Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርብዒ ዘመን ኮይኑ!

ርብዒ ዘመን ኮይኑ!   ናጽነት ፍረኺ ከየስተማቐርና ብዘይሕግን ፍርድን እናተቐየድና ብኩፖን ክንቅለብ ሪጋ ተሰሪዕና ናብ ቦጣት ክንጎዪ ፊስቶ ተሰኪምና መላኽን ሰዓብቱን እናኣሳቐዩና ልደትኪ ክንጽንብል ስምኪ እናዘመርና ርብዒ ዘመን ኮይኑ ሰለም ከየበልና!   *ናህያ እንከለኺ ኣብ ሽግር ክንነብር            *ራህዋ *ጸዳል እንከለኽስ ኣብ ጸላም ክንሰፍር        *ብርሃን ምስ ዕቚር ሃብትና

ብዒ ዘመን ኮይኑ!
 
ናጽነት ፍረኺ ከየስተማቐርና
ብዘይሕግን ፍርድን እናተቐየድና
ብኩፖን ክንቅለብ ሪጋ ተሰሪዕና
ናብ ቦጣት ክንጎዪ ፊስቶ ተሰኪምና
መላኽን ሰዓብቱን እናኣሳቐዩና
ልደትኪ ክንጽንብል ስምኪ እናዘመርና
ርብዒ ዘመን ኮይኑ ሰለም ከየበልና!
 
*ናህያ እንከለኺ ኣብ ሽግር ክንነብር            *ራህዋ
*ጸዳል እንከለኽስ ኣብ ጸላም ክንሰፍር        *ብርሃን
ምስ ዕቚር ሃብትና ጾምና ካብ ንሓድር
ናጽነት መልክዕኪ ኢሉና ድንግርግር
ባዕዳውያን ገዛእቲ ንሕሉፍ ዘዘዝክር
ፍረ ናጽነትዶ ከም ሑሞር ይመርር!? 
መግለጺ ዘይብሉ ኮይኑና መስተንክር!
 
በዕጽምትና ኮስኲስና ደምና እናኣስተና
ደኲዕና ኣስቢሕናኪ ስጋና እናኣምከኽና
ኤርትራ ስለኺ ክንዲ እተበጀና
መዋእልና ከርተት ራህዋ ከይረኣና
እንታይ እዩ ሓጥያትና ንሳቐ ዘለና!?
 
መልሲ ናጽነት ሕቶና ዘርዚርኪ
ኣብ መቚሕ ክንነብር ኣእጋርና ቀፊድኪ
መሰል ከይንሓትት ብኣፍና ዓቢስኪ
ብስም እዛ ሃገር ምኽንያት ፈጢርኪ
ጊላታት ክንከውን ኣገልገልቲ ምልኪ
*እልበት ተጽግብናስ እንታይ በዲልናኪ!?   *ሓሳረ መከራ
 
እወ ተዛረቢ ሓቁ ንገርና
ሕሰምን መከራን ንኹሉ ክኢልና
ብተስፋ ክንጽበ መሬት ክወግሓልና
ኣብ ማእከል ዓድና ሪም ናይ ኣቦታትና
ቤት ምስ ሃነጽናዮ ዘይክፈል ከፊልና
ሸፋቱ ብሓይሎም ስለ ዘፍረሱልና
ኣብ ቁርን ጸሓይን ተደርቢና ኣለና!
 
መጽለሊ ስድራቤት ብመደብ ዘዕኑ
ሃገርና ዘጸልምት ዓለም ብብርሃኑ
ብመቑነን ዝቕልብ ብኩፖን ዓቒኑ
ንጹሃን ዘሕቅቕ ኣብ ማሕዩር ዳጒኑ
ድያብሎስ ከሽካዕልል ህዝቢ በታቲኑ
ናጽነት ትርጉምኪ እዚ እንተ ኾይኑ
ብኻ ነጊርክና ከሎ ብእዋኑ!
 
ኣቱም ሰብ ግዜ ግን ጓይላ ዝሓዳርኩም
*ዘላሚ ብንዕቀት ክደፍር ኣሕዋትኩም             *ረጋጺ
ክንዲ ዓገብ ትብሉ ኣብ ሓደ ሰሚርኩም
ህዝቢ እናተገፍዐ ስቕታ ዝመረጽኩም
*ፋኖ ምስ ሰገረ ጽባሕ ናባኻትኩም                 *ቀይዲ በተኽ፡ ሽፍታ
ጥርጥር የብሉን ከም ዘጣዕሰኩም!
 
እቲ *ቊናን ጠንቁን ብኣኡ ዝምኽነ  *ሽግርን ጸበባን
ዓለም ዝፈረዶ ናትና ከም ዝኾነ
ኣምሊሱ ዘውሕሶ ስርዓት ምስ ተሳእነ
መላኽን ስርዓቱን ስለ ዝቖንቆነ
የማሓድሮ ኣሎ ብሓይሉ ወያነ!
 
እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ግን ናይ መከራ ንጉስ
ኣብ ክንዲ መሬትና ካብ ባዕዲ ዘምልስ
ገዛ ናይ ድኻታት *ብዶዘር ከፍርስ                               *ደግዳጊት (ብእንግሊዝኛ)
ሰራዊት ኣኽቲቱ ብለይቲ ዝግስግስ
ነዚድዩ ናጽነት ክንገብረሉ ድግስ!?
ከብዲ ብጥሙዩ እኽለ-ማይ ከነፍስስ!?
 
ቅዋምና ቀቲሉ *ፋኖነት ዘጽደቐ           *ቀይዲ በተኽነት
ዓማጺ ኣብ ደልሃመት ብፍሽለት ኪሳቐ
ናይ ተፈጥሮ ኮይኑ ጸሓይ ተበረቐ
ልቡ *ብልሑፉ ስኑ እንተ ሰሓቐ          *ብሕዙኑ
ብሓሪር ሸፊንካ *በድኒ ተብረቕረቐ     *ሞይቱ ነዊሕ ዝገበረ ሬሳ
*ዓምቢ ኣይጥጥዕን’ዩ ስለ ዘይወደቐ     *ብደዉ ነቒጹ ዝቦኽቦኸ ቈልቋል
ጽባሕ ከልቅስ’ዩ ሎሚ ዝሰሓቐ!
 
ከምቲ ትማሊ ጀጋኑ ሰማእታትና ሰሚሮም ናጽነት ዘጓነጸፉና፡ ሎሚውን ሓርነት ንምጉንጻፍ፡ ሰሚርና ንቃለስ!
 
ርሑስ ናይ ብሓቂ በዓል ናጽነት ነስተማቕረሉ ዓመት ይግበረልና!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 24/05/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT