Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰለማዊ ቃልሲ ዝለዓለ ኢድ ናይ ሕዝቢ ምንቅስቃስ ኢዩ !

ብመጀመርያ ውልቀመለክቲ ብልምዲ ካብ ስልጣኖም ዝእለዩሉ ብመጀመርያ በቶም ላዕሎዎት ሓለፍቲ ወይ ናይ ሰራዊት መኮንናት ብዝተወደብ ዕልዋ መንግስቲ ወይ ንዓመታት ክቃወምን ክቃለስን ዝጸንሔ ውዱብ ወይ ሰውራ ዝርከብ ዓወት ማለት ምእላይ እቲ ስርዓት ኢዩ ሎሚ ግን አብ

ብመጀመርያ ውልቀመለክቲ ብልምዲ ካብ ስልጣኖም ዝእለዩሉ ብመጀመርያ በቶም ላዕሎዎት ሓለፍቲ ወይ ናይ ሰራዊት መኮንናት ብዝተወደብ ዕልዋ መንግስቲ ወይ ንዓመታት ክቃወምን ክቃለስን ዝጸንሔ ውዱብ ወይ ሰውራ ዝርከብ ዓወት ማለት ምእላይ እቲ ስርዓት ኢዩ ሎሚ ግን አብ 2011 እዚ ውልቀመለክቲ ካብ ስልጣኖም ዝእለይሉ ኩነታት ተቀይሩ ኢዩ ዘሎ በዚ ድማ ንዘመናት ተረጊጾምን ታዓፊኖምን ዝከረሙ ሕዝብታት ብዝገበርዎ ሕዝባዊ ተቃውሞ ወይ ሰላማዊ ቃልሲ ቡዙሓት ዲክታቶራውያን ካብ ስልጣኖም ብሕስረት ታአልዮም ኢዮም።

አብ ዝኮነ ሃገር ሕጊ አሎ ሰለማዊ ሰልፊ ንምግባር ማለት መሰልካ ንምሕታት ይኩን ተቃውመካ ንምስማዕ አብ ሃገርና ግን እዚ አይሰርሕን ኢዩ ምክንያቱ ስርዓት ህግደፍ ዝተጻሕፈ ሕጊ ዘይኮነ ዘይተጻሕፈን አብ ዓለም ዘየለን ኢዮም አብ ተግባር ዝሰርሕሉ፡፡

ምክንያቱ ከም ዝፍለጥ አብ ዝኮነ ሃገር ሰለማዊ ሰልፊ ፍቁድ ኢዩ ምክንያቱ ዜጋታት መረርኦም ይኩን ሕቶታቶም ብሰለማዊ መንገዲ ክገልጹ ከለዉ እቲ መንግስቲ መሰሎምን ድሕነቶምን ክሕልወሎምን ግድን ኢዩ፡፡ እዚ ግዴታ ድማ ብክልተ መገዲ ክንርእዮ ይካአል ቀዳማይ ነቶም አብ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳተፍቲ ዘለዉ ዜጋታት ከም ካልአይ ድማ ነቶም አብ ሰልፊ ዘይተሳተፉ ዜጋታት ንድሕነቶም ምዕቃብን ካብ ስግአት ነጻ ከም ዝኮኑ ምግባርን ኢዮም፡፡ ሰለዚ እቲ መንግስቲ ናይ ዜጋታቱ ናይ ሰላማዊ ሰልፉ ምግባር መሰል ምሕላው ጥራይ ዘይኮነ ብተወሳኪ ብቀንዱ መሰል ዜጋታት ዝጻረር ሕጊ ከየውጽእን ነቶም ናይቲ መሰል ተጠቀምቲ ዜጋታት’ውን ዕንቅፋት ከይፈጥርን ውሕስነት ምሃብን ግዴታኡ ኢዩ፡፡

እዚ እቲ ሓቂ ናይ ብሓቂ ዲሞክራስያዊያን መንግስታት ዝባሃላ ሃገራት ዝገብሮኦ ተግባር ኢዩ ካብ ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ሕድገታትን መሰል ሰለማዊ ሰልፊ ከፍቅድ ይክአል ኢዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ ስለዚ እንታይ ንምባል ኢየ ልክዕ ኢዩ አብ ኤርትራ ሰለማዊ ስልፊ ምግባር ከቢድ ክከውን ይክእል ኢዩ፡፡ አብ ዓለም ግን ከቢድ ነገር ዝባሃል የለን ባዕልና ተዘየክቢድናዮ ምክንያቱ ሕዝቢ ናይ ናጽነት ናፍቆት አለዎ ስለዚ ንነዊሕ ግዜ ድምጹ ተዓፊኑ ብስቅታ ተዋሒጡ ዝከረመ ሕዝቢ ክላዓል ኮሎ ናይ ሕዝቢ ማዕበል ዓጋቲ የብሉን፡፡ ብተወሳኪ ሰላማዊ ሰልፊ አብ ናይ ጥዕና ዘይብሉ ፓለቲካዊ ስርዓት ውሽጢ ዝነብሩ ጥዕና ዘለዎ ድሌት ዘለዎም ዜጋታት መረርኦም ዘስምዕሉ ጥዕና ዘለዎ መገዲ ኢዩ፡፡

ብልክዕ ድማ ገዛእቲ መንግስታት አብ ሰልጣኖም ክጸንሑ እንተደልዮም ናይ ግድን ዝተሓባበሮም ሕዝቢ ፤ ሙሉእ ብሙሉእ አሜን ኢሉ ዝቅበልን ዝምእዘዞም ሕዝቢ የድልዮም ኢዩ፡፡

ስለዚ ነዞም ጨኮንትን ገዛእትን መንግስታት ንምቁጽጻር ይኩን ካብ ስልጣኖም ንምእላይ እቲ ፍቱን መድሃኒት እቲ ሕዝቢ ብዝኮነ ነገር ምስቲ አብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ወይ ስርዓት ዝኮነ ምትሕብባር ክገብር የብሉን ፤ ሙሉእ ብሙሉእ ክግዛእን ብዓቢኡ ድማ እምቢታ ከርኢ ክኽእል አለዎ እዚኤን ሰለስተ ነገራት ንምግባር ድማ እቲ ተገዛኢ ሕዝቢ ብሰላማዊ ቃልሲ ወይ መገዲ እንተዘይኮይኑ ምስቶም ገዛእትን ጭፍሮኦምን (ካድሬታቶም) ይትረፍ ናይ ጥይትን እምንን ምልውዋጥ ክፉእ ቃላት ከማን ከምዘየድሊ ጋንዲ ብዘይ ምስልካይ ይገልጽ ነይሩ፡ ስለዚ ናይ ጋንዲ መሰረታዊ መምርሒ እዚኦም ሓቅታት መሰረት ዝገበረ ኢዩ ነይሩ፡፡

አብዚአ ክንርስዓ ዘይብልና ናይ ዲክታቶራውያን ስርዓታት እቲ ፓለቲካዊ ሓይሎም አብ ናይ ሕዝቢ ሕራይ ወይ አሜን ኢልካ ናይ ምግዛእ ዝተመርኮሰ ኢዩ፡፡ ስለዚ ሕዝቢ ድማ አሜን ኢሉ ክግዛእ ጥራይ ዘይኮነ እምቢታ’ውን ከርኢ ይክእል ኢዩ ስለዚ እዚ ጽግዕተኝነት ናይ ዲክታቶራውያን ድኩም ጎኒ ኢዩ፡፡ ምከንያቱ ናይ ዲክታቶራውያን እቲ ዝሓየለ ጎኖም ሓይሊ ፓሊስ ፤ አጋር ሰራዊት ፤ ናይ ስለያ መርበብ ወይ ሃገራዊ ድሕነትን ሓይሊ አየርን ኢዮም ኮይኑ ግን ሰላማዊ ቃልሲ ክግበር ከሎ በቲ ሓያል ጎኖም ዘይኮነ በቲ ድኩም ጎኖም ኢዩ ዝካየድ፡፡ ስለዚ ካብ ናይ ዲክታቶራውያን ዓቅሚ ወይ ሓይሊ ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ዓቅሚ ብሽሕ ግዜ ይበልጽ፡፡

ምክንያቱ እንድሕር ናይ ሓደ መንግስቲ እቲ መሰረታዊ ሓይሊ ርኢና ኩሉ ስርሓት ዝሰራሕ ብሕዝቢ ኢዩ፡፡ ፓሊስ ይኩን ሰራዊት ሕዝቢ ኢዮም በዚ ድማ እቲ ናይቲ ዲክታቶራውያን ህላዌ አበይ ከምዝተመርኮሰ ክትፈልጥ ትክአል፡፡ ስለዚ አብ ናይ ሕዝቢ ሓገዝ ዝሙርከሱ ካብ ኮኑ እንድሕር ብናይ ሕዝቢ ድሌት ዘይከዱ ኮይኖም ሕዝቢ ምርኩዝ ክኮኖም የብሉን በንጻሩ ነታ ሙርኩዝ መንጢሉ ከውድቆም ክክእል አለዎ፡፡ አብዚ ሰዓት ኢዩ ድማ ሰለማዊ ቃልሲ ተተግቢሩ ዝባሃል፡፡ ምክንያቱ ሰለማዊ ቃልሲ ብተፍጥርኡ መንግስቲ ይኩን ስርዓት ወይ ጨካናትን አራዊትን ዝኮኑ ዲክታተራውያን ከይተረፈ ከጥፍእን ክድምስስን ዝክአል ሓይሊ አለዎ፡፡ ስለዚ ሰለማዊ ቃልሲ ልዕሊ መዳፍዕን ጥይትን ከም ሓደ ደርማስ ሓይሊ ክምሰል ይካአል፡፡

ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ አነ አካል ናይ ሕዝቢ ክሳብ ዝኮንኩ አነ ነቲ ስርዓት ክፈርሖ ዘይኮንኩ ንሱ እቲ ስርዓት ናተይ ጽግዕተኛ ክሳብ ዝኮነ ናዓይ ክፈርሓኒ ክክእል አለዎ ኢሉ ክአምን አለዎ፡፡ ኩሉ ኤርትራዊ ንነብሱ ክሓታ ዘለዋ ሕቶ መቸም ሰርዓት ህግደፍ ብኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ክብል እደፍር ተቀባልነት ከምዘይብሉ ኩልና ንሰማማዓሉ ሓቂ ኢዩ ስለዚ ሕዝቢ ዘይተቀበሎ ስርዓት ከመይ ገይሩ ኢዩ ንሕዝቢ ክቆጻጸሮ ዝክእል? ስለዚ ዘይንቅበሎን ዘይአመናሉን ስርዓት ንምንታይ ማዕረ አብ ውሽጢ ቤትና አትዩ ከከላብተና ንምንታይ ዕድል ንህቦ ? እንታይ ንጽበ አለና ? እምቢታና ዘይነርኢ ምክንያቱ ሓደ ስርዓት ሕዝቢ አሚኑሉ ሕራይ ኢሉ ክግዛእ ተዘይኪኢሉ እቲ ስርዓት ሕይወት የብሉን፡፡ ስለዚ ሕይወት ህግደፍ ማለት ህላውነቶም አብ ኢድና ከምዘላ ዘይምእማናን ገለ ነገር ክንገብር ዘይምክአልናን ኢዩ ነዚ ሽግራትና መፍትሒ ክንገብረሉ ዘይንክእል ዘለና፡፡

ፍሉጥ ኢዩ ሓደ ሕዝቢ ዝኮነ ብሓይሊ ናጽነቱን መሰሉን ዝገፈሉ ሓይሊ ብጣዕሚ ኢዩ ዝፈርሕ ምክንያቱ ሎሚ ከም ንርእዮ አብ ሃገርና ዘሎ ናይ ፓለቲካ አከያይዳ ብሓደ ሰብ ትምራሕን ዜጋታታ አብ እስርቤታት ዝሳቀዩላ ሃገር ኢያ ዘላትና በዚ ድማ እቲ ሕዝቢ ናይ እስርቤታት ሕይወት ዘሎ ስቃይን ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም መሽመቲ ምኻኑ አጸቢቁ ስለዝፈለጦ እቲ ሕዝቢ ፍርሒ ጥራይ ዘይኮነ ራዕዲ ከምዝአትዎ ኮይኑ ኢዩ።

እዚ ፍርሒ ይታአለ ኢየ ዝብል ዘለኩ ንሓደ አምላክ እምበር ንሰብ ከማና ንምንታይ ንፈርሕ ህግደፍ መን ኢዮም ከማና ፍጡራትን ውልቀሰባትን ኢዮም እኮ ? ስለዚ ንላዓል ዘይካል ነገር የለን ሕዝቢ ከም ማዕበል ኢዩ እንተተላዒሉ ዓጋቲ የብሉን፡፡ ሕዝቢ ካብ ዝወድቀካ ጎቦ ክወድቀካ ይሓይሽ ዝብል ምሰላ አሎ መስለኒ ምናልባት አብ ቃላት ተዘይተጋግየ፡፡ ስለዚ ምብጋስ ጥራይ ኢዩ ዘድልየና ዘሎ እዚ አትዩና ዘሎ አጉል ራዕዲ ብከመይ ንቅንጥጦ ክንበላሓት አለና ይአክለና በቃ ንበል ሕሰብዎ እሞ ክሳብ መዓስ ኢና ብከንቱ ክንሃልቅ ሰደትን መከራን ክንቛደስ ይአክለና ንበል ሐደ ኢድ ኮና ንበገስ ርግጸኛ ኢየ ክንዕወት ኢና፡፡

ሃገር ማለት ሕዝቢ ማለት ኢዩ ስለዚ መንግስቲ ማለት ድማ ሕዝቢ ማለት ኢዩ፡፡ ስለዚ ኩሉ ነገር ብድሌት ሕዝቢ ክኸውን አለዎ፡፡ እቶም መራሕቲ ድማ አካል ናይቲ ሕዝቢ ኮይኖም ውልቀሰባት ኢዮም ስለዚ ኩሉ ነገር ዝግበር ሽርሒ ይኩን ጋሕማጥ ምሕደራ ክርኢ ኮሎ እቲ ስርዓት ሓይሉ አብ ሕዝቢ ዝተሞርከሰ ክሳብ ዝኮነ ሕዝቢ ክቃዎሞ ክኸእል አለዎ … ፡፡ ክደግማ ኢየ ምስ ፍርሒ ክንባአስ ክንክእል አለና ምክንያቱ ዲክታቶራውያን ብፍጹም ሓያላት አይኮኑን ከምቲ ሕዝቢ ዝሓስቦም፡፡

ብመጀመርያ ሕዝቢ ከስተውዕለሉ ዘለዎ ሰለማዊ ቃልሲ ሙሉእ ብሙሉእ እቲ ሕዝቢ ንነብሱ ካብ ዲክታቶራውያን ነጻ ከውጽእን ናይ ውጽኢቱ ባዕሉ ተጠቃሚ ክከውን ከምዝኮነ ክፈልጥን ክግንዘብን ይግባእ፡፡ ሰለማዊ ቃልሲ ንሕዝቢ ካብ ዲክታቶራውያን ነጻ ምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ነጻነቶም ዋናታትን ዓቀብታን ከምዝኮኑ ይገብር፡፡

ከም ቀንዲ ክንግንዘቦ ዝግበአና ነጥቢ አብ ናይ ሰለማዊ ቃልሲ መስርሕ ሕዝቢ ብምውዳብን ብምስታፍን ካብ ኩሉ ከተማታትን ዓድታትን ከይተረፈ መራሕቲ ናይ ቃልሲ ካብ ሕዝቢ ዝወጹ ከምዝኮኑ ክግበር አለዎ፡፡ ክፍለጥ ዘለዎ ሰለማዊ ቃልሲ ንባዕሉ ተፈጥራዊ ናይ ዲሞክራስያዊ ባህሪ አለዎ፡፡ ስለዚ ራኢና ሕዝቢ ናይ መንግስቲ ስልጣን ዋና ንምግባርን ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምምስራት እንተኮይኑ እቲ ፍቱን መድሃኒት ሰለማዊ ቃልሲ ኢዩ፡፡

አብዚአ ክንግንዘቦ ዝግበአና ነገር ክልተ ነገራት ማለት ዓብን ንእሽተይን እስትራተጂ ክህልወና ይግባእ እዚ ማለት ድማ እቲ ንእሽተይ ናይ ወፈራ እስትራተጂ (Campaign Strategies) ማለት እቲ ክንገብሮ ወጢናዮ ዘለና ሰለማዊ ቃልሲ ክከውን ከሎ እቲ ዓቢ እስትራተጂ ድማ እቲ ለውጢ ናይ ፓለቲካዊ ፤ ኢኮኖሚያዊ ፤ ማሕበራውን ዲብሎማስያውን ቃልሲ ዘካተተ ኢዩ፡፡ ስለዚ ንእሽተይ እስትራተጂ ተዘየለ እቲ ዓቢ እስትራተጂ ንበይኑ ክዕወት ወይ ተግባራዊ ክከውን አይክእልን ኢዩ፡፡

ስለዚ ሰለማዊ ቃልሲ አብ ኢድና ዘሎን እቲ ንረክቦ ዓወት ትርጉም ከምዘለዎን እቲ ዝመረጽናዮ መገዲ ወይ እስትራተጂ ናብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከምዘሰጋግረና እንተተረጋጊጹ ብዘይ ዋዓል ሕደር አብ ተግባር ከነውዕሎ ይግባእ፡፡ ስለዚ ዝተለምናዮ እስትራተጂ ካብ ናይ ሎሚ ዲክታቶራዊ ስርዓት ዘለዋ ኤርትራ ንናይ ጽባሕ ነጻን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ዘብጽሓና መገዲ ካብኮነ ናይ ግድን ክንብገስ አለና እዚ ድማ ሰለማዊ ቃልሲ ስለዝተባሃለ ብሰላም ማለት ኢድካን እግርካን አጣሚርካ ኮፍ ብምባል ዝርከብ ዓወት ኢዩ ማለት አይኮነን፡፡

እስትራተጂ ዘይብሉ ሰለማዊ ቃልሲ ትርጉም የብሉን በንጻሩ ዘይተደለየ ክሳራን ሓደጋን ጥራይ ኢዩ ዘስዕበልካ ገለ ካብቲ ሓደጋታት ንምጥቃስ፡-

1-      ናይቲ ዝቃወም ዘሎ አካል ዓቅሚ ብከንቱ ይባክን፡፡

2-     ተመሳሳሊ ስጉምትታት ብምድግጋም ፍሉይ ለውጢ ብምጽባይ ጌጋታት ይዝውተሩ፡፡

3-     ንነጻነት ኢልካ ዝግበር ሰለማዊ ቃልሲ ካብቲ ዘለዎ ደረጃ ፍንትት አይብልን ኢዩ በንጻሩ ካብቲ ዝነበሮ እንዳገደደ ይከይድ፡፡ እዚ ማለት ድማ ናይቶም ዲክታቶራውያን ቁጽጽርን ናይ ፓለቲካ ሓይሎም እንዳበርትዔ ይከይድ፡፡

4-     እቲ ተቃዋሚ ዝወስዶም ስጉምትታት ነቲ ቃልሲ ዘደንፍዕ ውጽኢታት ምምጻእ ይከብዶም፡፡

5-     ነቶም ዝፍጠሩ ሓደሽቲ ጠቀምቲ አጋጣሚታት ብጉቡእ ክጥቀመሎም አይክእልን፡፡

6-    ዕላምኡ ንምውቃዕ ክባሃል ትርጉም ወይ ፋይዳ ዘይብሉ መስዋእቲ ይከፍል፡፡

7-     ተቃወምቲ ካብ ምክልካል ወጺኦም ናብ ምጥቃዕ ንምስግጋር ይከብዶም፡፡

8-     እቶም ዲክታቶራወያን ካብ መጠን ንላዕሊ ዓቅሚ ከምዘለዎምን ክድፈሩ ከምዘይክእሉን ብምእማን ካብ ዝግባእ ንላዕሊ አብ ስልጣን ንክጸንሑ ይገብር፡፡

ስለዚ ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ሓይልታት ፋይዳ ዘለዎ ዕላማ እንተሃለዎም ቁኑዕ እስትራተጂ እንተዘይብሎም ዕላምኦም ንምውቃዕ ዘለዎም ዕድል ብጣዕሚ ትሑት ወይ ዜሮ ኢዩ፡፡

እስትራተጂ ሓንጺጽና ንከይንጎዓዝ ካብ ዝገብሩ ምክንያታት ገለ ንምግላጽ ብመጀመርያ እቶም ናይ ሰለማዊ ቃልሲ መራሕቲ ወይ ወደብቲ ፡-

1-      አገዳስነት ናይ እስተራተጂ ብዘይምርዳእ፡፡

2-     ናይ እስትራተጂ አገዳስነት እንተተረድኦም ብዛዕባ እስተራተጂ ልምዲ ይኩን ብቅዓት ስለዘይብሎም፡፡

3-     ናይ ሓጺር ግዜ ፕላን እምበር ናይ ነዊሕ ግዜ ፕላን አየድልን ኢዩ ኢሎም ምስ ዝአምኑ፡፡

4-     አብ ዕላማካ ምእማንን ሱቅ ኢልካ ጸኒዕካ ምቅላስ ጥራይ እኩል ኢዩ ዝብል ዝተጋገየ እምነት ምስ ዝህልዎም፡፡

5-     አብ ውሽጢ እቲ ቃልሲ በብደረጅኡ ክፍጸም ዝግባኦ ስጉምትታት አቀዲምካ አብ ክንዲ ምድላው እቲ ግዜ ምስ አከለ ባዕሉ እቲ ኩነታት ክነግረና ኢዩ ዝብሉ ምስዝኮኑ፡፡

6-    አነ ናይ ተፈጥሮ ብልሒ ስለዘለኒ እዚ ብልሕነተይ አካሊ ኢዩ ዝብል እምነተ ምስዝህልዎም ኢዩ፡፡

ስለዚ እስትራተጂ ዘይብሉ ሰለማዊ ቃልሲ ንውድቀት ዝተቃልዔ ኢዩ፡፡ ስለዚ ንናይ ብሓቂ ቀጻልነት ዘለዎ ዓወት ንምምጻእ አድማዒ ስራሕ ንምስራሕን እቲ ቃልሰን ዕላማካን አብ ሸትኡ ንምብጻሕ ሓሲብካ መርሚርካ ግዜ ወሲድካ ቁኑዕ እስትራተጂ ምትላም የድሊ፡፡

ስለዚ ክንርስዖ ዘይብልና ቃልሲ ኩሉ ግዜ መሪር ኢዩ ክንደይ ላዕልን ታሕትን አለዎ፡፡ ካብቲ ዲክታተራዊ ስርዓት ክመጸካ ዝክእል ተጻብኦታት ወይ ብድሆታት ከምዘጋጥምን አሚንካ ብእዋኑ አቀዲምካ ክፍለጥን ምድላዋትን ክግበረሉ ይግባእ፡፡ ስለዚ ድማ ዓቢ ምድልዋትን መጽናዕትን ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ፡፡

ሰላማዊ ቃልሲ ብመሰረቱ ዘሎን ዝነበረን ኢዩ፡፡ ሰላማዊ ቃልሲ ናይ ምርጫ ጉዳይ አይኮነን ወይ ብሓደ ጉዳይ ዝተሓጸረ ጥራይ አይኮነን፡፡ ሰላማዊ ቃልሲ ካብ ንእሽተይ ጉዳይ ተበጊሱ ክሳብ ዝዓበየ ሃገራዊ ጉዳይ ክበጽሕ ይኸእል ኢዩ፡፡ ናይ ሰላማዊ ቃልሲ ጥቅሚ ብጉቡእ ስለዘይተረዳእናዮ ኢዩ መስለኒ ብዙሕ ግምት ንህቦ የለናን ምከንያቱ ሰላማዊ ቃልሲ አብ ኩውን ተመርኪሱ ዝግበር ቃልሲ ኢዩ ሰለዚ ነዚ ሎሚ አብ ሃገርና ዘሎ ፍሹል ፓለቲካዊ አካይዳ ሰላማዊ ቃልሲ ፍቱን መድሃኒት ኢዩ፡፡ እቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ነዚ ቃልሲ ንከይዕወት ቀንዲ ማሕልኮ ኮይኑ ዘሎ ናትና ድክመት እምበር ናይ ህግደፍ ብርታዔ አይኮነን፡፡ ናትና ድክመት ድማ አብ ኢድና ዘሎ ናይ ቃልሲ ዕድላት ብጉብእ ስለዘይተጠቀምናሎምን አብ ተግባር ስለዘየውዓልናዮምን ኢዩ፡፡ ስለዚ እንታይ ኢዩ ብእግርናን ኢድናን ሒዙና ዘሎ?

እቲ ቀንዲ ድክመትና ድማ አብ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ዝበጽሕ በደል ይኩን ግፍዒ ርኢካ ከምዘይራአካ ወይ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ እንታይ ገደሸኒ ምባል አሎ፡፡ ስለዚ እቲ ሓቂ ግን ነቲ ዝተበደለ አካል ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ ከም አፍንጫ እንተተሃረመት ዓይኒ ትነብዕ ከምዝባሃል ከም ሓደ አካል ሙካና አሚና አብ ልዕሌና ከም ዝተፈጸመ ወሲድና ሓድነት ፈጢርና አብ ግዜኡ ወይ አብ እዋኑ ተቃውመና ከነስምዕ ብዘይምክአልና ኢዩ፡፡ እዚ ኢዩ ድማ ናይ ሰላማዊ ቃልሲ መሰረትን ናይ መንነትና መግለጽን በዚ ኢና ድማ ህዝባዊ ቃልሲ ኢልና አፍና መሊእና ክንዛረብ ንክእል፡፡ ካብዚ ወጻኢ ግን ብፍጹም ቃልሲ ዝባሃል የለን፡፡ ምክንያቱ ሎሚ ሓደ ክልተ ዝበሃል የለን ኩሉ ኤርትራዊ ተተንኪፉ ኢዩ ተገፊዑ ተበዲሉ ተሰዲዱ ኢዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ክፍለጥ ዘለዎ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ነዚ ግፍዕን በደልን እንተዘይፈጺሙ ሕይወት የብሉን፡፡ እዚ ርኩስ ተግባር ኢዩ ድማ ናይ ስርዓት ህግደፍ ናይ ህላውነቱ ዋሕስ፡፡ ዕርቅን ሰላምን አይንታዩን ኢዩ ምክንያቱ ዕርቂ ዝደሊ ወይ ዝቁበል ሰርዓት ብነብሱ ዝተአማመንን ደፋር ጥራይ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ግን ምትእምማን ይኩን ድፍረት የብሎምን፡፡

ስለዚ ነዚ ርኩስ ተግባር ክንገትኦን ነዚ ሰርዓት ከነጥፍኦን ንክእል ግን ንሕና ባዕልና ኢና ማንም ብደገ መጺኡ ክልውጠልና ዝክእል አካል የለን ስለዚ ከምዝበልኩዎ ሓድነት ፈጢርና ሰላማዊ ቃልሲ አብ ተግባር ክንሰርሓሉ አለና፡፡ ምናልባት ገለ ገለ ሰባት ዕጥቃዊ ቃልሲ እንተዘይኮይኑ ሰላማዊ ቃልሲ ለውጢ ከምጻአልና አይክእልን ኢዩ ዝብል ጉጉይ እምነት ዘለዎም ክህልዉ ይክእሉ ኢዮም ግን ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ድማ ብረታዊ ወይ ወታሃደራዊ ቃልሲ ይሃሉ አይሃሉ ሰላማዊ ቃልሲ ዘይተርፍ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባአና፡፡ በዚ ኢየ ድማ አብ ሰላማዊ ቃልሲ ጸቂጠ ዝዛረብ ዘለኩ፡፡ አብ ጥቅሙ እንተመጺና ድማ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ብዝላዓለ ሰላማዊ ቃልሲ ውሑስን ብዲሞክራስያውን ቅዋምን ትመራሕ ሃገር ንምምስራት ዝላዓለ እጃም ወይ ተራ አለዎ፡፡ ምክንያቱ ሰለማዊ ቃልሲ ከም ወተሃደራዊ ቃልሲ ምስ ዲሞክራሲ ጽልኢ ይኩን ቅርሕንቲ የብሉን፡፡

ምክንያቱ አብ መብዛሕትኡ ሃገራት ክብል እደፍር ብኩናት ተዓዊቱ ዝመጽእ ስርዓት አብ ልዕሊ እቲ ብረቱ ጽልእን ቂምታን ተሓንጊጡ ወይ ሒዙ ኢዩ ዝመጽእ። ” ሰርዓት ህግደፍ’ውን ካብዚ ዝፍለ ነገር አይራናሉን ብሰላም ዝመጽአ ስርዓት ግን ሰላምን ፍቕርን ሒዙ ኢዩ ዝመጽእ። ዝኮነ ሰብ ድማ ፍቕሪ እምበር ጽልኢ ዝደሊ የለን። ጽልእን ቅርሕንትን ተጥፍእ ሰላም ጥራይ ኢያ። ሰላም ንማንም ሰብ ዓቢ ቦታ አለዋ ስለዝኮነ ሰላም ናይ ዝኮነ ነገር አደ ኢያ ካብ ኩሉ ነገራት ዝዓዘዘ ቦታን ብጽሒትን ዘለዋ ሰላም ኢያ። ሰላም እንተዘየለ ዝኮነ ነገር ክስራሕ ወይ ክዕመም አይክእልን ኢዩ ንህውከት ዘይኮነ ንሰላም ኢድና ክንህብ አለና ታሪክ ዝቅየር ብሰላም ጥራይ ኢዩ። ህግደፍ አስተውዒሉ ስለዘይከይድ ኢዩ እምበር አስተውዒልካ ምምራሕ ሰላም ኢዩ ዘምጽእ፡፡

እዚ በጺሕናዮ ዘለና ዘመን ካብ ዝሓለፈ ፍሉይ ኢዩ፡ ፍሉይነቱ ድማ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበሩ ናይ ተስፋ በሪ ዝከፈተልና ዘመን ኢዩ ሕዝብታት ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ጥቅሙ ስለዝተረድኡ ብዛዕባ ሃገሮም ባዕሎም ንባዕሎም ከምዝውስኑ ብምእማን ብሰላማዊ መገዲ ቃልሶም ዘርእይሉ ግዜ ኢና ዘለና ስለዚ ሕዝቢ ኤርትራ’ውን ነዚ እዋናዊ ዕድል ንምጥቃም ዋዓል ሕደር ዘየድልዮን ንጽባሕ ዘይባሃል ጉዳይ ኢዩ፡፡

ምክንያቱ ሎሚ ዓለምና ዘላቶ ናይ ፓለቲካ ኩነታት እቲ ናይ ትማሊ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ባይታ አብዘይህልወሉ ወይ ዱሩት አገዳስነት ዝራየሉ ኩነታት ኢና በጺሕና ዘለና ከምዚ ክብል ኮለኩ ግን ብረታዊ ቃልሲ ተሪፉ ማለት አይኮነን ግን አብ ብረታዊ ቃልስን ሰለማዊ ቃልሰን ዘሎ አወንታውን አሉታውን ጎኑ አቀዲምና ብጉብእ ክንፈልጥን ክንመምን ይግባእ፡፡ ስለዚ አብ ወተሃደራዊ ቃልሲ ዘለና አራእያ ብዑምቀት ክንፈልጥ አለና ምክንያቱ ልክዕ ኢዩ ብድሌቶም ስልጣን ዝገድፉ ዲክታተራውያን የለዉን እቲ ዝርዳኦም ቋንቋ ሓይሊ ጥራይ ኢዩ፡፡ ስለዚ እቲ ቃልስና’ውን ምስ ግዜ ወይ ምስቲ ወድዓዊ ኩነታት ዝከይድን ዘዋጸናን ዓይነት ቃልሲ ከነካይድ ይግባእ፡፡ ካብ ብማዕዶ ኮንካ ብረት ምትዃስ አብ አፍንጭኡ ኮንካ ምቅዋም ዝበለጸ አድማዒ ኢዩ እዚ ድማ ሰላማዊ ቃልሲ አብ ልዕሊ እቲ ውሑስ ናይ ፓለቲካ ለውጢ ምምጽኡ ብዓቢኡ ሕይወት ዜጋታትን ፤ ግዜን ሃልክን ይቁጥብ ኢዩ፡፡ ብተወሳኪ ኩሉ ግዜ ብሰለማዊ መገዲ ዝመጽእ ለውጢ ንማንም ሳላይ እንዳበለ ዝዕበ አካል ዕድል ዝህብ አይኮነን መሰረቱ ናይ ሕዝቢ ዓወት ስለዝኮነ ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ስርዓት ህግደፍ ሳላይ ኢያ ሃገር ተረኪባ እንዳበለ ብትዕቢት ተወጢሩ ሃገር ዝሕምስ ዘሎ፡፡ ብዓቢኡ አብዚ ግዜ እዚ ናዓና ዘድልየና ዘሎ ሰላም ኢዩ እምበር ኩናት አይኮነን ዝሓለፈ ይአክለና ሰላም ኢያ ድማ ንኩሉ ትስዕር፡፡

ብዓቢኡ ድማ አብ ላዕሊ ከምዝገለጽኩዎ ወታሃደራዊ ቃልሲ እንተኮነ ነቲ መንግስቲ በቲ ሓያል ጎኑ ስለንገጥሞ ከምኡ ድማ በቲ ወታሃደራዊ ቃልሲ ንናጽነት ንምርካብ ዝግበር ቃልሲ ዲሞክራስያዊ ዘይሙዃኑ ጥራይ ዘይኮነ አብ ልዕሊ ሕዝብን ሃገርን ዓቢ ፓለቲካዊ ፤ ኢኮኖምያዊን ማሕበራውን ክሳራ ምውራድ ከይአክል እቲ ሕዝቢ ናይ መንግስቲ ስልጣን ዋና አብ ምዃን’ውን ውሕስነት የብሉን፡፡

ኮይኑ ግን ገለ ሰባት ነዚ ብረታዊ ቃልሲ ዝድግፉ ወይ ዝአምንሉ እቲ ቀንዲ አረኣእያኦም ወይ እምነቶም ነቲ ዘሎ ስርዓት ብሓይሊ ምስ ነውድቆ ዝተደላደለ ሰራዊት ሒዝና ስለንአቱ ነቲ ስልጣን ንምቁጽጻር ከም ዋሕስ ይኮነና ኢዩ ዝብል ዝተጋገየን ጥዕና ዘይብሉ አተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት አለዉ፡፡ እዚ ዘርእየካ ቃልሶም ንስልጣን እምበር ንናይ ሕዝቢ ሰላምን ናጽነትን ከምዘይኮነ የርእየካ ከም አብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓይሊ ዝመጽእ ሰርዓት ወይ ፓርቲ ጥዕና ዘለዎ አተሓሳስባ ናይ ምሕሳብ ልምዲ የብሉን፡፡

መጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ ከም ዝራአናዮ አብ ቱንሲያ፣ ግብጽ ፣ ሊቢያ ፣ የመንን ርኢና ኢና ኩሉ ግዜ ድማ ካብ ካልኦት ኢካ ትምህርቲ ትወስድ ምክንያቱ ሎሚ አብዘን ሃገራት ድሕሪ እቲ ለውጢ ዘተአማምንን ውሑስን ሕዝባዊ መንግስቲ ክትከል አይተካእለን እዚ ሕጂ ዘርእየና ብሃውርን ብዘይ መጽናዕትን ዝግበር ቃልሲ ካብ ጥቅሙ ጉድአቱ ስለዝዓዝዝ ምክንያቱ እቲ አብ ስልጣን ዝነበረ ውልቀመላኪ ክእለ እንተተገበረ ግን አቀዲምካ ናብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ይኩን ሕዝባዊ መንግስቲ ንምምስራት ዝሕግዝ እስትራተጂ ይኩን ፕላን እንተዘየለ እቲ ዝተረከበ ዓወት ብካልእ ውልቀመላኪ ክትካእ ወይ ክስረቅ ይክእል ኢዩ ስለዚ ብፕላን ዝምርሑን ዕላማን ራእይን ዘለዎም ሰላማዊ ቃልሲ ዝሓሸ ለውጢ ከምጽኡ ከምዝክእሉ ንምግማቱ አጸጋሚ አይኮነን፡፡

ስለዚ እንታይ ንምባል ኢየ ብመጀመርያ እቲ ስርዓት ዝገድፎ ጋሕማጥ አሰራርሓን አብቲ ግዜኡ ነበረ አከያይዳን ካብ መሰረቱ ነዚኦም አብ ግምት ዘእተወን ነዚኦም ብከመይ ትአልዮምን አቀዲምካ ክትፈልጥን ይግባእ ካልአይ ድማ ብሃውሪ ዝግበር ሰላማዊ ቃልሲ እቲ ጽባሕ ከጋጥሞ ዝክእል መሰናክላት ይኩኑ ወሰንቲ ሕቶታት አልዒሉ ስለዘይዛረበሎም ወይ ስለዘይዳለወሎም ማለት ብዘይ ፕላንን ወይ ንድፍን ስለዝክየድ እቲ ውጽኢቱ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ኣዕናዊ ይኸውን፡፡

ጅን ሻርፕ (Gene Sharp) (Gene Sharp, From Dictatorship to Democracy) ካብ ዲክታቶርሺብ ናብ ዲሞክራሲ አብ ዝብል መጽሓፉ አብ ገጽ 48 ዘስፈሮ ጽሑፍ ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ወደብቲ ወይ መራሕቲ ንብዙሓት መሰረታውያን ሕቶታት መልሲ ክህቡ ከምዝግባኦም ይገልጸልና፡፡ ገለ ካብአቶም፡-

1-      ሕዝቢ ናጽነቱ ንከይረክብ ቀንዲ ዕንቅፋት ዝኮኑ ዘለዉ እንታይ ኢዮም ?

2-     ናጽነት ንምርካብ ሓገዝቲ ኩነታት ወይ ሜላታት እንታይ ኢዮም ?

3-     ናይ ውልቀመለክቲ እቶም ቀንዲ ናይ ፓለቲካ መትከሎም አየኖት ኢዮም ?

4-     ናይ ውልቀመለክቲ እቶም ዝተፈላለዩ ድክመታቶም አዮኖት ኢዮም ?

5-     ናይ ውልቀመለክቲ ናይ ፓለቲካ ሓይሊ ቀንዲ ምንጭታት እንታይ ኢዮም ?

6-    ብሰለማዊ ቃልሲ ለውጢ ከምጽኡልና ዝክእሉ መንገድታት አዮኖት ኢዮም ?

7-     ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ሓይልታት ድክመታት አዮኖት ኢዮም ?

8-     ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ክጥቀመሎም ዝክእሉ ቴክኖሎጂታት አዮኖት ኢዮም ?

9-    ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ንከይንጥቀም ዘገዱዱና ኩነታት አዮኖት ኢዮም ?

10-    ከጋጥሙ ዝክእሉ ዕንቅፋታት ብከመይ ምጽዋርን ምምካትን ይካአል ?

ስለዚ እዝን ካልእን ሕቶታት ብዝርዝር ብምምላስ ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ውጥን ወይ ፕላን ንምውሳን ይካአል ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ውጥን ብምውሳን አብ ውሽጢ እስትራተጂ ዝካተቱ ተግባራት ብግልጺ ንምቅማጥ ይካአል፡፡

ጋንዲ ከምዝፍለጥ ናይ ሰላማዊ ቃልሲ እስትራተጅን ታክቲክን አገዳስነቱ ወይ አድላይነቱ አብ ተግባር ብምርአይ ሰላማዊ ቃልሲ አብ ዓለምና ተቀባልነት ከምዝረክብን ከምዝዓብን አክኢሉ ኢዩ፡፡ ብተወሳኪ’ውን ጅን ሻርፕን ሮበርት ሃርቬይ ዝተባሃሉ ፉሉጣት ናይ ዘመና ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ተመራመርቲ ናይ ሰለማዊ ቃልሲ እስትራተጂን አገዳስነቱን አመልኪቶም ቡዙሕ ጽሒፎም ኢዮም፡፡

ጋንዲ ፤ ጅን ሻርፕን ሮበርት ሃርቬይ ምስ እስትራተጂ ዝተተሓሓዘ ካብ ዝጠቀስዎ ገለ ነጥብታት ክገልጽ ክፍትን ኢየ፡-

1-    እስትራተጂ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለ ይክእል ኢዩ፡፡ ምክንያቱ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብፓለቲካ ፤ ብኢኮኖሚ ፤ ብትምህርቲ ፤ ብባህልን ብካልኦት ናይ ምዕባለ ደረጃታት ይፈላለዩ ኢዮም፡፡ ከምኡ ድማ አብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘለዉ ውልቀመለክቲ ዝፈላልዮም ጠባያትን ባህርን አለዎም፡፡ ናይ ዲሞክራሲ ተቃለስቲ ናይ ቃልሲ ዓቅሞም’ውን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለ ይክአል ኢዩ፡፡ ሓደ እስትራተጂ ንኩሉ ዝሰማማዕ ክከውን አይክእልን ኢዩ፡፡ ስለዚ ዕዉት ዝኮነ ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ንምክያድ ሃገራት ነናተን ፕላን ከከም ሃገሩ ኩነታትን ናይቲ ግርጭት ባህርን ወይ መበገሲ ብምምርማርን እቲ ዝተመረጸ ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ውጥን ብዑምቀት ምፍላጥ ይግባአና፡፡

2-       አብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ብጥንቃቄ ዝተወደበ ዓቢ እስትራተጂ ምቅያር አየድልይን ኢዩ፡፡  ናይዚ ሓሳብ ቁኑዕነት ጋንዲ አብ ተግባር አረጋጊጹልና ኢዩ፡፡ ሽግር ይኩን ዕንቅፋት እንተጋጠመ ዓቢ እስተራተጂ ምቅያር ጌጋ ኢዩ፡፡ ናይ መጀመርያ እስትራተጂ ብሓድሽ እስትራተጂ ክትካእ ዘለዎ ብቡዙሕ ጭብጥታት ጌጋ ምዃኑ ምስተረጋገጸ ጥራይ ኢዩ፡፡ ምክንያቱ መብዛሕትኡ ግዜ ታክቲክ እምበር እስትራተጂ አይቅየርን ኢዩ፡፡ ናይ ሰለማዊ ቃልሲ መራሕቲን ናይቲ ፕላን ቀለስትን ናይ እስትራተጂኦም አፈጻጽማን ውጽኢትን በብእዋኑ ብቀረባ ምክትታል ይግባኦም፡፡

