Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ህግደፍ 2015 – ኣብ መልበረን ኣውስትራልያ

ኣብ መልበረን ኣውስትራልያ ንክልተ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ህግደፍ ተኻይዱ። እዚ ብተቓወምቲ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ዓመት መጸ ብህግደፍ ዝዳሎ ብስም ፈስቲቫል ዝጽዋዕ ፕሮፓጋንዳዊ ዳንኪራ ብምቅዋም፡ ነቲ ድምጹ ተዓቢሱ ኣብ ስቓይን ዓመጽን ህግደፍ ዝነብር

ኣብ መልበረን ኣውስትራልያ ንክልተ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ህግደፍ ተኻይዱ። እዚ ብተቓወምቲ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ዓመት መጸ ብህግደፍ ዝዳሎ ብስም ፈስቲቫል ዝጽዋዕ ፕሮፓጋንዳዊ ዳንኪራ ብምቅዋም፡ ነቲ ድምጹ ተዓቢሱ ኣብ ስቓይን ዓመጽን ህግደፍ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድምጹ ብዓውታ ንምስማዕ ዝዓለመ ተቓውሞ እዩ ነይሩ።

እዚ ንመበል 12 ዓመት ካብ ኣጋምሸት ሰዓት 6፡00 ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ንኽልተ መዓልቲ ብተኸታታሊ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብመጉልሕ ድምጺ፡ ዓበይቲ ተንቀሳቐስቲ መብራህትታት (ፓውዛ) ጭሮሖታት፡ ድርፍታት ዝተሰነየ ኮይኑ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ’ቲ ብህግደፍ ዝዳሎ ዉራይ ዝካየድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዉራይ ህግደፍ ኣናጸመወ ስለዝመጸ ኣብ 2014 (ዝሓለፈ ዓመት) ኣቛሪጸሞ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ህዝቢ ይስዕበና’ሎ ንዝብል ፕሮፓጋንዳ ቲቢ ኤረ (ቲቪ ኤረ) ዓቢ ሃጓፍ ስለዝፈጠረ፡ ንኸይተርፍ ብህግድፍ ጥብቂ ትእዛዝ ስለዝተመሓላለፈ ብሃታሃታ ዝገበርዎ ምዃኑ ዝበጻሓና ሓብሬታ የረጋግጽ።

ህግደፍ ሓበሬታት ዓጽዮም ብጸቢብ ነቶም ዝእምንዎም ኣባላት ጥራሕ ብምሕባር ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ ቅድሚ ክልተ ሰሙን’ዩ ተሰሚዑ። ይኹን እምበር ሰለፈኛታት ኣብ ሓጺር ግዜ ምድላዋቶም ገይሮም ነቲ ንእዋርሕ ምድላው ዝተገብረሉ ዳንኬራ ህግደፍ ዕርቃኑ ከምዝውጽእ ገይሮም እዮም። ሰለፈኛታት ነቲ ከቢድ ዝናብን ንፋስን ዝነብሮ ኣየር መልበርን ተጻውሮም ተልእኾኦም ከመሓላልፉ ምኽእሎም በዚ ኣጋጣሚ  ከየመስገናዮም ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ምሉእ ሓብሬታ ንኽህልወኩም ዝተሰነደ ተንቀሳቃስን ደርቕን ስእልታት 2015 ተቀሪብልኩም ኣሎ።

ፈረጀት መልበርን (ኣውስትራልያ)

2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • mulugeta besrat January 12, 2015

    ajokum ajona ehgdef terahu yeteref alo gele gele ab adi nebret zelewom nebretom keyewres zenkasekesu eyom terifom aminu meseom zeteselef yelen

  • Wadbahar January 13, 2015

    You always do a great job. God bless you. When are you going to invite Eritreans from Toronto, Canada, and teach them how to be committed to a struggle or else send them 100 of your heroes so that they struggle on their behalf?

  • ERITRAWIT January 13, 2015

    well done good job!!!!!!

  • yodit January 14, 2015

    anta woyane listro doun woyane listro meles

  • rahwa January 14, 2015

    xeba steyu ahwat!

POST A COMMENT