲ ከም ሰብ መጠን ከዳኽሞን ኣላሽ ከብሎን ዝጽዕር ዘሎ ግዕዙይን ዓመጸኛን ስርዓት መታን ከፍሽል፡ ኣሎ ዝብሃል ሓይሉ ተጠቒሙ ክምክቶ ከም ዘለዎ ይርዳእ። ኣብዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ረጊጹ ክጐዓዝ ዘይክእል እሱር፡ ካብቲ ብገለ እሱራት መቓብር ህሉዋት እናተባህለ ዝጽዋዕ ቦታ ገለ ጕድለት ወይ ስምብራት ከየርኣየ ክወጽእ ጨሪሽካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ነዚ ዅሉ ተጻዊሮም ብጥዕናኦም ዝወጽኡ እሱራት ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም ክፍለጥ ይግብኦ።

 


[1] ሓለቓ ሚእቲ ወዲፈቒ፡ ምስ እስላማዊ ጅሃድ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ተማሪኹ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሓለዋ ሰውራ ከርተት ድሕሪ ምባል፡ ተሓዲሱ ተባሂሉ ኣብ ህግሓኤ ንውሑድ ዓመታት ዝተጋደለ ሰብ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ። ኣብ ኵሉ ስርሑ ይኹን ኣካይዳኡ ጽፉፍ ከሎ ለውሃት ይኹን ርህራሄ ግን ኣይነበሮን። ገጹ ኵሉ ግዜ ምስ ተጸወገ ኮይኑ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ዘይዛረብ፡ ካልእ ይትረፍ ነዛ ሰላምታ ናይ እዝግሄር’ውን ዝነፍገና ሰብ ስለ ዝነበረ ብዝበዝሑ እሱራት ጽሉእ ነይሩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • ተወልደመድህን March 23, 2014

    ብዙሕ ጸገምን ስቓይን ይስተር ይከኣል’ዩሞ።ከምዚ ዚኣመሰለ ብዝተቃለስካሉ መስመር ተኣሲርካ መግቢ ይኹን መቑነን ተፈቒዱልካ ክኣቱ ክትቅበሎ ኣጸጋሚ’ዩ።ከመይ ከምዝኸኣልኩሞ ዘገርም’ዩ።

  • wedi ESFAY March 23, 2014

    እስቲፋኖስ ሐወይ ብሐቂ ዘገርም ታሪኽ ነዚ ኩሉ ሰጊርካ ከተዘንቱ ብምብቃዕእካ ተመስገን ፈታሪ.

  • Mesinas March 23, 2014

    ክቡር ሓው እስቲፋኖስ፡ ብመጀመርያ ነዚ እትገብሮ ዘለኻ ግቡእ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ልባዊ ምስጋናይን ኣድንቖተይን ክገልጸልካ እፈቱ። ብዙሓት ከምዚ ናትካ ይኹን ካብዚ ናትካ ንላዕሊ በደል ዝወረዶም ዜጋታትና፡ ዓመጽን ግዕዝይናን ናይዚ ንሃገርናን ህዝብናን ዘብርስ ዘሎ ምስሉይ ጉጅለ ካብ ምግላጽ ተቖጢቦም፡ ኣስናኖም እናሓርቀሙ ስልንስል (ክልተ ልቢ ምዃን) ኮይኖም፡ ትም ኢሎም ዘለዉ ዜጋታት፡ ከምዚ ናትካ ተባዕ ተበግሶ ወሲዶም፡ ንሓርነት ህዝቦም ግቡኦም ንኽገብሩ እናተላበኹ፡ ኣብ ጽሑፍካ ዘሎኒ ዓለቕ (ርእይቶ) ክገልጽ ፍቐደለይ?

    ብቐዳማይ ደረጃ ኣብዚ ጽሑፍ ዝተዓዘብኩዎ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ስርዓተ ነጥቢ ትግርኛ’ዩ። ኣብ ገግቡእ ቦታኦም ብግቡእ ኣትዮም ኣለው። በዚ ኸኣ ኣድንቖተይ ልዑል’ዩ። ነዛ [1] ምልክት’ዚኣ ግን ብኸምዚ * ወይ ብኻልእ እንተ ትትክኣ ደስ ምበለኒ። ምኽንያቱ፡ እዚ ምልክት’ዚ ኣብ ትግርኛ ቦታ ዘሎዎ ስርዓተ ነጥቢ ኣይኮነን። ብኻልኣይ ደረጃ ከም ምኽሪ ክልግሰልካ ዝደሊ፥ ኣብ ሓደ እብረ እትልእኮም ዓቐን ጽሑፋትካ፡ ካብ ክልተ፣ ክልተን ፈረቓን ገጻት ንላዕሊ እንተዘይበዝሐ ተመራጺ ኮይኑ ይስማዓኒ። የቐንየለይ። ሓውካ መሲናስ።

    • abrham March 23, 2014

      mesati ts huf sle zkone wela entebezhe wn aymtselaekon,
      ,nska tslae hatew ketew

  • Stefanos Temolso March 23, 2014

    ክቡራት ኣሕዋት፡ ነዚ ካብ ኣንበብቲ በብግዜኡ ዝጸሓፈለይን ዝለኣከለይን ዘሎ ኣዝዩ ዘተባብዕ ቃላት ከምስግን እፈቱ። ከም ገለ ካባታትኩም ዝገለጽኩሞ ዝኾነ ነገር ተዛማዲ እዩ። ሽዑ እቲ ነገር ብሃቂ ከቢድ ይመስለና ነይሩ። ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ተቃለስትን ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ክዕዘብ ከለኹ ግን ነቲ ዝሓለፈ ከም ሓደ ቀሊል ነገር እጥምቶ። ነዚ ዛንታዚ ብሓደ ሓው ተተባቢዐ ክጽሕፎ ከለኹ ድማ መንእሰያት ገለ እንተ ቐሰሙ ካብ ዝብል መበገሲ እየ። ምኽንያቱ ብዕላል ምስማዕን ብጽሑፍ ምንባብን ነንበይኑ እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ’ውን ከም መወከሲ ክኸውን ስለ ዝኽእል። ደጊመ ስለ ምትብባዕኩም የቐንየለይ።

    • Suleiman Salim March 23, 2014

      ወዲ ተመልሶ

      ዓቢ ልበ-ወለዳዊ ዛንታ ናይ ምጽሃፍ ክእለት ኣሎካ። ኣብ መጻኢ ኣስፍሕን ኣመቓቕርን ኣቢልካ ሓንቲ መዛናግዒት ትኸውን መጽሓፍ ክትደርስ ተስፋ ይገብር።

      ሓንቲ ምኽሪ ክህበካ እንተ ኮይነ – ለባምን ንቑሕን ስለ ዝኾንካ ዋላ እኳ ምኽሪ ከም ዘየድልየካ ይፈልጥ እንተ ኮንኩ – እዚኣ እያ፦ ቅድሚ ነቲ ስራሕ ናተይ ኢልካ ምሓዝካ ብዙሕ ዛዕብኡ ናብራ ቤት-ማሕቡስ ኣብ ኣሜሪካ ዝኾነ መጻሕፍቲ ናይ ኣሜሪካውያን ደረስቲ ኣንብብ። እቲ ቀንዲ ንኣንበብቲ ዝስሕብን ብኣሰቃቕነቱ ቆርበቶም ከም ቆርበት መላጥ ደርሆ ዝገብር ኣብ ኣሜሪካ ስለ ዝርከብ እየ እዛ ንእሽተይ ምኽረይ ዝልግሰልካ ዘለኹ።

      ኣብ ሃገርና ከም ኣብ ኩሉ ሃገራት ዓለም ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይእሰሩ እዮም ግን ንሕና ምስ ከም በዓል ኣሜሪካን እንግሊዝን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣይንዳረግን ኢና። ንኤርትራ ምስ እተን ዝማዕበላ ሃገራት ከዋዳድር ኢላ እየ እምበር ኩነታት ቤት-ማእሰርቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ኤስያን ( ታይላንድ፡ ኢንዶነዥያ፡ፍሊፒን …ኣየወ ንምፍጣርካ ዘጽልእ!!) ረሲዐዮ ማለት ኣይኮነን።

      ካብ ሓውኻ ሱለይማን ሳልም ( ንፈተውቱ ከም ሱሊ ዝፍለጥ )
      ሰናይ ቅነ ምድምሳስ ውቃው እዝ ይግበረልካን ይግበረልናን

    • ERITRAWIT March 26, 2014

      Dear Stefanos,
      We appreciate and we are lucky to have you to know what is our history and you are a good story teller keep it up.

  • ahmed saleh March 23, 2014

    The article explains the complexity created from Sahel style military oriented administrative nightmares . We kick out foreign monsters to bring peace and tranquility but we end up replaced by monsters from our own with same characteristics . I know the experience with the latter
    local monster is hard to cope and too bitter to recognize its true picture .

    • Suleiman Salim March 23, 2014

      Monsters? A wise person like you is not supposed to say such things.

  • Suleiman Salim March 23, 2014

    Monsters? A wise person like you is not supposed to say such things.

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 23, 2014

    I Partialy QOUTE Translated Egyptian Company News………………………………………………
    “የግብፅ ኩባንያ በኢትዮጵያ ትልቁን የወርቅ ክምችት አገኘ”
    የግብፅ ኩባንያ በኢትዮጵያ ትልቁን የወርቅ ክምችት አገኘ…..a while back we read a news story about Egyptian companies seeking investment licenses to operate in Tigray and Afar.

    አስኮም ማይንኒግ የተባለው የግብፅ ኩባንያ በኢትዮጵያ ታሪክ እስከዛሬ ከተገኘው የላቀ
    የወርቅ ክምችት በቤኒሻንጉል ጉሙዝ ክልል አገኘ፡፡
    የተገኘው የፅንስ ወርቅ ክምችት በኢትዮጵያ የወርቅ ፍለጋ ታሪክ ከተገኙ የወርቅ
    ክምችቶች በሙሉ ይበልጣል ተብሏል፡፡
    በቅርቡ ከተደረሰባቸው የወርቅ ክምችቶች መካከል በቱሉ ካፒ ወለጋ ኒዮታ ሚኒራልስ
    የተሰኘ የእንግሊዝ ኩባንያ፣ በመተከል ሳካሮ በሚድሮክ ጐልድ በኦሮሚያና ትግራይ
    ክልሎች በናሽናል ማይኒንግ በአፋርና በትግራይ ክልሎች ስትራቴክስ በተባለው የእንግሊዙ
    ኩባንያ፣ በትግራይ ክልል በኢዛና ማይንኒግ የተገኙት ተጠቃሾች ናቸው፡፡ የግብፅ ኩባንያ
    አስኮም በቤኒሻንጉል ጉሙዝ ክልል ያገኘው የወርቅ ክምችት በእነዚህ ኩባንያዎች
    ከተገኙት ክምችቶች ሁሉ እንደሚበልጥ ተገልጿል፡፡ END OF PARTALLY QUOTED/TRANSLATED

    ኣየ ወያነ፣
    እወ ካብቲ ኩሉ ወርቅታት ዝተረኽበ ንላዕሊ ወርቂ ኣብ ኢትዮጵያኹም ተረኺቡ ።እዚ ግን ንዓና ኣይዓጅበናን እዩ።ኤርትራዊ ብነብሱ ወርቂ ስለ ዝኾነ ወርቂ ይኹን ክብረት ኣየድልዮን እዩ።ነዚ ድማ ኣብ ዘይረብሕ ፣ማለት
    ብዝበለጸ ዩኒቨርሲታት ምኽፋት
    ፋብሪካታት ምጅማር
    ሆስፒታላትን ዲጋታትን፣ምምዕባል ከተውዕልዎ ኢኹም።
    ሰነፋት፣ንሕና እንተንኸውን ዛባታት መዅዓት ድፋዕ ምገዛእና።ከም ጎዳጕዲ ምዅዓት ዝመስልዎ ምዕባለ የለን።ንሕና ኤርትራውያ፣ኤርትራዊ ከይተማህረ ምሁር ስለ ዝኾነ__እታ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ እውን ዓጽይዋ።እውይ ካባኻትኩምሲ እንቋዕ ተፈለና።

    • ahmed saleh March 24, 2014

      SYE
      You are only tarnishing your name in this forum to irritate readers than joining forces of empowerment
      and encouragement to our movement for change . Your postings starts to become immoral and offensive .
      I advise you to control your emotions .

