Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርስቃ ኮይኑዎ’ዩ! ቃል መስከረም ነት፥

  "እቲ ምርጫ ንጹር እዩ።  ወይ ምስ ሕቡራት ሃገራት ወይ ምስ ሃገርካ ምውጋን።" "ሎሚኸ፡ ንካልኣይ ግዜ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብሕቡራት መንግስታትክውሰን?" "እንተ ብፍላጥ፡ እንተ ብዘይፍላጥ: መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብሕቡራትመንግስታት ንኽውሰን ዘተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቭ።" "ሬድዮ ወያኔ ሬድዮ ወጋሕታ ዘቕረቦ ጸበጻብ ሰላማዊ ሰልፍታት

 

“እቲ ምርጫ ንጹር እዩ። 

ወይ ምስ ሕቡራት ሃገራት
ወይ ምስ ሃገርካ ምውጋን።”

“ሎሚኸ ንካልኣይ ግዜ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብሕቡራት መንግስታትክውሰን?”

“እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ: መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብሕቡራትመንግስታት ንኽውሰን ዘተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቭ።”

“ሬድዮ ወያኔ ሬድዮ ወጋሕታ ዘቕረቦ ጸበጻብ ሰላማዊ ሰልፍታት…፤ ወይሰልፊ ትወጽእ ወይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ኣይትወጽእን… “

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ “እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና” ዝዓይነቱ ቃላት፡ ቃል እቲ ርስቃ (ካብ ኣቦ እተወርሰ) ኣቦኡ ጀነራል ጎይትኦም ወሪሱ፡ ንኤርትራውያን ንሓድሕዶም ንምጥፋእ፡ ኣበርቲዑ ዚሰርሕ ዘሎ፡ ቈርበት በጊዕ ዝተኸድነ ተዂላ፡ ዕሱብ ናይ ዕሱባት ዝኾነ፡ ወናኒ ናይ ብሕቱን ንብሕቱን ዝኾነት ፍንፍንቲ መርበብ ሓበሬታ መሽረፈት ነት ዝጻሓፎ ኣነዋሪ ቃላት ምስ ነበብኩ፡ ከይፈተኹ፡ ማለት ተቐሲበ ነዛ እትስዕብ ጽሕፍቲ ክውርቕ ተገዲደ!

 

ዝቐሰበኒ ምኽንያት ከኣ ናብ ደረጃኡ ወሪደ ክምልሰሉ ፈትየ’ኳ ዘይኮንኩስ፡ በዚ ካብ ቤት መዝገብ ህግደፍ ተዋሂቡዎ ኪኸውን ዚኽእል ናይ 1950/1951 ሰነዳት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሽረፈቱ ለጢፉዎ ዘሎ ኣሳእል፡ (መስከረም ነት ተመልከት) ብዙሓት የዋሃት፡ ነዚ ስእሊ ርእዮም ክደናገሩ ስለ ዝኽእሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተመላኺ ይኹን ኣይምለኽን በሃሊ፡ ንዕላማ ወዲ ናይ ኢትዮጵያ ጀነራል ጎይትኦም፡ ወናኒ መሽረፈት ነት ብንቕሓት ክግንዘቦ ከም ዘለዎ ንምዝኽኻር’ዩ!

 

እዚ ሰብ’ዚ ቅኑዕ መርገጺ ከምዘይብሉ ኩሉ ኤርትራዊ ይፈልጥ’ዩ! እንተ ኾነ ሰንኮፋትን ባጊራትን (ኣዝዮም ድሑራትን) ከደናግር ተኽእሎ ስለ ዘሎዎ፡ ኩልና ኤርትራውያን ብጥንቃቐ ኣስተውዒልና፡ ኣንጻር ኩልና ኤርትራውያንን ኣንጻር ሃገርናን ሙዃኑ ተገንዚብና፡ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምንቛት መገዲ እንተ ቐጺሉ፡ ወግዓዊ ክሲ ክንምስርተሉን ናብ ሕጊ ከነቕርቦን ከም ዝግባእ ብትሕትና ክሕብር እፈቱ።

ምኽንያቱ፥

*”መሰለይ ይርገጽ ኣሎ! ፍትሒ ስኢነ ኣለኹ’ሞ ንገፋዕተይ ዓገብ በሉለይ?” ኢሉ ቃሉ ንዘስምዐ ህዝቢ፡ ብኸመይ መገዲ’ዩ ሸያጢ ሃገር ሰምዩዎ!?

*ሕቡራት መንግስታትከ ከምቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝገብሮ፡ ዝቖመሉ ዕላማን ስራሕን ንምትግባር፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰት መሰል ሰብ ከይህሉ ኢሉ እንተ መርመረ፡ በየናይ ስነ መጎት’ዩ ንሃገረ ኤርትራ ክዕልቕ ተበጊሱ ኣሎ ክብሃል ዚከኣል!?

*እዚ ብኣሽሓት ዝቚጸር፡ ኣብ ጀነቫ ድምጺ ውጹዕ ህዝቡ ዘስምዐ ኤርትራዊኸ ብኸመይ መገዲ’ዩ መጻኢ ዕድሉ ብሕቡራት መንግስታት ንኽውሰን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ ዝብሎ ዘሎ!?

*እታ ድምጺ ውጹዓት ራድዮ ወጋሕታኸ እንታይ ንኤርትራውያን ዝጎድእ ነገራት ስለ ዝጸሓፈትን ዘድመጸትን’ዩ ‘ራድዮ ወያነ’ ዝሰምያ ዘሎ!? እታ ሕሰም ኤርትራውያን ንምቕጻልን ንምድንፋዕ ብመላኺ ተዓሲባ፡ ስሕት ኢላ ንመደናገሪ ሓደ ክልተ ቃላት ደለይቲ ፍትሒ ወስ ተብል፡ መጣቖሲት መሽረፈት ነት እኳ መርበብ ሓበሬታ ወያነ ዘይተባህለት! ኣይኮነን ወጋሕታ ንኤርትራውያን እተገልግል ድምጺ ውጹዓት ኤርትራውያንስ ዋላ እታ ድምጺ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት፡ ራድዮ ወያነውን እንተ ኾነት፡ ክሳዕ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታተን መርዛም፡ ፈላላይን ተጻባእን  መደባት ዘየቃልሐትን ዘይፈነወትን ንሳውን ክትውገዝ ኣይግብኣን’ዩ!

 

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ነበብቲ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ ሰለስተ ዓይነት መስዋእቲ ንርኢ ከም ዘለና ተገንዚብኩሞ ኣለኹም ዚብል እምንቶ’ዩ ዘሎኒ። ከመይሲ፥

 

ቀዳማይ፥ መስዋእቲ እቶም ክቡራትን ንዘልኣለም ኣብ ልቢ ህዝብን ኣብ ማህደር ሃገርን ዝነብሩ ጀጋኑ ሰማእታትና፡ መስዋእቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝኾነ፡ መስዋእቲ ሓርበኛታት ከም ዝብሃል።

 

ካልኣይ፥ መስዋእቲ እቶም ሕሱራትን ንዑቓትን ‘ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና’ ዝብሉን ኣብ ልቢ ህዝቢ ዘየለዉ፡ ኣብ ማህደር ሃገር ግን ብሕማቕ ዝኽሪ ክዝከሩ ዝነብሩ፡ ኣገልገልቲ ደማሒ (መላኺ) ዝኾኑ፡ ምእንቲ ሓደ ሰብን ጎይታኦምን ስለ ዝተሰውኡ፡ መስዋእቶም፡ መስዋእቲ ደሞዝተኛታት ይብሃል።

 

ሳልሳይ፥ መስዋእቲ ናይዞም ብልምዲ “ደገፍቲ ህግደፍ” እንብሎም ተንቀሳቐስቲ ስውኣት’ዩ! እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንመላኺ በጃ ክሓልፍሉ ዘይደልዩ፡ ግን ከኣ ኪቃወሙዎ እውን ትብዓት ዘይብሎም፡ ከይፈተዉ ንሕማቕ ከም ጽቡቕ ክርእዩ ዝፍትኑ ናይ ሕልና እሱራት ዝኾኑ፡ ናብ ዝሓየለን ዝበዝሐን ወገን ቀልጢፎም ክጽግዑ ዘይማትኡ፡ ምውታት ሕልና ስለ ዝኾኑን ብስጋ ስለ ዘይሓለፉን ድማ’ዮም ተንቀሳቐስቲ ስውኣት ዝበሃሉ። በሉ ናብዛ መበገሲ ጽሑፈይ ዝኾነት መርበብ መሽረፈት ነት ክመልሰኩም፥

 

ሕማቕ ርስቃ *መበላይ ኮይኑዎ’ዩ እምበሪ   *ዓበቕ

ሰብ እናተቐብረዶ ብሑጻ ኣብ ምድሪ

ህዝቢ እናሃለቐዶ ብጃምላ ኣብ ባሕሪ

ብሓሶት ኪልቅብ ናይ መላኺ ዕምሪ

መዓስ ፈትዩ ኮይኑ እዚ *ዒለምሰሪ!   *ክፉእ ግብሪ

 

ነቶም ድምጺ ህዝቦም ብዓውታ ዘስምዑ

‘ሸየጥቲ ሃገሮም!’ ኢሉ ምጽውዑ

ሕሱር የሕስረካ ብነብሱ ለኪዑ

ገንዘቡ ኪምእርር ሓሶት ኣዋቒዑ

ድኻ እናምበሃቘ ክብለና ኣጉሲዑ

ዕሱብ ኣይሓፍርን’ዩ ጉልባቡ ቐሊዑ!

 

እወ ኣይሓፍርን’ዩ እቲ ብዓል ዕላማ

ንሃገር ምስ ህዝባ ምልኪ እንተ ለከማ

ኣየቀንዙዎን’ዩ ስቅያት ሕማማ

ርስሓት ብምዃኑ መዕለቢ ሃመማ

ወይዘሮ መሽረፈት ነዚ ምፍጻማ

ቃል ኪዳን ምልኪ’ዩ ውዕል *ሔማ ኣስኬማ!              *ኣብ ቃል ኪዳንካ ጸኒዕካ ምንባር

 

ኣንቲ መገረም ኔት እንታይ እዩ እቲ ጉድኪ

ቁውም ነገር ከናዲ ገንጺለ ማህደርኪ

ሓሶትን ሸፈጥን ይሽትት ልባስኪ

ዘለፋን ጥቀናን ይንበብ ድርሳንኪ

ፈጣን ኣመንዝራ ኣገልጋሊት ምልኪ

መሬት እናወገሐ ኣብ ጸላም ሰፊርኪ

ብደለይቲ ፍትሒ ፍጹም ተፈንፊንኪ!

 

ኣንቲ መገረም ኔት ክንደይ ተደንግጺ

ኣብ ባሕሪ ኣንሳፊፍኪ ብማዕበል ትናወጺ

ካብ ቃላይ ወጺእኪ መሬት ዘይትረግጺ

ፍትሕን ሓርነትን ራህዋ ከይትመርጺ

ብህዝብን ሃገርን ወትሩ ከተላግጺ

ግዜኺ ኣጥፊእክዮ ሓቂ ክትጉዕጽጺ!

 

ኣንቲ ዘይትሓፍር’ወ *ፋይቶት መገረም ኔት  *ኣመንዝራ

እንታይ ኣእትዩኪ ኣብዚ ኹሉ ሕስረት

ሃብቲ ናይዛ ዓለም ሓላፊ እንድዩ ንብረት

ሓቂ ተዓጢቕኪ ከይትረኽቢ ክብረት

ዕስበት ብምምራጽኪ ናይ መላኺ ሽቕለት

ተጎልቢብኪ ኣለኺ ረሳሕ ባ ሕፍረት!

 

ንፍቕሪ ክልተ ኣሕዋት ኣብ ክንዲ ትሰርሒ

ህዝቢ እናጠፍአ ንስኺ ክትረብሒ

ሃልሃልታ ቅርሕንቲ ሓዊ ተጋውሒ

ጽባሕ ኣብዛ ሃገር ምስ ነገሰ ፍትሒ

ጸሓይ ምስ በረቐት ተኪኣ ንወርሒ

ፍርዲ ናይ ህዝቢ’ሎ ዘይምሕር ገናሒ

መሬት ከይቀደደ ሕጂ ተናስሒ!

ክብርን ምስጋናን ነቶም ድምጺ ህዝቦም ንምስማዕ፡ ኣብ ባይቶ መጋባእያ ፍትሒ ዓለምዝወዓሉ፡ ጀጋኑ ደለይቲ ፍትሒ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 01-07-2015

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Stefanos Temolso July 4, 2015

