Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ሂብዎ

      ምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ሂብዎ             ስርዓት ኢሳያስ ቃሕ ዝበሎ ስጉምቲ ክወስድ ዝገትኦ ሓይሊ ወይ ዝኽልክሎ ሕጊ ስለዘየለን ዛጊት ነዚ ዘሎ ኣረሜናዊ መንግስቲ ዝብድህ ዝተወደበ ህዝባዊ ተቃውም ስለዘይተመስረተን፡ ስርዓት ኢሳያስ ዘይፈርስ እምባ ኣምሲልዎ

 

    ምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ሂብዎ

            ስርዓት ኢሳያስ ቃሕ ዝበሎ ስጉምቲ ክወስድ ዝገትኦ ሓይሊ ወይ ዝኽልክሎ ሕጊ ስለዘየለን ዛጊት ነዚ ዘሎ ኣረሜናዊ መንግስቲ ዝብድህ ዝተወደበ ህዝባዊ ተቃውም ስለዘይተመስረተን፡ ስርዓት ኢሳያስ ዘይፈርስ እምባ ኣምሲልዎ ኣሎ።ብርግጽ  ስለያዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኣወዳድባ ስርዓት ህግደፍ ኣነኣኢስካ ምርኣይ፡ ንኽውንነት ምኽሓድ’ዩ። ስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ተጻባእቱ ንምድቋስን ቢልዮናት ገንዘብ’ዩ ዝስልዕ። ኣብ ርእሲኡ፡ ስርዓት ኢሳያስ ሓቅታት ኣብ ምጥምዛዝን ካብ ከውንነት ምህዳምን ልዑል ብልጫ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ወድባት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ገለ መንግስታትን ንስርዓት ኢሳያስ  ንኣጥፊእካ ጥፋእን ዘይሓላፍነትውን ተግባራቱን ፖሊሲታቱን ኣብ ዝነቅፍሉ እዋን፡ “ካብ ሓቂ ዝራሓቀን ምስሊ ኤርትራ ንምኽፋእን ካብ ዓለም ንምንጻልን ዝተፈብረኸ ሓሶት’ዩ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ኩለንተናዊ መደባት ልምዓት ንምትዕንቃፍን ብጸላእትናን ሓሳዳትን ዝተጠጅአ ተንኮል’ዩ፡ ኤርትራ ብሰላም ዞባናን ዓለምን ዝያዳ ኩሉ ትግደስ’’ ዝብላ ንገርሂ ሰብ ኣታለልቲ ንዝፈልጥ ግን ኣሰልቸውቲ ሓረጋት’ዩ ብተደጋጋሚ ዘኮማስዕ። እቲ ሓቅን ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ኣደራዕን ግን ብኣንጻር’ቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝዝርግሖ ሓሶታትን ብድዐታትን ምዃን ሓሊፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ’ዩ መስካርን መዛንን ክኸውን ዝግብኦ።

