Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርእይቶይ ብዛዕባ መጽሓፍ ኣቶ ሑሩይ ተድላ ባይሩ – ብ በረኸት ካሕሳይ.

'Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution ('ንጹር ጠመተ ኣብ ጉዳይ ግርጭታት ኤርትራን ኢትዮጵያን: ተኽእሎ ሰላማዊ ፍታሕን) ዘርእስታ መጽሓፍ ብ ኣብ ስቶክሆልም፣ ስዊድን  ዚቕመጥ

‘Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution (‘ንጹር ጠመተ ኣብ ጉዳይ ግርጭታት ኤርትራን ኢትዮጵያን: ተኽእሎ ሰላማዊ ፍታሕን) ዘርእስታ መጽሓፍ ብ ኣብ ስቶክሆልም፣ ስዊድን  ዚቕመጥ ገዲም ተጋዳላይ ሑሩይ ተድላ ባይሩ ብቋንቋ እንግሊዝ እተጻሕፈት ኢያ። ብኣገላልጻ ጸሓፊ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሰፋሕ ብዙሕ ጻዕሪ እተገብረላ ኮይና፡ንጉዳያት ተርእዮታት ግጭታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1941 ክሳብ 2011 ዘጠቓለለት፡ ንሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ውድባት ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያን፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ መን ዓብለለ ብዝብል ቁሩቁስ ዘካየደኦ ዘይሓላፍነታዊ ኵናት-ሓድሕድን ብመጽናዕቲ እትድህስስ ኣብ ናይ ሓቂ ነዊሕ ውልቃዊ ተመክሮን ዕቱብ ትንተናን እተመርኰሰት ኢያ። ዑምቀትን ትሕዝቶን እዚ ህያውን ሓቅነቱ ዘይተጀለሐን መጽሓፍ፡ ላዝኡ ከየጥፋእኩ፣ ግዜይን ዓቕመይን ከም ዘፍቀደለይ፣ ይሕግዝ ኢዩ ዝብሎ ገለ ኣገደስቲ ንክትዕ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት፣ ፍሉይ ርእይቶ-ሓሳባትን (perspectives) ከምኡ’ውን ብጥንቃቐ ዝተቐመጡ ርጡባት ዝመስሉ መደምደምታታት ጸሓፊ፣ ብነቐፌታዊ ጽሑፍ መልክዕ ነቲ ትንተናን ግንዛበን ንምግምጋም ብማለት ብቋንቋ ትግርኛ ርእይቶይ የቕርብ ኣለኹ።

እዛ 308 ገጻት ዝሓዘት ብሓያሎ ኣሳእልን ሓደ-ሓደ ሰነዳትን እተሰነየት መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ቀረባ ግዜ ተሓቲማ ንህዝቢ ተዘርጊሓ ኣላ። ኣቐድም ኣቢሉ ‘ውን ትካል ምሕታም መጽሓፍቲ The Red Sea Press ድሮ ሓጺር ጹሟቕ ትሕዝቶ መጽሓፍ (blurb) ኣቶ ሑሩይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘርጊሑ ስለዝነበረ ብምክትታል፡ ንኸንብባ ኣዚየ ተሃንጠኹ፡ ከመይሲ እቲ ኣርእስቲ ሓያልን ኣገዳስን ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እዛ መጽሓፍ “ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ተርእዮታት ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢዮጵያን ትድህስስ፣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ  ሕብረተ-ሰብ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሓት ብምምርማር ኢያ።’’ ኩሉ ካብ 1941 ክሳብ 2011 ዝተኻየደ ግጭታት — ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ይኹን ዶባዊ ግጭት ናይ 1998-2000 ከምኡ`ውን ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ኣንጻር ዲክታቶርነት ኣብ ኤርትራ “ንማእከላውነት ናይዚ ዚካየድ ዘሎ ተርእዮታት ተረጋግጽ።”

