Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርሑስ መበል 27 በዓል ልደት ፍቕርቲ ሃገረይ

ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)   ኣብዚ መበል 27 ዓመት ልደትኪ ነብዕለሉ ዕለት፥ ብዙሕ ክብል ምደለኹ ግን ከጽብቦ። “ርሑስ በዓል ልደት ብምባል ከ ዘይጅምሮ። እቶም ድቅኺ ናብ ንቡር ጥንሲ ከይበጽሕ  ዝተማወቱ፡ ምስ ምውላድኪ መይቶም። ታተ ኢልኪ ኣብ ዝተበገስክሉ

ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)

 

ኣብዚ መበል 27 ዓመት ልደትኪ ነብዕለሉ ዕለት፥ ብዙሕ ክብል ምደለኹ ግን ከጽብቦ። “ርሑስ በዓል ልደት ብምባል ከ ዘይጅምሮ። እቶም ድቅኺ ናብ ንቡር ጥንሲ ከይበጽሕ  ዝተማወቱ፡ ምስ ምውላድኪ መይቶም። ታተ ኢልኪ ኣብ ዝተበገስክሉ ብርክኺ ቐርሲሞም ከረማስሱኺ ዝሃቀኑ፡ ሎሚ ብርኮም ይጠልሞም ኣሎ። ከጽምወክን ክጽልምተክን ዝተፋለሙ፡ ሎሚ ጸላም ይሽቦም ኣሎ። ናብ ደገ ከሕድሩኽን ንቑሪ ከሳጥሑክን ዝተጋደሉ፡ ሎሚ ጸግዒ ይደልዩ ኣለዉ። የቛርሮም ኣሎ። ንስኺ ግን፡ ምስ ኩሉ ናይ ውሽጥን ግዳምን ተጻብኦታት ገና ኣይሞትክን፡ ኣይተበታተንክን። ንስኺ ኮይንኪ እምበር፡ ብመንጽር ናይ’ቲ ዘጋጥመኪ ዘሎ ጸቕጥን ምጭንናቕን ቀደም ወይ ምጠፍኣኺ፡ ወይ ከኣ ኢድኪ ምሃብኪ።

 

ናይ ሎሚ ጽሑፍ ካብቲ ዓጺቕ ፖለቲካ ወጺኡ፡ ናብ ዋዛ ምስ-ቁም ነገር ዘዝበለ እዩ። ቅሩብ ፍኹስ ክብለና እስኪ ነዕልል ንቀራረብ።  ብምክብባር ንዘራረብ፡ ንዛተ፡ ንከራኸር፡ ንጋባእ—ከይተዛረብናን ከይተራኸብናን ህሉዊ ብደሆታትና ኣለሊና ናብ ሓባራዊ መረዳእታ ክንዓልብ ኣይንኽእልን። ሓባራዊ መረዳእታ ክሳብ ዘይሃለወ ድማ ሓባራዊ ፍታሕ ክመጽእ ኣይክእልን። ክፈላልዩናን ከናቑቱናን ዝደልዩ ሓይልታት ብዙሓት እዮም። ዝተፈላለየ ሕብርታትን ጭርሖታትን ይህልዉዎም ይኾኑ። ግን ሓንቲ ዝፈልጥዋ ኣላ። ንሳ ድማ ሓያል ዜጋ (empowered citizen) እንተተራኺቡ፡  ካብቲ ናይ ደላልነት ስራሕ ክወጹ ስለዝኽእሉ፥ ሓጹራት እንዳገበሩ ከምዘይንራኸብን ንረዳዳእን ይገብሩ ኣለዉ። ወላ ነቲ እንወስዶ ስጉምታት ቅኑዕ ድዩ ገጋ ከይንግምግም ቅሩብ ዕረፍቲ ዝበሃል ከሊኦምና፡ ልብና ክሳብ ዝሓብጥ የጋልቡና ኣለዉ።

 

ተመራመር፡ ወናኒ ናይ ገዛእ ርእስኻ ውሳኔ ኩን። ዝገብሮ ዝፈልጥን ወናኒ ውሳነኡ ዝኾነ ሓያል ዜጋ ጥራይ እዩ ነባሪ ምሕዝነታት ክገብር ዝኽእል። ኣብ ሸፈጥን ምትላልን ጸቢብነትን ዝተመርኮሰ ጎስጓሳት ኩሉ ግዜ እንዳ ሓደረ ፈርኮሽኮሽ ከምዝብል ዝሓለፈ ተመክሮ መምህር እዩ።

 

ገድሊ ኤርትራ ንሰብኣዊ ሓርነት እዩ ነቒሉ። ናጽነትን ባንደራን ንርእሶም ፍታሕ ናይ ኩሉ ኣይኮኑን። ግን ዜጋታት ናብቲ ዝቕጽል መስርሕ ሃገራዊ ህንጸት ከተኩሪ በሪ ዝኸፍት እዩ።  በዓል ናጽነት ነቲ ዝቐርብን ነቲ ካእ ዝርሕቕን ክኸውን የብሉን። ኣዳለውቲ በዓላት ነዚ ኣብ ግምት ክተእትዉ እምሕጸን። ወላ ‘ኳ ዝፈላሊ ፖለቲካዊ ርኢቶታት ይሃልወና- ንሱ እውን ባህርያዊ እዩ- ኣብ መወዳእታ ኩላትና ኤርትራውያን ኢና። በዓል ናጽነት ሕሉፍ ንዝክረሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ዕላማታት ናጽነት ኣበይ ኣለናን እንታይ ክንገብር ኣለናን ዝብሉ ሕቶታት ክነልዕል ዕድል ይኸፍተና። ብጽሞናን በብወልቅናን፡  ምስ ጀጋኑ ስዉኣትና እንራኸበሉን ነቐፈታና ኣነልዕለሉን ኣጋጣሚ እዩ። ርሑስ በዓል ናጽነት። ካብዚ ቀጺሉ ገለ ዝኽርታት—ዋዛ ምስ ቁምነገር—ደርደሻ—-

Xxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxx

 

ገለ ካብ ጦብላሕታታት ጉዕዞ ንናጽነትብደርፍታት

 

ቀደም ‘ኳ ወዲ ሻውል “ነጊርናዮም ነይርና። ስኖም ስኒ ኣደይ መዘንግዕ ይግበሮ” በለ። እዚ ደድሕሪ ምድምሳስ ተሰነይን ውቃው እዝን ኣብ ከባቢ 1984-85 ኣብ ሓንቲ ድራማዊት ደርፊ ዝበሎ እዩ። ሓደ ፍትሓዊ ዕላማ ዘለዎ ህዝባዊ ሰውራ ዝደርበኻ ደርብየሉ፡ ክብን ለጠቕን ደኣ ክብል ይኽእል እምበር ብፍጹም ክትድምስሶ ከምዘይከኣል “ተነጊርክም ነይሩ፡  ሾኡ ግን ካርካር ኢልኩም ስሒቕኩም። እንሆ ድማ እቲ ሓቂ ይምስክሮ ኣሎ። ሰራዊትክምን እዝታትክምን ሕምትልትልን ነብሎ ኣለና። ዕላማ ኣለና። ንሱ ከኣ ናጻ ኤርትራ ምምስራት እዩ።  ናይ ውግእን ምቅትታልን ድሌት የብልናን። ስዩም ምባል ግን ኣይናትናን እዩ” ንምባል እዩ።

ኣቐዲሙ ግን ተስፋይ ፍሒራ እውን ምዒድዎም ነይሩ። ደድሕሪ ምፍሻል ሻድሻይ ወራር “ናይ ሶማሊያ ናይ ካራ-ማራ ዓወት ዳግም ኣብ ኤርትራ ኣይተፈጸመን” ኢልዎም ኣብታ ናይ ሽዑ ህብብቲ ዝነበረት  “ጉድ እምበር ተገይሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍራቃ” እትብል ደርፉ። ከምዝመስለኒ፥ ፍሒራ ነታ ደርፊ ከውጽእ ዝቐስቐሶ ሓሳብ እቲ ደርጊ “ሁሉ ወደ ስሜን ጦር ግንባር፡ በካራማራ የደረገ ድል በሰሜን (ኤርትራ) ይደገማል” ኢሉ ኣማእት ኣሽሓት ሰራዊትን ሓጺነመጺንን ናብ ሳሕል ምስ ጓረተ እዩ። ኣብቲ ፍሒራ ነታ ደርፊ ዘውጸኣሉ እዋን፡ ድሮ ዓበይቲ 6 ወራራት ተረኹሚሾም ነይሮም።

 

ቅድሚ እዚ ግን ኣብ ግዜ ምዝላቕ፡ ደድሕሪ እቲ ወሳኒ ግጥምያ ናይ ማዕሚደ፥  ከዲጃ ኣድማይ “ኤርትርያ ባባ፡ ደርጊ ኢነብራ እምበላ ሸባባ” ኢላ ነይራ። ኤርትራ ንደቃ ኣምበር ንደርጊ ኣይኮነትን ንማለት እዩ። ባባ ዝበለቶ ድማ ነቲ ባባ ዝኾነ ቀይሕ-ባሕሪ እዩ።

ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ፥ ኣብ ባርካ፡ ክልተ ጽቡቓት ተጋደልቲ ክሳብ ሕጂ ክሰምዓ ስምዒታተይ ኣትቕስቅስ ደርፊ ደሪፈን ነይረን። ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኣየን ነይረን። ኣታ ደርፊ  ኣብ ቃልዕን ኣብ ተራ ካሰት ዝተመልአት ኮይና “ዓሽ [ጸባ ስተያ]” ዝብሉ ሰባት ይስምዑላ። ኣብ መንጎ እውን ናይ ምትብባዕ ቶኽሲ ኣለዋ።  ክልተአን ብሓባር (in harmony) ብትግራይት ንናጽነት ክደርፋ ይስመዓ። ግን ናጽነት ኣየርከባን። ኣብ ተሰነይ ብነፈርቲ ከምዝተሰወኣ ፈሊጠ።

 

