Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርእይቶን ምሕጽንታን ንኣሰናን ንኹሎም ደላይቲ ፍትሕን፥

ርእይቶን ምሕጽንታን ንኣሰናን ንኹሎም ደላይቲ ፍትሕን፥   ነቲ ዕድሜኡ ሙሉእ ብጽንዓትን ሓቦን ንፍትሕን መሰልን ዝተቓለሰን ገና ዝቃለስ ዘሎን ክቡር ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ 'ጽናዕ! ኣጆኻ! ኣብ ቃልሲ ክትደፍእን ክትድፋእን ዝነበረን ዘሎን'ዩ!' ብምባል፡ ተስፋ ኣይትቑረጽ ክንብሎ

ርእይቶን ምሕጽንታን ንኣሰናን ንኹሎም ደላይቲ ፍትሕን፥
 
ነቲ ዕድሜኡ ሙሉእ ብጽንዓትን ሓቦን ንፍትሕን መሰልን ዝተቓለሰን ገና ዝቃለስ ዘሎን ክቡር ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ‘ጽናዕ! ኣጆኻ! ኣብ ቃልሲ ክትደፍእን ክትድፋእን ዝነበረን ዘሎን’ዩ!’ ብምባል፡ ተስፋ ኣይትቑረጽ ክንብሎ መስሓቕ’ዩ ኪኸውን። ከመይሲ፡ ነቲ ዓመታዊ ኣዝመራ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ወትሩ እንተላም ያሒት ዝሓፍስ ህርኩት ሓረስታይ፡ ኣጋባብን ጥበብን ማሕረስ ከም ምምሃር ስለ ዚሕሰብ። ስለዚ፡ ንሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ከምኡውን መሳርሕቱ ኣባላት ኣሰናን ኩላቶም ደገፍቱን ከምቲ ትማሊ ‘ንጸላኢ ብብረቱ’ እናተባህለ ካብ ባዶ ኣብ ዓወት ዝተበጽሐ፡ ሎሚውን ብተመሳሳሊ ከይተሓለልካን ተስፋ ከይቆረጽካን ብምስራሕ፡ ኣብ ዓወት ሓርነት ከም ዚብጻሕ ጥርጥር የብሉን’ሞ ኣጆኹም ኣጆና ክብል እፈቱ።
 
ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ከኣ ነዚ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ብምኽንያት ምፍናው፡ ፈነወ ሳተላይት ኣሰና ዘስምዖ መደረ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓቅታትን ቀንዲ ድማ ሱር ሕሰምናን ጥፍኣትናን ዚኾነ ነጥብታት ብምጥቃስ፡ ደጊሙን ጸሚቑን ኣነጺሩልና ስለ ዘሎ፡ እዚ ሕልናና ክግንዘቦ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ’ዚ ብእዝንና ዘይኮነስ ብልብና ክንሰምዖን ከነድምጾን ዘሎኒ ተስፋ ልዑል’ዩ።
 
መቸም ሓርነቱን ሓርነት ህዝቡን ክርኢ ዘይደሊ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ዋላውን እቶም መታን ንዓዲ ክመላለሱን ኤርትራዊ ዜግነቶም ብመላኺ ከይምንዝዑን ኢሎም፡ ብሓሶት ‘መንግስትና’ ዝብሉ ደገፍቲ ህግደፍ ሓርነት ይደልዩ እዮም። እዚ እንተ ደኣ ኮይኑ እቲ ሓቂ ደኣ’ሞ ስለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ነዚ ሓርነቶምን ሓርነት ህዝቦምን ብሓይሉ መንዚዑ፡ ልክዕ ከም እንስሳ ንሓንሳብ ድማ ካብኡ ንታሕቲ እናረኣየ ዝጭፍጭፎም ዘሎ ውልቀ መላኺ፡ ኣብ ስልጣን ኪቕጽል ዝደልዩዎ ዘለዉ!? ኢልካ ክትሓትት ትግደድ። መልሲውን ኣይትረኽበሉን። ኣብዚ እዋን’ዚኸ ዚኣክል ገንዘብ ሃልዩዎ ኣጽቂጡ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ጽባሕ ንግሆ መሬት ምስ ነሃወ፡ እዚ ብዓል ጸጋ’ዚ ከመይ ኣቢሉ’ዩ ኣነ ተጃር (ሃብታም) ኤርትራዊ’የ ኢሉ ኣፍ ልቡ ነፊሑ ኪዛረብ!? እዞም ኣብ ስዊስ ገንዘብ ኣቐሚጦም ኣለዉ ዝበሃሉ ውልቀ ሰባትውን ከምኡ!
 
ላዕሊ በልና ታሕቲ ግን ጠንቂ እዚ ኹሉ ሕሰምን ውድቀት ኤርትራን ህዝባን እቲ ብዘይፍቓዱን ኣፍልጦኡን ሃመማውን ይኹን ንኺቕተል ዘየፍቅድ ውልቀ መላኺ ሙዃኑ ብኸመይ ክንሰትሮን ክንክውሎን ንኽእል!? ንሱ ሃገር ብዘይሕግን ፍርድን እናመርሐ፡ ውጹዕ ወጽዓኡ ኣቤት! ዝብለሉ መሓውራት ሕግን ርትዕን እንተዘየልምስ መን ንመን ክብድል ምደፈረ!? ኣብ ኤርትራ ሎሚ እቲ ዝዓበየን መዋጽኦ ዘይብሉን በደል፡ ሰብ ምቕታል ዘይኮነስ ንእኩይ ተግባራት ህግደፍ ሙኹናን ሙዃኑ ዘይፈልጥከ መን ኣሎ!? ሓደ ብዘይዚኾነ በደል ሰባት ዝቐተለ ዜጋን ሓደ ንህግደፍ ዝወቐሰ ተመሳሳሊ ዜጋን ገበኖም ኣብ ቅድሚ ህግደፍ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ እዩ ዘለዎ! ምኽንያቱ፡ ቀታል ሰብ ምናልባት እንተነውሐ ንዓሰርተታት ዓመታት ስድራኡ እናበጽሑዎ ክሕየር ይኽእል ይኸውን፤ እቲ ንህግደፍ ዝወቐሰ ሰብ ግን ኣብዚኣ ኣትዩ ከይተባህለ’ዩ ንሓዋሩ ዝሓቅቕ! ብሓጺሩ ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ነቲ ሓቂ ጽቡቕ ጌሩ ገሊጹዎ ስለ ዘሎ፡ ነቲ ንሱ ዝበሎ ኩልና እንፈልጦ’ሞ ምርዳኡ ግን ዚኣገመነ ሓቂ ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርና እናኣወዳድርና፡ ብልብና ነስተንትኖ’ሞ ንመላኽን ስርዓቱን ፎእ! ክንብሎም ሓቦን ትብዓትን ንወንን!
 
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ነፍሲ ወከፍ ንፍትሒ ይቃለስ ኣለኹ ዚብል ማሕበር ይኹን ውልቀ ሰብ ብዘየገድስ፡ ነዚ ‘ቃላት ብወርቂ ቀለም’ ኪብሃል ዝከኣል መደረ ሓውና ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ፡ ከም ዘለዎ፡ ወነንቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ፈነወኦም ደጊሞም ክውዝዑዎ፡ ውልቀ ሰባት ድማ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ (ፈይስቡክ) ክዝርግሑዎ ሃገራውን ህዝባውን ሓልፍነቶም ሙዃኑ ከዘኻኽር እፈቱ። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ወትሩ ዚብሎ፡ እቲ ከነተኩረሉ ዘለና ነገር፡ ‘ፍረ ሓረስታይ’ምበር እንታይነት ሓረስታይ ስለ ዘይኮነ!’  በዚ ምኽንያት ከኣ ምስ ኣሰና ዘሎና ርክብን ዝምድናን ብዘየገድስ፡ ነዚ መዘና ዘይብሉ ቅውም ነገር ግን ናብቲ ንቃለሰልካ ኣለና ንብሎ ውጹዕ ህዝቢ ብምብጻሕ፡ ጠንቂ ኩሉ ሕሰሙ ኣብ ጅባኡ ዘሎን ሓደ ሰብ ሙዃኑን ምስ ጭብጥታቱ ዘርዚሩ ንዘሎ መደረ ናብ ኩሉ ከንብጽሖ ይግባእ።
 
ዝኸበርካ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ነገር ክላበወካ ፍቐደለይ? ምስቶም ብዘየገድስ ብኸመይ ረኺቦሞ ሓደ ዘየሰክፎም ዕድል ግን ወኒኖም ዘለዉ ኣካየድቲ ራድዮ ኤረናን ከምኡውን ራድዮ መድረኽን ነቲ ዘሎካ ዘይምርድዳእ ምእንቲ ሓርነት ህዝብን ሃገርን ርእስኻ ኣትሒትካ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ናይ 24 ሰዓታት ፈነወ ክፈቕዱልካ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝብኻ ብወግዒ ሕተቶም! ዕላማኦም ከምቲ ዕላማኻ ህዝብን ሃገርን ካብዚ መዘና ዘይብሉ ሕሱም ምልካዊ ስርዓት ንምግልጋል ስለ ዚኾነ ከኣ ኣብቲ ንሳቶም ረኺቦሞ ዘለዉ ደምበ ፈነወ ኣቲኻ ጸጸርካ ክትድርቢ ከምዘይከልኡኻ ርግጸኛ’የ! ዋላ ንበዳሊ ይቕሬታ ክትሓት ግን ንስኻውን ምእንቲ እቲ ምሉእ ዕድመኻ ዝተቓለስካሉ ሓርነት ህዝቢ ንምዕዋት፡ ብስም ውጹዕ ህዝብን ብስም እቶም ምእንታኡ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታትን እምሕጸነካ ኣለኹ? የቐንየለይ።
 
ሓውካ መሲናስ 01/03/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • guesh March 2, 2015

    አማንኤል ናይ ብሐቂ ልቢ ዝትንክፍ ጽሑፍ አቅሪብካ ራድዮ አሰና ፈነወአ ተቋርጽ አላ ትብል ጽሕፍ ምስ አንበብና ልብና ምሳአ ትዓጽያ,ሰለዚ ዘይመስል ዝግበር ድአ ይገበር ንሕሰብ ድአ አንቱም አህዛብ እታ ልሳን ውጽዓት ዝኮነት ራድዮ አሰና ትዓጽያ ክባሃልሲ ብደውና ከለና ሞይትና አለና ማለት እዩ ሰለዚ አማንኤል ጅግና እካ እሞ አጆካ አይፋል ገለ ዳአ ንግበር ንሕናስ, Amanuel God bless you and i hope we will do our best thank Emma for your good service really Radio Assenna is the voice of voiceless Eritreans but you Amanuel you did your best without rest to service your people.

  • Anna George March 2, 2015

    ASSENNA and Amanual have done an excellent job and spent years broadcasting the message that Eritreans in the Diaspora support the people of Eritrea.

    It is important that that all Eritreans get together and support you by donating to the cause. It doesn’t matter how much. Every little bit helps.

    PLEASE, EVERYONE, DONATE SOMETHING TO KEEP ASSENNA BROADCASTING TO OUR BROTHERS IN ERITREA.

  • Ahbaret Tesfasghi March 2, 2015

    I’m with you. I support you

  • teame March 2, 2015

    assena congragulation assena redio closed

  • Dawit March 2, 2015

    ድሌትናን ተግባርናን እንተነዋሃህዶ፡
    ብእንካን ሃባን ልዝባዊ ምዕዶ፡
    ቅድመ ተደላይነቱ መንገዲ ንኸዶ፡
    ልፍንታዊ ቃንጃ ብወፈራ ጽምዶ፡
    ቀረባ ክኾውን ንሪኦ ብማዕዶ፡
    ብርሃን ኣሎ” ጸልማት ዝጋሮዶ፡
    ኣጆኹም ኣጆና ኣየድልዮን ሙዑዶ፡

    ድሕሪ ሞት ጥዕና ቕበጽ፡ከይኮነና፡
    ኢሂን ቢሂን ጥምረ ሓድነትና፡
    ገዛ መን ዘይተኻኾሔ እንታይ ተሪፍና፡
    ጃምላዊ ሂልቂታት እንብዛ ኣመና፡
    ጠንቂ ናዚ” ኹሉ ኢሾኽ ምዲሪ ቤትና፡
    ዓይንና እን”ዳሬኤ እንታይ ዓዚምና፡
    ንቃራረብ ኣይንማዓዳዶ፡
    ካብ ገበረኒ ክገብሮ ዱኹም እንዶ፡
    ንመን ይሕሾ ንመን፡ከ”ይገዶ፡
    ንባዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ ዝያዳ ክገዶ፡
    ወጽዓና ነናግፍ ሑዙና ንአብዶ
    ኣብ ናይ ታሪኽ ጋሓፍ ህግፍ ዝኸዶ፡
    ታሪኽና፡ነጸብቕ ዉርሻ ዎሎዶ፡

    ሓው ኣማኒኤል ኢያሱ፡ደላይ ፍትሒ፡
    መተርከስ ጎሮሮ ዋሕዚ ሰውሒ
    ተባዕ ወዲ ህዝቢ ቀታል ፍርሒ፡
    ገለ ብገርሃ ገለዉን ብጉርሒ፡
    ዋኑኡ ዘይፍለጥ፡ርስቲ መማስሒ፡
    ኹናት ዘይ ዋዓለ ቡዙሕ ተመካሒ፡
    ዑቑር ሃብቲ ሃገር ገዛ ሕጊ
    ፍትሒ፡
    ኣሰና ኣሰንውያን ናይ ባህግና ከብሒ፡
    ተናፋፊቕና ኣይንተርፍን፡ኣብ ኣጋ ወጋሕታ፡
    እኖሆ እንዶ ይረኤ ናይ ብርሃን፡ፈገግታ፡
    ነጋሪት ይህረም መለኸት እምብልታ፡
    ደበስ ኣዴታትና፡ንባህጊ ዕልልታ፡
    ከበሳ መታሕት ሃገር ብምልእታ፡

    ኩሉ ምስ ሓለፈ ገግናዩ
    ራህዋ ሰላም ሰሰናዩ፡
    ዉሕሉል ሜላ ገርጭት፡ኣብ ምላዩ፡
    እንባር ከስ ኣጆኹም፡ኣጆና፡
    ንመን፡ንጽበዮ ብገዛእ ዉራይና፡
    ንፉጹም ሓርነት ነባሪ ሂወትና፡
    ዓኾኻይ፡ንበሎ ጸላእ ሰናያትና፡
    ንልዕልና ሕጊ ንመሰል ርትዕና፡
    ኩዉን ንምኻኑ ሕድሪ ሰማእታትና፡

    ይአክል ንበሎ ሕሰም መከራኡ፡
    ፋሕ ብትን ስድራ ቤት ቡዙሕ ተወጹዑ፡
    ሃየንታ ህጻናት፡ዝርንዛሕ ዝነብዑ፡
    ጽባሕ ውግሕ ኢላ ኣንቱም ተላኹዑ፡
    ንህዝባዊ ፍርዲ ብሕጊ ሉኩዑ፡
    ወጽዓ ህዝቢ ኣይተርፍን ወዲቑ፡
    ልቦና ግበሩ፡ብህዝቡኹም፡ጹንዑ፡
    ናይ ሓባር ፍታሓት ግዜ ኣይትብሉዑ፡

    ጥምረ ሓድነትና”
    የቡሉን መዘና”
    ኣይፍልናን ንበሎ ዝወዛዛዓና
    ዳዊት ክፍለዝጊ
    USA,

    ቱርጉም ኮንቱ ኣልቦ ከምከልቢ ፡ነባሒ፡

    ብርሰት ሃገር እንብዛ፡ኣመና፡

  • az March 2, 2015

    Look at this stupid post
    http://www.eritrea-chat.com/eritrea/chronology-of-eritrean-history/

    It say Eritrean history but starts from 1941 after mentioning 1891 in one sentence. Stupid! Eritrea was literally created by SHaebia

  • Mesinas March 3, 2015

    እቲ ዚብሃል ኩሉ ኢልኩሞ ኢኹም ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን። እተን ተሪፈን ዘለዋ ክልተ ነገራት ጥራይ እየን።

    ቀዳመይቲ፥ ሓው ኣምኑኤል እያሱ፡ ልቢ ኣዕብዩን ትብዓት ተቐኒቱን ነቶም ናይ ፈነወ ዕድል ረኺቦም ብዘይስክፍታ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤረናን መድረኽን ምትሕብባሮም ብወግዒ ምሕታት ክትከውን ከላ፣ (ነዚ ሃሳብ’ዚ ግን ገለ ኣሕዋት ከም ምንብርካኽ ዝቖጸሩዎ ስለ ዘለዉ፡ ብዛዕባ’ዚ ውስጠዘ እዚ ገለ መብርሂ ክህብ ፍቐዱለይ? ብዙሓት ግን ነቲ ምስጢሩን ትርጉሙን ዚብል ስውያ ትግርኛ ተረዲኦሞ ኣለዉ። ሕጂ ነቶም ንበዳሊ ይኹን ተበዳሊ ሓገዙ ምሕታት ከም ርእሰ ምትሓት ጌሮኦም ዝወሰዱዎ ኣሕዋትና’የ መብርሂ ክህብ።

    ትርጉሙ ንጹር’ዩ። ሓገዝ ካብ ኣሕዋትካ ምርካብ’ዩ፤ እቲ ምስጢሩ ግን ሓድነት’ዩ። ምኽንያቱ፡ እዘን ትካላት’ዚኣተን ነታ ከምቲ ናታተን ንህዝቢ ሓርነት ንምጉንጻፍ ዕላማ ዘለዋ ትካል ኣሰና ምድጋፍ ማለት፡ ዕምሪ ምልኪ ምሕጻር ማለት ስለ ዚኾነ፡ ሓንጎፋይ ኢለን እንተ ደኣ ሓጊዘንኣን ኩላተን ሰሚረን እናተመላልኣ እንተ ሰሪሐንን ድርብ ጽፍዒት ነቲ ብምብትታንና ዝነብር ዘሎ ሕሉቕ ስርዓት ስለ ዚኾነ ዓቢ ረብሓ’ዩ ዘለዎ። ርእሱ ዘትሓተ ሰብ ከኣ ኣብ መወዳእታ እቲ ዚለዓለ ንሱ ከም ዚኸውንን ከም ዚሽናህን ንኹሉ ብሩህ’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ኣሰአና ነተን ኣብ ካልእ ድፋዕ ዓሪደን ዘለዋ ኣሃዱትታት ደለይቲ ፍትሒ፡ ሓገዘን ምሕታታ ንቡር’ምበር ነውሪ ኣይኮነን! ነፍሲ ወከፍ ደላዪ ፍትሒ፡ እንኮ ጸላኢ ጥራይ ከም ዘሎዎ ኪእምናለዎ! ንሱ ከኣ ደማሕን ጭፍራኡን’ዮም!

    ካልኣይ፥ ከምቲ ብዙሓት ተባዓት ሃገራውያን ገሊጾሞዘለዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ፍትሒ፡ ዋላ ሓንቲ ሳንቲም ንማዓልቲውን ትኹን ብስሩዕ ዘወፍየሉ መገዲ ኪፍጠር ኪኽእል ኣለዎ። ዚብል ርእይቶ ኣሎኒ። የቐንየለይ።

  • gerimuna March 3, 2015

    Amanuel, This is a bad news for many. For different reasons, not all has done its share to avoid this to happen. You have done your job with a class and should raise you head and be proud. You already made history and history can not be changed. Should an opportunity comes as Misnas alleges allow it to happen. But to see assennana mute would affect many not only politically but also mentally. That is a double wedge sword in the stomach for a real opposition and pancake for the fascist waded in Asmara and his blind supporters. But, still victory is inevitable. whatever its outcome would be we appreciate, respect and admire you forever.

  • wedifre March 4, 2015

    Dear brothers and Sisters,

    It is in our hand to revitalize ASSENNA!!!
    Amanuel has done his due and it is up to us to contribute as much as we can to be the voice to the voiceless mass in the open prison called Eritrea!!

    AINESTEMASIL IDNA NIZERGIH. AQMINA AWAZIINA NIAASSENNA HIWET NIMLESELA!!
    Ajokum Ajona Sinina Nekisna Newazii!!!

    • Ahbaret Tesfasghi March 4, 2015

      we agree and we are ready to send him some money to support him. I hope others also contribute to this good cause as soon as possible.

  • Genet-orginal March 5, 2015

    Simon G.
    I appreciate your tough love!!
    I go away for a few days and I hear the Great and heavyweight RADIO ASSENNA IS IN TROUBLE. Shame on us all is right.

    Simon G. Brother, are you ready?. I am pledging $500 to be sent within one week, for the return of the Great Radio Assenna. I Challenge every Eritrean and others who are justice seekers to give from their heart. Give generously and give now!!!!!!!!!!!. We have to give as much as we can afford. let us do it. let us show dictator Isayas that we are alive and serious.

    Who is with me??????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????
    Can you hear me?????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????
    Any one, Pledge now to give within one or two weeks. Let us see it. FYI, amount of $$$$ is not important. Just do it, Give!!!!!!!!!!!!!!!

    Genet-O

    VA:D [1.9.22_1171]

POST A COMMENT