    እቲ ሰብ ፈትዩ ኣይኮነን ኣብ ኣምሰራ ገዛ ኣላቶን’ድያ ንሳ ከይትጠፍኦ እዩ ዝቃለስ ዘሎ። ናብቲ ዝጸሓፎ ክንምለስ ግን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሓምሳታት ከምዚ ገይሩና እናበለ ክሽጥፍ ዝፍትን ዘሎ። ቀዳማይ ነገር ናይ ሎምን ናይ ሕምሳታትን ፖለቲካ ነንበይኑ እዩ። ካልኣይ ነገር ሕቡራት ሃገራት ብሰባት ዝቘመ ስለ ዝኾነ ጌጋ ክገብር ንቡር’ኳ እንተኾነ፡ ብዙሕ ከኣ እወታ ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብ ጐድኒ ውጹዓት ደው ክብል ከሎ ክንድግፎ ቅኑዕ እዩ። ክጋገ ከሎ ድማ ትጋገ ኣለኻ ንብሎ። ወዲ ጀነራል ሕጂ እንታይ እዩ ክንብል ደልዩና ዘሎ? ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኣሎ፡ ኢሰያስ ደሞክራስያዊ፡ ፍትሓዊ፡ ፈታው ህዝቡ፡ ሕጊ ፕረስ ዘፍቅድ፡ ኣዝዩ ለዋህን ቅኑዕን መራሒ እዩ ድዩ ዝብለና ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ኣይተሓርመን፡ ብዘይ ፍርዲ ዝተኣስሩ የለዉን፡ ናይ ምቅንስቓስ መሰል ኣሎ፡ ኮታ ኤርትራ ውሃ ዝበለ ምምሕዳር ዘለዋ ሃገርያ፡ ህግደፍ ድማ ቅኑዕ ስርዓትዩ ድዩ ዝብለና ዘሎ። እንታይ ኣትዩ እንታይ ወጺኡ ዘይፍለጠላ፡ ባጀት ዝብሃል ነገር ርእያ ንዘይትፈልጥ ሃገር ድዩ ክከላኸል ዝፍትን ዘሎ ወላ ብጥቕሚ ነፍሱ እዩ? እቲ ሕቶ ምሉስ’ዩ። መርገጺ ዘይብሉ ዓሰርተ ግዜ ዝገላበጥ ሰብ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ትርጕም ኣይትሃቡዎ። ኣነ’ኳ ኣብ ኣመሪካ ዝነብርውን ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ሰብ ቍሩብ ናይ ምዕባለ ጩራ ይረክብ’ዩ። እዚ ግን ሓደ ዳንደ እዩ። ግዜና ግዳ ኣጥፊኡልና። ስለዚ፡ መሲናስ ረስዓዮ፡ ኣብቲ ዌብሳይት ገጻካ’ውን ቍሊሕ ኣይትበል። ምኽንያቱ ዋጋ ትህቦ ኣለኻ ማለት’ዩ።

  • Mesinas July 4, 2015

    “….ግዜና ግዳ ኣጥፊኡልና። ስለዚ፡ መሲናስ ረስዓዮ፡ ኣብቲ ዌብሳይት ገጻካ’ውን ቍሊሕ ኣይትበል። ምኽንያቱ ዋጋ ትህቦ ኣለኻ ማለት’ዩ።” ጽቡቕ ምኽሪ’ዩ ክቡር ሓው እስቲፋኖኦስ። ተቐቢለዮ ኣለኹ። የቐንየለይ።

  • Mesinas July 4, 2015

    “ዝኸበርካ ሓርበኛን ህቡብ ፍጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ሰላም ከመይ ትኸውን? እዚ ትማሊ ኣብ ጀነቫ ዝተራእያ ህዝባዊ ማዕበል፡ ሳላ ሓያል ጻዕሪ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ፡ ብፍላይ ድማ ሳላ እዱድ ተወፋይነት ኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታታትን ኣበርክቶ ውፉያትን ዝፈጠሮ ንቅሓት ህዝቢ ክብ ኣብ ምባል ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን! እዚ እናኾነ ግን እቲ ብዕላማ ግዜን ጉልበትን ወፊና እንውርቖ ጽሑፋት፡ ኣብ ግዜኡን ብዓቐንን ንነበብቲ ብዝስሕብ ኣጋባብ ክንዲ ዝወጽእ፡ ግዜ ተጸቢኻ ኣብ ሓደ ኣኪብካ፡ ናይ ብዙሓት ብሓንሳብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ይወጽእ ስለ ዘሎ ሰብ ከም ጽሑፍ ነቢቡን ተረዲኡዎን ዘይኮነስ ከም ስእሊ ርእዩዎ ጥራይ ይሓልፍ ስለ ዘሎ ናይ ኩልና ክሳራ ሙዃኑ እናኣዘኻኸርኩ ኣብ ዚመጽእ ግዜ ግን ንጽሑፋት ብቑጽሪ ካብ ክልተ ሰለስተ ከየብዛሕካ፡ ንኽልተ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ንባብ ዕድል ብምሃብ፡ ነበብቲ ረጊኦም፡ ብዓቐንን ብልብን ከም ዝነቡዎ ክትገብር ብትሕትና ከዘኻኽረካ እፈቱ። ሓውካን መቓልስትኻን መሲናስ። የቐንየለይ።”