ካብ ዘገርም ነገር፡ሓንሳብ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ብዛዕባ ተራ ስድራ-ቤት ባይሩ ዑቕቢት (ኣቦን ኣቦ ሓጎን ጸሓፊ) ኣብ እምቢታን ቃልሲ ምዕቃብ መሬታዊ ክልን መንነትን (A family of irredentists) ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን ኢሉ ኣጉሊሑ ገሊጽዎ ዘሎ ጸሓፊ ከተንብቦ ምስ እትጅምር ካብ እትግምቶ ንላዕሊ ፍጻሜታት ወይ ዛንታታት ክቕልቀሉ ይጅምሩ እሞ ነታ መጽሓፍ ኣቐምጣ ኣይመጻካን። ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ጸሓፊ ካብ 1946-1959 ዘተኮረ እኳ እንተኾነ፡ ንዕኡ ተኸቲሉ ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ቅድሚ ሕጂ ዝተነግረን ዘይተነግረን ኣርእስታት፡ጉዳያትን ፍጻሜታትን ብኻልእ ሓድሽ ጠመተ ወይ ኣቀራርባ ዝመስሉ ጉዳያት ፖለቲካዊ ተሞክሮታት ኤርትራ ናይ 1940ታት ይትንትን። ጸሓፊ ነቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ ድራኸ  ከምኡ ‘ውን ዕላማ፡ወዘተ ብመንጽር ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት እቲ እዋንን፡ ተራ ናይ ባዕዲ ሓይልታት፣ ብፍላይ ድማ ኣሉታዊ ግደን ጽልዋን ምትእትታው ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣልዒሉ ይመራመር ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገላልጻ፡ ጸሓፊ ሕብእብእ ብዘይብሉ መገድን፡ ናይ ከም በዓል ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ መጽሓፍ ‘ኣይንፈላለ’ ተወኪሱ እንዳ ጠቐሰን  እናኣነጻጸረን፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ከም ልሙድ ተወሲዱ ‘ማሕበር ፍቕሪ ሃገር’ ብ ሓልዮት ኢትዮጵያ ተመስሪቱን ይምወልን ነይሩ ንዝብል ተረድኦ ብመርትዖታት ኣሰኒዩ በዲህዎ ኣሎ። ‘ማሕበር ፍቕሪ ሃገር’ ኣብ 1941 ብነጻ ድሌት ንምስሊ ብዙሕነት ኣካናውና ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብዘንጸባርቕ ኣገባብ ብተበግሶ ደቂ-ሃገር ዝቖመ (ብክርስትያንን ኣስላምን፡ወዘተ) — ኣመሳስርትኡ ከኣ እቲ ስም ማሕበር ከም ዘመልክቶ ኡኩብ ድምር ናይቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ሕሉፍ ጽልኢ መሪር ፋሽሽታዊ መግዛእቲ ጣልያን ዝነበሮም ድሕረ-ባይታ ተቓለስቲ ሓርበኛታት ደቀባት (irredentists)፣  ከም ኣቦ ሓጎ ጸሓፊ ዝኣመሰሉ ኢዮም ነይሮም ኢሉ የረድእ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ካብ 1941 ጀሚራ ንባዕላ ኣብ ትሕቲ ጽግዕተኝነት  ብሪጣንያ ሰለዝነበረት– ኣብ ምምስራት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ምንም ክትጸልወሉ ዘኽእላ ዓቕሚ ይኹን ዝምችእ ሃዋህው ኣይነበራን፡፡

ካልእ “ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ ብሽርሒ ‘ማሕበር ኣንድነት ተበታቲኑ” ንዝብሉ ዝጸንሑ ልሙዳት መወከሲ መጽሓፍቲ ምስ ካልኦት ሓበሬታት ኣብ ጭብጥታት ዝተሞርከሰ መጽናዕትን ምርምርን ጸሚዱ እንደኣወዳደረን እንደኣዛመደን (compare and contrast) ክሙጉቶም ይጸንሕ እሞ፡ ተመሊሱ ድማ “እቲ ሓቂ ከምኡ ዲዩ ነይሩ ደኣ?” ኢሉ ሕቶ ወስ የብል። ኣብዚ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ንምውሳን ሉኡኻት 4 ሓያላን ናይ ኪዳን ሓይልታት ንኤርትራ ኣብ ኣብ ዝመጽሉ እዋን፣ ሓደ ኮይንና ንግጠሞም ኢሉ ዝተጸውዐ ናይ ምምኽኻር መኣዲ ዘተ፡ ካልኣይ ዋዕላ ኣብ ሕዳር 1946 እሞ ድማ ዝፈሸለ፡ “ብሰንኪ ገለ ካብ መንጎ መስረትቲ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝነበሩ ድሒሮም ግን ማሕበር ትግራይ ትግርኚ ዝመስረቱ ዘልዓልዎ ሕቶ: መደብ ምፍጣር ሃገረ ትግራይ – ትግርኚ ኢዩ” ዝብል መርገጽ እምንቶ ጸሓፊ።

ብሪጣንያ ንናህሪ ህቡብነተን ሰዓብነትን ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ንምቑጻይ ኢላ — ልክዕ ከምቲ ብማህተማ ጋንዲ ዝምራሕ  ዝነበረ  ምንቅስቓስ ኮንግረስ ፓርቲ ህንዲ ንምኽታም መግዛእቲ ዝጠልብ ንምጉዝዛይ ኢሎም ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ናይ መሓመድ ዓሊ ጂናሕ ኣብ ምፍጣር ዝተዋስአት ኣብ ኤርትራ `ውን ከምኡ ገበረት– ሓድነት ክርስትያን ኣስላም ኣብ ውሽጢ ማሕበር ፍቕሪ  ሃገርን ኤርትራን ንስባር ኢላ ። ምስዚ ኣተኣሳሲሩ ጸሓፊ፣ “ዋላ እኳ ብሪጣንያ ከምቲ ኣብ ህንዲ ዝገበርዎ፣ ኣልራቢጣ  ኣልኢስላሚያ ኣብ ኤርትራ እንተፈጠሩ፣ እንተኾነ ግን ናይ ኤርትራ ቅዳሕ ፓኪስታን ክፈጥሩ ምንም ኣይከኣሉን።” ትልሚ ብሪጣንያ ሕንፍሽፍሽ ፈጢርካ፣ ነቲ ዝድንፍዕ ዝነበረ ንቕሓት ሃገራውነት ንምድኻም ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት፣ ብነሓሰ 1946  ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ቅትለት ኣብ ልዕሊ 50 ንጹሃት  ኤርትራውያን ክርስትያናት ብሱዳናውያን ወተሃደራት ኣብ ኣስመራ፡  ብሰላሕታ ኣቐዲሙ ዝተወጠነ  እከይ ተግባር ብሽርሒ ብሪጣንያ ምንባሩ ይበርሃልካ። “ነቲ ዝተፍጸመ ህልቂት ብምቅዋም  ተደላ ባይሩ ብገዛእ ፍቓዱ  ካብ ናይ ስራሕ መዝነቱ ምስ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ለቒቑ። ምስዚ ተረኽቦ ጃምላዊ  ቅትለት ተኣሳሲሩ  ገለ መንእሰያት ብዘበገስዎ ነብሰ ምክልኻል፤ ከም ግብረ-መልሲ ኣብ ኣስመራ  ምትእኽኻብ ክገብሩ ተገደዱ። ይኹን ‘ምበር እዚ ምንቅስቓስ በብቕሩብ ናብ ምሉእ ውህደት ምስ ኢትዮጵያ ዝጠልብ ማሕበር ኣንድነት ተለወጠ” ኢሉ የረድእ።

“መደብ ወይ ዕላማ ናይ ምንቅስቓስ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፤ ኩነታዊ ሕብረት ዝጠልብ — ርእሰ-ምምሕዳር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መቓን ንግስነት ኢትዮጵያ ኮይኑ; ክሳብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ወይ ሓራካ (ማሕበር ሸውዓተ) ብ 1958 እትምስረት፡ ዋላ ሓንቲ እኳ ካብተን ቅድሚኣ ዝነበራ ፖለቲካውያን ማሕበራት ወይ ሰልፍታት ቅጽበታዊ ነጻነት ሃገር ዝጠልብ መደብ ዝነበራ ኣይነበረትን” ምኽንያቱ፡ “ካብኣተን ንሰለስተ ገዘፍቲ መምዘኒ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ መለክዒ    ከም: 1. ሓድነት ህዝቢ ምሕላው ፡ 2. ቃልሲ ጸረ- ህልውና ባዕዳዊ መግዛእት ምክያድን 3. ዘይኩነታዊ (unconditional) ፡ ቅጽበታዊ ሉኡላውነትን ነጻነት ሃገርን ምሉእ ብምሉኡ ጠለባት ዘረጋግጽ ካብ መንጎአን ኣይነበረን” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ከኣ ኣብ ኤርትራ መንግስታት ብሪጣንያን ከምኡ’ውን ኢጣልያን ዕላማታቶም ንምውቃዕ ዘኽእሎም ባይታ ንምርካብ በብወገኖም ብግብሪ ይሰርሑ ኣብ ዝነበርሉ 1940ታት “ነተን ደሓር ሰልፍታት ቀጽሪ ናጽነት ዝተሰምያ ይምውልወን ነበሩ። ንኣብነት፣- ብወገን ኢጣልያ ንሰልፊ ሓዳስ ኤርትራ – ሻራ ኢጣልያን፣ ማሕበር ኤርትራውያን ኢጣልያውያን ከምኡ’ውን ብሪጣንያ ነተን ናታ ሞግዚትነት ንዓሰርተ ዓመት ይሃሉ ዝብላ ዝነበራ ከም ሊበራላዊ ገስጋሲ ስልፊን ኣልራቢጣ ኣልእስላምያን ይምውላን የተባብዓን ነበራ” ካብዚ ሓሊፋ፣ ብዓሊ ርዳይ ዝምራሕ ኣልራቢጣ ኣልኢስላሚያ ምዕራባዊ ቆላ– ሰንሒት፡ባርካን ሳሕል ናብ ሱዳን ክጽንበራ ዝብል ኤርትራ ናይ ምንጻልን ምምቃልን (partition) መደብ ዘለዎ ሰልፊ ኣብ ምምስራት `ውን ብግብሪ ደገፈት።

ናብ ርእይቶይ ክምለስ፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ 1945፣ ንመጀመርታ ግዜ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ኣብ ኤርትራ ፣ ኣብ እዋን መሰል ርእሰ-ውሳኔ ወይ ምኽታም መግዛእትነት (decolonisation) ኢዩ ተቐልቂሉ። እዚ ተርእዮ ማዕበል ሃገራውነት ኣብ  ኤርትራን መብዛሕትአን ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያን ምዕራብን ዝነበራ ካልኦት ግዝኣታት ሓድሽ ኣምር ይኹን ‘ምበር፣ ሃገራውነት ዳርጋ ልሙድ መለለዩ መንፈስ (ethos) ናይቲ እዋን ብምንባሩ ከስፋሕፍሕ ጀሚሩ። እዚ ከኣ ሃገራውነት ፍሉይ ዘመናዊ ተርእዮ             (a distinctively modern phenomenon) ይገብሮ። በዚ ከኣ ብምምስራት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ኣብ 1958 ዝፈለመ ኤርትራዊ ሃገራዊ ንቕሓት ክፍጠር ከም ዝተኻእለ ይበርሃልካ።

ጸሓፊ ብዛዕባ ምውራድ መዝነት መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኣብኡ ኣብ 1956 ኣመልኪቱ፣ ብገዛእ ፍቓዶም ምንባሩ ይገልጽ። ብመጀመርታ ግን ንዝወከሎም ህዝቢ ኤርትራ ብምኽባር ኣብ ሲነማ ካፒቶል፣ ኣስመራ ጸዊዖም ንውሳኔ ስንብትኦም ዝምልከት ቃል ኣስሚዖም። ናይ ደጃዝማች ተድላ ባይሩ ድሌታዊ ስንብታ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ዝተገንዘቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣”ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ንተድላ ባይሩ ስንብትኡ ክስሕብ ክልምንዎ መምርሒ ተዋህቦም፣ ይኹን ‘ምበር ድሕሪ ናይ 2 መዓልታት ልመና ተሰናበቱ።` እቲ ምኽንያት፣ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴን ተሓበበርቶምን ንውዕላት ፈደረሽን ዝጥሕስ ብተደጋጋሚ ዘይተደልየ ተግባራት ይፍጽሙ ስለዝነበሩ፣ ብሰላም ሓቢርካ ናይ ምንባር ዝነበረ ተኽእሎ መኺኑ።” ካብኡ ነቲ ብኣስፋሃ ወልደሚካኤል ዝምራሕ ዝነበረ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ዝድግፉ፣ ተድላ ደጋፊ ፈደረሽን ይቃለሶም ነበረ።” ብድሕሪኡ ድማ ናብ ስደት ምስ ኣምርሑ ካብ 1966 ጀሚሮም ምስ ስድራ- ቤቶም ኣብ መሳርዕ ሰውራ ኤርትራ ምስ ተሓኤ ተሰሊፎም፣ ኣባል መሪሕነት እቲ ውድብ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ይፍለጥ።

ኣመዓባብላ መስርሕ ውሽጣዊ ምፍሕፋሓትን እምነ-ኩርናዕ ኣንፈታት ምምቕቓልን ኣብ ጀብሃን ፍጻሜታት (ኩናት ሓድሕድ?)

ጸሓፊ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ብ 1967  ኣብ ዝተጸንበረሉ፣ እቲ ውድብ ኣብ ዲቕ ዝበለ ሃይማኖታዊ፣ ኣውራጃዊ፣ ቀቢላ ዝመሰረቱ ድሕረትን ምክፍፋላትን ጠሊቑ ጸኒሕዎ። ካብዚ፣ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ምክፍፋልን ምግምማዕን ብምስዓብ ናይ ኣሉታዊ ውድድር፣ ምንጽጻግን ጽልእን መንፈስ ሒዙ ኣዕናዊ ሳዕቤን ከም ዘኸተለ የዘኻኽር። ንኣብነት፡-

  1. ኣብ 1965 ላዕለዋይ ባይቶን (ሃገራት ዓረብ ዝመደበሩ) ሰውራዊ መሪሕነትን (ከሰላ ዝመደበሩ) ጀብሃ (ተ.ሓ.ኤ) ኣብ ናይ ኣልጀርያ ኣብነት ምርኩስ ብምግባር፣ ሃይማኖታዊ ከምኡ’ውን ገለ ቀቢላዊ ሰረታት ዝሓዘ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ዘለዎ ኣገባብ ተጠቒሙ፣ ንተ.ሓ.ኤ ኣብ ሓሙሽተ ወተሃደራዊ ክፍልታት ድሕሪ ምምቃሉ ውጽኢቱ ኣብ ሰውራዊ ስርሓት ብኣሉታ ተንጸባረቐ። ኣብቲ፡ “ጉዕዞይ ናብ ደማስቆስ፣ ሶርያ ኣብ 1967-68” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ጸሓፊ “ኣብ ደማስቆስ ሓደ ነገር ተዓዚበ፡ ንሱ ከኣ ንጉዳይ ርእሰ-ማል ወይ ሃብቲ (resources) ተ.ሓ.ኤ ብዝምልከት መን ይቆጻጸሮ ብዝብል ክርክር ኣብ መንጎ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ምስ እድሪስ መሓመድ ኣደምን እድሪስ ግላውዲዮስን ነቓዕ ተቐልቀለ።”
  2. ኣብ 1969 ዘይሕጋዊ ጉባኤ ኣዶብሓ ተኻይዱ፣ ካብኡ ድማ ቕያዳ ኣልዓማ (ግዝያዊ ጠቕላሊ መሪሕነት) ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብዘይተመርጹ 38 ኣባላት ቆመት። ይኹን ‘ምበር ነቲ ድሮ ይጉህር ዝነበረ ፍልልያት ኣብ መንጎ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ዑስማን ሳልሕ ሳበን (ወዲ ቀይሕ ባሕርን ተደናጋጺ ሳልሰይቲ ክፍልን) ምስ እድሪስ መሓመድ ኣደምን እድሪስ ግላውዲዮስን (ባርካን ሰንሒትን) ኣባላት ቅያዳ ኣልዓማ ግዜ ከይወሰዱ ንሹዱሽተ ደቂ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ኣባላቶም ብዘይ ሕጊ ብምእሳር ነቲ ጋግ ኣውራጃዊ መልክዕ ከም ዝሕዝ ከም ዝገበርዎ ይዝከር። ብተወሳኺ ቕያዳ ኣልዓማ ካብ ሃይማኖታውን ብሄራውን መበገሲ ንወልዳይ ግደይን ኪዳነ ክፍሉን ከም ዝቐንጸለት ይፍለጥ፣ ኣብዚ ብፍላይ እኳ ጸሓፊ ምስ ኪዳነ ክፍሉ ዝነበሮ ጥቡቕ ሰውራዊ ዝምድናን ምልእኣኽ ደብዳቤታትን ዘርዚሩ ገሊጽዎ ኣሎ።

መርገጽ ጸሓፊ ብዛዕባ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተኻየደ ንዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ውግኣት ድሕሪ ቀዳማይ ጉባኤ ጀብሃ ኣብ መወዳእታ 1971 “ናይ ስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ጌጋ ኢዩ – ንሱ ኢዩ ውግእ ኣዊጁ ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ። በዚ መሰረት ከኣ ጀብሃ ኣብ ነብሰ ምክልኻል ኢያ ተጸሚዳ ነይራ” ይብል። ከም ምክትል ዋና ጸሓፊ መጠን ንሱ (ጸሓፊ) ንጀብሃ ወኪሉ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ንህዝባዊ ሓይልታት ነቲ ውግእ ንምቁራጽ ኣብ ደቡብ የመን ከምዝተፈራረሙ፣ ብድሕሪኡ እቲ ካብ ሃገራት ዓረብ ዝተለገሰ ዕጥቅን ስንቅን ካልእን ክወስዱ ከምዝኸኣሉ ይሕብር።                                                                                                              ምትእትታው ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ሰውራ ኤርትራ

መብዛሕትአን ስርዓታት ሃገራት ዓረብ ምስ ጀብሃ (ተ.ሓ.ኤ) ጠጠው ኢለን ድጋፍ ዝልግሳ ዝነበራ፣ ብፍትሓውነት ናይ ገድሊ ኤርትራ ተደሪኸን ኣሚነን ዘይኮናስ፣ ንውድባት ኤርትራ ከም ጂኦ- ፖለቲካዊ ረብሕአን ንምሕላው፣ ከምኡ’ውን ንምስፍሕፋሕ ዓረባውነትን (በዓስነትን) እስላምነትን ገለ ‘ውን ከም ናይ ማሕበርነት መሳርሒ ንምጥቃም ምንባሩ ኢዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣቶ ሑሩይ፣ “ኣብ ግንቦት 1975 ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ሓራ መሬት ኤርትራ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ መንግስቲ ዒራቕ (ሰልፊ በዓስ) ልኡኽ፡ ኣቡ ዓላእ ዝበሃል ዒራቓዊ ኣብኡ ተረኺቡ፡ ድጋፋቱ እንዳንበልበለ ገባርን ሓዳግን ኮነ። ብሰክረታሪያት ጉባኤ ኣባል ኣምራጺት ሽማግለ ኮይኑ ዘይተመዘዘ ክንሱ ግን ብሰንኪ ምእዙዝነት ናይ ስልጣን ጉጅለታት፡ ንገዛእ-ርእሱ ኣገዲዱ ብምምዛዝ ንውጽኢት ጉባኤ ጸሊዎ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ዘይደልዮም `ውን ከምዘይምረጹ ገበረ።” በዚ ከኣ ሑሩይ ኣብ ጉባኤ ከምዘይተመርጸን፣ ኮይኑ ግን ድሕሪ ጉባኤ ካብ ከሰላ ናብ ካርቱም ብነፋሪት እናተመልሱ ከለዉ፡ ኣቡ ዓላእ ንሑሩይ ኣብ ዒራቕ መጺኡ ከሎ ብኣቐዲሙ ኣብ ስልጣን ዝነበረ በዓል-ስልጣን ንዝተዋህቦ ናይ ምትሕብባር ዕድል እሞ ከምዚ ኢሉ ኣዘዘኻኽሮ። “ዕዳኻ ምኽፋል ካብ ማራኽነት ስነ-ሓሳብ ዝሓሽ ምዃኑ ኣስተምሃረኒ” ይብል። ናይ ሊብያ ልኡኽ ብወገኑ `ውን “ንዓኻ ካብ መሪሕነት ንምልጋስ ዕማም ተዋሂብኒ፡ ንስኻ ግዳይ ኣህጉራዊ ውዲት ኢኻ።” ከይሓፈረ `ውን ”ንምዃኑ ከመይ ገይርካ ብሰላም ካብ ሜዳ ክትከይድ ፈቒዶምልካ” ኢልዎ ንሑሩይ።

ተርእዮታት ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ፈተናዊ (tentative) ፍታሕን
ኩሎም ዝተኻየዱ ግጭታት ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ክሳብ ሕጂ ማለት ኢዩ፡- ንታሪኻዊ ባህግን ድሌትን ምጉንጻፍ ናጽነትን    ልኡላውነትን ኤርትራ ካብ መግዛእቲ — ከምኡ ‘ውን ንድሌት ኢትዮጵያ ንምርካብ (ምጥቃም) ኣፍደገ ባሕርን ምስ ዝግንዘብ ጥራይ ኢዩ “ሓደ-ሰብ ንህሉው ናይ ውግእ ኩነታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን” ተረዲኡ “ፈተናዊ (tentative) ፍታሕ ናይቲ ግጭት” ከም ሓሳብ ከቕርብ ዝኽእል። ጸሓፊ ምስዚ ቀጺሉ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ሽግር ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ምኽንያቱ ክልተ ግዜ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጋውነት ስለዝለበሰ፡- ሓንሳብ ኣብ 1952 ኣብ እዋን ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብድሕሪኡ ከኣ ኣብቲ ኣብ 1993 ብተዓዛብነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ረፈረንደም።

ሽሕ እኳ ኣብዛ መጽሓፍ ክሳብ ሕጂ ዳርጋ ንኣውንታዊ ኣስተዋጽኦ ጸሓፊን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ፍጻሜታትን እንተገለጸት፣ ንውልቃውን ውድባውን ድኽመታትን ፍሽለትን ኣብቲ ባዕሉ ሑሩይ ዝተዋስኣሉ ተሞክሮታት ቃልሲ፣ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ እንተዝእመን እሞ፣ ሓላፍነት ወሲዱ፣ ከምዚ ዘይምግባረይ ጌጋ ነይሩ ወይ የጣዕሰሊ እንተዝብል፣ እዛ መጽሓፍ ዝያዳ መበርከተት ነይራ ምበልኩ።                                                                                                                                      ካልእ ነቲ ኣብ መንጎ ጀብሃን (ተ.ሓ.ኤ.) ህዝባዊ ሓይልታትን ዝካየድ ዝነበረ ውግኣት “ኩናት ሓድሕድ“ ኢሉ ካብ ምስማዩ ምቑጣቡ — ኣብ ክንድኡ ግን “ኩናት ጉጅለታት“ ምባሉ። ነዚ ኣመልኪቱ ጸሓፊ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኩናት ጸግዒ ወሲዱ ምስ ሓደ ወገን ኣንጻር እቲ ሓደ ወጊኑ ብንጥፈት ስለዘይተዋስአ እኳ ዝብል ምኽንያት እንተቕረበ፣ ብወገነይ ቅቡል ኮይኑ ኣይረኸብክዎን። ምኽንያቱ፣ እቲ ተሓኤ ኣንጻር ገለ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ተካይዶ ዝነበረት ውግኣት ከ እንታይ ኢልና ኢና ክንሰምዮ። ንኣብነት፡- ብፍላይ እኳ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ተጻብኦታት ኣብ መንጎ ህዝቢ ቆሓይንን ጀብሃን (ተ.ሓ.ኤ.) ኩናት ሓድሕድ እንተዘይተባሂሉ እንታይ ደኣ ኢዩ ኵናት ሓድሕድ። ካብዚ ኣርእስቲ ከይረሓቕኩ፣ ከምዝፍለጥ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1980 ወይ 1981 ንጉዳይ ሰላማዊ ፍታሕ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዘተ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ምስ ተዓደመ፣ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንደም ክረጋገጽ ዝብል እማመ ኣቕሪቡ። ኣብ ጽባሕ ሓርነት ኤርትራ ከኣ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ደቂ ሃገር፣ መብዛሕትኦም መራሕቲ ዝተፈላለያ ጉጅለታት ጀብሃ ነበር፣ ብዘይካ እቶም ኣብ ድሮ ሓርነት ሃገር ምስ ደርግ ብስም ራስ-ገዝ ዝሰማምዑ ዝነበሩ ገለ `ውን ብውልቃውን ውድባውን መርገጺ ምኽንያት ኣይሳተፍዎ `ምበር፡ ዳርጋ ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ወረቐት መንነት (ታሴራ) ብህዝባዊ ግንባር ተዋሂብዎ እወ ንናጽነት! ኢሉ ስለዘድመጸ ሰውራ ኤርትራ ይኹን ውድባቱ ንህዝቢ ኣይውክላን ምባል ብዝኾነ መለክዒ ርትዓዊ ኣይመስለንን። ዳሕራይ ከኣ ይተረፍ ህዝባዊ ግንባር ወይ ጀብሃ ብዓባየን ኣይኮናን እዘን ዘለዋ እኳ ሃገራውያን ዝብላ ይኹና፣ እስላማውያን፣ ቀቢላውያን ወይ ኣውራጃውያን ንውክሎ ህዝቢ ኣሎና ኢና ዝብላ።

እዛ መጽሓፍ ካብ ዘስደምም ክቱር ዕምቆታን ስፍሓታን ተበጊሰ መሃሪት፡ ወጣሪትን በዳሂትን ኮይና ረኺበያ። ምኽንያቱ ጸሓፊ ኣነጻጸሪ መጽናዕቲ (comparative study) ተጠቒሙ መሰረታዊ ፍልጠት ብዛዕባ ናይ ዝተፈላለዩ ግንዛበታት ብምንጽጻር ገለ ነቐፌታዊ ትንታነታት እንዳሃበ ንታሪኻውን ፖሊቲካውን ሸነኽ ክንርዳእ ከም ንደሊ ስለዝገብረና። መብዛሕትኦም ኣግለስቲ (revisionists) ታሪኽ ከም ሕሉፍ ፍጻሜን ከም መምሃሪን ዘይኮነስ ንሓደ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነት ኤርትራን ደንበ ተቓውሞን ከም መረዳእታን ደጋፊን ክኸውን ስለዝደለይዎ ዝኾነ ካብዞም ዝቐረቡ ኣብኦም ዘይቅቡላት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ጽቡቕ ነገር ግን እቲ ሕሉፍ ዝሓለፈ ብምዃኑ ምእንቲ ህሉውን መጻእን ተባሂሉ ክልወጥ ዝከኣል ኣይኮነን። ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ እንተተጠቐምካ `ውን ንዝተፈላለዩ ርእዮተ-ዓለም ምስ ትትንትኖም ኣብ ዝተፈላለየ መደምደምታ ክትበጽሕ ከምዝከኣል `ምበር፡ ንዕኡ ዝጻረር ናይ መወዳእታ ሓቀኛ መደምደምታ ከተቕምጥ ኣይከኣልን። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክትዕ፣ ወድዓውነት ዘይኮነ ባዕላውነት ዘለዎም ረቛሒታት ኢዮም ብዓብላልነት ዝውስኑዎ።

ካልእ ካብ ቀንዲ ብልጫታት እዛ መጽሓፍ ፤ ንእተሓላለኹ ተርእዮታት ወይ ፍጻሜታት ናይ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ካብ ታሪኽ  ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዓቢን እገዳስን  ክፋል  ብቕደም ተኸተል ትገልጽ ኮይና ነፍሲ-ወከፍ ምዕራፍ ድማ ነብሱ ዝኸኣለ ኢዩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ኣቶ ሑሩይ ነቲ ከርሰ-ነገር ትሕዝትኡ ብረቂቕን ተሪርን ብዝኾነ ታሪኻዊ ሃሪ ኣየተሓሓዞን ማለተይ ኣይኮነን። በዚ ከኣ ንላዕለዋይ ደረጃ ተማሃሮን ንተመራመርትን ከም ኡ’ውን ንውልቃውያን ተጠቀምትን ምንጪ ሓበሬታን ፍልጠትን ኣብ ምዃን ብዘይካ እዚ ‘ውን፡ ከም መወከሲ ኮይና ኣብ ናይ ሕትመትን መጽናዕታውን ትካላት ከተገልግል ትኽእል ኢያ።

በረኸት ካሕሳይ – ዓዲ እንግሊዝ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Habte Zekarias October 21, 2016

    First of all I would like to thank Mr.Huruy for writing what he knows about our history,for those who are criticising him for not writing it in tigryna be patient in his interview with assena he said it is in process of translation,by the way if Mohamed Salih write a book in English are you going to criticize him for not writing it in tigryna after all Eritrea is bigger than my Tigryna.

POST A COMMENT