ብተመሳሳሊ (እዚ ኣውን ኣብ ተሓኤ ምዃኑ እዩ)፡ ክልተ ክሳብ ሎሚ ምልክት ወይ ኣርማ ናይ ባሕቲ  መስከረም ዝኾና ናይ ማርሺን መዛሙር ወጺአንስ ብጉጅለ ባህሊ ጀብሃ ይድረፋ  ነይረን። እታ ሓንቲ “ ባሕቲ መስከረም ታሪኻዊት ዕለት፡ ሰውራና ኣዊጃ ጸላኢ ክህረም” ትብል መስለኒ፣ እታ ካልኣይቲ ድማ ግጥማ ኢብራሂም ቶቲል ዝጸሓፎ ብዓረብ ኮይና ክሳብ ሎሚ ስግር ኤርትራ ከይተረፈ ኣድናቖት ዝረኸበት ኣያ። ሓጺር ትሕዝቶኣ፡ ገድልና ንሚልዮናት ጭኩናት ንምሕራር ዝተበገሰ ምንባሩን እቶም ጭኩናት ኣካላት ናይ’ቲ ሕ/ሰብ ብኩሉ መዳዮም ዝተጸንበርዎ ምንባሩን ሓድሽን ርሁውን ወጋሕታ ክዉን ንምግባር ኢደይ-ኢድካ ኢሎም ከምተላዕሉ  እያ ተዘኻክኽር። ሓያል ግጥምን ዜማን ዘለዋን ብምሩጽ ደራፋይ ዝቐረበት ስለዝኾነት (ሕሴን መ/ዓሊ ኣዩ መስለኒ)፡ ካብ ዝኽርታት ሰማዕቲ ከምዘይትሃጥም ርግጸኛ ኣየ።

ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ህዝባዊ ሓይልታት ዘቖሞ ጉጅለ ባህሊ ነይሩ። እድሪስ መ/ዓሊ ዘይሃስስ ደርፍታት ዝደረፈሉ ግዜ እዩ።

  • ኢትጃምም ዕንታቸ ዎ ኢትብከ ተኣቀብሎ ዓድካ ሰብር ውደ (ኣይትቖዝም ኣዕንተይ፡ ዓቕሊ ጥራይ ግበር፡ ዓድኻ ክትምለስ ኢኻ)
  • ሕደጉኒ፡ ሕደጉኒ ምስል ሓውየ ልሓይሰኒ—( ግደፉኒ ኢኹም፡ ምስ ኣሕዋተይ ይሕሸኒ)፡ ገለ ካብ ግጥምታታ፣ ይሕመቕ ይጸብቕ ምስ ኣሕዋተይ ይሕሸኒ፥ ዓራተይ (ዝድቅሰሉ) ኮርኳሕ ጎቦ እዩ፡ ሓደ ነጻላ ድማ ይኣኽለኒ፡ እቲ ፍርቁ እንጸፎ፡ ፍርቁ ድማ ይኸድነኒ—ጥራይ ሕደጉኒ፡ ምስ ኣሕዋተይ ይሕሸኒ—-ኢሉ ደሪፉ። ሕደጉኒ፡ ገልታዕታዕን ጸገምን ክጸሮ እየ ምእንቲ ናጽነት ኢሉ። ሎሚ፡ ተመሊስካ ክትሓስበሉን ክትመራመረሉን ዘገድድ ኩነታት እዩ።

 

ኩሉ እቲ መስገደል ናብ ምጥንቓቕ ኣብ ዝበጽሓሉን ጩራ ተስፋ እንዳ ዓኾዀ ኣብ ዝኸደሉ፥ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት፡ ወዲ ዛግር “ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ ኢሉ ኣዊጁ።  ኣሕመድ መሓመድ (ወድ ሼኽ) ድማ ምስጢር ምዕቃብ ከቢድዎ ግዲ፡  “ባቡራየ ኣሴራራ ፍንገ ባጽዕ ዎ ኣስመራ” ኢሉ ንናይ ሁለተኛ ኣብዮታዊ ሰራዊት (ሁ.ኣ.ሰ) ኣዛዚ፡ ንጀነራል ሑሴን ኣሕመድ፡ እቲ ዝቕጽል መኣዝን መጥቃዕቲ ናይ ህዝባዊ ሰራዊት በየን ከም ዝኸውን ነጊርዎ ነይሩ። እዚ ደድሕሪ ምድምሳስ ናደው እዝን ምርብራብ ግንባር ከረንን ምዃኑ ኣዩ። ጀነራል ሑሰ ኣህመድ ግን ልቡ ኣብቲ ንሱ ዝእዝዞ ዝነበረ ብ1984 ዝተደምሰሰ ግንባር ውቃው ኣዝ ምስቲ ምክትሉ ዝነበረ ኮሎነል ግዳ ተማሪኻ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ናይ ጀነራል ውቃበ ኣይነበሮን። ሸለብገለብ ክብል እዩ ዝረአ ዝነበረ። ንወዲ ሼኽ ዘይምስምዑ ንምጽዋዕ ከምዝኸስር ገይርዎ። ምኽንያቱ ደድሕሪ መጠንቀቕታ ወዲ ሼኽ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ነቲ ኣብ ሰምሃር ዝነበረ ሰራዊት መግዛኣቲ ፈንቂሉ ንባጽዕ ሓረረ።  ኣብ ግንባር ግንዳዕ ኣብ ምትሕንናቕ ኣትዩ። [ምናልባት ነቲ ናይ ትግረ ግጥሚ ዘይተረደኦ እውን ክከውን ይኽእል። እቶም ትግራይት ክትርግሙሉ ዝኽእሉ ናይ ቆላማ መራሕቲ እግረይ-ኣውጻኒ ንስክላ ኣምሊጦም፡ ገሊኦም ድማ ተወቲቶም ናብ ሳሕል ተወሲዶም ነይሮም ይበሃል። OK. ኩሉ ብይበሃል ነይሩ እዩ ዝትረኽ። እቲ ዋና ትግራይት ቋንቋ ዝኮነ ሙሰ በኺት ኣቀዲሙ ካብ ደርጊ ተፈልዩ ነበረ። ስለ’ዚ፡ ኣቲ ጀነራል ኣዚታትን ጭንቅን መስተን ውሽምናን (ኣስተቅፉርላህ፡ ሮመዳን ኣዩ) ተደማሚርዎ፡ ሻባይ በየን ከምዝሸብብ ክፈልጥ ኣይከኣኣለን። ኣምበር ኣብ ግዜ ሆይ-ሆይታን “ኣረገዳይን” ንፉዕ ጀነራል ነይሩ ይበሃል።

