Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሪፍት ቫሊ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ዝተባህለ ብብሕቲ ዝውነን ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ጨንፈር ከምዝኸፈተ ዘሓበሻ ዝተባህለ ናይ ኢትዮጵያ ማዕከን ማሕበራዊ መራኸቢ ሓቢሩ።

ሪፍት ቫሊ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ዝተባህለ ብብሕቲ ዝውነን፡ ኣብ ኢትዮጵያ 27 ጨናፍር ዘለዎ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ መበል 28 ጨንፈር ከምዝኸፈተ ዘሓበሻ ዝተባህለ ናይ ኢትዮጵያ ማዕከን ማሕበራዊ መራኸቢ ሓቢሩ። እቲ ኮለጅ ኣብዚ ዓመት `ዚ ኣብ ኣስመራ ትምህርቲ

ሪፍት ቫሊ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ዝተባህለ ብብሕቲ ዝውነን፡ ኣብ ኢትዮጵያ 27 ጨናፍር ዘለዎ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ መበል 28 ጨንፈር ከምዝኸፈተ ዘሓበሻ ዝተባህለ ናይ ኢትዮጵያ ማዕከን ማሕበራዊ መራኸቢ ሓቢሩ።

እቲ ኮለጅ ኣብዚ ዓመት `ዚ ኣብ ኣስመራ ትምህርቲ ክጅምር ምዃኑ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ሓደ ካብ ቀንዲ ወነንቲ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ፡ ዲንቁ ዲያሳ ዝተባህለ፡ ወናኒ NFYD PLC  ናይ ዝተባህለ ትካል ተወላዲ ኦሮሞ ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ኣዋሳ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን የእንገድቲ ካብ ዝነበሩ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንኤርትራውያን ኣጊዱ ንኢትዮጵያውያን ከፊቱዎ ኣብ ዘሎ ዕድል ወፍቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣብ ዓሰብን ባጽዕን ዓይኒ ኣውዲቑ ዘሎ ብዓል ሃብቲ ምዃኑ ምንጭታት ይሕብሩ።

ብዘይካ`ዚ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ `ውን ኣብ ኣስመራ ጨንፈር ክኸፍት ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝርርብ የካይድ ከምዘሎ እቲ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ይጠቅስ። እንተኾነ፡ እቲ ብሕልፊ ነቲ ንኤርትራዊ ብቕዓት ንምድርቋስ ዒላማ ንዝገበሮ ስርዓት ደርግ በዲሁ ክሳብ ናጽነት ዝጸንሐ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ካብ ዝፈርስ ሓያለ ዓመታት ከምዝገበረ ዘይፈለጠ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ ምሕዝነት ዝምድና ክምስርት ኣብ ዝርርብ ከምዘሎ እዩ ዘመልክት።

እንተኾነ፡ ኣብ ዑና ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ሪፍት ቫሊ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ናይ ኢትዮጵያ ከምኡ `ውን ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ቦታ ይወሃቦም ምህላዉ፡ እቲ ኢሳይያስ ንምብራዝ ኤርትራውያን ዝኣለሞ ውዲት፡ ህዝቢ ኤርትራ ክርድኦ ካብ ዝኽእል ፍጥነት ንላዕሊ ብስሉጥ ይፍጸም ምህላዉ ዝእምት እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ምስ ዝምስረታ፡ ከምቲ ናይ ግዜ ሃይለስላሰን ደርግን ኢትዮጵያውያን መማህራን ተማሃሮን ኣብ ኣስመራ ክምደቡ እዮም። ኤርትራውያን ድማ ከምኡ ኣብ ኢትዮጵያውያን ዪኒቨርሲታት ኢትዮጵያ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ድሮ ዶብ ከፊቱ ኤርትራውያን መንእሰያት ተጋሒጦም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝብተኑ ዝገበረ፡ ንኤርትራውያን ኣውፈርቲ ከልኪሉ ንኢትዮያውያን ኣወፍርቲ ዕድል ዝህብ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣነ እየ ኤርትራዊ ኢሉ ብገበኑ ክሓቶን ክቃወሞን ዝኽእል ሰብ ክሳብ ዘይህልወሉ ደረጃ መንነቱ ከጥፍኦ ንዝፍትን ዘሎ ኢሳይያስ ካብ ገበኑ ናይ ምሕባእ ዕድል ክፈጥረሉ እዩ።

ስለዚ ኤርትራውያን ፡ ነዚ ኩነታት ካብ ኢድ ኢሳይያስ መንዚኦኦም ንምቁጽጻር ህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይወሲዶም፡ ኤርትራ ካብ ክልል ንታሕቲ ወሪዳ ነበረ ክትከውን ከምእትኽእል እቲ ጽሑፍ ኣብ መንደቕ ተጻሒፉ ከምዘሎ ርኡይ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Simon G. September 27, 2018

    When the grand wizard DIA said Game over, it was for Eritreans. Most people thought it was for Woyane. Think again. He meant there will never be Eritrea as a country again.
    How can we be so stupid & cowards to be cheated and bullied by one lunatic cruel person?

  • Hagherawi September 27, 2018

    If things continue this way in few years Eritrea will be filled with people who speak our language but hate Eritrean identity and history.
    Iseyas is the same person we have known for close to half a century. He never felt he was a proud Eritrean. We helped him to be were he is now. His identity crisis is driving him to embrace anything Ethiopian. In the end he will pass as someone who killed the highest number of innocent Eritreans in history and sold their country to his country Ethiopia.
    Unless there is a violent change that may remove the regime, which is very unlikely now, the integration between the two countries will continue at the expense of Eritrean people. In few years from now we are going to be a minority in their own country.
    Don’t blame Iseyas, because he is doing it with our tacit consent.

