Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሪም

ሪም ፍሥሐየ መብራህቱ   ጥሉል ኦም ይዝንብል ኣብ እርጋኑ ዚወድቆ በዓል ነውራም ኣመል መንገዙ ይዓርቆ መንደላይ ኪወዛወዝ የማን ጸጋም ከም ሻምብቆ ቋና ተጠምጢሙ ሰኣን ዚጭፍልቖ ይትረፍ ንረኣዪ ንሰማዒ ይጨንቆ ንመሬት ዓደቦይ ኣነዶ ኪሓምቆ? ሃገር ንመን ቀሪባ ንመንከ ትርሕቆ ሪም የረማርም የብጽሕ ናብ ሕንቆ።   ቆጻር ዓጽመ-ሥጋ ካብ በልኩሞ መስፍናዊ

ሪም

ፍሥሐየ መብራህቱ

 

ጥሉል ኦም ይዝንብል ኣብ እርጋኑ ዚወድቆ
በዓል ነውራም ኣመል መንገዙ ይዓርቆ

መንደላይ ኪወዛወዝ
የማን ጸጋም ከም ሻምብቆ
ቋና ተጠምጢሙ ሰኣን ዚጭፍልቖ
ይትረፍ ንረኣዪ ንሰማዒ ይጨንቆ
ንመሬት ዓደቦይ ኣነዶ ኪሓምቆ?
ሃገር ንመን ቀሪባ ንመንከ ትርሕቆ

ሪም የረማርም የብጽሕ ናብ ሕንቆ።

 

ቆጻር ዓጽመ-ሥጋ

ካብ በልኩሞ መስፍናዊ ጽዋ
“ወያ እምኒኳ ሓመድ ሱር ዘለዋ
ንሓረግ ወለዶይ ንመን ክትህቡዋ?”

ወገኑ ዘቃልል ይኽተር ኣብ ጕዋ
ብፈላላይ ዓሌት ብባርያ ብጭዋ
“ኣታውን ወጻእን
ናይ ክልተ ዓንዴል ኣንጭዋ”

“ወዮ ሸራፍ ስኒ ኮይኑ መንፈስ ጽዋ
ሰባር ሳርማ ከምኡ መንፈስ ስዋ።”

 

እንዳባ ኪናበር ብባይቶ ብምኽሪ

ብሪም ኪመሓደር ብዕጫ ብቖጽሊ

ሃብታም ምስ ድኻ ብኃልዮ ብኽብሪ

ባህልና እምበር’ዩ ንቡር መናበሪ
እሾኽ ምድሪ ቤትና ባዕላትና ክንኣሊ
ሃየባ ንለዓል ብትብዓት ብነድሪ
“ንምድሪ ነይህቡላ ስድሪ!”
ጽሩይ ማይ ክንሰቲ ሩባና ኪዛሪ።

ክኢላ ኪመርሕ ብብቕዓት ብሃበባ

ከም ሳዕሪ ጸናዕቲ ኣብ ጊዜ ጸባባ

ጅግና በዓል ፋር ዘሳግር ኣብ ሩባ

ተኻፋልይ መዓት ከም ገዓት ከም ጸባ
ንቡር ምስ ሰኣነት ሃገር ተዓጊባ
ወያ ዓይኒ ማይና ገቢራ ሰበባ
ብኣታል ሹመኛ ኪኣትዋ ዓጸባ።

 

መኣስ ክርብሩ ጅግና ኣብ ምፍጻም ቅያ

መኣሰከ ይቐልል ኣብ ምጽብጻብ ሞያ

ዓዲምበር ጠፊኣ ብሻረይና ፍቕያ
ስልዖ ዘይጸሪ ተስፋ ኣፈሙያ
ኣብ ጓይላ ምሕዳረን እንታይ ከይዓያ

ቁምነገር  የቢሉን ብዘይ ተልእኾ ጕያ
ወራሲ መን  ሃገር ምስ ኮነት ጥራያ?

 

በቕሊ ኣይትስግር ብመውረራይ ቀይዲ

ፈረስዶ ይጋልብ ለጕምካ ብግዲ?

ብዕራይዶ ይሓርስ ብዘይ መጻምዲ?

እቶቱ ውሑድ’ዩ ደጋም ዘረባ ዓውዲ
እዝጊ ጸሊኡሎም ነባሮ’ዛ ዓዲ
ምርሓና ኢሎሞ ሓጻሪ መንገዲ
ኣቋራጫ’ያ ኢሉ ናብ ጸድፊ ወሳዲ።

 

ኃውካ ኣጓኒኻ ኣይትምከር ምስ ባዕዲ

ንድኹም ብጻይካ ኣይትግደፍ ኣብ መንገዲ

ቀናጺኻ ኢዩ ናትካ መዋልዲ

መማሞቕ ጐድንኻ ዘይጥሓስ ዕርዲ
ጊዜ ምስ “ሓሰመ ንኡ ክተናዲ”
ጸጸት ተጐልቢብካ ትብል “ዋይ ኣነ ግዲ!”

