Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ረጋቢት ብስራት

ረጋቢት ብስራት ጴጥሮስ ተኽሉ፡ (ሓላዪ) 27/02/2013 ኣውሊዕ ብስራት ዝሓዛ ምስ ዓርከ ምሓዛ ብዓል ኩንብራዛ ዝወጻ ካብ ገዛ፡ ብዓል ሎኻኺቶ፣ ብዓል ሽላ ተጸዋውዓ ዓድምኣ ኹላ ተሸባሸባ ምዓልቲ ኣኺላ ቅጽበት

ረጋቢት ብስራት
ጴጥሮስ ተኽሉ፡ (ሓላዪ) 27/02/2013
ኣውሊዕ ብስራት ዝሓዛ
ምስ ዓርከ ምሓዛ
ብዓል ኩንብራዛ
ዝወጻ ካብ ገዛ፡
ብዓል ሎኻኺቶ፣ ብዓል ሽላ
ተጸዋውዓ ዓድምኣ ኹላ
ተሸባሸባ ምዓልቲ ኣኺላ
ቅጽበት ተበገሳ ቶሎ ኢልክን ንቀላ፡
ናይ ዓይኒ ምስክር ኤርትራ
ብዓል ንስሪ፣ ብዓል ኣሞራ
ብረሩ ንፈሩ ተላይ ዲያስፖራ
ሓብሩ ንገሩ ብዘይ ጉርሒ ሻራ፡
ረጋቢት ሰላም ይዕድማ’ለዋ
ንኹለን ዝቃቆዋ ዘይቃቆዋ
ጸበል ሓርነት ተጾሚቑሎ ስዋ
ኣብኡዩ ዘሎ እቲ ጽዋ፡
ነጋሪት ብስራት ናብንኩሉ ይነፋሕ
ንጠመር ብሓባር ኣየድልን ፋሕፋሕ
ገዛፍየ ተበለት ሰገን ንግስቲየ ሰበርጉማረ
ኩሉ ክሕበርዩ ከመይ ከምዝነበረ፡
ኩልኽን ትነፍራ ነተን መናፍርቲ
እተን ዘይትነፍራ ኣጋር ታሕቲ ታሕቲ
እተን ሰብ ማያት ኣብ ባሕሪ ሓንበስቲ
ተለዋኽን ከምኡ ሰብክንፊ ለመምቲ፣
ኣታኳኻብ ከይከውን ዘይተዓደምኩ ኢልካ
ዝሓለፈ የለን ካብ ባሕሪዩ ብማንካ
ወዕሎሎ 8ተ መጋቢት ናይ ኩላትና ዋዕላ
ኣስተባህላ ድማ ብብስራትክን ዝድብሉ/ዝዕልላ!
ነተን ናይ በረኻ ሕብረን ጉራሙራ
ኩለን ዓድምአን ብዓል ቆቋሕ ዛግራ
ነዊሕ ጐእዞለክን ንቐላ ጀምራ
ጊዜ ሓጺሩ ኢልክን ከይትብላና ሻራ፡
ኩሉ ምስ ዛዘምክን ብሓበራ
ምስ ኣውሊዕ ብስራት ክትዋፈራ
ቅድሚ ተበግሶኽን ክውስን ደብተራ
ሽዑዩ ዝምዘን ናይ ውጺኢት ኣውራ፡
ረጋቢት ብስራት ናብ ዓለም ብረራ
ንኹሉ ሓብራ ህዝብታት ኤርትራ
ዘንብያ ንፈራ ናብ ኩሉ ዘይሰምዐ
ደበስ’ዩ ንኹሉ ደም ዝነብዐ።
ሰረት ተጀሚሩ ተነዲቑ መንደቕ
ጽቡቕና ዘይምነ ይብል ኣሎ ነቅነቕ
ዘይሰምዐ ኣስምዕዎ በሉ ንዓዕጠቕ!
ሽፋን መጋረጃ ክብልዩ በጠቕጠቕ።
ድሕሪ ትብዓት ግደፍዮ ንብዓት
ድሕሪ ወዲ ዓሊ የለኹን ከይትብሊ
በለጽ ክነቕዕ፣ ኢልኪ ኔርኪ ፍርሒ የብቕዕ!
ወዲ ዓሊ ሰሚዑኪ ኣብ ስዓታ ልክዕ!
ካብ ማህጸንኪዮም ኩሎም ቶም ጀጋኑ
ብፍርሒ ርዒዶም ዘይጆግነኑ
ወዶም ጓሎም ኣናብስ ምስዋዕሮ
ጅግንነቶም ዘውትር ንዝክሮ
ውጽዕቲ ጓል ሄዋን ወላዲት ጀጋኑ
ብድርብ ውጽዓኺ ምስሊ ተደዊኑ
ተልዓሊ ዋዕሮ ሎሚዩ እዋኑ
ጥምጥም! ሓዝዮ ወጻዓኺ ክዓኑ፡
ተቐማጦ ካናዳ ብፍላይ ኦንታሪዮ
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ተጀመረ ዕዮ
ኣበይ ኔርና ኣበይ በጺሕና’ስከ ንርኣዮ
ብሓባር ኮፍ ኢልና ንመምዮ፡
ወድኹም ጓልኩም ኩሉኹም ብሓባር
8ተ መጋቢት ብሓባር ንምኽባር
ምስ ተጎርባ ዓባይ ጀማሪት ዓወትና
ደሚቕና ክንውዕል ኣብ ኪቺነር ኩልና።
ነተን ከዋኽብቲ ትንፋስ ገዛ
8ተ መጋቢት እቲ ናተን ምዓልቲ
ደቀንስትዮ! ሞቑሕክን ባዕልኽን ብተኻ
ማዕርነት ኣይርከብን ኣብ ገዛኻ ተኾርሚኻ፡
ትዕደሚሎ’ኺ ኣድምቒ ውራይኪ
ብዓል 8ተ መጋቢት ኣብ ኪቺነር ኢኒሀልኪ። ማዓስ፧ ተወከሲ። ንመን፧ ንሓፍትኺ/ንሓውኺ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Hag pag February 28, 2013

    girim tsawiet bizegerm gittmmii haye weaaaruu aalila.

  • MEHRETU HABTE February 28, 2013

    ናይ ባርያ ሓንጎለይ፣ ከይሞትኩ ክቕበር ኔሩኒ ፦፦፦፦፦

    ካርሸሊ ናይ ሊብያ፣ ናይ ሲናይ በረኻ
    ኩሊት ደቂ ሃገር ጠቢሕካ ጎዚኻ
    ኤርትራውያን ኣዋልድ ብሕንከት ኣጋዕዚኻ
    ሶዶማዊ በደዊን ፣ ግዕዘይ ዝባህልኻ
    ብኣይ ኣይትሰከፍ፣ ኣይትፍራህ ኣጆኻ
    ቦጅባጅ ሎኽላኽ´የ፣ ግሃስ ከም ልብኻ
    ፪% ክኸፍልየ ንህግደፍ፣ ኣኽዋንካ ሓውኻ
    ወያነ እዩ ጸላኢየይ፣ ኣይጥምትን´የ ናባኻ ፦፦፦፦

  • MEHRETU HABTE February 28, 2013

    ሓኻይም ሰብን ናይ እንስሳታትን፣ ዋና ዋጣ ነበር ናይ shabait.com ,ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ….ወዘተ ንማማ ህግደፍ ገዲፍዋ እናኸደ እዩ ። ተሃዊኸ ድኣ ከይከውን እምበር , ሓንቲ ደርፊ,ዜምኣ ከምታ ናይ ,ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ , በቲ ዘይምኖ ድምጹ ጌሩ , “ድሓን ኩኒ ኣባሻውል” ኢሉ ዝደረፋ ቃላታ ቀይረ በቲ “ባዶ ገረወይና ” ዝጥዕም ድምጸይ ጌረ “ክጽሕፈልኩም”…..ግን ባዕልኹም ኣኣብ ገገዛኹም ኴንኩም ድረፍዋ ።

    “ድሓን ኩኒ “ዓባይ” ህግደፍ ”