ብዝኾነ፥ ናይ ክ/ሰራዊት 70 ባህሊ፡ ኣልኣዛር (ጀሪ) ፥ፈንቅል ኢሎምኻየ፡ ፈንቅል ኣባ ዳህሪ” ኢሉ ደሪፉ።

 

ከመይ ከ ዘይግበኦም? እንዳ ሰብዓ፡ ርእሲ ምድሪ ንምሓዝ፡  ካብቶም ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱን ብዙሕ መስዋእትን ዝኸፈሉን ነበሩ። ኣኽሊሉ ፎቶ (ተፈኖ) ነታ “ብርኪ ሊሎ” ትብል ነባሪትን ቀስቓሲትን ደርፉ እውን ሽዑ ደሪፉዋ።  ኣታ ወዲ ፈራዳይን ጽገን ዝገበርዋ ኣስሓቒት ድራማ ነታ ደርፊ ኣድሚቕእታ። ናይ ፍጹም ወዲ ዛግር ናይ ጊታር መኣተውን ሶሎን (intro &solo) ኣውን መሳቲ ነይሩ። ስዒድ ዓብደላ እውን ኣይሓመቐን። ሓሊብ ስተ እተብል “ባጽዕ” ዝተሰምየት ደርፊ ብትግራይት ፈንዩ። “ሻምየ ብታ እላ ኩሉ ልትሰፍለላ፡ ኣርሑ ምና ገበይ ስላም ‘ግል ኢበላ” ማለት “ተኣለ’ስከ ነዛ ፍቅረይ ሰላም ክብላ” ኢሉ ደሪፉላ ንባጽዕ።

 

ንፋስ ሓርነት ቅሩብ ሓይሊ ክውስኽ ተራእየ። ሽታ መሮሮ ኣውን መኣዛ ወሰኸ። ጠሊ ነይሩ ይመስለኒ፡ ጤለ በዱን ኣራዊት በረኻን ከይተረፉ ምስጋና ክህቡ ጀሚሮም። ኣብ ወጻኢ ነጋሪት ተሰምዐ፡ ዓለም እዝና ክትኩኪዕ ጀሚራ።  እቲ ንኤርትራውያን ንዓስርተታት ዓመታት ዓፊኑ ዝነበረ ጽምዋ ክስበር፥ ኣዕኑድ መግዛእቲ በብኩርንዑ ረማዕማዕ ክብሉ፥ ኣደታትን ሰብ-ቃልኪዳን ነቶም ዓመታት ዝተፈልይዎም ደቆምን መቕርቦምን ክረኽቡ ተሃንጠዩ። ግንባር ግንዳዕ ግን ሽታ ባሩድን ሞትን ዓብሊኹዎ ነይሩ።

 

ህዝባዊ ሰራዊት ነቲ ብጎሮርኡ ዝሓነቖ ሰራዊት መግዛኣቲ ትንፋስ ከይህብ፡  ናይ ጀነራል ሑሰን ኣሕመድ ሁ.ኣ.ሰ. ድማ ነቲ መሸንቆቓ ከዝልቕ መሪር ጥምጥም ተገብረ። ሽዑ ናይ ኩሉ ሕቶ ዝነበረ፡ ካብዚ ኸ ናበይን በየንን ዝብል ነበረ። ደሓን ይእተዉ ኣባላት ክ/ሰራዊት 16 ሓሳብ መጸቶም። ንሳ ድማ “ሰንበል” ትብል ነበረት።

“ኣሃ” በለ ወዲ ኤፍረም፡ ናይ ሽዑ ሓላፊ ጠቕላሊ ስታፍ ህ.ግ። እቲ ሓሳብ ምስ ኣሰላሰለ ክኸውን ከምዝኽል ተሰወጦ ይበሃል። ክራር ክጻወት ደርፍታት ከውጽእን ቐንጠብጠብ ክብል ከምዝጀመረ እውን ፈሊጠ ኣለኹ። ምናልባት ካብ ምስ ወተሃደራዊ ጸብጻባትን ካርታታትን ስታስቲክስን ምውዓል ንደረፍቲ ምውካስ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ መጺኡዎ ክኸውን ይኽእል። “ለካስ ጀነራት እውን እንሓንሳብ ሓድሽ ሓሳባት ካብ ተራ ደርፊ ይረኽቡ እዮም”  ተገረመ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ። ብዝኾነ ወዲ ኤፍረም ንወዲ ኣፎም ተወከሶ ይበሃል (ተውሳኺተይ ነይረዮ ድየ)።

 

