Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሞያ ስውኣትና ብህግደፍ ተረሲዑ

ዓመት መጸ 20 ሰነ፡ ሰማእታትና ንምዝካር፡ ሽምዓን ጥዋፍን ብምብራህ፡ ኣግራብ ብምትካል፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ብምጽላይ፡ ስድራቤቶም ብምሕጋዝን ካልእ ንጥፈታት ብምክያድን ክቡር ሞያኦም ንዝክሮ። ኣብ ዓለም ንህዝብኻን ሃገርካን ህይወትካ ምውፋይ፡ እቲ ዝኸበረን ዝዓዘዘን ህያብ’ዩ። ስውኣትና

ዓመት መጸ 20 ሰነ፡ ሰማእታትና ንምዝካር፡ ሽምዓን ጥዋፍን ብምብራህ፡ ኣግራብ ብምትካል፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ብምጽላይ፡ ስድራቤቶም ብምሕጋዝን ካልእ ንጥፈታት ብምክያድን ክቡር ሞያኦም ንዝክሮ። ኣብ ዓለም ንህዝብኻን ሃገርካን ህይወትካ ምውፋይ፡ እቲ ዝኸበረን ዝዓዘዘን ህያብ’ዩ። ስውኣትና ዝኸፈልዎ ልዑል ህይወት፡ ዋጋን ትርጉምን ንኽህልዎ ግን፡ ኣብቲ ደሞም ዝፈሰሶን ኣዕጽምቶም ዝተኸስከሶን መሬት፡ ሰላም፡ ብልጽግና፡ ክብረትን ርጉእ ህይወትን ምስ ዝሰፍን’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንሓደ ካብ ነዊሕ እዋን ዝፈልጦ ዓርከይ ብዛዕባ ስድራቤት ንኽልቴና  ወዲ ኣሃዱና ዝነበረ ስውእ ገሬ ኩነታት ስድራቤቱ ንምፍላጥ ኣብ ዝሓተትኩዎ፡ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘየደቅስን ጉዳይ ኣካፊሉኒ። ኣብ መፋርቅ ሰብዓታት ዝተሰለፈ ገሬ፡ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ዝተወልዱ ክልተ ደቁን ብመውጋእቲ ዝሰንከለት በዓልቲ ቤቱን ከይተሰናበትዎ’ዩ ኣብ ምርብራብ ስርሒት ፈንቅል(1990) ተሰዊኡ። ድሕሪ ናጽነት፡ በዓልቲ ቤት ገሬ፡ ስንክልናኣ ከይኣኽላ፡ ደቃ ከተዕቢ ከቢድ ሓላፍነት ስለዝተሰከመት፡ ብጽሓይን ቁርን እናተገርፈትን ነቲ ብሰሪ ኣብ ኣካላታ ዝሰረተ ጠያይትን ፍንጫላት ሓጻውንን ዘየቋርጽ ቃንዛ ተጻዊራን፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ብንኣፍ ጠልቆም ንኸብዲ ሓጥያት ዝዓይነቱ ውሑድ ክፍሊት፡ ኣብ ግዝያዊ መቆም መካይን(ፓርኪን) ገንዘብ ኣብ ምእካብ ብግዝያውነት ስራሕ ጀመረት። እንተኾነ ነዊሕ ከጸንሐት ካብ ስራሕ ተፋነወት። ሕልናኣ ከየዕረበትን ተጸባይት ካብ ምዃን ንምድሓንን ግን፡ ኣብቲ ብማርካቶ ዝጽዋዕ  ቦታ  ንእሽቶ ቦታ ተኻርያ ድራር ዕለታ ንምምእራር ኣብ ምሻጥ ኣሕምልቲ ተዋፈረት።

ክልቲኦም ደቃ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወድኡ ንዝለዓለ ደረጃ ትምህርቶም ክቅጽሉ ባህጊ’ኳ እንተነበሮም፡ “ናብ ዩኒቭርሲቲ መሕለፊ ነጥቢ ኣይረኸብኩምን” ተባሂሎም ብቅድሙን ድሕሩን ናብ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኸዱ ተገደዱ። ወላዲቶም፡ ኣለይ መለይ ዝብላን ጨና ዝኾናን ሓደ ወዳ ክተርፍ ንዝምልከቶ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ’ኳ እንተኣቅረበት፡ ጸማም እዝኒ ተዋህባ። ኣብ ርእሲ ሓዘን ብዓል ቤታ ድማ፡ ብጽምዋ፡ ምስቁርቛርን ድኽነትን ተዋሕጠት። በኹሪ ወዳ፡ መስዋእቲ ወላዲኡን ጠዋሪ ዘይብላ ስንክልቲ ወላዲቱን ወላድ መኻን ኮይና ምትራፋ፡ ክጻወሮ ስለዝይክኣለ ንዝበለጸ ህይወት፡ ኤውሮጳ ንምእታው ናብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምድረበዳን ባሕርን ኣምርሐ።ንድኻ ደርሆ ትጸድፎ ከምዝብሃል ግን፡ ሓሳብ ልቡ ከይሰመረሉ ምስቶም ኣብ  ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ  ባሕሪ መዲተራንያን ዝጠሓሉ ኣማኢት ኤርትራውያን፡ መወዳእታ ዕምሩ ኮነት። ወላዲቱ፡ ብሞት በኹሪ ወዳን ንቡር ስነስርዓት ቀብርን ሬሳኡን ዘይምርካባን ብኽቱር ሓዘንን ጓህን ንምእማኑ ኣጸጊምዋ ተዓዘመት። “እኳ ሽምዓ ዝውልዓሉ፡ ዕምባባ ዘቀምጠሉን ጸሎ ዘዕርገሉን ንቡር መቃብር ክሕረመኒ” በለት ኣምሪራ። ዝተረፈ ወዳ፡ ወላዲቱ ንምጽንናዕን ንምድባስን፡ ካብ ሳዋ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ተዋሂብዎ ናብ ኣስመራ መጸ። ወላዲቱ መስዋእቲ በዓል ቤታን ወዳን እናዘከረት ለይትን መዓልትን ድቃስ ሓረማ። ውላዳ ዝተዋህቦ ናይ ክልተ ቅነ ዕረፍቲ ምስተወድአ፡ ናብ ኣሃዱኡ ክምለስ’ኳ እንተነበሮ፡ ነታ ብሓዘንን ስንክልናን ዝተደነሰት ወላዲቱ ክርሕርሕ ግን ኣዝዩ ከበዶ። ዝመጸ ይምጻእ ኢሉ ድማ፡ ብዘይ ፍቃድ ንሓደ ሰሙን  ክጸንሕ ወሰነን ንናይ ቀረባ ሓላፊኡ ኩነታቱ ሓበረን። ይኹን እምበር እቲ ሰብኣዊ ርህራሀ ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ፡ “ኮብሊልካ” ብዝብል ሰበብ “ብስራሕ ትድለ ኣለኻ” ኢሎም ብለይቲ ካብ ሕቁፊ ወላዲቱ ምስ መንጠልዎ ክሳብ ሎሚ ሃለዋቱ የለን። ወላዲቱ ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ሞት ሕጹይ ኮይንዋ፡ በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ስኢና ካብ ዝሞቱ ንላዕሊ ካብ ዘለዉ ንታሕቲ ትነብር ኣላ። ኣብ ኤርትራ፡ ከምዚ ናይ ስድራቤት ስዉእ ገሪ፡ ብህግደፍ ክብሪ ዝሰኣናን ሓሳረ መከራ ዝወረሰንን ስድራቤታት ብዙሓት’የን። እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት፡ ብኣንጻር’ቲ ስውኣትና ዝተመነይዎን ህይወቶም ዝኸፈሉሉን ስለዝኾነ፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ብስም 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ዝካየድ በዓልን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምጭዳርን ትርጉም ዘይብሉን ንብዓት ሓርገጽን’ዩ። ምኽንያቱ ስውኣትና ሕድሮም ተጠሊሙ፡ ደቆምን ወለዶምን ተደርብዮም፡ ኣብ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ስደት፡ ጥሜትን ዝኽትምናን እንከለዉ ብኣፍ መዓር ምቅራብ ብግብሪ ግን ዓንዴል ምኹላስ፡ ሞያ ስውኣት ምርካስን መብጽዕዖም ምቅሻሽን’ዩ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ምስጋናን ንስውኣትና።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሰነ 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • my people June 17, 2015

    እቲ ዝኽሪ ስዉኣትና ኢልና ነኽብሮ ሰነ 20 እቲ ዕለት ብኢሳያስ ከም ዝተወሰነ ንፈልጥዶ ፧ እንተዘይ ኣሚንኩምኒ ንመርምር።ኢሳያስ ሻድሻይ ወራር እቲ ዝበዝሔ ተጋደልቲ ዘሰዋእናሉ ስለ ዝኾነ ንሱ እዩ እቲ ብዓል ሰማእታት ኢሉ ፣እቲ ባንዴራ እውን ንፈልጥ ኢሳያስ ከም ዝስኣሎ።ነታ ሰማያዊት ናይ ሕቡራት መንግስታት ደጊፈ ከይመስለኩም ታሪኽ ክገልጽ ኢለ እየ።

POST A COMMENT