  • Danilo September 27, 2018

    ወይ ጉድ!!!
    ብዓል ዓሳ ብጣፍ ክጥበር
    መርገም ድዩ ንቡር?
    ዕሸላት ከፊልካኸ ሓላል ድዩ ምድማር?

    እሰያስ ሹሉ እንታይ ግዱ
    ዒሉ ተውጥሑ ኣዋሳ ዚኣቱ
    ግድን እዩ ዕርበቱ።

    • Sol September 28, 2018

      ሰይኰታ ሰይኰታ ሰይኰታ
      ንዮኒቨርስቲ ኣስመራ ናብ ልቆታ
      ዮኒቨርስቲ ዓዲ ኣምሓራ ናብ ሸመታ
      እንታይ ዓይነት ጽልኢ `ዮ `ዚ ኣንታ

  • Genet Original September 28, 2018

    One thing is for sure, DIA”s days are numbered. what ever he is doing with Ethiopia will be nulled and void.

  • ከንቱ ሃገር September 28, 2018

    እዞም ደቂ እዛ ኸልቢ ኣእዱግ ኣምሓሩ ቅድሚ ሕጂ ብገንዘቦም ኣምሂሮም ዘጸለሉና ከይኣክልሲ ሕጂ ድማ ዩኒቨርሲቲ ከኸፍቱ . ንሕና በረኻ ወጺእና ንዘይ ረብሕ መስዋእቲ ኢና ሙማት ንፈቱ እንተበልናክንሲ ምስማዕ ኣቢኽን ?ጽንሕነ በላ እንደገና 30 ዓመታት ድሙ ድሙ እንዳሰተና ተቓሊስና ክንድንቁር ኢና ! ኤርትራዊ ከይተማህረ ምሁር ዩ ንሕና ንደሊ ደምና ንብላሽ ምኽዓውዩ እንተበልናዮም ኣይሰምዑናን ! ኣምሓሩኦመሰ ወያነኦም ኦሮሞኦም ንህዝቢ ኤርትራ ኣገዲድካ ምምሃር ኢኽን ተታሓሒዝክንኦ ! ብሓይሊ ተማሂርና ማለት ሰሌዳ መሊሳ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ኣይትኣቱንያ ማለት !
    ጂሃዳዊ ጀብሃዊ ቃልስን ኣረሜናዊ ብድሙድሙ ደቀንስትዮ እናዓመጸ ዝተዓወተ ቓልስና ብትምህርቲ ኢትዮጵያውያን ኣይቅልበስን እዩ !

    • Hagherawi September 28, 2018

      Ayte Siye

      You like to make fun of our problems.
      You cannot hide your hatred for Eritrea.
      This too will pass. We will prevail.

  • ከንቱ ሃገር September 28, 2018

    ህዝቢ ኤርትራ ብዘይረብሕ መስዋእቲ እምበር ብመግብን ጥዕናን ብልጽግናን ትምህርትን ሰላምን ዝዕሾ ኣይኮነን ከም ዓጋመን ኣምሓሩን !

    • Hagherawi September 28, 2018

      Ayte ከንቱ

      Stop it !!!

  • Sol September 28, 2018

    ብሕብረተሰብኣዊ ሕማም ዝሳቀ ዘሎ ጸይቀ ግኑን ኤሰያስ ኣሹንኳይ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ክሉ ህዝቢ ከም ፍኑው ጸላኢ ተጋሊጽሉ ዘሎ ግዜ ኣያኮነን ትማሊ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኤረትራዊ ብገርሁ እንከሎ ንምሉእ ነጻነት ክዕንቅፎ ኣይከኣለን።
    ኤርትራ ብኤሰያስን ንዕኡ ዝኣመሰሉን ብሕብረተሰብኣዊ ሕማም ዝሳቀዩን ናይ መንነት ዘለዎምን ዘበት ከንቱ ሃገር ኣይትኸውንን እያ።

  • Sol September 28, 2018

    Read as…… ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም…..

  • Genet Original September 28, 2018

    I am convinced from now on DIA and his family only will be afraid of bodily harm to them. Nothing is going to scare them and for them to run out of our country. Talking or writhing a book is not going to work any longer. A snake doesn’t understand love or care. As the saying goes, ” you knew i was a snake, before you brought me home”
    we need some action that hurt DIA and his family a whole lot. To use his word, game over for him and his family in Eritrea. My advice for any Eritrean is that anyone who comes near you and try to take you away or harm you defend yourself with anything you have. No more taken by anyone. Just fight back.

    • Gezae September 29, 2018

      Take a bold action for your self. You Coward and a Bullshitter

      • Genet Original October 1, 2018

        Get near me and I will scratch your eye balls out. Then you will be not only mentally blind, but physically blind. Then DIA will discard you in to the duct bin.

        • Simon G. October 1, 2018

          Forgive my french but I am start to question of people like Tegezae have any balls left (or ever had to begin with).
          I have nothing else to explain for their unprincipled low life.

  • ከንቱ ሃገር September 29, 2018

    ነጊርናያቶም ኔርና ከንቱ ሃገር
    ጅማሬኡ ጂሃዳዋ ነገር
    ግብጺ ዘኹቡዓቶ ናይ ጀበርቲ ኣበር
    ሓበሻ ኾይኑ ሎሚ ብወዲ ኣፌ ጀምበር
    ፋልሶ መስዋእቲ ኮይኑ ነበር
    ተቓዋማይ ጋሕ በል ኢትዮጵያና ቶንበር

    • Sol September 29, 2018

      ኣጆኻ ቀሪብካ ኢኻ ኢትዬጵያኻ ኽትከይድ ኣብኣ ደኣ ኦሮሞ ዓጋመ ኢሎም ከይሓርዱኻ

Post a Reply to Gezae Cancel Reply