“ ኣንታ ወዲ-ኣፎም፡ እዞም ነግራማት ኣባላት ባህሊ ክ/ሰራዊት 16፡ ብሰንበል ይሓይሽ እምበር ይብሉ ኣለዉ” በለ ወዲ ኤፍረም።

“  እቲ ሊንጎ ድዩ ኣምጺእዎ እቲ ሓሳብ” ሓተተ ወዲ ኣፎም።

“ እወ ካብታ ንሱ ዝመርሓ  ጉጅለ ባህሊ እያ እታ ሓሳብ መጺኣ” መለሰ፡ ወዲ ኤፍረም ጎረርኡ እንዳ ኣጽረየ።

“ ደሓን ረኣዮ’ሞ ዝኸውን እንተኾይኑ ጽቡቕ” በለ። ኣስዒቡ “ሎሚ ለይቲ ሕልሚ ተራእዩኒ። ከመይ ምዃኑ ኣይነጸረለይን ግን እዚ ሊንጎ ትብሎ፡ ኣኽቢቦምኒ ካብ ዝነበሩ ኣዛብእ ኣትዒቱ ከውጸኣኒ ከሎ ተራኣየኒ” በለ። ወዲ ኤፍረም ብዙሕ ኣይደፍኣላን እታ ነጥቢ። ኣይቀጸሎን ኣቲ ዕላል። ብዝኾነ ብዛዕባ ሰንበል ክሓስብ ሓደረ። ኣብታ ክራሩ እውን ነታ ደርፊ ክጻወታ ሓደረ። ናይ ማርክስነት ማሕበራዊ መጻሕፍቲ ካብ ዝገድፍ መቸም ነዊ ገይሩ ነይሩ። ናይ ጃፕ (ቬትናም) ናይ ቻይና ወተሃደራውያን መራሕትን፡ ብፍላይ ከኣ  መጽሓፍ ናይቲ ውሩይ ጥንታዊ ቻይናዊ ወተሃደራዊ ሊቕ ሱን ትዙ ሸምዲድዎ ነይሩ ይበሃል። ሰንበል ትብል ደርፊ ክለማመድ ኣምስዩ፥ ኣብ መወዳኣታ ሓደ-ክልተ ገመድ ምስ ተበትካ ናብ ድቃሱ ኣበለ።

 

ንጽባሒቱ መርሃዊ ብሰንበል ኣቢሉ ደበኽ በለ። ህዝቢ ኣስመራ ከምቲ ግዚኡ ሓልዩ ዝትኮስ ፈንጂ፡ ብሓደ ህሞት ንጎደናታት ከተምኡ ኣዕለቕለቖ። መርሃዊ ደኺሙን ተቛሲሉን ነበረ፡ ግን  ከዕርፍ ከይበለ ነቲ ናብ ሰሜን ዝተፈርሸሐ ውሒዝ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ክዓግት ተጓየየ። ወዲ ዛግር ግን ቅሩብ ግዜ ረኺቡ፥ “ መርሃዊ ረኺባ ዓባይ ኣስመራ” እትብል ዜምኡ ጆባእ በለና። ክሳብ ዕለት ሎሚ ድማ ንደርፋን ንሰምዓን ኣለና። ርሑስ በዓል ልደት ኤርትራ።
contact me at: sheideli95@gmail.com

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

<script src=”https://apis.google.com/js/platform.js”></script>
<div class=”g-ytsubscribe” data-channelid=”UCMKaCcIDaPJc7ELfP75UeYA” data-layout=”full” data-count=”hidden”></div>

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Sol May 21, 2018

    Happy independence day, Mahmud, why are you stabbing its shadow while you see the Elephant in the room.

  • meretse May 21, 2018

    ሪኢቶ ንጽሑፍ ማሕሙድ ሳልሕ
    መጅመርያ — “የቀኒየልና ሓላይ” – – – – –
    ሓደ ኣያና ዝኮነና “ዑስማን ሲዒድ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ “ዘገርም ዘረባ” ከሰምዕ እንከሎ ሓንቲ ዘውጽኣ ላካ ነይራቶ። ንሳ ከኣ “ወይ ኣንታ ረቢ” ትብል ኢያ ኔራ። ኣነ’ውን ንሎሚ ላክኡ ተለቂሐ “ወይ ኣንታ ረቢ” ኢለ ክጻናሕ ሓርየ ኣሎኹ።
    ብዝኮነ ነቶም ትርጉም ናይ “የቀኒየልና ሓላይ” ዘይትፈልጥዋ — ክልተ ትርጉም ኢዩ ዘሎዋ። ቀዳማይ ትርጕማ ከም ድምጻ (ንቡር ትርጕማ) ክከውን እንከሎ፣ በቲ ካልኣይ ገጻ ግን “ስራሕኩም ዝኮነ ሪኢናዮ ኣሎና ኢያ” ( Thank You, But Not Thank You) ከም ማለት

  • k.tewolde May 21, 2018

    Exuberant writer,I don’t know where you scribbled this article,for sure it is not from Medeber.If you are happy and feel independent good for you,but don’t insult the kid who is washing his close on the beaches of Mediterranean sea and the one sleeping in a deserted alley in Italy or worse those who are suffering in suffocating containers and underground dungeons,have you ever asked them how they feel about Independence? what do you think those who gave us everything they have and paid the ultimate price say if they were given a chance about the current state of the nation they died for? A prudent Eritrean who feels deeply for his/her people would’t be ecstatic to go out and party like it is 1999,however since you live in the west and you feel the need,who am I…………for me this day is reminiscent of the unfulfilled dream of those precious souls who I left behind in shallow graves. Do you feel me Mr.Mahmud Saleh? Can you empathize with this sentiment of former liberation fighter?…

  • Sol May 21, 2018

    Mahmoud is blaming the opposition in general for the ethno religious and regional polarization of Eritreans as if the outlaw regime is innocent from that. The absence of equality, justice and freedom is root cause of our problems and the mafia regime is the main factor of the absence. Eritrea after independence is being ruled by a single and socially sick dictator and he is responsible for all its problems with its neighbors and the world.

    • amanuel May 22, 2018

      Right on. We will celebrate when we regain our dignity and freedom. Independence with out freedom is nothing. We can not celebrate nothing.

  • meretse May 21, 2018

    1. እቶም ድቅኺ ናብ ንቡር ጥንሲ ከይበጽሕ ዝተማወቱ፡ ምስ ምውላድኪ መይቶም።
    2. ታተ ኢልኪ ኣብ ዝተበገስክሉ ብርክኺ ቐርሲሞም ከረማስሱኺ ዝሃቀኑ፡ ሎሚ ብርኮም ይጠልሞም ኣሎ።
    3. ከጽምወክን ክጽልምተክን ዝተፋለሙ፡ ሎሚ ጸላም ይሽቦም ኣሎ።
    4. ብ ደገ ከሕድሩኽን ንቑሪ ከሳጥሑክን ዝተጋደሉ፡ ሎሚ ጸግዒ ይደልዩ ኣለዉ።
    5. የቛርሮም ኣሎ
    6. ንስኺ ግን፡ ምስ ኩሉ ናይ ውሽጥን ግዳምን ተጻብኦታት ገና ኣይሞትክን፡ ኣይተበታተንክን።
    7. ንስኺ ኮይንኪ እምበር፡ ብመንጽር ናይ’ቲ ዘጋጥመኪ ዘሎ ጸቕጥን ምጭንናቕን ቀደም ወይ ምጠፍኣኺ፡ ወይ ከኣ ኢድኪ ምሃብኪ።
    ዝከበርኩም ኣንበብቲ ነዘን ሽዱሽተ ሙልእ ሓሳባት ሻውዔይተን ሓረግ ከመይ ተሰሪዔን ዘይኮነስ ንምንታይ ከምዝተሓረያ’ሞ ኣስተባህሉ። እስኪ ብቀዳመይቲ ንጀመር ። እዛ ምልእቲ ሓሳብ እዚ ንኩሉ ዘበገሰት ድቂ ሓሳቡ (ጥንሰ ሓሳቡ) ኢያ። እዛ ሓሳብ እዚኣ ንበይና መዕረፊ ዝረከበት ሓሳብ ኢያ። ማለት እቲ ድቒ ኣብ ዝብጻሕ (ኣብ ምውላድ) ከይበጽሐ ኣብ ከብዲ እንከሎ ከይዱ። እዚኦም መንዮም? ግምት ኣሎና ግን ግምት ከይንጋገ “እግዝኣብሔር ይፈልጥ” “ኣላህ ያዕለም” ኢልና ክንሓልፎ፡ ክሳብ ባዕሉ ዝፍትጎ
    2. ካብ ቁጽሪ ክልተ (2) ንደሓር ተሰሪዐን ዘሎዋ ሙሉእ ሓሳባት ኤረትራ ዘጋጠማ መከተ ብህዝብን/ ውልቀሰባትን/ተቃለስቲ ነበርን/ጎረባብትን/ሓያላን መንግስታት ማዕዶን ይተናክፍ። ማህሙድ ዝተጠቀመሉ ሜላ ግን “ኦም መላእ ፡ጕንዲ ኦም መላእ” ኢዩ። ማለት ማህሙድ ዋላ ነቲ ቀዳምይ ሕቶ G 15 : ናይ ወዲ ዓሊ ፈተነ ዕልዋ፡ ናይ ኣክርያ ምንቅስቃስ፡ ኣብ ወጽኢ ዝርከብ ምንቅስቃስ፡ ካብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀሚርካ ክሳብ ካልኦት ኣገባብ ከም ጸረ ሃገርን፡ ጸረ ሰላምን፡ ጸረ ቅሳነትን፡ ኣዕነውትን፡ ሓናኮልትን፡ ኮታ ብሓጺሩ “ጸረ መርሆ” ፣ መጥፍእቲ “ሽግ ሓርነት” ሰብ ሕማቕ ሕልሚ ኢሉ ይገልጽ። ዋላዃ ዝብሎ ብዙሕ እንተነበረኒ ሎሚ ግን ብዙሕ ክብል ኣይደልን ኢየ ኢሉ ኣፉ ዝከፈተ፡ ድሕሪኡ ግን ዝኣክሎ ዝጠሓነ ማሕሙድ ክምለሰሉ ግቡእ’ዩ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ። ማሕሙድ ነቲ ክትኮኖ እትደሊ ዝክልክለካ የብልካን፤ ግን ሓዲኤን ሓዝ። ወይ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ወይ ኣብኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ምስ “እንዳ ንሱ”። ንጽሑፍካ ብጌጋ እንተ ተረዲአዮ ከኣ ፡ ንጌጋይ ኣመልኪትካ መልሲ ሃብ። ተኣራማይ ኢየ

    • Beyan Negash May 25, 2018

      Selam meretse,
      Mahmoud’s untenable position is unequivocally clear to all those who can the basic logical thinking. Trying to hold to opposing views is a mark of intelligence, but trying to hold two opposing moral imperatives is a mark of confusion. It’s very hard for me to accept this about Mahmoud, whom I have known for many years in another forum and whose ideas and opinions most of the time found to be compelling. I cannot believe that he is falling into this trap of What Scott famously penned, “Oh,what a tangled web we weave when first we practice to deceive!” – Walter Scott

      Meretse, Mahmoud has to decide whether his moral compass is going to stay with the justice seeking opposition groups or he is going to reset toward the Higdef camp. The choice, indeed, rightly his to make. So, Meretse said it well:

      “ማሕሙድ ነቲ ክትኮኖ እትደሊ ዝክልክለካ የብልካን፤ ግን ሓዲኤን ሓዝ። ወይ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ወይ ኣብኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ምስ “እንዳ ንሱ”። ንጽሑፍካ ብጌጋ እንተ ተረዲአዮ ከኣ ፡ ንጌጋይ ኣመልኪትካ መልሲ ሃብ። ተኣራማይ ኢየ”

  • Simon G. May 21, 2018

    ርሑስ በዓል ልደት?
    ኣንታ ሓውና ሳልሕ: እንታይ ርሕሱ ደኣ: ነቒጻ ከረውረው ኢላ ዘላ ዓድስ? በጃኻ ቀይረሉ።
    ከም ልምዲ ርሑስ ከምትብል ግን ኣይጠፈኣንን።
    እዚ ክብለካ ከሉኹ ግን ከም ናጽነት ኤርትራ ዘይደገፍኩ ኮይኑ ከይስመዓካ።
    ———————————————————————-
    እንታይ ኣዘኪርካኒ መስለካ: ሓንቲ ሓፍተይ ዕድል ጌራ ከይተሰወአት ምሳተወት: ከመይ ኣሎ ዓዲ ትብላ: ጥር ኢላ ኣብ ውግእ ናደው: ውግእ X እንዳበለት ዕላላ ኩሉ ናይ ኲናት ጥራይ!
    ሽዑኡ ሓደ ንእሽቶ ሓውና: ኣንቲ ራሄል ሓፍተይ! ኤርትራ ናጽነታ ረኺባያ: ናይ ውግእ ነገር ገዲፍኪ ናይ ምዕባለ ተዛረቢ ይብላ። ገሪሙዋ። ኣይርደኣን ኔሩ ብዛዕባ ውግእ ጥራይ ከምተዕልል።
    ሕጂ ድማ ሓው ሳልሕ: ኣብ ናይ ቀደም ዓለም ኢኻ ትነብር ዘለኻ: ኣነ ከምዝመስለኒ (no offense)።
    ———————————————————————————–
    ናተይ ምኽሪ እንታይ ምበልኩ መስለካ: ስጋዕ ‘ዞም ፈገራት ህግደፍ ተሓግሒጎም ዝጠፍኡልና’ሞ ዓዲ ክትዕረ ትጅምር ነዛ ናጽነት ዘይሽማ ኣይንሃባ። ብድሕሪኦም ግን: ናጻ ስለዝኾነት ኤርትራ ጽቡቕ ረኺብና : ተሓጒስና: ዮሃና ወዘተረፈ ተበልና ሰማዒ ንረክብ።
    ——————————————————————————-
    ሕጂ’ኳ: መግለጺ ናጽነት ኤርትራ:- ደልሃመት/ ጥፍ ኣት/ ስደት/ሕማምን/መስልትን ‘ዮም።
    ነዚ ኩሉ ዘምጽ አ ድማ ህግደፍ ዩ።

    ———————————————————————–
    ደሓር ከኣባ ሓው ሳልሕ: ሓንቲ ሕቶ ኣላትኒ….
    With all the smart guys like you, how did this dropout wedini and crooked guy duped you and your comrades all these years. Yes, he duped us as well but we were not in the inner circle, at least that’s what I use to excuse myself 🙂

    N.B: start blaming the mafia deqi tembien guys in Asmara and less blaming on the opposition. I think for the opposition DISUNITY has to do with those same rascals who are screwing up the country. Those are the ones with power. Blame them.
    Just my 2 nakfas!

  • Simon G. May 22, 2018

    Brother MaHmud SaliH,
    Allow me to write this amateur poem…if you may
    —————————————————————
    ኣንታ ማሕሙድ ሳልሕ!
    ክንደይከ ትበልሕ?
    ግን: ግን’የ ዘልኩ: ትብልሕኻ ነይግድን
    —————————————————————–

    ስለምንታይ ትስዕብ? ኣብ ክንዲ ትመርሕ
    ካምፓኒ ከፊትካ: ኣብ ክንዲ ተስርሕ
    ኣብ ክንዲ ጅግና ቢተው : ተቋምት ናብ ዖስማን ሳልሕ?
    ዓሌክ ኣላህ!
    ———————————————————–

    ናይ ምንታይ ቢያንቶኒ ዋላ ሊስትሮ
    ምስዚ ኩሉ ምህሮ?
    ኣነ’ ኳ ዝፍለጦ: ኣነ ዝዶንቆሮ (relatively speaking, not that I am dummy 🙂 )
    ኤእ ኔው በሎ!
    ————————————————–

    ዘረባ ህግደፍ ኣይትድገሞ
    ዘረባ መስከረም ኣይትድገሞ
    ዘረባ ተስፋ ኒውስ ኣይትድገሞ
    ዘረባ ቻርሊ ኣይትድገሞ
    ንመን ክጥዕሞ?
    ————————————————-

    ከምዘይ ቆሰልካ: ከም ዘይደመኻ
    ከም ‘ዞም ኣርካናት ሃገር
    ከም በዓል መረጸ: K. ተወልደ: ኣሕመድ ሳልሕ (ወዲ ኮይ ከይኮነ ኣይተርፍን): መዛኑኻ
    ንእስነትካ ከምዘይ ኣወፈኻ?
    ——————————————————-

    ናበይ ንድሕሪት ተብል
    ከም ሽንቲ ገመል ?
    ዘይ ናይ ኤርትራዊ ኣመል

    ————–ኬድ; ኬድ: ኬድ——————-

    ናይ ኣርካናት ሓንጎልካ
    ከምዘይሓዝካ
    ስድራኻ ከይቅየሙ
    ኣይትበል ከምሻምኡ

    ——–ከምዛ ትፈልጣ———————-

    ‘ዛ ዕምርና ሓጻር
    ሓንሳብ ምንባር
    ህግደፍ ከምዘይኮነ: ህዝባዊ ግንባር
    ኣነ ‘ኳ ዝፈልጦ ሳይሞን ገባር
    እዚ ደምባር!