3-      ጂን ሻርፕ ካብ ዲክታቶርሺብ ናብ ዲሞክራሲ አብ ዝብል መጽሓፉ አብ ገጽ 71-73 መብዛሕትኡ ግዜ ዕዉታት ዝኮኑ ናይ ሰላማዊ ቃልሲ እስትራተጂ ዘለዎምን ንነዊሕ ዝጠመተ ፕላን ዘለዎም ምስዝኮኑ አብ ሓጺር ግዜ ከምዝዕወቱ ብአብነት ገሊጹልና፡፡ አብ 1989 አብ ምስራቅ ጀርመን አብ ልዕሊ ኮሚኒስት ውልቀመላኪ ሆኒከር መራሒ ናይ ጀርመን ዲሞክረቲክ ረፓብሊክ ዘጋጠመ ዓወት ብቅልጡፍ ክመጽእ ከምዝከአለ ይገልጽ፡፡ እዚ ክከውን ዝካአለ ድማ ብሚሊዮናት ዝቁጸር ሕዝቢ ጀርመን ብሓደ ግዜ አብ ዝተፈላለዩ ከተማታት አብ ጎደናታት ብምውጻእ ብዝፈጸሞ ሃገራዊ ሰለማዊ ናይ ፓለቲካ ቃልሲ ‘ ሆኒከር ውረድ ብምባል ናይ ሆኒከር መንግስቲ ሕጋውነቱ ብምምንዛዕን ፤ ምትሕብባር ብምንፋግ ፤ ስራሕ ጠጠው ብምባል ናይ ሆኒከር መንግስቲ ናይ ፓለቲካ ሓይሊ ምንጭታቱ ብዝላዓለ ደረጃን ብቁልጡፍ መገድን ከምዘይሰርሕን ከምዝለምስን ብምግባሩ ኢዩ ነይሩ፡፡ በዚ ድማ ሆኒከር ኤሪክ ንቺለ ከምዝሃደመ ወይ ከምተዓቆበ ይፍለጥ፡፡ አብ 1994 አብ መበል 81 ዓመቱ ድማ ዓሪፉ፡፡ ስለዚ መራሕትን ወደብትን ናይ ሰለማዊ ቃልሲ እቲ እስትራተጂ ብክልትኡ መንገድታት ዝመጹ ዓወታት ከኤንግድ ዝክእል ፕላን ክህልዎም ይግባእ፡፡

ክንቃለሰ አለና ኢልካ ጥራይ ዝግበር ቃልሲ ትርጉም አልቦ ኢዩ ምክንያቱ ብፕላን ዝተመርሔ ድልዱል መሰረት ዘለዎ ናይ ምቅላስ መንፈስን ናይ ምቅላስ ዓቅምን ክህሉ አለዎ ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ አብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ምእላይ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ክትካእ ተደልዩ ዘሎ እንታይን ብከመይን ብመንን ምፍላጥን አቀዲምካ ምድላውን የድሊ፡፡ እዚ አብ ሰልጣን ዘሎ ጥራይ ንእለዮ እምበር እቲ ዝመጽእ ነርክበሉ ኢና ዝብል ሓደገኛ ናይ ዲክታቶራውያን ፍልስፍና ወይ አከያይዳ ክእለ ክክእል አለዎ ምክንያቱ ተመሳሳሊ ጌጋ እንዳደገምካ ፍሉይ ለውጢ ወይ ውጽኢት ምጽባይ ክተርፍ ክክእል አለዎ፡፡

ቃልሲ ቅድሚ ምጅማሩ ናይቲ ቃልሲ ፓለቲካዊ ፤ ኢከኖምያዊ ፤ ማሕበራዊ ዕላምኡ እንታይ ምዃኑ ብግልጺ ክፍለጥ ክክእል አለዎ። ከምተገለጸ ናይ ቃልሲ እስትራተጂ ክህሉ ግድን ኢዩ ምክንያቱ ፓለቲካዊ ቃልሲ ናጻ ቅልስ አይኮነን አብ መወዳእታ ሻምፒዮን ኮንካ ትወጸሉ ሕይወት ዝሓትት ኢዩ፡፡ ስለዚ ናይ ቃልሲ እስትራተጂ ምንዳፍ ማለት ሎሚ ካብ ዘለናዮ ተበጊስና ናብቲ ጽባሕ ክንበጽሖ ንደሊ ወይ ንትምነዮ ቦታ ወይ ደረጃ ንምብጻሕ መገዲ ምጽራግ ማለት ኢዩ እዚ ማለት ድማ ካብ ዲክታቶርያዊ ሰርዓት ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስግጋር ማለት ኢዩ፡፡ ስለዚ ብትምኒትን ብጽቡቕ ድሌትን ጥራይ ክንጎዓዝ የብልናን ምከንያቱ ድሌታትና ሰሚሩ ቃልስና ተዓዊቱ አብ ስልጣን ዘሎ ሰርዓት ክእለ እንተተካአለ ናብ ዲሞክራስያዊ ዘሰጋግረናን ብልሽውና ዝከላከል ፕላን ይኩን ራአይ እንተዘየለ እቲ ዝተረከበ ዓወት ብካልእ ወይ ብሓድሽ ውልቀመላኪ ክትካእ ይክአል ኢዩ፡፡

ምክንያቱ ቡዙሓት ሰባት አብ ጸኒዕካ ምቅላሰን ድሕሪኡ ድማ ዓወትን ጥራይ ዝብል ወይ ዝተሓጸረ ዝተጋገየ እምነት ዘለዎም ሰባት አለዉ፡፡ እዚ ድማ ምስ ንግበሮ እሞ አይነጸብቆ ከነመሳስሎ እንተዘይካልና ምሰ “ ሰብአይ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ “ ዝዓይነቱ አባሃህላ ግን ከነመሳስሎ ንክእል ኢና ልክዕ ኢዩ ድሕሪ ቃልሲ ዓወት ከምዘሎ ዝጠፍኦ ሰብ የለን ግን ሕራይ ጽቡቅ እቲ ዓወት እንድዩ ዝድለ ዓወት ተረኪቡ ድሕሪኡ’ከ ናበይ ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ክኽእል አለዎ እቲ መልሱ ድማ ድሕሪ ዓወት ዘይኮነ ቅድሚ ዓወት ክፍለጥን ክምለስን ክክእል አለዎ፡፡ ምክንያቱ ድሕሪ ዓወት ዳአ እንታይ አሎ ምዝላልን ሽሽ ምባልን ኢዩ እምበር ኢሉ ዝምልሰለይ ሰብ አሎ ኢለ አይአምንን ኢየ፡፡

ስለዚ አብ ላዕሊ ከምዝገለጽኩዎ እቲ ዘሎ ስርዓት ምእላይ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ክትካእ ተደልዩ ዘሎ እንታይን ብከመይን ብመንን ምፍላጥን አቀዲምካ ምድላውን የድሊ፡፡ ኩሉ ግዜ ብጽፈት ዝስራሕ ስራሕ ንጽባሕ ዝኮነ ጸገም ይኩን ምስሕሓብ ክፈጥረልካ አይክእልን ኢዩ፡፡ ምክንያቱ ንኪድ ጥራይ ንስመር ኢልካ ብጽቡቕ ድሌት ጥራይ ብዘይ ሰንቂ ዝግበር ጉዕዞ አብ ዘብጸሓና የብሉን እንዳወደቅና እንዳተሳአና አብቲ ቦታ እንተበጻሕና’ውን ስንቂ ስለዘይተማላእና ህላውነትና አብ ናይ ሕቶ ምልክት ኢዩ ክአቱ፡፡

ዓወት ዝባሃል አብ ልዕሊ ጸላኢካ ምዕዋት ጥራይ ዘይኮነ አብ ትልምካን ፤ ሕልምካን ፤ ራአይካን ምስትዕወት ኢዩ እቲ ናይ ብሓቅን ሙሉእ ዓወትን ዝባሃል፡፡ ብዓቢኡ ድማ እቲ ዓቢ ዓወት ተቃሊስካ ምዕዋት ዘይኮነ ነቲ ዓወት ምዕቃብ ይከብድ ስለዚ ዝኮነ ነገር ድማ ክዕቀብ እንተተደልዩ አቀዲምካ ሙቹእ ቦታ ከተዳልወሉ ወይ ባይታ ከተጣጥሓሉ አለካ፡፡

ምክንያቱ ሎሚ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ልዕልና ሕጊ ዘይክበረላ ኮይና አላ ትማሊ’ውን ከምዚ ዓይነት አከያይዳ ኢዩ ነይሩ ዝኮነ ንምንታይ ስለምንታይ ብከመይ …. ኢልካ ከምዘይሕተት እንዳተገበረ ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝኮነ ፋሉል አከያይዳ ነይሩ ምክንያቱ ብሕጊ ዝከይድ ሰብ ይኩን ውዱብ ኩሉ ግዜ ክሕተት ኢዩ በዚ ኢዩ ድማ ትማሊ ይኩን ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ብሕጊ ምምራሕ ዘይአምንን ዘይደልን ስለዝኮነ ድማ ከምድላዩ ክዕንድር ዘክእሎ ዘሎ፡፡

ስለዚ ኢየ ድማ እዚ ጌጋ ሎሚ’ውን ከይድገም ዝብል ዘለኩ ዝኮነ ንፍትሒ ንለውጢ ዝቃለስ ሰብ ንምንታይ ይቃለስ አሎ ክፈልጥን እቲ አከያይዳን መዕለብን ክግለጾሉን አለዎ፡፡ ምክንያቱ ሎሚ’ውን ብዙሕ ሰብ ብስምዒት ክጎዓዝ ትርእዮ ለውጢ ለውጢ ፤ ሓድነት ሓድነት ፤ ስመር ስመር … ክንዕወት ኢና ይብል ድሕሪኡ’ከ? ብዙሕ ሰብ ክምልሶ ዘይክእል ሕቶ ኢዩ ገለ ገለ አብ ዓወት ጥራይ ንብጻሕ እምበር ነርክበሉ ኢና ይብሉካ እዚ ግን ጉጉይን ናይ ዲክታቶራውያን አከያይዳ ኢዩ፡፡ ስለዚ በጃኩም ስምዒታውያን አይኑኩን ምክንያቱ እንድሕር ስምዒታውያን ኮይና ነገራት ህድእ ኢልካ ናይ ምርአይ ወይ ምሕሳብ ባህርያትና የጉድሎ ኢዩ፡፡

እዚ ድማ እቲ ሕዝቢ ነዚ እስትራተጂካዊ ንድፊ ብጉብእ አፍልጦ ከም ዝህልዎ ክግበር አለዎ እዚ  አፍልጦ እቲ ቀንዲ ጥቅሙ ከምዝገለጽኩዎ ናይ ሕዝቢ ሞራል ሓፍ ከምዝብል ምግባርን ከምኡ’ውን እቲ ሕዝባዊ ተሳትፎ ከምዝዓብን እቶም ብሕዝቢ ዝግበሩ ወይ ዝውሰዱ ውሳኔታት ካብ ስምዒትን ጌጋን ናጻ ንክኮኑ ሓጋዚ ይከውን፡፡ ሎሚ ከም አብ ቡዙሓት ናይ አፍሪቃ ሃገራት ዝግበር ዘሎ ሰለማዊ ቃልሲ ወይ ዓመጽ አብ ተመክሮ ካልኦት ሃገራት ከምተራአየ ንዝሓሸ ናይ ዲሞክራሲን ናይ ሰብአዊ መሰልን ብዓቢኡ ድማ ሰርዓት ዘለዎ ስርዓት ንምምስራት ይኩን ንምህናጽን ሕድሕድ ምክእአልን ምጽውዋርን ንምምዕባል ዘለዎ ተራ ብቀሊል ዝግመት አይኮነን ልክዕ ኢዩ አሚንካ ተዘይተቃሊስካሉ ካብ ጥቅሙ ጉድአቱ ክዓዝዝ ይክእል ይከውን ምክንያቱ ሰላማዊ ቃልሲ ዓቅልካ ዘወድእ ቃልሲ ስለዝኮን ድማ ጽንዓትን ተወፋይነትን ይሓትት፡፡ ኮይኑ ግን ጥቅሙ ወይ ውጽኢቱ ዝዓዘዘ ስለዝኮነ አገዳስነቱ ልዑል ኢዩ፡፡

ገለ ናይ ሰለማዊ ቃልሲ ጥቅምታት ንምግላጽ ዝአክል፡-

1-      ብቅዋም ትምራሕን ዲሞክራሰን ሰብአዊ መሰላትን ዝክበረላ ነጸ ሃገር ንክትምስረት ይሕግዝ፡፡

2-     መንግስቲ ሓላፍነቱ ብጉብእ ብተግባር ዝትግብረላን ልዕልና ሕጊ ንከይፍጠርን ይሕግዝ፡፡

3-     ስርዓተ ሕጊ ዝነገሳ ሃገር ምህናጽን ነጻን ተሓታትነትን ከምዝህልው ይገብር፡፡

4-     እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ አብ ውሽጢ ሕዝቢ ዘሎ ሕድሕድ ጽልእን ፍልልይ አብ ናይ ፓለቲካ አረኣእያን ከምዝተርፍ ይገብር፡፡

5-     አብ ልዕሊ ሕዝቢ ከጋጥሙ ዝክእሉ ሕድሕድ ምውንጅጃልን ሕነ ናይ ምፍዳይ ተግባራት ንከይህሉን ፈጺሙ ንክጠፍእን በንጻሩ አብ ሕዝብታት ፍቕርን ሰላምን ከም ዝነግስ ይገብር፡፡

6-    እቲ ክመጽእ ዝክእል ናይ ምፍልላይ ወይ ምብትታን ጸገማት ከምዘይህሉ ይገብር፡፡

7-     አብ ሓደ ስርዓት ተሓጺርካ ካብ ምንባር ቡዙሓት ፓርትታት ከምዝህልዉን ሕዝቢ ድማ ድሌቱ ነጻ ኮይኑ ከምዝመርጽ ይሕግዝ፡፡

8-     ብዓቢኡ ድማ ንሕዝቡ ዝውክል ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምቋም ይሕግዝ፡፡

9-    ሕዝባዊ ዓወት ስለዝኮነ ሃገር ሳላይ ኢያ መጺአ ወይ ተረኪባ ዝብል ወይ ዝዕበን ከምድሌቱ ክከይድ ዝደሊ ስርዓት ወይ አካል ከምዘይህልው ይገብር፡፡

እዚኦም ገለ ካብ ቡዙሓት ብሰለማዊ ቃልሲ ዝመጹ ለውጢ ኢዮም ስለዚ ነዚ ናይ ሰላማዊ ቃልሲ ተጠቀምቲ ክንከውን እንተኮይኑ ከምዝገለጽኩዎ ናይ ሰላም ቃልሲ ብመጀመርያ ብእስትራተጂን ፕላንን ዝተመርሔ ወይ ራእይ ዝተዓጠቀ ማለት ብዝተወደበ መገዲ ክጎዓዝ ክኽእል አለዎ፡፡

እዚ ማለት ድማ ሓባራውን ነባራውን ናይ ፓለቲካ ኩነታት ምምላእ ከምኡ ድማ ሕልናዊ ብስለት እዚ ማለት ድማ ናይ ምቅላስ መንፈስ ወይ ድሌት ምህላውን ነቲ ቃልሲ ዓቅምን ብቅዓትን ክህልወካ ክክእል አለዎ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ንቅሓት የድሊ እንታይ ትገብር አለካ እንታይ ክትገብር ኢካ ብጉብእ ምፍላጥ አገዳሲ ኢዩ፡፡ ብተወሳኪ ድማ ካብ ዝኮነ ሃይማኖታዊ ቀቢላዊ ስምዒት ነጻ ክትከውን አለካ አይኮነን ግን ልብካን መልሓስካን እንተዘይተሳንዩ ተምጽኦ ለውጢ የለን፡፡

ጋንዲ ብዛዕባ መንግስቲ ዝነበሮ እምነት ክገልጽ ከሎ“ ሕዝቢ ሓሲብዎ ይኩን ከይሓሰቦ ክግዛእ ክሳብ ዘይፈቀደ ዝገዝኦ መንግስቲ ክህሉ አይክእልን ኢዩ ” ዝብል አብ ናይ ጥንታዊ ናይ ፓለቲካ ሳይንስ ንድፊ ሓሳብ መሰረት ዝገበረ እምነት ኢዩ ነይሩዎ፡፡ ስለዚ እንታይ ንምባል ኢየ ልክዕ ህግ ናጽነት አመጺኡ እዚ ማለት ድማ ሕዝቢ ናጽነት ምስመጸት ሓሲብዎ ድዩ ተቀቢልዎ ብዘየገድስ ተቃውሞ አይነበሮን አብዚ ሎሚ ግዜ ግን ድሌቱ አይኮነን በዞም ሰባት ክምራሕ ወይ ክማሓደር ይኩን ክግዛእ ፍቃዱ አይኮነን፡፡ ናጽነት ብናይ ሕዝቢ ተሳትፎ ኢያ መጺአ፡፡ ስለዚ እዚ ዘሎ ሰርዓት አብቲ ብረታዊ ቃልሲ እጃም ስለዝነበሮ ጥራይ ሃገር ከምድላዩ ክመርሕ ሃገር ንበይኑ ክብሕታን ክሕምሳን ዘፍቅድ ሕጊ ይኩን ሕዝቢ የለን፡፡

ስለዚ እቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዘለና ድማ ሕዝቢ እምቢ ክብል ክክአል አለዎ እቲ ናይ ሕዝቢ እምቢታ ቡዙሕ ዓይነት ኢዩ እቲ ቀንዲ ብሰለማዊ መገዲ ለውጢ ምምጻእ ኢዩ፡፡ ስለዚ ሰላማዊ ቃልሲ ምግባር አብ ሃገርና ከም ሓደ ከቢድን ዘይካአልን ነገር ክውሰድ ይካአል ይከውን ልክዕ ኢዩ አሸጋርን ከቢድን ክከውን ይክእል ኢዩ ሕዝቢ ሒዝካን ሕዝቢ የእሚንካን ዘይከውንን ዘይካልን ነገር የለን ምክንያቱ ካብ እንዳነበርካ ማለት ብሕይወትካ ሙሟት ሓንሳብን ኩቡር ሞት ሙሟት ይበልጽ ምክንያቱ ብዘይ መስዋእቲ ዓወት ስለዘየለ እዚ ማለት ድማ ንዝመጽእ ኩሉ ንምቅባል ድልውነት ይሓትት ናይ ውሑዳት መስዋእቲ ንናይ ብዙሓት ሰላምን ነጻነትን ስለዝኮነ ስለዚ እዚ ሰለማዊ ቃልሲ ኩቡር ዋጋ አለዎ ምናልባት ሕጂ ክራኣየና አይክእልን ይኸውን ክንፈልጦን ከነስተማቅሮን ንክእል ንዝአመናሉ ዕላማ አብ ተግባር ከነውዕሎ ምስንክእል ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ስርዓት ለውጢ ሕዝባዊ ብምዃኑ ዘተአማምንን መሰረቱ ዘይንቅነቅ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ አብ ስልጣን ዝመጽእ ፓርቲ ይኩን ካልእ አካል ዘተአማምንን ውሕስነት  ዘለዎን ኢዩ፡፡ እዚ ድማ ብሃውሪ ዘይኮነ እቲ ሕዝቢ ነዚ እስትራተጂካዊ ንድፊ ብጉብእ አፍልጦ ከም ዝህልዎ ክግበር አለዎ እዚ አፍልጦ እቲ ቀንዲ ጥቅሙ ከምዝገለጽኩዎ ናይ ሕዝቢ ሞራል ሓፍ ከምዝብል ምግባርን ከምኡ’ውን እቲ ሕዝባዊ ተሳትፎ ከምዝዓብን እቶም ብሕዝቢ ዝግበሩ ወይ ዝውሰዱ ውሳኔታት ካብ ጌጋ ናጻ ንክኮኑ ሓጋዚ ይከውን፡፡

ስለዚ ብዝተካእለ መጠን ብመጀመርያ ብሰለማዊ ቃልሲ ለውጢ ከነምጽእ ክንከእል አለና አይኮነን ግን እንድሕር ብሰላማዊ ቃልሲ ፈቲና ጽዒርና ብፍጹም ለውጢ ክመጽእ እንተዘይተካኢሉ ምርጫና እዃ  እንተዘይኮነ ተገዲድና ብረታዊ ቃልሲ ምጥቃም ግዴታ ክኮነና ኢዩ፡፡ ኮይኑ ግን ብረታዊ ቃልሲ አብ ትግባረ ንምውዓል ክማልኡ ዝግበኦም ነገራት አለዉ ንአብነት ብሓደ ፓርቲ ወይ ሰልፊ ዝምራሕ ብጉብእ ዝዓጠቀ ሰራዊት ናይ ግድን ክህሉ አለዎ፡፡ ምክንያቱ ናይ ሰልፍታት ወይ ፓርትታት ብዝሒ እንተሎ ብኡ መንጽር ነፍስ ወከፍ ፓርቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰራዊት ከቅውም ግድን ኢዩ፡፡ እዚ ድማ ስድሪ ዘክይድ አይኮነን ምክንያቱ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ብዙሓት ሰልፍታት ወይ ደምበ ተቃወምቲ አለዋና ኮይኑ ግን ብሰንኪ ሓድነት ማለት አብ ሓደ ሰልፊ ዘይምስማር ክሳብ ሎሚ ዝተበታተነን ዓቢ ፍልልያት ዘለዎን ኢየን ግደፍ ሰሚረን ከም ሓደ ፓርቲ ብሓንሳብ ክቃለሳ ንባዕሉ አብ ልዕሊ ህግደፍ ሓደ ዓይነት አራእያ ከምዝህልዎም ክገብሩ አይካአሉን፡፡ እቲ ዘሕዝን እዚ ጉዳይ ሃገር ኢዩ ሕዝቢ አብ ከመይ ኩነታት አሎ እዚ አየተሓሳስበናን አርኪብና ሕድሕድ ክንወነጃጀል ስለዚ ግደፍ ንነገራት ሕድገታት እንዳገበርካ ስምምዕ ምፍጣር ከሸግረና ወይ ክከብደና ንስለ ሃገር እኮ ሕይወትካ ይብጆ ኢዩ፡፡ ስለዚ ሕይወትና ክንከፍል ዘይከበደና ብከመይ ንስለ ሃገር ንክንሰማማዕ ይከብደና?

እንድዒ አነ እዚ ድሕረት ወይ ድንቁርና ጥራይ ኢለ ኢየ ክገልጾ ዝክእል ናይ ብሓቂ ሓንሳብ ሓንሳብ ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገብርዎ ዘለዉ ግፍዕን በደልን ንላዕሊ እዚ አብ መንጎና ዘሎ ዘይምስምማዕን ፍልልያትን የንበዓኒ፡፡ ምክንያቱ ስምምዕ እንተዝህልወና ህግደፍ ንልዕሊ 22 ዓመት ዝአክል ከምድላዮም ክዕንድሩ አይምከአሉን፡፡

ስለዚ ዕንደራ ህግደፍ ከብቅዕ እንተኮይኑ ከምኡ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ተገዲድና እንተአቲናዮ እሞ ድማ እንድሕር ክዕወት ኮይኑ ብሓደ ውዱብ ዝምራሕ ብጉብእ ዝዓጠቀ ሰራዊት ክህሉ አለዎ፡፡ ምክንያቱ ሓደ ውዱብ ወይ ሰልፊ ጥራይ እንተሃልዩና ብመጀመርያ ንኩሉ ኤርትራዊ ዘማእከለ ሓደ ዓቢ ራእይ ዘለዎ ሕዝባዊ ውዱብ ንምምስራት ዓቢ ተክእሎ አሎ፡፡ አብዚ ሰዓት ኢዩ ድማ አድማዒ ስራሕ ዝስራሕ፡፡

እቲ ቀንዲ ዕላማ ስርዓተ ህግደፍ አሊካ ብናይ ሕዝቢ ድሌት ዝተመረጸ መንግስቲ ንምትካል ኢዩ፡፡ ነዚ ድማ ከም ደቂ ዛግራ አብ ፈቀድኡ ሃገር ዝውለዱ ሰልፍታት ዘይኮነ ሓንቲ ሰልፊ ጥራይ ኢያ ተድልየና፡፡ ንመጻኢ’ውን ሓደ ፓርቲ ጥራይ ኢዩ ዘድልየና ማለት ግን አይኮነን፡፡ ማለት ከምዚ ሎሚ ዘሎ ንዘልአለም ብሓደ ሰልፊ ወይ ስርዓት ንጎዓዝ ማለት አይኮነን፡፡ እዚ ቃልሲ ክዕወት እንተኮይኑ ግን ብመጀመርያ ሓደ ኢድ ኮና ምስንቃለስ ኢዩ ደሓር ኩሉ ምሰተወድኤ ዓወት ምስተረከበ ከምተገለጸ ቃልሲ ቅድሚ ምጅማሩ ናይቲ ቃልሲ ፓለቲካዊ ፤ ኢከኖምያዊ ፤ ማሕበራዊ ዕላምኡ እንታይ ምዃኑ ብግልጺ ክፍለጥ ክክእል አለዎ። ስለዚ እንታይ ከምንገብር ፈሊጥና ጸኒሕና ንኩሉ ተዳሊና ሰልፍና ሒዝና ክንቀርብን ክንወዳደርን ንክእል እቲ ምርጫ ናትና ዘይኮነ ናይ ሕዝቢ ኢዩ ኩሉ ግዜ ናይ ቃልሲ ትርጉም ንሕዝብካ እምበር ንግልካ አይኮን፡፡ ምክንያቱ ህላዌ ሰልፍካ ዘይኮነ ህላዌ ሃገር ስለዝቅድም፡፡ ምክንያቱ ሰልፍታት አብ ዝኮነ ግዜን ቦታን ናይ ምቛምን ምምስራትን ዕድላት አለወን ሃገር ግን እዚ ዕድል የብላን ስለዚ ልዕሊ ኩሉ ብመጀመርያ ንሃገርና ነቀድም፡፡ ኖ አነስ በታ ዝአመንኩላ መሪሕ ውዱበይ ወይ ሰልፊ ወኪለ ኢየ ዝቃለስ ምባል ግን ንሰልፍካ ልዕሊ ሃገር ምስራዕን ንሃገር ዘይኮነ ንናይ ግልካ ጥቅሚ ትቃለስ ከምዘለካ ዘርእን’ዩ፡፡

ክፍለጥ ዘለዎ ቀንዲ ነገር ግን ሽሕ ግዜ ሰላማዊ ቃልሲ ይኩን ብረታዊ ቃልሲ ይካየድ ሕዝባዊ ተሳትፎ ዘይብሉ ወይ ብሕዝቢ ዘይተመርሔ ወላ ሰላማዊ እንተኮነ ውጽኢቱ ግን ሕዝባዊ ክኸውን አይክእልን ኢዩ፡፡ ምክንያቱ ንመጻኢ ዘጋጥመና ወይ እቲ ንረክቦ ነገር ናይ ሎሚ ተግባርና ኢዩ ዝውስኖ፡፡

ስለዚ ጽባሕ ከስግአና ዝግቦኦ ወይ እቲ ቀንዲ መሰናክል ክኮውን ዝክእል አብ ናይ ሓባርን ግልን ዝግበር ሕድሕድ ባእሰን ቅርሕንትን ንከይፍጠር ኢዩ፡፡

ስለዚ እቲ ዘሕዝን ሓደ ሰልፊ ንበይኑ ብሓደ ኢዱ እንዳጣቀዔ ክሳብ ዝተጎዓዘ ወይ ዝተቃለሰ ታዓዊቱ አይተዓወተ ትርጉም የብሉን፡፡ እቲ ውጽኢት ድማ ናይ ሕዝቢ ዘይኮነ ናቱ ናይቲ ሰልፊ ጥራይ ኢዩ፡፡ ኩሉ ግዜ ንበይኑ ክጎይ ዝሕልን ብዛዕባ ካልኦት ግዲ ዘይብሉ ጥራይ ኢዩ፡፡ ስለዚ ንበይንካ ሰልፊ አቒምካ አጀንዳካ ካብ ሃገራዊ ወጻኢ በንጻሩ መርወይ ስልጣንካ ጥራይ ትጥቀመሉ ወይ ትሰርሓሉ እንተኮንካ ንዓወት ዘይኮነ ንዕንወት ክሳብ ትሰርሕ ዘለካ ምስ መሰልትካ ሓድነት ጌርካ ክትጎዓዝ’ውን ከቢድ ኢዩ፡፡ እዚ ኢዩ ድማ እቲ ቀንዲ ማሕልኮ ኮይኑ ንዓወትና ዝጎትቶ ዘሎ፡፡

ኩሉ ግዜ ሓደ ተቃዋሚ ኢየ ባሃሊ ውዱብ ይኩን ውልቀሰብ መጀመርያ ክብገስ ዘለዎ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ዘይኮነ ካብቲ ዝቃወሞ ዘሎ አካል ክከውን አለዎ ንአብነት ናትና ምስንርኢ ካብ ናይ ስርዓት ህግደፍ እምነትን ኩውንነትን ክከውን አለዎ፡፡ ንህግደፍ ንቃወም ክሳብ ዝሃለና ጸላእትና ህግደፍ ክሳብ ዝኮኑ ትዕዝብትና ይኩን አረአእያና አብኦም ክከውን አለዎ ምክንያቱ ብናቶም እምነት ድልዱል ሰረት ዘለዎ ዘፍርሖም ተቃዋሚ የለን ፤ ኩሉ ስልጣን ይኩን ሃብቲ ሃገር አብ ኢዶም ኢዩ ፤ ኩሉ ሓይሊ አብ ኢዶም ኢዩ … ስለዚ አንጻር እዚ አጉል እምነቶም ንምቅላስ ማለት ነዚ አጉል እምነቶም ንምክሻፍ አብ አንጻር እምነቶም ክንቃለስ አለና፡፡ አይኮነን ግን አነ ከም ተቃዋማይ እምነተይ አብ ገዛእ ነብሰይ ዘተኮረ እንተኮይኑ ግን ወይ ንነብሰይ አይፈልጣን ኢየ ወይ እንታይ ይገብር አለኩ አይፈልጥን ኢየ ማለት ኢዩ፡፡

ስለዚ በዚ ሎሚ ዘሎ ህልው ናይ ፓለቲካ ወድዓዊ ኩነታት እንዳተማሃርና ምስ ግዜ ድማ እንዳተማሓየሽና ክንከይድ እንተዘይኪኢልና ነቲ ጽባሕ ዘጋጥመና ብዱሆታት ክንዕወተሎም ከኤግሙና ኢዮም ጥራይ ዘይኮነ አብ ዝገደደ ቅልውላው’ውን ክንሽመም ከም ንክእል’ውን ብአጋ ክንግንዘብ የድሊ፡፡

ስለዚ እቲ ቀንዲ ነገር ሃገራውነት ክስመዓና አለዎ አብ ሓደ ሓቢርና ድማ ሓደን ሃገራዊ ሰልፊ ክንምስርት ክንክእል አለና ርግጸኛ ኢየ ብልቢ ጉዳይ ሃገሩ ዘሕሞ ሰብ ሓቢርና ንቃለስ ኢልካዮ ዝአቢ አይመስለንን’ዩ ካልእ ሕቡእ ዕላማ እንተዘይሃልይዎ፡፡ እዚ ማለት ድማ እቲ ንቃለሰሉ ዘለና ዕላማ ንጽባሕ ውሕስቲ ኤርትራ ንምህናጽ ማለት ንሃገርና ካብ ዲክታቶራዊ ስርዓት ንምንጋፍ ንሕዝብና ድማ ካብ መከራን ስቃይን ንምግልጋል ወሳኒ ምዃኑ ክንርዳእን ክንአምንንን ይግባእ፡፡ ክደግማ ኢየ ነዚ ቅዱስ ነገር ዘይድግፍ ሃገራዊ የለን ኢለ ይአምን ካልእ ሕቡእ ዕላማ እንተዘይሃልይዎ … ፡፡

ስለዚ ኩልና ኤርትራና ካብ ህግደፍ ንምንጋፍ ካብ ኮነ ድሌትና እንታይ ኢዩ ዘየሰማምዓና ዘሎ ? ናይ ብሓቂ ተተሓሳስበኒ ጉዳይ እዚአ ኢያ ምክንያቱ ሰባት ሓደ ዓይነት ድሌት ክሳብ ዝሃለዎም ከመይ ገይሮም ክፈላለዩ ይክእሉ ? ምናልባት ገለ ሰባት ድሌታትና ሓደ እንተኮነ ነቲ ድሌታትና ንምርካብ አብ ዝግበር ጻዕሪ አብ አተገባብራ ኢዩ እቲ ፍልልያት ዝመጽእ ዘሎ ክብሉ ይኽእሉ ይኮኑ እዚ ግን ቁቡል አይኮነን እቲ ወሳኒ አብ ድሌት ሓደ ምዃን ወይ ምስምማዕ ኢዩ እቲ ቀንዲ እምበር ድሌትካ ሓደ ክሳብ ዝኮነ አብ አተገባብራ ግን ምናልባት ደቂ ሰባት ድኩማት ክሳብ ዝኮና ገለ ደቀቅቲ ፍልልያት ከጋጥሙ አይክእሉን ኢዮም ክብል እንተዘይደፈርኩ እቲ ድሌት ብልብን ብሓቅን አብ ቅንዕና ዝተሞርከሰ እንተኮይኑ ማዕረ ዕላማካ አስሒቱ አብ ነገርን ባእስን ዘእቱ ፍልልይ የጋጥም ኢዩ ኢለ አይአምንን፡፡

ስለዚ ድሌታትና ክሰምር እንተኮይኑ ሓደ ንኩን ሓድነት ንፍጠር ምክንያቱ ሓድነት ሓይሊ ኢዩ፡፡ ብዓቢኡ ድማ ፋሕ ፋሕ ዝበለ በብወገንካ ዝግበር ቃልሲ ሕዝባዊ ክሳብ ዘይኮነ ውጽኢት የብሉን ዝኮነ ቃልሲ ድማ ሕዝባዊ ዓወት ክከውን እንተኮይኑ ሕዝቢ ብሓባር ዝተሳተፎን ዝመረሖን ምስ ዝከውን ጥራይ ኢዩ፡፡ ሕዝቢ ድማ አብቲ ለውጢ ከምጽእ ዝንቀሳቀስ ዘሎ አካል እምነት እንተገይሩ ብዝኮነ መገዲ አብቲ ቃልሲ ተርኡ ዕዙዝ ከምዝከውን ዘጠራጥር አይኮነን፡፡ ስለዚ ሕዝቢ ዝደልዮ ሓድነት ኢዩ ሓደ ሰልፊ ጥራይ … ምክንያቱ በበይንካ ዝግበር ቃልሲ ናብ ዘብጸሓካ የብሉን ስለዚ ሓደ ኢድ ኮንካ ሓቢርካ ሓደ ሰልፊ ኮንካ ኢዩ እቲ ዓወት ዝመጽእ ነዚ ሓድነት መሰረቱ ድማ ብግልጺ ኢሂን ምሂን ምባልን ምጽውዋርን አጋዳሲ ኢዩ፡፡

ንሕና ኤርትራውያን ትማሊ ናጽነት ብከመይ ከምዘምጻእናያ ንፈልጥ ኢና አብ ሃገርናን ወገናን ዘለና ፍቕሪ ልዕሊ ማንም ኢዩ ሎሚ’ውን ካብ ዝሓለፈ ንላዕሊ ክንገብር ከምንክእል ክንአምን አለና፡፡ ሎሚ እታ ዝጎደለትና ነገር ተላ ሓድነት ጌርና ምጉዓዝ ጥራይ ኢያ፡፡

ብትምኒት ወይ ብጽቡቕ ድሌት ጥራይ ዝርከብ ነገር የለን፡፡ ትምኒትና ናይ ድሌታትና ወይ ባህግና መበገሲ ኮይኑ ንናይ ተግባር መንገዲ ዘርሕወልና ኢዩ፡፡ ስለዚ ትምኒት ከም መበገሲ ክጠቅመና ይክእል ኢዩ፡፡ ካብዚ ንላዕሊ ግን ትምኒት ምስ ዓወት ዘራክቦ ነገር የለን፡፡ ዓወት ቀጥታዊ ዝምድናኡ ምስ ተግባር ጥራይ ኢዩ ፡፡ ምክንያቱ ናይ ብሓቂ ክንዛረብ እንተኮይኑ እዚ ናይ ሎሚ ዘሎ አከያይዳና እንዳደገፍካ ከም ምቅዋም ዝዓይነቱ ኢዩ፡፡ ስለዚ እቲ ናይ ብሓቂ ተቃውመና ጥራይ አብ ተግባር ነርኢ፡፡

ስለዚ እቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዝግባአና ንኩሉ ኤርትራዊ አብ ዝሃለወ ሃልዩ አብ ሐደ ናይ ምጥርናፍን ምውዳብን ዕማም ከነሰላሰል አለና፡፡ እዚ ድማ ሓደ ሰልፊ ጥራይ ኢዩ ዘድልየና፡፡እዚ ሰልፊ ድማ ብንጹር ዝኮነ መገዲ ተልእኩኡን ራእዩን ግልጺ ምግባር ጥራይ ኢዩ ዘድሊ፡፡ ምክንያቱ ዝኮነ ኤርትራዊ አብ ቃልሲ ክሳተፍ ኮሎ ብግለሰብ እምበር ብስም ሰልፊ ክከውን የብሉን፡፡ ምክንያቱ አብ ጉዳይ ሃገር ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ብማዕረ ሓላፍነት አለዎ፡፡

ናይ ግሊ ወይ ናይ ጉጅለ ድሌት ዘይኮነ ናይ ሃገር ጉዳይ ቀዳምነት ከዋሃቦ ይግባእ፡፡ ህላውነት ሃገር ምስ ዝህሉ ኢዩ ህላውነትና ዝረጋገጽ ምክንያቱ ናይ ሓደ ሕዝቢ ድሌት ምስ ናይ ሃገር ህልውና ዝተተሓሓዘ ኢዩ፡፡ ሃገር ተዘየለ ክብረት የለን ….

ስለዚ እዚ ሃገራውን ታሪካውን ሓላፍነት ኢዩ በቲ ዝወጽእ ሕግን ስርዓትን ተቀይድካ ዝተባሃለካ ኩሉ አብ ተግባር ምውዓልን ብዓቢኡ ከቢድ ጻዕርን ጥንቃቀን ጌርና እንተተጎዒዝና ርግጸኛ ኢየ ዘተአማምን ዓወት ምጉንጻፍ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ ዘተአማምን ቡሩህ ተስፋ ከመዝህልወና ዘጠራጥር አይኮነን፡፡

ስለዚ ሎሚ ንሕዝቢ ኤርትራ በዞም ተቃወምቲ ውዱባት እቲ ከምጽእዎ ዝደልዩ ዘለዉ ለውጢ ወይ አማራጺ ንጹርን ግልጹን ክከውን ይግባእ፡፡ ብዓቢኡ አብ ዝሓጸረ ግዜ አብ ሓደ ሰልፊ ሰሚርና ዝብል ወረ ክንሰምዕ ተስፋ እገበር፡፡ ብዝኮነ ካብ ተቃወምቲ ወጻኢ ሎሚ ንሕዝብና ዝቀርበሉ ዘሎ አማራጽታት ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ግሉጽን ንጹርን እንዳኮነ መጺኡ አሎ እዚ ማለት ድማ ብፍላይ ሎሚ አብ ሃገራት ዓረብ ናይ አፍሪቃ ባና ኮይኑሉ አብ ዘሎ እዋን ንምንታይ ንሕና’ከ ክሳብ መዓስ ኢና ጠጠው ኢልና ተዓዘብቲ ክንከውን ስለዚ ሓድሽ ነገር ንፍጠር ማለት ዘይኮነ እቲ ክግበር ዘለዎን ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ ንሕና’ውን አብ ተግባር ክንሰርሓሉን ከነርእዮን አለና፡፡

ስለዚ ሎሚ ሕዝቢ ኤርትራ ሓደው አሜን ኢሉ ንስርዓት ህግደፍ እንዳተገዝኤ ምንባር ወይ ድማ እምቢ ኢሉ ንቃልሲ ክዳለ ከምዘለዎ ዝሕብረ ግዜ ኢና ዘለና፡፡ እዚ ማለት ድማ ዓቅሉ ዘጽበበ ስርዓት ህግደፍ ከም ዝሓሰቦ ሕዝቢ አሜን ኢሉ ከቅበሎ ዘይኮነ በንጻሩ ሎሚ ሕዝቢ ዓቅሉ ተጸንቂቁ ተስፋኡ ማህሚኑ ብሰላማዊ ቃልሲ ሓፈሻዊ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ቃልሲ ንከካይድን ሕዝቢ ውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝለዓለ ቁጽሪ እንዳወሰከ ከምዝከይድ አክኢሉ ኢዩ እዚ ዶብ ዝሃለፎ ጭኮና ናይ ህገደፍ፡፡

ክፍልጥ ዘለዎ ንሕዝብና ንሃገርና ክንቃለስ ብዘይ ምብጋስና ብታሪክ ተሓተቲ ኢና ምክንያቱ እዚ ንገብሮ ዘለና ሓቀኛ ቃልሲ ኢዩ ክባሃል አጸጋሚ ኢዩ ምክንያቱ ቃልሲ ብተግባር እምበር ብወረቀት ወይ ብቃል ይኩን ብሰሚናራት ዝግለጽ አይኮነን፡፡ ስለዚ ካብ ዝሓለፈ ድክመታትና ተማሂርና ፍልልያትና አወጊድና ሓድነት ጌርና ንበገስ ንበገስ ንበገስ … ስለዚ ነዚ አብ ተግባር ክሳብ ዘየውዓልና ንለውጢ ምጽባይ በቅሊ ክትወልድ ከም ምጽባይ ክኮነና ኢዩ፡፡

ሎሚ ሎሚ ገለ ገለ ሰባት ናይ ገዛእ ነብስና ሓላፍነት ክንገብሮ ንክእል ነገር እንዳሃለወ ናብ ካልእ ብምጽጋዕ ንነብስና ብምትላል ቀሪቦም ኢዮም እንዳበልና ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ንባዕሉ ክፈርስን ክበታተንን ንምነ አለና፡፡ ወይ ድማ አምላክ ባዕሉ ይወዳአልና ንብል ልክዕ ኢዩ አምላክ ኩሉ ይካአሎ ኢዩ ግን አምላክ ሰሪሕኩም ብልዑ ኢዩ ኢሉና፡፡ እቲ ዘሕዝነካ ሎሚ ሰባት ብፍላይ አብ ደገ ዘለዉ ብግዜያዊ ጥቅሚ ብምትላል ወይ ግዜያዊ ጥቅሚ ንምርካብ ጥራይ ነቲ ጽባሕ ዘጋጥም ናይ ትውልዲ ጋግ ወይ መጻኢ ትውልዲ ዝጎድእ አከያይዳ ስርዓት ህግደፍ ብመድጋፍ ነቲ ዝመጽእ ሳዕቤናት ግምት አይህብዎን አለዉ፡፡ ስለዚ ነዞም አብ ደገ ዘለዉ የሕዋት ብፍላጥ ይኩን ብዘይፍላጥ ምስ ህግደፍ ዝደናገጹ ዘለዉ ሕልና ግበሩ ህግደፍ ትውልዲ ከም ዝበርስ ኢዩ ዝገብር ዘሎ ሕሰብሉ እዚ መጻኢ ትውልዲ ዝጸልመተ ዕድል ከየጋጥሞ በጃኩም ምስ ሕዝብኩም ወግኑ ሰርዓት ተቀያሪ ኢዩ ሕዝቢ ኢዩ ነባሪ … ፡፡

ህግደፍ መንግስቲ አይኮነን ምክንያቱ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ማለት ናይ ሕዝቢ ተወካሊ ኢዩ ፤ መንግስቲ ማለት ንናይ ሕዝቡ ድሌት ከማልእ ዝቀውም አካል ኢዩ፤ መንግስቲ ማለት አብ መንጎ ሕዝብታት ማዕርነት ዝፈጥር መሰል ዘክብር ፍትሒ ዘንግስ ፤ መንግስቲ ማለት ንናይ ሕዝቢ ድሕነትን ንናይ ሃገር ሰላምን ምዕባለን ዝቆመ ኢዩ ብዓቢኡ መንግስቲ ማለት ናይ ሕዝቢ አገልጋሊ ኢዩ፡፡ ካብዞም ኩሎም ዝተባሃሉ ስርዓት ህግደፍ ንሽሙ ወላሓንቲ የብሉን፡፡ ስለዚ በየናይ መለክዒ ኢዮም መንግስትና ዝብልዎ ዘለዉ ? ምክንያቱ ካብ ህግደፍ ካብቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ወይ ገዛእቲ ዝተፈለየ ነገር አይራአናን ንአብነት ደርጊ እንተወሲድና ካብቲ ዝገብሮ ነበረ ግፍዕን በደልን መእሰርትን እንተዘይገደደ ዝሓይሽ አይራናን እታ ሓንቲ ለውጢ ትባሃል አብ ናይ ስርዓት ደርግ ነበሩ ዘፍጣታት ሰብ ከብዲ ሓለፍቲ ብናይ ስርዓት ህግደፍ ሰብ ባዶ ርእሲ ሓለፍቲ ምትካኦም ጥራይ ኢዩ፡፡

ሎሚ ግን ጩራ ለውጢ ይርኤ አሎ ማለት 21 ጥሪ ነዚ ሰላማዊ ቃልሲ ከም ጽቡቅ አብነትን ከም መተባብዕን ዘይካአል ነገር ከምዘየለን ኩሉ እንተተበጊስካሉ ክግበር ከምዝክእልን ዘርአየትና ወይ ባና ዝወለዔትልና ብዓቢኡ ካብ ድቃስና ዘተሰኤትና ደወል ኢያ፡፡ 21 ጥሪ 2013 ብርግጽ ድማ ናይዞም ጀጋኑ የሕዋትና ተበግሶ አብ ተግባር ብምስራሕ አብ ሸትኡ ናይ ምብጻሕ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሓላፍነት አለዎ፡፡ እዚ ድማ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ አብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዘለዎ ድሌትን እምነትን ብድፍረት አርእዮም ኢዮም እዚ ዓቢ ታሪክ ኢዩ ንሕዝቢ ኤርትራ፡፡ እዚ ነገር እዚ ግን ታሪክ ኮይኑ ከይተርፍ ምቅጻልን አብ ተግባር ምትርጎምን ናትና ሓላፍነት ኢዩ ኩልና ሕድሪ አለና ሕድሪ ሰውአትና አብ ልዕሊ ሕዝቢ ግፍዕን በደልን ክሳብ ዘይተገትኤ ተቃውሞና ብዝተፈላለየ መገዲ ከነርኢ ናይ ኩልና ግዴታን ሓላፍነትን ኢዩ፡፡

አብዛ ናይ ፎርቶ ስርሒት ድማ አወንታዊ ጎኑ ጥራይ ዘይኮነ አሉታዊ ጎኒ ከምዝነበሮ ክንግንዘብ የድሊ እዚ ማለት ድማ ኩሉ ግዜ ከቢድ መጽናዕቲ ከይገበርካ ትሰርሖ ስራሕ ከዕውተካ ከምዘይክእል ክንማሃር ይግባእ፡፡ ካልእ ይትረፍ ደቀቅቲ ነገራት ግን ዓቢ ተራ ክጻወቱ ዝክእሉ ነበሩ መጽናዕቲ አይተገበረለሙን፡፡ ይኩን እምበር ነዚ አጋጣሚ ከም ሓደ ፍሽለት ክንርእዮ የብልናን በንጻሩ ከተባብዓናን ሕድሮም ንምትግባር አበርቲዕና ክንሰርሕ ከምዘለናን ከም ዓባይ ነጥቢ መቀይሮ ክንርእያ አለና … ፡፡

አብ መወዳእታ ከስምረላ ዝደሊ ቀንዲ ዛዕባይ ሰላማዊ ቃልሲ ኢዩ፡፡ ብዛዕባ ብረታዊ ቃልሲ ብመጠኑ እንተተዛረብኩ ምርጫይ ግን አይኮነን፡፡ ኮይኑ ግን ምናልባት ብሕምቀትና ሰለማዊ ቃልሲ ብፍጹም ክግበር እንተዘይተካኢሉ ከይፈተና ናብ ብረታዊ ቃልሲ ክንአቱ ስለንግደድ አብኡ እንተአቲና እንታይ ክንገብር ከምዘለናን ብፍላይ ብሓንቲ ሰልፊ ክንጎዓዝ ክምዘለና ንምሕባር ጥራይ ኢየ፡፡ ብዓቢኡ ግን ሰለማዊ ቃልሲ እቲ እንኮ መፍትሒ ንሽግራትና ኢዩ ከምዘይካአል ጌርና አይንውሰዶ ታሪክ ከምዝነግረና ሰላማዊ ሰልፊ ወይ ቃልሲ አብ ሃገርና ቀደም ዝነበረ ኢዩ ንአብነት ድሕሪ ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ምስተቆረነት ብብዝሒ ኤርትራውያን ተማሃሮ ዝርከብዎም አንጻር እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝነበረ ጭካኔ ዝተሓዎሶ ግፍዕን በደልን ምግሃስ ሰብአዊ መሰላትን ብምቅዋም አብ 1956 ሰለማዊ ሰልፊ ተገይሩ ነይሩ ብፍላይ አብ ሕዳር 1958 ባንዴራ ኤርትራ ወሪዳ ባንዴራ ኢትዮጵያ ምስተሰቀለት ሕዝቢ ናይ ብሓቂ ተቆጢዑ በዚ ድማ ንአርባዕተ መዓልቲ ዝቀጸለ አዝዩ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፍን ናይ ስራሕ ጠጠው ምባል አድማን ብፈደረሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዝተወደበን ተማሃሮ ዝተሳተፍዎን አንጻር ግፍዕን ንሕዝቢ ብዘይ ድሌቱ ዝግበር ነበረ ምግዳድን… ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ አብ አስመራን አብ መብዛሕትኤን ከተማታት ኤርትራ ተካይዱ፡፡ አብዚ ግዜ በቶም ግፍዔኛታት ሰራዊት ኢትዮጵያ 88 ክቅተሉ ከለዉ 440-450 ቁሱላትን ብአሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝላአኩ ተገይሩ ኢዩ፡፡ አብቲ ግዜ እቲ ድማ ፓለቲካዊ ቃልሲ ዝጠልቦ ብረታዊ ቃልሲ ስለዝነበረ እዚ ናይ ሰለማዊ ሰልፊ ተበግሶ ኢዩ ድማ ንናይ 1961 ባይታ ንብረታዊ ቃልሲ ዝፈጠረ፡፡ ስለዚ እዚ ናይ ትማሊ ትብዓትን ቆራጽነትን አበይ ከይዱ ሎሚ? ኩሉ ግዜ ለውጢ ካብ ውሽጢ ኢዩ ዝመጽእ ስለዚ ንሕዝብን ሰራዊትን ምጉስጎስ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ኢዩ፡፡ ከምዝፈለጥ ሎሚ አብ ደገ ድምጺ ሕዝቢ ዘቃልሓ ነጻ ራድዮታት አለዋና ብተወሳኪ ብጽቡቅ ትግስግስ ዘላ መጽሄት መቃልሕ ፎርቶ ሓንቲ ከም አብነት ሕዝቢ ንምጉስጎስ ዓቢ ተራ አለዋ ኢለ ይአምን፡፡ እቲ ሓድነት ይኩን ብሓደ ሰልፊ ሓቢርካ ዘይምስራሕ ኢዩ እምበር ብሓደ ሰልፊ ንጎዓዝ ኔርና እንተንከውን ርግጸኛ ኢየ ብኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ትካየድ ኩሉ ንጥፈታት ይኩን እዋናዊ ሓበሬታ ንህዝቢ ተመሓላልፍ ሓንቲ ናይ ቲቪ ቻነል ነቲ ሓደ ሰልፊ ትውክል ክትምስረት ምተካእለ አብ ምጉስጎስ ሕዝብን ሰራዊትን ዓቢ ተራ ምሃለዋ ኢለ ይአምን እቲ ሕዝቢ አብ ደገ ይኩን አብ ውሽጢ ዘሎ ተስፋ ዘለዎ ነገር ወይ አከያይዳ ምስ ዝርኢ ዝካአሎ ካብ ምሕጋዝ ድሕር ከምዘይብል ፍሉጥ ኢዩ በዚ ድማ ምሰሰነት እሞ ዓወትና መቀላጠፈት ኔራ፡፡ ምክንያቱ ሜድያ ዓቢ ሓይሊ ኢዩ፡፡ ናፓሊዮን ቦናባርት “ ካብ አሽሓት ጠያይቲ ወይ ካብ አሽሓት ሰራዊት ዝበለጸ ዘፍርሑኒ አርባዕተ ናይ ተቃወምቲ ጋዜጠኛታት ኢዮም ይብል ነይሩ”

ስለዚ ከምዝፍለጥ ሰለማዊ ቃልሲ ዝለዓለ ኢድ ናይ ሕዝቢ ምንቅስቃስ ኢዩ፡፡ ስለዚ ርግጸኛ ኢየ አብ ሃገርና’ውን ከም ናይ ትማሊ ናይ ሓምሳታት ሰላማዊ ቃልሲ ብሕዝቢ ንምክያድ ምጩእ ባይታ አሎ፡፡ ምክንያቱ እቲ ዕጥቂ ይኩን እቲ ድፋዕ ሕዝቢ ባዕሉ ኢዩ፡፡ ስለዚ እዚ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዘማእከለ ብፕላን ዝተመርሔ ሕዝባዊ ቃልሲ ሕጋዊ መስመር ዝተከተለ ተቃሊስካ ምቅላስ ንኩልና ዋሕስ ኢዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ወሳኒ ነገር አብ ልዕሊ ሕዝቢ እምነት ምሕዳርን አብ ልዕሊ ሕዝቢ ምትእምማንን ኢዩ፡፡ እዚ ድማ ከምዝገልጽኩዎ አድማዒ ጎስጎስ እንተተካይዱ አብ ለዕሊ ሕዝቢ እምነት ከተሕድር ይካአል ኢዩ፡፡ ኩሉ ግዜ ሕዝቢ ሓደን ዘየወላውልን ራእይን ዘተአማምንን አከያይዳ ምስዝርኢ ቅድሚ እቶም መራሕቲ ከምዝስራዕ ዘየጠራጥር ጉዳይ ኢዩ፡፡ ስለዚ ዓወት ወይ ለውጢ ካብ ውሽጢ ኢዩ ዝመጽእ ኢልና ንአምን እንተኮይና ነቲ አብ ውሽጢ ዘሎ ሕዝብን ሰራዊትን ናትና ማለት ናይዞም አብ ደገ ዘለና ምስምማዕን ብሓድነት ምጉዓዝን ሓይሊ ኢዩ ዝኮኖ… ፡፡

ሎሚ አብ ደገ ዘለዋ ውዱባት ወይ ደምበ ተቃወምቲ ሰሚረን ኢየን ጽቡቅ አንፈት ይርኤ አሎ ይበሃለና አሎ ግን አበይ አሎ እቲ ስምረት ? ምናልባት አብቲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምስምማዕ ፈጢረን ክኮና ይክእላ እዚ ግን ሰመረት አይኮነን ስምረት ማለት ሐደ ሰልፊ ሙዃንን ብሓደ ምስራሕ ወይ ምጉዓዝን ኢዩ፡፡ ሰለዚ መጀመርያ ሓቀኛ ስምረት ንፍጠር እሞ ብድሕሪኡ ምውድዳብ ጥራይ ኢዩ ዘድልየና ዘሎ አብ ውሽጢ ዘሎ ምስ አብ ደገ ዘሎ ጥቡቅ ርክብን ዱልዱል ዝምድና ክፍጠር ክክእል አለዎ፡፡ እቲ አብ ውሽጢ ዘሎ በቲ ናትና ዕላማን ራእይን ሓድነትን እንተአሚኑ ንዝአመነሉ ዕላማ ድማ ክሳብ ሕይወቱ ክከፍል ድልው ምዃኑ ርግጸኛ ኢየ፡፡ እቲ ናይ ትማሊ አብ ግዜ ገድሊ ሕዝቢ ኤርትራ ኩሉ ወንበዴ ዝባሃለሉ ነበረ ግዜ ከማን ሕዝቢ ከይፈርሔ አብ ውሽጢ ጸላኢ ኮይኑ ብፍላይ ሓፋሽ ውዱባት ዝሰርሕዎ ስራሕን ዝከፈልዎ መሰዋእትን ካብ ማንም ዝስወር አይኮነን፡፡ ስለዚ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ እቲ አብ ውሽጢ ዘሎ ሕዝብና ምሳና ሓቢሩ ክሰርሕን ክቃለስን እንተኮይኑ ናትና ሓድነትን ስምምዕን እቲ ንጹር ዕላማናን ራኢናን ወሳኒ ኢዩ፡፡

ብፍላይ እዚ መንእስይ እዚ ክማሃር አለዎ ኩሉ አድላይ ዝኮነ ነገራት ፍትሕን ዲሞክራስን ሰላምን ሓድነትን ምክንያቱ ዝኮን ነገር ብዘይ ሓድነት ትርጉም የብሉን ምክንያቱ ዲክታተራውያን ዝኮኑ ስርዓታት ነቶም ንጹሃትን ሓንቲ ዘይፈልጡ መንእሰያት መሰሎም ንምስራቅ አየጸጉሞምን ኢዩ ። ምክንያቱ ኩሉ ግዜ ወላሓንቲ ዘይምፍላጥ ንጨካናትን ዲክታቶራውያንን እቲ ዓቢ ናይ ፓለቲካ መሳርያኦም ኢዩ፡፡

እዚ ማለት ድማ ካብ ዲክታቶራዊ ስርዓት ንምግልጋል ከም ቀንዲ መሳርሒ ጌርና ክንወስዶን ክንሰርሓሉን ዘለና ንመንእሰያት ብምንቃሕን ወይ ብትምህርቲ ብምህናጽን ህልው ኩነታት ሃገሮምን ሕዝቦምን ከምዝፈልጡን ብዓቢኡ ድማ እቶም አብ ፓለቲካል ሳይንስ ይኩን ወይ አብ ማሕበራዊ መዳይ ትምህርቲ ወይ ብቁዕ አፍልጦ ዘለዎም ዜጋታት ነዚ መንእሰይ ናይ ሰላምን ፤ ዲሞክራስን ፤ ሰብአዊ መሰልን ፤ ልዕልና ሕጊ ፤ ተሓታተነት ፤ ግልጽነትን ፤ ካልእን ነዚ መንእሰይ ከንቅሕዎን ከፍልጥዎን ክክእሉ አለዎም፡፡ ብዓቢኡ ነዞም አብ ዲያስፓራ ዘለዉ መንእሰያት ብፍላይ አብኡ ዝተወለዱ ምስቲ አብ ውሽጢ ዘሎ መንእሰይ ብዕላማ አብ ሓደ ከስምርዎም ክክእሉ አለዎም፡፡ ናትና ሕምቀት ኢዩ ድማ መብዛሕትኦም አብ ደገ ዝተወለዱ መንእሰያት መብዛሕትኦም ክባሃል ይካአል አብ ዘይፈልጥዎ ጉዳይ ምስ ህግደፍ ጥቡቅ ዝምድና ዘለዎም፡፡ ሰለዚ እቲ ሓቀኛ ስእሊ ህልው ኩነታት ኤርትራ ከነፍልጦም ሓላፍነትና ኢዩ፡፡ ስለዚ ሰርዓት ህግደፍ ካብ ዝጥቀመሉ ዝተፈለየን ዝተራቀቀን ስልቲ ክንጥቀም አለና፡፡

አብዚአ ከየመስገንኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ንክቡር ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)  እቲ ዝገብሮ ዘሎ ሃገራዊ ጻውዒት ብጣዕሚ ዝናአድን ዝድገፍን ኢዩ ኮይኑ ግን አነ ክብሎ ዝደሊ ንምስማዕ ዝተፈጠረ እዝኒ ካብ ምስማዕ ዓዲ አይውዕልን ኢዩ፡፡ ስለዚ ነዚ መልእክቲ ናይ ወዲ ቫካሮ ብእዝንና ምስማዕ ጥራይ ዘይኮነ ብልብና ከነድምጾ ክንክአል አለና፡፡ ምክንያቱ ኩለ ግዜ ፍጡር ወዲ ሰብ ስለዝሰምዔ ፤ ስለዝተማሃረ ፡ ስለዝፈለጠ ፤ ስለ …ስለ …ስለ… አይኮነን ሙሉእ ሰብ ዝባሃል፡፡ እንታይ ዳአ ብሕልና ምስ ዝጎዓዝ ኢዩ ሙሉእ ሰብ ክባሃል ዝካአል፡፡

እምበአር ጽሑፈይ ንምጥቅላል እዚኦም ሓይሊ አልቦ መሳርያታት ማለት ሰለማዊ ቃልሲ ብጣዕሚ አገደስቲ ኢዮም ምክንያቱ ሰባት ከም አማራጺ ክጥቀመሎም አክኢሎሞ ኢዮም ፡፡

ጅን ሻርብ ከጠንቅቀና ከሎ “ እንድሕር ሕዝቢ እዚኦም ዘይብሉ ፣ እንድሕር እቶም ሕዝብታት ዘይፈሊጦምን ዘይአሚኖምን ሙሉእ ሓይሊ ከምዘለዎም ንድሕሪት ክምለሱ ኢዮም ናብ ሓይልን ኩናትን፡፡ ይብለና፡፡ ሓቂ ኢዩ ምክንያቱ አብ ኢድና ዘሎ ክንገብሮ ንክእል ነገር ከሎ ሸለል እንተ ኢልናዮ ወይ ሙሉእ ሓይሊ አለና ንክእሎ ኢና ኢልና ተዘይአሚና አብ ዘይተደለየ ሓይልን ፤ ጎንጽን ፤ ክሳራን ክንአቱ ሙዃና ኢዩ ጅን ዝሕብረና ዘሎ፡፡ ስለዚ ሃየ ….

አብ መወዳእታ ብዛዕባ ጅን ሻርብ ገለ ኢለ ጽሑፈይ ክዛዝም ታሪኩ ነዊሕ እኮ እንተኮነ ብሓጺሩ ጅን ናይ ዓለምና ናይ መጀመርያ ብናይ ሰለማዊ ቃልሲ እስትራተጂን ሜላን ብምጽሓፍ ኢዩ ዝፍለጥ፡፡ ስራሓቱ ድማ ናብ ልዕሊ 30 ቋንቋታት ተተርጊሙ ዓቢ ጥቅሚ እንዳበርከተ ይርከብ፡፡ እቲ መጻሕፍቱ ካብቲ ዝገርም አብ ሙሉእ ዓለም ዶባት ክሰግሩ ከለዉ ልክዕ ከምዚ ዘይሕጋዊ ነገር ካብ ናይ ጸጥታ ወይ ፓሊስ ተሓቢኦም ኢዮም ዝአትዉ እዚ ዘርእየና እቲ ንሱ ዝገልጸን ዝጥቀመሉ ሜላን እስትራተጂን ንዲክታቶራውያን ስርዓታት ማዕረ ክንደይ ከምዘፍርሖም ኢዩ፡፡ ብሓቂ ድማ እዚ ነገር ድማ አብ ተግባር ስለዝተራእየ ኢዩ፡፡ እዝከረኒ አብ ግዜ ናይ ምስሪ ሰውራ አሕምድ ማህር ሓደ ካብቶም መራሕን አወሃሃድን ሰልፊ ናይ ሚያዝያ 6 ዝነበረ እቶም ጉጅለ ናይ መናእሰያት ምንቅስቃስ ብዓረብ ዝተተርጎመ ናይ ጅን ሻርብ ስራሕ ከምዘንበቡን ከምዝሓገዞምን ንኒው ዮርክ ታይምስ ገሊጽሎም ነይሩ፡፡          

ብተወሳኪ አሕመድ ገለ አባላት ካብቶም ናይ ምንቅስቃስ መንእሰያት ናይ ሚያዝያ 6 ናይ ሓሳባት ወይ ተመክሮ ንምልውዋጥን ንሰርብያ ከምዝከዱን ምስ አባላት ማሕበር መንእሰያት በልግረይድ ከምተራከቡ ገሊጹ፡፡ እዚ ናይ በልግረይድ ማሕበር ብናይ ቅድሚ ሕጂ አባላት ኦትፐኦር (Otpor)  “resistance” አብ 2004 ዝተመስረተ ኢዩ፡፡ እዚ ማሕበር መንእሰያት ብናይ ጅን ሻርብ ሜላ ብምጥቃም ቀንዲ ሓጋዚ ንምእላይ ስሎቦዳን ሚሎሰቪች አብ 2000 ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡

ስለዚ ንሕና’ውን እቲ ዓቅሚ ዘለዎ ብዓቅሙ እቲ ፍልጠት ዘለዎ ብፍልጠቱ ተሓጋጊዝና ነዚ ናይ ጅን ሻርብ ስራሓት አብ ትግርኛ እንተንትርጉሞ ክንደይ ጥቅሚ ምረከብናሉ ኢለ ይአምን፡፡ ምክንያቱ ከምተገለጸ ብፍላይ መንእሰያት ደለይቲ ለውጢ አብ ሙሉእ ዓለም ዘለዉ ዓቢ ጥቅምን ሓገዝን ኢዮም ረኪቦምሉ፡፡ ልዕሊ ኩሉ እቲ ጽሑፋቱ ሞራል ክትሰንቅን ዘይካአል ነገር ከምዘየለን ብዓቢኡ ዲክታቶራውያን ድኩማት ምዃኖምን መሰረቶም ሕዝቢ ምኻኑን አብ ዝኮነ ግዜ ክትአልዮም ከምትክእልን አብ ውሽጥካ ሙሉእ እምነት ይፈጥረልካ፡፡

እዚ ማለት ግን እምነትና ወይ ምስጢር ዓወትና አብ ናይ ጅን ጽሑፋት ይኩን አይኮንኩን ዝብል ዘለኩ እምነትና ይኩን ናይ ዓወትና መገዲ ሓድነትናን ስኒትናን ኢዩ፡፡ ናይ ጅን ጽሑፋት ግን አብ ልዕሊ ሓድነትና ሓቦን ጽንዓትን አስኒቁ ክግበር ወይ ክከውን ዘይክእል ዝመስለና ነገር አብ ተግባር ንክንትግብርን ዓወትና ንክቀላጠፍ ይሕግዘና ኢዩ ንምባል ኢየ፡፡

 

አጋጣሚ እዛ ጽሕፍቲ ምስወዳእኩ ካብ ራድዮ አስና መድረክ ጽቡቅ ወረ ሰሚዔ እዚ ድማ ለውጢ ካብ ውሽጢ ክመጽእ ከምዝክእል ዝአመኑ ሰባት ብሰለማዊ መገዲ ለውጢ ንምምጻእ ምንቅስቃስ ከምዝጀመሩ አበሲሮሙና ናይ ብሓቂ ዓቢ ብስራት ኢዩ እዚ ኮይኑ ግን ሓደራ ክብላ ዝደሊ ልክዕ ከቢድ ኢዩ ብፍላይ ጽላልካ አብ ዘይትአምነሉ ሃገር ግን ከቢድ ምዃኑ ካብ ዕላማና ሰገጥ ከብለና ወይ ፈሪሕና ነቲ ዝመጽእ ጸገማት ንምግጣም ከነንሳሕብ ወይ ኢድና ክንህብ ዘይኮነ ነቲ ክብደቱ ብከመይ ነፍክሶ ወይ ንብድሆ ክንሓሰብ አለና፡፡ ምብጋስ ጥራይ ኢዩ ዘድልየና ዘሎ ብፍጹም ከቢድ ነገር አይኮነን ሕሙም ዳአ ከይትብሉኒ እምበር ንስርዓት ህግደፍ አብ ሓንቲ መዓልቲ ካብ ሱሩ ክንብንቁሮን ክንበታትኖን ተክእሎ አሎ ምክንያቱ ቦክቢኩ ኢዩ የለን ሓደ እግሩ አብ ጉድጎድ ዝአተወ ሰርዓት ኢዩ ብዓቢኡ ድማ ነቶም የማናይ ኢድ ናይቲ ስርዓት አብ ጉዕዘና ከፍርሑና ማለት ክዕንቁፉና ይክእሉ ኢዮም ኢልና ንግምቶም ሰባት ናባና ክንስሕቦም ወይ ክሳሓቡ ከምዝክእሉ ክንአምን አለና፡፡ ከምዚ ክብል ዘገደደኒ ኩሉ ግዜ አብ ሰንኮፍ ዘሎ ነገር አይኮነን ደፊእካዮ ኡፍ እንተኢልካዮ’ውን ይወድቅ ኢዩ፡፡ ስለዚ ኩልና አብ ውሽጥና ከምዚ ዓይነት እምነት ከነሕድር አለና ሞራልን ሓይልን ኢዩ ዝኮነና፡፡ ሎሚ ምስ ሰርዓት ህግደፍ ጠጠው ዝብል ዲያብሎስን ገለ መሰልቱን እንተዘይኮይኖም ሕልና ዘለዎ ሰብ ምስ ህግደፍ ጠጠው ዝብል የለን… ስለዚ ናትና ዕላማን ተበላሓትነትን ኢዩ ዝውስኖ ሕዝቢ እንተተላዒሉ ምስ ሕዝቡ ዝውግን እምበር አንጻር ሕዝቡ ዝላዓል አካል የለን ተራእዩ’ውን አይፈልጥን ኢዩ፡፡ ምክንያቱ ኩሉ ግዜ ከምንዕዘቦ አብ ቡዙሓት ሃገራት ከምተራእየ ሰራዊት ኩሉ ግዜ ምስ ሕዝቡ ኢዩ ዝውግን፡፡ ስለዚ ከም አብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ አዝዩ ጥንቃቀን መጽናዕትን ከምዘድልየናን ካብቲ ስርዓት ከጋጥመና ዝክእሉ ብድሆታት አቀዲምና ናይ ሞራልን ሕልናውን ቁርብነት ክህልወና ይግባእ፡፡

 

እርዳአኒ ኢዩ ገለ ሰባት እንታይ ኢዩ ዝብል ዘሎ ዘይከወን ነገር ከምዝብሉን ማዕረ ብጥዕናይ ዝጠራጠሩ ሰባት ከምዝህልዉ ፍሉጥ ኢዩ፡፡ እዚኦም ሰባት ግን ዜሮ ሞራልን ድካ አፍልጦ ዘለዎምን አብ ኩውንነት ዘይአምኑን ነገራት ዘክብዱ ፤ ነብሶም ዘይኣምኑ ፤ ፈራሓትን ፤ ዘይካአል ነገር ከምዘየለ ዘይአምኑን ኢዮም፡፡ እቲ ካብ ኩሉ ዝገርመኒ ናይዞም ሰባት ሓቦ ዘይብሎም ምዃኖም ዘርእየካ ካብ መጠን ንላዕሊ እቲ ፍርሒ አብ ከብዶም ኢዩ አትዩ መስለኒ ንህግደፍ ወላ ፈጣሪ ባዕሉ ከማን ከጥፍኦም ከምዘይክእል ዝዓይነቱ እምነት ኢዩ ዘለዎም፡፡

ኩሉ ግዜ ደቂ ሰባት ብተፈጥሮና ማዕረ ስለዘይኮና ብቡዙሕ ነገራትና ስለዚ ነቶም አብ መንጎና ዘለዉ ድኩማት ሰባት ሓይሊ ክንኮኖም ኢዩ ዘለና ዘይቅየር ሰብ የለን፡፡ ብሓባር ድማ ንስራሕ ንወዳደብ ርግጸኛ ኢየ ናይ ግድን ክንዕወት ኢና፡፡

ወደሓንኩም፡፡

ዓወት ንደለይቲ ለውጢ !

ባቲሞ – ካርቱም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • habrom February 10, 2014

    I hope it will be soon. I was watching his interview yesterday, he has no respect…technically he is not normal. He took more than 2hours for five or six questions. Atum sebat mnya kolel….msla nay weledna…haderka entebelos entatiE yzerE aleku. We are not lucky.

    • Suleiman Salim February 10, 2014

      You have a very limited intellectual capacity.

  • halengi February 10, 2014

    way hawei mihret yewredelka sanza methaf ikum zeitawetkum nerkum wey gud bel kab kartum kereba eya asmera etewa gegna nebeinka eta methaf weninkaya

  • wedi asmara February 12, 2014

    i really appreciate ur article. regarding ur recommendation that the writings of Gene Sharp shall be translated into tigrinya-this has already been done and is accessible at http://www.aeinstein.org and search for FDTD tigrinya! i will wait u to do sth with that!!!

  • redae February 12, 2014

    any body who believe nonviolence struggle against Eritrean dictator is against Eritreans.no explanation needed for our people,either with the people or with the dictator.

POST A COMMENT