      • SAVING YOUNG ERITREANS March 24, 2014

        Respected Ahmed Saleh ,

        I do not see any immorality brother Ahmed. Immoral is the person that is irritated by other countries development .I want us to envy our neighbours, not be irritated by their progress.
        I agree with you empowerment should be our goal ,however empowerment is like Nutrition..however when the cells are clogged with fecal matter & other toxins ,one can not absorb the nutrition….THAT IS WHERE I COME BROTHER AHMED.
        When Eritrean young people do not know their principles ,the opposition is more Anti Agame than PFDJ..PFDJ are against weyane….Yet those who hate Isaias also hate Agames..And these haters are not Afars,Sahos ,Kunamas or Rashaida..but kebessa Agames like me..”THE SOCALLED TIGRINYA PEOPLE”.
        Unless young people recognize their enemy..ie. Arrogance ,Gallubility,Ignorance inherited by us ,the elderly…..they will never achieve their goal.
        Criticizing PFDJ or Insulting people of Tigray is not a strategy.
        BROTHR AHMED ,I HAVE A LOT OF RESPECT & WHAT I DO IS MORALITY & EDUCATION.

        Your Admirer
        Uncle SYE

      • Gideon March 24, 2014

        ahmed salih

        Who the hell do you think you are to advise, order or remind others as to what to write or not to write! Stop acting like your country man the Egyptian General Sisi. You are reminded that you are not in a bloody and backward Egypt, so back off from uncle SYE or anyone else for that matter.

        • ahmed saleh March 25, 2014

          Godeon
          Please stay away from interference with your dishonest
          approach . Me and Mehretu have no problem to engage
          in dialogue respectfully . And he knows we agree to
          disagree . But you always come disguising your self to
          lead me on suspicion and mistrust towards your posts.

    • FitHawi March 25, 2014

      SYE,

      “…Criticizing PFDJ or Insulting people of Tigray is not a strategy.” Correct! Insulting people of Tigray is foolishness too.

      “ኤርትራዊ ብነብሱ ወርቂ ስለ ዝኾነ ወርቂ ይኹን ክብረት ኣየድልዮን እዩ።”
      Is this your educating article. Please, you better change your method, if you really intend to teach systematically.
      nebsikka enaHserka, hizbikka enawaredka zirikeb timhirti yelen.

  • ahmed saleh March 23, 2014

    Suleiman
    I wish I can call them angels to make you happy but I hate to lie . A monster
    person destroy lives and that is what they are doing under our nose if in deed we are truthful for ourselves for God sake instead games of political entertainment .

    • Suleiman Salim March 24, 2014

      ኣንታ ኣሕመድ ሓወይ

      ንኩሉ በብዓቕሙን ከም ወዲ ሰብ መጠን ድማ በብድኽመቱን ንኤርትራ ዘገልገለ ዓብይን ንእሽተን እንተ ደዊንና እዛ ኤርትራና ደኣ እንታይ ክተርፋ ማለት እዩ?
      ሞንስተር ዝበሃል ቃል ከም ቀሊል ጌርካ ኣይትውሰዶ። ባዓል ቀርነልዮስ ዝበልዎ እንዳ ኣሕመመናስ ናትካ ኣይትወስኸሉ።

  • Tesfu Kidane March 24, 2014

    I feel pity for this Suleiman salim or whatever name he gives. Og to Meskerem if you want to hear something beautiful about PFDJ. You r simply wasting Your time. But it is good that you are forced to read the truth because you can not find anything like what Assena Writes in Meskerem or hadas eritra. poor looser!!

    • Suleiman Salim March 27, 2014

      Tefsu,

      I am proud to have you as one of my many readers.

  • Tesfu Kidane March 27, 2014

    I am also proud that you are forced to read ASSENNA! I read yoiur cooments because I want to read what other honest Eritreans write, but you are forced to read what we all write. I feel sorry for you, when Eritrea becomes free of the brutal dictator, you will claim like the ISEPAS did that you were with the opposition. This is the way history moves.But I do not believe you ever read history, may be PFDJ propaganda.

POST A COMMENT