    እዛ ጽሕፍቲ ብዕለት 01-07-2015 እየ ብብሕቲ ናብ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ልኢኸያ ኔረ። መልሲ ግን…ወይከ ኮይኑ! ምኽንያቱ ስለ ዘይተሓበርኩ ደጊመ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስክፍታይ ይገልጽ ኣለኹ።

  • Mesinas July 4, 2015

    መሽረፈት ነት!

    ቊሩብ ዘይትሓፍሪ መስከረም ነት ጨርቂ
    ብስቅያት ህዝቢ ካብ ማዕዶ ክትስሕቂ
    *ሶንኪ ምልኪ ኴንኪ ህዝቢ መጨፍለቒ *ኣብ ኣፍ ጠመንጃ ዝስኳዕ ካራ፡ ሳንጃ
    ምስዚ ግዕዙይ ስርዓት ክትጫማለቒ
    ንድምጺ ውጹዓት ነቲ ድምጺ ሓቂ
    ድምጺ ወያነ ትብልዮስ ክንደይከ ትደርቂ!

    ሓፍትና ኣብቲ ሲናይ ብኣዕራብ ክትዕመጽ
    ኣሕዋትና ኣብቲ ሳህራ ክልብልቦም ረመጽ
    ንሕና ኤርትራውያን ብጓሂ ክንቅረጽ
    ንስኺ መስከረም ተዋፊርኪ ኣብ በለጽ
    ርፍራፍ ናይ መላኺ ክትብሊ ሎቕመጽመጽ
    ስቓይ ኤርትራውያን ዓፊንኪ ከይድመጽ!

    ትርጉም ናይ መስከረም እንተ ዝርደኣኪ
    ጭቁን ከይነቅሕ ሓቂ እናሸፈንኪ
    ሓሶታት ክትነዝሒ ኣብ ማዕዶ ሰፊርኪ
    ንዉልቀ መላኺ መዓስ መገልገልኪ!

    ትርጉም ናይ መስከረም ካብዘይ ፈለጥክዮ
    ከም ክንቲት ፈዂስኪ ንኸይተፍኩስዮ
    ነዚ ክቡር ወርሒ ንኸይተሕስርዮ
    ዝሓለፈ ይኣክል እቲ ዝበደልክዮ
    መስከረም ክቡር’ዩ ስምኪ ለውጥዮ!

    መስከረም እናበልኩ ንስምኪ ክጽውዕ
    ስግድግድ ኢሉኒ ካብ ኣፈይ ክወጽእ፡
    ስለዚ መስከረም ለውጥዮ ስምኪ
    ታሪኻዊት ወርሒ ስማ እንተ በሊልኪ
    መባእ ናይ ሓርነት ከይቅየሙልኪ!

    ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኩሉ ኤርትራዊ
    ሃረር እናበለ ጽማኣት ሓርነት ከርዊ
    ንብዓትና ደሪዙ ቁስልና ዘሕዊ
    ጅግና ተንሲኡ’ሎ ጸበባ መንሃዊ!

    ስለዚ መስከረም ሎሚ ኣይትሓስዊ
    ጎይታኺ ከይነድድ ተቓጺሉ ሓዊ
    ጃሎን ኣንጠልጢልኪ ዝሑል ማይ ክትክዕዊ
    ብስራት ወጋሕታ ተድመጸ *ኣባጃዊ *ኣርሓ ደርሆ
    ኣይናትናን’ዩ ኢልክዮ *ኩኩናይ ባዕዳዊ! *ተባዕታይ ደርሆ

    መሬት ወጊሑ ኢልኪ ክንዲ ተበስሪ
    ናብ ደለይቲ ፍትሒ ኢድኪ ክትቕስሪ
    ሰብ ከተጸልሚ ቊሩብ ዘይትሓፍሪ
    ሕሰም ከብቅዕ’ዩ ናይ መላኺ ዕምሪ
    ጎይታኺ ክትቀጽዕ ተንሲኣ ኣላ በትሪ
    መስከረም መሽረፈት ደቂስኪ ኣይትሕደሪ!