 

ንቡር ገዲፍካዶ ትኣቱ ኣብ ጽርዲ?
ሪም የረማርም ውሉድ ምስ ወላዲ

ብዘይ ባይቶን ዋዕላን እነይቀውም ዓዲ
ብዘይካ መሰረት እነይ ትከል ዓንዲ
ቅዋም ቀቢርካዶ ትህብ ዕውር ፍርዲ?
ሓሶት እንተ በልኩም ኣግብእ ብውርዲ!

ንበየን ብኣሬባ ናይ ወረዙት ፍርዲ
ቈጽሊ ዚዓሰሎ ሰምሃል ምስ ሮማዲ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Dawit January 29, 2015

    ንርስቲ ይዋጋአላ፡አንስቲ፡
    ሓቀኛ ቢሂል ካብ ቀደም ካብ ጥንቱ፡
    መሰሉ ተነፍገ ንሓቂ ሞጋቲ፡
    ጸረ ቶም ዓመጽቱ ጸረ ቶም ዓለቕቲ፡
    ዘይተ ዛራረገ ጹሩይ ማይ ክሰቲ፡

    መሰል እወ መሰል ደቂ ሰባት፡
    ናይ ተፎጥሮ ጸጋ ካብ አምላኽ፡ህያባት፡
    ስጋዊ ስስዕቲ ሩጉማት፡ እኩያት፡
    ድንብርጽ ዘይ ብሎም ናይ ዉጹዓት አውያት፡
    አብ ዓለም ክነብሩ ረሲዖም፡ሰማያት፡

    ግን ከ” ዉጹዕ ክወጽእ፡ካብ፡ዎጽዓ፡
    ንመከራ ሕሰም፡ክስዕራ ክረትዓ፡
    ብዓይኑ ክሪአ ብእዙኑ ዝሰምዓ፡
    ደበስ ንሑዙናት ደም ዝነብዓ፡
    ሃፈ”ጻማ ጻዕሩ ፍሬአ ክበልዓ፡
    ሓላል መስዋእትነት ጸረ ወጽዓ፡ሕድሪ ዝጠለሙ ካሓድያን መብጻዓ፡

    እወ”ብርሃን ኮይኑ፡ጸልማት፡ምስ አልገሰ፡
    ሩሑቕ ዝወፈረ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡
    ዝተ”ባታተነ ምስተጣያየሰ፡
    መሰል ምስ ዓሰለ፡ሕጊ፡ምስ፡ነገሰ፡
    ያታዊ ባህልና ምስ ዕቤት ግስጋሰ፡
    ምህርቱ ኡቶትና ካዕበት ክሕፈሰ፡

    ባይቶ ዓዶቦና ቆጽሊ ዘንበርናሉ፡
    ንልዕልና ሕጊ፡ህዝባዊ፡ጽላሉ፡
    ፍረ ኩቡር መሰዋእትነት፡ዝተኸፍለ ኹሉ፡
    ከበሳ መታሕት ኤርትራ ብኹሉ፡

    ሩሑቕ አይክኸውንን ዩ”ብርሃን ሓርነትና፡
    እንተ ተፋቒርና እንተ ተሳኒና፡
    ሓወይ ሓብተይ ብኑጹህ፡ልቦና፡
    ገበረኒ ክገብር ካብ ህልኽ ወጺና፡
    ጸላኢና ንፍለጥ ንሕቖፍ ፈታዊና፡
    ሽሻይና ክበዝሕ ክሕፈስ፡ዩ”ማና፡
    ብጹምዶ ንኺዶ ብቃንጃ፡አይ ሕረስን፡
    ይጽንሓለይ ይትረፍ፡አበይን መዓስን፡
    ዉሉድና ክዓቢ ዙሩእና ክስስን፡
    ኩቱር ጽምአት ሰላም ልብና፡ክቐስን፡
    ፍርያት ሓርነት ሓጎስን፡ሞጎስን
    ፍልልያትና ነጽብብ፡ብዘይ ጽልእን ባእስን፡
    ዳዊት ክፍለዝጊ
    ስሜን ኤሜሪካ፡

    ፍርያት ሓርነት፡ሓጎስን፡ሞጎስን
    ጎጉቡእና፡ንግበር ብሕልናን ነብስን፡

    ባይቶ ዓዶቦና ቆጽሊ ዘንበርናሉ፡
    ብልዕልና ሕጊ ህጽባዊ ጽላሉ፡

POST A COMMENT