    ———-ኤእ! ማሕሙድ ሳልሕ——————-

    ንደቅኻ ግደፈሎም
    ‘ቲ ሓቂ ምስትነግሮም
    ኣይከጸግሞምን ‘ዩ ምትርጓም
    ክፈትሕዎ ‘ዮም ባዕሎም
    ——————————–

    ‘ቲ መስገደል
    ዝሓለፈ በደል
    ቅተል ተቓተል

    ———-ብመን ተጀሚሩ? ኣበይ? ብመን?ንምንታይ?————-

    ኩሉ ክዝርዙርልካ
    ኣፍካ ከይከፈታካ
    ባባ አንታይ ኮይንካ
    ሃገርካ ገዲፍካ
    ምስበሉኻ
    እንታይ’ዩ መልስኻ?
    እዚ ኣሻኽ ናጽነት ኣምጺአልኩም ድዩ መልስኻ
    ———————————————–

    ለካ ብዙሕዩ ናይ ናጽነት ትርጉም
    ከብድኻ ጥሙይ ኣፍካ ልጉም
    መሬት መሬት ኢሳያስ
    ንሳ ዘያመነ ናብ ስደት ይስጉም
    ወይ ድማ ናብ ጉሁም
    ወይ ዲቕ ዝበለ ጸላም
    Is there any problem?
    ዒሚ ዝበለ ዜጋ ሕጉም
    እዚ ወደሓንኩም

    • k.tewolde May 22, 2018

      There is nothing amateur about your work Simon,keep gracing this medium with your poetic art,I know there are many of us like me who wish we had a gift like yours and meretse, not to mention your sheer quest for the truth.

      • Simon G. May 22, 2018

        Brother KT,
        If I had the gift you have, I would make it in a big way in the silicon valley! Seriously.
        However, to receive a compliment from a guy like yourself is an honor!
        Thank you, brother!

  • Danilo May 22, 2018

    ኩቡር ሓው simon G, ከም ናተይ ዝምባለ፡ስእሊ ኣብ ምንባብ ልዑል ዓቅሚ ኣለኒ።ንጽሑፍ ከኣ ምስሊ ጽሓፊኡ ወትሩ ምስ ኣቀመጥኩ እየ ዘምብቦ።ይኽን’ምበር፡ምስሊ ወይ ስእሊ ብዓይኒ ዝቅረጽ ንበይኑ፡እቲ ብሓንጎል’ውን ከምኡ ክቅረጽ ይኽእል ኢዩ።ስለዚ ብወገነይ ዕድመን ጥዕናን ይሃበና ( ወላ እንተ ዘይፈልጠካ ብኣካል ) ኣብ ሓንጎለይ ዝቀረጽኩዋ ቁዋድሮ ስእሊ ወፊየልካ ኢኣለኹ ።ንኻሊኦት’ውን ከምኡ።

    • Simon G. May 22, 2018

      Thank you, brother Danilo!

  • Godaif May 22, 2018

    What will be the new decree in Hgdef’s Eritrea on May 24, 2018?

    Sources indicate that to out do the Sudanese Omar al Bashir and to make the Weyanes very jealous, Eritrea will ask officially membership in the Arab League and it will declare itself the new Arabic nation.
    What will happen to other Eritrean native languages such as Tigre spoken and understood by two million Eritreans is unknown. It should be remembered that the Jebha leadership disowned the Tigre language by burning its own Tigre textbooks in the 1970s.

    What else new will be declared in Eritrea? Add your guesses.

  • Beyan Negash May 25, 2018

    Beyan Negash
    MAY 25, 2018
    Selam meretse,

    Mahmoud’s untenable position is unequivocally clear to all those who can see the fallacy of the very basic logical in the thinking process here. Trying to hold two opposing views is a mark of intelligence, but trying to hold two opposing moral imperatives is a mark of confusion.

    It’s very hard for me to accept this about Mahmoud, because a lot of his ideas I found intriguing and compelling in the past. But in recent months, it appears the disappointment in the opposition’s lackluster performance is turning him, oddly, to embrace the very evil regime that is holding the very nation a pawn, a nation Mahmoud fought to liberate. I cannot believe that he is falling into this trap of What Scott famously penned, “Oh,what a tangled web we weave when first we practice to deceive!” – Walter Scott

    Meretse, your are absolutely right, Mahmoud has to decide whether his moral compass is going to stay with the justice seeking opposition groups or he is going to reset toward the Higdef camp. The choice, indeed, rightly his to make. The quote below about sums it up straight forthly:

    “ማሕሙድ ነቲ ክትኮኖ እትደሊ ዝክልክለካ የብልካን፤ ግን ሓዲኤን ሓዝ። ወይ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ወይ ኣብኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ምስ “እንዳ ንሱ”። ንጽሑፍካ ብጌጋ እንተ ተረዲአዮ ከኣ ፡ ንጌጋይ ኣመልኪትካ መልሲ ሃብ። ተኣራማይ ኢየ”

POST A COMMENT