    ስቓይና ንኽድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 04-07-2015

  • hara July 4, 2015

    kbur stifanos
    hakika ika kabta web-site mirhak yhaysh
    gn bzaeba nay jeganu fedayn zigber zelo kale mehtit
    nsom sleziltfwo haberta nmidlay iyu
    hiji gn ketita ab ckdu.ca rekibeyo kab himam riesi dihine
    aleku.slti ritub melsika dma thanks

  • Debre July 4, 2015

    ዝኸበርካ መሲናስ ሓወይ

    ብሽም ተቃወምቲ ዝፍለጣ፣ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝተሰርዓ፣ ብርክት ዝበላ ናይ መራኸቢ ብዙሃን (መርበብ ሓበሬታ) ኣለዋ። ሓደ ካብዚኣተን መስከረም ዶት ነት እያ። ከም ሽም እቲ ዝዓበየ ተቃዋማይ መርበብ ሓበሬታ ዝብል ስያመ ተዋሂብዋ ‘ሎ። ከምቲ ቆይመሉ ‘የ ትብሎ ዕላማ፡ ምጥባቕ ንደምበ ተቃወምትን ደለይቲ ፍትሕን ክኸውን፣ ነቶም ድምጾም ዓው ኢሎም ከስምዑ ዘይከኣሉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ውጹዓት ልሳን ክትኮኖም ትጽበያ። ተቃዋማይ ኤርትራዊ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ዝኾነት ዕላማኣ ንስርዓት ጉጅለ ኢሳይያስ ክትኩንን፣ ክፋእ ተግባራቱ ከተቃልዕ፣ ይኣክል ዓገብ ክትብሎ ይግባእ። ናይ ነዊሕ ጊዜ ስርሓታ ብዙሕ ኣፍልጦ እንተዘይብለይ ኣብዘን ዝሓለፋ ቁሩብ ኣዋርሕ ትዕዝብተይ፡ መስከረም ዶት ነት ኣብ ባይታ ብግብሪ ኣይከምቆይመይሉ ትብሎ ዕላማን። ብኣንጻሩ ኣብርቲዓ ተዓይ ዘላ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ንዓይ ተቃዋማይ እንተኾንካ ክህልወካ ዘለዎ ዕላማታት ንጹርን ፍሉጥን እዩ። ብሽም ተቃዋማይ ግን ከኣ ነቲ ትቃወሞ ደጋፋይ ኮንካ ምቅራብ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ነቲ ዝበልሐ መጉደሚ፣ ነቶም ብዘይፍላጥ ደጋፊ ጉጅለ ኢሳይያስ ዘለዉ መፍዘዚ፣ ነቶም ዕሉላት ደገፍቲ እቲ ስርዓት ዓይኒ መጨፈኒ ኮንካ ከምቅራብ እየ ዝርእዮ። ኣነ ከም ሕቡእ መልእኽተኛ (ጃሱስ) ወይ ከኣ ሕቡእ ናይ ውሽጢ ሓርበኛ ጸላኢ፣ ከም መጉደሚ በሊሕ፣ ከም መፍዘዚ ግሩህ፣ ከም መደንደኒ ዑሱብ ጌረ እያ ዝትርጉማ ።

  • wedifre July 5, 2015

    Dear Mesinas,

    I am delighted to see your article back in Assenna!!!!!
    Thank you for giving the right words for the ” GUAHMAM KELBI”
    He can only bark but not beat!!!
    It is good to read him to measure the despiration of our ememy ISEYAS.
    Meskereme is a good scale of HIDEF’s temperature. All is out of despiration.

  • Gerimuna July 5, 2015

    Mesina hawai! I feel proud of you along with the legend Aman as almost all Eritreans, except few yes men and women of wicked dictator followers for use.
    The sell-out website, meshrefet, had declared war years ago not now.
    I feel sorry for all the brave Eritrean freedom fighters ELF, alive and past, that Meshrefet is using them to improve its image to hide its real identity. It should be deprived and hosted by other’s, such as Assena or Asmarino or similar, where they belong to their right place included with EPLF former fighters,martyred and alive, Meshrefet should not have anything to do with to polish its tarnished image.
    Those great men should have been back home well rather than foreign land respected and taken care of. They become an easy target for Meshrefet to bait.

  • hailino July 8, 2015

    There is an Eritrean saying which goes” Etom Aklabat Yonebhu Eti Gemel Megedu Yikisil”. So let’s FOCUS on the main issue. Nibeal wedi general quelbna,Ezninan gizienan aynihabom.

    Ajona Tirah!!!

POST A COMMENT