ሓደ ካብቲ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ንኽትሰምዖ ዘዘግንን ተርእዮ፡ ዘይወለንታዊ ፍልሰት ኤርትራውያን ናብ ወጻኢ ሃገራትን ዘጋጥሞም ዘሎ ስቃይን’ዩ። ምስሉይ መግለጺታት ስርዓት ኢሳያስ ብዘየገድስ፡ ቀንዲ ምኽንያት ስደትን ሕሰምን ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ክሰርሑን ከመሃሩን ስለዘይክኣሉን ቁራስ እንጌራ ስለዝሓረሞምን’ዮም። ውሕስነት ህይወት ዘይብሉ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያንን ኣብ ዝኣተውዎ ሃገራትን መዓስከር ሰደተኛታትን፡ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰሎም ተጋሂሱ ግዳይ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ጥሜትን ሕማምን ምዃኖምን ድማ ቀዳማይ ተሓታቲ ስርዓት ኢሳያስ እምበር ተቀበልቲ ወይ ኣእንገድቲ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣይኮናን። ንምንታይ’ሲ እንተዘይትንውንወኒ መን መጽደፈኒ’ዩ እቲ ሓቂ። መንእሰያትና፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ መኣዲ ትምህርቲ ግዱድ ዕስክርና፡ ኣብ ክንዲ ገንዘብ ዝኽፈሎ ስራሕ፡ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ናጻ ጉልበቶም ምሻጥ፡ ወጽዓዖም ኣብ ዝሓትሉ ድማ  ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምድጓን ምስበዝሐን ብሩህ መጻኢ ስለዝጸልመቶም’ዮም ሃጽ ኢሎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ዝጠፍኡ ዘለዉ። ስለዚ ተማሃሮ ካብ ኣብያተ ትምህርቶም ኣጓናዲብካ፡ ሓረስቶትን ሸቃሎን ካብ ስርሖም መንጢልካ ኣብ በረኻ ምስፋርን ስድራቤታት ምብትታንን ኣይፋል ንዝበሉ ድማ እናገረፍካን እናሓየርካን፡ በየናይ መዐቀኒን መዝገበ ቃላትን’ዩ ከም ልምዓታዊ መደባት ዝቁጸር? እቶም ብካድራት ህግደፍ ተመልሚሎም  ግንዖታት ተገይርሎም ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ብምእታው፡ “ኤርትራ ማእከል ሰላምን ልምዓትን” ኢሎም ንኤርትራ ቅጽል ስም ዝህብዋ የዋሃትን ምስ ኣእዛኖም ዝጸመሙን በጻሕቲ ኤርትራ’ኸ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ዝበለጸ ሆቴላትን መዘናግዒ ቦታታትን ዑደት ምፍጻሞምን ብሕርያ ዝተቀረቡ መማቅርቲ ቃለ- መጠይቅ ምክያዶምን፡ ንጹሃት ዜጋታት ተኣሲሮሙሉ ኣብ ዘለዉ ቦታታት፡ ጠዋሪ ስኢኖም ዝዘኽትሙ ወለድን ህጻናትን ብጥሜት፡ ስእነትን ኣገልግሎት ሕክምና፡መብራህቲ፡ መጓዓዝያን ማይን ዝሳቀዩ ስድራቤታት ከምዘለዉ ተዘዋዊሮም ተራ ሰባት ሓቲቶን ተዓዚቦምንዶ? ዶስ ኤርትራዊ ብኽብሪ ሃለኽቲ ኣቁሑን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እናተሳቀየ እንከሎ ንሕሱር ፖለቲካዊ ዕላማትትን ሃወርያታትካ ንምምልማልን፡ ጮማን ዊስክን ስለዝተቀረበልካ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን’ዩ ነገሩ?

ህግደፍ፡ “ብኢትዮጵያ ዝተታሕዘ መሬትና  ስለዘይተመልሰን ዶብና ስለዘይተሓንጸጸን” ዝብል ዝኣረገ ምስምስ  ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ንውሽጣዊ ድኻማቱ ኣበሳታቱን ንምጉልባብ ካብ ዝጥቀመሉ ካልእ ዕባራ ምኽንያት’ዩ። እቲ  ሓቂ ብሰበብ ዶብ ስለዘይተሓንጸጸን ዝተጎብጠ መሬት ስለዘይተመልሰን፡ መሰል ኤርትራዊ ምርጋጽን ምልካዊ ስርዓት ምቅጻልን’ዩ። ፍትሒ ይንገስ  ንዝበሉ ዜጋታት ብዘይፍርዲ ምምቛሕን  ትሕቲ መሬት ምስፋርን፡ ቅዋም ዘይምንዳፍን ህዝባዊ ምርጫ ዘይምክያድን ክሳብ መኣስ? ኩሉ ከምዘይስሕቶ ዘለናዮ ዓለም ምስጥቅማ እምበር ብስለ ዲሞክራሲ ፍጹም ሓቅታት  ዝብሃል የለን። ንልኡላውነትካን ክብርኻን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተኻ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታት ክትምእዘዝ ምስ ካልኦት ሓቢርካ ክትሰርሕ፡ ረብሓ ህዝብኻ ከተኻዕብትን ዓቅምኻ ክትፈልጥን ግን ናይ ለባማት ኣሰራርሓ ኢዩ። እቶም “ስርዓት ኢሳያስ ጉድለት የብሉን ዓለም ዘርያትና” ኢልኩም ነዚ ክውንነት’ዚ ትኽሕዱን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓለም ንኽንጸል ብተዘዋዋሪ ትሰርሑን ዘለኹም ዜጋታት፡ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ንኽረግጽ ኣጆኻ ትብልዎ ከምዘለኹም ትግንዘብዎዶ?  ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስርዓት ኢሳያስ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ከም ጭርናዕ ካብ ምትዃብ ሓሊፉ፡ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ካብ ምዝውታርን (ንኣብነት፡ ምስ ዝተፈንፈኑ ስርዓታት ምምሕዛውን፡ ናይ ጸላኢአይ ጸላኢ ፈታዊየን ዝዓይነቱ ኣጠማምታ ንጹር ዕላማ ዘይብሎም ናይ ጎረባብትና ሃገራት ተቃወምቲ ወድባት ምሕጋዝን)፡ መትከላውን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሞርኮሰ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዝምድና የብሉን።

ብዝተፈላለየ ጉዳያት ምፍልላይ ገበን ኣይኮነን። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ስንፍና ግን፡  ነዚ ብግሁድን ብስውርን ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸልማት ኣእትዩ ዘሳቂ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ ምድጋፍ ወይ ድማ ቀንዲ ተዋሳኢ ምዃን፡ ሓቂ  ምጥምዛዝን ድርብ ገበን ከም ምፍጻም’ዩ ዝቑጸር። ኣብዚ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ዝኾነ እኩይ ተግባራትን ኣዕናዊ ሜላታትን ስርዓት ህግደፍ ሓቢርና ዘይምስራሕና ድማ ንስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ይሃብካ ኢልካ ምምራቕ’ዩ።

ጽላል – ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • AHMED SALEH April 11, 2015

    Responsible and truthful people admit their mistakes . In case of
    Eritreans , the majority try put finger of blame to somebody else
    than become part of the solution . As the writer put it clearly we played a role to give power on an individual will to dictate the future
    of the country without any kind of preconditions agreement . And
    I am also tired from our weak excuses to blame Issayas like he is
    untouchable person with Devine powers . Eritrea’s gate door has
    been guarded by its people for centuries . Issayas entered through
    that gate not by force but rather by his deceptive method to gain the trust and conquer .
    After they found out that they were deceived , what will take them
    to wake up for further damage in their life is disturbing scenario .
    The whole point is not about Issayas or somebody else which I try
    not toward hatred but against evil deeds which we should confront
    according the rule of law for the sake of our country and it’s people
    we adorn dearly .
    To achieve matters which sound impossible starts when you have
    the will to do the possible minor things what is necessary in life .
    SEMIEKA KEM ZEY ZEMAEKA-RIEEKHA KEM ZEYREAKHA
    IYU NI HGHERNA AB AZEKTI YEITYIWA ZELO INDIHR
    B’AYNI HAKI KHUNETATNA TEAZIBNAYO

  • rezen April 11, 2015

    The TITLE: “ምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ሂብዎ”

    The Ending:”ኣብዚ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ዝኾነ እኩይ ተግባራትን ኣዕናዊ ሜላታትን ስርዓት ህግደፍ ሓቢርና ዘይምስራሕና ድማ ንስርዓት ኢሳያስ ዕድመ ይሃብካ ኢልካ ምምራቕ’ዩ።”

    The Key words:”ሓቢርና ዘይምስራሕና”

    The above quotations cover the core problem of Eritreans, and We KNOW WHY. Are Eritreans prepared to be HONEST to themselves — at least ONCE in their Life time? Please!

    THANK YOU VERY MUCH, ጽላል

  • Hidat April 12, 2015

    NABEY XELEL MELEL HIZBI ERITRA BHADE HIRMET LIBI SILE ZIMEKETE EYU NEKAEE MEHILEFI KELIEKUM ZELO.HIGI´WIN KEITAHALELE YIMIKITN KIMIKITN EYU.BWISHTU “”AYTIZANE EWE HIZBEY……SEB KIHALFELU DIKAS MISEAN EYU HIMAMOM”” TIBIL NAY DIMIXAWIT FREHIWET BERIHU ZEMA NEDIMIX KAM ZELENA AYTISHATWO.HIGI ´WIN INBI NDAGMAY MEGZETI…..INBI NIHINFISHFSH……INBI INBI.

    • Anti-Higdef April 12, 2015

      “NABEY XELEL MELEL HIZBI ERITRA BHADE HIRMET LIBI SILE ZIMEKETE EYU NEKAEE MEHILEFI KELIEKUM ZELO..”

      Hidat

      Mama Hidat, abeyenay gudam alem ikhin tinebra zelekhin ?
      Ember do’ izni alekin ?

      • AHMED SALEH April 12, 2015

        “SEB KIHALFELU DIKAS MISEAN EYU HIMAMOM ” .
        Hidat must be one of the beneficiaries of “ZEMEN WURA-WURA” to support the regime
        regardless by any means necessary NEHNA-NESU- cult followers.
        Mama Hidat needs assurance from DELEYTI FITHI that she won’t suffer the lost of her
        villa if obtained legally and to enjoy life in her comfortable corner far from those
        inside the country who are still waiting for more than twenty years to see better future.
        Well as a wise person said : don’t approach a goat from the front , a horse from
        the back and a fool from any side fits to subscribe such hard headed people who
        refuse to recognize facts or reality on the ground .
        For the sake of EASTER HOLY_DAY to speak the truth only truth might cleanse your soul .
        RUHUS HAWDEAMET YIGHBERELKUM BIHABERA .

  • hara April 12, 2015

    antn hidat
    entay ikn habes-kedes ktbla tnebra ab zeytfelteo
    tselot dea ftewa sle gde-haki kea dew bela

  • huria April 13, 2015

    really sad to rank on bad thing

  • tewolde April 13, 2015

    ናይ ደገፍቲ ህግደፍ ኣይኮነን ዘገርም ኮይኑ ዘሎ እቶም ካባ ተቃዋሚ ለቢሶም ብወረዳ ኣውራጃ ብበተክርስትያን ጥጅእ ምፍልላይ ዝፍሕሱን ካድራት ሓለፍትን ጀብሃታት ዝነበሩ ነዚ ዕሩብ ስርዓት ክሕለቕሉ እንከለዉ ዘገርም እዩ፡፡

  • monica salguero April 13, 2015

    “Mflelay hezbi eritra nsr-at yhdef Edme hibuwo”
    Haki yu kem-u dma sle ztemelmele. Hegi gn ab Entay ngber Kxeket Alo-na.
    Netom keytehalelu kab kedem nehzi zwerodon zwerdon zelo Amex zekale-hun zenkhun abi msgana yegb-om.
    Hegi gn hanti ftah tmesleni bzkeltefe negele sebat feltet nay kunetat Eritra delewom ms ser-at isayas zeytemeras-hu merixna Srah Poletica, bdeplomasi telazibom ms alemat hagzuna begenzebna eya eta ftah.
    Kemey kemzi n-ezebo zelona befelay nahna guday Alem ktfetho ayteklen hiya.
    Dekatat Ena Aynebel Nahna habti hamedu keyterefe eyu zguret delo.
    Heges etikulu texhfuo keman aynembbon. Hegi hezbi teredwoyu merahti d-a s-enu ember. N Abnet kem Me-al kubrom Dafla Amanuel Iyasu…. Xeltan zey xbeyu Sebat.

Post a Reply to tewolde Cancel Reply