    ድሓን ኩኒ “ዓባይ” ህግደፍ፣ ሰላም ቅድሚ ምፍራስኪ
    ኣደ ኩሉ ወይጦ፣ መዕበይ ዋህዮ ኔርኪ ።
    እዛ ዓባይ ህግደፍ ሎሚ ክደርፈላ፣ ፈጺማ ብኹላ ከይፈርጠጠት ከላ
    ኣብ ሓለዋ ሰውራ ደም ዝነባዕኩላ፣ ኣደ ናይ የዋሃን ናይ ጭካነ ጩራ።
    ንስኺ ክትዓወኒ ብዙሕ ደስ ይብለኒ፣ ግን ፋሕ ጭንግራሕ ደሉ ተቓወምቲ ካብ ሃበኒ
    በቲ ሓደ ወገን ደስታ ይህበኒ፣ በቲ ሓደ ግና “opposition party” ፈሶም ይዕልሰኒ ።
    በሊ ህግደፊና ብህውከት ፍረሲ ፣ ዚምባብወ ርእየዮ ናይ መልክዕኪ ቅርጺ
    ሊብያ ውን ክሰደኪ፣ ጥራይ ተበቆጺ !!!!!!!!!!!!
    ተፈጸመ
    (ውይ ስጋ´ሞይ ሳራ ፣ ንብዓት ቁጽርጽር ኢሉኒ ፣ በሉ ጽንዓት ይሃበና…. ኤይ..ኤይ..ኤይ… ,ድሓን ውሓጥኦ,ውሓጥኦ…ኣደ…፧ ዋይ ኣነ ዴኻ ናይ ታሕጓስ ንብዓት እንድኣሉ እዚ ወደይ !!!! )

  • ተኽላይ ኣብራሃ February 28, 2013

    ሓው ጴጥሮስ
    ብጣዕሚ ላዛን እዋናዊ መልእኽቲ ዘሎዎን ግጥሚ። ደስ እንዳበለኒ ስለ ዘንበብክዎ ምስጋናይ ንዓኻ ይኹን ክቡር ሓው።

  • MEHRETU HABTE February 28, 2013

    “ሃገር ድዩ ጭዓጽዒኝዖ ፧”
    በዚ ኮነ በቲ ኣጕህይዋ ንእኖ ፦፦፦

    ንብዓትኪ ኣይትሓብሲ፣ ማህጸንኪ ዝወለደ
    ኩነታት ኣይቅየርን´ዩ እንተዘይገደደ
    ኣይትጽልእኒ ስለ ዝደጓርኩሕልኪ ኣግሂደ
    ተጸቢኺ ፣ ብተቓወምቲ ሕኔኺ ክፍደ
    ማይ ኣይትሕቆኒ ፣ ብእኒ ጨበል ዕደ
    ንተ።ሓ።ኤ ዘይጠቐሙ ውድቦም ስድር ዘይከደ
    ክትዖም ዘይውዳእ ዘየሕብር ብሓደ
    ዋላ ህግደፍ ፈራሪሱ ንቃጣር እንተኸደ
    ስልጣኑ ዝዓጅቦ ካብ መልኦ ዲያስፖራ ደገ
    መከራኺ ዘይርኣዮ፣ ፈታው፡ነብሱ ጁባ ዘራጎደ
    ሕንፍሽፍሽ ክፍጠር ይኽእልዩ ልቢ ስለ ዘይተዋሃሃደ
    ገበን ክበዝሕዩ፣ ስርዓት ጠፊኡ ምስ ተኻሓሓደ
    ቀለብ ኣልቦ፣ገንዘብ ኤርትራ ንባንክ ቻይና ስለ ዝተሰደ
    ሓቀኛ ሃገራዊ ዕርቂ፣እንተዘይተጌሩ ጊዜ ከይወሰደ
    ትምኒተይ ኣይኮነን ግን ኣሎ ብዙሕ ዝተኣጕደ
    ሓይጣትኪ ዝብኢ ኣይበልዖን ኤርትራዊት ኣደ ፦፦፦፦፦
    እሕ ክትብሊ ሓምሳ ዓመት ክኾኖ
    ናይ ሸፋቱ ውድብ፣ ንወድኺ ንሞት ዝኾኖኖ
    እቲ ንእሽተይ ወጻኢ ከይዱ ከይሰደልኪ ዘጠራቐሞ
    ኣብ ድፋዕ ከም ጊላ እናሸቀሉ ኣእሪጎሞ
    እታ ሓንቲ ጓልኪ ኮሮኔላት ድንግልንኣ ብሓይሊ ኣፍሪሶሞ
    ብደም ፍረታት፡ከርስኺ ህግደፍ ክጥዕሞ
    ንሶም ዝረብሑሉ፣ መብዛሕትኡ ሳንቲም ዝሓረሞ
    ሃገር ኢሎም መስሪቶም ዓቢ መጣልዒ CASINO !!!

    • MEHRETU HABTE February 28, 2013

      THe title of the above Super Poem is meant to be

      ሃገር ድዩ CASINO ?

      thanks

    • HGDEF March 1, 2013

      ግጥሚ Mehretu , Singapo Eritrean, Hmam Libi….. etc

      ሽሕ ግዜ እንተ በልካ ሕማም ልቢ
      ልብካ እሞ መኣስ ናትና ልቢ

      ኪድ እሞ ንመገዲ ከረን ቅድሚ ባልዋ
      ኣብኡ ኣላትካ ግርም ጽዋ
      ትውይዋይ መገዲ ስም ዘለዋ

      ሲንጋፖ ኤርትራዊ ዘብሀረ ኣክሱም
      ብዘይ ሻሉቅ ማሉቅ ድርግም ንገሽናሽም

      ትገምገም ነከለ
      ውርድ ጽንዓደግለ
      ትቅጽል ንባሕሪ ክሳብ ኢራፋይለ

      ከይትዛረብዶ እሞ ዘረባ ወሓለ
      ንሓድነት ህዝቢ ንሰላም ምዕባለ

      ዕረ ዝመልሕስካ ከም ሳጥናኤል
      ብእከይ ቅንኢ ከይደቀስካ ትሓድር

      ይኣዪ ክትፈላሊ ኣከለ ገሽናሽም
      ከይተረደኣካ ታሪክ ናይ ቀደም
      ሻሉቅ ማሉቅ ምኻኑ ናትና ደም

  • MEHRETU HABTE March 1, 2013

    RESPECTABLE HGDEF,

    ” ሻሉቅ ማሉቅ ምኻኑ ናትና ደም”

    I really love it. specialy the historical fact of faluq ,maluq….our brothers ” mereta sebene”in Akeleguzay. I truly love the poem ,I am not sure I deserve such an attention..but,..to go further to the origin of the true history you mentioned….. ንሕና ኩልና ፋሉቕን ማሉቕን ሻሉቕን ደቂ ንጉስ ሜሮን፣ደቂ ንጉስ ደምብያ ኢና።ጌጋ ይኽልኣለይ እምበር፣ ንጉስ ዜን እዩ ጎንደር ደምቢያ ዘምሓድር ዝነበረ ሓወቦና ድማ (ሓዉ ነቦና ንጉስ ዜን) ሓውዜን(ትግራይ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ኣምሓዳሪ ኔሩ። ብኡ እዩ ሓው*ዜን፨ሓውዜን ተባሂሉ እቲ ቦታ ።ምስ ኣሕዋትና መረታ ሰበነ መጺእና ንገሊኦም ኣብ መረታ ሰበነ ገዲፍና ንሕና ድምበዛን መጺእና። ድምበዛን ፣ዝተባህለ ብመሰረቱ ደምበዜን ማለት ፣ደምበ ናይ ንጉስ ዜን ማለት እዩ።ስለዚ ንሕና ድምበዛንን መረታ ሰበነን ኩሩዓት ዓጋመ ጥራይ ዘይኮንናስ ፣መኳንንቲ ጎንደሬ ኣምሓሩ ውን ኢና።ኣነ እኳ ንህዝብና ቀስ ኢለ እየ ክነግሮ ሓሲባ ኔረ።ምኽንያቱስ ዓጋመን ጎንደሬን ሒዝና ዲና ድኣ ኤርትራ ኢልና ንቃለስ ዘለና ከይብሉ ኢለ፣ግን ንስኻ ካብ ተሃወኽካ እቲ ምስጢር ክድርጉሖ ተገዲደ።ኣጆኻ ኣይንፋላለን ኢና ።ብጌጋ ተረዲእካኒ እምበር ኩልና ኩሩዓት ደቂ ስባጋዲስ ፣ኣቢሲናውያን፣ግንከ ኤርትራውያን ኢና።እምባሕ በል ህግደፍ።ፈላዪና ይፈለ።

  • germay March 2, 2013

    telamatn kedaatn hademtn nenhdhdom kwedadesu aymhrelomn eyu. wedo geba chenko geba hadami men arakebekum lomi. weyane eta nay tmali zegayeytkum.

POST A COMMENT