Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርሑስ በዓል ትንሳኤ

ብጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ) 14/04/2012 ተሰቒሉ ኣብ መስቀል መድሃኔ ዓለም ሓራ ኣውጺኡና ከፊሉ ንጹህ ደም ኣደራዕ ጨካናት ተኾርሚጁ ደምዩ በቶም ድፉናት ልቢ ዝዓወሩ እንዳረኣዩ፡ አሎሀ አሎሀ ላማሰበቕታኒ ኮነት ሓንቲ ቃሉ በጃ ክኾነኒ ኣብ ጎልጎታ ኣብ ቀራኒዮስ ተሰቒልካ ስዒርካዮ ኣርዮስ፡ ትንሳኤኻ ኮይኑ ዓሪግካ ንሰማይ ኣግዕዞ ኩልና ንዑ ኢልካና

ብጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ) 14/04/2012

ተሰቒሉ ኣብ መስቀል መድሃኔ ዓለም

ሓራ ኣውጺኡና ከፊሉ ንጹህ ደም

ኣደራዕ ጨካናት ተኾርሚጁ ደምዩ

በቶም ድፉናት ልቢ ዝዓወሩ እንዳረኣዩ፡

አሎሀ አሎሀ ላማሰበቕታኒ

ኮነት ሓንቲ ቃሉ በጃ ክኾነኒ

ኣብ ጎልጎታ ኣብ ቀራኒዮስ

ተሰቒልካ ስዒርካዮ ኣርዮስ፡

ትንሳኤኻ ኮይኑ ዓሪግካ ንሰማይ

ኣግዕዞ ኩልና ንዑ ኢልካና ምሳይ

መዓሙቕ ከይንሰጥም ኣብቲ ድቕድቅ ጸላም

ትንሳኤ! ሂብካና ዓዲልካና ሰላም፡

ንጹህ ደምካ ካብቲ መስቀል

እጽውዓናሎ ዝብል ንቐል

ንጽህናኻ ኡፎይታ ሂቡኒ ኣጥፊኡ ሸቐልቀል

ተዳልየ ኣለኹ ጸዋዒትካ ይቕበል፡

ጾምናን ጸሎትናን ስምዓዮ

ድምጺ ውጹዓት ኣለልዮ

ይኣክል! በለና ከብቅእ ወጽዓ

ሰላምካ ልኣኽ ኣእክል ቁጥዓ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT